<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document

ኣመሳርታ ሓርካ!

ንኹሉ እቲ ብባዕዳውያን ገዛእቲ ዝተኣታተወ ሕማማት ዝተዘርወ መርዝታት ናይ ሃገርን መንነትና ጥፍኢት ከም ዝኾነ ኣረዲእካ፡ እምነት ናይ ግሉ፡ ሃገር ግን ናይ ኩሉ ኣብ ዝዓለመ ቃልሲ ስድራቤታት ኤርትራ (ብሄራት) በብሕገ እንዳባኤን በብኣከባብረኤን ሓበራዊ ረብሓኤን ዘረጋግጻሉ ሓድነት ሃገር እትጠልቦ መኽፈልቲ ክኸፍላ ንኹሉ እቲ ብሰንኪ ባዕዳውያን ዝተኣታተወ መርዝታት መላስ ኣውያት ዘየብሉ ክንጽላ እዩ ነይሩ፡፡

ቅኑዕ መሰረቱ

ኣብ ምልእቲ ሃገር ድምጹ ምስ ኣስመዔ ንኹሉ ሃገራዊ ምስ ጸወዔን ተሰምዔን ግን ከምታ ኣብ ውሻጠ ጸኒሓ ኤርትራውያን ኣፈሓፈሐ ንተገባትነት ዘረከበትና ጉጅለ ስሱዓት ኣብ ውሽጢ ገድሊ እውን ተምሳለ ስለ ዝተኣታተው ንሕልመ ራእስነቶም ውልቀ ረብሓኦም ጥቕሚ ኣቐዲሞም፡፡ ኣብቲ ጥርኑፍን ብጽፉፉን ዝተበገሰ ቃልሲ ናጽነት መርዝታቶም ብምዝራው፡ ንእቲ ማዕበል ሓድነት ህዝቢ (ብሄራት) ዘሄንደደ ጽኑዕ ሓይሊ ኣብ ምስኽኻፍን ምትንኻፍን ነቲ ቃልሲ ምዕንቃፍን ኣተኣታትዮም ንተሰናቢዱ ኢዱ ክህብ ተቐሪቡ ዝነበረ ባዕዳዊ ገዛኢን ዓንገልቱን ትንፋስ ኮይኖሙዎ ዳግማይ ስርርዕ ገይሩ ጠላማት ከም በዓል ኢሳያስ ከም ዝኸትብ ገይሮም፡፡

ምኽንያቱ?

ኢልካ ምስ ዝሕተት ከኣ፡ ብድላዮም ዓይነት ትርጉም ድኣ ይተርጉሙዎ እምበር እቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ሓራካ ብተረከብቲ ሕድሪ ደቂ ከበሳ ኣሕዋት መማስሕቲ መሬት ኣስላማይ- ክስታናይ ምእመና ናይ ግሉ ሃገር ግን ናይ ኩሉ ዝዓለመ ተበግሶ ስለዝኾነ እዞም ኣሕዋት እዚኦም እንተድኣ ተሰማሚዖም ከመይ ጌርና ከነንበርክኾም ከመይ ጌርና ከነሕምቖም ዝዓይነቱ ቶንኮል ዘቐደመ እዩ፡፡

ዕውር እንታይ ትደሊ? ክርኢ!

ስሱዕ መን ትበሃል? ዝብኢ!

ኮይኑ ኸኣ ተረካብ ሕድሪ ህይወቱ ንሃገሩን ንመንነቱ እናተቓለሰ እናወፈየ፡ ኣዛብእ ስሱዓት ራእስነት ከኣ ኣብ ውሻጠኡ መርዚ ምዝራው ወፊሮም ኣውፊሮም ነቲ ቅኑዕ ቃልሲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ሓራካ ኣምኪኖሞ!!

እዚ ቶንኮል እዚ!

