Post navigation

መንግስትኣብ ኢሳቕ መን ኢዩ ነይሩ? ስለምንታይከ ኣብ 1979 ዓ. ም. ተቐቲሉ? (ቀቅድሚ መስዋእቱ ዝጸሓፎ ደብዳበ/ሰነድ ተተሓሒዙ ቀሪቡ ‘ሎ)

EPLF_Fighters

መንግስትኣብ ኢሳቕ መን ኢዩ ነይሩ?

ስለምንታይከ ኣብ 1979 ዓ. ም. ተቐቲሉ?

ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ከዳልዋ ዝደለኩሉ ምክንያት እቲ ኣብ ሓምለ1979 ዓ.ም.ዝተሰውኤ መንግስትኣብ ኢሳቕ ቑርብ መዓልታት ቐድሚ ምሟቱ ባዕሉ ዝጸሓፋ ጽሕፍቲ ሰለዝረከብኩዋን ታሪኽ ናይ ስውኣትና ተረሲዑ መታን ከይተርፍን ታሪኽ ናብቲ ሓዲሽ ወለዶ ንምስግጋርን ስለዝደለኩን ኢየ፡፡ እግረ መንገደይ ድማ ክፍኣትን ተንኮላትን ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምብራህ ጉቡኤይ ኮይኑ ስለዝስማዓኒ ኢየ፡፡

ስለዚ እታጽሕፍቲ ናይ መንግስትኣብ ኢሳቅከምዘላታ የቅርባ ኣለኩ፡፡

ኣናባቢ መታን ከይደናገር ግን መንግስትኣብ ኢሳቅ መን ከምዝነበረን ኤ.ና.ስ.ኣ እናታይ ምንባሩን ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጾ ክፍትን ኢየ፡፡

መንግስትኣብ ኢሳቕ ናይ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ማሕበር E.N.A.S.A ኣቦ መንበር ነበረ፡፡እዚ ማሕበር እዚ ኣብ መጀመሪያ 1970 ታት ዝተመስረተ ኮይኑ፣ካብ 1976 ዓ.ም. ጅሚሩ ድማ ኣብ ህ.ሓ.ሓ.ኤ ዓቢን ኣገዳሲን ተራ ዝጻወት ዝነበረ ማሕበር ነበረ፡፡ ብፍላይ ድማ ድሕርቲ ምፍላይ ናይ ዑሰማን ሳልሕ ሳቤ እቲ ፖለቲካዊን ንዋታው ንሓገዝ ኤ. ና. ስ.ኣ. መተካእታ ዘይነበሮ ኮይኑ ኤ ና ስ ኣ ዓንዲ ሕቖ ናይቲ ስውራ ኾይኑ ምንባሩ ይዝከር፡፡

እቲ ግርጭት ኣብ መንጎ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤን ኤ.ና.ስ.ኣ ን ኣብቲ እዋን ስትራተጂካዊ ምዝላቅ ኢዩ ተላዒሉ፡፡ እቲ ቀንድን ኣገዳስን ነጥቢ ድማ ሶቭት ሕብረት ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያ ብምዃን ንሰውራ ኤርትራ ብወተሃደራዊን ብፖለቲካን መንገዲ ክትጭፍጭፍ ድሕሪ ምጅማራ ዝተላዕለ ነበረ፡፡

