ምንቅስቓስ ተጋደልቲ 20 ግንቦት 1993

ኣበድ ተስፋይ22-9-2014


ገለ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ facebook ብዛዕባ'ዚ ምንቅስቓስ ስለ ዝነበርካሉ ገለ መብርሂ እንተትህብ ጽቡቕ ነይሩ ዝብል መዘኻኸሪ ስለ ዝጸሓፈለይ፡እቲ ኣነ ዝፈልጦን ዝዝክሮን ኣሕጽር ኣቢለ ከቕርብ ክፍትን'የ።
ምንቅስቓስ ተጋደልቲ 20 ግንቦት ፡ሕቶ ደሞዝን ከምኡ ድማ፡ጥልመት መብጽዓታት መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ንተጋደልትን ህዝብን፡ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ንደሞዝ ኣመልኪቱ ክገብሮ ዝቐነየ ብዱዕ መደረታት የጠቃልል።
መጀመርያ ቅድሚ'ዚ ምንቅሽቓስ ምጅማሩ 10 መዓልቲ ኣቢሉ ይኸውን፡ረፈረንዱም ብዘይ ባይቶ ዘለዎ መንግስቲ ክንጽምብሎ ኣሸጋሪ ስለ ዝኾነ፡ እዚ ማእከላይ ሽማገለ ህዝባዊ ግምባር ካብ ሜዳ ዝኣተወ ፡ገለ ካብ ሓፋሽ ውድባትን ወሲኽካ ግዝያዊ መንግስቲ ክቐውም ይድለ ስለ ዘሎ እንታይ ርእይቶ ኣለኩም ኢሉ፡ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ምምሕዳር ይሓተና፡፡ከባቢ ሰላሳ ኣቢልና ንኸውን ተጋደልቲ፡ኣብ ክፍሊ- ሃገር ሕጂ ኣብያተ- ጽሕፈታት መንግስቲ ዘሎ ቦታ እዩ፣''ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም'' ዝበዝሕ ሰብ ሎሚ ብዛዕባ ደሞዝ ከበስርና'ዩ እናበልና'ዩ ብዛዕባ ምቓም ባይቶ ዝሓተተና፡ተጋዳላይ ሰምቢዱ!እንታይ ኢኻ ትብል ፡መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ብዙሓት ዝመሽመሹ ሰባት ስለ ዘለዉ፡ ንዓና ይኹን ንህዝቢ ስለ ዘይውክሉ እዚ ሓሳብ ኣይንቕበሎን ኢና። ህዝቢ ድማ ባይቶኡ ባዕሉ ይምረጽ፡እግርና ከይኣተወ ንሕና ኢና ንመርሓኻ ንብሎ ስለ ዘሎና ጌጋ እዩ፣ከማኡ እንተኾይኑ ኣበይ ደኣ'ሎ፡ እቲ ህዝባዊ ስልጣን ኢልና ንምህረሉ ዝጸናሕና ተሳታፍነት ህዝቢ? ብሙሉእ ድምጺ ኣይንቕበሎን ኢና፡ዝብል ስሙር ተቓውሞ ፡ነቲ ሓላፊ ቤት ኣሰምቢዱዎ እዩ፡ኣነ መልእኽተይ ኣብጺሐ'የ ፡ንሕና ድማ እይንቕበሎን፡መሪሕና ወጸ።ምስ መራሕትና ኣብ ምፍጣጥ ምስ ቅነና'ዩ እቲ ናይ 20 ግንቦት ምቅስቓስ ዝመጸ።ኣብ ገለ ክፍልታት እውን ተፈቲኑ ተቓውሞ ምስ ኣጋጠመ ኣቋሪጾሞ።