20 March

ዮፍታሄ ድመጥሮስ ጳጳሳት ጾም ኣርብዓ ኣቋሪጾም
ብምኽንያት ጾም ኣርብዓ ኣብ ገዳማት ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም ዝጸንሑ ጳጳሳት ሱባኤ ኣቋሪጾም ክሳብ ጊዜ ሕማማት ኣብ ኣስመራ ክእከቡ ዮፍታሄ ድመጥሮስ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ። በዚ መሰረት ኩሎም ጳጳሳት ሱባኤን ጸሎትን ኣቋሪጾም ጽዑቕ ኣኼባ ኣብ ምክያድ ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ድማ ንኹሉ ኣብቲ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ዝርከብ ሰራሕተኛ ኣገሪሙን ኣሕዚኑን ዘሎ ጉዳይ፡ ኮይኑ ኣሎ።


ዮፍታሄ ዲመጥሮስ ሕማም ሽኮርያ ኣሎኒ ብዝብል ምኽንያት ኣይጸውም ኣይቆርብ ኣረሜን ሰብ እዩ። null
ቤተክርስትያናት ኤረትራ ብዝበኽዩን ዝጉህዩን ህዝቢ ካብ ጻት ናብ ጻት መሊኡ፣ ቀጽሪ ቤተክርስትያናት ብንብዓት ዘጠልቅየሉ ዘሎ መሪር እዋን ጾም ኣርብዓ ኢዩ።
ምሉእ ህዝቢ ኤረትራ ብሰንኪ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ወሪድዎ ዘሎ ንምጽዋሩ ዘይከኣል ከቢድ መከራ ብሓደ ወገን፣ ወለዲ ምእንቲ መእሰያት ውሉዶም፡ መርዓት ምእንቲ ሰብኣያ፡ ቆለውዕ ምእንቲ እቶም ዘይሓቖፍዎምን ዘየሕንቀቕዎምን ኣቦታቶም ድማ ብኻልእ ወገን።

ብኣንጻሩ እቶም ዓለም መኒኖም ሱባኤ ቆጺሮም ቆጽሊ ሸምጢጦም፡ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ጸልዮም ናብ ኣምላኽ ከተዓርቑ ዝጽበይዎም ጳጳሳት ግና ምእንቲ ሓላፊ ስልጣን፡ ብሓደ ኣርሜን ፈሪሖምን ተሰናቢዶምን ነቲ ነብስን ስጋን ክፈርድ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ምፍራህ፡ ንህግደፍን ተለኣኽቶምን ፈሪሆም ኣብዚ እዋን እዚ ከምዚ ዓይነት ገበን ክፍጽሙ ምርኣይ ብኣምላኽን ህዝቢ ኤረትራን ይቕረ ዝበሃለሉ ኣይኮነን።

"ዘይስንኻ ሕጻ ቆርጥመሉ" ከምዝበሃል ዮፍታሄ ድመጥሮስ ዝተዋግአ፡ ዝተሰዋአ፡ ወይውን ሕጂውን ኣብ ወፍሪ ባርነት ዝተዋፈረ ውላድ ይኹን ዘመድ የብሉን። እኳ ድኣ ብኣንጻሩ ደቁ ኣብ ኣመሪካ ተዓቒቦም ይርከቡ ኣለዉ። ንሱ ግና ሳላ ኣቡኡ ቀሺ ድመጥሮስ ደም ኤረትራውያን ሰትዩ ዝዓበየን ሕጅውን ብደም እቶም ዘህለቖም ኣብ መንበር ስልጣን ተቐሚጡ ኣሎ። ነገሩ "ወዲ ዓሻ ክልተ ሳዕ ይውቃዕ" ከምዝበሃል ዳግማይ ይቕጥቅጠና ኣሎ። እቶም ጳጳሳትውን ወሊዶም ኣይሓወሱን እዮም።

ዛዕባ እቲ ኣኼባ ናይ ዓለም ቤተክርስትያናት ብሰንኪ እቶም ኣብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝርከቡ ግጉያት ጸረ ሃገርን ጸረ ቤተክርስትያንን ዝኾኑ፣ ኣብ ጎኒ ኣቡን ኣንጦንዮስ ደው ብምባሎም ንዕቀት ሲኖዶስን መንግስቲ ኤረትራን እዩ" ክብል ዮፍታሀ ገሊጽዎ። ደጊሙ ድማ ዝእግደና ሓይሊ ስለ ዘየለ ፓትርያርክና ክንመርጽ ኢና።

ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ኤምባሲ ኤረትራ እቲ ዝግብኦ ስለ ዘይፈጸመ፡ እቲ ብጳጳስና ኣባ ሲኖዳ ዝሕበሮ ከተግብር ስለ ዘይከኣለ ቤተክርስትያናት ይዓኑ ኣሎ። ሰብ ኣንጻርና ይለዓል ኣሎ። እታ መንበር ጵጵስና ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ትርከብ ቤተ ክርስትያን እንዳ ስላሴ ኣብ ክልተ ተመቒላ ኣላ ነቲ ኣብኡ ኾይኑ ሽግር ዝፈጥር ዘሎ ቀሺ ኣፈወርቂ ጠሪዝኩም ለኣኹልና ተባሂሎምውን ከተግብሩ ኣይከኣሉን" ወዘተ ዝብል ሃጠውቀጠው ኢዩ ነይሩ።
ብተወሳኺ ድማ፣ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ካህናትውን ብኣፎም ደኣ ምሳኹም ኢና ይበሉ እምበር ብግብሪ ምሳና ከም ዘየለዉ ኣረጋጊጸ እየ፡ እዚ ድማ ውጽኢቶም ኣብ ተቓውሞ እቲ ህዝቢ ምኽንያቱ ነቶም ዝመደብናዮም ጳጳስ ኣይንቕበሎምን ኢሎም ኩሎም ነጺገሞም እዮም። ዝብል ሪፖርት ዮፍታሄ ንሲኖዶስ ኣቕሪቡ።