ኣብዚ ግዜዚ እቲ ማእከላይ ሽማግለ ኤ. ና. ስ. ኣ.ንሶቭየት ሕብረት ብምኹናን፣ ሓደ ብፖለቲካውን ወትሃደራውን መዳያት ኣንጻርካ ዝኮነ ሓይሊ ቐዳማይ ጸላኢኻ ኢዩ ዝብል መደምደምታ ድሕሪ ምብጻሕ፣ ሶቭት ሕብረት ከም ቀዳማይ ጸላኢ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክሰርዓ ወሰነ፡፡እቲ ረብሓ ይኹን ስቅያትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዲሱዎ ዘይፈልጥ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ግን ምስ ሶቭየትሕብረት ክብኣስ ኣይደለየን፡፡ምኽንያቱ ድማ ኢሳያስ ከም ናይ ማሕበርነታዊ ደንበ ወኪል ኾይኑ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ ንሙሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠቅሊሉ ክመርሕ ወይ ክገዝእ ይሓልም ስለዝነበረ ኢዩ፡፡ ብዛዕባዚ ኣብ መጻኢ ብዙሕ መርትዖታት ከቅርብ ኢዬ ፡፡ ኤርትራ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣዝያ ንእሽቶይ ሃገር ስለዝኮነት ናይ ስልጣን ጽመኣቱ ተርውየሉ ሃገር ኣይኮነትን፡፡ ኢሳያስ ሕልሙ ዝነበረ ንሰውራ ኤርትራ ከም መሰላል ተጠቂሙ ምስ ሶቭየት ሕብረት ብምጽጋዕ ዓቢ መራሒ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክከውን ኢዩ ዝነበረ፡፡ እዚ ሕልምዚ ክትግብሮ ዝክእልድማ ምስ ሶቭት ሕብረት ዘለዎ ዝምድና ዝኮነ ይኹን ዋጋ ተከፊሉዎ ክመጽእ ነይሩዎ፣ ሶቭት ሕብረት ክትኹነን ድማ ኣይደለየን ፡፡ በዚ ምክንያት ድማ ሶቭት ሕብረት ቐዳማይ ጸላኢትና ኣይኮነትን ግን እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ጌጋትት ናይ ስትራተጂካዊ  ጌጋታት ጥራይ ኢዩ ክብል መልሲ ድሕሪ ምሃብ ነቲ ኣብቲ “ንቅሓት“ተባሂሉዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ኤ.ና. ስ. ኣ. ልሳን ዝወጽእ ዝነበረ ጽሑፋቶም ክእርምዎ ኢሳያስ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡፡ ኤ. ና. ስ. ኣ.ግን መንግዶም ብምቅጻል ነቲ ኣብ “መሪሕ“ ዝወጽእ ዝነበረ ጽሑፋት እናተከታተሉ ኣብቲ ናቶም መጽሔት “ንቅሓት“ ግቡእ መልሲ ይህብዎ ነበሩ፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዚ ናትኩም መጽሔት ምስ ናይ ህዝቢ ንቅሓት ዝከይድ ኣይኮነን ድሕሪ ምባል፣ እታ መጽሔት ምሕታም ከቛርጽዎ ይእዝዝ፡፡ በዚ መሰረት ድማ እታ ንቕሓት ብዝብል ሽም ትወጽእ ዝነበረት መጽሔት ከምትቛረጽ ተገብረ፡፡

ናይ ኤ ና ስ ኣ ኣረኣእያ ግን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሕቶዚ ብጉቡእ መሊሹ ንከቃልስ ኣብ ዘዘለዎ ኮይኑ ብርቲዕ ጻዕሪ ይገብር ኣሎ ዝብል  ነበረ፡፡ እንተኾነ ግን ኣብዚ ቃልሲዚ “መራሕቲ“ ሰውራ ኤርትራን ኮራኹሮምን ቀንዲ ዓንቀፍቲ ኾይኖሞ ኣለዉ ፡፡ ብፍላይ ድማ መራሕቲ ህ. ግ. ሓ. ኤ ቀንዲ ሓይሎም ኣንጻር እቶም ነዚ ሕቶ ዘንቅሉ ሓፋሽ ህዝብና ይኹን ንዕኦም ንዝዀነንኦም ማሕበራትና ጸቕጢ ብምግባር ኣበርቲዖም  ይንቀሳቀሱ ምህላዎም ሓበሩ ፡፡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ናይ ፈታዊን ጸላኢን ናይ ምምማይ ቃለሲ ካብቲ “መራሕቲ“ ሰውራ ኤርትራ ናይ ምቕላዕ ዕማም ዘይንጸል ምኻኑ ብጭቡጥን ብዝበለጸን እናበርሀ ይከይድ ምህላዉ ተንተኑ፡፡ ኣብዚ እዋንዚ “መራሕቲ “ ሰዉራ ኤርትራ ነቲ ዝፈጸምዎ ክድዓት ንክሽፍኑ ዘይገብርዎ ተግባር የልቦን፡፡ “ሶቬት ሕብረት ከመይ ግይራ ማሕበርነታዊት ትከውን ? ከመይ ጌርናኸ ፈታዊትና ንብላ?” ካብቶም ጸላእትናኸ ብምንታይ ትፍለ?“ …ወዘተ ወዘተ … ኢሉ ንዝሓተቶም ተቃላሳይ ኤርትራዊ „ሕሉፍ ጸጋማዊ“  „ፋሉላዊ?“  „ትሮትስካዊ“…ወዘተ ኢሎም ብምጥቃን ይጸቅጥዎ ይድህልዎን ኣለዉ፡፡ ንከምስሉ „ተግባራት ሶቬት ሕብረት ኮኒንናዮ” ኢሎም ከብቅዑ „ማሕበርነታዊት ኢያ “ „ስትራትጂካዊት መሓዛና ኢያ” ኢልካ ተቀበል እናበሉ ንሓፈሽ ህዝብና ብሓይሊ ነቲ ግልቡጥ ሰነሞጎቶም ከእምንዎ ህርድግ ይብሉ ምንባሮም የቓልዑ፡፡ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ንኣግላሲ መርገጺ ሶቬት ሕብረት ብዝምልከት ከምዚ ዝስዕብ ብጹሑፍ ኣስፊሮም ምንባሮም ድማ ኤ ና ስ ኣ ይሕብሩ፡፡

