-->

Lorenzo  Mebrahtu  Taezaz

Lorenzo  Mebrahtu  Taezaz was born on the 30th of June 1900 to an Eritrean parents in Adi KeyiH in  the Akele Guzaie province of Eritrea. Little is known about his early years except that he received his first education in Italian schools in Asmara and Keren and started his career with the Italian colonial administration when he was still very young. Because of his intelligence and hard work, Lorenzo rose to the rank of Secretary to the Governor of Asmara, the highest position that an Eritrean could reach in the colonial administration. Lorenzo Taezaz is an Eritrean of high caliber who displayed his intelligence, devotion and determination to fight Italian colonialism. After experiencing the shackles of colonialism in his home land he opted for gaining higher education in order to fight the mighty Italian colonial power on the political and diplomatic fronts. It is to be remembered that the colonialist’s main weapon to realize their dream of occupying and staying in African was to keep its people uneducated. Due to the ban on native education beyond the 4th grade level, Lorenzo Taezaz like many other young Eritreans crossed the Mereb river into Ethiopia to further his education. In an interview with a researcher his daughter has shed some information on the main reasonsfor Lorenzo Taezaz to cross the border and
move to Ethiopia. “One day, while he was filing papers, he read a secret military document which spelt out Italian war plans against Ethiopia, including the intention to use poison gas.” She claimsOur legendary compatriot Dr. Lorenzo Mebrahtu Taezaz managed to get high education at the University of Montepleir in France. After graduation he was rendered high political and diplomatic posts in Ethiopia, a country that has become a target of the Italian colonial expansion in the Horn of Africa.[source emnetu.com

 

