<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ ( መበል 13 ክፋል) ብ ኣለና

 

ገዲም ተጋዳላይን ኣዛዚ ክፍለ-ሰራዊት ዝነበረን ኮሎኔል ጸጋዘኣብ ዑቕባማርያም ዝግታ /ስርናይ/ ኢዩ። ኮሎኔል ስርናይ ኣብ ስርሒት ዞባ ሓደ ኣብ ትሕቲ እዚ ብ/ር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ዝነበረ ሰብ ኢዩ። ኣብቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “ኣይትሓዙኒ! ኲናት ክጅምር እየ። ደም-ደም ይጨንወኒ ኣሎ!!! ወይልኡ ኣብ ቅድመይ ዝጸንሓኒ…” እናበለ ዝፍክረሉ ዝነበረ ግዜ፤ ናብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ወሪዱ ምስ ኮ/ል ስርናይ ኣብ ኣዳርሰር ተራኸበ።

ኣብቲ ‘ኲናት ንጀምር’ እናበለ ዝግዕረሉ ዝነበረ ግዜ፣ ካብ ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት “ወተሃደር ስለዘይብልና፣ ንውግእ ዝኸውን ኣጽዋርን ሎጂስቲክስን’ውን ስለዘየለ  ውግእ ሰዓቱ ኣይኮነን” ብምባል ዕጭ ዝበሉሉ ዓመተ-2005፣ ኩነታት ሰራዊትን ዕጥቅን ንምግምጋም ኢዩ ናብ ኣዳርሰር ዝወረደ። በሎ ድማ ንኮሎኔል ስርናይ “ክልተ ብርጌዳት ሰሪዕካ ቀርበለይ። ሓንቲ እታ ካብ ክፍለ ሰራዊትካ ዝሓየለት፤ ካልኣይቲ ድማ እታ ብዓቕሚ ሓይሊ ሰብን ዕጥቅን ዝደኸመት ብርጌድ” ስርናይ ከም ዝተኣዘዞ ቀረበ። ንክልቲአን እተን ብርጌዳት እናዞረ ዝተዓዘበ ስሱዕ ኢሳይያስ፣ ንብዙሓት ሓለፍቲን ተራ ኣባላት እታ ክፍለ-ሰራዊትን ኣዘራረበ። ናይ ኩላቶም ድምጺ ከኣ “እምቢ ንኲናት”  ኮነ።

ብድሕሪ ምሳሕ፣ ኮሎኔል ስርናይ ሓንቲ ዘረባ ናብ ኢሳይያስ ደርበየ። “ክቡር ፕረዚደንት! ነዚ መሳርዕና እንቋዕ ብዓይንኻ ርኣኻዮ። ሓንቲ ቅር እትብለኒ ጉዳይ ግን ኣላ። ንሕና ኣብ ሳሕል ዝተመሃርናዮ ንሰባት ከነምልኽ ከም ዘይብልና ኢዩ፣ እንተኾነ ኣብ መደባት ኤሪ-ቲቪ ደድሕሪ ዜና ‘ቃላት ብወርቂ ቀለም’  እናበለት ንስምካ ዝግበር ዘሎ ውዳሴ ብከመይ ትርእዮ” በሎ። ኢሳይያስ ፈራሕ ኢዩ፣ ካብ 1973 ዝነበረ ተመኩሮታት ኣብ እንዕዘአሉ ግዜ ከኣ፤ ኣብ ጸቢብ ኣከባቢ ናይ ልቡ ገሊጹ ኣይፈልጥን ኢዩ። ሽዑ ንስርናይ ኣብ ክንዲ ቃሕ ከም ዝበለኒ እየ ዝገብር ዝብሎ፣ “ኣንታ ስርናይ እቲ ዓሊ ዓብዱ ዝበሃል ሰብዩ ዘይስርሑ ዝገብር ዘሎ። ደሓን ጽቡቕ ርእይቶ ኢዩ፣ ደው ከም ዝብል ክገብሮ እየ” ኢሉ ተፈላለዮ። ኮሎኔል ስርናይ ከይተረድኦ ንነብሱ ፈንጂ ኣጻወደላ።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ከኣ ኣዛዚኡ ብ/ር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ ጸዊዑ፣ ካብ ስራሕ ደው ከም ዝበለን ጸብጻብን ንብረትን እቲ ክፍለ ሰራዊት ድማ ንኮሎኔል ወዲ ዕንቋይ (ኣብ ወርሒ ግንቦት 2000 ኣብ ውግእ ማዕሎባ ከባቢ ኦምሓጀር ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተማሪኹ ዝነበረን ጸኒሑ ዝተለቀን) ከረክብ ከም ዘለዎን ሓበሮ። ስርናይ ዝተባህሎ ምስ ገበረ ናብ ኣስመራ ደይቡ ደስከለ። መውዓሊኡ ባር ትረ-ስተለ ነበረ፣ ምስ ኢሳይያስ ኣብ ሓዘን ወዲ ውጩ ኣብ ዝተራኸቡሉ ግዜ ናይ ሓሶትን ሽሕጣንን ተስፋ ሰምዐ። “…ደሓን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ስራሕካ ክትጅምር ኢኻ። ኩሉ ዘጓነፈካ ጸገማት ከኣ ሰሚዐዮ ኣለኹ። ነዛ ሃገር መላገጺ ዝገበሩዋ ሰባት ከም ዘለዉ እፈልጥ እየ” በሎ።

