ኣብ ደምበ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሓደገኛ ኩ

Sunday, 20 January 2013 09:21
http://www.asmarino.delina.org/blog/wufyat/item/18/as?view=article&tmpl=component&print=1

ኣብ ደምበ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሓደገኛ ኩነታት ተባሪዑ።


ንፓትሪያሪክ ኣቡነ ኣንቶንዮስ ካብ መዓርግ ንምውራድ፡ ኣይንፍርምን ኢሎም ዝኣበዩ ኣቡናት
ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ይርከቡ። ፖለቲከኛ ዮፍታሀ ብዘይ ናይ ህዝቢ ምርጫ ሓዲሽ ፓትሪያሪክ፡ ክሸይም ብ22 ሓምለ 2005 ናብ
ግብጺ ከይዱ ኣሎ።

ፖለቲከኛ ዮፍታሀ ድመጥሮስ፡ ንተዋህዶ ሃይማኖት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ መንግስቲ ህግዲፍ ከምበርክኽ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ተጠቒሙ፡
ንኣቡናት ብምፍርራሕ ኣፈሪሙ፡ ዝለዓለ መራሒ ተዋህዶ ሃይማኖት ኮይኑ፡ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብናይ ፓትሪያሪክ መዓርግ ይመርሕ
ኣሎ።
ንፓትሪያሪክ ኣቡነ ኣንቶንዮስ ሙሉእ ብሙሉእ፡ ካብ መዓርግ ፓትሪያሪክ ንምውራድ፡ ዘሎን ዘየሎን ክስታት ኣኻኺቡ፡ 21 ሓምለ ነቶም ኣይንፍርምን ኢሎም ዝኣበዩ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ስለያን ጸጥታን መንግስቲ ህግዲፍ ኣጸዊዑ፡ ክፍርሙ ግዲ እኳ እንተበሎም፡ ቃልና ኣይንልውጥን ብረት ኣለኩም ቅተሉና ኢሎም ኣብ ቃሎም ስለ ዝጸንዑ፡ ንሳቶምውን ከም ፓትሪያሪክ ሂወቶም ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኣሎ።
ናይ ተዋህዶ ሃይማኖት ኤርትራ ዋና ሓላፍን መራሕን ዮፍታሀ ምስቶም ንህላውነት ናይ ኤርትራ ተዋህዶ ሃይማኖት ሓደገይና እንዳኾኑ ዝኸዱ ዘለዉ፡ ኢትዮጵያዊ ኣቡን ኣባ ማርቆስ (ኣባ መንግስቱ ኣበበ በቀለ ወዲ ሽዋ) ኣሰንዩ፡ ምስ ናይ ግብጺ ፖፕ ንምዝርራብን ብዘይ ናይ ህዝቢ ምርጫ ሓዲሽ ፓትሪያሪክ፡ ክሸይምን 22 ሓምለ 2005 ናብ ግብጺ ከይዱ ኣሎ።

ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት: ብኢደ ወነኑ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒን ሓላፍን ተዋህዶ ሃይማኖት ፓትሪያሪክ ዮፍታሀ ድሜጥሮስ፡ ከም ዝውረ፡ ብዝከኣል ኣባ ማርቆስ ወይ ኣባ ሉቃስ፡ ወዲ ዛላምበሳ ምዃኖም እዮም፡ ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም ከም ዝሽየሙ። ጻዕርታት ይግበር ምህላዉን ብመንግስቲውን ዝለዓለ ደገፍ ከም ዘለዎምን ይግለጽ ኣሎ።

ብካልእ መዳይ ነቲ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ዘሎ፡ ምምሕዳር ተዋህዶ ሃይማኖት ኤርትራ ኣፍሪስካ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነጥፉ ናይ ቁምስና ካህናት ሰጊግካ፡ ብዮፍታሀ ድመጥሮስ ዝምራሕን ዝዝወርን፡ ህላውነት ፓትሪያሪክ ኣቡነ ኣንቶንዮስ ዘይቅበል፡ በቲ ኣብ ኤውሮጳ ሓንቲ ቁም ነገር ዘይገበሩ ሓድሽ ኣቡን ዝምራሕ ምሕደራ ክምስረት፡ ንተግባራውነት እዚ ዕንወት ድማ፡ በቶም ንጸይቅነት ተዓጢቖም ብመንግስቲ ፓትሪያሪክ ክኾኑ ዝጽዕሩ ዘለዉ ኣባ ሉቃ ወዲ ዛላምበሳ ኣቢሉ፡ ነቲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ዝግበር ናይ ቁምስና ኣመሪካን ካናዳን ኣኼባ፡ ተረኺቦም ነቲ ኣኼባ ካልእ መልክዕ ከትሕዙ፡ ነቶም ብሓላፍነት ተርናፊ ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ናይ ኣመሪካ ቁምስና ሓላፊ ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ ከኣ ኣታሊልካ ወይ ኣፈራሪሕካ ናብ ኣስመራ ተመሊሶም ክሰርሑ ክግበር፡ ምስ ፓትሪያሪክ ኣቡነ ኣንቶንዮስ ርክብ ኣለዎም ስለ ዝበሃል ከኣ ኣብ ቀይዲ ንምእታው ፈተናታት ከካይዱ፡ ምሉእ ስልጣን ተዋሂብዎም፡ ሓደ ጉጅለ መሪሖም ናብ ኣመሪካ ተላዒሎም ምህላዎም ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ተዋህዶ ሃይማኖት ዮፍታሀ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ይሕበር ኣሎ።
እቲ ናይ ኣመሪካን ካናዳን ውህደት፡ እንተ ተኻኢሉ ብምፍርራሕን ብምምስሳልን ከምቲ ንፓትሪያሪክ ዘኽፍእዎም ዘለዉ ኣኽፊእኻ፡ ንናይ ኣመሪካ ቁምስና ውሽጢ ውሽጢ ከም ዝከፋፈል ምግባር፡ ዝከኣለሉ መገድታት ተወዲኡ፡ ኣብዚ ውሽጢ እዚ ሰሙን እዚ ናብ ኣመሪካ ክኸዱ ተሓቢሩ ኣሎ።

