ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮን መን`ዩ ?


ስዉእ ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮን ካብ ኣቡኡ ኣቶ ተስፋጽዮን ኣይበል ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ለምለም ግሩም ወልደኣብዝጊ ብዕለት 21 ወርሒ ሽዱሽተ 1937 ዓመተ ምህረት ኣብ ዓዱ ዳዕሮ ኩንዓት ንኡስ ዞባ ዓዲ ኳላ ተወሊዱ።ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ዓዱ ድሕሪ ምምሃር፣ኣብ 1952 ናብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ብምኳድ ኣብ 1952 ክሳብ 1960 ዓመተ ምህረት ኣብ ቤት ትምህርቲ ተፈሪ ሞኮነን ኣዲስ ኣበባ ክሳብ 12 ክፍሊ ተማሂሩ።ብድሕሪኡ ኣብ ሳልሳይ ዙርያ ኣብ ሃረር ኣካዳሚ ብምእታው ካብ 1960 ክሳብ 1963 ንሰለስት ዓመት ወተሃደራዊ ስነፍልጠት ኣጽኒዑ።

ብማዕርግ ምክትል ተለንተ ተመሪቑ።ድሕሪ ምምራቑ ካብ 1963 ክሳብ 1974 ኣብ ኣጋር ኣሁዱታትን ወተሃደራዊ ሃንደሳን ሰራዊት ኢትዮጵያ ክሳብ ብደረጃ ማዕርግ ሻለቃ ሰሪሑ።ኣብ 1974 ኣካድያማዊ ዓቕሙ ንምዕባይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተጸምቢሩ።ኣብቲ ዩኒቨርስቲ እንዳተማህረ እንከሎ ለውጢ ምውዳቕ ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሰ ስለዝመጸ በታ ናብቲ ቤትምህርቲ ዝልኣኸቶ ኣሃዱ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ተወኪሉ ካብ 1974 ክሳብ 1976 ኣባል ደርግ ኮይኑ ሰሪሑ።ክሳብ እቲ እዋን ቲ በብግዚኡ ዝወሰዶም ኮሩሳት ካብ 1966 ክሳብ 1967 ዓመተ ምህረት ኣብ ጀርመን ሙኒኽ በዚክ ትምህርቲ ወተሃደራዊ ሃንደሳ፣ካብ 1971 ክሳብ 1972 ዓመተ ምህረት ኣብ ሕቡራት መንግስት ኣሜሪካ ቪርጂንያ ወተሃደራዊ ሃንደሳ ተማሂሩ።ኣባል ደርግ ብምዃን ውን ናብ ሱዳን ዩገዝላቭያ ጀርመን ካብ 1975 ክሳብ 1977 ብስራሕ ተማላሊሱ።

ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮን ኣባል ደርግ ኮይኑ ዝሰርሓሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕታት ኣብ ዝላዕለ ጥርዙ ስለዝበጽሐ ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ደርጊ ኮይኑ ክጻወሮ ስለዘይክኣለ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ብልዑል ሃገራዊ ስምዒት ተደሪኹ ካብቲ ንደርግ ወኪሉ ጌሽሉ ዝነበረ ሃገረ ጀርመን ኣብ ወርሒ ሸሞንተ 1977 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ።ኣብ መደበር ታዕሊም ማህሚመት ግቡእ ወተሃደራውን ፖሎቲካውን ብምቕሳም ክኣ ናብ ብርጌድ 71 ቀዳማይ ቦጦሎኒ ሓይሊ 12 ኣሃዱ ከቢድ ብረት ተመዲቡ ካብ ወርሒ ዓሰርተ ሓደ 1977 ክሳብ ወርሒ ሸሞንተ 1978 ኣብኡ ኣገልጊሉ።ኣብ ወርሒ ሸሞንተ 1978 ብኣድላይነት ናብ ክፍሊ ታዕሊም ተሳሒቡ።ኣብ ክፍሊ ታዕሊም በብእዋኑ ዝሰርሓሎም ጽፍሕታት ሓላፍነታት ሞያዊ ኣበርክቶታት ብዙሓት እኮ እንተኮኑ፣ንገለ ካብኣቶም ንምጥቃስ ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ምትርጓም ወተሃደራዊ ጽሑፋት፡ምድላው መጽሔት ተዓጠቕ፡ምምሃርን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ካብ 1978 ክሳብ 1983 ዓመተ ምህረት ሰሪሑ።ካብ 1983 ክሳብ 1984 ምስልጣን ሓለፍቲ ኣብ ግምባራት።

