<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ቅልዕቲ ደብዳበ ንኣባላት መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ - ብኢሳያስ ኣስፍሃ

Thursday, 14 October 2010 01:52
Print PDF

isaiasዝኸበርኩም ኣባላት መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ፣-

ፈለማ ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታይ ብምቕዳም ኣብ እተሰላስልዎ ሃገራዊ ዕማም ዓወት እምነየልኩም፣፣ ቀጺለ ነዛ ቅልዕቲ ደብዳበ ክጽሕፈልኩም ዘገደደኒ ምኽንያት ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ ብመሰረት እቲ ኣብ ምትሕንፋጻዊ ኮንፈረንስ ሰልፍና ዝተኣትወ ውዕል፣ እዚ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ሰልፍና ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ብኣቦ-መምበር ሰልፊ ብፓልቶክ ኣኼባ ክግበረሉ ዝብል ኢዩ ዝነበረ፣ ይኹን’ምበር ዛጊት ካብ ንምስረት ክሳብ ሕጂ ንትሽዓተ ወርሒ ዝኣክል ሓደ ኣኼባ’ውን ይኹን ኣይተገብረን፣ ከም ሳዕቤኑ ኽኣ እዚ ሰልፊ ብውሽጣውን ግዳማውን ሽግራት ክሕቆን ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ግን እነሆለ ብጸቕጢ ዝተፈላለዩ ኣባላት መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ንዕለት 17 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ተጸዊዑ ከምዘሎ ብወረ እሰምዖ ኣለኹ።

ዝኸበርኩም ሓገግቲ ኣካላት፣- ኣቐዲመ ኣብዛ ቅልዕቲ ደብዳበይ ዘልዕሎ ዘለኹ ምሕጽንታን ለበዋን ነቲ ኣብ ልዕለይ ብኣቦ-መምበርን ጉጅልኡን ዝወረደ ግህሰት ሕጊ ምርኩስ ጌረ እቲ ኣባይ ዝጀመረ ግህሰት ናብ ምሉእ ሰልፊ ከይልሓመ እንከሎ ብኣግኡ ክትገትእዎን ክትቃለስዎን ስለዝደለኹ እዩ።  ኩልና ከም እንርድኦ መንቀሊ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ሓርነት ቃልሲ ብሰንኪ ሕጊ ኣልቦ ምሕደራ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝሰዓበ ብርሰትን ሞትን ስደትን ኣብቂዑ ኣብ ዑናኡ ቅዋማውን ደሞክራሲያውን ስርዓት ንምትካል ድኣ’ምበር ተዛማዲ ኩነት ንምፍጣር ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ኹሉ ክብሃል ዝክኣል ኣብ ጊዚኡ ብጭብጥታት ኣሰኒየ ኢለዮ ስለ ዝኾንኩ ናብኡ ተመሊሰ ክብሎ ዝደሊ እኳ እንተዘይብለይ ግን ክኣ ናይዞም ሰባት ተወሳኺ ዘይቅርዑይ ኣካያይዳ ምሕባር ጠቓሚ እመስለኒ። ካብኡ ሓሊፉ ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ምእታወይ እስከ ነዛ ሓንቲ ሓጻር ኣብነት ከም መበገሲ ክጥቀም ፍቐዱለይ፣-

