ብህይወት መኣዛ መን’ዩ ተሓታቲ ? – ብ ታደሰ ኪዳነ

August 9, 2012August 9, 2012

ሓደ ግዜ ኣብ ናይ ኢደይ ተለፎን (ሞባይል) ካብ ኤርትራ ናይ ዝተደወለ ቁጽሪ (miss call) ረኺበ። እቲ ቁጽሪ ናይ መን ምዃኑ ንምፍላጥ ግዜ ኣይወሰደለይን። እቲ ዘሻቐለኒ ግን ደዋሊት ብዘይካ ንኣድላዪ ጉዳይ ንሰላምታ ወይ ንኻልእ ቅልል ዝበለ ጉዳይ ከም ዘይትድውለለይ ኣጸቢቐ ኢየ ዝፈልጥ። ገለ ክብድ ዝበለ ነገር ከም ዝተረኽበ’ውን ኣይሰሓትኩዎን። ኩነታት ክፈልጥ ድማ ተቐላጢፈ ደዊለላ። ንሰላምታ’ውን ግዜ ኣይነበረንን። “ደሓን ዲኺ?” ተቐላጢፈ ዘቕረብኩላ ሕቶ ኢዩ። “መኣዛ ጓል ተኽለኣብ ኣብ ከባቢ ከሰላ ረሻይዳ ሒዞማ ኣለዉ።  ኣቡኣ ‘ተለፎኑ እንተለኪ ደዊልኪ ንገርለይ’ ስለዝበለኒ ኢየ ደዊለልካ። ንዝርዝሩ ግን ባዕልኻ ደዊልካ ሕተቶ።” ሓጺር መልእክቲ። ሰንቢደ ከኣ። ድሕሪ ነዊሕ ኣዋን ንራኽብ ስለዝነበርና ዕላልና ክቕጽል፣ ሓበረታ ክንለዋወጥ ምደለኹ። ኣቓልቦይ በቲ ሓድሽ መልእኽቲ ስለዝተሳዕረ ግን “በሊ ናብኡ ክድውል” ኢለ ኣብ ናይ ኢደይ ተለፎን ሓድሽ ናይ ደቀምሓረ ቍጽሪ ክጥውቕ ጅሚረ

መኣዘ ተክለኣብ ካብ ኣቦኣ ኣቶ ተኽለኣብ ትኩእ ምራጭን ካብ ኣዲኣ ወ/ሮ ሳራ ገብረመድህን ከንቲባን ኣብ ከተማ ደቀምሓረ – ዞባ ደቡብ ተወሊዳ። ዕድሚኣ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ወለዲ ተማሂራ ሰብ ክትኮኖሎም፣ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዓለም ኣእቲዮማ። ትምኒቶም ተማሂራ ጽቡቕ ስራሕ ክትሕዘሎም፣ ተመርዕያ ክትወልድ ክትዝምድ ኢዩ ነይሩ።ትምኒቶም ግን ምስ ክዉንነት ኣይተጋጠመን። ተማሃሪት መኣዛ ክሳብ ናይ 10ይ ክፍሊ ትምህርታ ኣብ ማሙቕ ገዝኣ፣ ምስ ወለዳ ኮይና ኢያ ኣብ ደቀምሓረ ወዲኣቶ። እንተኾነ እታ ካብ ገዝኣ ወጺኣ ዘይትፈልጥ ጭልቅዕ መንእሰይ 11 ክፍሊ ክትመሃር ሳዋ  ክትወርድ ነይሩዋ። እወ ኣብ ሳዋ ካብ ምሉእ ኤርትራ ምስ ዝመጹ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወታደራዊ ሓለዋ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ክመሃሩ ምስ ዝተፈርዶም መንእሰያት ክትመሃር። በዚ ድማ ኢያ ኣብ ክራማት 2011 ወለዳ (ከም ኩሎም ካልኦት ወለዲ) ጓሎም ብኽብርታን ምስ ምሉእ ጥዕናኣን ክትምለሶም እናተተስፈዉ ከብዶም ሓቝፎም ዘፋነዉዋ

ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ሰዋ ዝስዕብ ህይወት ካብ ቀዳሞት ኣሕዋታ ዝተረድአት መእዛ፣ ካብ ተመሊሳ ትከላበት፣ ኣብ ከተማታት ሱዳን ተሰዲዳ ሰሪሓ ክትነብር፣ ኣምላኽ እንተሓገዛ’ውን ሰሪሓ ስድርኣ ክትሕግዝ ኢያ ወሲና። በዚ ድማ በቲ ኣብ ናይ ጅኦግራፍ ትምህርቲ ዝተማህረቶ ‘ሱዳን ብምዕራብ ኢያ ትርከብ’ ዝብል ሓበረታ ጥራይ፣ ሳልሳይ ርእሳ ካብ መዓስከርን ቤት-ትምህርትን ሳዋ ሞሊቓ ጉዕዞ እግሪ ተተሓሒዛቶ። ኣብ ጉዕዞኣ መንገዲ ዝሕብሩ፣ ብእኽለ-ማይ ዝዕንግሉ፣ ኣብ ልዕሊ ደቀ-ንስትዮ ዝደናገጹ ደቂ-ሰብ እምበር፣ ሰብ ዝጨውዩ. ንሰብ ከም ኣቕሓ-መሸጣ ዝሸጡን ዝልውጡን፣ ዝቕጥቅጡ ሰብ ዝመስሉ ኣራዊት ከጋጥምዋ ኣይተጸበየትን። ካብ ሰዋ ናብ ሱዳን፣ ሰዓታት ድዩ መዓልታት ወይ ሰሙናት ዝወስድ፣ ኣበይ ተዕርፍ፣ ኣበይ ትምገብ፣ እንታይ ትሰንቕ ብደቂቕ ኣይሓሰበትሉን። ካብታ ድሕሪ ሳዋ ትመጽእ ከልበትበት ከተምልጥ ጥራይ ኢያ ‘ሃጽ’ ኢላ ንምዕራብ ዝመረሸት።

ነዚ’ውሳኔ’ዚ ብዘይካ’ቶም ምስኣ ዝሞሎቑ መኻይድታ ዝኾኑ ወድን ጓልን ንዝኾነ ካልእ ሰብ ኣየማኸረትን። ከመይ ገይራ’ኸ ከተማኽር፣ ኣይኮነን ካብ ቤት-ትምህርቲን መዓስከርን ሳዋ ሞሊቕካ ክትሃድም፣ ከምኡ ኢልካ ምሕሳብ’ውን ዘእስርን ዘቕትልን እንድዩ። ብዝኾነ መኣዛን ብጾታን (ሳልሳየን ወዲ) ተበጊሰን፣ ነዊሕ ግን ኣይከዳን። ኣብቲ ኣእዊኻ ረዳኢ ዘይትረኽበሉ ጻሕ ዝበለ በረኻን ጎላጉልን፣ ብረትን ጉራደን ዝሓዙ፣ ጻዓዳ ክዳን ዝተኸድኑ’ ዘረብኦም ዘይርድእን ሰብ ዝመስሉ ጎሓሉ ረኺቦመን። ረኺቦመን ጥራይ ግን ኣይኮኑን፣ ወኒኖመን’ውን ኢዮም። ናታቶም ገይሮመን። ድሕሪኡ ንመኣዛን ብጾታን ዘጋጠመን ጸገም ንሰን ጥራይ ኢየን ዝፈልጥኦ።

