ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ዲሞክራስያዊ ጠለባት ኣልዒሉ ዝተበገሰ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ሰራዊት ኤርትራ “እስላማዊ ምንቅስቓስ’ዩ” ኢሉ ብምጥቃን፡ እስላማዊ እምነት ኣብ ዘለዎም ሓለፍቲ ኣተኵሩ ናይ ማእሰርቲ ዘመተ የካይድ ኣሎ።

By On January 26, 2013 · 7 Comments

እቲ ኣብ ደንደስ ውድቀት ዝርከብ፡ ዕድመ ስልጣኑ ብዝኾነ ዋጋ ከናውሕ ሃነፍነፍ ዝብል ዘሎ እኩይ፡ ፈላላዪ፡ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን መንፈስን ዘንጸባርቕ ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ እዋናዊ ጠለባት ዘቕረበ ናይ ሓይልታት ምክልኻል ምንቅስቓስ፡ “እስላማዊ ምንቅስቓስ’ዩ” ኢሉ ብምጥቃን፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ንዝጸንሑ እስላማዊ እምነት ዘለዎም ሓለፍቲ ብዝያዳ ዒላማ ብምግባር፡ ይኣስር ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

በቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ መሰረት ዛጊት እዞም ዝስዕቡ ወገናት ተኣሲሮም ኣለው፡

1 – ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን፡ ኣቶ ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ (ኣብ ምእዋጅ ናጽነት ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሰቐለ ተቓላሳይ)

2- ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት ህግደፍ፡ ኣቶ ዓብደላ ጃብር

3- ሓላፊ ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ምስጦፋ ኑርሑሰን

4- ሓላፊ ኣጋር ክፍለሰራዊት፡ ኮሌኔል ሳልሕ ዑስማን ( ኣብ ግንባር ዓሰብ ብዝፈጸሞ ጅግንነት ብመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዝዝከር ኣዛዚ)

5- ኮለኔል ሑሰን ሳልሕ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ሓላፊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝነበረ

6- ኣምባሳደር ኢማራት ነበር፡ ኣቶ ዑስማን መሓመድ ጅምዕ

ከምኡ ‘ውን

7- መራሒ ብርጊድ ከቢድ ብረት፡ ኮለኔል ኣለም መንግስትኣብ (ጉዝዋ)

8- ኣብ መካናይዝድ ኣሃዱ ሓላፊ መዳፍዕ ዝነበረ፡ ኮለኔል ኣብርሃም (ገላዋ)

ነዚ ድሑር፡ ፈላላዪ ስርዓት ኢሳይያስ ንፍሉይ ኣካል ሕብረተሰብና ዒላማ ብምግባር ዝወሰዶ እኩይ ስጉምቲ ብምዅናን ኣሰና ፋውንዴሽን ንህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መዘኻኸሪ፡ እዞም በቲ ስሱዕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ተባዓት ሃገራውያን፡ ኣብ ቃልሲ ይኹን ሓለዋ ልኡላውነት ሃገር፡ ጅግንነቶም ዘመስከሩ፡ ዋላ ኳ ደንጕዩ እንተመጸ፡ በዚ ዝወሰዱዎ ቆራጽ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠልብ ስጉምቲ፡ ንሃገራውነቶም መሊሶም ዝደርዑዎ ምዑታት ጀጋኑ ምዃኖም ገሊጹ።

ብ2001፡ ነቶም ብለውጢ ዝተንቀሳቐሱ፡ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣብ ምቕያድ ‘ ውን ከም መሳርሒ “CIA”ን  “ወያነን” ከጸልሞም ከምዝተወሳወሶ፡ ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነንዝተቓወሞ ደላይ ፍትሒ፡ ብድሑር መመሳመሲታት ህዝቢ ብምድንጋር ናይ ምንጻል ፈተነ ከካይድ ምርኣይ ሓድሽ ኣይኮነን።

ይኹን’ምበር፡ ነቲ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ፡ ህዝብና ቅድሚ ዘበናውያን መንግስታት ምርኣዩ ኣትሒዙ ብሓበን ዝዝክሮ ስኒት ኤርትራውያን ንምዝራግ ዝፈታተን ውዲት ምሂዙ፡ ነቲ ንጹር ሃገራዊ ሕቶ ናብ ሃይማኖታዊ ኣጀንዳ ክጥምዝዞ ምህቃኑ፡ ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ንቕበጸተ-ተስፋኡ ዝገልጽ፡ ብኹሉ ኤርትራዊ፡ ክፍንፈንን ክዅነንን ዘለዎ፡ ናይ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” ኣዕናዊ ውዲት እዩ።

በንጻሩ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ንራሻይዳ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ናይ ጭውያን ቅትለትን “ነጻ ዞባ” ብምፍቃድ፡ ዋላ ነቶም “ንትምህርቲ” ኢሉ ናብ ሳዋ ኣገዲዱ ዝወሰዶም ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን መንእሰያት ወለዶ ከይተረፈ ንሸፋቱ ኣሕሊፉ ብምሃብ፡ ህይወት ኤርትራውያን መንእሰያት ዘህልቕ ዘሎ ሃይማኖት ኣልቦ፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ብጋህዲ ኣብ ባይታ ዝርእዮ ዘሎ ኣሰቃቒ ሓቂ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሕብረተሰብና ምትፍናንን ዘይምትእምማንን ፈጢሩ፡ ብዋጋ ሓድነት ህዝብና ዝተጸንቀቐ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ኣጉል ፈተነ ዘካይድ ዘሎ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓት ኢሳይያስ ህዝብና ፍጹም ዕድል ክወሃቦ የብሉን።

ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልውላው ኣብ እትርከበሉ ዘላ ተኣፋፊ መድረኽ፡ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ናይ ለውጢ ተበግሶ ከርእዩ ኸለዉ፡ ካብ ኣየናይ ሃይማኖርን ዓሌትን ምዃኖም ዘይኮነ፡ ፍትሓውነት ዕላምኦም ጥራይ እዩ ከገድሰና ዘለዎ። በዚ መንጽር፡ ነዞም እዋናዊ ናይ ዲምክራስያዊ ለውጢ ተበግሶ ዝወሰዱ ሃገራውያን፡ ብሓበን እናደገፍና፡ ንተበግሶኦም ወኒንና ብምቕጻል፡ ኣብ መወዳእትኡ ናይ ምብጽሑ ሃገራዊ ሓላፍነትን ግቡእን ከምዘለና ክንዝክር ይግባእ።