ትርጉም ብ ሰመረኣብ ገብረትንሳኤ ካብ፡
Lorenzo Taezaz And The Italo-Ethiopian War (1935-1941)
EthiopianReview.com | December 19th, 2012 By Daniel Kindie

ሎረንሶ ታእዛዝ ብ 1900 ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ብ 1946 ኣብ ሽወደን ዝዓረፈ
ዓቢ ናይ ሕጊ ምሁር ዲፕሎማትን ፈላጥ ቋንቋታትን ኤርትራዊ
"ኣብ ቅድሜኹም ቆይመ ዘሎኹ ኤውሮጳ ኣብ እግሪ ዓመጽ እንተ ደኣ ተምበርኪኻ ክወርዳ ብዛዕባ ዝኽእል ዓቢ ውድቀት መጠንቀቕታ ንምሃብ እዩ።
ተጋባእቲ እዚ ዋዕላ ንዝኾና ሓምሳን ክልተን ሃገራት ከኣ ዝኣተውኦ መብጽዓ ሓሊወን ንሃገረይ ዝግባእ ሓገዝ ክህባ ይሓትት።
ኣብዛ ዓለም ብጀካ መንግስቲ ኣምላኽ ሓንቲ ሃገር ልዕሊ ካልእ ሃገር ኮይና ክትርኣይ ኣይግባእን እዩ።"
ንፍርድኹም ኣምላኽን ታሪኽን ምስክር እዮም፡፡"
ብሎሬንሶ ታእዛዝ ተጻሒፉ ኣብ ቅድሚ ተጋባእቲ ናይ ሊግ ኦፍ ናሽንስ ኣብ ጀነቭ ብሃይለ ስላሴ ዝተነበ ቃል።
ሎረንሶ ታእዛዝ ሓደ ካብቶም ኣብ መንጎ 1935-1941 ኣብ ውግእ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝተዋስኡ ኮኾባት ታሪኽ ሓደን ብሉጽን እዩ ክበሃል ይከኣል። ካብታ ካብ ዓዱ ብ 1925 ዝወጸላ ዓመት ጀሚሩ ክሳብ'ታ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ብ 1946 ኣብ ሽወደን ዝዓረፈላ እዋን መስተንክር ዝኾነ ስራሓት እናፈጸመ እዩ ጸኒሑ።
ንልዕሊ 21 ዓመታት ዝኣክል ዘርኣዮ ጻዕቅን ምልኣት ዓወትን ህይወቱ ካብ'ቲ ናይ'ቲ እዋን'ቲ ዝነበሩ መሳትኡ ኢትዮጵያውያን ዋላ ሓደ እኳ ክወዳደሮ ዝኽእል ኣይነበረን። ንኢትዮጵያ ካብ መቑረንቲ ፋሺስታዊ ኢጣልያ ሓራ ንኽትወጽእ ከኣ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ እዩ ኣበርኪቱ። እቲ ብድሕሪ ኵናት ተወሊዱ ዝዓበየ ወለዶ ኢትዮጵያ ግና ነዚ ታሪኽ'ዚ ኣይፈልጦን። ስለምንታይ ከምዚ ኢሉ ከምዝተረስዐን እዚ ዓቢ ሰብ ብኸመይ ዓይነት ኣማውታ ከም ዝሞተን ዘይግሉጽን ዘተሓታትትን እዩ።
ደረት ናይዚ መጽናዕቲ እዚ ውሱንን ኣብ ገለ ኣገደስቲ ነጥብታት ዘተኮረን ጥራሕ እውን እዩ እዩ። ብቐዳምነት ሎረንሶ ታእዛዝ ንማንም ኣንባቢ ንምልላይ፡ ካብኡ ሓሊፉ ኸኣ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ ታሪኽ ብዛዕብኡ ክትዓትን ዝርርባትን ንምትብባዕን እዩ።
ካልኣይ ኣብ መንጎ እቲ ናይ 1935-1941 ውግእ ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝነበሮ እጃም ኣጽሪኻ ንምጽናዕ እዩ።. ነዚ ንምጽራይ ብዛዕባ ፍልመ ህይወቱ፡ ኩነታት መነባብሮኡ ቅድሚ ካብ ኤርትራ ምብጋሱን ምፍላጥ የድልይ። ሎሬንሶ መን እዩ? ድሕረ ባይታኡኸ እንታይ እዩ?
