<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document
ወፊሮም ገዘኦም ዘይተመልሱ ! ( መስፍን ሓጎስ መን እዩ?) 1ይ ክፋል

ወፊሮም ገዘኦም ዘይተመልሱ ! ( መስፍን ሓጎስ መን እዩ?) 1ይ ክፋል

Wednesday, 03 November 2010 00:48

መኮነን ዓምደሚካኤል፡ ኣዘንታዊ ናይዚ ታሪኽ፡ ኣብ መጀመርያ 1973 ወዲ 14 ዓመት ከሎ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፈ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ስደት፡ ቶሮንቶ (ካናዳ) ዝነብር ዘሎ ገዲም ተጋዳላይ መኮነን፡ ኣብ ገድሊ ብዛዕባ ዘሕለፎ ተመክሮ ንህዝቢ ኤርትራ ከካፍል ተበግሶ ብምውሳድ ቀዳማይ ክፋል ዛንትኡ ይጅምር።

መስፍን ሓጎስ መን እዩ?

እወ ሎሚ ገበነኛ ዝኾርዓሉ ውጹዓት ዝስከፍሉን ዝሽቕረረሉ ግዜ በጺሕና እምበር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ምሉእ ተጋዳላይ ህ.ግ. ከም ድላዩ ዘቐምጦን ዘላዕሎን እንተ ሃልዩ ንመስፍን ሓጎስ እዩ።  ብ1973 ዓም. ናይዝጊ ክፍሉ ዘዕለለኒን ጸኒሖም ብ74ዓም.ኤርምያስ ደበሳይን ሳሙኤል ሃይለ (ቻይና) ዝነገሩኒ መስፍን ሓጎስ ንሜዳ ቅድሚ ምስላፉ ሽፍታ ከም ዝነበረን ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ከባቢ ዓዱ ሰብ ከም ዝቐተለን፡ ሰብ ደሙ ፈሪሑ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሃደመን ኣብቲ ዝተሓባሉ ቦታ ሰብ ደሙ ምስ ፈለጥዎ ሃዲሙ ናብ ጀብሃ ተ.ሓ.ኤ  ከም ዝተሰለፈን ነጊሮምኒ ነሮም፤፤ ኣብ ግዜ ምፍጫል ምስ ህዝባዊ ሓይልታት መሓመድ ዓሊ ዑማሮ ዝመርሖ ተፈንጪሉ ከም ዝኸደ ይሕበር። ህዝባዊ ሓይልታት ምስ ሰልፊ ነጻነት ክዝትዩ ሽማግለ ተመሪጹ ምስ መጸ፡ ኣነ ወዲ ከበሳ እየ ኢሉ ምስ ኢሳያስ ተረፈ።

ኣቃውማ መሪሕነት ሰልፊ ነጻነት ኢሳያስ ባዕሉ ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ተጋደልቲ ኣኪቡ

  1. መስፍን ሓጎስ ንደቂ ሓማሴን ትውክል
  2. ተወልደ ኢዮብ ንደቂ ኣከለጉዛይ ትውክል
  3. ኣስመሮም ገረዝጊሄር ንደቂ ሰራየ ትውክል
  4. ሰለሙን ወልደማሪያም ነዞም ደቂ ከተማ በጋሚዶታት ትሕዝ
  5. ኣነ ከኣ በለ ኢሳያስ ነዞም ተመሃሮ ክሕዘልኩም ብማለት ባዕሉ ነቲ ስልጣን ንዕኡ ብዝጥዕሞ ኣገባብ መረጾም።

ነቶም ዝተረፉ ከኣ ውድብና ሕጂ ቀልጢፉ ክዓቢ ስለ ዝኾነ ክሉኹም በብተራ ኣብቲ መሪሕነት ከም ትመጹ ኣይትዘንጉዑ ኢሉ ነቲ ውድብ መልክዕ አትሓዞ። ውሽጣዊ ሕጎም ወተሃደራዊ  ኮይኑ ምስ ገባር ዘራኽቦም እውን ብኡ ክኸዱ ተሰማምዑ።

ኣጋጣሚ ግን እቶም ሰለስተ መሪሕነት ማለት ሰለሙን ወልደማሪምን ተወልደ ኢዮብን ኣስመሮም ገረዝጊሄርን ካብ ጀብሃ ሒዞሞ ዝመጹ ቅርሕንቲ ስለ ዝነበሮም፤ኣብ ነንሕድሕዶም ኣብ ዝኾነ ኣኼባ ኢሳያስ ጓል ዘረባ እናኣልዓለ ነገር የሳውር ነበረ”ሞ ንመስፍን ሓጎስ ሒዙ ዓራቒ ኮይኑ ይቐርብ ነበረ።

