ካብ መቕሎ ናብ መጋርያ ሓዊ

Source http://www.harnnet.org/index.php/news-and-articles/top-headlines/4502-2012-12-03-12-13-24

Written by ወዲ በርሀ ካብ ሸገራብ

ብ22 ሕዳር 2012 ወናኒ ቤት መግቢ ካስኮ ዝዀነ ሰመረ ዝብሃል ስደተኛ ምስ በዓልቲ ቤቱን ሓንቲ መሓዛኦምን ካብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ናብ ከሰላ ገጾም እናተጓዓዙ ከለዉ ተጨውዮም። ሰመረ ካስኮ፡ ንሓደ ኣባል ጸጥታ ዝዀነ ሱዳናዊ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኤርትራዊት ስደተኛ ዝፈጸሞ ዓመጻዊ ስጋዊ ርክብ ከሲሱ ስለዝነበረ፡ ብቤት ፍርዲ ተጸዊዑ ኢዩ ናብ ከሰላ ምስ ሰበይቱን መሓዝኦምን ዝኸይድ ዝነበረ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓደ ኣባል ጸጥታ ሱዳን ተሰንዮም ብመኪናኡ እናተጓዕዙ ከለዉ ኢዮም  ብቐትሪ ተጨውዮም። እቲ ክሱስ ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኢዩ ነይሩ። እዚ ስርሒት’ዚ፡ ኣብ’ቲ ፍርዲ ዝውሃበሉ ዕለት ምፍጻሙ ድማ፡ ኢድ ናይ’ቶም ተኸሰስቲ ማለት ጸጥታ’ታ ሃገር ከምዘለዎ ብሩህ ኢዩ።

ብ25 ሕዳር 2012 ድማ፡ ገበነኛታት ነጋዶ ደቂ ሰብ ካብ ውሽጢ መደበር ሸገራብ፡ ካብ ጥቓ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ፡  6 ስደተኛታት ጨውዮም ወሲዶም። ኣቶም ካብ መደበር ስደተኛታት ወጻኢ ዝጭወዩ እሞ ኣዲኦም ትቝጸሮም።

ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሱዳን ኣቲኹም ብዝብል ምስምስ ብቤት ፍርዲ ዝባረሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ማእለያ የብሎምን። እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም፡ ካብ ሓለዋ ወተሃደራት ዶብ ኤርትራን ነጋዶ ደቂ ሰብን ኣምሊጦም፡ ንፖሊስ ወይ ጸጥታ ወይ ወተሃደራት ሱዳን ኢዶም ዝሃቡ ወይ ብኦኦም ዝተተሓዙ ኢዮም።

ቢት ፍርዲ ድማ ንነፍስወክፍ ስደተኛ፡ 500 ጅኔ ክኸፍልን ክባረርን ኢዩ ዝውስነሉ። ንዝተወሰነሉ መቕጻዕቲ ክኸፍል ዘይክእል ስደተኛ፡ ኣምሳያኡ ን3 ወርሒ ይእሰር፡ ብድሕሪኡ ከኣ ይባረር። እዚ ዘይሰብኣዊ ተግባር’ዚ፡ ካብ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ መቕሎ  ኣውሪድካስ ናብ መጋርያ ምድርባዩ ኢዩ ዘርኢ።

እዚ ጕዳይ’ዚ ብተደጋጋሚ ንወከልቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እኳ እንተነገርና፡ ዝውሃበና መልሲ ግን፡ ንሕና መንነት ዘይሃብናዮ ሰብ ክንከላኸለሉ ኣይንኽእልን ኢና። ግደፍ’ዶ መንነት ዘይብሉ፡ መንነት ዘለዎ ውን እንተዀይኑ፡ ካብ’ዚ መደበር እንተወጺኡ ክንከላኸለሉ ኣይንኽእልን ኢና ዝብል ኢዩ።

እቶም ስደተኛታት ድማ፡ እቲ ብሰብኣዊ ማሕበራት ዝውሃቦም ሓገዝ ስለዘይኣኽሎም ስራሕ ክደልዩ፡ ክነግዱ ….ወዘተ ካብ’ቲ መደበር ክወጹ ይግደዱ ኢዮም።

ብቤት ፍርዲ ሱዳን ዝባረሩ ኤርትራውያን ካብ ዕለት ናብ ዕልት እናበዝሑ ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን ይኹን ሕቡራት ሃገራት ድማ፡ ኢዱ ኣጣሚሩ ኢዩ ዝርኢ ዘሎ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ 11 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ተባሪሮም ኣለዉ። ንኽባረሩ ተባሂሎም ኣብ ከሰላ ተኣሲሮም ዝርከቡ ድማ 70 ኣቢሎም ይዀኑ።

ስለ’ዚ፡ ኣውያትና ናብ ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳንን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን  መንግስታት ዓለምን ኣብጽሑልና።

ወዲ በርሀ ካብ ሸገራብ