ከይለዓል ከይፍለጥ ከኣ እዩ ገድሊ ኤርትራ ኣፈጣጥራኡ ኣመጻጽኣ ጉዕዞኡ ኣርበዓታት ሓምሳታት ዘሊሉ ኣብ ስሳታት ከም እተጀመረ ጌርካ ክንገር ክዝንቶ ዝድለ፡፡

ሰብ ድኣ ይመውት እምበር

ሓቅን ታሪኽን ኣይከኣልን እዩ ክቕበር

ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ሸፊቱ ዘሎ ጥልመት ከኣ በቲ ኣብ ዘመነ ብረታዊ ቃልሲ ዝተወልደ ጥልመት ተዘሪኡ ዝፈረየ ሕጂ ኸኣ ፈርዚኑ ዘሎ እምበር፡ ሃገርና ናጻ ወጺኣ ዱብ ኢሉ ዝወረደ መርገም ኣይኮነን፡፡ ኣብ ኣተዓባብያኡ ዝፍጽሞ ዝነበረ ምጥልቓያት ኣወሃሃዱ ስለ ዘማሕበሮም (ጉጅለ ዝገበሮም) ወላ እኳ እንተተረሓሓቑ ብዝተፈጸመ ገበናት ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ኣይካሰሱን ኽካሰሱ ኸኣ ኣይክእሉን፡፡

ንአብነት!

ንስኻ ከምዚ ጌርካ እንተተባህለ፡ ናተይስ ተዛሪብካ እዚኣኸ ድኣ እሞ መንገይሩዋ ሰብዶኾ ፈሊጡዋ? ዝበሃሃል መልሲ ስለ ዝወሃሃቡ ኣብ ሕብኣኒ ክሓብኣካ እንተዘይኮይኖም ተሓላሊፎም ክወሃሃቡ ኢልካ ምጽባይ ለይትን ቀትርን ተቐያይረን ወያ ቀትሪ ለይቲ ወያ ለይቲ ኸኣ ቐትሪ ኾይነን ክትርእይ ምጽባይ እዩ፡፡

ኣብ ዝኾነ ስርርዕ!

ህዝቢ መሰል ህዝቢ ታቱላታት ይንፋሕ እዩ፡ መሰል፣ ደሞክራሲ ወዘተ… ኸኣ ይበሃል እዩ፡፡ ኣብ ዝበልኦ ኸኣ ብብሄር፣ ብስድራቤት ኣይትሰርዑ ይብላ እሞ እዚ ንባዕሉ መሰል ምግሃስዶ ኣይኮነን?

ሕሙም ዘይኣእወየ፡ ሓኪም እየ ብሃላይ ተቐንዘወ

ዝበሃል፡ እቲ ተወጺዔ፣ ጎዲሉኒ፣ መሰለይ ይከበር ኮታ ኩሉ እቲ ዊንታኡ ውጽዕኡ ባህጉ ዝፈልጦ ዝምልከቶ እንከሎ፡ ብወጽዓኻ ብዝምልከተካ ምልዓል የብልካን ንሕና ኣሎናልካ ማለት እንታይ ንምባልን ምግባርን እዩ፡፡

ልዕሊ ብሄራት ህዝቢ ዝበሃል ኣሎ ድዩ? ልዕሊ ሕሙም ቃንዛ ሕሙም ዘሕምሞ ኣሎ ድዩ?

ቋንቋ ለዊጦም ዝነፍሕዎ መናፍሓት ኣብዚ እዋን እዚ ኣዳዕዲዕናን ኣጸቢቕናን ብተግባር እክብካብ ሸፋቱ ህግደፍ ተማሂርና ሊቅነት እውን ለቢስናሉ ኢና፡፡ ልዕሊ ኹሉ ኸኣ ፖለቲካ መሳርሒ ህዝቢ ድኣ እምበር ኣስራሓይ ሰራሕ ወሃባይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡፡ ይኽእል እዩ ዝበሃል እንተኾይኑ ኸኣ ዕላማኡን ዝዓሞን ሰብ ኣዔስኪርካ ኣብ  ክንዲ ምስ ዝምዕብላ ሃገራት ምውድዳር ምስ ሸፋቱ ከም በዓል ህግደፍ ምውድዳር እዩ እሞ እዚ ረብሓ ህዝቢ ክበሃል ይከኣል?

ጸገምና!