ዘገርም! ኣብነት። ሐደ ካብዞም ኣደስከልቲ ጭፍራ ወልደኢየሱስ ዓማር ዘሎ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ቃለ መጠየቑ ንናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣሰራርሓ እንዳተጸየፈ “ ኣብ ሜዳ ቅድሚ ኹሉ ብኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝደስከልኩ ኣነ ኢየ።” ይብል ከምዘይነበረ ሕጂ እንከ ስልጣን ያእዪ ረኺቡስ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተወስደ ናይ ምድስካል ስጉምቲ ኢሉ ዘቑረምርመሉ ዝነበረ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ከተግብሮ ምፍታኑ ምስ እንታይ ይቑጸር? ዶስ እታ ኣነ ዝጠዓምክዋ ሓለንጊ ምድስካል ይጥዓምዋ ዲዩ ነገሩ? ወይስ ካልእ? እቲ ኮይኑ እቲ ጊዜ ዘይገልጾ የለን’ሞ ምቕናይ ጥራሕ! እናበልኩ ቀጺለ ኣብዚ ተቖጺሩ ዘሎ ናይ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2010 ኣኼባኹም ሓገዝ እንተኾነኩም ኢለ ዝሓስቦ ናይዞም ሰባት እዚኦም ካብ ብዙሕ ውሑድ ግጉይ ኣከያይዳን ተዛማድነትን ምስ ምሕደራ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እንዳነጻጸርኩ ከቕርበልኩም ኢየ፣-

ግጉይ ምሕደራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣-

ብጉባኤ ዝተመርጹ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ግምባርን ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ (ፓርላማ)ን ኣደስኪሉ ብንዕኡ ዝመስሉ ሰባት ካብ ህግደፍን ካልእን ሓርዩ ዊን ዝበሎ ይገብር ኣሎ።

ግጉይ ምሕደራ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር፣-

ኣብ ምጽንባራዊ ኮንፈረንስ መሰጋገሪ መድረኽ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ጉባኤታት ሰለስቲኤን ንሰ-ደ-ህ-ኤ ዘቖማ ሰልፍታት ተመሪጾም ዝመጹ ሓጋጊ ኣካል ናይቲ ሰልፊ ኣደስኪሉ ምስ ዝተወስኑ ደቂ መዛምርቱ ዝኾኑ ፈጸምቲ ኣካላት ኮይኑ ዊን ዝበሎ መላእ ኣባላት ሰልፊ ዘይተቐበልዎ ዓበይቲ ውሳነታት ከሕልፍ ጸኒሑ’ሎ።

ግጉይ ምሕደራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣-

ካብ ጉጅለ 15 ንኣብነት ጀነራል ዑቕበ ኣብርሃ ንኣካያይዳን ኣሰራርሓን መንግስቲ ብፍላይ ክኣ ኣመራርሓ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ስለ ዝነቐፈ መጀመርታ ኣደስኪልዎ ቀጺሉ ኣሲሩዎ ኣብ መወዳእታ ኽኣ ቀቲልዎ።

ግጉይ ምሕደራ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር፣-

ኣብ ውሽጢ ኣመራርሓ ፈጻሚ ኣካል ሰልፊ ብኣቦ መምበርን መሰልቱን ዝካየድ ዘሎ ጉጅላውን ነጻልን ዘይግሉጽን ኣሰራርሓ ስለዝነቐፍኩ ጥራይ ኣደስኪሎሙኒ። ካብ ማእሰርትን ሞትን ግን ድሒነ  እቲ ምንታይ ዓቕምን ሓይልን ስለዝሰኣኑ። እንቋዕ ክኣ ኣይረኸቡ።

ግጉይ ምሕደራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣-

ጉጅለ 15 ንውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ግዚኡ ዝሓለፎ ስሩዕ ኣኼባታት ማእከላይ ባይቶ ህግደፍን ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራን ሓቲቶሞ ዕጭ ሓንፊፉ።

ግጉይ ምሕደራ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር፣-

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝምስረት ድሮ ትሽዓተ ወርሑ ኣሕሊፉ’ሎ። በቲ ስምምዕ መሰረት ክሳብ ሕጂ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ጊዜ ብዝግበር ኣኼባ ንሰለስተ እዋን ክግበር ዝግብኦ እኳ እንተነበሮ ዛጊት ሓደ ስሩዕ ኣኼባ’ውን ንኸይግበር ዕጭ ሓንፊፉ ዝጸንሐ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር ብጸቕጥን ኣቤቱታት መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ንፈለማ ክግበር ጸዊዑ’ሎ።