ኣቐድም ኣቢሉ አስያስ ኣፈውርቂ ክሳደይ እንተጠዊኹምኒ እኳ ደሞዝ ኣይጅምርን'የ ዝብል መደረ ኣብ ኣጂፕ ተዛሪቡ ብምንባሩ ብዙሕ ተጋዳላይ ነኺሱዋ ነይሩ፣ኣብ ገለ ኣሃዱታት ሰራዊት ከምኡ ዝመሳሰል ብዱዕ ዘርባታት ምስ ንዕቀቱ ከርኢ ቀንዩ ኢዩ፣ ኣውራ ደዛረበት እታ ተጋዳላይ ንሰለስተ ዓመት ብዘይ ደሞዝ ኽቕጽል'ዩ ትብል'ያ ነቲ ዕግርግር ወሊዓቶ፡መብርሂ ተሓቲቱ'ውን ኣይቅየርን'ዩ ስለዝበለ ፍኑው ተቓውሞ ተጀሚሩ፡ካብ ኣስመራ ሓሊፉ ንደቅምሓረ ከማኡ'ውን ክሳብ ዓሰብ ዘሎ ሰራዊት ጸለወ። ኣበስመራ ኣሃዱታት ከቢድ ብረትን ኣዩዱ ኩማንዶን፡ዮም ቀንዲ ዋናታት፡ካብ ደቀምሓረ መጺኦም'ውን ተሳተፍዎ።ኣየር-ፖርት፡ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ባንክታት ኣብትሕቲ ሓለዋ ኣተዉ።ኒኢሰያስን፡ጴጥሮስ፡ስብሓት፡ማሕሙድ ሸሪፎ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣተዉ።ኣነ ኣበስመራ እዚ ኩሉ እናተገብረ ፈጺመ ኣይፈለጥኩን፡
ተማሃራይ 11 ክፍሊ ቤት-ትምህርቲ ባርካ እናኸድኩ ኣብታ ክቢ ሓውልቲ ኢቴገመነን ጥቓ ቤት-ትምህርቲ ቀይሕ ባህሪ ፡ኣብ ቺቸሮ ዓቢ ኣኼባ ብዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግምባር ስለዘሎ ተስቐል ንኺድ ኢሎሙኒ ምስኦም ብሓንቲ ቮልክስዋገን ንስመራ ስታድየም ኣተና፡ስታድየም ብተጋደልቲ ኣዕለቕሊቓ ክሳብቲ ሜዳ መጻወቲ ኩዑሶ ሰብ መልአ።
ኢሰያስ ብሓንቲ ብጫ ሚኒባስ ታክሲ ሽዑ ሻድሻይወራር ዝባሃላ ዝነበራ ጽዒኖም ኣብቅድሜና ኣምጽእዎ፡፡እቶም ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎም ሓለፍቲ'ውን ኣብ ቅድሜና ቀረቡ።ሽዑ ምይክሮፎን ንኢሰያስ ተዋሂባ ሕቶታት ተጋደልቲ መልስ ተባህለ፡ከባቢ 20ሽሕ ዝኸውን ተጋዳላይ ተኣኪቡ ነይሩ።ኣብ ጥቓይ ዑቕበ ኣብርሃ ፡ብርሃነ ገረዝጊሄር ፡መስፉን ሓጎስን ኣድሃኖምን ነይሮም ከም ሰቦም ኮፍ ኢሎም ይሰምዑ ነይሮም።
ተጋደልቲ ስለምንታይ ተጋዳላይ ብዘይ ደሞዝ ክቕጽል ተደልዩ?መራሕቲ ኣብ ዘይተኣደነ ሓለፋ ጥሒሎም ምንጩ ዘይፍለጥ ገንዘብ ፋዕ ይብልሉ ኣለዉ፡ተጋዳላይ ድማ ብ30 ብር ንመጓዓዝያ ዘይኣክል ይስረፍ ኣሎ፡ስልዚ ብኸመይ ክነብር ይድለ ኣሎ?እቲ ኣብ ሜዳ ሓለፍትኹም ካብ ሕጂ እንተዘይ ተቓሊስኩሞም፡ንስኹም ኣብ ማርሻቤዲ ንሶም ኣብርሻናት ኣንቃዕሪርኩም እናምባሕቚኩም ክትሪእዎም ኢኹም ትብለና ዝነበርካስ ስለምንታይ ረሲዕካዮ? ስለምንታይ መቆጻጸሪ ዘይግበረሎም? ከም ገሊኦም መራሕቲ ኣፍሪቃ ጠጥዕሙ ኣብ ተለቭዥን ህዝቢ ምጥባር ስለምንታይ? ኣጠቓሊልካ ክርኣ ከሎ፡ጉዳይ ደሞዝን ጥልመት መብጽዓ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ንህዝብን ተጋደልትን ዘካተተ'ዩ ነይሩ። ኢሰያስ ደሞዝ ክንክፍል ጸሊእና ዘይኮነስ ትሕዝቶ'ዩ ደሪቱና ፣እኹል ትሕዝቶ ኣንተዝህሉ እዚ ኩንታት'ዚ ኣይምተኸስተን።