<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ድሕሪ ፍጻሜ ኲናት ሓድ-ሕድ 1981፣ ነቶም ዝተቐበሎም ተጋደልቲ፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ- ማእከላይ መሪሕነት ‘ሳግም’ ናብቲ ብወርሒ መጋቢት 1987 ዝተገብረ ካልኣይን ሓድነታዊን ውድባዊ ጉባአ ንክኣትዉ ድሌት ኣይነበሮን። ግን ኣብቲ ብወርሒ ሰነ 1985 ዓ.ም. ዝነበረ ኣኼባ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፣ ካብ ብዙሓት ኣባላት ፖ/ቤ/ጽ፤ ብፍላይ ካብ ኢብራሂም ዓፋ ተሪር ተቓውሞ ስለዝረኸበ ጥራይ ኢዩ ንከፍቅድ ዝተገደደ። ካብ ምጽንባሮም ክሳብ ሎሚ ከኣ ልዋም ለይቲ ዝሓደረ ሰብ የብሎምን። መራሕቶም በዓል ኢብራሂም ቶቲል፣ ኣብርሃለይ ክፍለ፣ ዘምህረት ዮሃንስ ወ.ዘ.ተ. ገሊኦም ድስኩላት ገሊኦም’ውን ፍርቀ-ፍርቂ ድስኩላት ኮይኖም ይርከቡ።

እቲ ናብ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንክጽንበር እማመ ኣቕሪቡ መልሲ ዘይተዋህቦ፣ ኣብ ከባቢ ተከዘ /ዒላ ተስፋን ማይ ሽግሊን/ ምስ ሰራዊቱ ተፈንጩሉ ዝነበረ ተስፋምህረት ድማ ናይ ምቕንጻል ስጉምቲ ተወስደሉ። ቅድሚ ውግእ ምኽፋት ከኣ ተስፋምህረት ንምቕታል ኢሳይያስ ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ፣ ኣብ ማይ ሽግሊ ፈንጂ ተቐብረሉ። ፈንጂ ተተኲሱ፣ ተስፋምህረት ግን ደሓነ። ከም ዘይሞተ ከኣ በቲ ኣብ ጎቦ ቡቢ ዝነበረ መደበር ረድዮ ህዝባዊ ግንባር፣ መልእኽቲ ናብ ኢሳይያስ ተመሓላለፈ።

ወላ’ኳ ብዙሓት ሓለፍቲ ህዝባዊ ግንባር ‘ካብዚ ፈንጂ እንዳ ዓብደላ እንቋዕ ብደሓን ወጻእካ’ እንተበሉዎ፣ እቲ ፈንጂ ብኣባላት ክፍሊ ሃንደሳ ህ.ግንባር ከም ዝተጻወደስ ኣይሰሓቶን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣንጻር ኢሳይያስ ሕነ ክፈዲ ዘይክእለሉ ዝነበረ ርሕቀት ኢዩ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ኢሳይያስ ናብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ /ሽላሎ/ ክንቀሳቐስ ኢዩ ዝብል ዝተፈብረከ ሓበሬታ ኣብ ዝሰምዓሉ ግዜ ከኣ ተስፋምህረት፤ ሕነ ንምፍዳይ ፈንጂ ቀበረ። ኣጋጣሚ እታ ዝተቐብረት ፈንጂ ግን ንበዓል መዓልቲ ወሰደት። ምሕረትኣብ ስብሃትለኣብ ንዝተባህለ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግንባርን ኣቦ መንበር ማሕበር ሓረስቶ ዝነበረን ድማ ሃረመቶ። ንሱ ብከቢድ ምስ ተሃርመ፣ ብሂወቱ ክሳብ ከሰላ በጺሑ’ኳ እንተነበረ፣ ኣብ ከሰላ ዓሪፉ።

ተስፋምህረት ዝቐበራ ፈንጂ ንስብሃትለኣብ ከም ዝቐተለት ምስ ሰምዐ ኣብቲ ብክፍሊ ስለያን ጸጥታን /72/ ዝተጠልፈ ናይ ረድዮ መልእኽቱ ከምዚ ክብል ሓዘኑ ገለጸ፦ “ …ኣይይይ መስኪናይ ስብሃትለኣብ! ንዕኡ’ዶ ረኺባቶ! ኣነስ ኢሳይያስ ናብ ድሕሪ መስመር ክመጽእ ኢዩ ዝብል ሓበሬታ ስለዝሰማዕኩ እየ ቀቢረያ። ኣይይይ! ኣብ ክንድኡስ ወላ ንወዲ ማና’ኳ ክትወስድ ነይሩዋ።’’

