ምንዛሕ ጸለመ ጠንቂ ኢሰያስ ዲዩ ወይስ ደምበ-ተቓውሞ?

http://www.harnnet.org/index.php/articles-corner/english-articles/4567-2012-12-17-18-38-43

Last Updated on Monday, 17 December 2012 18:39 Written by ድራር መንታይ Monday, 17 December 2012 18:36

ኣብ ህዝብና ከም ወትሩ ዝዝረብ ንሓደ ካብ ሓቂ ርሒቁ፣ ወይ ከኣ ነቲ ተረኽቦ ከይመዘነ ምስኡ ሃው ዝብል ሰብ ምስ ዝነፈሰ ዝነፍስ ይብልዎ። ልክዕ ኢዩ፡ ንሓደ ክውንነት ብዘይመልክዑን ትርጉሙን ከይተረደኣካ ከይመዘንካ ቃሕ ከም ዝበለካ ጌርካ ከተተናፍሶ ሃሳይ ግደ ይጻወት ኢዩ። እቲ ሃስያ ከኣ ርግእ ኢልካ ኣስተውዒልካን ተመራሚርካን ነቲ ተረኽቦ ግቡእ ሚዛን ንክይትህበሉ  ይዕንቅፈካ። ተረድኦ ናይ'ቲ ብሂላት ዘይብልካ ከኣ ኣብ ደረጃ ናይ ሓሳብ ምግርጫውን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ ነንሓድሕድካ ምትእምማን የጥፍእ።

ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ናይ ቤላ በለዋት ካብ ሱር መሰረቱ ሓኺኽና ክንድምስሶ ጥራሕ ዘይኮነ ፈጺምና ክንጥቀመሉ ከምዘይብልና ንነፍስና ብሓዲሽ ስልጡን ባህሊ ክንዕጥቕ ይግበኣና። ምኽንያቱ ኣብ ዘይተጨበጠ ወረ ምንዛሕ ንባህሊ ዲሞክራሲ ዘጥፍእ ኮይኑ፡ ንሕብረትሰብ እውን ከተሓቓቝፍ ኣይክእልን ኢዩ። ‘ሓሳዊ የጥፍእ’ ዝበሃል እውን ካብ'ቲ ዘስዕቦ መዘዝ ከይኮነ ኣይተርፍን። ድሓር ድማ፡ ሓሶት ወይ ጭብጢ ዘይብሉ ወረ ምንዛሕ ቅኑዕ ፖለቲካዊ ስነምግባር ኣይኮነን። ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ነቲ ክተዐዉቶ እትደሊ ዕላማ ንምዕዋት ኣብ ቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ተመርኩስካ ደኣ እምበር ኣብ ነፍሕታትን ምጽልላምን ኣይኮነን። ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ሓሶትን ጸለመን ዘዘውትር፣ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ከይገሃድ ወይ ሰብ ከየስተብህለሉ ኢሉ ዝጥቀመሉ ኢዩ። በቲ ነፍሕታቱ ከኣ ንህዝቢ ከደናግርን ናብቲ ሓቂ ንኸይበጽሕን ብማለት ኢዩ። ሓሶትን መናፍሕን ከኣ በትሪ ድኹማትን ስንኩፍ ኣተሓሳስባ ናይ ዘለዎም ሰባት መሳርሒ ኢዩ። እዚ ከኣ ደቂ ሰባት ነቲ ሃገራዊ ጉዳይን፡ ዲሞክራሲያውነትን፡ ሓቅነትን ንጎኒ ገዲፎም ኣብ ጓል ነገር ክህውትቱ ዝዓለመ ኢዩ።