እቶም ብመኪና መንግስቲ ጓሎም ዘፋነዉ ወለዲ ግን፣ ጓሎም ብመኪና መንግስቲ ክትምለሶም’ሞ ዕንባባ ኣናነጸጉ ክቕበልዋ ኢዩ ዝነበረ ትጽቢቶም። ስሕት ኢሎም’ውን እንተ ብቡስጣ እንተ ብተለፎን ደሃይ ጓሎም ካብ ሳዋ ክሰምዑ ዘይብህጉ ኣይኮኑን። ሎሚ ግን ዘይተጸበይዎ ደሃይ ካብ ሳዋ ዘይኮነ፣ ዘፍርሕ ደሃይ ካብ በረኻታት ሱዳን ኢዩ ተለፎን ተደዊሉሎም። ጓሎም “ኣብ በረኻታት ሱዳን ኣብ ኢድ ራሻይዳ ኢየ ዘለኹ። $3000 (ሰለስተ ሽሕ ዶላር) እንተዘይከፊልኩምለይ ‘ክንቀትለኪ ኢና’ ይብሉኒ ኣለዉ። ብዓረብ ገሮም ‘ሲናይ’ ‘እስራኤል’ እውን ይብሉ ኣለዉ። እጠፍእ ኣለኹ። ዝግበር ግበሩ” ዝብል መርድእ ካብ ጓሎም ሰሚዖም። እታ እንትርፎ ጎደናታት ደቀምሓረ፣ ንሱ’ውን ወይ ናብ ድኳን ክትለኣኽ ወይ ናብ ትምህርቲ ክትከይድ፣ ካብ ገዝኣ ወጺኣ ዘይትፈልጥ ጓሎም ካብ ኣእዊኻ ዘይተስማዓሉ፣ ጎይኻ ዘይተርክበሉ ጭው ዝበለ በረኻ፣ ናይ ጥፍኣት መርድእ ኣስሚዓቶም። በዚ ከኣ ኢዮም ኣብ ምድሓን ጓሎም ዝከኣለኒ ክገብር ተለፎነይ ንምርካብ ዝተጓየዩ።

ድሕሪ’ዚ ብ$3000 ዶላር ህይወት መኣዛ ንምድሓን ተጓየ ኮይኑ። እታ መኣዛ ንስድርኣ ዝሃበቶም ቁጽሪ ተለፎን፣ ኣብ ሱዳን ንዘለዉ ገለ ቤተ-ሰብ ሂብና ምስ ራሻይዳ ክንራከብ ፈቲንና። ተለፍን ራሻይዳ ግን ንሱ ዝኣንፋ ጠፊኣ። መልሲ ተሳኢኑ። $3000 ዝሓተተት ተለፎን ራሻይዳ መልሲ ከሊኣ። መኣዛን ብጾታን ናበይ ኣቢለን? ቀቲሎመን ዶ’ኾን ይኾኑ? ወይስ ኣካላተን ዘይተተንከፈ ቆልዑ ስለዝረኸቡ ንግዜኡ ዓጽዮመን ክቕንዩ ወሲኖም? ኮልቦ-ዲሶሎ’ዶ ቀቲሉወን? ዝዓይነቱ ሕቶታት ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ክመላለስ ቀንዩ። “ተሰናቢድካ መታን ክትከፍሎም ከምኡ ዓይነት መናውራ ይጥቀሙ ኢዮም” ዝብል መደዓዓሲ ርእይቶ ዘቕረቡ’ውን ኣይተሳእኑን። ኣብ መወዳእታ ግን እቲ መልሲ ኮነ እቲ ፍታሕ፣ እቲ ምሕረት’ውን ብዓቢኡ ካብ እዝግን ካብቶም ጨወይቲ ራሻይዳን ምጽባይ ጥራይ ኮይኑ።