እቲ ኩሉ ናይ ፈንጅታት ድራማ ናብ ኢሳይያስ ምስ በጽሐ ድማ፣ ሓደ ካልእ ስጉምቲ ንምውሳድ ተጓየየ። ምኽንያቱ ብዛዕብኡ ንዝምልከት መርድእ ካብ ተስፋምህረት ስለዝሰምዐ ደቂሱ ክሓድር ዘይከውን ኢዩ። ብድሕሪ’ቲ ጉዳይ ፈንጂታት ሓደ ኢሳይያስ ዝመሃዞ ነገር፣ ቅልጡፍ ቅንጸላ ንተስፋምህረትን ሰራዊቱን ነበረ። ኣብ ግዜ ውግእ መን ይፈልጥ ተስፋምህረት እንተኣምለጠ’ኸ? ንዝብል እንተታት… ድማ ሓደ ተኪአ /ሽፍታ/ ዝተባህለ ኣባል ክፍሊ ስለያ ህ.ግንባር ናብ ተስፋምህረት ኢዱ ከም ዝህብ ተገብረ። ኣብ ወተሃደራዊ ረድዮ ‘ነብሪ’ ዝብል ኮድ ዝተዋህቦ ተኪአ ሽፍታ ከም ቀንዲ ተሓጋጋዚ ተስፋምህረት ኮይኑ ክሰርሕ ጀመረ።

ተኪአ ሽፍታ ናብ ተስፋምህረት ኢዱ ሂቡ ብምባል ኩሉ ተጋዳላይ ፈንፈኖ። ብዛዕባ ተልእኾ ተኪአ ከኣ ብዘይካ ኢሳይያስን ጴጥሮስ ሰለሞንን ካልእ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ኣንጻር ውድብ ተስፋምህረት መጥቃዕቲ ንክምክያድ ሓላፍነት ዝተዋህቦ መራሕ ቦጦሎኒ ክፍሊ ሃንደሳ ድማ ብርሃነ /በሊሕ/ ዝተባህለ ነበረ።

“ከምዚ ዓይነት ቅልጡፍ መልእኽቲ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ኣብ ረርብዒ ሰዓት ቀልጥፉ…ቀልጥፉ! ተስፋምህረት ከየምልጠኩም ተጠንቀቑ! ዝኾነ ዋጋ ክፈሉ… እናበለ ሳንቡእና ክሳብ ዝትኮስ ኣዘባዚቡና። ኢሳይያስ ካብ ተስፋምህረት እንታይ ዓይነት ስግኣት ከም ዝነበሮ ክርዳኣኒ ኣይከኣለን” ኢሉ ብርሃነ በሊሕ ኣዕሊሉኒ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ዞባ ምዕራብ /ከባቢ ሽላሎ/ ሓላፊ ዝነበረ ኣባል ፖ/ቤ/ጽ ነበር ብርሃነ ገረዝግሄር ናይ ሓለፍቲ ሰልፊ ኣኼባ ገይሩልና ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፤ ብዛዕባ ኣንጻር ዝኾነ ውድብ ብረታዊ ስጉምቲ ምውሳድ፣ ብፍላይ ድማ ኣንጻር ተስፋምህረት ዝግበር ዝነበረ ጸለመ ካብ ክፍሊ ሃንደሳ መራሕ ሓይሊ ዝነበረ ጠዓመ ሰጊድ ተቓዊሙ ነይሩ ኢዩ።

