ማእሰርቲ ዜጋታት፡

ኣብ ከባቢ ቆሓይቶ ትርከብ ካሪቦሳ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ነበርቲ ዝኾኑ ኣርባዕተ ዜጋታትና ብዘይ ገለ ፍርዲ ወይ ምኽንያት ብዊንታ ዕሱባት ኣገልገልቲ ስርዓት ኢሰያስ ተኾብኲቦም ብ25 መጋቢት 2011 ናብ ቤት ማሕዩር ከምዝኣተዉ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ብዘይገለ ኣበሳ ዝተኣስሩ፡

  1. መሓመድ ዓሊ ዑመር ኢብራሂም መራሒ ሓይሊ ዕቑር ሰራዊት፡
  2. ሳልሕ ዑመር ኢብራሂም ኣባል ሃገራዊ ድሕነት (ስለያ)
  3. ዓብደላ ሳልሕ ዑመር ጸሓፊ ምምሕዳር፡
  4. እስማዒል ዑስማን ኢብራሂም፡ ከምዝኾኑ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ንምእሳሮም ሰበብ ዝኾኑ ኣገልገልቲ ስርዓት ኢሰያስ፡ ሱሌማን ሹም ኢብራሂም ኣባል ሃገራዊ ድሕነት (ስለያ)ን፡ ሑሴን ሹም ዑመር ኣባል ምክልኻል ስለያ ኮይኖም ብሓባር ዝፈሓስዎ ሸርሒ እዩ ብዝብል ኣመት ኣብቲ ከባቢ ኣዘራራቢ ኮይኑ ከምዘሎ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሓቢሮም።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

26 መጋቢት 2011

source http://www.jeberti.com/index.php?option=com_content&view=article&id=1452:2011-03-27-00-34-12&catid=58:tigrina