ፓትሪያሪክ ቅዱስ ኣቡነ ኣንቶንዮስ፡ ምስ ሰብ ከይራኸቡ፡ ብሕልፊ ከኣ ምስቶም ምሁራት ዝበሃሉ ናይ ተዋህዶ ሃይማኖት ልቃውንቲን ፈላጣትን።

1. ኣባ ተወልደብርሃን ዓንደመስቀል፡ ፈላጥ ታሪኽ ናይ እንዳኣቡነ መንቀርዮስ ዓረዛ ሓላፊ ቁምስና ገዳም ዝነበሩ። ኩሉ ዝፈልጦም ካብ ዘበን ሃይለስላሴ ኣትሒዞም ንኣቡን ዝተወዳደሩ፡ ካብ ቀደም ምስ ቀሺ ድመጥሮስ ኣቦ ዮፍታሀ ድሜጥሮስ ዘይፋተዉ ምዃኖም ዝንገረሎም፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝብል ተሪር መትከል ዝነበሮምን ዘለዎምን።

2. መምህር ዓንደብርሃን ገብረማርያም፡ ንተዋህዶ ወኪሎም መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ትግርኛ ዝተርጎሙ፡ ብዙሕ መጻሕፍቲ ካብ ግእዝ እንግሊዝ፡ ናብ ትግርኛ ዝተርጎሙ ምሁርን ፈላጥን።

3. መጋቤ ምስጢር መብራህቱ መባእ ዓይነ ስዉር ፈላጥ መጻሕፍቲ፡ ምስጢረ ተዋህዶ መጽሓፍ ዝደረሱን ዝጸሓፉን፡ ፍሉጥ ሰባኺ መምህር፡

4. ሊቀ ሑርያን ግደይ ገብረ ናይ ቀደም ናይ እንዳማርያም ፍኖተ ብርሃን ሓላፊ ዝነበሩ። ጸሓፊ ተዋህዶ ሃይማኖት ነሮም ብድራጎን ሃይለመለኮት ዝተሰጉ።

5. መርገታ ተወልደመድሂን መንግስቱ እንኮ ናይ ሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብዲምሎም ምሩቕ፡ ካብ ናይ ሕጊ ሓላፍነት ቤት ጽሕፈት ተዋህዶ ሃይማኖት ብዮፍታሀ ዝተሰጎጉ።

6. መርገታ ይባረኽ በርሀ፡- ኣብ ታሪኽ ተዋህዶ ሃይማኖት ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ታሪኽ ተዋህዶ ሃይማኖት ኤርትራ ብመልክዕ መጽሓፍ ዝጸሓፉ፡ ብመንፈሳውን ዘበናውን ትምህርቲ ዝበሰሉ፡ ምክትል ዮፍታሀ ኮይኖም ክሰርሑ ድሕሪ ጸኒሖም፡ ሕጂ ብትእዛዝ ዋና ሓላፊ ተዋህዶ ሃይማኖት ኤርትራ ዮፍታሀ ካብ ስራሕ ዝተሰጎጉ።

7. መርገታ ሰመረ ወልደገብርኤል ኣብ ትዮሎጊያ ናይ ግብጺ ብዝለዓለ መዓርግ መንፈሳዊ ትምህርቲ ተመሪቖም፡ ብፍልጠት ካብ መማህርቶም ጸብለል ኢሎም ዝወጹ ምሁር።

8. ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ሓላፊ ስብከት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ

እዞም ኩሎም ምሁራት ተዋህዶ ሃይማኖት፡ ካብ መላእ ኤርትራ ብፍልጠቶምን ብቕዓቶምን፡ ተሓርዮም ኣብ ናይ ተዋህዶ ሃይማኖት ናይ ልቃውንቲ ጉባኤ ዝብል ሓለፍቲ ዝነበሩ እዮም። ሎሚ ኣብ ከባቢ ገዛ ይኹን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ምስ ቅዱስ ፓትሪያሪክ ኣቡነ ኣንቶንዮስ ምስ ዝራኸቡ፡ ማእሰርትን ልዕሊኡን ክበጽሖም ምዃኑ፡ ምስ ከቢድ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ። ቅዱስ ፓትሪያሪክ ከኣ፡ ብጀካ ካብ ገዝኦም ናብ ቤተ ክርስትያን፡ ካብ ቤተ ክርስትያን ናብ ገዛ ናብ ካልእ ምግፋሕ ምስ ዝርአ፡ ጥቡቕ ምክትታል ይግበረሎም ኣሎ።
ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኣቡናታ ብሓደ በዓል ከራባታ ተመሪሖም ክኸዱ፡ ኣብ ናይ 2000 ዓመታ ኣብ መላእ ዓለም ናይ መጀመርታ ኣብ ኤርትራ ምዃኑ ብዙሓት ምሁራት ብንብዓት ዝገልጽዎ ሓቂ እዩ።