ኩሉ ጸብጻብ ሰልፊ ናብ ኢሳይያስ ኢዩ ዝለኣኽ። ጠዓመ ሰጊድ ብዛዕባ ኣንጻሩ ክውሰድ ዝተደልየ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ኣብ ዝጠርጠረሉ ሰዓት ድማ፤ ናብ ሱዳን ሃደመ። ድሕሪ ተኽላይ ገብረማርያም /ዓደን/፤ ጠዓመ ኣባል ሰልፊ ንክሃድም ናይ መጀመርያ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ዝኾነ ምስጢራት ከየሙሉቕ ዝሰግአ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከኣ ኣብ እግርማይካ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ስለያ /72/ ሓደ ተኸታቲሉ ዝቕንጽሎ ሰብ ተመዘዘሉ። ጠዓመ ንካርቱም ኣተወ፣ እቲ ንክቕንጽሎ ዝተመደበ ሰብ’ውን ደድሕሪኡ ሰዓቦ። ኣብ ካርቱም ወጋሕታ ድማ ቀንጸሎ። ሰባት መታን ከየለልይዎ ከኣ ኣብ ገጹ ኣቺዶ ደፊኦም ቆርበቱ ከም ዝበታተኽ ገበሩዎ። ወጋሕታ ከኣ ናብ ጂረፍ ዝተባህለ እንዳ ጎሓፍ ደርበይዎ።

ኣንጻር ተስፋምህረት ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ሰዓት ተወዲኡ ኢዩ። ኣብቲ ወጋሕታ ዝተገብረ ህጁም ኣንጻር ተስፋምህረት፣ ብዙሓት ተጋደልቲ ተጎዲኦም። ተስፋምህረት ኣብታ ዝነበረላ ጥርዚ ክህረም እንከሎ፣ ፋኑስ ዝተባህለት ሰበይቱ ተማረኸት። ተኪአ ሽፍታ ድማ ቅድሚ ምቕታል ተስፋምህረት ብብርቱዕ ኣብ ከብዱ ተወግአ። ተልእኾኡ ኣብ ግዜ ውግእ፤ ተስፋምህረት ከየምልጥ እናተኸታተለ ንክቐትሎ ዝተላእከ ሰብ ኢዩ ዝነበረ። ካብቶም ዝወግኡዎ ኣባላት ህ.ግንባር “ኣንታ ከዳዕ… ሕጂ’ዶ ግስም ከነብለካ” ኢሎም ጥይት ምስ ኣዐመሩሉ “ቅድም ንኢሳይያስ ወይ ንጴጥሮስ ሰለሞን ሕተቱዎም። ኣነ ተላኢኸ ዝመጻእኩ እየ’ምበር ከዳዕ ኣይኮንኩን።’’ ኢሉ ምስ ኣእወየ፤ ሓደግዎ።

ብርሃነ በሊሕ ሽዑ ብዛዕባ’ቲ ውጽኢት ውግእን ጉዳይ ተኪአ ሽፍታን መልእኽቲ ናብ ኢሳይያስ ምስ ኣመሓላለፈ፣ ምስጢር መታን ከይሞሉቕ “ነቲ ከዳዕ ተኪአ ሽፍታ ባዕልኻ ናብ ሓደ ስንጭሮ ወሲድካ ኣካርጆ /ቅተሎ/” ኢሉ ናይ ማፍያ ትእዛዝ ኣዘዞ። ብርሃነ በሊሕ ግን ዝግ ኢሉ ሓሰበ። ቅድም ህጹጽ መልእኽቲ ናብ ጴጥሮስ ሰለሞን ሰደደ። ልክዕ ኣከያይዳ ናይ ተኪአ ከኣ ተነግሮ። ንተኪአ ሽፍታ ንበይኑ ፈልዩ ብደቂቕ ምስ መርመሮ ድማ፣ ብሓቂ ድርብ ስለያ ኮይኑ ካብ ኢሳይያስን ጴጥሮስን ከም ዝተላእከ ሙሉእ መረዳእታ ምስ ረኸበ፣ ብትእዛዝ ጴጥሮስ ሰለሞን ፍልይቲ ቶዮታ ላንድ ክሩዘር ካብ ዓምበርቦብ ተላኢኻ ናብ ሕክምና ዓራረብ  ጋንታ 11 /ዶክተር ሚኪኤል ገብረሂወት/ ሰደዶ። እቲ ጉዳይ ተኪአ ሽፍታ ድማ ቅርሕንቲ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ጴጥሮስ ሰለሞንን ኣስዓበ። ተኪአ ሽፍታ ሎሚ ካብ ስራሕ መንግስቲ ብ10,000 ናቕፋ ተጣይሱ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ጎሉጅ ሓረስታይ ኮይኑ ይነብር ኣሎ።