እቲ ሕድሪ ኣቦታትን ለበዋዋ መደረ ክቡር ዶክቶር ሳልሕ ዓብዱልቓድር ከቢረ፡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓላፍነት ወሲዱ ሰላማዊ ዓላማዊ ፍታሕ ድሕሪ ምስኣንና፡ ንእታ ኤርትራ ወይ ሞት፡ እምቢ ንባርነት! እወ ንናጽነት ከነኽብር ብረት ክንሕንገጥ ዘገደደና ገድሊ ዝመሰረተ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ዘሕቀቑን ዘተሓቐቑን ውልዲታቶምን ንእቲ ምሉእ ስድራቤታት ኤርትራ ዝኣምኖ ካብ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዕላማ ብኣፎም ይብሉ፡ ብውሻጠኦም ዝሓልምዎ ኸኣ ካባና ብኣና ንዓና ስልጣን ወይ ከኣ ኩሉ ይትከኽ ከም ዕጣን ኣካቢቦሙና ስለ ዘለው፡ ነቲ ተረዲእና ክንነጽጎምን ማዕረ ሸፋቱ ህግደፍ ክንሰርዖም ዘይምሕሳብና ዘይምኽኣልና እዩ፡፡ እዚ ኸኣ ወይ ከምኦም ኢና ወይ ከኣ ተደፊንና ኣሎና ታሪኽና ዘይንፈልጥ ኢና ማለት እዩ፡፡

ወዲ ስራሕ ማዕጾ

ለይቲ ክንዲ ገዝኡ ዝዕጾ

ዝብኢ ንክወስዶ መጾ

ከም ዝበሃል፡ ካብ ዘመነ ግበታ ጣልያን፣ እንግሊዝ፣ ኢትዮጵያ ሕጂ እውን ብእክብካብ ሸፋቱ ህግደፍ ኣብ ምልእቲ ሃገር ዝዘንብ ዘሎ ኣደራዓት ብማዕጾና ብስምና ስም ትግርና፣ ጀበርቲ ከም ዝኾነ ስለምንታይ እዩ ክርድኣና ዘይድለ ሃገርናን ህዝብናን ዘይንፈትው ኬንና ከይንብል ልዕሊ ኣኻእሎ እህህታ ተዋሒጥና ኣሎና፡፡ እታ ምኽሪ ኣቦታት፡ ኣሕዋት ምስ ዝፋቐሩ ዝከባበሩ፡ ጸላእቲ የባሪሩ እትብል ምህሮ ኾይና ነቲ ብባዕዳውያን ዝተኣታተወ መርዛም ሕማም ምፍሕፋሕና ሓማሴን፣ ኣከላጉዛይ፣ ሰራየ፣ ኣስላማይ፣ ክስታናይ መእተዊት ጸላእቲ ኾይና ንኣቦታትና ድሓር ንዓና ሕጂ ንደቅና ግዳይ እህህታ ትገብር ዘላ ክንፍውሳ ዘይንኽእል እንታይ እዩ ኢልና ባዕልና ንባዕልና ብባዕልና ንፈውሳ ኣብ ንቡር ኣፈጣጥራኣ ንምለሳ ኣብ ክንዲ ዘዝመጸ ዝኹልሳ፡፡

ብዝሔ ውድባት ካበይ?

ከምኡ እውን ስለምንታይ ምስ እንብል፡ ንሕና እቶም ንዝመጸ ማዕጾና ከፊትና ኣእቲና ንቕበል እሞ ክንዲ ዘኸለስኩ ኢደይ ተነኸስኩ ከም ዝበሃል ጮማ ድራር ንተበለጽቲ ዓመጽቲ ኬንና ዘሎና ንሕድሪ ኣቦታት ከይነኽብር ሸሸፈጠን ዝኸትራና ዘኽትራና ስለ ንሰምዔን ነሳዕስዔን እዩ፡፡

“ብሄራዊ ውደባ ሓቅነቱ ጠፊኡወን ኣይኮነን፡፡ ኣሚነን ክሰርሓሉ እንተኾይነን ንበለጻዊ ሕልምታተን ስለ ዝዕንቅፈን ከምታ ባዕዳውያን ጸዓዱ ገዛእቲ ድሕሪ ምህራም ንብሄር ኩናማ ኣብ ፋሕፋሕነትና ዝተሃንደዱ፡ ተበለጽቲ ጉጅለታት ከኣ ንጥቅሞም ከማልኡ ክብሉ፡ ንሕና ንኸይንሰምር ንቅሳነትና ሓቢርና ኸይንመክር ፍቕሪ ስድራቤታት ጽንዓት መንነት ክቡርን ልዑልን ከም ዝኾነ ንኸይንምህር እዩ፡፡

ርሑቕ ኸይከድና፡

ኣብ ጎረቤት ሃገርና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምሕደራ ብብሄራዊ መሰላት ዘንቀለ ቅዋሙ ከመይ ኣሎ? ክንደይከ እዮም ብሄራቱ? እዚ ኣዕጋቢ ህዝቢ ኾይኑ ዘሎ ብሰማይ ዱብ ኢሉ ዝወረዶም ምርቓ ድዩ ኾይኑ? ወይስ ጸረ ገበትቲ ዝነበሩ ስርዓታት እናመከቱ እንከለው፡ እንኮ ቅሳነትን ውህደትን ብሄራዊ መሰላት ኣሚኖም ስዘጽንዑ?