ብሕጊ ተዋህዶ ሃይማኖት ናይ ዓለም ፓትሪያሪክ ብህይወት እንከሎ፡ ፓትሪያሪክ ስለ ዘይሽየም፡ ምሻም ናይ በዓል ኣባ ማርቆስ ይኹን ኣባ ሉቃስ ምስኻዕ እንተ ኣብዩ። ቅዱስ ፓትሪያሪክ ኣቡነ ኣንቶንዮስ ብሂወት ምህላዎም ኣዝዩ ኣስጋኢ ምዃኑ፡ ኣብዚ ሓጺር እዋን ዝኾነ ናይ ስንክልና፡ ሞት ምስ ዘጋጥሞም፡ ተረዲእናዮ ክንጸንሕ።

ንሕና ኣብ ማእከል ሃገር ንነብርስ ወሪዱና ጸሎት ግበሩልና እንታይ እሞ ክንገብር።
እንተ ኣብ ውሑስ ዓለም ዘለኹም ግን፡ ነዚ ጸይቂ እዚ ኣፍደገኹም ከይክፈት፡ ንላበወኩም።

ግዱሳት ኦርቶዶክሳውያን።
መልእኽትና በቲ ረኺብናዮ ዘለና መስኮት ቀጻሊ እዩ ይቕጽል።
ብጸሎት ንንቃሕ ሕብረትና ኣንጻር ጸላእቲ እምነት ክርስትናና ነሕይል።

ፓትሪያርክ እንጦንዮስ ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ገዛ ተዓጽዮም ይሕለዉ፡

Thursday, 07 June 2007 10:11
ብመሰረት፡ መነኮሳት፡ ካህናትን ድያቆናትን ተዋህዶ ቤተክርስትያን ካብ ኣስመራ፡ ፓትሪያርክ እንጦንዮስ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ዕዳጋ ሓራጅ ተወሲዶም ብናይ ጸጥታ ወተሃደራት ይሕለዉ ኸምዘለዉ ተሓቢሩ። ንሶም ከምዝሕብርዎ፡ምስ ዝኾነ ሰብ ክራኸቡ ከምዘይተፈቕደሎምን ዝኾነ ናይ ሕክምና  ክንክን ከምዝተሓረሞምን ተፈሊጡ’ሎ። ብመሰረት እዞም ምንጭታት፡ ብሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ብሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ፓትርያርክ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ብሰለስተ ነገራት ጥራይ ምኻኑ ይገልጹ።
  1.ንሃይማኖት ተዋህዶ ወይ ንትምህርተ-መለኮት ተዋህዶ እንተኸሓደ
  2.ንመዓርጉ ዘጽርፍ ሓጢኣት እንተገበረ።
  3. ናይ ምሕሳብ ክእለቱ እንተደኸመ፣ እዚ ድማ ብሓካይምን ብናይ ሲኖዶስ ኣባላትን እንተኣረጋጊጾሞ።
ብዘይካዚ፡”ፓትርያርክ ካብ መዓርጉ ቅድሚ ምውራዱ ምእንቲ መሰሉ ኪከራኸር መሰሉ ሕልው እዩ።” ክብል ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ, ኣብ 1995፡ ገጽ 58 ብንጹር ኣስፊርዎ ከምዝርከብ እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

ሕጊ ጥሒስካ ዝምረጽ ፓትርያርክ ሕጋውነት የብሉን።

Wednesday, 06 June 2007 13:06
E-mail Print PDF

ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ዝተፈጸመ ግፍዒ ማእለያ የብሉን። ንኽልተ ሽሕ ዓመታት ተዓቂቡ ዝጸንሐ ጽኑዕ እምነትን ስርዓትን ዘፍርስ ኩነታት ብምርኣይና ከም ኩሎም ብጉዳይ ቤተ ክርስትያን ዝግደሱ ሰባት ኣሕዚኑና እዩ። ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጭዋ ሰብ ዋና ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ኪኸውን፤ እቶም ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ፤ ብድምጺ ኩለን ገዳማት፤ ምሉእ ተሳትፎ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን ምስክርነት ሊቀ ጳጳሳት ቤተ ክርስትያን ግብጽን ዝተመርጹ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ብህይወት እንከለዉ ብሓይሊ ካብ ስልጣኖም ኪእለዩ ዘደንጹ እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ሰይጣናዊ ዓመጽ'ዚ ድማ እንሆ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ካብታ ንልዕሊ ሰብዓ ዓመት ዘገልገልዋ ቤተ ክርስትያን ተፈልዮም ቅዱስ ቁርባን እኳ ከይወስዱ ተኣጊዶም ኣለዉ።

ምሁራት ካህናትን ዲያቆናትን ብዘይተፈልጠ ጉዳይ ብዘይ ፍትሒ ካብ ዝእሰሩ ዓመታት ኮይኑ ኣሎ፡ ዝቐረበሎም ክሲ ድማ ክሳብ ሎሚ የሎን። ብሉጻት ሊቃውንቲ፤ ካህናትን ድያቆናትን ብዘይፈልጥዎ ምኽንያት ካብ ቤተክርስትያን ተሰጒጎም ይርከቡ። ቤተክርስትያን ውሉድ ኣልቦ ኮይና ብዘይ ተተካኢ ወለዶ ንኽትተርፍ ድማ ኮነ ኢልካ መንእሰያት ብመደብ ፋሕ ኪብሉን ኪብተኑን ተገይሩ። ኣብ ቤተ ክርስትያን መድሃኔ ዓለም ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ተዓጽዩ ይርከብ። ካህናት ብመደብ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽከዱ ኣቶ ዮፍታሀ ዲመጥሮስ ባዕሉ ፈሪሙ ከምዝኸዱ ገይሩ።

