ሕሩይ ክፍሎም ተስፋማርያም ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ብስርዓት ህግደፍ ብጥይት ተቐቲሉ።

September 2, 2012September 2, 2012 assenna

ሕሩይ ክፍሎም ተስፋማርያም ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኤትዮጵያ ክሰግር ኣብ ዝፈተነሉ ግዜ ብሓይልታት ኤርትራ ብጥይት ተሃሪሙ ሂወቱ ከምዝሰኣነ ካብ ኤርትራ ዝረኸብናዩ ሓበረታ የረደእ።
ሕሩይ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ክፍሎም ተስፋማርያምን ኣዲኡ ጽሃይነሽ ፍትውን ኣብ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ተወሊዱ ከምኡ እውን ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ዓዲ ቐይሕ ዛዚሙ። ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሳዋ ታዕሊሙ ወዲኡ ናይ ዩኒቨርሲቲ ነጥቢ ብምርካብ ኣብ ማይ ነፍሒ ክምሃር ድሕሪ ምጽናሕ ነቶም ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መነባብሮ ተስፋ ቆሪጹም ቅድሚ 4 ዓመት ናብ ስደት ዝተሰዳዱ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብሩ ዘለዎ ስድራበቱ ንክጽንበር እዩ ነዚ ሕጅ ጠንቂ ሞቱ ኮይኑ ዘሎ መንገዲ ናብ ኢትዮፕያ ዝጀመሮ።
በዚ ሞት እዚ ኣዝዩ ዝሰንበደን ዝተቖተጠዐን ህዝቢ ከተማ ዓዲ-ቐይሕ ከኣ ዘረቢኡ ብዛዕባ እዚ ፍጻሜ እዚ ኮይኑ ከምዘሎ ምንጭታትና ይገልጹ።

Source Assena.com