እምበኣር ኣነ ቀንደ ነገራት ፍልመ ህይወቱ፡ ካብ ዓዱ ብኸመይ ከም ዝወጸን ምስቲ ደሓር ሃጸይ ሃይለ ስላሰ ሽዑ ግና ራእሲ ተፈሪ ዝበሃል ዝነበረ ብኸመይ ከም ዝተራኸበን፡ ከመይ ኢሉ ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተጸምደን ኣልዒለ ክጽሕፍ እየ።
ንዕኡ ዝምልከት ጽሑፋት ኣንቢበ እየ። ከም ትዕዝብተይ ግና ብዛዕብኡ ኣዝዩ ውሕጉድ እዩ ተጻሒፉ። መብዛሕትኡ ጽሑፋት ከኣ ንእግረ መገዱ ጥራሕ እዩ ዝጠቕሶ። ዋላኳ ኣብ ዓበይቲ እጃማት ዘበርከተሉ ፍጻመታት ትንክፍ ተባሂሉን ምልኣትን ምእካለን ብዘይብሉ ኣገላልጻን ስለ ዝሕለፍ፡ ዝርከብ ሓበሬታ ጽልግልግ ዝበለን ቁርጽራጽን እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ንሓያሎ ሰባት ከዘራርብ መዲበ። ክብኣቶም ከኣ ጓሉ ወይዘሪትን፡ ኣምባሳዶር ኤፍረም ተወልደመድህንን፡ ናይ ነዊሕ እዋን ዓርኩ፡ ኣብ መንጎ 1936-1946 እዋን ኵናት ዝፈልጦ ዶክቶር ጆን ስፐንሰርን ይርከብዎም። ከምኡ እውን ሓዉ መብራህቱ ታእዛዝ። ነቶም ሰለስተ ኣብ ኣስመራ ብ 1983 ን ዶክቶር ጆን ስፐንሰር ከኣ ብ 30 ነሓሰ 1987 ኣብ ኒው ሃቨን ኮነክቲከት እየ ኣዘራሪበዮም።
ብዛዕባ ካብ ኤርትራ ንምውጻእ ዘበገሶ ምኽንያት ተጋራጫዊ ሓበሬታ እየ ረኺበ። ካብ ጓሉ ከም ዝተነግረኒ ምብጋሱ ፡ ምስ ምፍላጥ ሓንቲ ምስጢራዊት ማህደር ብዛዕባ መርዛዊ ደብዳብ ኢትዮጵያ ዝተተሓዘ ዝብል እዩ። እምበኣር ኣብ'፤ዚ ካብ ጓሉ ዝረኸብክዎን ካልእ ካብኡ ዝተፈልየ ሓበሬታን ብምሃብ ክትንትንትን፡ ምስኡ ኣተሓሒዘ ኸኣ ቁሩብ ቁራቦ ሓበሬታ መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራን ወራር ኢጣልያ ኣብ ኢትዮጵያን ክህብ እየ።
ሓጺር ድሕሪ ባይታ
ሎረንሶ ብ 30 ሰነ 1900 ኣብቲ እዋንቲ ግዝእቲ እጣልያ ኣብ ዝነበረት ኤርትራ፡ ኣብ ኣውራጃ ኣከለ ጉዛይ ተወልደ።.መባእታዊ ትምህርቱ ኣብ ኣስመራን ከረንን ድሕሪ ምፍጻም ገና ንእሽቶ ከሎ ከኣ ኣብ ናይ ኢጣልያ መግዛእታዊ ምምሕዳር ስርሑ ጀመረ። ብሳላ ብልሒ ኣእምሮኡን ትግሃቱን ሎረንሶ ዋና ጸሓፊ ኣመሓዳሪ ከተማ ኣስመራ ክኸውን በቕዐ። እዚውን እቲ ዝለዓለ ሓደ ኤርትራዊ ኣብ መግዛእታዊ ምምሕዳር ክበጽሖ ዝኽእል ዝነበረ መዓርግ ስራሕ ነበረ።
ብ 1924፡ ኣብ መገሻ ንዙረት ኣብ ዓደን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ብወዝቢ ነቲ ሽዑ ራእሲ ተፈሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፡ ደሓር ግና ሃጸይ ሃይለ ስላሴ ዝተባህለ መንግስታዊ ምብጻሕ እናፈጸመ ከሎ ረኸቦ። ራእሲ ተፈሪ ናብ ኢትዮጵያ ንኽመጽእ ስለ ዘተባብዖ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከደ። ራእሲ ተፈሪ ንሎረንሶን ካልኦትን ንወጻኢ ትምህርቲ ክመሃሩ ናይ መንግስቲ ማሕደረ ትምህርቲ ኣውሂቡ ለኣኾም። በዚ ሎረንሶ ናብ ፈረንሳ ከደ። ኣብተን ዝስዕባ ሸሞንተ ዓመታት ከኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሞንትፐልየ ፍልስፍናን ሕግን ተማህረ። ኣብ ርእሲ ትግርኛ ኣምሓርናን ዓረብን ይኽእል ነይሩ፡ ሞንትፐልየ ከኣ ልሳን እንግሊዝን ፈርንሳን ክመልኽ ኣብቅዓቶ።.