ከሕፍረና ሰኽፍክፍ

ኣቢሉ ከዘኻኽረናን ከመራምረናን ዘለዎ ኢትዮጵያ ሃገር ብሃጸያት ነገስታት ዝተመስረተት ኮይና ናይ ህዝቢ ምዕስካር ንዑኡ ኣውፊርካ ምንቅብራር ዝነበሩ እዮም፡፡

ኤርትራውያን ከኣ!

ብውህደትን ስምምዕን ብሄራት ዝተፈጠርና፡ ብሄርነት ላዕለዋይ ምስክር መንነት ተማሂርና ሊቅነት ዝለበስና ክነስና እሞ ብፍቕርን ምትሕልላይናን ጻዕዳ ኣብነት ንዓለም ዘመስከርና፡ ሎሚ ንብሄራዊ ውደባ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከነእትዎስ ንድሕሪት ከም ሽንቲ ገመል ኣየጸውዓናንዶ?

ኣብ ደምበ ተቓውሞ!

ብሄራዊ ውደባ እትህምሞም ጸገም ዘለዎም ጥራሕ እዮም፡፡

ንሶም ከኣ!

  1. ኣብ ኤርትራ ጸገም እንዳነት (መንነት) ዘለዎም፡
  2. ብብሄሮም ዝተነጽጉ ዝተነፍጉ፣
  3. መነወር ጠባያት ረሳሕ ታሪኽ ዝነገዱ፣
  4. ኣብ ሽፍትነት ተዓጢቖም ንሓቂ ዘንደዱ፣
  5. ወዲ መን ወይ ጓል መን ተባሂሎም ከይሕተቱ፣
  6. ተጸናቲዎም ንጥፍኣት ህዝቢ ዝስንክቱ፣
  7. ስድራቤታት ከይማኸሩ ዝህውትቱ
  8. ብመኣዲ ብኡሳት ክዝፍጥጡ ዝኸተቱ፡፡

እዚኦም ድዮም- ሃገር ከቕስኑ- ፍቕሪ ክስርቱ?

ንመዓስ ኢና ክንመሃር፡

ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለው ናይ ታሪኽ ክሱሳት ኣብ ኣነ እባ ንሕና እባ ክዋጠጡ ዝውዕሉ ዝሓድሩ ዕደመ ህግደፍ ዘናውሑ ኣብ ክንዲ ዘሕጽሩ ኣየብለናንዶ ኣየጸውዓናንዶ ህሙላት በዚኦም ትምከሩ በዚኦም ትዝወሩ?

ክቡራት ክቡራን፡

ቅድሚ ኣብታ ደምዳሚት ጽሕፍተይ ምብጻሕ ኣተሓሳሳቢት መሃሪት ኮይና ክትጠቕመና እትክእል እያ ኢለ ካብ ኤርትራ ዝድረስን ዝድረፍን ዝነበረ ቁውም ነገር ሓዘል ድርሰት ናይ ተጋዳላይ ንጉሰ ሃይለ (መንሳዓይ) ተደሪሳ፡፡

ብኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ ዝተደርፈት፡

ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ቆላ ደጋ

ንምኽሪ ጸላእቲ፡ ኣይትሃቦ ዋጋ

ኣይትሃቦ ዋጋ፡ ከይትኾን ዕዳጋ

ሓሰውትን ሰረቕትን በዚሖም ስሱዓት

ቆሉዕና ጠምዮም፡ ተመጊቦም ንብዓት

እዝግዮ እስኪ ንበል፡ ከይወርደና መዓት

ኣብታ መዓልቲ ሞት፡ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ

ዳሕራይ ከይተንቀጥቅጥ፡ ከይሕዘካ ራዕዲ

ንሓውኻ ሓግዝ ብቅኑዕ መንገዲ

እዛ መሃሪት ድርሰት

ብ1970 ኣብ ኣዳራሽ ሲነማ ኦደዮን እያ ተደሪፋ እሞ፡ ታሪኽ ቃልስና ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ጉዕዞ ኣወንታን ኣሉታን ክትዝክር እንከሎኻ ኣብታ እዋን እቲኣ ብካብ ድሕሪ ምህዳንን ምጽናትን ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ዘምጽኦ ቅልውላዋት ገድሊ ኤርትራ ትንፋስ ዝርኸበ ስርዓት ሃይለስላሴ፡ ንገድልና ከም ገድሊ ሃይማኖት ገይሩ ኣብ ዝሰብከሉ ዝዘርወሉ ዝነበረ ጸለመ እዋን ምንባ ዘኪረ በዛ ኣጋጣሚ ኣገናዕ ደራሲኣ ህልው ተጋዳላይ ንጉሰ ሃይለ መንሳዓይ ከምኡ ኸኣ ንደረፊኣ ነፍስሄር ኣቶ ኣተወብርሃን ሰጊድ እብሎም፡፡

ክቡራት ክቡራን!

ብሰንኪ ባዕዳውያን ገዛእትን ዕሱባቶም ሸፋቱ ሃገራውያን ኢና በሃልቲ ማሕበር ኣንድነትን ብውሻጠ ቶንኮል ዝተኣታተወ መርዚ ተረዲኦም ኣቦታት ዕቱብ ሃገራውነት ጸዋዒት ዋዕላ ቤት ጊዮርጊስ ምጽወዖም ይዝከር፡፡

እቲ ዋዕላ ግን፡

ከም ድልየት ኣቦታት ዘይኮነ፡ ብዝነበራ ፖለቲካዊ ማሕበራት ኣብ ነንሕድሕደን ዘይምቅድዳው እቲ ዋዕላ ኣብ ኢድ ሸፋቱ ማሕበር ኣንድነት ስለ ዝተጨውየ፡ ብዕበጦ ዕበጦ ሰብ ኣይፍለጦ ንብሸሉኽታ ፌደረሽን ምእታው ባይታ ኣጣጢሑ ኣኽቲሩና እዩ፡፡

እቲ ዋዕላ

ብእቶም ካብ ምሉእ ኤርትራ ዝተኣኻኸቡ ሽማግለ ብሄራት ተዋዒሉ ንኸይትግበር ከኣ ኣብቲ የለና ኣብቲ ዝብሉ ሾሎኽታ ቶንኮል ምስ ማሕበር ኣንድነት ተሓሻሺኾም ተመሻጢሮም ስለ ዝነበሩ እቲ ጉዳይ ብሃታሃታ ብፈደረሽን ምሕደራ ምስ ኢትዮጵያ ክንጸንሕ ኢሎም ደምዲሞም ለኪቶም ሸይጦሙና፡፡

ካብቲ ግዜ እቲ ኸኣ እዩ፡

ለባማት ኣቦታት ዝተገብረ ከትሪ ሃገር ናይ ሕከት መንነትና ዘድሃበ ምዃኑ ተረዲኦም ንእቲ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ሓራካ ክምስርቱ ዘገደዶም ዘብቅዖምን፡፡ እቲ ምስረታ እቲ ቅጥዑ ዘነጸረ መሰረት ሃገርነት ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተሰረተ ብሄራዊ ውህደት ሓቒፉ ኣተሓቛቒፉ ተበጊሱን ኣበጊሱን፡ ተበግሶኡ እናኣድመዔ እናኣድመቐ ክኸይድን ንባዕዳውቲ ገዛእቲ ከርዕድን ምስ ተራእየ፡ እቲ ማዕረ ማዕረ ብረታዊ ቃልሲ ዝኸይድ ዝነበረ ውህደታት ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዘብጽሕ መጀመርያ ሰረት ባይታኡ፡ መሰል ስድራቤታት (ብሄራት) ውሑሱን ርጡብን ክኸውን ከም ዘለዎ ምህርቶኡ ንቕሓቱ ከዋፍር ምስ ጀመረ፡ ብሄራት ከይተጣነፉ እንተዘይከቲርና ወልቀ ረብሓና ከነማልእ ኣይንኽእልን ኢና ዝብል ናይ በለጽ መርዚ ብምንዛሕ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ትግርናን ኣሕዋቱ መማስሕቲ መሬቱን ምእመና ምስልምና ዘለዎም ትግርኛ ግን ብጀበርቲ ዝፍለጡ ሓድነት ንኸይህልው ቅልውላዋት ብምፍጣር እቲ ንሓደ ስድራቤት መማስሕቲ መሬት ዝዛረውዎ ኣጽናቲ መርዚ ኸኣ ጽልዋኡ ተሰፊሑ ንብረታዊ ቃልስና ጎዲኡ፡ ኣብ ቲኽ! ቲኽ! እናበለ ትንፋሱ ዝሓጽሮ ዝነበረ ባዕዳዊ መግዛእቲ መስሎኺን ትንፋስ መርከብን ኮይኑዎ ኣብ ኣፍደገ ናጽነት በጺሑ መጺኤ እናበለ ዝኹሕኩሕ ዝነበረ ሓይልና ኣልሚሱ ንድሕሪት መሊሱዎ፡፡

