Home arrow ትግርኛ arrow ዜና arrow ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ዓዲ ገብራይ ብጅምላ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ሓይሩዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ዓዲ ገብራይ ብጅምላ ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ሓይሩዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። PDF Print E-mail
Wednesday, 03 June 2009
ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ ጀሚሩ ንህዝቢ ዓዲ ገብራይ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ከይተፍረፈ ብጅምላ፡  ኣብ ከባቢ ጋሕቴላይ ኣብ ኣጻምእ ኣብ ዝተደኮነ ማሕዩር ዳጕኑዎ ከምዘሎ ምንጭታት ኣፍሊጦም።
ስርዓት ህግደፍ ነዚ ስጉምቲ ‘ዚ ዝወሰደ፡ ሓደ ኣብ ኣስመራ ዝዓረፈ ሰብኣይ ሓምድ ድበ ክለብስ ናብቲ ዓዲ ምስ ተላእከ፡ ህዝቢ ዓዲ ገብራይ “ወዲ ዓድና ስለዘይኮነ ኣብ ዓድና ኣይትቅበርን እዩ” ኢሉ ብሓባር ስለዝተቓወመ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣብሪሆም። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኣብታ ዓዲ ናይ መሬት ክርክር ከምዝጸንሐ ‘ውን ይጠቕሱ።

እቶም ምንጭታት ከምዝጠቐስዉዎ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ሕሙማትን ቆልዑ ተማሃሮን ከይተረፈ ኣማኢት ተቐማጦ ዓዲ ገብራይ ገፊጡ ብዘይመግቢ ምሕያሩ ከይኣክል፡ ኣብ ከተማ ንዝነብሩ ደቂ ዓዶም ማይን መግብን ከቕርቡሎም ኣዚዙዎም ኣሎ። በዚ ኢሰብኣዊ ስጉምቲ ስርዓት ህግደፍ ከኣ፡ እቶም እሱራትን ዘይእሱራትን ደቂ ዓዲ ገብራይ ኩሎም ኣብ ሸገርገርን ከልበትበትን ወዲቖም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እቲ ህዝቢ ብሓይሊ ናይ ምቍጽጻር ሕንሕነ ዘለዎ ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ‘መሬት ናይ መንግስቲ እዩ’፡ ዝብል ኣብ ዝደለዮ ቦታ ድላዩ ምግባር ምእንቲ ክጥዕሞ ዝኣወጆ ፖሊሲ ስለዝተደፍረ እዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ንሕስያ ዘይብሉ ሓይሊ ዝጥቀም ዘሎ። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሓባራዊ ተቓውሞ ክብዳህ ከሎ፡ ልዕሊ ኹሉ ሕጋውነቱ ብሓይሊ ምርግጋጽ ስለዘገድሶ ዝያዳ ሓይሊ ምጥቃም ብተደጋጋሚ ዘዘውትሮ ኣመል ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።

ዓዲ ገብራይ ካብ ኣስመራ ልዕሊ 20 ኪሎሜተር ርሒቓ፡ እትርከብ ዓዲ ክትከውን ከላ፡ ጋሕቴላይ ድማ መንጎ ኣስመራ ባጽዕ ዝርከብ ቆላዊ ኩነታት ኣየር ዘለዎ ኣጻምእ በረኻ እዩ።
 
< Prev   Next >
[ Back ]