እንተኾነ ግፍዕታት መሪሕነት ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ግልጺ እንዳኾነ ምስ መጸ ኢሳያስ ንመስፍን ሒዙ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ዑፍ ክቐትል ፈተነ።

ክቡር ኣንባቢ ኣስተውዕል፤

ተወልደን ኣስመሮምን ንሰሎሙን ተሓታቲ ቅትለት ናይ ስርያ አዲስ ጌሮም ስለ ዝውንጅልዎ ኢሳይስ ምስጢሩ ክይቅላዕ ንሰለሙን ቀቲሉ፤ ንኣድሓኖም ገብረማሪይም ብዘይ ጉባኤ መተካእታ ሰለሙን፡ ኣብ መሪሕነት ከምጸኦ መደበ። እንተኾነ ነፍሲወከፍ መሪሕነት ኣብቲ ሰራዊት ውሽጣውያን ስሩዓት ስለ ዝነበርዎ ምስኡ ኣብቲ ውድብ ጨሪሹ ሰብኣዊ መሰል ስለ ዘይነበረ ኩሉ ንመሰረታዊ ለውጢ ክህሉ መረጸ። ስለዚ ኢሳያስ ኣብ ሞንጎ እዞም መሪሕነት ግጭት ስለዘሎ ንምፍትሑ ንበይነይ ጸገም ኮይኑኒ እናበለ ነቶም ካድራት ወዲሱ ንዮሃንስ ስብሃቱ፤ አፈወርቂ (አምሓራይ)፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል ፡ገብረአምላኽ፡ ታረቀ ይሕደጎ፡ ወዘተ ዘለውዎም ባዕሉ ከካብ ቦተኦም ጸዊዑ ዕለትን ሰዓትን ቦታን ፈልዩ ክሽምግሉ ክመጹ ኣፋነዎም። ኢሳይስ ነዚኦም አፋንዩ ምስ መስፍን ኮይኖም ንሰለሙን ኣሲሮም ዝርሽኑ ከኣ ኪዳነ ጎቦዝ፡ በራኺ ወዲ ፈንቅል፡ ካብ ጀብሃ ኣትሒዞም ምስ ሰሎሙን ቅርሕንቲ ዝነበሮም ምስኦም ኣድሓኖም ገብረማሪያም፡ ጸጋይ ቀሺ፡ ኢሳያስ ተወልደ (ወዲ ፍላንሳ) ፡ ግርማይ መሓሪ፡  መስፍን ሓጎስ ንባዕሉ መረጸ።

ክቡር ኣንባቢ ተዓዘብ፡ ሕጂ መስፍንን ኢሳያስን ሕጊ ባዕሎም ፈራዶ ባዕሎም ኮይኖም ንኤሪትራዊ ተጋዳላይ ገበኑ ከይተመርመረ ይሓርዱን ይርሽኑን ከም ዝነበሩ እየ ዘብርህ ዘለኹ። መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከምዝበሃል ሰሎሙን ተኣሲሩ ሎሚ”ዶ ጽባሕ ክሓርዱኒ ኢሉ እናተጸበየ ናይ ቆጽራ መዓልቲ ኣኺሉ ተራኸቡ።እቲ ቀንዲ ፈራዳይ ኢሳያስ ይኹን እምበር እታ ጽሕፍቲ ኣድሓኖም እዩ ኣንቢቡዋ። ከምዚ ከኣ በለ ፡ቃል ብቃላ፡፡

ብጾት እንቃዕ ብደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል እምበኣር ሰለሙን ወልደማርያም ወገናዊ፡ ዓሌታዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ስለ ዝኾነ ከምኡ ብሞት ናይ ስርያ አዲስን ኪዳነ ክፍሉን ወልዳይ ግደይን ተሓታቲ ስለ ዝኾነ ሞት ተፈሪዱ ኣሎ ኢሉ ንባቡ ደምደመ።

ታረቀ ይሕደጎ ተሲኡ ተፈሪዱ ድኻ ትብል ዘለኻ ወይስ ብዛዕባዚ ዘንበብካልና ገበናት ርእይቶና በሎ። ወድፈንቅል ብህንዱድ ኣዘራርባ ተፈሪዱ እዩ በለ።

የውሃንስ ስብሃቱ ንሕና ዝመጻና ክንሽምግል ብኡሳት ክንዓርቅ፤ ፍርዲ ግን ነገሩ ተመርሚሩ ብጭብጢ ምስ ዝረጋገጽ እሞ ምስ ዝኣምነሉ እዩ በለ።