እስኪ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ዝኸይድ ዝነብረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን መእሰርን መቛጸርን ዘይብሉ ነፍሕታትን ጸለመን ንተዓዘብ። ርግጽ ኢዩ ነዚ ነፍሕታትን ጸለመታትን ዘዋፍርዎ ቀንዲ ዋናታት እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት ኢዩ። ካልኦት ከኣ ነቲ ጭጉራፍ ሓሶት ዝውርወረሉ ዘሎ ውድብ ይኹን ሰልፊ ጽልኢ ወይ ከኣ ናይ በለጽ መገዲ ሒዞም ዝጐዓዙ ባእታታት ተቐቢሎም ኣብ ፈቐዶ ጽርግያ ዝዘርው ከኣ ኣለዉ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅድሚ ምምስራቱ ሰውራዊ ባይቶ ንበይኑ ከሎ ሒዙ ክሳብ እዚ ሰልፊ እዚ ዝቐውምን ድሕሪ ምቛሙን ዝኸይድ ዝነበረ መናፍሕን ጸለመን ሓደ ብሓደ ክዝርዝሮ ክፍትን ኢየ። እዚ ግን ንምርሕሓቕ ወይ ንምክፋእ ኢለ ዘይኮንኩስ እንታይ ደኣ እቲ ዘየርበሓና ምዃኑ ንምእማትን ክንመሃረሉን ኢለ ኢዩ። ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣብ 1982 ድሕሪ ሜዳ ኤርትራ ለቒቓ ምውጻኣ፣ ስውእ ዓብደላ እድሪስ ምስ ብጾቱ ሑሴን ኸሊፋ፡ ሓምድ ኣድም ሱሌማን፡ ሓምድ ማሕሙድ፡ ስውእ ሳልሕ ኢያይ፡ ስውእ እድሪስ ሓንገላ: ዘርኡ ብኢዱ፡ ካብ ኣባላት ከኣ መምህር ዒሳ ሰይድ፡ መምህር መሓመድ ሳልሕ ማሕሙድ ..ወዘተ ካልኦት ዘለውዎ ዕልዋ ብምክያድ ተሓኤ ከምእትፈናጨል ተገብረ። እዚ ዕልዋ እዚ ብናይ ደገ ሓይሊ ብፍላይ ናይ ስዑድያ ስለያ ዝተደገፈ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ከኣ ነቲ ዲሞክራሲ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ እናበሰለ ዝኸይድ ዝነበረ ንምስባር ኢዩ። እቲ ቀንዲ መናፍሕ ዝነበረ ከኣ እቲ ውግእ ሓድሕድ ኣብ ጠቕሚ ተሓኤ ዝይምውዓሉ ምኽንያት ኣብ ጀብሃ ዘለዉ ክርስትያን ነሕዋቶም ክዋግኡ ስለዘይደለዩ ኢዩ ዝብልን፣ ኢሳያስ ደቂ ከበሳ ማለት ክርስታናዊ ሓይሊ ሒዙ ኢዩ ተዓዊቱ ካብ ዝብል ተበጊሱ ንምኒዓምር ብምሓዝ ክዕወት ኢየ ካብ ዝብል መንፈስ ኢዩ ንተሓኤ ፋሕ ኣቢሉ ከም ብሓዲሽ ብናቱ ድሌትን ቅድን ሰፍዩ ከበግሳ ዝሓለነ።  ካብዚ ግዜ እዚ ጀሚሩ ንሰውራዊ ባይቶ  ሹዒን ወይ ከኣ ኮሚንስታ ብማለት ኣንጻር ሃይማኖት ከም ዘስምዕ ጌርካ መናፍሕ ይስደድ ነይሩ። ክሳብ ኣብ ወተሃደራዊ ግጪት እውን ምስተን ኣብ ጋሽ ዝነበራ ሓይልታት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ተኻይዱ። ቀጺሉ እቲ መናፍሕ ነቲ ዝተረፈ ሓይሊ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ብተወላዋሊ መርገጽ  እውን ክግለጽ ተጀመረ።

ኣብ 1991 ድሕሪ ኤርትራ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ  ናጻ ምውጻኣ፣ ‘’ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ መሬት ኤርትራ ካብ ወጸ ድሕሪ ደጊም እቲ ብረታዊ ቃልሲ ስርሑ ኣብቂዑ ኢዩ እሞ ኣብ ክንድኡ ንሓርነታዊ ቃልሲ ፖለቲካውን ሰላማውን ቃልሲ ኢና ክነካይድ’’ ዝብል ዝወጸ ኣዋጅ በሽካዕላልን ምቁንጻብን ዝመልኦ መናፍሕ ተወርውረ። ንሱ ከኣ ርኢኹምዶ ምስ እዚ ስርዓት ኣሕዋት ብምዃኖም ብብረት ክሃርምዎ ስለዘይደለዩ ናይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ገዲፎም ብሰላም ኢዩ ዝካየድ ምባል ናይ ተምበርካኽነት ኢዩ ተባህለ።

