-->

ንስንኩል ተ/ይ መርሃዊ ንሞት ዝፈረዶስ መን ኢዩ??
ተጋዳላይ መርሃዊ :ሳጉኡ (ፕሮፈሰር)

ብኢዮብ (ጎጀላ)በይን ኣስፍሃ!!
05/08/2021
 
  1. ተጋዳላይ መርሃዊ ኣባል ብርጌድ 58 ዝነበረ ኣብ ኲናት 6ይ ወራር ኣብ ግንባር ናቅፋ ኣብ ሳልፈር ተወጊኡ ከምዝሰንከለ ኣብ ታሃድሶ ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ ኣብ ዓዶብሓ የዕሊሉኒ :

ኣብ ተሃድሶ ጽቡቅ ብጻያዊ ዕርክነት ጀሚርና ሳልሳይና ሓደ ተጋዳላይ ነይሩና:
እዚ ሳልሳይና ተጋዳላይ ኣብ 1995ኣብ ኣስመራ ብጠጠውና ንሓጺር ግዜ ተራኺብና ከምዚ ክኣ በለኒ ፣መርሃዊ እቲ መነጸር (ኡክያለ )ዝገብር ዓርክና ትዝክሮ ዶ ??
እወ ይዝክሮ ይብሎ:
እሞ ኣብ ክፍሊ ዜና ብትእዛዝ ሓላፋ ዜና ኣሕመድ ኣልቀይሲ ቀቲሎምዎ እዚ ዝነግረካ ዘለኹ ንዓኻ ሓዞ ቀተልቱ እገሌን እገሌን ኢዮም ኢሉና:
ብምቅታሉ ዝያዳ ኩሉ ዘልቀሰትን ዝሓዘነትን እዛ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዔሮ ተኣሲራ ትበሊ ዘላ ተ/ሊት ሚርያም ሓጎስ ኢያ:ኣረ ልጁ ገደሉት እንዳበለት ኣልቂሳትሉ:
ኣብዛ ጉዳይ እንታይ ትብል ኣሕመድ ቀይሲ።

2 ኣቦይ ጸጋይ ዝተባህሉ ተጋዳላይ ኣብ60 ታት ኣባል ሓረካ ዝነበሩ ብፖለቲካ ኣብ መጀመርያ 60 ታት ዝተኣስሩ ኣብ 1975 ጀብሃ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘውጽኣቶም ምስ ሻዕብያ ዝተጋደሉ ምስዞም ሰብኣይ ሌላና ኣብ እንዳ ክፍሊ ዜና ኢዩ:ኣብ መንጎ ዕላልና ዓርኰምን መታኣስርቶምን ኣባል ሓረካ ዝነበሩ መራሕ ጋንታይ ስውእ ኣቦይ ተስፋይ በየነ ከምዝዀኑ ሓቢሮምኒ ንሓጺር ግዜ ጽቡቅን ጥቡቅን ዕላላት ጀሚርና ኔርና :

ኣሕመድ ቀይሲ ንስኻን ግሩፖኻን ትገብርዎ ዝነበርኩም ብዕልግና ኣብ ኣፍካ ኣብ ቅድሚ እዚ ኩሉ ተጋዳላይ እዚ ገድሊ እንዳ ሸርሙጣኹም ቀይርክምዎ ሕሉፍ ሓሊፍኩም ነቶም ኣብ ቅድመ ግንባራት ዘለው ተጋደልቲ ኣንስቶም ተባዕልጉሎም ኣለኹም ኢሎም ተዛሪቦም ንስኻን ግሩፖኻን ኣብ ኣኼባ ድሂልኩምዎም ድሕሪ ኣኼባ ቡንብኦም ፈጂሮም ተሰዊኦም እዚኸ ትዝክሮዶ??
ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ትብል ኣሕመድ ቀይሲ?