ሙሴ ተስፋሚካኤል ኣስዒቡ ካብ ሰራዊት ሓሊፍኩምስ እምበኣር ኣብ ነንሕድሕድኩም ምትሕርራድ ጀሚርኩም ፡ ንሕናኮ ስቕ ኢልና ኢና ዓማ ሓራዲት እናበልና ምስ ዓማንዋጋእ ዘለና ኣብ ማእከልና ዘለው ዓማ ዘየጽረና በለ። ቀጺሉ ረአናልኩም ሰራዊት ከይሰምዕ ፋሕ ከይብለና ፍትሕዎ በጃኹም ኢሉዘረብኡ ምስ ደምደመ ብክልቲኡ ወገን ቲሒምቲሒም ተላዕለ ሽዑ”ውን ሰለሙን ተፈትሐ ሙሴ ዕጥቁ ንሰለሙን ሂቡ ካብ ሕጂ ተጠንቀቕ ከይትግራህ በሎ።

መስፍን ነቲ ዝገጠሞም ኩነታት ንኢሳያስ ምስ ኣቕረበሉ ኢሳያስ መጀመርያ ንሙሴ ቀቲሎም ደሓር ንሰልሙን ከዳግሙ ሓበሮ ስለዚ ንሙሴ ብስዉር ክቐትልዎ መዲቦም ጸጋይ ቀሺ መዘዙ። ጸጋይ ቀሺ ከም መደቡ ተጸናትዩ ቀትሪ ደቂሱ ከሎ ብሰደፍ ብረት ቀጥቂጡ ሞይቱ ኢሉ ገዲፍዎ ከደ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ክልተ ነገር ተረኽበ ፤

1)ሙሴ ሃራሚኡ ምልላዩ  2)ሃንደበት የውሃንስ ስብሃቱን አፈወርቂ አምሓራይን ምምጸኦም

ተቀላጢፎም ናብ ሕክምና ስለ ዝወሰድዎ ጉዳይ ብዓል መስፍን ተቓልዔ። ኣብ ምሉእ ውድብ ከኣ መሪሕነት ብስውር ንሰለሙንን ንሙሴን ክቐትል ፈቲኑ ተባሂሉ ተዘርግሐ ብዙሕ ምስጢር”ውን ክወጽእ ጀመረ።

መራሕ ሓይልን መራሕ ጋንታን ከም ቁሪ ዝፍርሑ ዝነበሩ ተደፍሩ፡ ተጋዳላይ ሙሁርን ዘይተማህረን ከበሳን መታሕትን ተበሂሉ ማዕረ ኣብ መኣዲ ተገማምዐ። ውድብ ከምዚ ኢሉ ኣብ ቅልውላው ከሎ ሃንደበት ወራር ስርዓት ሃይለስላሴ (ኢትዮጵያ) መጸ፡ ኩሉ ውሽጣዊ ጉዳዩ ንድሕሪት ምስ ጸላኢ እናተዋግአ መሪሕነት 48 ዓበይቲ ወተሃደራውን ፖለቲውን ካድራት ብለይቲ አብ ሞንጎ ውግእ እናተኻየደ ብሕቡእ ኣሰሮም።

ንኣብነት ብወገን ፈልከት ዝበሃል ቦታ ካብ ዝነበረ ግንባር ምሳና ዝነበሩ ታረቀ ይሕደጎ ፡ሙሴ ተስፋሚካኤል የውሃንስ ስብሃቱ፤ ወርቁ ዘርኣይ ፤ መብራህቱ ወልዱ (ወዲ ወልዱ)ወ.ዘ.ተ. ዘለውዎም ደቂስና ከለና ብለይቲ ወሲደሞም። ዋላ’ኳ  ብሕቡእ ሽዑ እንተ ወሰድዎም ብትሒም ትሒም ተኣሲሮም ከም ዘለው ተሰምዐ። ምሉእ ሰራዊት ከኣ ሽግርና ብዘተ ንፍተሓዮ ብሓይሊ ዝፍታሕ ነገር የለን በለ። ኢሳያስ ግን ምስ መሓመድ ዓሊ ዑማሮን ረመዳን መሓመድ ኑርን ተማኺሩ እዚ ጉዳይ ንደቂ ከበሳ ስለ ዝምልከት እቶም ደቂ መታሕት ኢድኩም ሕጸቡ በለ። ቅድሚ’ዚ ግን ነዚ ጉዳይ ትምርምር ሽማግለ ትውጻእ ምስ ተባህለ መሪሕነት ክልተ ዓመት ዘይተጋደለ ክመርጽን ክምረጽን ኣይክእልን ዝብል አዋጅ አዊጃ ሰራዊት ስለ ዘይተቐበሎ አብ ዓመት ዘይገበረ ክመርጽን ክምረጽን ከምዘይብሉ ተሰማምዑ። ነቶም ደቂ መታሕት ግን ኣብ ድምጺ ከድምጹ ኣብ ርእይቶ ግን ከይዛረቡን ብከባቢኦም ዘሎ መራሒ ክውከሱ ተሓበሮም። በዚ ኣብ ዝኾነ ዘረባ ኣብ ድምጺ ትውደቕ እናተባህለ መሪሕነት ድምጺ ናይ ደቂ መታሕት ሒዙ ይዕወት ነበረ።