ዛዕባ እቲ ኣኼባ እዝን ካልእን ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ይሁዳ ሓዲሩ ኣብ እዋን ጾም ኣርብዓ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ስቕለት ዘብጽሐ ልብሲ (ክዳን) ኢየሱስ ዝተማቐልዎ ጊዘን ሰይጣን ልክዕ ኣብ ጊዝኡን እዋኑን ኣብ ዮፍታሄ ሓዲሩ፡ ኣቐዲምና ከም ዝሓበርና ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክዳኖም ተቐንጢጡ፡ መስቀሎም ተመንጢሎም፡ ኣብ ጸልማት ገዛ ተዓጽዮም ነዛ ፈተና እዚኣ ክሓልፍዋ ይምህለሉ ኣለዉ። ኣባ ደስቁሮስን ኣባ ጴጥሮስን ድማ ክዳን ኣቦኦም ቀንጢጦም ንምኽዳን፡ ኣብ እግሪ ዲያብሎስ ዮፍታሄ ወዲቖም ይልምኑ ኣለዉ።

ውጽኢት ናይዚ ዮፍታሄ ዝገብሮ ዘሎ ዘርጊ ኣኼባ ኣብ ቀጻሊ ክንጽሕፍ ኢና። ሓደራ ነዚ ተጻጊምና ንጽሕፎ ዘሎና ኣብ ህዝቢ ተቃልሑልና ዘለኹም፡ ሃገራውያን ደምበ ኣዝማሪኖን ካልኦትን ነመስግነኩም ጥራይ ዘይኮነ ናብ ኣምላኽና ንጽልየልኩም ኣለና።

ደቂ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን
መነኮሳት፡ ካህናት፡ ዲያቆናት
ካብ ኣስመራ።
posted at 4:29:30 PM on 3/20/2007 by Beyene - Category: General

Comments

Abrham wrote:
eti gebrwo zelekhum tekhawmo kablbi ndgfekum amlkh semay dma bkhrstos yesus geru asbkhum khbekum eyu tray teagesu nezi ekhum ztetewaekum eti tefetinu zteawetu asbi awet bkhrstos alewo tbukh enageberkum enteda kem fkad amlkh koynus des ybelkum fkad amlkh entay mkanu ena alelekum tray gberwo abgziau dma bamlkh zeytetekhele zebele kanu eyu yhuda wn bgemed tehaniku eyu moyto slezi nabti tesfa twakum enahasebkum nklu teageswo bmeaserti abona abune enteniuws dma azikum aytchenku egzabhier amlkh aytntnomn kotown eshsh ayblomn eyu n danel af anabsti zatewelu n paulos n petros n yowhans kab maeserti zewtae amlkh lomi wn nsu yesus crstos kulu gzye yawu eyu ayteleweten yhasbelom eyu sle hatiat hzbna dea nteln nhsebn yetehasasbenan kem nehmya mrkkh elna sleom nsha enaatena namlkh nlemno n abona dma tnat khbom aytresau bzaeba nay maerg kdanom wn aythsebu n eyasu hadsh kdan bmelaku geyro zelbese amlkh lomi wn alo!
FKHRI AMLKH
TEGA GOITANA YESUS KRSTOS
HBRET MENFESKDUS MS MENFESKUM YKUN GOITA YBARKUM.
B HAWKUM BARYA YESUS DIAKON ABRHAM.
3/21/2007 2:41:16 AM
Tigre wrote:
Yeftihe Dimertros did good because ,this Segenyti people are the people as ageme people.We shall kill them by any means.i mean it.this dirty popolo want destroy us.
3/21/2007 2:33:54 AM
the Anseba man wrote:
Anbesa you are not Anbesa, you are just Dmu!!!! The loser is not wedi meharena but you & pfdj I can call you the deaf & blind man.
3/21/2007 2:05:02 AM
tesfa wrote:
ISSAYAS AFEWERKI AND MOHAMMED GRAN ARE THE SAME.THE FOLLOWERS OF THE CHURCH WERE FIGHTING FOR THEIR RELIGION BEFORE 500 YEARS. WHY NOT NOW????????
3/20/2007 10:33:02 PM
tesfa wrote:
ISSAYAS AFEWERKI AND MOHAMMED GRAN ARE THE SAME.THE FOLLOWERS OF THE CHURCH WERE FIGHTING FOR THEIR RELIGION BEFORE 500 YEARS. WHY NOT NOW????????
3/20/2007 10:33:00 PM
ANBESA wrote:
wedi meherena always make story.what loser person are you? who made the story you or wayne information minister.
3/20/2007 9:36:14 PM

Add Comments

:

You are EHREA (Log Out)