እወ መኣዛን ብጾታን ሎሚ ዋናታት ኣለውወን።ዝሸጡ ዝልውጡ። ሎሚ ናይ ኣደ ሕንቃቐ፣ ለውሃትን ሓልዮትን ናይ ኣቦ የለን። ኩለንትነአን ናይ ካልኦት ኢየን። ናበይ ይኸዳ፣ እንታይ ይበልዓ፣ እንታይ ይኽደና፣ ኣበይ የዕርፋን ይድቅሳን ዝውስኑ እቶም ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ፣ ራሻይዳ ዝበሃሉ ጨወይቲ ኢዮም። እንታዮም ዲየን፣ ዘየዕበዩወን ዘይትኸናኸንወንን ገለ ነገር ዘየሕለፉለንን ቖልዑ ከም ደቂ ሰስሓ ኣብ በረኻ ረኺቦመን። ዘለውኦ ቦታ ባዕሎም እንተዘይነጊሮመን ኣበይ ከም ዘለዋ ከመይ ገይረን ክፈልጥኦ። ዝሃቡወን ይበልዓ፣ ዝሃቡወን ይሰትያ። እቲ ክጻወሮኦ ዘለወን ሽግርን ጭንቅን ማዕሪኡ ሓያል ምዃኑ’ውን ዘተሓትት ኣይኮነን።

መኣዛ ምስ ብጾታ ደሃይ ካብ ተጥፍእ ሰሙን ሓሊፉ፣ ስድራ-ቤት ከብዶም ሓቝፎም፣ ካልኣይ ሰሙን ሓሊፉ። ስድራ-ቤት ዓቕሎም ጸበቦም። ህይወት ግን ኣይትቕበጽን ኢያ። ደሃይ መኣዛን ብጾታን ካብ ዝስወር ሰለስት ሰሙን ሓሊፉ። ቅባጸት’ውን ንባዕሉ ዕረፍቲ ኢዩ፣ ስድራ ግን ኣይቀበጹን። እተን መኣዛ ትፈልጠን ንጨወይታ ክትህበን ትኽእል’ያ ዝበሃላ ተለፎናት ኣብ ተጠንቀቕ ኢየን ዘለዋ። ምናልባት መኣዛ ወይ ጨወይታ ጭር እንተኣበሉ፣ መኣዛ መልሲ ከይትስእን። ኣለናኪ ክብሉዋ። ትጽኢቶም’ውን ከንቱ ኣይነበረን።

ሳልሳይ ሰሙን ምስ ሓለፈ፣ ስድራ-ቤት ተለፎን ተደዊሉሎም። ማኣዛ ደሃይ ሂባ። ኣለኹ ኢላቶም። ንእሽቶ ናይ ተስፋ ጮራ።እቲ ደሃይ ግን ካብ ሱዳን ካብ ከባቢ ዶባት ኤርትራ ኣይኮነን። ካብ ርሑቕ ኢዩ። እወ መኣዛ ዓዲ ቀይራ፣ ኣብ ሱዳን ዘይኮነ ‘ሲናይ ኣለኹ’ ኢላቶም። ዓዲ ጥራይ ግን ኣይኮነትን ቀይራ፣ ዋናታታ’ውን ተቐይሮም’ዮም። ናይ ሕጂ ዋናታት ምስቶም ናይ ቀደም ብመልክዖምን ጭካኔኦምን ፍልልይ የብሎምን። ስሞም ግን በበይኑ ኢዩ፣ እዚኦም ‘በደዊን’ ኢዮም ዝበሃሉ።