እምበኣር ኣነ ምስ ብጾተይ መራሕ ሓይልና ዓሊ ሕና ምክትሉ ታረቀ ፖለቲካል ኮሚሽነር ኣድሓኖም ኔሮም ፤ግን ድሕሪ እቲ ወራር እንሰሓብ ምስ ገበርና ምልእቲ ሓይሊ ከበሳና መታሕትና ልክዕ ከምዛ ጉጅለ 15 ዝገበርዋ ኣስማትና ጽሒፍና ጉዳይና ብዘተ ንፍተሓዮብማእሰርትን ምፍርራሕን ዝፍታሕ ነገር ኣዕናዊ እዩ ዝብል ምስ ሓተትና፤ ድሕሪ ሰሙን ዓሊሒና ኣነ ሓቲተ እዚ ጉዳይ ናይ መሪሒነት ጉዳይ ስለ ዝኾነ ንዓኹም ኣይምልከተኩምን እዩ ዝብል መልሲ  ሒዙልና መጸ።

ቅድሚ እዚ መልሲ ምስማዕና ግን ዓሊሕና ነቶም ደቂ መታሕት ብምስጢር ካባና ስለ ዝነጸሎም ብጉሁድ ጽላሎም ክፈልዩ ጀመሩ፡ ኣድሓኖም”ውን ከምኡ አብ ሞንጎ እቶም ዝተረፍና ደቂ ከበሳ ምህሩን ዘይተማህረን ዓሌትን ኣውራጃን እናእተወ ሰብ ከይፈለጠ ነገር ፋሕ ኣቢሎማ ጸኒሖም፡ በዚ ካብ ሓይሊ 23 ተጋደልቲ መሰልና ተሓልዩ ግቡእ መልሲ እንተ ዘይመጻና ድፋዕ አንወጽእን በልና። በዚ ዓሊሕና ድፋዕ ዘይወጽእ ብረቱ ኣብዚ የውርድ በለ፡ ብዙሕ ወጠጥ መጸ ማዕረ ኣብ ብረታዊ ምርጻም ተቓረብና ደድፋዕና ሒዝና ከለና ኣድሓኖም ነተን ከባቢና ዝነበራ ሓይሊ ወዲ ፈንቅልን ሓይሊ ግርማይ መሓርን ብረድዮ ጸዊዑወን መጹ፡

ኣብ መንጎና ብምእታው ብረትና ከምነውርድ ተገብረ ንጽባሒቱ መስፍን ሓጎስ ብኢሳያስ ተሰንዩ መጸ ። ካብ እቶም 23 ተጋደልቲ ኣስማቶም ካብ ዝዝክሮም ብርሃነ ኣፍሮ፤ ሃብተ ኮሚሽነር ጋንታ፡ ተስፋይ ቀያሕታይ ምክትል መራሕ ጋንታ፡ ገብረልኡል ፡ሓደራ፡ መንግስ፡  ብርሃነ፡  መሰረት ግርማይ፡ ወዲ ኣርኣይ፡ ኣለም ጸጋይ፡ ኣነ መኮነን ዓንደሚካኤል ወ.ዘ.ተ. ነበርና።ንሕና ብረት ኣውሪድና መሪሕነት ኣኼባ ክገብረልና ተጸበና መስፍንን አድሓኖምን ምስ ጭፍረኦም በብሓደ እናጸውዑ ምሉእ ለይቲ ክቕጥጡና ሓደሩ። ሰናጭሮ ተብሕ ብለይቲ ጽሞና ወሪሱዎ ዝሓድር ዝነበረ ኣብ ምንታይካ ይሃርሙኻ ኣለው ክትመውት ወይስ ክትለምስ ኣይግድሶምን። ካብ ዝገርም ነገር መንእስያት መብዛሕትኦም ሽዑ(HIGHSCHOOL) ዝወድኡ ብወለዶም ተገኒሖም ዘይፈልጡ እሞ ን16 መዓልታት ብዘይ ዕረፍቲ ኣብ ዝጸነሐ ሰራዊት ኣብ ጥራይ ከብዱ ምስ ጸላኢ ክራባረብ ከም ዘይጸነሐ ኣብ ክንዲ ሞራል ምሃብን ምትብባዕን ኣገዲዶም ዘሰለፍዎ ክመስሉ ብኣብትርቲ ቀጥቀጡና።