3. ኢትዮጵያ ስማ ተጋዳሊት (ሓርነት ) እዛ ተጋዳሊት ካብ ዓራርብ ናብ ሃገር እንዳድምጺ ሓፋሽ ክትበጽሕ ደይባ ምስዛ ሕጂ ኤንባሲ ጅዳ ዘላ ወይኒ ገብረዝግኣብሄር ነብሰን ክሕጸባ ኣብ ቀላይ ምስ ከዳ ተሰዊኣ ትብሃል ኣሰዋውኣኣ ብቀረባ ከተብርሆ እታ ዝጠለቀትላ ማይ ዕቋር ኢያ :

ኣብዚ ጉዳይ እንታይ ትብል ኣሕመድ ቀይሲ??
ኣነ ምስ ኢትዮጵያ(ሓርነት) ሌላና ኣብ እንዳክፍሊ ዜና ኢዩ።
ኣባላት ክፍሊ ዜና ዳርጋ ብጃምላ ናብ ሓለዋ ሰውራ ካብ ዝልኣኽካዮም ተጋደልቲ ስንኩላት ሓደ ስኣላይ ናይ ቅብኣ ተ/ይ ስንኩል ረመጭ :ረመጭ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኢና ተኣሲርና እቲ ኣብ እንዳዜና ኰይኑ ዝሰርሖ ስእልታት ብሙሉኡ ተዋሂብዎ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ይሰርሖ ነይሩ::
እቲ ኣብ ውግእ ባጽዕ 1977 ኣብ ሰሊና ዝሰንከለ ተጋዳላይ ፍስሃየ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ተደጊፉ ኣትዩ :ኣብ ሓጺር ግዜ ብስትረቼር ተጸይሩ ወጺኡ:
ስንኩል መርሃዊ (ፕሮፈሰር)ድሓር ዝረሸንክምዎ ::
ኣውቲስታኻ ፍስሃየ:ምስዚኦም ኣብ ትሃድሶ ብሓደ ኔርና :እንታይ ስለዝበደሉ ኢኻ ሓፍስካ ብጃምላ ንማእሰርቲ ዝላኣኽካዮም??
ንስኻን ብዓል ሻፍትን ካልኦትን ንዓኹም ዝመስሉ እቲ ቦታ ገድሊ ክለብ መካንቦ ቀይርክምዎ ዘድልያኹም ደቂ ኣንስትዮ ተእትውን ተባዕልጉን ኔርኩም ንዓና ብማሕዮታትኩም ካብቲ ከባባ ትሰጉና ኔርኩም ተጋደልቲ ነዚ ጽያፍኩም ክጸርዎ ኣይክኣሉን ፍኑው ተቃውሞ ይገብሩ ነይሮም።
እቲ ኣብ ሩስያ ዝተመረቀ ሙሁር ወዲ ካርነሽም ባዕልኻ ንሓለዋ ሰውራ ሰዲድካዮ ኣብኡ ሓቂቁ ዝጠፍኤ ስሙ ረሲዕካዮ ሙኻን ክንደይ ዝቀተልክምዎምን ዘቅተልክምዎምን ክትዝክር እንበር ተጋዳላይ ማሓሪ ግርማጽየን ናይ ፖለቲካ ኰምሽነር ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ኢዩ ነይሩ።
እቲ ኩሉ ሓጥያት ንትግርኛ ከተሰክም ምፍታንካ ከየግረመለይ ኣይተረፈን ባዕልኹም ከሰስትን ኣጻረይትን ፈረድትን ኰሚተ ኬንኩም ብዙሕ ሰብ ዘጥፋእኩም ሕጂ ሓጥያትኩም ክትጉሕፉልና ዓገብ።
እዚ ዲክታቶራዊ ስርዓት ኣብታ ሕብእቲ ሰልፍኹም ኰስኪስኩም ተኻናኺንኩም ንኹሉ ናይ ምእራም ተቃውሞታት እንዳጨፍለቅኩም ፈጢርኩምዎ ፍረ ጻዕርኹም ኢዩ እዚ ሕጂ ዘሎ ምብትታን።
ከዘክረካ ኣነ ንሓጺር ግዜ ኣብ እንዳ ክፍሊ ዜና ተመዲበ ነይረ ንዓይ ብዘይካ ጽቡቅ ምኽሪ ሕማቅ ኣይገበርካንን ኣነ ግን ሕልናይ ክዓርፈለይ እቲ ጉዳይ ናባኻን ናብ ህዝብን የብሎ ኣለኹ ።
ኢዮብ (ጎጀላ)በይን ኣስፍሃ!!
ዘልኣለማዊ ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

 

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com