እዚ ጉዳይ ሽማገለ ኣውጺእካ እቲ ንዓኡ ዝበቅዕ መፍትሒ ክረክብ ይኽእል'ዩ፡ኣነ ንዓይ ዘዕግብ ስራሕ ሰሪሐ እየ።እዚ ንብረት ህዝባዊ ግምባር ተሸይጡ ክትማቐልዎ ትኽእሉ አኹም፡ንዓይ ሓንቲ ተጋዳሊት ሎሚ ኣብዛ ቁሪ ምሳና ኢኻ ጥሓድር ኢላትኒ እናብለ የስተማስል ነይሩ። እናሻዕ ደሞዝ ብቑዕ መልሲ ሃበሉ ምስተባህለ፡ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክንፈትሖ ኢና።ብድሕሪኡ ፍኑው ዘርባታት ነቲ ፍታሕ ሓጋዚ ዘይኮነ ይቕጽል ነይሩ፡ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ሊንጎ ንኽዛረብ ፈቀደለይ ፡መጀመርያ ናይ'ዚ ምንቕሳቓስ እዚ መን'ዩ ሓላፍነቱ ዝስከም?ኣነ ወይ ንሕና ዝበለ ሰብ ኣይነበረን።እሞ ናጽነትና ክንእውጅ ክምሃገርን ህዝብን ክንፍለጥ ሰለስታ መዓልቲ እየን ተሪፈናና፡ነዚላኡላውነትና ነረጋግጸሉ ምእዋጅ ናጽነት በዚ ፍኑው ሕቶ ደሞዝ ጌርና እንተዳኣ ኣሳናኺልናዮ ናይ 30 ዓመታት መስዋእትነትና ከንቱ ኮይኑ ሃገር መፍቶ ጽላእቲ ክትከውን'ያ፡ኣዋርሕ ከይንጽበ ክንብል ኣብ ዘተደልየ ጸገም ከይንወድቕ፡እዚ ሕጂ ውዒልናዮ ዘለና'ውን ገለ ፖለቲካዊ ክሳራ ክህልዎ ኣዩ።ስለዚ ''ልቢ ይሃቦም''ተጋዳላይ ኣብዝሓጸረ ግዜ ፍታሕ ክረክብ ሕጂ ዛኣክል ተዛሪብና ኢና መርሕቲ ጉዳይ ኣጋይሾምን ካልእ ስርሖምን ይግበሩ፡ተለቒቆም ይኺዱ፡ብሙልኡ እቲ ኣኼበኛ ብኡ ይትዓጾ ተቐቢልናዮ ኣለና ምስ በሉ።መራሕቲ ተፋንዮም ናብ ስርሖም ተወስዱ።20ግንቦት በዚ ተደምዲሙ።
ዕላማ እቲ ምንቅስቓስ ንመራሕቲ ኣገዲድካ ደሞዝ ዝጅመረሉ መንገዲ ንምፍጣር እምበር ስርዓት ንምቕያር ኣይነበረን፡ከማኡ እንተዝነብር፡ሬድዮ እስተሽን ሒዝካ ሓበሪታ ምሃብ ምተኻእለ ነይሩ።ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ዝነበሮም መርሕቲ ኣይነበርዎን፡ሓደ ሊንጎ ጥራዩ ዝርአ ዝነበረ።
ገለ ሰባት ኣብዚ እዋንዚ፡ነቲ ሽዑ ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ጉጉይ'ዩ ነይሩ ዝብሉ ኣለዉ።