ካብ 1985 ክሳብ 1987 ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ከም ኣዛዚ ክፍሊ። ድሕሪ 1987 ዓመተ ምህረት ኣብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢብራሂም ዓፋ ክሳብ 1991 ኣብ ስልጠና ሓለፍትን ኣዘዝትን ሰራዊት ብደረጃ ኣዛዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ቀጺሉ።ብድሕሪ'ዚ ኣብ ቤትምህርቲ ሞኮንናት ካብ 1991 ክሳብ 1994 ከም ኣዛዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ሰሪሑ።ኣብ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብ 1994 ክሳብ 2000 ብደረጃ ኮሎኔል ማዕርግ ምክትል ኣዛዚ ስልጠና ማእከል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ኣገልጊሉ።ካብ ወርሒ ሓሙሽተ 2000 ክሳብ 2013 ብደረጃ ብ/ጀነራል ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ኣገልጊሉ።ኣብ ሜዳ በብእዋኑ ዝተሳተፈሎም ውግኣት ኣብ ወርሒ ሓደ 1978 ካብ ጋሕቴላይ ክሳብ ሰይድሺ ኣብ ዝነበረ ውግእ ብደረጃ ተራ ተዋጋኢ፣ኣብ 1984 ኣብ መጥቃዕቲ ሞሎብሶ ኣብ 1990 ኣብ ስርሒት ፈንቅል ኣብ 1991 ኣብ ዛዛሚ ኩናት ግምባር ደቀምሓረ ኣንጻር ስርዓት ደርግ ተሳቲፉ።ካብ በብእዋኑ ዝወሰዶም ፖሎቲካዊ ትምህርቲ መበል 15 ዙርያ ካድር ትምህርቲ ካብ ወርሒ ዓሰርተ 1982 ክሳብ ወርሒ ሓደ 1983 ይርከቦ።

ሓርበኛ ስዉእ?/???? ??? ??????ካብ 1994 ክሳብ 1997 ኣባል ኮምሽን ቁዋም ኤርትራ ብምኻን ውን ሰሪሑ ኢዩ።ስዉእ ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮን ኣብ 2010 ኣብ ሃገረ ጀርመን ከቢድ ናይ ልቢ መጥባሕቲ ብምክያድ ኣብ 2013 ናብ ጀርመን ተመሊሱ ልዑል ሕልምናዊ ክንክን ተጌርሉ።ብሰንኪ እዚ ዝሓደሮ ሕማም ድማ ካብ 2013 ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣብ ገዝኡን ሆስፒታልን እንዳተማላለሰ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ብዕለት 18 ወርሒ ሓደ 2021 ሳዓት 11 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ተሰዊኡ።ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮን ብልዑል ሃገራውነቱ ዝልለ ኣብ ሞያ ውትህድርና ልዑል ኣበርክቶ ዝገበረ ብድስፒልኑን ምቕሉል ባህርያቱን ዝፍለጥ ኣብነታዊ ተጋዳላይ ኔሩ።ስዉእ ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮን ኣቦ ሓንቲ ውላድ ኢዩ።ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ሰማእታትና ብግብርና ይደበሱ።

