ደብዳቤ ኪዳነ ክፍሉ (ከበደ)

5ተ መጋቢት 1970- ምጭዋይን ምቅታልን ሓርበናታት ተጋደልቲ ኪዳነ ክፍሉ'ን ወልዳይ ግደን ኣብ ከሰላ።
እዙይ ዝስዕብ ካብ'ቲ ኪዳነ ክፍሉ ናብ ጃክ ክራመር ዝጸሓፎ ደብዳቤ፣ ናብ ጃክ ክራመር ፖስታ ሳጹን ቊጽሪ 9 ከሰላ ሕዳር 27 1968
ካብ ዉሽጣዊ ስምዒታተይን ልባዊ ደስታይን ዝፈልፈለ፣ ናይ ቃልሲ ህያብ ሰላምታይ ናተይን ኣብ ከሰላ ዘለዉ መቓልሥተይን የብጽሓልካ። ካብ ሲንጋፖር ዝሰደድካለይ ደብዳበ ተቐቢለዮ በጺሕኒ ኢዩ። ምስናይ ክብረቱ እቱይ ካልኣይ ዝሰደድካዮ መልእኽቲ ግና፣ ኣይበጻሓንን። ቦታ ከም ዝቐየርካ ካብቱ ናይ መወዳእታ ደብዳቤኻ ተረዲኤ። እዙይ ከኣ ንስኻ ናብ ኅቡራት መንግሥታት ኣሜርካ ብሰላም ከም ዘኣተኻ ምስ ፈለጥኩ ኢየ። ነዙይ መልእኽትን እዘን ዝስዕብ ሰነድ ንብረትን ዝሠደልካ ዘለኹ። ክሳብ'ታ ንሥኻ ን ከሰላ ገዲፍካ ዝወጻኻላ እዋንን፣ ናትካ ደብዳቤ ዝረኸብኩላ ፋልመይቲ መዓልትን፣ ኣነ ብጣዕሚ ኢየ፣ ተሻቒለ ነይረ። ብዝኾነ እንኳዕ ብደሓን ተመለስካ። ጃክ ናትካ ተመክሮ ኣገዳሲ ኢዩ፣ ነቲ ናይ ገድሊ ኤርትራ ዝተዓዘብካዮ ብጣዕሚ ጽቡቅ ብዝኾነ ገለጻን ትንታኔን ክትህበሉ፣ ከምኡ'ውን ሃናጺ ብዝኮነ መልክዑ ጽጹይ መጽናዕቲ ብምክያድ፣ ን ህዝቢ ዓለም ከተብርሃሉን ከተንቃሓሉን፣ ብ ከፊል ከኣ ነቲ ሽግር ሰዉራ ኤርትራ ኮይኑ ዘጋጥም ዘሎ ጉዳይን ንደሆታቱን ተረዲእካዮ ክትከውን ተስፋ ይገብር።

ከም ዉጽኢቱ ከኣ፣ ንጡፍ ኃገዝን ዓለማዊ ክፉት ኃሳባትን ሪኢቶን ክንረክብ፣ ከም ሓደ ግና ጉዳይ ኤርትራ ከም ምዉት ተራእዩ፣ ካብ ከዉሊ ዓይኒ ዓለም ዝወጻሉ መሥርሕ ከም ዘሎ ምግንዛብ እቱይ ፖሊሲ ናይቶም መራሕቲ ናይቲ ግንባር እቱይ ቀዳማት ፀገም ናይ መንነት ቅሉውላው ኢዩ። ምክንያቱ መንነቶም ሙስሊም ክኾኑ የቐድሙ ካብ ኤርትራውያን ክኾኑ። ስለ ዝኾነ ከኣ፣ የእዳዎም ናብ ሃገራት ሙስሊም ሊግ ምስ ዘርግሑ ኢዮም። ዝንባልኦምን ምሉእ ብምሉእ ናብ ዓፈብ ዝዘንበለ እዩ። ናብ ዓለማዊ ዓረብ ይቐርቡ። ተስፋ ይገብር ከኣ፣ ዓለማዊ ዓረብ እቲ ሕዝቢ ኤርትራ ዘድምጾ ድምጺ ከድምጽ፣ ግና እዚ ድኹም ጎንታት እዚ፣ ንሞራል ሕዝቢ ከይሰብርን፣ ሥርዓት ኃይለሥላሴ ከይምዝምዞን ከኣ ምግንቃቕ ከድሊ እዩ። ዝበዝኁ ካብቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ኣባላት መሪሕነት፣ ናይ ሠዉራዊ ኣተሓሳስባ የብሎምን ጥራይ ዘኢይኮነ፣ ዝኾነ ፖሎቲካዊ ንድፊ ሥነ-ሓሳብ'ውን የብሎምን። ዝኾነ ናይ ምምራሕን ምእላይን ተራ መሪሕነት ክጻወት ዝክእል ዓቅሚ፣ ነዚ ሰዉራና ክመርሕ ዝኽእል ብቕዓት ኣየጥረዩን። ዝኾነ ምስ ሕዝቢ ከተኣሳስሮም ዝኽእል ናይ ቃልሲ መንገድን ቀለቤትን ምስ ዓለም ከራኽቦም ዝኽእል መራኸቡ ድልድል መስመርን ዝኽተሉ ኣይኮኑን። ን ደብዳቤታትን ቴለግራም መልእኽትን'ውን፣ ክግቀምሉ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። እቲ ዝኸፈአ መልክዑ ከዓ፣ እቶም ነቲ ሰዉራ ዝመርሑ ዘለዉ ላዕለዎት መሪሕነት፣ ኩሎም ምቕማጦም ኣብ ወጻኢ ሃገራት እዩ። ንምሳሌ ላዕላዋይ ባይቶ (ካይሮ) ሠዉራዊ መሪሕነት (ከሰላ) ኣብ ከሰላ እየን ዝርከባ፣ ነቲ ኣብ ዉሽጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣገባብ ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ከም ናይ ኩባ ቃልሲ ኣመራርሓ ፊደል ካስትሮ ኣብ ዉሽጢ ሜዳን፣ ናይ ማኦ ፀግኑግ ኣብ ቻይናን ከማን ክመሃሩ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ'ዚ ናይ ለዉጢ መሥርሕ ጊዜ፣ ተስፋ ንገብር ነቲ ናይ ምምራሕ ብቅዓት ክንበጽሖን፣ ብእይ ክንቅየድን። እዚ ኸኣ ብኅብረትን ምዕባለን ኣሥተምህሮን ህዝብና፣ ዑጉባት ስለ ዝኾና እዩ። እቲ ሓቂ ነዚ ዘብለኒ ዘሎ፣ እቶም ኣብ ቅድመ ግምባር ዘለዉ ኣባላት መሪሕነት፣ ን መንነቶም ከም መስሊም "ንበር ከም ኤርትራውያን ዝገልጽዋ ብዘይምዃኖም እዩ።

ነቲ ቃልሲ 'ውን፣ ከም ናይ ዓረብ ምንቅስቓስ እዮም ዝምልከትዎ። ዋላ ኣብ'ቲ ናይ ወፃኢ ፖሊሲ ፀግዖም፣ ንኹልንትናዊ ምንቅስቓስ ናይ'ቲ ቃልሲ ንነጻነት፣ ምስ ሃይማኖት፣ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ እዮም ዘዛምድዎ። እቲ ዝገርም ፍርቂ ሕዝቢ ኤርትራ፣ ወረ ልዕሊኡ፣ ክርስትያን እዩ። ነቲ ብሓባር ተኸባቢርካ ምንባር፣ ሓድነት ኣብ ብዙኅነት ኣምር ዝቕበሉ ኣይኮኑን። ስለ ዝኾነ እዩ ኸኣ፣ እቲ ሕዝቢ ብስግኣት ዝጥምቶም። ከምቲ ዝድለ ሱታፌ ኸኣ፣ ዘይገብር ዘሎ፣ እቲ ምክንያት ከኣ፣ ጉዳይ ሃይማኖትን፣ ናይ'ቲ መሪሕነት ናይ ዓረባዊ ኣተሓሳስባን ዕብለላን ኣብቲ ግምባር ስለ ዘሎ እዩ። ኩሉ እቲ ገሥጋሲ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሰብ፣ ነዚ ፖሊሲ እዚ እዩ ዝቋወሞ ዘሎ። እቶም ናይ ለዉጢ መራሕትን፣ ካብ ናይ'ቲ ቀንዲ መሪሕነት ሠዉራዊ ትእዛዝ፣ ብ ሓደ ክሠምሩን ክሠርሑን እዩ ድሌቶም። ገለ ካብቶም ናይ ክፍልታት መራሕቲ፣ ካብ'ቲ ዝበሥል ዘሎ ኩነታት፣ ተስፋ እገብር፣ እቲ ኩነታት ክቅየርን ሓደ ናይ ለዉጢ ስጉምቲ፣ ኣብቲ ናይ ግምባር መሪሕነት ክመፅእ። ምክንያቱ ናይ ሕዝብና ሸቶ ክረጋገጽ እንተኮይኑ፣ ብናይ ኃባር ዕላማን ሸቶን ዝተሃንፀ ቃልሲ መስርሕ ምስ ዝዕምብብ እዩ። እቶም ኣብ ቅድመ ግምባር መራሕቲ፣ ነቲ ሕሉፍ ጌጋኦም ክመሃርሉ እዩ ዝግባእ ነቢሩ። ገለ ካብቶም መራሕቲ ግና፣ ምስቶም ቀንዲ ሃገራዊ ገስጋሲ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሓርበኛታት ብመትከል ደው ዝበሉ እዮም። ገለ ከኣ፣ ምዕራባዊ ክፋል ኤርትራ ምስ ዓራባዊ ግብጽን ሱዳንን፣ ዝተረፈ ከኣ ምስ ኢትዮጲያ ዝብሉ ኣለዉዎም። ካብ'ቲ ናይ ግዳም ዘንበብዎን ዝረኣይዎን እስላማዊ ሠዉራ ዝብገሱ እዮም። ገሊኦም ከኣ፣ ካብ ዉሽጦም ኣብ ኢትዮጵያ'ውን፣ ናይ ሙስሊም ምንቅስቓስ ከነካይድ ኢና ዝብሉ'ዮም። ምስ ካልኦት ተጸምቢሮም ከኣ፣ ናብ ኢትዮጵያውያን ኣስላም ክጽንበሩ ዝደልዩ'ዮም። ኮይኑ ግና፣ ኣብ ዓይኒ ሕዝቢ ኤርትራ ካብ ዝጥመቱ መራሕቲ ሓደ ኣይተ ወልደኣብ 'ዩ ዘሎ። ዝብዝኅ ሕዝቢ ኸኣ የኽብሮን፣ ከም ሓደ ብቑዕ ካርዝማቲክ መራሒ'ዩ ዝርእዩ ንወልደኣብ። ኣይተ ወልደኣብ ዉሽጣዊ ክብረታቱ፣ ንነብሱ ካብቶም ኣብ ቅድመ ግምባር ዘለዉ መራሕቲ ኣግሊልዋ'ዩ። ኣይተ ወልደኣብ ግና፣ ኣብ ጉዕዞ ፖሎቲካዊ ኩነታት ኤርትራ፣ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መምሃራን'ዩ። ቅኑዕ መሪሕ ናይ ሕዝቢ ኤርትራን'ዩ። ንዉሑዳት ካብቶም ኣብ ቅድመ ግምባር ዘለዉ ገሥጋሲ ኣተሓሳስባ ዘለዎም መሪሕነት ገዲፍካ፣ ኣይተ ወልደኣብ ኩሎም እቶም