“ተ.ሓ. ኤ” ሶቬት ሕብረት ንፋሽስታዊ ደርጊ ትህቦ ዘላ ኣጽዋር ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ብነዊሕ ክረኤ እንከሎ ድማ ንረብሓ ህዝብታት እርትራን፣ ኢትዮጵያን ፣ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኢዩ፡፡. “ተ.ሓ.ኤ ERITREAN REVOLUTION Vol.II N° 5” ክብሉ እንከለዉ፣

„መራሕቲ“ ህ.ግ.ሓ.ኤ” ድማ ኣብ „መሪሕ 3ይ ሕታም ቁ 5” ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ፡፡“ተጋጊዮም እምበር ማሕበርነታውያን ኢዮም” ወዘተ… ወዘተ ብዝብል ሓረጋት ጎልቢቦም “ሰትራተጂካዊ ኣዕሩኽቲ ሰውራና“ “ቀዳሞት ፈተውትና” ኢዮም፡፡ እቲ ምስኣቶም ዘሎና ግርጭት ድማ ካልኣይ ደርጃ ዝሓዘ እምበር ቀዳማይ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ፡፡ ከምኡ ገርኻ ምርኣዩ ድማ ግጉይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ንሓፋሽ ድማ ሰትራተጂካውያን ፈትውቱን ጸላእቱን ከምዘየለሊ ኰይኑ ኣብ ውድቀትን ጥፍኣትን ናይ ሃጼይነትን ሓይልታት ምድሕርሓርን መፈንጠራታትን ንምጥሓል ማለት ኢዩ፡፡

ድሕርዚ ኩሉ ምስሕሓባት ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1978 ዓ.ም.

ኤ.ና.ስ.ኣ (ማሕበር ኤርትራውያ ንናጽት ሰሜን ኣሜሪካ) ኣብ

“9 ይ” ጉባኤ ን „መራሕቲ“ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኾነንዎም፡፡ ካብ ውድብ ህ.ግ. ምፍላዮም ድማ ኣወጁ፡፡

ኤ.ና. ስ. ኣ. ድማ እቲ ንሜዳ ዝልእክዎ ዝነበሩ ንብረት ጠጠው ከምዝብል ገበሩ፡፡ካብዚ ግዜዚ ጅሚሩ ድማ ኣብ ልእሊ መንግስትኣብ ኢሳቅ ማእለያ ዘይብሉ ጸቅጥታትን ታህዲዳትን ክካይዱ ጀመሩ፡፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ‘ውን ንመንግስትኣብ ኢሳቅ ብስልኪ ረኺቡ ከምዝሃደዶ ይፍለጥ፡፡ ኣብዚ እዋን‘ዚ ድማ እቲ ማእከላይ ሽማግለ ኤ.ና.ሰ.ኣ.ወለቕ ዘለቕ ክብል ተራእዬ፡፡ ማለት ኩሎም ከም ቀደሞም ተሪሮም ኣብ ጎድኒ መንግሰትኣብ ኢሳቅ ኣይጸንዑን፡፡ መንግስትኣብ ኢሳቅ በይኑ ምህላዉ ድማ ተገንዘበ፡፡

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ግን እቲ ውሳኔ መንግስትኣብ ኢሳቅ በይኑ ዝወሰዶ ውሳኔ ዘይኾነስ፣ ውሳኔ ናይ ብሙሉኡ ማእከላይ ሽማግለ ኤ. ና. ስ. ኣ.ከምኡ ድማ ናይ ኩሎም ኣባላተ ኤ ና ስ ኣ ን ምንባሩ ኢዩ ።ሓደ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ጥራይ ኢዩ ነይሩ ነቲ ውሳኔ ሙሉእ ብሙሉእ ዘይተቀበሎ ፣ ንሱ ድማ ገብሪሂወት ሊሎ ምንባሩ ይፍለጥ ምናልባሽ ኣባል ናይቲ ሚስጥራዊ ሰልፊ ዝነበረ ድማ ኽኸውን ይኽእል ኢዩ፡፡ እቲ ጸቅጢ  ብመራሕቲ ህ ግ ጥራይ ዘይኮነስ ብገለ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ኤ.ና.ሰ.ኣ. ‚ውን ከጋጥሞ ምስ ጀመረ  መንግስትኣብ ኢሳቅ እቲ ንብረት ንሜዳ ከይኣቱ ምዕጋትና ጌጋ ኢዩ ነይሩ ብምባል ናይቲ ጉድለት ሓላፍነት ድማ ንሱ ባዕሉ ከምዝሽከሞ ሓቢሩ ነይሩ፡፡እዚ ጉድለት‘ዚ ግን ናብቲ ንብረት ንሜዳ ከይኣቱ ምዕጋቶም ዘተኾረ ጥራይ ነበረ፡፡