“ እቲ ሽዑኡ ዝተፈጸመ ገበን ከኣ፡ ንፈጸምቱን ኣፈጸምቱን ኣብ ተሓታትነት ንኸይበጽሕ ሸፍነኒ ክሽፍነካ ውሒጡና ክሳዕ ሕጂ ኣብቲ ዕንክሊል እቲ ንነብር ኣሎና”

ደምበ ተቓውሞ!

ቀሊዕ ዕድመ ኣይኮነን ዘለዎ፡፡ ከምኡ እውን ሙሽሙሽ ጉጅለ ሸፋቱ ህግደፍ ኣይኮነን ሓይልዎ፡ እንታይ ድኣ? ከምታ ንእታ ምሕቃቕ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ከይትእረም እንተድኣ ተኣሪማ ሕልሚ ራእስነቶም ከይህመም ከምታ ኣድጊ በሊዓ በሊዓ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆል ኢላ ንግራት ሓምቲላቶ ዝበሃል፡ እታ መሰል እትበሃል እንተድኣ ብደላይኣ ሓታቲኣ ተረጋጊጻ፡ ገዚኦም ክነብሩ ከም ቃሕታኦም ክሕምትሉ ዝደልዩ ሕልሞም ስለ ዝመክን ኣነ ዘይመርሖ ይኹን ድራር ፍልሖ፡ ዕላማ ዘለዎም ስለ ዝመርሕዎ ዘለው፡ ናይ ግድን እዩ ብግብሪ ንህግደፍ ክሕግሓግ ግዜ ክመጡ ኣብ ኣነ እባ እነ እባ ውድድሮም ከዕለብጡ፡፡

ብሄረ ትግርኛ፡

ዝሰፈሔ መሬትን ዝብዝሔ ሓይሊ ህዝብን ዘለዎ እዩ፡፡ እዚ ህዝቢ እዚ ከይሰምር ተረዳዲኡ ሕድሪ ኣቦታቱ ከየመስክር ዝምክተኦ እተን ከም ኣብ ሃዋህው ገዛ ክስራሕ ይከኣል እዩ ዘስምዕ ፍልስፍና ዝጥቀማ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን ኣይኮንናን ዝብላ ግን ብርኡይ ኣብ ማእከል ፖለቲካ ተኸሲተን ዘለዋ ማሕበራትን መሰል መሰል፡ መጽረይ ኣፈን ይገብርኦ እሞ፡ እቲ ሓተታ መሰል ከይጠራነፉ ዝክላኸለኦ ዘለዋ ብሄር ትግርኛ፡ እንተድኣ ተወሃሂዱ ተገሃሂዱ፡ ምስ እተን መዛንኡ ዓንድታት ሃገር ብሄራት ሰሚሩ፡ ንእታ ህዝቢ ህዝቢ እናበሉ ዝሽቅጡላ እቲ ህዝቢ ንዊንታኡ ንመሰል ባዕሉ እንተዓጢቑ፡ መለፍለፊ መፈላስፊ ቋንቋ ክቕይሩ እንተዘይኮይኖም ህዝቢ ህዝቢ ትብሉ ንመን ንኣበይ ዘሎ ህዝቢ ትውክሉ ንኸይበሃሉ እዩ፡፡

ክኒኡ ኸኣ!