ናይ ቅድመ ግምባር መራሕቲ ብብልሽዉና ዝተቖማጥዑን ብናይ ዓሌትን ሃይማኖትን ዝተባላልዑን ምዃኖም ይፈልጥ እየ። ስለ ዝኾነ ከኣ፣ ንፖሎቲካዊ ኲነታት ሕዝቢ ኤርትራ ብዝግባእን ብዝደቐቐን'ዩ ዝፈልጦ። ምኽንያቱ ኣይተ ወልደኣብ ምስ'ቲ ኣተሓሳስባ ዓረባዊ ፖሊሲን እስለማዊ ፍልስፍናን ዝብል መርገጽ ፖለቲካ ብ መትከል ኣይሳማማዕን ኣይቅበሎን'ዩ። እዚ ኸኣ ማሕንቆ ከባብያዊ ምንቅስቓስ፣ ኣብ'ቲ ዉሽጣዊ ናይ ቅድመ ግምባር መሪሕነት ዘሎ፣ ከም መቓልሕ ነናሻዕ ዝደጋገም ዘሎ ጸገም እዩ።

ናይ ኣይተ ወልደኣብ ወልደማርያን ኣድራሻ እዙይ ዝስዕብ እዩ። Mr. Zaky fahmy mariette pahsa street No.11 cairo U.A.R መተሓሳሰቢ ብፍጹም ጸቅጢ ዘለዎ፣ ናብ ዉልቃዊ ርእይቶይ ዝዘንበለ ሓሳብ ኣይኮንኩን ዝህበካ ዘለኹ፣ ኣነ እቲ ክዉን ናይቲ ዘሎ ኩነታት ሥዕሊ ቃልሲ ኤርትራ ክትርከብ'የ ዝስዕር ዘለኹ። ብወገንካ ከዓ ናብ ዉሽጢ ብዕምቆት ኣቲኻ ባዕልኻ ነቲ ኩነታት መዚንካ ተንትኖ። ሓደራ ዝኾነ ካብ'ዚ ዝህበካ ዘለኹ ኣገዳሲ ኃበሬታታት፣ ኣብ ዝኾነ ናይ ጋዜጣ ኅትመት ከይተዉፅኦ። ምክንያቱ ጸላኢ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ክምዝምዞ እዩ። ዓብደላ፣ ኣበራ መኰነን፣ ወልዳይ ግደይ፣ ኣባላት ናይ'ቲ ሠዉራዊ ቃልሲ፣ ምሳይ ብሓባር ተሰሊፎም ዘለዉ ብጾት እዮም። ከምኡ'ውን ብሓፈሻ ኩሎም ብጾትና ሠላም ይብሉካ ኣለዉ። ጽቡቅ ምንዮቶም ከዓ ይገልጹልካ ኣለዉ። ጽቡቅ ናይ ትምህርቲ ዓመት ይኹነልና። ሓደራ ምናልባት፣ ምስ ኤርትራውታን ተማህሮ ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኤሜርካ፣ ንነብስኻ ከተላሊ እንኮለኻ፣ በጃኻ ከይትርስዕ ኣድራሻ ናተይ ሃቦም ኢኻ፣ ክረኽቡኒ ከም ዘለዎም ግበር፣ ተስፋ እገብር ከዓ፣ ናብ ከሰላ ተመሊስካ ክርኤካ ብፍላይ ከዓ፣ ኣብ ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ ብዝምልከት።
Hoping to hear from you soon your's (signature)
Kidane kiflu

ምንጪ ጽሑፍ ደቂ ንጉሠ ነገሥት ምራራ ተኽለሃይማኖት
ዶ.ፊደል ሞኰንን
Like
Comment
Share