ሓደስቲ ዋናታት (በደዊን) ትግርኛ ዝዛረብ፣ ኣብ ቦታ ሲኦል ዝነብር፣ ኤርትራዊ ተርጓማይ ኣለዎም። ንሱ’ውን ተገዲዱ ዘገልግሎም ዘሎ ኢዩ ዝኸውን፣ እምበር ‘ስራሕ ክደሊ ናብ በረኻታት ሲናይ ከይዱ’ ኢልካ ምግማት ዝከኣል ኣይመስለንን። ግዱድ ኣገልግሎት ንሃገር፣ ግዱድ ኣጋልግሎት ንበደዊን። ኤርትረዊ ዕጫ፣ ኤርትራዊ ትዕድልቲ ንሳ ኮይና። ተርጓማይ ኣብ ጭውያን ስቓይን በዓል መኣዛ እንታይ ተራ ነይሩዋ ብሕጂ ዝጻረ ኢዩ። ብውሑዱ ግን ስድራ-ቤት ቋንቆኦም ዝዛረብ “በጃኻ! ሕድርኻ! ኣያ ኹና” ዝብልዎ ሰብ ረኺቦም። ትእዛዝ ጨወይቲ ግን ሓጻር ኢያ። “$8000 (ሾሞንተ ሽሕ ዶላር) እንተዘይከፊልኩም ጓልኩም ብህይወት ኣይክትሪኡዋን ኢኹም።” መቸም ኣብ ገንዘብ ዋጋ-ዕዳጋ የለን፣ ትእዛዝ ኢዩ። ኣበይ ኢዩ ዝኽፈል? ንመን’ከ ኢዩ ዝወሃብ? ዝወሃቦም ግዜ ክንደይ ኢዩ? መልሲ ዘድልዮም ሕቶታት ኢዮም። ስድራ-ቤት “ኣብ ኤርትራ ክንከፍለኩም፣ ኣቑሑት ገዛ (ኣርማድዮ ከረደንሳ) ክሳብ ንሸይጥ ግዜ ሃቡና” ክብሉ ለሚኖም። በደዊን “ገንዘብ ኣብ እስራኤል ጥራይ ኢና ንቕበል” ክብሉ ኣዘዙ። ምቕጥቃጥን ኣውያትን መኣዛ ድማ መዐቀኒ ናይ ግዜ ገደብ ኮይኑ። ስድራ-ቤት ተለፎኖም ከፊቶም ኣውያት ጓሎም ክሰምዑ ተገደዱ። ኣብ ዝተኣዘዝዎ ተለፎናቶም ክኸፍቱ ኣለዎም፣ በዚ ድማ መኣዛ ጥራይ ዘይኮነት ስድራ-ቤት’ውን ምእንቲ ድሕነት ጓሎም ትእዛዝ በደዊን ክፍጽሙ ኣለዎም። ምስ ኣውያታ ኣእዊዮም፣ ምስ ቃንዝኣ ተቖንዝዮም፣ ምስኣ ተጨኒቖም. ምስ ብኽያታ በኽዮም።

ኣብ ደገ ሓዊ ወይ ሓፍቲ ወይ ውላድ ዘይብላ፣ ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ትነብር ስድራ-ቤት $8000 ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ንመኣዛን ስድራ-ቤታን እሞ ከኣ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ። ክልተ ዓበይቲ ኣሕዋታ፣ ኣርባዕተ ሓወቦታታ፣ ሓደ ኣኩኣ ሓትነኣን ንሃገር ዝኸፈለት መኣዛ፣ ምእንቲ ሃገር ዝተሰውአ እምበር ዶብ ዝሰገረ፣ ገንዘብ ዝሰድድ ሓዊ ወይ ሓፍቲ የብላን። ሳላ መቕርብን ፈተውትን ግን በደዊን ዝጠለቡዎ ገንዘብ በጺሑዎም። ቃሎም ከኽብሩ ንመኣዛ ነጻ ክሰድዋ ድማ ተለሚኖም። ጨወይቲ ግን ብኡ ኣይዓገቡን ዝያዳ ሰዊዶም፣ ጠለቦም ወሲኹ። መኣዛ ኣብ ኢዶም ኣላ። ቃንዛን ስቅያትን መኣዛ ኣብ ሓጺር እዋን ሸሞንተ ሽሕ ካብ ወለደ፣ ዝያዳ ስቓይን ብኽያትን ድማ ዝያዳ ገንዘብ ከም ዝወልድ ተኣማመኑ።