ድሕሪ 20 ዓመታት ክትሪኦ ጉጉይ ኮይኑ ክራየካ ይኽእል'ዩ ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዝኸፋአ ኩነታት ወዲቑ ስለ ዘሎ፣ኢሰያስን እቶም ሽዑ ዝነበሩሓለፍትን ገለ ስጉምቲ እንተዝውሰደሎም ነይሩ፡ እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣይምመጸን ይብሉ፣ ንሕና ሽዑ ብዛዕባ ሰላምን ብልጽግናን ህዝቢ ኤርትራ ኢና ንሓስብ ኔርና እምበር፡ኣብ1993 ኰንና፥ኣድማ ዝገበሩ ክእሰሩ ፡ስንኩላን ተጋደልቲ ኣዲሞም ክቕተሉ፡ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክመጽእ፡ኤርትራ ኣብ ናይ ዶብ ኲናት ክትሽመምያ፡መንእሰይ ብዘይእመን ቁጽሪ ዓዱ ገዲፉ ክስደድ'ዩ፡ዝብል ትጽቢት ኣይነበረናን።ኣብቲ ግዜ'ቲ ስጉምቲ ኣብቶም ዝነበሩ መራሕቲ ተወሲዱ ኣንተዝነብር'ከ ኣዛ ሃገር ምቐጸለት'ዶ?፡ካብ ዂናት ሓድሕድ ናጽነትና ከየረጋገጽና ምደሓንና'ዶ?ኣብ ግምት ክኣትው ዘለዎም ሕቶታት እዮም።ብተወሳኺ እቲ ኣድማ ፍኑው እምበር ዝኣልዩ መራሕቲ ኣይነበርዎን ኣቲ ሕቶ ግን ንኹልና ተጋደልቲ ዝምልከት ነይሩ፡ሓደ ምሁር ኣካል ዝተሳተፎ'ውን ኣይነበረን፡ ብዘይካ ሊንጎ ድሓን መንቋቛሕታ ዝነብሮ ካልእ ዝራኣናዮ ሰብ ኣይነበረን።እቶም መንእሰያት ዘልዓልዎ ንጹሃት ነይሮም ፣በቲ ድሕሪ'ቲ ኣድማ ዝተወስደ ስጉምቲ ሕዙናት ኤና፡ኤሰያስ ኣዕናዊ ዕሸላዊ ምንቅስቓስ ኤሉዎ፡ንሳቶም ግን ምእንቲ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ክትከውን ሂወቶም ዝወፈዩ፡ ንኹሉ ብሰላም ስለዝፈጸምዎ፡ጀጋኑ ሓርበኛታት እዮም፡ኤሰያስ ድሕሪ'ዚ ፍጻሜ'ዚዩ ዝያዳ ሸይጣን ኣናሰረሮ ዝመጸ።ዝረስዕኩዎ ኣንተሎ ዝነበሩ ከስዕቡዎ ተስፋ እናገበርኩ ኣብዚ ይውድእ።

ኣበድ ተስፋይ22-9-2014

source https://www.facebook.com/isaias.asfaha/posts/686128701469956:0

 

ናይ 1993 ዓ.ም. ኣድማ ተጋደልትን ዜግነት ዘመንጠለ ርእይቶን
ንኻላኣይ ግዜ ፓስት ዝኸውን ዘሎ ጽሑፍ
መኮነን ተስፋይ
1993 ኣብ ኣስመራ ተጋደልቲ ፍሹል ኣድማ ምስ ገበሩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ እታ ቀዳመይቲ ዝገበራ ስራሕ እንተኔራ ንሓሶት ሓቂ ኣምሲሎም ዝጽሕፉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣምጺእካ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንሙሉእ ሰራዊት ናይ ሓሶት ጎስጓስ ምግባር ዝብል'ዩ ኔሩ(እዛ ሜላ እዚኣ ኣብ ናይ 2001 ጉዳይ ጉጅለ 15 ውን ብሰፊሑ ተጠቒሙላስ ልዕሊ 300 ገጽ ዝሓዘት ካብ ቤት ትምህርቲ ካድር ናቕፋ ዘይትወጽእ ናይ ጸለመ መጽሓፍ'ውን ተጻሒፉላ'ዩ)። በዚ ከኣ በዓል