ብ2000 ኣቢሉ ከኣ እቲ ምሕዝነት ንሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣቦ  መንበር  ምሕዝነት  ክኸውን ብደገ ሓይልታት ከም ዝድለ ብኢትዮጵያ ተነጊሩና ኣሎ ንዝበልዎ፤ ሽዑ ልኡኽ  ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ንምሕዝነት ኣይፈልጦ ኣይጥይቖ እሞ ከኣ ብደጋዊ ተጽዕኖ ኣቦ መንበር ክስየመልና ከሎ ንፖለቲካዊ ውሳኔና ኣሕሊፍና ኣይንህብን ካብ ዝብል መርገጽ ነቲ ኣኼባ ገዲፉ ወጺኡ። ቅድሚኡ  እንተኾነ እውን ሰውራዊ ባይቶ ናይ ብሄራትን  ናይ ሃማኖታዊ  ፕሮግራም ኣብዚ ናይ ምሕዝነት ቻርተር ክኣቱ የብሉን ምኽንያቱ ጉዳይ ህዝቢ ስለዝኾነ፣ ንኣና ከኣ ኣብ ዋጢጥ ዘእትወና ምዃኑ ብማለት ካብቲ ቻርተር ከልግስ ብመርገጽ ተቓለሰ። ነዚ እውን ከም ጸረ ብሄርን ከም ጸረ ሃይማኖት እስልምናን ተርጕምካ መናፍሕ ተኻየደ። እዚ እውን ንተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ኣብ ምሕዝነት ንመለስ ወይ ኣይንመለስ ብዝብል ምስምስ ኣሕዋት ኣሕመድ መሓመድ ናስር ኣቦ መንበር ናይ ሃገራዊ ድሕነት ነበርን ሓው ዶክተር በየነን ካልኦት ብጾቶምን ኣብ ምፍንጫል ተበጽሐ። እዚ እውን ናቱ መናፍሓት ሒዙ ተቐላቐለ። ንሱ ድማ፡ ጸረ ምሕዝነትን ነቲ ዝርአ ዝነበረ ድኽመት ምሕዝነት ብሰንኪ ሰውራዊ ባይቶ ብምባል ተኻየደ። ቀጺሉ ምሕዝነት ናብ ኪዳን ምስ ተቐየረ እውን እቲ ሓባራዊ ከሳርሓና ዝኽእል ሃገራዊ መቖሚታትና ተኸቲልና ንህዝቢ ክድሕን ብናይ ዝተመጣጠነ ውክልና ክኸውን ኣለዎ ንዝብል ርእይቶ ኣባላት ኪዳን ምቕባል ስለዝኣበዩ ንዝኾነ ይኹን ውሳኔ ብሓባራዊ ስምምዕ ዝብል ነጥቢ ተበጽሐ። ኣብዚ እውን ንሰውራዊ ባይቶ ስልጣን ክብሕት ብማለት ወግሐ ጸብሐ ብኹለን ውድባት ኣንጻር እዚ ውድብ ተላዕላ። ብፍላይ ንስውእ ስዩም ክሳብ ኣብ ውልቃዊ ናብርኡ ከይተረፈ ጸለመን ጸረ እስልምና ኢዩ ተባህለ።  ስዩም ምስ ተሰወአ ሓው ወልደሱስ ዓማር ምራሕ ምስ በልዎ ከኣ ጥሮታ ምስ ወጸ ኢዩ ንመሪሕነት ተቐቢሉ፣ ሓንሳብ ከኣ ዋዲ ኣስዋት ኢሉ ወዘተ ብምባል ነቲ ውድብ ንምድኻም ጸለመ ተኻየደ።