ዝሓለፈ በደል ኣብ ክንዲ ምፍዋስ፣ ሕጂ ድማ ዝበኣሰ፣ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብህይወት እንከለዉ ብኻልእ ፓትርያርክ ንኽትክኡ ተገይሩ ኣሎ። መንግስቲ ህግደፍ ብጉልባብ ጳጳሳት ብዘይ ፍርዲ ሕጊ ረጊጹ ካብ መዓርጎም ኣውሪድዎም። ሕጊ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ፓትርያርክ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ብሰለስተ ነገራት ጥራይ ምኻኑ ድሕሪ ምግላጹ ብዘየማትእ መገዲ ”ፓትርያርክ ካብ መዓርጉ ቅድሚ ምውራዱ ምእንቲ መሰሉ ኪከራኸር መሰሉ ሕልው እዩ።” ክብል (ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ, 1995፡ ገጽ 58) ብንጹር ኣስፊርዎ ይርከብ። ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ግና እዚ መሰል እዚውን ተሓሪምዎም እዩ። እንኮ ገበን ፓትርያርክ እንጦንዮስ፣ ሕጊ ቤተክርስትያን ይከበር፣ ቤተክርስትያን ድማ ብጭዋ ሰብ ዮፍታሀ ክትመሓደር ሕጊ ኣየፍቅድን’ዩ ስለዝበሉ ጥራይ’ዩ። እዚ ድማ ብዝኾነ መዓቀኒ በደል ኣይኮነን።
ብሓፈሽኡ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ወሪዱ ዘሎ ዓመጽ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣንቱም ሰባት ደርጊስ ካብዚ ሓሊፉ እንታይ ግዲ ገይሩ እዩ? ኣቶ ኢሳያስ ኣብ ሞንጎና ከም ቦኽሪን ከም ሕሳስልደን ከምዘይማሞቐ ሕጂ ተመሊሱ ከመዮ "ዘዕበኽዎ ከልቢ ነኺሱኒ" ዝብልዎ ኮይኑ። ግና መስጣ ናይዞም ኩሎም ፈቐዶ ማእሰርቲ ዝበልዩ ዘለዉ ንጹሃት ሰባትን ፈቐዶ ባሕሪ ዝጠፍኡ ዘለዉ ንጹሃት ዜጋታትን ደሞም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓሪጉ የእዊ ኢዩ ዘሎ። ሓንቲ መዓልቲ ድማ ንሱ ብዘይ ሕጊ ዝፍረደላ መዓልቲ ክትመጽእ ኢያ።

ብሓፈሽኡ፣ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ እኳ ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዒ ኣብ ዘመነ ናጻ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከምዚ ዓይነት በደል ኪፍጸም ከሎ “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ቦታ ቆይሙ እንተ ረአኹም እቲ ዘንብብ ሰብ የስተውዕል” ዝብል ትንቢታዊ ቃል ይፍጸም ከም ዘሎ ጥራይ’ዩ ዘገንዝብ።

እዚ ሕጊ ቤተክርስትያን ዝጠሓሰ ፋሉል ኣሰራርሓ እዚ ግና እንታይ'ዩ ረብሕኡ? እንትርፎ ምእመናን ምብትታን፣ ንቤተ ክርስትያን ካብቲ ኃዋርያዊ ሰንሰለት ንክትብተክ ምግባር፣ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ኣብ ሃገርና ሕንፍሽፍሽን ዕንወትን ከስዕብ እንተዘይኮይኑ ካልእ ረብሓ የብሉን። እዚ ብስም ቤተክርስትያን ዝግበር ዘሎ ሕጊ-ኣልቦ ስራሕ መንፈሳውን ባህላውን ክብርና ንዘንተ-እለት ዘጽንት፣ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ዝግህስ፣ ክብሪ ወለዲ ዝጥሕስ ጸያቒቶ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ግና ዓለም ለኻዊ ሕጊ ክኽበር እሞ ጉዳይ ዶብ ብሕጋዊ መገዲ ክትግበር እናጸውዓ፣ ንሱ ግና ንሕጊ ኣብ ኣፍ ደገ ቤተክርስትያን ረጊጽዋ ይርከብ ኣሎ። እዝስ እንታይ እበሃል? ሓቓ'ንድያ እዛ ዶብና ጠልጠል ክትብል። ኤእ! ንፍትሒ ቁልቁል ኣፋ ረጊጽካ በቲ ኻልእ ድማ “ፍትሒ ስኢንና”፣ “ዓገብ በሉልና” እናበልካ ፈቐዶ እኼባታት ምንባሕሲ እንታይ'ዩ ፋይዳኡ? ካብ መዓቱ ይሰውረና! ጳጳሳት ኣገዲድካ፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዓፊንካ፡ ካብ ኣሓት ኦርየንታል ተዋሕዶ ቤተክርስትያናት ተሓቢእካ ዝተገብረ ዘይሕጋዊ ምርጫ ፓትርያርክ፡ ብሚንስትሪ ዜና ህግደፍ ፍሉይ ምድላዋት ተገይርሉ ዝተዘርግሐ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ናብ ፍትሒ ነቲ ሓሶት ናብ ሓቂ ብምንም ተኣምር ኪቕይሮ ኣይክእልን'ዩ።
 

