The Eritrean Revolution: Born of a Shifta father, produced a Shifta system

መግለጺማዕከላዊኮሚቴ: ዲሞክራሲያዊምንቅስቓስሓርነትኩናማኤርትራ (ዲምሓኩኤ)

source http://assenna.com/መግለጺማዕከላዊኮሚቴ-ዲሞክራሲያዊምንቅ/

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ዕለት 26-11-2012 ዓ.ፈ. ካልአይ ስሩዕ ኣኼብኡ ጀሚሩን ይቅጽልን ኣሎ፡፡  ንካልአይ ስሩዕ ኣኼባ ፍሉይ ዝገብሮ ካልኦትን ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግብኦም ሃገራዊ ዛዕባታት እንከሎዉ ኣብ ጉዳይ መግለጺ ዲምሓኩኤ ንኣርባዕተ መዓልቲታት (29/11/2012-03/12/2012) ክገላበጥ ድሕሪ ምጽናሕ ዘይዲምክራሲያዊ ውሳኔ ምውሳዱ እዩ፡፡ ኣብዚ ኣኼባ ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ ከም ብሄራዊ ኣርማ (national icon) ገርካ ምቅባል እንተዘይኮይኑ ክሳብ ዝመጽእ ቀዳማይ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣባልነት ዲምሓኩኤ ንክድስከል ወሲኑ፡፡ እዚ ካብ 127 ኣባላት ባይቶ 101 ዝተረከቡሉን ብ55 ድምጺ ወይ ከአ 43% ጥራይ ዝሓለፈ ውሳኔ ዲምሓኩኤ ብጀካ ሰለስተ ነጥቢታት ካልእ ዝብሎ የይብሉን፡፡

ቀዳማይ- እቲ ንዲምሓኩኤ ምድስካል ምኽንያት ገይሮም ዘቀረቡዎ  ነጥቢ ኣብ ጉዳይ እዋናዊን ሃገራዊ ዛዕባን ፖሊቲካዊ መስመር ዘይኮነስ ኣብ ዘለናሉ ክፍለ ዘመን ንሓደ ውልቀ ሰብ እሞ ከአ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩናማ በደል ኣብጺሑ ንዝበልናዮ ከም ሃገራዊ ኣርማ (national icon) እንተዘይተቀቢልካ ብዝብል ምዃኑ፤

ካልአይ-ሓደ ንዓና ንአባላት ዲምሓኩኤ ዘስደመመና ሓደ ምሁር እየ ዝብል ኣባል ባይቶ ኣብቲ ኣኼባ ተንሲኡ ማርቲንሉተርኪንግዝተዓወተንጻዕዱ’ዉንከእምንንክሓቁፍስለዝኸኣለ’ምበርንጸለምቲጥራይእንተዝእክብነይሩኣይምተዓወተን ክብል ዝገለጾ እዩ፡፡ ብወገን ዲምሓኩኤ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኩናማን እቲ ካልእ ኤርትራዊ ወገናን ዘሎ ፍልልይ ኣብ መንጎ ጻዕዱን ጸለምቲን ዘሎ ፍልልይ እዩ ኢልና ኣይንአምንን፡፡ እቲ ካልእ ኤርትራዊ ወገናውን ከምኡ እዩ፡፡

ሳልሳይ-ዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ ይኹን ውድብ ኣብ ልዕልኡ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ኮነ ውልቀሰብ ዝኣምኖ መርገጽ ምውሳድ ዘይየማትእ መትከል ዲሞክራሲ እዩ፡፡ ዲምሓኩኤ ድማ እምነቱ እዩ ዝገለጸ’ምበር ከምቶም ንዲምሓኩኤ ንምድስካል ዘድመጹ ናተይ እምነትን መርገጽን ውሰዱ ኣይበለን፡፡ እምነትካ ገዲፍካ ናትና እምነት ተቀበል ብዝብል ጽቅጢ እነሆ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣባልነት ዲምሓኩኤ ንሓደ ዓመት ኣደስኪሉ፡፡ ይኹን’ምበር ሕጂ’ውን እንተኮነ ኣብ ልዕለና ከምዚ ተፈጺሙ ኢልና:-

ሀ/ ከምቶም ኣፈሙዝ መርበብ ሓበሬታ ተጠቂሞም ናብ ህዝቢ ኤርትራ ስሚ ዝተኩሱ ህዝቢ ንህዝቢ ንምቅሕሓር  ስሚ ኣይንቶክስን፤ ናብ ዘይጠቅምን ኣጉል ክስን ፕሮፓጋንዳን ከም ዘይንአቱ፤

ለ/ ሕጂ’ውን እቲ ባይቶ ገለ ናይ ኤርትራ ክውንነት መሰረት ዝገበረ ናይ ዘይምምጥጣን ጸገም እኳ እንተሃለወ ኣብ ከይዲ እንዳተዓረየ ከም ዝኸይድ  ብምትስፋው ሕጂ’ውን ናይቲ   ባይቶ ዕብየትን ዓወትን’ምበር ንምድኻሙ ከም ዘይንመነን ነቶም ንዓና ንምድስካል ንዝተረባረቡ ይኹን በዚ ዘይዲሞክራሲያዊ ስጉምቲ’ዚ ከብዶም ዝሓረሩ ወገናትና ኹሎም ግልጽ ክንገብረሎም ንፈቱ፤

ሐ/ ኣባል ባይቶ ኣይኮናን ኢልና ቃልስና ካብ ምቅጻልን ዓቅሚታት ኤርትራ ኣብ ምእካብ ዝግበር መስርሕ እጃምና ካብ ምብርካት ድሕር ከም ዘይንብልን፤

መ/ ሃገርን ህዝቢን ካብ ብርሰት ንምድሓን ኣብ ዝግበር ቃልሲ እጃምና ከምነልዕልን፤

ረ/ ንጸገምን ወጽዓ ህዝቢ ኩናማ ሕጂ’ውን ምስ ኩሎም ኣብ ስቃይ ዘሎው ኤርትራውያን ኣሕዋት ኣሓትን ከም ዝፍታሕ ብምእማን ሰላም፤ ራህዋን ፍትሕን ዝዓሰላ ሃገር ኤርትራ ንምርኣይ ዝኸኣለና ኹሉ ከምነወፊ በዚ ኣጋጣሚ ክንገልጽ ንፈቱ፡፡

ዓወትንቃልሲውጽዓትኤርትራ!!!

መትከላትዲምሓኩኤንዘልዓለምክዕንበቡእዮም!!

ማእከላይ ኮሚቴ ዲምሓኩኤ

ታሕሳስ 04/2012