በደዊን $8000 ምስ ተቐበሉ “ሎሚ ወይ ጽማሕ ከነበግሳ ኢና” እናበሉ ንገል ክልተ መዓልቲ ናይ ተስፋ ቃላት ኣስኒቖም። ፈተውትን መቕርብን፣ ማኣዛ ነጻ ክትልቀቕ እናተጸበዩ ከለዉ ጨወይቲ ቃሎም ቀይሮም “$20,000 (ዕስራ ሽሕ) እንተዘይወሲኽኩም፣ ጓልኩም ብህይወት ኣይክትርእዩዋን ኢኹም” ዝብል ካልእ ጠለብ፣ ካልእ ጨካን መርድእ ኣቕሪቦም። ስድራ-ቤት ተጨኒቖም። እቲ ብሓግዙና ዝተኣከበ ሾሞንተ ሽሕ ዶላር ተኸፊሉ፣ ሕጂ ከኣ ካልእ ዕስራ ሽሕ ዶላር፣ ካበይ ይምጻእ? ካበይ ይወለድ? ንምዃኑ ንሓዋሩ’ኸ መኣዛ ሀይወት ክትርኢ ድያ? ስድራ-ቤት ዝኾነ ናይ ምልማን፣ ናይ ‘በጃኹም’ ቃላት ከስምዑ እንተጀሚሮም፣ ብኽያት ናይ መኣዛ የስምዕዎም። ክቱር ስቓይ ዝሰምዑ ስድራ-ቤት “በሉ ሕራይ ግደፍዋ!” ካብ ምባል ሓሊፎም ካልእ ዘረባ ከየምሉቑ ይጥንቀቑ። – ዕስራ ሽሕ ብመንጽር ሾሞንቲ ሽሕ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። ስለዚ እዚ ዝበዝሐ ገንዘብ ክኽፈል እንተኮይኑ መኣዛ ኣጸቢቓ ክትሳቐ ኣለዋ። “ዝያዳ ስቓይ መኣዛ ዝያዳ ገንዘብ ክወለድ ኢዩ” -እዚ እምነት ጨወይቲ ኢዩ። ንዓኣቶም ኣብ ነብሲ-ወከፍ ብኽያትን ስቓይን መኣዛ ጥብ ጥብ ዝብል ገንዘብ ኢዩ ዝረኣዮም

ቤተ-ሰብ ሕጂ’ውን ዕስራ ሽሕ ከዋጽኡ ላዕላን ታሕትን ኢሎም። ኣብ እስራኤል፣ ኤውሮጳ፣ ኣመሪካ ካናዳ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ናብ ዘለዉ ኩሎም ወለደኛን ፈተውትን ኣውያት ተሰዲዱ። ‘ርድኡ – ህይወት ኣድሕኑ’ ተባሂሎም። ብዙሕ ላዕላን ታሕትን’ኳ እንተነበሮ ገንዘብ ክእከብ ጀሚሩ። ስቓይን ብኽያትን መኣዛ ግን ትንፋስ ዝህብ ኣይኮነን። ኣብ መወዳእታ ጨወይቲ ተለሚኖም። “በሉ ክንከፍለኩም ምዃንና መታን ክትኣምኑ፣ ሃየ እዘን $12,000 (ዓሰርተ ሽሕ ዶላር) ተቐበሉና፣ እተን ዝተረፋ $8,000 (ሸሞንተ ሽሕ) ከኣ ቀልጢፍና ከነስዕበልኩም ኢና። በጃኩም ኣይተሳቕይዋ” ተባሂሎም። ስቓይ መኣዛ ድሮ ዕስራ ሽሕ ዶላር ወሊዱሎም ኣሎ፣ ሸሞንተ ሽሕ ድማ ክስዕቦም ኢዩ። ጨወይቲ ተኣማሚኖም፣ እንተደንጐዮም ከኣ መኣዛ ኣብ ኢዶም ኣላ።ንመኣዛ እቲ ምቕጥቃጥ ዝሕል ኢሉላ፣ ግን ተዳኺማ ኢያ