ኣቦይ፣ ኣደይ፣ ሓወይ፣ ሓብተይ ኣይትበል፡ ኩሉ ኣቦኻ፣ ኩሉ ኣዴኻ፣ ኩሉ ሓውካ ኩለን ኣሓትካ፡ ንዓይ! ንዓይ! እመን ብዝትምነልካ ተተመን በሃልቲ ኾይነን ንእታ ኩልና እንምነያ መሰል ባይታ ቅሳነት፡ ወሃብትን ከላእትን ክኾኑ ምድላዮም፡ ካብ  እቶም ኣብ ኣስመራ እናተጋየጹ ስድራቤታትና ዝረግጹ እንታይ ይፈልዮም?

ኣዕራብ ክምስሉ!

ማ-ተሰኣል ኣል ጠቢብ- ኣስኣል ኣልሙጀርብ (ንፈዋሳይ ኣይትሕተት ንዝፈተነ ሕተት) ይብሉ፡ እዚ ብኩነታትና ክትርጎም እንተኾይኑ፡ ኣብ ክንዲ ንኣንቢብና ጽሒፍና ዝብሉ ኣብ ሃዋህው ንውልቀ ራእስነቶም ዝድብሉ፡ እቲ ብብሄር ምትሕቑቛፍ ኣብ ብሄራትና ዘሎ ተኸባቢሮም ተመኻኺሮም ተፋቒሮም ዝነብሩ ዘለው ፖለቲካ ድ ከምኡ ክገብሩ ፈጢሩዎም ወይስ ዝፈጠሮም ወለዶኦም እዩ ኣውሪሱዎም?

ኣበየነይቲ ብሄር ኤርትራ እዩ፡ ብሃይማኖት ብምዝምማት ዝተፋነንን ዝዋጠጥን ዘሎ? ኣበየናይ ብሄር ኤርትራ እዩ፡ ንሕና ምስ እቲ ብሄር ኣይንነብር ሃገር ኣይንተክል ዝብል?

እቲ ትግርኛ!

ብብሄረይ ተጠርኒፈ፡ ምስ ብሄራት ሃገረይ ተሓቛቒፈ ክነብር ሃገረይን ዓቅሚ ሃገረይን ከደልድል ክብል ዝኽልክሎ እንታይ ስለ ዝኾነ? ኣብ ኣንነት ስለ ዝኣመነ ወይስ ዓስካሪን ተዓስካሪን ክኸውን ስለ ዝምነ?

ንእቶም፡

ብስም ተቛውሞ ዝነብሩ፡ ዝኹልሱ ዘለው መሳርሒ ንእቶም ኣብ ኤርትራ ተኸሲቶም ዘለው ሸፋቱ ዕድሜኦም መናውሒ ኮይኑ ዘሎ፡ እቲ ውጹዕ ምስ ውጹዓት ተላዚቡ በብስድራኡ ተኣኻኺቡ ንኸይመሓሓል፡ ወግሔ ጸብሔ ተወዲብና ተፈንጢሕና ዘብሎም ደው ክብል ተዓዊትና ኢልና ዕልል ክንብል፡ ክሳዕ ሕጂ መሳርሒ መቐለቢ  መዕለብ በለጽ ኬንና መምስ ጓይላ (ውድብ) ዝገበረ ምስዕሳዕ ገዲፍና፡ ንእቲ ካብ ዘመነ ባዕዳውያን ጸዓዱ ዝተኣታተወ መፋሕፍሒና መርዚ ባዕልና ንባዕልና ፈዊስና ከምቶም ዕውት ታሪኽ ሓዲጎም ዝሞቱ ኣቦታትን ንልዑላዊት ኤርትራ ዝተወፈዩ ስውኣትን ሕድሮም ከማልእ ናይ ተበለጽቲ ከብድታት ኣይነኽስዕ ኢለ ብርዔይ ኤልዕል፡፡

ሰናይ ቅነ

ግርማይ ኪዳነ (ወዲ ፊሊፖ)

ሚላኖ-ኢጣልያ

Source

እቲ ሕማም ተቓሊዑ ንብሄራዊ ውደባ መጽልኢኡ እቲ ሕማም ተቓሊዑ ንብሄራዊ ውደባ መጽልኢኡ እቲ ሕማም ተቓሊዑ ንብሄራዊ ውደባ መጽልኢኡ