ብ 1933 ናብ ኢትዮጵያ ተመልሰ። ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ስርሓት ከም ዋና ጸሓፊ፡ ሚኒስተር ፍትሒ፡ 1933 ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ናይ እንግሊዝ ሶማልን ዝነበረ ዶብ ኣብ ምድዋብ ከም ኣባል ሽማግለ ዶብ ናይ እንግሊዝን ኢዮጵያን ኣብ መንጎ 1933-34 ፡ ኣባል መጽናዕቲ መግሃጫ ኡጋዴን፡ ኣባል መጽናዕቲ እቲ ኣብ መንጎ 1935-1941 ውግእ ኢትዮጵያን ኢጣልያን ዘስዓበ ናይ 1934 ግጭት ወልወል፡ ፍሉይ ጸሓፊ ሃጸይ ሃይለ ስላሴን ኮይኑን ኣገልጊሉ። ኣብ መንጎ 1935-1936 ከኣ ከም መራኸቢ ዓለም ለኻዊ ማሕተም ኮይኑ እውን ሰሪሑ። ኣብቲ ስዕረት ኢትዮጵያ ብኢጣልያውያን ዘስዓበ ናይ ማይጨው ኵናት 1936 እውን ውዒሉ ነይሩ እዩ።
ሎረንሶ ንሃይለ ስላሰ ቤተ መንግስቲ ናብ ጎሬ ዝተባህለ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከብ፡ ርሑቕን ብቀሊሉ ዘይብጻሕን ከግዕዝን፣ ካብኡ ከኣ ጸረ መጥቃዕቲ ክካየድን ንድፊ ኣቕሪቡ ነይሩ። እንተ ኾነ ክትዓት ምስ ተኻየደሉ ነቲ ሓያል መካናይዝድ ሰራዊት ኢጣልያ ብቐሊሉ ተቓዊምካ ምምካት ከም ዘይከኣልን ክቡር ንዋታዊ ወጻኢታት ዝሓትት ብምዃኑን ብዕስራን ሓደን ድምጺ ኣንጻር ክልተ ተሳዒሩ፡ ሃይለ ስላሴ ናብ ሊግ ኦፍ ነሽንስ ከይዱ ክጠርዕ ከም ዝሓይሽ ከኣ ተመደበ። ብ ጉንበት 1936 ሎረንሶ ካብ ኢትዮጵያ ወጺኡ ተሰደ፡ ንሃይለ ስላሰ ድማ ኣብቲ ናይ ኤውሮጳ ስደቱ ኣሰነዮ። ናይ ኢትዮጵያ ወኪል ኣብ ሊግ ኦፍ ነሽንስ ቀዋሚ ወኪል ተሰይሙ ድማ መጎተኡ ኣንጻር ፋሺሽት እጣልያ ቃልሱ ጀመረ። ኣብ ግዜ ወራር ኢጣልያ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ናብ እትዮጵያ ብምስጢር ሰሊኹ እናኣተወ ተልእኮታት ይፍጽም ነበረ።
ድሕሪ ሓርነት ከኣ ኣብ 1941 ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስቴር ኣብ መንጎ 1941-1943 ሚኒስተር ናይ ፖስታን ተለፎንን ተለግራምን ብ1943 ኣቦ መንበር ኣባላት ባይቶ ኣብ መንጎ 1943-1944 ምስሌነ ኢትዮጵያ ኣብ ሞስክ ኣብ መንጎ 1944-1946 ወኪል ኣብ ናይ ፓሪስ ጉባኤ ሰላም ከኣ ጉንበት 1946 ኮይኑ ተሰየመ። ድሕሪኡ ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ኣብ ሕክምና ኸሎ ዓረፈ።.
ንኣምባሳዶር ኤፍረም ተወልደመድህን ኣብ ቤቶም ኣብ ኣስመራ ክረኽቦም ከለኹ ወዲ ተስዓ ዓመት ኮይኖም ጸኒሖሙኒ ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ኸኣ ክህቡኒ ክኢሎም።
ቀዳማይ ዝርርብ፡
ኣምባሳዶር ኤፍረም ተወልደመድህን:
ሎረንሶ ምሉእ ዕድሚኡ ዓርከይ እዩ ነይሩ። ካብ ኤርትራ ካብ ዝወጻእናሉ እዋን ጀሚርና መኻፍልቲ ጽቡቕን ሕማቕን ኢና ኔርና። ኣብ ኤርትራ ንምንባር ዕድል ስለ ዘይነበረና ብ 1925 ናብ ዓደን ሃደምና። (ቅድሚኡ ሓደ ዓመት ሎረንሶ ምስ ራኢሲ ተፈሪ ኣብ ዓደን ምርኻቡን፡ ተፈሪ እውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክመጽእ ከም ዝዓደምን ይዝከር።) ኣነ ብጃልባ ገይረ ኣብ ጅቡቲ ሓሊፈ ተጸብኽዎ። ኣብ ጅቡቲ ብንብዓት ምስ ተራኸብና ኸኣ ብባቡር ጌርና ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጎዓዝና። ሪእሲ ተፈሪ እንታይ ክንገብር ከም ንደልይ ተወከሰና። ክልቴና ኣብ ወጻኢ ኬድና ክንምሃር ከም ንደልይ ገለጽናሉ። ከምኡ እውን ገበረልና። ኣነ ናብ በይሩት፡ ሎረንሶ ከኣ ናብ ፈረንሳ ከድና። እቲ ኣብ እዋን ኵናት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸምናዮ ስርሓት ታሪኽ ይፍረዶ። ኣብ አውሮጳ ዕዮ ዲፕሎማሲ ኣካየድና። እጃም ናይ ሎረንሶ እኳ ዕጹብ መስተንክር እዩ ነይሩ።. ዋላውን ኣብ ዞባታት ኵናት ሰሊኹ እናኣተወ ናይ ምስጢር ተልእኮታት ፈጺሙ እዩ። ውፉይ ሃገራዊ ምንባሩ ክገልጸልካ እፈትው። ኣብቲ ምሉእ ወለዶ ምሁራት ኢትዮጵያውያን ዝተደምሰሰሉ እዋን ሓደ በይኑ ዝርእይን ዝሰምዕን ሰብ እዩ ነይሩ። ምስ እንግሊዛውያን ዝዘራረብ ሰብ ሓደ ንሱ ጥራሕ እዩ ነይሩ።
ዶክቶር ጆን ስፐንሰር ንሎረንሶ ንገለ ዓሰርተ ዓመታት ይፈልጥዎ ነይሮም። ክብ ዝኽሮም ከኣ ነዚ ዝስዕብ ኣማቒሎም።
ካልኣይ ዝርርብ፡
ጆን ስፐምሰር:
ኣነ ንሎረንሶ ፈለማ ኣብ 15 ጥሪ 1936 ኣብ ደሴ ኣብ ናይ ግርማዊ ቀዳማዊ ኃይለ ሥላሤ ቤተ መንግስቲ እየ ረኺበዮ። ኩሉ ከዚ ሕጂ ኮይኑ ኽአ ይዝከረኒ፡፡ እቲ ኮፍ ኢልናሉ ዝነበርና ክፍልታት እኳ ብነፈርቲ ኢጣልያ ምእንቲ ከይድብደብ ጸልሚቱ እዩ ዝነበረ። ሎረንሶ ፈለማ ክርእዮ፡ ኣዝዩ ዕቁብ ሰብ ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፡ ምናልባሽ ንምሕሳብን ምስትንታንን ህድኣት ዘድለዮ ዝነበር ይመስለኒ።. ቅልጡፍ ኣእምሮን በሊሕ ልሳንን ከኣ ነበሮ። ርቀት ተመራማርነቱን ዕምቆት ፍልጠቱን ኸኣ ኣስደመመኒ። ኣዝዩ ንኡድ ፍልጠት ቋንቋ ፈረንሳን እንግሊዝን ከኣ ይመልኽ ነበረ። ኣብ ምድላዋት ጽሑፋት መግለጺታት ውግእ ከኣ ንገለ ኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢርና ሰራሕና። መሊስና እውን ብ1936 ብስራሕ ኣብ ሎንዶን ተራኸብና፡ ኣዝዩ ኣጻፊፉ ዝዓይይ ንሱሕ ሰራሕተና እዩ ነይሩ። ሓሳባት ብቃላት ኣብ ምግላጽ ዓቢ ተዋህቦ ነበሮ። ኣብ ናይ 1936 ናይ ሃይለ ስላሰ ን ሊግ ኦፍ ነሽንስ ዝቐረበ መደረ ኣብ ምንዳፍን፡ ካልእ ዘረባታት ምትርጓምን፡ ኣብ ምምራሕ ጉጅለ ልኡኻት ኢትዮጵያ ናብ ጀነቫ ብ1938 ን ዘይተኣደነ እጃም ኣበርኪቱ እዩ። ብ 1938 