ኣብ 2006 ሰውራዊ ባይቶ ብሰልፊ ናይ ምምስራት ኣብ ጉባኤ ምስ ጸደቐ ዳርጋ መብዛሕተአን ውድባት ኪዳን ኣብዚ እዋን እዚ ሰልፊ ንምንታይ ኣድለየ፡ ሰውራዊ ባይቶ እንኮ ሰልፊ ከም ናይ ህግዲፍ ክኸውን ደልዩ ብዝብል ከኣ ህዝቢ ንኸይዓስሎ መናፍሓት ተኻየደ። ቅድሚ ሰልፊ ምምስራቱ ሰለስተ ውድባት ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን፡ ውድብ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፡ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ናይ ልዝብ መኣዲ ከፊተን ኣብ ደረጃ ስምረት ክጎዓዛ ኣብ ዝተበገሳሉ ድማ፡ ግምባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ነቲ ዘተጀመረ ቅዱስ ዕላማ የሎኹሉን ክትብል ካብቲ ስምምዕ ሰሓበት። ድሕሪኡ ሰውራዊ ባይቶ ሰልፊ ምስ መስረተ ከኣ ምስ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ነቲ ዝነበረ ዝምድና ብምቕጻል ኣርባዕተ ዓመት ዝወሰደ ምድላዋት ከደ። ኣብ'ዚ ግዜ እዚ እቲ መናፍሕ ካልእ መልክዕ ሒዙ ክወጽእ ጀመረ። ንሱ ከኣ ኣብ 2010 ኣብ ፈስቲቫል ካስል ብክቡር ዶክተር ተስፋጼን መድሃኔ ነዚ ኣብ ስምረት ገጽን ዝጓዓዛ ዘለዋ ሰልፊታት ኣብቲ ን2011 ስርዓት ኢሳያስ ክገብሮ ሓሲቡ ዘሎ ናይ ምርጫ እዋን ተስፋ ስለዝረኸባ ኢየን ብማለት ጻዕዳ ሓሶት ህዝብና ንግዚኡ ኣሚኑ ክቕበሎ ድሕር ኣይበለን። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደ ካብቶም ኣብ ኪዳን ዘለዉ እስላማዊ ውድብ ናይ ክርስትያን ዝዓብለሎ ሰልፊ ኢዩ ክብል ጽሑፍ ኣውጸአ። እዚ ማለቱ በቲ ንሱ ዝጥርጥሮ ወይ ዝመዝኖ፣ እቲ ስርዓት ኢሳያስ ክርስትያን ዝዓብለልዎ ምዃኑ ንኽገልጽ እሞ ካብ ስርዓት ኢሳያስ ዝፍለዩሉ የለን ንኽብል ዝሓለኖ ኢዩ። ቀጺሉ እቲ ናይ ብሩሱልስ ዝተጋበአ ሓው ወልደሱስ ዓማር ኣቦ መንበር ናይ ሰለስቲኡ ውድባት ወኪሉ ስለዝተኻፈሎ ጥራሕ ካብ ኣባላት ኪዳን ኣብ ክንዲ ንኹልና ዘርብሕ ክኸውን ንጽዓር ምባል ከም ክሕደትን ጥልመትን ሃገር ተቖጺሩ እዚ ዘይበሃል መናፍሕ ተኻየደ።

ስምረት ናይ ጋሽ ሰቲት ምስ ተረጋገጸ ከኣ እዚ ደኣ እንታይ ሰብ ኣለዎም ተባሂሉ ንምእኣስ ተጀመረ ። ኣብ 2010 ከኣ ናይ ሰለስቲኤን ሰልፍታት መሰጋገሪ ጉባኤ ገጹ እናኸደ ከሎ ከኣ ሓዲስ መናፍሕ ተቐልቀለ። ንሱ ድማ ንገዲም ተጋዳላይ መስፍን ሓጎስ ምጥቃዕ ኢዩ ነዘን ሰልፍታት ሕቝአን ዝሰብር ዝብል ስትራተጂ ወጸ። እቲ መናፍሕ ከኣ መስፍን ሓጎስ ስለምንታይ ንኢሳያስ ዘየቃልዕ፡ ብዛዕባ መን ተቐትለ መን መን …ወዘተ ዘይገልጽ እናተባህለ ኣብ ሓንጎል ደቂ ሰባት ብምስራጽ ሆ ክብል ተገብረ። እዚ ምዃን ምስ ኣበየ ከኣ ሰይቲ መስፍን ሓጎስ ኣበየ ሰለስተ ወርሒ ኣስመራ- ፍራንክፈርት እናተመላለሰት ሓበረታ ተስንቕ፣ መስፍን ምስ እከላ.. ኣብ በርሊን ተራኺቡ፡ መስፍን ንኢብራሂም ዓፋ ኣብ ምቕታል ኢድ ነይርዎ፡ ኩሉ እዚ ሰማዒ እዝኒ ምስ ሰኣነ፡ መወዳእታ ሓደ ኣለና ዝበሃል መጺኡ ከኣ መስፍን ልኡኽ ናይ ኢሳያስ ኢዩ ኢሉ ድማ ንመንአሰያት ከደናግር ሃቀነ።