ስድራ-ቤት ተስፋ ገይሮም። ጓሎም ነጻ ክትወጽእ፣ ህይወት ክትዘርእ፣ ክርእዩዋ፣ ክስዕምዋ፣ ‘ጓለይ’ ክብሉዋ። በዚ ድማ ንቐዳም 28 ሓምለ፣ ጨወይቲ እተን ዝተረፋ ሸሞንተ ሽሕ ዶላር ክቕበሉ፣ ንመኣዛ ድማ ነጻ ክለቅዋ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። እንተኮነ ገለ ቁሩብ ገንዘብ ኣብ ባንኪ ስለዝነበረ ቀዳም ድማ ኣብ እስራኤል ባንክታት ዕጹው ስለዝኾነ፣ ንጽባሒቱ ሰንበት ዕለት 29 ሓምለ 2012 ሰዓት 12 ናይ ቀትሪ ገንዘብ ንወኪሎም ኣብ እስራኤል ክወሃብ፣ መኣዛ ድማ ሰኑይ ዕለት 30 ሓምለ ነጻ ክትልቀቕ፣ ምስ ጨወይቲ ካልኣይ ስምምዕ ተግብረ። ንጽባሒቱ ሰንበት፣ ሾሞንት ሽሕ ዝሓዙ ቤተ-ሰብ፣ ኣብ ሰዓቶም ኣብ ቦታ ቆጸራ ተረኺቦም። ንመኣዛ ከበስርዋ ድማ ናብ ሲናይ ደዊሎም። መኣዛ ግን ኣይመለሰትን። ምስ መኣዛ ተጨውየን ዝነበራ ብጾታ ግን ደሃይ ሂበን፣ “ጓልኩም ብህይወት የላን – ገንዘብኩም ኣክቡ” ተባሂሎም። መኣዛ እንተስ በቲ ዝወረዳ ስቓይን ዝሓደራ ሕማምን፣ እንተስ ብኻልእ ምኽንያት፣ ከምቶም ዓበይቲ ኣሕዋታን፣ ሓዎቦታታን ኣኮኣን ሓትነኣን መስዋእቲ ኮይና

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፣ ነዚ ኩሉ ሽግር ኣብ እርጋኖም፣ ብዓይኖም ዝርእዩ ዘለዉ፣ ኣባሓጎኣን ዓባያን ንመኣዛ ብህይወት ስለዘለዉ፣ ኣብ ቀጻሊ ጽሑፈይ ብዛዕብኦም’ውን ቁሩብ ክጽሕፍ ክፍትን ኢየ። ንሎሚ ግን ኣብቲ ዘበገሰኒ ሕቶ ክምለስ። እሞ ከ ዳኣ፣ ብሞት መኣዛ መን’ዩ ተሓታቲ? ንገለ ሰባት ኣብ ስምዒት ዝኣተኹ መታን ከይመስሎም ነዚ ሕቶ’ዚ ክፉት ክገድፎ መሪጸ ኣለኹ። እዚ ንደገፍቲ ወይ ተቓወምቲ ዝፈላሊ ሕቶ ኣይኮነን። መኣዛ ናይ መጀመርታ ኣይኮነትን፣ ናይ መወዳእታ’ውን ኣይኮነትን። ሎሚ መን ስዒቡ/ባ፣ ጽባሕ’ከ መን ኢዩ ክስዕብ? ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝጽበዮ ትዕድልቲ ኢዩ። ኣነ ነዛ ሓጻር ታሪኽ መኣዛ ክጽሕፍ ከለኩ፣ ብዙሓት ብተመሳሳሊ ታሪኽ ዝሓለፉ፣ ኣሰሮም ዘይተረኽበ፣ ደሃይ ዘይብሎም ዝጠፍኡ መንእሰያት ከም ዘለዉ እናዘከርኩ ኢየ። እቲ ሽግር ኣብ ነብሲ-ወከፍ ገዛ ይኹሕኩሕ ስለዘሎ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ውሽጢ ይሃሉ ኣብ ደገ፣ ርግእ ኢሉ ክሓስበሉን በቲ ዝመስሎን ዝኣምነሉን ፍታሕ ኣብ ምድላይ ክሰርሕን እላቦ።

ታደሰ ኪዳን

በርሚንግሃም

UK