ሃይለ ሳሙኤል( ቻይና) ዝርከብዎም ሓለፍቲ ኣበየ ቦትኡ እናኸዱ ነቲ ሰራዊት ብናይ ጸለመ ጎስጓስ ከለዓዕልዎ ጀመሩ። ነቲ ወረቓቕቲ ሒዛ ናብ ደንካልያ ከተማ ጢዖ ናብ ዝርከባ ኣሃዱታት ክፍለ ሰራዊት 52ን 96ን ዝኸደት ጉጅለ ከምዚ ዝብል መግለጺ’ያ ሂባ "እዞም እንጀራ ጣፍ እናበልዑ፡ ስርኦም ኣውጺኦም ዝድቅሱ ሰራዊት: ኣባላት ከቢድ ብረት ኢና ኮማንዶ ኢና በሃልቲ፡ ንካላሽን ታንኪ ኢያ ኣምጺኣታ ኢሎም ዝኣምኑ ዕቡያት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበርዎ ኣድማ፡ ባንኪ ዘሪፎም፡ ኣንስቲ ስውኣት ዓሚጾም: ስድራ ስውኣት ሃሪሞምን ኣጋፊዖምን . . . ወዘተ" ዝብል መግለጺ ምስ ሃበት። ሰራዊት ብነድሪ ሓፍ ኮፍ በለ። ክልተ ካብቶም ቀዳሞት ርእይቶ ዝሃቡ ተጋደልቲ ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ብሓደ ቃና "እዚ ናትና ንዕቀትዩ ኢዪ ይምጽኡ እዞም ሰባት ኣብ ቅድሜና ክርሸኑ ኣለዎም" ዝብል ርእይቶ ምስ ሃቡ ሰራዊት ብሓባር ኣንጨብጨበ። ኣብ መንጎ እቶም እኩባት ግን ገለ ዘየንጨብጨቡ ሰባት ነበሩ። ሓደ ካብኦም ኣስታሕሚለ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ናይ 90 ተጋዳላይ ነበረ። “ኣብዚ’ኣሞ ሓንሳብ ብምባል ንርእይቶ ዕድል ምስ ተዋህቦ “ኣነ ትማሊ ትማሊ ኣብቲ ኣድማ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣውቲስታ ረኺበ ኔረ እቲ ኣድማ ኣዚዩ ጽፉፍ ከም ዝነበረን ዝተዘርፈ ባንኪ ይኹን ዝተዓመጻ ኣንስቲ ስውኣት ኣይነበራን ሓደ ሰብ’ውን ዘይሞተሉን ዘይተሃርመሉን ጽፉፍ ኣድማ’ዩ ኔሩ ንስኹም ግን ኣብ መንጎ ሰራዊት ኩናት ከተላዕሉ ከምዚ ዝብል መግለጺ ክትህቡ ቅቡል ኣይኮነን። ንስኹም ከኣ ኣቱም ሰራዊት ቀዳመይቲ ሓይሊ መሸማዕ ባኒ ተወሲኻትኩም . . ዕልልል ካላይቲ ሓይሊ በጊዕ ክትሕረደልኩም’ያ . . . ዕልልል ካብ ምባል ሓሊፍኩምስ እንታይ ፖለቲካዊ መኽሰብን ክሳርን ትፈልጡ ኢኹም ኣብ ቅድሜና ኣምጺኹም ረሽኑዎም ትብሉ።” ብምባል ርእይቶኡ ሃበ። ኣስታሕሚለ በዛ ርእይቶ “ኮፍ በል ነጥቢ ስርዓት” ምስ ተባህለ “ካላሽኑ ዓትዒቱ ሰብኣይ ዝኾነ መጽዩ ኮፍ የብለኒ” ክብል ኢዩ ዘረብኡ ወዲኡ። ኣስታሕሚለ ሽዑ ናብ ዕረፍቲ ናብ ገዝ ኡ ይኸይድ ስለዝነበረ ኣብቲ እዋን ድማ ካብ ዓሰብ ናብ ባጽዕ ትወስድ መርከብ ክትስቀል ኣብ ጢዖ ሃሉ ኣብ ቤሉል ናብ ዓሰብ ክትከይድ ስለዘለካ ኣስታሕሚለ መኪና ተሰቒሉ ናብ ዓሰብ ከደ። ኣብ ዓሰብ'ውን