እቲ ሓቂ

ቀዳማይ:- ፓትርያርክ ብህይወት ከሎ ብኻልእ ፓትርያርክ ክትካእ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ስለዝእግድ፣ ንኽልተ ሽሕ ዘመናት ዘስርሓና ሕጊን እምነት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያንን ክኽበር፣ ሕጊ ተነፊግዎም ብዘይኣመንሉ ክሲ ካብ መዓርጎም ተሰጒጎም ዘለዉ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ቦትኦም ክምለሱ፣ በደል እንተለዎም ድማ ብመንፈሳዊ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ክፍረዱ ይግባእ።
ካልኣይ:-  ብዘይካ ብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ፣ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ካልእ ሕጋዊ ፓትርያርክ የብላን። ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ጥሒስካ ዝምረጽ ፓትርያርክ ድማ ቤተክርስትያን ንምብትታን እንተዘይኮይኑ ዘይሕጋዊን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ።
 
ሳልሳይ:- ብጭዋ ሰብ ዝምራሕ ምምሓዳር ቤተ ክርስትያን፡ ሕጊ ወንጌልን ሕጊ ቤተ ክርስትያንን ዝጠሓሰ ስለዝኾነ ብዝኾነ መዐቀኒ ተቐባልነት የብሉን። ስለዚ ምምሕዳር ቤተክርስትያን ናብቶም ዝምልከቶም ቅዱስ ፓትርያርክ ኪምለስ ይግባእ።
ራብዓይ:- ናይዚ ተፈጺሙ ዘሎ ሰይጣናዊ ፍሕሶ ሃንደስትን ተሓባበርቶምን ጽባሕ ንጉሆ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተትቲ ምዃኖምን፣ ድሮ ኣብ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ወሪዱ ናይ ዘሎ ዕንወት ሓላፍነት ኣብ ዝባኖም ከምዘሎ ብንጹር ክግንዘብዎ ይግባእ። ዘይወግሕ ጸልማት ዘይግለጽ ክዱን ምስጢር ስለዘየለ ድማ ዝበደልዎ በደል ሓንቲ ምዓልቲ ክግለጽ እዩ።
ሓሙሻይ:- ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ስደት እትርከቡ ጳጳሳት፣ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን: ጉዳይ እምነትን ጉዳይ ድሕነትን ሸለል ክበሃል ኣይግባእን ብምባል ኣብዚ ፈታኒ እዋን'ዚ ኣብ እምነትኩም ዝጸናዕኩም ብሓቂ ክትምጎሱ ይግባእ። ሕጂውን ኣብ እምነትኩም ክትጸንዑ ተስፋ ኣሎና። ነቶም ብጉልባብ ሃገርዶ ፖለቲካዶ እምነትኩም ከጽንቱ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዘለዉ ድማ ፍለጥዎም። ነዚ ክትገብሩ ዘኽኣለኩም ኣምላኽ ነመስግኖ። ብበረኸቱ ክጽግወኩም ብኽንፊ መላእኽቱ ገይሩ ከጽልለኩም ድማ ናብ ኣምላኽ ንጽሊ።


እግዚኣብሄር ንቤተክርስትያንና ሃገርናን ዓለም ብምልኡን ሰላም ይሃብ። ኣሜን!
መነኮሳት፡ ካህናትን ድያቆናትን ተዋህዶ ቤተክርስትያን
ኣስመራ ኤርትራ

 

 

መንግስቲ ካህናት ናብ ወትሃደራዊ መዓስከር በስገዳድ ይልእኽ

Saturday, 26 April 2008 01:57

መንግስቲ ኤርትራ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ብሓይሊ ንክኽተቡ ከምዘገድዶም ኣህጉራዊ ክርስቲያን ፖስት ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ገሊጹ።

ትማሊ ሓሙስ፡ ሒደት ዝቑጽሮም ካህናትን ዲያቖናትን ካብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ናጻ ክገብሮም ዝኽእል መንቀሳቀሲ ወረቀት ተሓዲስሎም። እቶም ዝበዝሑ ግን መንቀሳቀሲ ወረቀቶም ከምዝይሕደስ ተሓቢርዎም፥ ንወትሃደራዊ ታዕሊም ክወርዱ ድማ ተነጊርዎም ክብል እቲ ማዕከን ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። 

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ገጠራት ኣብ ነፍስ-ወከፍ ቤተክርስትያን ዓሰርተ ጥራይ ኣገልግሎት ክህቡ ተፈቂድዎም። ዝተረፉ ዕድሚኦም ትሕቲ ሓሙሳ እንተኾይኑ ንወትሃደራዊ ታዕሊም ክብገሱ ተሓቢርዎም።

ብተወሳኺ፡ እዚ ሓዲሽ ዘመተ፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያናት ጥራይ ዝሕጸር ዘይኮነስ፡ ነቶም ኣብ ገዳማት ከገልግሉ ዝጸንሑ ካህናትን ዲያቖናትን’ውን ናብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ንክኽዱ ዘገድድ’ዩ።