19 November 2021  · 
ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮን ዓሪፎም
ከቢድ ጓሂ ኣዕሚቑ ንዝፈልጦም!
እዞም ብዕድመ ናብ ደረጃ ኣብሓጎና ዝበጽሑ በዓል ጸጋ ኣቦ፡መን'ዮም?ካበይ 'ዮም? ኣይፈልጦምን። ግን ከኣ ንፈልሲ ጥበብ ዉሽጠይ ርእየን ብፍቕሪ ዝሓቖፋኒ የዳዎም ኣይርስዐንን። ኣብ ጋዜጣ ብዝጽሕፍዎ ዝነበሩ ጹሑፋት ስሞም ንእዝነይ ሓድሽ ዘይነበረ ኣቦ፡ ኣብ 2002 ዓ.ም ምስታ ናይቲ ሽዑ እዋን ዝነበረት ጉጅለ ባህሊ መዓስከር ሳዋ ምስ ተጠርነፍኩ 'የ ክላለዮም ዝኸኣልኩ። ኣብቲ ምስ ጉጅለ ስነ ጥበባት ዝጥርነፍ ሰብ ፡ ከም ሓካሊ ካብ ተዓሊምን ማእቶታዊ ስራሕን ዝሕሰበሉ ዝነበረ እዋን፡ ንኡስ ዓቕመይ ኣጉሊሖም፡ መዓርጎም ረሲዖም፡ፍልጠት ብዝወለዶ ጥበብ ከዉግዑኒ ኣይርስዖምን። ከም ንህጻን ተንበርኺካ እተዕልሎ፡ ኣብ ደረጃይ ብምውራድ ኩልንትንኦም ረሲዖም ኣቦ ጥበብ ጥራይ ብምዃን ፡ 'ሞ ድማ ኣብ መድረኻት ንዝተዓዘብዎ ብቕዓተይ ብኸመይ ኣዕብየ ብኸመይ ከምዝዕወተሉ ክመኽሩኒ እንከለዉ፡ብፍጹም ክርሳዕ ዝኽእል ዝኽሪ ኣይኮነን።
ካብ ወትሃደራዉያን ሓለፍቲ ጸዋግ ገጽ እምበር፡ብሱል ብጠበብ ዝተጸገወ ፍልጠት ርእየ ዘይፈልጥ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ፡ ብ/ ጀነራል ነጋሽ ግን፡ ጥበብ ብልቢ ንዝኸዶ ዝኽሰት ዝኸበረ ሞያ ምዃኑ ኣሚንና ብልብና ኣብቲ ዓዉዲ ክንጽዕር ክምዕዱና እንከለዉ፡ ብግብራዊ ተመኩሮ ዝተሰንየ ሓቂ ከዕጥቑና ፈጺመ ረሲዐዮም ኣይፈልጥን።
ብፍላይ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንዝቐሰምዎ ናይ ጥበብ ተመኩሮ ከዘንትዉ እንከለዉ፡ ዝነበሮም ብልሂ ኣእሙሮ ንኹሉ እዋን ብኽብርን ዝኽርን ክዝክሮም ካብ ዝገብሩኒ ሓደ 'ዩ። ብፍላይ ግን፡ ኣብ መካነ ፊልም ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሆሊዉድ( Holly wood) ንዝተዓዘብዎ ስርዓተ ምህናጽ ፊልም፡ ፊልም ከመይ ይዕየን ካልኣን ዝተማህርዎን ግብራዊ ስርሓት ብዘይ ብቂ ምስ ኣዉግዑና፡በቲ ንኡስ ትዕዝብታዊ ዓቕመይ፡ "ስለምንታይ ነዛ ሃገር መምህር ስነ-ጥበብ ኮይኖም ሓበላ ዓይኒ ጥበባ ዘይከልኡላ" ብምባል ብባህጊ ጥበብ ዓደይ ብቕንኢ ክልሎ ኣይርስዖን።ባህገይ ንስለ ባህጊ ኣይነበረን። ደረጃ ዓቕሞም እትረፍ ን ኤርትራዉያን ንዓለም ዝበቅዕ ኣቦ 'ዮም ነይሮም። ግን ኣብቲ እዋን ክንበጽሖ ዝእግመና ዝነበረ፡ ሎሚ ኣብ ዘይደረጃናን ኣብ ዘይንድምዓሉ ሞያን ምስ ተመደብና ዝፈለጥናዮ ሓቂ እንተሎ፡ እዞም ብፍልጠት ዝተጸገዉ ኣቦ 'ዉን ፡ቀዲሙ ዕጫና ዝበጽሖም ክኾኑ ይኽእሉ ምንባሮም 'ዩ። እምበር ብደረጃ ዓቕመይ ዝምስክሮ ብምልኣት ጥበብብ ዝተዓደሉ ብተመኩሮ 'ዉን ዝበሰሉ ኣቦ ምንባሮም ይዝክር።
ኣብ ህይወተይ ደጊመ ክረኽቦም ካብዝተመነኹ መኽዘን ጥበባት ዝኾኑ ኣቦ፡ ግን ከኣ ዕድል ዘይገበርኩ፡ ብሓፈሻ ድማ ጥበብ ኤርትራ ንጸጋታቶም ክጥቀመሉ ብዘይምኽኣሉ ዝተኸስሩ ክቡር ኣቦ። ሰብ ስለዝሓለፈ ኣይተቀናጅዎን፡ ወገንካ ስለዘይኮነ ድማ ናቱ ኣይትኸልኦን። እዚ ማለት ክሳብ ግዜ ሞቱ ምስ ስርዓት ህግደፍ ምንባሩ ንሞይኡ ብኣሉታ ምትንታን ዘይኮነ ፡ እቲ ሓቀኛ ምስሉ ብሓቀኛ መነጽር ምርኣይ የድሊ። ክቡር ዑንቂ ሓሊፉም ሎሚ፡ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም።