መንግስቲ ሊብያ ዝገፈፎም 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ደሃይ ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኣቐድም ኣቢሎም፡ ንኤውሮጳ ኣብ ጉዕዞ እንከለለዉ ጃልብኦም ብምብልሻዋ ብምትሕግጋዝ መንግስቲ ጥልያንን ሊብያን ካብ መዓት ወጺኦም ናብ ሊብያ ዝተመልሱ ዝርከቡዎም 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሰበስልጣን ሊብያ ተገፊፎም ምስ ተወስዱ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቶም ኤርትራውያን ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ሊብያ ዲዮም ተዓቝቦም ዘለዉ ወይስ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ተጠሪዞም ክፍለጥ ኣይተኻእለን። ስለዚ ድማ፡ ብፍላይ እቶም ካብ ቲ ግፋ ዘምለጡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኮነ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ቤተሰብ ናይቶም ግዳያት ኣብ ክቱር ጭንቀት ይርከቡ ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ማእከል ማእከላይ ባሕሪ ሊብያን ማልታን ‘ኣብ ክሊ ባሕርና ኣይኮኑን ዘለዉ’ ብዝብል ምኽንያት ካብ ምጥሓሎም ኣብ ምድሓን ምውሳእ ድሕሪ ምእባየን፡ ሓንቲ ናይ ጥልያን መርከብ ነዳዲ፡ ጃልብኦም ተባላሽያ ኣብ ማእከል ባሕሪ ንዝቐነዩ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ብምድሓን ናብ ደቡባዊ ክፍሊ ዓዲ ጥልያን ማለት ሲሲልያ ከምዝበጽሓቶም AKI ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ካብ ሮማ ኣፍሊጡ።

እታ ኣብ ሓደጋ ዝነበረት ጃልባ፡ ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ጥልያን ንዝርከቡ ቤተሰቦም ድሕሪ ዝገበሩዎ ናይ ሳትላይት ቴለፎን ጻውዒት ረዲኤት ኩነታታ ክፍለጥ ከምዝኸኣለይ እቲ ዜና ብተወሳኺ የረድእ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ማእከላይ ባሕሪ ቆሪጾም ናብ ዓዲ ጥልያን ክኣትዉ ዝሃቀኑ 75 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሓደ እዋን ጥሒሎም ከምዝሃለቑ ይፍለጥ። ይኹን እምበር ‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ሎሚ ቕነ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፡ እቶም ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ‘ፒክኒክ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ፡ ክምለሱ እዮም’ ብምባል ብመቕዘፍቲ ናይቶም ብሰንኩ ካብ ሃገሮም ተደፊኦም ዝስደዱን ዝሃልቁን ዘለዉ ኤርትራውያን ክሕጭጭ ተሰሚዑ።

ቫቲካን፡ መንግስቲ ጥልያን ምስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘየኽብር መንግስቲ ሊብያ ተሻሪኹ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ናይ ምምላስ ውዕል ብምፍርራሙ ኣትሪራ ነቒፋቶ ከምዘላ ይፍለጥ።

ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ‘ውን፡  ናብታ ኣብ ኣህጉራዊ ውዕል ስደተኛታት ዘይፈረመት፡ ናይ ስደተኛታት ስርዓትን ቅጥዕን ዘይብላ፡ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንርእሳ እትኽሰስ ሊብያ ስደተኛታት ብሓይሊ ብምምላሱ ንመንግስቲ ጥልያን ተመሳሳሊ ነቐፌታ ኣቕሪቡ እዩ።   

source Asena