ኣብ 2006፡ መንስግቲ ነቲ “ካህናት ካብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ናጻ ይኹኑ” ዝብል መምርሒ ክስርዞ ምዃኑ ንኹለን ቤተ-ክርስትያናት ኤርትራ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ነዚ ስጉምቲ ኣትሪራ ከምዝተቛወመቶ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ብዙሓት ወገናት፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስትያናት ኤርትራን ኣገልገልተንን መራሕተንን ዝትግበሩ ስጉምታት ኣትሪሮም ይቃወሙ። ዓበይትን ለባማትን ካህናት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን  ኤርትራ፡ “ኣገልገልቲ ቤተ-ክርስትያን ናብ ዝዋጋኡ ወትሃደራት ምቕያር ማለት፡ ንህዝቢ ካብ መንፈሳውን ሞራላውን ኣተሓሳስባታት ርሒቁ ንኽነብር ዘገድድ እዩ” ይብሉ።


 

 

ፕረሲደንት ኢሳያስ ምስ ውጉዝ ዮፍታሀ ድመጥሮስ ዕጽው ኣኼባ ኣካይዱ ንኣባ ዲይስቆሮስ ድማ ኣፈራሪሆሞም።

Tuesday, 09 September 2008 19:30

 

እቲ ንብረትን ስልጣንን ተዋህዶ ሃይማኖት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻሩ ኣእትዩ፡ ነታ ሃይማኖት ኣብ ዝኸፍአ ናይ ዕንወት ኣንፈት ኣእትይዋ ዘሎ ገበነኛ ዮፍታሄ ቀሺ ዲመጥሮስ፡

ነቶም ብፖለቲካ ዝተቐብኡ ብምሉእ ዓለም ዝተነጸሉ ንሽሙ ፓትርያርክ ዚብል ቃል ጠቂኑ ኣብ ከቢድ ውግዘት ስላሴ ኣውዲቕዎም ዝርከብ ኣባ ዲዮስቆሮስ "ዝሃብክዎም ትእዛዝ ኣይፍጽሙን ኢዮም" ብዚብል ምኽንያት ናብ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጸዊዑ ኣኼባ ከምዝገበረ ተፈሊጡ።

ቀንዲ ዓላማ ናይቲ ኣኼባ ድማ ንኣባ ዲዮስቆሮስ ንምፍርራሕን ንምርዓድን እዩ።ኣባ ዲዮስቆሮስ በቲ ዝወረዶም ራዕድን ምጉብዕባዕን ድማ ድሮ ኣብ ፍርሓት ተሸሚሞም ይርከቡ።

ኣባ ዲዮስቆሮስ ካብ ንኣምላኽ፡ ንሰበ ስልጣን ተማእዚዞም ዝኸዱ፡ ሕጊ ቤተ ክርስትያን ጥሒሶም፡ ስም ቅድስት ስላሴ ኣራኺሶም፡ ድሌት ፖለቲኸኛታት ክፍጽሙ ብክቱር ናይ ስልጣን ህርፋን ዝተሾሙ እዮም።

ጠንቂ ናይዚ ኹሉ ምፍሕፋሕ ምኽንያት ዝኾነ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ብብዙሓት ሰራሕተኛታት ናይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝወርዶም ዘለፋን ንዕቀትን: ገለ ሰባትውን ንመላገጺን ንምሽክዕላልን ፓትርያርክ ተባሂልኩም ደኣ እንታይ ትሰርሑ ኢሎም ስለ ዝነቅፍዎም፡ ፈራሕ ድፍረት ኣብ ርእሲ ዮፍታሄ ስለ ዘርኣዩን ኣብ ቅድሚ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈራሪሕዎም። ዳግማይ ምስ ዮፍታሀ ከምዘይዳፈሩን ዝተባህሎም ኩሉ ከተግብሩን ድማ ብግልጺ ተነጊርዎም።

ተዋህዶ ሃይማኖት፡ መጋበርያ ናይ በብእዋኑ ዝመጹ ፖለቲከኛታት ኮይና፡ ኣብ ልዕሊ ንሓቂ ደው ዝበሉን: ኣብ ልዕሊ ምእመናን ከቢድ ግፍዒ ዝፈጸመትን ትፍጽም ዘላ ቤተ ክርስትያን እያ። ኣብ ሓምሳታት፡ ንናጽነት ዝበለ ኩሉ ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ኣንድነት ዘይኣመነ፡ ወሊዱ ከይጥመቕ፡ ተመርዕዩ ከይክብከብ፡ ሞይቱ ከይፍታሕ ከይቅበር ዝብል መምርሒታት ኣውጺኣ ብዙሓት ሰባት ሃይማኖቶም ከም ዝጸልኡን ከም ዝኽሕዱን ገይራ እያ። ኣብዚ እዋን እዚውን ካብኡ ብዝኸፍአን ዝተዓጻጸፈን፡ ነቶም ስም ቅድስት ስላሴ ኣይንኽሕድን፡ እምነት ቤተክርስትያንና ክሰዓር ኣይንፈቅድን ዝበሉ፡ ካብ ሚእቲ ንላዕሊ ኣዝዮም ምሁራትን ብሱላት ካህናት: ዲያቆናት: መነኮሳትን ምእመናን ወጊዝናኩም ብዝብል ዘይሕጋዊ ቃል፡ ካብ ቁርባንን ስግዳንን ምስ ህዝቦም ከይሕወሱ ብኣፍ ብረት ዘሕልውዎም ዘለዉ ኣቦታትን ኣዴታት ሕሉፍ ሓሊፎም ከም ኣሞራ ብዝሞተ ሬሳ ክበኣሱ ይውዕሉ ምህላዎም ዘሕዝን ፍጻመ እዩ፡፡ ከምኡውን ኣብ ጽሑፍ ብግልጺ ሰፊሩ ከም ዝርከብ፡ ናብ ቅዱስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተጻሕፈ ከም ዘብርሆ፡ “ነቶም መንግስቲ ብሰንኪ ሃይማኖት ዝኣሰሮም መናፍቓን ካህናት ክፍትሑ ምሕታትኩም ገበን ፈጺምኩም“ ተባሂሎም ዝተኸሱ ቅዱስ ፓትርያርክ፡ ባዕሎም ከምዘእሰርዎም ይግለጽ ኣሎ።

