<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ስርዓት ህግደፍ፡ ቅነሓየላ ካብ ዝተባህለት ዓዲ 25 ሰላማውያን ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

Wednesday, 08 September 2010 23:40
Print PDF

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ካብ እትርከብ ቅነሓየላ ዝተባህለት ዓዲ፡ ኣንስቲ ዝርከባኦም 25 ሰላማውያን ሰባት ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ምምሕዳር ናይቲ ከባቢ፡ ንሓደ ኮለኔል፡ ካብ ቅነሓየላ መሬት ከውህቡዎ ናብታ ዓዲ ምስ መጽኡ፡ ናይ ቤተክርስትያን ደወል ተደዊሉ ህዝቢ ቅነሓየላ ቆልዓ ሰበይቲ ከይተረፈ ተኣኪቡ፡ “ ወዲ ዓድና ኣይኮነን፡ መሬት ዓድና ኣይምልከቶን እዩ” ኢሎም ብሓበራ ብምቅዋም ነቲ ናይ ምምሕዳር መደብ ደው ኣቢሎሞ። እቶም ኣመሓደርትን እቲ ኮለኔልን ከኣ ብቐትሪ ተልእኾኦም ከየስለጡ ከይዶም። ይኹን’ምበር፡ ብለይቲ ናብታ ዓዲ ብምምላስ ገዛ ገዛ እናኣተዉ፡ እምባጋሮ ኣልዒልኩም ኢሎም፡ ን25 ደቂ ‘ታ ዓዲ ለቒሞም ምስ ኣሰሩዎም ኣበይ ከምዘእተዉዎም ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ስርዓት ህግደፍ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቢሉ፡ ምስ ናይ’ዚ ኮለኔል ‘ዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ክሳብ 70 ዝዕድሚኦም ዝርከቡዎም 8 ሽማግለታት ዓዲ ከምዝኣሰሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ተገሊጹ እዩ። እቶም ሽማግለታት  ከምዘይተፈትሑን፡ ኣደዳ ሕማም ኮይኖም ከምዘለዉን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ይሕብሩ

source http://www.assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=2983:------25----&catid=1&Itemid=44