ሃይለ ስላሴ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ ንተጋድሎ ሓርነት ክመርሕ ደልዩ፡ ቅድመ መጽናዕቲ ክፍጽመሉን ንሓርበናታት ክውድበሉን ንሎረንሶ ለኣኾ። ርጡብ ዕዮ ፈጺሙ ምስ ተመልሰ ከኣ ሃይለ ስላሴ ንኽኣትው መደበ። እንግሊዛውያን ግና ምድላዋት ዝጎደሎ ዘይበሰለ መደብ እዩ ብምባል ኣጓናደብዎ። ምኽንያት መእበይኦም ግና ምስ ኢጣልያውያን ብዛዕባ ማእከላይ ባሕሪ ይዛራረቡ ብምንባሮም ዝርርቦም ከይጽየቖም ኢሎም እዮም። ሎረንሶ መሊሱ ብ 1939 ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዳግመ ምውድዳብ ናይቲ ቃልሲ ኣካየደ። መስተንክር ስራሕ ከኣ ፈጺሙ!!! ኢጣልያውያን ከኣ ብ 1941 ካብ ኢትዮጵያ ለቐቁ። ደጊመ ንሎረንሶ ብ 1943 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ረኸብክዎ። ሽዑ ናይ ወጻኢ ጉዳያት ሚነስተር ኮይኑ እዩ ጸኒሑኒ፡ ስርሑ ከኣ ብጽቡቕ ፈጺሙ። ንእንግሊዛውያን ካብ ኢትዮጵያ ከም ዝወጽኡ ምግባር ቀሊል ኣይነበረን። እንግሊዛውያን ንኢትዮጵያ ብሞግዚትነት ከመሓድሩ ሕልሚ ስለ ዝነበሮም ክባታቶም ንምግልጋል ሓያል ቃልሲ እዩ ዘካይድ ነይሩ። እዚ ኮይኑ እቲ ኮይኑ ግና ኣብ መወዳእታስ ተዓወተሎም ደኣ!! ንመወዳእታ እዋን ኣብ ናይ ፓሪስ ናይ ሰላም ጉባኤ ብ 1946 እየ ርእየዮ። ወርሒ ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ሽወደን ዓሪፉ።
ሳልሳይ ዝርርብ
ምስ ወዘሪት ጓል ሎረንሶ
ሓደ መዓልቲ ሎረንሶ ማህደራት እናጠርነፈ ከሎ ሓደ ንወራር ኢትዮጵያን፡ ዝምልከት ሰነድ ኣብቲ ሰነድ ከኣ ብዛዕባ ምጥቃም ናይ መርዛም ጋዝ ኣጽዋርን ዘመልክት ጽሑፍ ረኸበ። ብስምባደ ነቲ ማህደር ኣብ መረት የውድቖ'ሞ፡ ሓላፊኡ ስለምንታይ ንከምዚ ዝበለ ሰነድ ኣውዲቕካ ብማይ ተጠልቂ እንተ በሎ፡ ብግርህና እቲ ሰነድ ብማይ ዘይኮነ ብንብዓቱ ከም ዘጠቀዮ ይነግሮ። እቲ ሓላፊ ስለምንታይ ከ ደኣ ትበልክይ? ኢሉ ምስ ተወከሶ፡ ኢትዮጵያውያን ብመርዛም ኣጽዋር ክቕተሉ ምዃኖም ኣንቢበ ብምጉሃየይ ኢየ ከምኡ ጌረ ኢሉ መለሰ። ዝተደነቐ ሓላፍፊኡ እሞ ኢትዮጵያውያን እንታይ ይብጽሑኻ? በሎ። ኣብ ሳልስቱ ሎረንሶ ምስ ተወልደምድህን ተማኺሩ ተተሓሒዞም ቅድም ናብ ዓደን ካብኡ ኸኣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተሰዲዶም ምስ ሃይለ ስላሴ ተራኸቡ።
ሎረንሶ ካብ 1920 ክሳብ 1925 ምስ ሰበ ስልጣን ኢታልያ ከም ዝሰርሐ ኣይከሓድን እዩ። ብ 1924 ንሃይለ ስላሴ ኣብ ዓደን ከም ዝረኸቦ እውን ርግጽ እዩ። ስደቱ ብምኽንያት ዝተጠቕሰት ምስጢራዊ ማህደር ምዃኑ ግና የጠራጥር። ኣብ መዓልታዊ ህይወት ስርሑ ረግጽን ውርደትን ዓሌታዊ ስርዓት ኢጣልያ የሳቕዮ ብምንባሩ ጉህዩን ተሰቢሩን ናብ ኢትዮጵያ ምስዳዱ ግና ምኽኑይ እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሎንዶን ታይምስ ወኪል ዜና ዝነበረ ጆርጅ ስቲር ብ ኢጣልያውያን ብ 1936 ካብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምስጓጉ ከም ኣባል ሰለያ መንግስቲ እንግሊዝ ናብ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ተጸምቢሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ብዛዕባ ሎረንሶ ዝበሎ ዝያዳ ቅቡል ኮይኑ ይርከብ።