ልዕሊ ኩሉ ሃይማኖት ተዋህዶ፡ ናይ ኢሳያስ የማናይ ኢድ መሳርሕን ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ናይ ስለያን ናይ ጸጥታን መሳርሒ ኮይና ትርከብ።

ጊዜ ዘይገልጾ ጉድ ኣይክህሉን እዩ። ዘይቅላዕ ክዱን ዘይረአ ሕቡእ ኣይህሉን እዩ።

እቶም ሕጂ ኣብ ርእሲ ንጹሃት ዜጋታት ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ።

  • ዮፍታሀ ቀሺ ድመጥሮስ፡
  • ኣባ ዲዮስቆሮስ
  • ቀሺ ነበር ሃብቶም ርእሶም
  • ቀሺ ሳሙኤል ጸጋይ
  • ቀሺ ሃብተማርያም ክብረኣብ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ።
  • ኣባ ማርቆስ (ኣባ መንግስቱ ኣበበ በቀለ)
  • ኣባ ጴጥሮስ ዝበሃሉ እዮም::

ዘይወግሕ ጸልማት የለን ኣብ ህዝብን ሃይማኖትን ዘውርድዎ ዘለዉ ከቢድ ግፍዒ ብኣምላኽን ብሰብን ግብሮም ዝፍደዩሉ ጊዜ ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።

ኣምላኽ ቤተክርስትያኑ ብደሙ ክሕልዋ እዩ።

ሰላም ካብ ኣምላኽ ንሃገርና ኤረትራ።

ካህናት: ዲያቆናትን መነኮሳት ካብ ኣስመራ።

ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ሎሚ ወጋሕታ ብሰብ ጸጥታ ህግደፍ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም

Monday, 04 June 2007 11:34
"ህይወት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ፡ ተኸታቲልና ሓበሬታና ክንልእኽ ኢና"

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ነገር ኣንጻራዊ ትርጉም ሒዙዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ሓቂ ሓሶት፡ ሓሶት ድማ ሓቂ። እቲ ፍትሒ ገበን፡ ገበን ድማ ፍትሒ። እቲ ጽድቂ ሓጥያት፡ ሓጥያት ድማ ጽድቂ ኮይኑ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ ትማሊ ሰንበት፡ መንፈስ ሓቂ ናብ ቤተክርስትያን ዝወረደሉ፡ በዓለ መንፈስ ቅዱስዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ትርጉሙ ለዊጡ፡ ግህሰት ሓቅን ሕጊ ቤተክርስትያንን ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ምብጻሑ ዝሕብር ተዋስኦ ዝተኻየደላ ዕለት ኮይና ውዒላ።
ጳጳሳት ኣገዲድካ፡ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዓፊንካ፡ ካብ ኣሓት ኦርየንታል ተዋሕዶ ቤተክርስትያናት ተሓቢካ ዝተገብረ ዘይሕጋዊ ምርጫ ፓትርያርክ፡ ብሚንስትሪ ዜና ህግደፍ ፍሉይ ምድላዋት ተጌሩሉ ዝተዘርግሐ እኳ እንተኾነ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብምንም ተኣምር ኪቕይሮ ኣይክእልንዩ። ሓቂ ብሓሶት፡ ዓመጽ ድማ ብፍትሒ ተቐቢራ ከምዘይትነብር ጽባሕ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ብግብሪ ኪርአዩ።

ሰኑይ ወጋሕታ ከኣ፡ እቶም ሕጊ ቤተክርስትያን ይከበር፡ ጭዋ ሰብ ዮፍታሀ ቤተክርስትያን ከመሓድር ሕጊ ኣየፍቅድንዩ ስለዝበሉ ጥራይ፡ ገበነኛ ተቖጺሮም፡ ከምኩሎም ኣቦታቶም ጽዋእ-ሰማዕታት ዝቕበሉ ዘሎዉ ቅዱስ ኣቦና ብሰብ ጸጥታ ተወሲዶም፡ ኣበይ ከምዘእተውዎም ከኣ ክሳብ ሎሚ ሰኑይ ምሸት ኪፍለጥ ኣይተኻእለን።

ሃገርና ኤርትራ ንኣሽሓት ዓመታት ተሓፊሩ ዝጸንሐ ኃይማኖት ዝድፈረላ፡ ዓቢ ኣይከብረላ ንእሽቶይ ኣይነብረላ መልኣከ-ሞት ዝወረሳ ገሃነም ኮይና ተሪፋ! እዚ ኹሉ ብጸሓይ ቀትሪ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ግን መዓት ከውርድዩ፡ መን ኮን ኪፍደዮ እዩ?ህይወት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ፡ ተኸታቲልና ሓበሬታና ክንልእኽ ኢና፡ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ጥራይ ዘይኮነ ብምልኡ ደላይ ሓቅን ፍትሕን ህዝብና ድማ ብኣትኩሮ ኪከታተልን ንርትዒ ደው ኪብልን፡ ብስም ቅድስት ሥላሴን፡ ብእመ-ኣምላክ ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ንላቦ።