ኣብ ባር ሲነማ ንሰራዊት ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ምስ ተሳተፈ ብተመሳሰሊ ነቶ ኣብ ጢዖ ናይ ሓሶት ጸለመ መግለጺ ዝገብሩ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክብድሆም ሓፍ ምስ በለ እቲ ኣብ ጢዖ ዝረኣዩ ሓላፊ "ኮፍ በል እቲ ናይ ጢዖ ዲኻ ንስኻ?" ክብል ኣዘዞ። ኣስታሕሚለ ግን "ሰብ ኣይ ኮይንካ መጺኻ ኮፍ ኣብለኒ ርእይቶይ ክዛረብ'የ ብምባል ነቲ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ጸለመ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ሓዊ ምንኻስ ስለዝኾነ ደው ከብልዎ ተቓዊሙ ኮፍ በለ ኣኼባ ምስ ተወደ ንኣስታሕሚለ ዝረኸቦ ሰብ ኣይነበረን መርከብ ሰላም ተሰቒሉ ከኣ ብሰላም ናብ ስድርኡ ከደ። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ምልውዋጣት መጽዩ እቶም ኣብ 1990 ናብ ህዝባዊ ግምባር ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ብምሉኦም ብ5000 ብር ተጣይሶም ናብ ገዘኦም ይኺዱ ዝብል ትእዛዝ መጽዩ ኣስታሕሚለ ኣብ ገዝኡ ከሎ ደቂ ኣሃዱኡ ዝበዝሑ ናብ ገዘኦም ተፋነው። ኣስታሕሚለ ዕረፍቱ ወዲኡ መጣየሲ ወረቐት 5000 ብር ክወስድ ናብ ኣሃዱኡ ምስ ከደ ቂም ሒዞሙሉ ዝጸንሑ ሓለፍቲ በቲ ዝህቦ ዝነበረ ርእይቶ ምኽንያት ኣሲሮም ናብ ዓዲ ዃላ ወሰድዎ። ኣብኡ ንዝተወሰነ ዓመታት ክእሰር እንከሎ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዘስድመም መቕጻዕቲ ማለት ብናይ ዜግነት ርፍትያ ወረቐት’ዩ ተፋንዩ:: እቲ ወረቐት "ኤርትራ ኣይትእውደካ ንኤርትራ ኣይትእውዳን" ዝብል ኮይኑ : ዝኾነ ይኹን መሰል የብልካን ትሕተቶ ግቡእ’ውን የለን ተባሂሉ መንነቱ ተመንጢሉ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘይ ዜግነት ይነብር ኣሎ። ብእምነት ፍትዊ ዝብሃል ካልእ ናይ 90 ተጋዳላይ ኣባል 07 ውን ካብቶም ኣብቲ ኣድማ ዝተሳተፉ ስለዝነበረ ብናይ ዜግነት ርፍቲያ ምስ ተፋነወ ልክዕ ከም ኣስታሕሚለ ኣብ ዝኾነ ኣኼባ ኣይእከብ ዝኾነ መሰል ኣይሓትት ግፋ ክኸውን እንከሎ ኣይግፈፍ ምርጫ ኣመሓደርቲ ይኹን ካልእ ክግበር እንከሎ ኣይመረጽ ኣይመርጽ ወዘተ።

source Mekonnen Tesfai
ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com