Excrept from መን ይንገር ዝወዓለ፡ መን የርድእ ዝቐበረ)
1ይ ክፋል

............እቶም ንመጀመሪያ ግዜ ብኢሳያስ ዝተኣስሩ እቶም ኣብ 1973 ዓ.ም. ብሽም „መንካዕ“ ዝተጠመቑ ሙህራን ኤርትራውያን ኢዮም፤ እዚአቶም ድሕሪ ነዊሕ ማእሰርቲ አብቲ ቐዳማይ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ. ኤርትራ ንሞት ከምዝተፈሩዱ ዝገልጽ አዋጅ ብወግዒ ከምዝተነበበ ዝዝኸር ኢዩ፡፡ እዚ እቲ ብወግዒ ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ህ.ግ.ሓ. ኤርትራ ዝተወስደ  ቐዳማይ ናይ ሞት ስጉምቲ ክኸውን እንከሎ ካልኣይ‘ውን አብቲ እዋንቲ ስተወስደ ናይ ሞት ስጉምቲ ስለዝነበረ ንሱ‘ውን ብኣዋጅ ከምዝተገልጸ ክርሳዕ ዘይብሉ ኢዩ፡፡

እዚ ናይ ሞት ስጉምቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ኽልተ ተጋደልቲ ክውሰድ እንከሎ፣ ምኽንያት መረሸኒ ናይዞም ክልተ ድማ ግብረ ሰዶም ( Homosexality ) ምዃኑ እቲ ኣዋጅ አብሪሁ ይገልጾ፡፡ ሓደ ካብቶም ዝተረሸኑ ኣብ በሊቓት አብ ክፍሊ ቑጠባ ተመዲቡ ዝሰርሕ ምንባሩ ድማ እቲ ኣዋጅ ይገልጽ፡፡ ናይ ኢሳያስ ናይ ምቕታል ምሰርሕ ድማ ኣብ 1977 ዓ. ም. ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝትገልጸ ይጅምር፡፡ ድሒሩ'ኳ መቕተልቲ ስለ ዝበዝሐ እቲ ብኣዋጅ ምግላጽ አቋሪጾሞ፡፡ ይኹን‘ምበር እቶም ገለ ካብቶም ንሞት ዝተፈረዱ ኣባላት „መንካዕ“ ብፍላይ ድማ ሙሴን ዮውሃንስን ስጋብ 1985 ዓ. ም. ወርሒ 5 ብህይወት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማሕቝቖም ከም ዝነበሩ ዝገልጽ እሙን ዝኾነ ሓቤሬታ ኣሎ፡፡ እተን ኣብቲ ጉባኤ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ጕባኤ ንርፍተያ ዝተፈረዳ ክልተ ኣባላት „መንካዕ“፣ ማለት ኣረጋሽ መልከን ደሀብ ተስፋጼንን‘ ውን ብድሕሪኡ ብህይወተን አይተራእያን፡፡ ናብ ስድርኤን ከምዘይተመልሳ ድማ ርግጽ ኢዩ፡፡

 

Read full story