ግጉይ ምሕደራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣-

ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝኾነ ንብልሽው ምሕደርኡ ዝተቓወመ ዜጋ ዝተፈላለዩ ኣስማት  ብምጥቃን ንኣብነት ከም ብኽሕደት ሃገርን ካልእን ስልጣን ሓጋግን ፈራድን ኣካል መንጢሉ ኣብታ ፍልይቲ ቤት ፍርዲ ወሲዱ የሕቕቖ።

ግጉይ ምሕደራ ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማር፣-

ኣቶ ወልደኢየሱስ ዓማርን ጭፍርኡን ንዘቕረብኩሎም ጉጅላውን ነጻልን ዘይግሉጽን ዝብል ክሲ ብውሕዱ ከም ክሱሳት መጠን እቲ ጉዳይ ናብ ሓጋግን ፈራድን ኣካል መሪሖም ነቲ ሽግር ክፈትሑ ኣብ ክንዲ ዝፈትኑ “ንሓድነት ሰልፊ ዝፈታተን ወስታታት” ብዝብል ምኽኒት በታ ኣብ ፍራንክፎርት ዘቖምዋ ጊዚያዊት ፍልይቲ ቤት ፍርዲ ጌሮም እታ እዋናዊት ናይ ምድስካል ዓቕሞም ኣተግቢሮም።

ዝኸበርኩም ኣባላት መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ፣-

በሉ! ኣብ መጠረሽታ ንምዝዛሙ ዝኣክል እምባኣር፣ እዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ኣብነታት ኢዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ድማ ኣብዚ እነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነት ቃልሲ ነቲ መብጽዓ ጠሊሙ ሃገር ብሙሉኣ ዝረመሰ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣሊና ኣብ ዑናኡ ቅዋማውን ደሞክራሲያውን ብግዝኣተ-ሕጊ ዝምራሕ ስርዓት ንምህናጽ ድኣ እምበር ሓድጊ ምስሉን ተግባሩን ንዝኾኑ ካብኡ ዝተረፉ ጻህያይ ኣምዐ ከነሳዕርር ኣይግባእን። ስለዚ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሓደ ሰብ ዝጀመሮ ምድስካል እንሆለ ሃገር ብምልእታ እንተላይ ፓትሪያረክ ኣደስኪሉ፣፣ እዚኦም ክኣ ምስኡ ከም ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዝተማህሩን ካብ ሓደ ሩባ ዝተቐድሑን እቲ ልማድን ኣተሓሳስባን ምስኦም ስለዘሎ ኣብ ዝብጻሕ ከይበጽሑ እቲ ምጽላምን ምንጻልን ምድስካልን ወሰን ኢሎም ተታሓሒዘሞ ኣለው። ንሓበሬታ ክኾነኩም እዚ ናይ ምድስካል ጉዳይ ናተይ ብደርጃ ፈጻሚ ኣካል ምዃነይን ኣብ ቃልዕ ስለ ዝወጸን እንተዘይኮይኑ ድሒሩ ዝመጽእ ዘሎ ጭብጥታት ከምዘረጋግጾ ቅድመይ’ውን ክንደይ ንጹሃት ተቓለስቲ ከምዝድስክሉ ተገይሮም ኢዮም፣ እንተ’ቲ ነዚ ዘይቅኑዕ ምሕደራኦም ተቓዊሞም ነብሰ-ምድስካል ዝገበሩ እሞ ኽኣ መቑጸሪ የብሎምን። ስለዚ! ጭሕሚ ዓርክኻ ክላጸስ ጭሕምኻ ማይ ልኸ ኢዩ’ሞ ነገሩ ሃየ! ድኣ ኣብዚ ዝመጽኣ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ተቢዕኩም ልጓም ክትገብሩሎምን ግዴታኹም ከተልዕሉን እጥቢቐ እምሕጸነኩምን እላበወኩምን።

 

ሓይልና ንምሸቱ’ዩ!

ኢሳያስ ኣስፍሃ

12-10-2010።