እቲ ንኮሎኔል ስርናይ፣ ክርዳድ ንምዝራእ ዘይደቀሰ ዕሉል ተንኮለኛ ኢሳይያስ ግብራዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣይደንጎየን። ንኮሎኔል ስርናይ፣ ቀንዩ ሓዳ ምሸት ሰዓት ሸውዓተ ናብ ገዝኡ ተለፎን ተደወለት። ባዕሉ ተቐቢሉ ምስ ኮሎኔል ወዲ ዕንቋይ ኣብ ዚዛራረበሉ ዝነበረ ግዜ ድማ እቲ ኢሳይያስ ዝጠጅኦ ቃጻ ካብ ጉድጓዱ ወጸ። “ሎሚ ናይ ምንቅስቓስ ቢጃ ናይ መፋነዊ ግብጃ ጌርናሎም ስለዘለናስ ብዝቐልጠፈ ምጻእ ንጽበየካ ኣለና። ይቕሬታ ኣቐዲምና ኣይነገርናካን። ማንጁስ’ውን መጺኡ ስለዘሎ ቀልጥፍ ይብለካ ኣሎ” በሎ። ኮ/ል ስርናይ መኪንኡ ኣልዒሉ ከደ። ቀዳም ምሸት ኢዩ፣ ንጽባሒቱ ጥምቀት ጓሉ ሄርሜላ ኢዩ ነይሩ።

ግን መሳርሕቱን ሓላፊኡን ብዛዕባ ናይ ምፍናው ግብጃ ናይቲ ከም ሓላፊ ኮይኑ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ምንቅስቓስ ቢጃ /ተቓወምቲ ምብራቓዊ ሱዳን/ ስለዘዛረቦስ፣ ኣሚኑ ንጽባሒቱ ዝግበር ጥምቀት ጓሉ ግምት ከይገበረ ናብ ‘ዳስ-ሓውያ’  ኣተወ። ‘ወዲ ሃራም ኮቦሮ ከም ድላዩ ይስዕስዕ’  ከም ዝበሃል ድማ፤ እዞም ናይ ሎሚ ደቂ ኢሳይያስ እሙናት ፈጸምቲ ትእዛዛቱ ጽባሕ ንግሆ እዚ ናይ ጥፍኣት ሃራም ኮቦሮ ምስ ተገለፈ ምስ ህዝቢ ፊት-ንፊት ክራኸቡ ኢዮም።

ንጽባሒቱ ኣብቲ ጥምቀት ዝተዓደሙ ኣጋይሽ “ናበይ ከይዱ ስርናይ” ክብሉ ንሰበይቱን ኣዝማዱን ከጨንቕሎም ወዓሉ። ነቲ ኢሳይያስ ዘጻወዶ እከይ ተግባር ናብ ከብዲ ውሒጦም ግን “ህጹጽ ስራሕ ስለዝረኸበስ ትማሊ ምሸት ንኣዳርሰር ተበጊሱ። ናይ ሻዕብያ ነገር ከምኡ’ዩ፣ ሎሚ ሰላም ኣሎ ጽባሕ ዕግርግር! ደሓን ብልዑ ስተዩ ደኣ! ዝጎደለ ክንምልእ!” ክብሉን ክሸፋፍኑን ወዓሉ።

ኮሎኔል ስርናይ ኣብ ከባቢ ቤት ገርግሽ ኣብ ዘሎ ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ንገለ መዓልታት ተዳጒኑ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብፍልይቲ ቨትሮታታ ብጸሊም ዝተጋረደ ቶዮታ ብለይቲ ናብ ኣዳርሰር ተወስደ። ኣብኡ ድማ ተረሸነ።

ታሪኽ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርሻንን ምእሳርን ዝተተኽተኸ ኢዩ። ነዚ ጉዳመኛ ሰብ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ኢዩ ክፈርዶ? እቶም ደም ዝነብዑ ህዝቢ፣ እተን ኣራእሰን ንመዋእል ዝተደርመማ ኣዴታት፣ እታ ወድናስ ይመጸና ዶኾን እናበለት ክሳብ ሎሚ ገዝኣ ከፊታ ትጽበ ዘላ ዘይቀበጸት ስድራ ዝተረሸነ ጅግና፤ እቶም ንሞት ወለዶም ክንዲ ቅንጣብ እምነት ዘየሕደሩ ደቂ እሱራትን ዝተረሸኑን ሰማእቲ… እንታይ ኢዮም ክፈርዱ? ኣብ ዓለም እቲ ዝለዓለ ንገበነኛ ዝወሃብ ፍርዲ ኣበየናይ መጽሓፍ’ኮን ይህሉ ይኸውን? ህዝቢ ኤርትራ ነቲ መጽሓፍ እቲ ንከንብብ ኣዒንቱ ከፊቱ ይጽበ ኣሎ’ሞ፤ ጆባእ በልዎ ነቲ መቕጽዒ ገበነኛ መጽሓፍ።

ኣብ ዝቕጽል ጽሑፍ ብተመሳሳሊ ትሕዝቶ ክሳብ እንራኸብ ሰላም! ናባይ እትሰድዎ መልእኽቲ ድማ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ኢዩ፦

http://assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3311:-----13----&catid=46:discussion&Itemid=100584