ጆርጅ ስቲር፡ " ሎረንሶ ጋና ንኡስ ከሎ ዋና ጸሓሪ ኣማሓዳሪ ከተማ ኣስመራ ክኸውን በቕዐ። ሓደ እዋን ዓርኩ ናብ ሲነማ ምስ ዓደሞ እቶም ካልኦት ኣዕሩኽ እቲ ዓዳሚ ስለምንታይ ደኣ ነዚ ጸሊም ኣብዚ ኣምጺእካዮ ኢሎም ክሸማጥጥዎ ምስ ሰምዐ ዓቢ ጓሂ ተሰምዖ። ብድሕሪኡ ከኣ ዝነበራኦ ቁሩብ ገንዘብ ኣኻኺቡ ናብ ዓደን ተሰዲዱ።" ይብል።
እዚ ናይ ስቲር ዛንታ ዝያዳ እሙንን ቅቡልን ይመስል። ምናልባሽ እውን ስቲር ካብ ሎረንሶ ትኽ ኢሉ ዝረከቦ ሓበሬታ ክኸውን ይኽእል እዩ። በዚ ከምዚ ኢጣልያውያን ኣንጻር ነብሶም ሓያል ጸላኢ ፈጢሮም ክበሃል ይከኣል።
ብድሕሪኡ ኣቐዲሙ ከም ዝተባህለ ሎረንሶ ኣብ ፈረንሳ ትምህርቱ ወዲኡ ናብ ኢትዮጵያ ብ 1933 ምስ ተመልሰ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ስራሓት ኣገልጊሉ እዩ።
ሎረንሶ ኣንጻር ፋሺሽታዊት ኢጣልያ
እታ ሃይለ ስላሴ ኣብ ቅድሚ ሊግ ኦፍ ነሽንስ ኣንቢቡ ንሕልና ህዝቢ ዓለም ዘናቓነቐላ ዘረባ ጽሒፉ ዝሃቦ ሎረንሶ ታእዛዝ እዩ ነይሩ።
"ኣብ ቅድሜኹም ቆይመ ኤውሮጳ ኣብ እግሪ ዓመጽ እንተ ደኣ ተምበርኪኻ ክወርዳ ብዛዕባ ዝኽእል ዓቢ ውድቀት መጠንቀቕታ ንምሃብ እዩ።
ተጋባእቲ እዚ ዋዕላ ንዝኾና ሓምሳን ክልተን ሃገራት ከኣ ዝኣተውኦ መብጽዓ ሓሊወን ንሃገረይ ዝግባእ ሓገዝ ክህባ ይሓትት።
ኣብዛ ዓለም ብጀካ መንግስቲ ኣምላኽ ሓንቲ ሃገር ልዕሊ ካልእ ሃገር ኮይና ክትርኣይ ኣይግባእን እዩ። ንፍርድኹም ኣምላኽን ታሪኽን ምስክር እዮም፡፡"
ጆን ስቲር ንምንቅስቓሳት ሎረንሶ ብደቂቕ ዝተዓዘቦ ይመስል። ከምዚ ኢሉ እውን ይገልጾ። ነቲ ደንዚዙ ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያ ቩልካን ቃልሲ ኣበራበረ። ኣብ ኩሉ ተዘዋዊሩ። ኣብ ስሜንን ኣብ ደቡብን ኣብ ምብራቕን ኣብ ምዕራብን እናተዘዋወረ ብብልሓት ንዝነበረ ግርጭታት ተቓለስቲ ፈትሐ። ኣጆኹም ዓወት ቀሪባ እያ እናበለ እውን ኣበራትዖም።
ከም በዓል ሞያ ስነ ፍልጠት ሕግን ክኢላ ቋንቋታት ኤውሮጳን ሎረንሶ ብብቕዓት ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ጀነቫ ኣቕሪቡላን ክብርን ምድንጋጽን ከም ትረክብ ገይርዋን እዩ።
ትርጉም ብ ሰመረኣብ ገብረትንሳኤ
ካብ፡
Lorenzo Taezaz And The Italo-Ethiopian War (1935-1941)
EthiopianReview.com | December 19th, 2012 By Daniel Kindie

 

[Back to the Table of contents] [NEXT PAGE]

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com