እቲ ካብ ዝስለፍ ናብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ብዘይካ ዘርኢ ክርዳድ ካልእ ዘይዘርአ ኢሳይያስ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ጥፍኣት ካልእ ከምጽኣሉ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ናብ ስራሓት ማፍያ ዝተዋፈረ ከኣ ሎሚ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሰፊሩ ፍትሒ ከምጽእ ኣይከኣልን። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝሓለፈ ታሪኽ ክመሃረሉ ይግባእ። ሎሚ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 500 ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ይስደዱ ኣለዉ። ብዘይካ ካብ ሃገር ዝስደድ፣ ናብ ሃገር ዝምለስ ዘይብላ ናይ ዘመነ-ኢሳይያስ ኤርትራ፤ ናበይ ገጻ ኢያ ትኸይድ ዘላ ኢልና ኣብ እንሓስበሉ ግዜ፣ እቲ መልሲ ብሩህ ኢዩ። ንሱ ኣብ ክንዲ ሰብ ዘለዋ፣ ሰብ ዘይብላ ኤርትራ ይደሊ ከም ዘሎ ከብዚ ንላዕሊ በየናይ ቃላት ኢዩ ከረድኣና?

ኣብ ዝኾነ ከባቢ ናይ ኤርትራ ‘ኣንጻርካ ጠበንጃ ተለጒማ ኣላ’ እትብል ዜና፣ እታ ንኢሳይያስ ፈጺማ ሰለም ዘይተብሎ ዜና ኢያ። ኣብ 1996 ሓደ ገብረብርሃን ዝተባህለ ተጋዳላይ ጀብሃ ዝነበረ ዜጋ ኣንጻር ኢሳይያስ ብረታዊ ረጽሚ ንምልዕዓል ብወገን ሑመራ ንክኣቱ መደበ። ተኸተልቲ ነይሮሞ’ዶ ኣይነበሩዎን’ኳ ዝፈለጥኩዎ ሓበሬታ እንተዘየለ፣ 11 ክላሽናት ሒዙ ኣብ ሑመራ ኣብ ሓደ ገዛ ከም ዝነበረ ብክፍሊ ስለያ ህግደፍ ተፈልጠ።

ኢሳይያስ ነቲ ዝተነግሮ መርድእ ንምቁጽጻር ቅልጡፍ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ካብ ኦምሓጀር /ኤነ-ትረ/ ብዝብል ሳጓ ንዝጽዋዕ መራሕ ብርጌድ ትእዛዝን መምርሒ ስራሕን ተዋህቦ። ብለይቲ ዕጡቓት ናብታ ገብረብርሃን ዝነበራ ገዛ ሰሊኾም ብምእታው ድማ ማሪኾሞ ሓደሩ። ቀትሪ ኦራል መኪና ናብቲ ዝነበሮ ገዛ ብምኻድ ንዕኡን ጠበንጃታቱን ጽዒኖም፤ ነቲ ኣብ ቢንቶ ተከዘ ዝነበረ ናይ ሑመራ መቆጻጸሪ ገመድ በቲኻ ናብ ኦምሓጀር ኣተወት። ጉዳይ ገብረብርሃን ድማ ተደምደመ።

ሎሚ ክንዮ እቲ ንሱ ዝገብሮ ዘሎ ምብትታኽ መንነትና ክንጥምት፣ እቲ ኣንጻሩ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ክንዲ ጎድናዊ፤ ንኹሉ ወገናትን ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይታ ሰባትን ዘሳተፈ ክኸውን ምተገብአ። ኢሳይያስ ወኪል ናይቲ ናጽነት ዘምጽአ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ወይ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን። ኢሳይያስ ወኪል ናይ ገዛእ ርእሱን ናይታ ከም ባላንቺና ነፊሑ ዘዕበያ ሰልፊ ህግደፍን ጥራይ ኢዩ።