ይኹን እምበር እቲ ታህዲዳት ናይ ህ.ግ. ኣዝዩ እናኸፍኤን ንህይወቱ ኣሰጋኢ ኾይኑ ኣብ ዝመጸሉ ዝነበረ እዋናት፣ ክቀትሉኒ ይደልዩ ስለዘለዉ ብዝቀልጠፈ ግዜ ጉባኤ ግበሩለይ ክብል ጀመረ፡፡ ኣነ እቲ ዘገጥመኒዘሎ ጸገማትን እቲ ሓቐኟ ኹነታትን ኩሉ  ኣብ ጉባኤ ክገልጾ ኢዬ ብምባል ብቃልን ብጹሑፍን ጸገሙ ክገልጽ ጀመረ፡፡ ስለዚ ብዝቐልጠፈ ጉባኤ ንክግበሉ  ድማ ንብጾቱ ተማሕጸነ ፡፡

እቲዝተረፈ ኣንባቢ ካብቲ ጽሑፉ ክረክቦ ስለ ዝክእል ኣንበብቲ ባዕሎም ናቶም መደምደምታ ወይ ፍርዲ ክወስዱ ይገድፎ፡፡

እቲ ኣነ ኣብዚ ክጠቕሶ ዝደሊግን መንግስትኣብ ኢሳቅ ካብ ካልኣይ ደረጃ (2nd floor) ብምውዳቅ  ነብሱ ቀቲሉ ተባሂሉ ምግላጹ ኢዩ፡፡ እዚ ዘገርም ኢዩ፣ ሓደ ነብሱ ክቀትል ዝደለየ ሰብ ስለምንታይ ካብ ካልኣይ ደረጃ ይወድቅ? ንወሕ ዝበለ ፓላሶታት ኣብ ከተማ ኒዉዎርክ( New York) ሰለዝሰኣነ ድዩ፡?ካብ ካልኣይ ደረጃ ወዲቅካ ከይሞትካ ተሃሲካ ትትርፈሉ ዕድልከ  ኣዝዩ ብዙሕ ዶ ኣይኮነን ?

እቲ ሓቑ ድኣ ኣፍሉጡና፡፡ እቶም ንዑኡ ዝሕልውዎ ዝነበሩኸ ድኣ እንታይ የጣብዉ ነይሮም ማለት ኢዩ መንግስትኣብ ኢሳቅ ክጸድፍ እንከሎ?

እቲ ዘገርም ድማ መንግስትኣብኢሳቅ ድሕሪ ምሟቱ ተጸሊሉ ኢዩ ነይሩ፣በይኑ ክዛረብ ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ ፣ ሓንጎሉ ሲሒቱ ነይሩ ኢዩ፣ ዝብል ወረታት ብምዝርጋሕ እታ “ጹሉል“ ትብል ማሕተም  ከምትለግቦ ምግባሮም ኢዩ፡፡ መንግስትኣብ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ድሕሪ ምሟቱ“ጽሉልዝብል ማሕተም ዝተወቅዖ፡፡ እቶም ነብሶም ቀቲሎም ተባሂሉ ዝውረየሎም ከም ስውእኣለምሃይለኣብፍሼ ናይ ሰሜን ናይ ሚሊሻ ሓላፊ ዝነበረ፣ ስውእወዲልቢኣብሳቡር ናይ ክፍሊ ስለያ ሓላፊ ዝነበረ፣ ከምኡውን ስውእሃብተስላሴተፈሪ (ወደባተሪ ) ኣባል ክፍሊ ስለያ ናይ ወጻኢ ዝነበረ፣ኣብካሊፎርኒያ (California U.S.A.) እውን ድሕሪ ምሟቶም ተጸሊሉ ኢዩ ነይሩ ዝብል ማሕተም ተወቒዑዎም ምንባሩ ዝዝክር ኢዩ፡፡

Mengsteab_1