መስፍን ስርሑ ሰሪሑ ናብ ጎይትኡ ኢሳያስ ጸብጻብ ከቕርብ ገዲፉና ከይዱ ኣብ ሳልስቱ መጸ ንሓይልና ንበይና ኣኪቡ እዚ ሰውራ እዩ፤ ፋብሪካ ባራቶሎ ኣይኮነን ሰዓታት በዚሑና ደሞዝ ዊሒዱና ክትብሉና ህዝባዊ ሓይልታት ኣይፈቅድን እዩ፤ኢሉ እናተዛረበ ብርሃነ ኣፍሮ ተሲኡ እንዳባራቶሎ እኮ ሰዓታት ምስ በዘሖም ምዝመዛ ምስ በርትዖም ዘፍሰስዎ ረሃጽን ደሞዞምን ስለ ዘይመጣጠን ንናብርኦም ክኣልዩ ስለ ዘይከኣሉ እዮም ዝሐተቱ፤ ንሕና ከኣ እንስሳ ኣይኮናን ከም ተጋደልቲ ብዛዕባ ሃገርናን ሰውራናን ህዝብናን ክንዛረብን ክንካታዕን መሰልና ይተሓሎ ኢና ንብል ዘለና በለ። ኣብ ቅድሚ ኢሳያስ ምዕጊ ዘይዛረብ መስፍን ብቁጠዓ ካብ ኣኼባ ኣውጺኡ ኣብ ጸሓይ ደው ኣበሎ። ገና ናይ ቁጠዓ ምጉርምራሙ ከይወደአ ሓደራ ተሲኡ እሞ ዕሱባት ሰራዊት ኢኹም ደኣ ዘይትብለና ዕሱብ ሰራዊት ጥራሕ እዩ ክዛረብ መሰል ዘይብሉ በለ፡ መስፍን መሪሕነት ከለኹ ተደፊረ ዝብል ሕልና ግዲ ሒዝዎ እናኣጉባዕበዐ ፤ ኣነ”ኮ ወዲ ሓጎስ እየ ዝበሃል ደም ሰብኣይ ተደሪረ ዝሓድር እናበለ ብዙሑን ውሑድን ተዛረበ ። ብፍላይ ነቶምገዳይምን ምሁራትን ሓሓሊፉ ኣራእሶም ብእግሩ ምስ ሑጻ ክለውሶም ጀመረ። ይዝከረኒ ኣድሓኖም ጽቡቕ ጌርካዮም ዝዓይነቱ ፍሽኽታ ከርእዮ ከሎ። ብድሕሪዚ ነቶም 23 ተጋደልቲ ናብ ኩለን ሓይልታት ፋሕ ኣቢሉ ጸብጻቡ ከቕርብ ናብ ኢሳያስ ገዲፉና ከደ፤ ካብቶም ኣብ ሓይልና ዝተርፍና መሰረት ግርማይ፤ ሃይለ ፤ሓደራ፤ መንግስ፤ መስረት ግርማይ፤ ገብረልኡል፤ መኮነን ዓንደሚካኤልን ነበርና። መተካእታ ናይቶም  ዝተፈልዩና ከኣ ካብ ዝዝክሮም ዓወት ካሕሳይ፤ ኣስካለ፤ ብርሂን፤ ተስፋይ የማነ፤ ወዲ ትኩእ፤ ነበሩ። ካብ ሓደስቲ ተሰለፍቲ ዓንዶም፤ ነጋሲ ዓማ፤ በረኸት ዓማ ወ.ዘ.ተ.ነበሩ።

ይቕጽል

ከደዓትን ጎይቶቶምን ክሰዓሩ እዮም

ውድቀት ንፋሽሽታዊ ስርዓት ኢሳያስ

በትሪ ሓቂ ትቀጥን እምበር ኣይትስበርን፤

መኮነን ዓንደሚካኤል

ቶሮንቶ ካናዳ