መነኮሳት፡ ካህናትን ድያቆናትን
ደቂ ቅድስትን ጥንታዊትን ቤተክርስትያን
ኣስመራ ኤርትራ

መግለጺ ብዛዕባ ምሻም ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

Tuesday, 01 May 2007 21:49

ኣብ ጥንታዊትን ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ታሪኽን ህልውናን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዘሕፍርን ዘጸይፍን ተግባር ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምኽሳቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብዝተፈጥረ ዘይሕጋዊ ኣከያይዳ፣ ተጠርኒፉ ንዝጸንሐ ምእመን ከፋፊልዎ እዩ። 

ብፍላይ እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዘፍርስ ሽመት ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ግና ኣብ እዛ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ዕንወት ኣኸቲሉ ኣሎ። ንናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና መንፈሳዊ ክብርን መዓርግ ቅድስናን ድማ ኣብ ኣተሓታቲ ኩነታት ኣውዲቑዎ ይርከብ። እቶም ሓቀኛ ናይ ቤተ ክርስቲያን ቀኖና፣ ጽድቅን ስርዓትን ዝኽተሉ ኣመንቲ፣ ናይዚ ከቢድ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ምስዓርን ውግዘት ስም ሥላሴ ምርጋጽን ድማ ንኽብሪ ቅድስና ቤተ ክርስቲያንን ውግዘታን ታራ ቃል ከም ዝኸውን ገይሩ እዩ።

ንኡስ ሃገረ ስብከትና ነዚ “ፓትርያርክ ብህይወት እንከሎ ካልእ ፓትርያርክ ኣይሽየምን” ዝብል ዓለም ለኻዊ ቀኖና ናይ 2000 ዓመት ሕጊ ሃይማኖት፣ ብ325 ዓ.ም. ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ብዝተኣከቡ 318 ቅዱሳን ኣቦታት ዝቖመ፣ ከምኡውን ነቲ ኣብዚ ቀኖና እዚ ተመስሪቱ ዝቖመ ሕጊ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እናፈረሰን እናተጣሕሰን ብዝኾነ መንገዲ ተዓሚትና ክንቅበሎ ሃይማኖታዊ እምነትና ኣይፈቕደልናን ጥራይ ዘይኮነ ደው ኢልና ክንከላኸለሉ መንፈሳዊ ሓላፍነትና እዩ።

ስለዚ፣ ኩሉ ወዲ እዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብግልጺ ክፈልጦን ክርድኦን ንሃይማኖቱ ደው ኢሉ ክከላኸልን ነዘኻኽር። ብተወሳኺ፣-

01.ፓትርያርክ ብሕይወት እንከሎ ፓትርያርክ ኣይሽየምን ዚብል ቀኖና ብምስዓሩ

02.ኩሎም ጳጳሳት ብቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ፓትርያርክ ከይሾሙ ብሥልጣን ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ውጉዛት ብምዃኖም።

03.ናይዚ ከቢድ ገበን እዚ ብዝለዓለ ተሓታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ገበነኛን ብውግዘትቓለ ሃዋርያት፣ ካብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተፈልዩ ክነሱ ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ዝመርሕ ዘሎ ጭዋ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ እኳ እንተ ኾነ፣ እቶም ብቅድስና ሃይማኖትና ኮነ ብሕይወት ቅዱስ ፓትርያርክን ኣብዚ ውግዘት እንተ ብፍላጥ እንተ ብድፍኢት ኢዶም ዝሕውሱ ዘለዉ ሰባትውን ተሓተቲ ምዃኖም ክፍለጥ ኣቐዲምና ንሕብር።

04.ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከቡ ኣቦታት ካህናት፣ ዲያቆናት ምእመናን፣ ነዚ ኣብ ሓዋርያዊትን ቅድስትን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ወሪዱ ዘሎ ድፍረትን ምፍራስ ቀኖናን ከቢድ ግህሰትን ተገንዚብኩም ንሃይማኖትኩም ደው ኢልኩም ክትከላኸሉን፣ ብደም ክርስቶስ ዝተዓደገት፣ ብተራዳኢነት መላእኽቲ፣ ብኣማላድነት ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም፣ ብትንቢት ነቢያት፣ ብስብከት ሃዋርያት፣ ብጸሎት ጻድቃንን ብመስዋዕቲ ሰማዕታትን ንኣስታት 2000 ዓመት ዝጸንሐት ሓዋርያዊት ቅድስት ቤተክርስቲያን፡ ኩልኹም ኣቦታት ካህናት፣ ዲያቆናትን ምእመናንን ሃይማኖትኩም ኣጽኒዕኩም ክትሕዙን ብትግሃት ክትከታተሉን ንኡስ ሃገረ ስብከትና ጸዋዒቱ የመሓላልፍ።

ዕድመን ጥዕናን ንቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ 
እግዚኣብሔር ሰላምን ቅሳነትን ንሃገርን ህዝብን ኤርትራ የውርድ።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን
ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ።

ሚያዝያ ፲፮ ፲፱፻፺፱ ግእዝ። (ሚያዝያ 24, 2007)