ኣብ 2010 ጉዳይ ዋዕላ ኣብ ምስንዳእ ዝነበረሉ እዘን ሰልፍታት እዚአን ብሓባር እማመ ኣቕሪበን። ነቲ እማመ እውን ኩሎም ኣባላት ኪዳን ተቐቢሎሞ ከብቅዑ ኣብ ትግባሬ ምስ በጽሐ ግና በየን መጸ ንፋስ ዘይተፈልጠ ነዚ ሰልፊ ከምይ ካብቲ ዋዕላ ይለግስ ሓሳብ ተጠንሰ። እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ከኣ ኢደ እግሪ ዘይብሉ ኣገባብ ማለት ካብ ንኹሉ ኣሳታፊ ዝኸውን ገዲፍካ መን ኢዩ ሰዓቢ ብዝብል ኣግላሊ ዝኾነ መገዲ ተታሕዘ። መጽናዕቲ ነካይድ እንተተባህለ ከኣ መወልትና ሕጂ እንተዘይገብርኩሞ ኣይንምውለኩምን ኢና፡ ኢሳያስ ይጸንሕዶ ኣይጸንሕን እንታይ ፈሊጥኩም ተባሂልና ብምባል ንዋዕላ ከዐውት ዝኽእል ትካላት ከይተሰርዐ ኣብ ዝተጓዕዘሉ እዋን ከኣ ሰልፊ በሉ ጻዕዳ ይጽናሕኩም ኢሉ ገዲፉሎም። ኣብ'ዚ ከኣ ዝተኻየደ ነፍሕታት ኩሉ ዜጋ ብሃገሩ ዝግደስ ይፈልጦ ኢዩ። ሕጂ ከኣ ብሓዲሽ መልክዕ መንእሰያት ምስ ዓበይቲ ኣያታቶምን ኣሕዋቶምን ሓቢሮምን ተወሃሂዶምን ነቲ ታሪኻዊ ሓላፍነት ክስከሙ ኣብ ክንዲ ምጽዓር፣ መንእሰይ ኪድ ንበይንኻ ተውደብ ነዞም ኣረገውቲ ኒየው በሎም እናተባህለ ዝንዛሕ ዘሎ መናፍሕ ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝበታትን እንተዘይኮይኑ ካልእ ፋይዳ ዝህልዎ ኣይመስልን።

ስለዚ ኣብ ክውንነትን ሓቅነትን ዘይተመርኮሰ ናይ ጸለመ መናፍሕ ወይ ፕሮፓጋንዳ ፖለቲካዊ ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ክጥቕሶ ዝጸናሕኩ መናፍሓት በሃልቱ ገሊኦም ብህይወቶም ኣብ ስልጣን ኣለዉ። ዘሰክፎም እንተኾይኑ ነብሶም ክግምግሙን ብዘካየድዎ ኣሉታዊ ግደ ክስከፉ ኣለዎም። ካብኡ ዝተረፈ እቲ መናፍሕ ብኢሰያስን መጋበርያታቱን ኢዩ ዝንዛሕ ዘሎ ኢልካ ምውራይ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ። ናብ ኢሳያስ ኣመሳሚስካ ኣይተፈለጥናን ክብሉ ኣይኽእሉን ኢዮም። ስለዚ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ንሓሊ እንተኾንና ሽግራትናን፡ ፍልልያትናን ዘገራጭወናን ኣብ ክንዲ ብመናፍሕን ጸለመን ክንፈትሖ ንፍትን፣ ኮፍ ኢልና ብቓልዕ ክንዛረበሉን መፍትሒ ክነናዲየሉን ይግባእ። እንተዘይኮይኑ ባይቶ ህዝቢ ከምዝመረጾ፡ ባይቶ ንሃገር ዝውክል፡ ባይቶ ባዕሉ ዝውድእ፡ እንተደለኹም ተጸንበሩ፡ ባይቶ ገባርን ሓዳግን ገርካ ዝውሰድ ዘሎ ኣገባብ ልክዕ ከምቲ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ኢልና ተፈላሊና ጉዳይ ሃገር ክንፈትሕ ዓመታት ዝወሰደ ጉዕዞ ኢዩ ዝድገም ዘሎ።

ድራር መንታይ

 

< Prev   Next >

P