ናትና ውድብ /ሰልፊ/ ጥራይ ኢያ ኣንጻር ኢሳይያስ ትምክት ዘላ፣ ኣውራጃና ጥራይ ኢያ ዓጢቓትሉ ዘላ፣ ናትና ሃይማኖት፣ ናትና ብሄር… ጥራይ ኢያ ብኽሳዱ ሒዛቶ ዘላ ወ.ዘ.ተ… ኣብ እንብለሉ ዘለና ግዜ፤ እቶም/እተን ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ረመጽ ኩዕዮም ናብ ዒራ-ዒሮ ዝተዳጎኑን ቀለብ ኣራዊት ዝኾኑን’ከ ኣባላት ናየናይ ውድብ ኢዮም ነይሮም? ደቂ ኣየናይ ሃይማኖት ኢዮም’ከ? ደቂ ኣየናይ ኣውራጃ’ኸ ነበሩ? ኢልና ናብ ድሕሪት ንመለስ። ሎሚ መብዛሕትአን እዘን ንርእየን ዘለና ውድባትን ሰልፊታትን ነቲ ንሳቶም ዝወልዕዎ ቀንዴል እናረኣያ ኢየን ዝኸዳ ዘለዋ።

ኣብ የማናይ ኢድካ ንዘሎ በሰላ እናኣሕወኻ፣ ኣብ ጸጋማይ ኢድካ ካልእ ቁስሊ ምፍርፋር ግን መሰረታዊ መፍትሒ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነን። ከምቲ ደጋጊመ ዝገልጾ ዘለኹ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዓና ንኤርትራውያን ብዘይካ ኢሳይያስ ካልእ ጸላኢ የብልናን። እቶም ነዚ እንኣምን ከኣ ኣነጻጺርና ኣንጻሩ ክንምክት ንሕተት ኣሎና። ካብኡ ብዝተረፈ ‘ኣብዛ ተሳፊርናላ ዘለና ሎተሪና ወዲ ኣውራጃ እገለ ክሳፈር የብሉን። ኣብ ውድብ እገለ ንዝነበሩ ሰባት ሒዝና ናብ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ኣይንኸይድን፣ ካብዚ ሃይማኖት’ዚ በዚሖም ካብቲ ድማ ውሒዶም…’ እናበልካ ዝግበር ጎድናዊ ቃልሲ’ምበኣር ንመላእ ህዝቢን ድሕረ-ባይታታት ኤርትራውያንን ዘጠቓለለ ኣይኮነን።

ንኢሳይያስ  ሎሚ ካብ ህዝቢ ኤርትራን ካብ ውድብ ህዝባዊ ግንባርን ፈሊና ንርኣዮ። ‘ኣቦይ ወልዱ ብዝበልዕዎ ሕሙቶ፣ ንኣደይ ኢታይ ኣጉስዐን’ ከም ዝበሃል ምስላ፤ ኣብቲ ንሱ ዝፈጸሞ ገበናት ብዘይካ’ቶም ውሑዳት ብረብሓ ዝተኣሳሰሩ ከዳዓት፣ ህዝቢ ኤርትራን ተጋዳላይ ነበር ህዝባዊ ግንባርን ዝሕተቱሉ ኣይኮነን። ነዚ እንተተረዲእና ድማ፤ ነቲ ኢሳይያስ ዝገበሮ ጌጋታት ኣይክንደግምን ኢና።

ዓወት ፍረኣ ጥዑም’ዩ! ኢድ ከይሓወስካ ብማተማኢካዊ ካልኩለሽን ጥራይ ክትመጽእ ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ማዕረ’ዚ ህዝቢ ዝጎዩ ልኡኻት ህግደፍ’ኳ ኣለዉና። ብጭቡጥ ኣብ ዱሮ ምእሳር ጂ.15 ከውታ ለይቲ ኣብ መንበሪ ገዛ ኢሳይያስ /ረድዮ መሪናዮ/ ምስጢራዊ ኣኼባታት ገይሮም ዝተፋነዉ፣ ካብ ሱዳን ኢሳይያስ ንዝጸሓፎ መምርሒ ወረቓቕቲ ካብ ኢድ ኮሎነል መልኣከ ገብረማርያም /ወዲ ፊተውራሪ/ ተቐቢሎም “መርቑና” ኢሎም ናብ ሕንፍሽፍሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዋፈሩ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘሊልና ሃዲምና ኢሎም ዝነግሩና ዕሱባት፤ ኣብ ቀረባ ግዜ ክቃልዑ ኢዮም።

በቲ ተጋዳሊት ኣበባ ዝበለቶ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ክድምድም። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ 1ይ ውድባዊ ጉባአ 1977፣ ዝነበረ ጭርሖ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት” ዝብል ኢዩ ዝነበረ። ኣበባ ዝተባህለት ነተን ቀደም ዝተሰለፋ ደቀንስትዮ ታዕሊም ውዒላ ምስ ወደአት፣ ከምቲ ወተሃደራዊ ሕጊ “ብሰላም ዕረፍ” ምስ በለተን፤ “ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት” ብምባል ተበተና።

“ወይለከይ ኣበባ! ንዕነ ድኣ ተመለሳ። እቲ ሞት’ከ ድኣ መን ኢዩ ክሞተልክን ትጽበያ ዘለኽን”  ኢላ ከም ብሓድሽ ሰሪዓ “ብሰላም ዕረፍ” በለተን። ንሳተን ድማ ንጉድለተን ተረዲአን፦

“ኣብ ዘለናዮ ሰልፊ ዓወት ወይ ሞት” በላ። ኣብቲ ዝኣመናሉ ዕላማ ከኣ ስለ ናጽነት ሃገረን ኤርትራ ተሰዊአን። እምበኣርከስ ስለ እዚአንን እዚኦምን ኢና ኣብ ማሕላ ጸኒዕና ተውለ እንብል።

ኢሳይያስ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ዝውክልን ዝሰርሕን፣ ካብ ጀጋኑ ደቀባት ኤርትራ ኣዝዩ ዝፈርሕን ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ተኹላ ኢዩ። ‘ዘይተፈስወ ነይጭኖ’ ከም ዝበሃል፣ ኣብ 1985 /ወራር ወፍሪ ባሕሪ ነጋሽ/ ኢብራሂም ዓፋ ተሰዊኡ ዝብል ፎእ መርድእ ሰሚዕና። ኣብ ከባቢ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ብዛዕባ መስዋእቱ ትሒም-ትሒም ክስማዕ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። ንይምሰል ከኣ መስዋእቲ ወዲ ዓፋ ኣብ መጋቢት 1987 2ይ ውድባዊ ጉባአ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተነግረ።

ስለዚ ኣብ ዝቕጽል ክፋል ጽሑፍና፣ ግርጭት ኢሳይያስን ኢብራሂም ዓፋን ካብ ቦጦሎኒ 5 ደቡብ፣ ክሳብ ምሕራር ከተማ ከረን፤ ካብ ግዜ ምዝላቕ ድማ ክሳብ 6ይ ወራር ደርግ ንዝነበረ ዝምድና ክንርኢ ኢና። መን ይፈልጥ ኑራ መሓመድ ዝሰነደቶ ን25 ዓመታት ዝተቐብረ ታሪኽ’ውን ይህሉ ይኸውን። ንሳራ ነታ ኣስታት 28 ዓመታት ብሰንኪ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፍቕሪ ኣቦ ዘየስተማቐረት እንኮ ጓሉ ድማ ዝኽትምና ከይስመዓ “…ኣጆኺ ሕነ ኢብራሂም ዝፈድዩ ሚልዮናት ኣብ ጎድንኺ ኣለዉ” ንበላ። ሽዑ እቲ ኣብ ገዛ ሳራ ተሰቒሉ ዘሎ ስእሊ ጅግና ወላዲኣ ኢብራሂም ዓፋ፣ ናብ ጎደና ሓርነት ክወጽእ ኢዩ። ሽዑ ኣብ ገገዛና ክንሰቕሎ ኢና’ሞ ኣጆኺ ሳራ!

ጉዳመኛ ኢሳይያስ ናብ ካርቱም እናተበገሰ ዘጻወዶ ናይ ምቕንጻሉ ውዲትን ብድሕሪ መስዋእቲ ወዲ ዓፋ ከኣ፣ ባዕሉ ናብቲ እዋን’ቲ  ኣብ ሶርያ ደማስቆስ ንዝነበረ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሮሞዳን መሓመድ ኑር ዘመሓላለፎ ናይ መርድእ መልእኽቲን ናይዚ ዘለናዮ ከም እንቋቑሖ ተኣፋፍነቱ መድረኽ ስርዓተ-ህግደፍን ክንርኢ ኢና።

ክሳብ ሽዑ ከኣ ሰላም ቅነ!

ሞት ክናና ንኢሳይያስ! source ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ : ሓሙሻይ ክፋል - ብ ኣለና