ግዳያት 9/18…
ሻድሻይ ክፋል
ኩነታት ህልዋት እሱራት ዒራዒሮ፡
ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ናይቶም ሂወቶም ዝሰኣኑ 20 እሱራት ኩነታት ምግላጸይ ይዝከር፡፡ ቀጺለ ከኣ ኣብ 2007 ናብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ዝተጸንበረ ጋዜጠኛ ዳዋት ኢሳቕ ሓዊሱ ኩነታት ብሂወት ናይ ዝጸንሑ15 እሱራት የቕርብ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን በደገን ብውሽጥን ሓያሎ ጸቕጥታት እንበርተዐ ምስ ከደ፡ ብትእዛዝ ፕረዚዳንት ኢሳይያስ ከምቲ ልሙድ ኣሰራርሕኦም ብጸላም ዛጊት ናብ ዘይተረጋገጸ ቦታ ወሲዶምዎም ኣለው፡፡
ኩቡራት ነበብቲ ሃለዋትጀጋኑና ኣብቲ ዝተቐየርሉ ቦታ ዝምልከት መሊአ ምስ ኣረጋግጽኩ ከቕርበልኩም’የ፡፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ግን ካብ ዒራዒሮ ቅድሚ ምውጽኦም ዝነበሮም ኩነታት ዝምልከት ሓበሬታ ብሓጺሩ ከምዝስዕብ ይገልጽ፡፡
1. ጴጥሮስ ሰሎሙን (መለለዬ ቁጽሩ 02)፡ ኣካላዊ ኩነታቱን ጥዕንኡን ብምንጽጻር ዝሓሸ ነይሩ፡ ካብ ዕለት ማእስርቱ ጀሚሩ ክሳብ ካብ ዒራዒሮ ናብዘይተፈልጠ ቦታ ዝተወሰደሉ ግዜ ካብ ኢዱ ካቴና ኣይተፈትሓሉን፡፡
2. ሃይለ ወልደትንሳኤ -ድሩዕ (መለለዬ ቁጽሪ 04)፡ ብናይ ዓንዲ ሑቐ ጸገም፡ ብሕማም ሽኮር ክልቲኡ ዓይኑ ዓዊሩ ደው ክብል ስለዘይክእል ናብታ ኣብ ውሽጢ ሼላ ትርከብ ሽቓቕከይተረፈ እንዳተንፋሓኸ ይኸይድ ነይሩ፡፡ ምግቢ ከቐርበሉ ከሎ ክርኦ ስለዘይክእል “እንታይ ዓይነት ምግቢ’ዩ?” ኢሉ ይሓትት፡፡
3. ባራኺ ገብረስላሴ (መለለዬ ቁጽሪ 34): ኪሎማዊ ጸቕጥን ተነጽሎን ዘበገሶም ብዝተፈላለዩ ውሽጣዊን ስነ-ኣእመራዊን ሕማማት ይሳቐ፡፡ ዋላ ከም ድሩዕ እንተዘይኮነ ንሱ’ውን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ነይሩ፡፡
4. ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገብረዝጊሄር (መለለዬ ቁጽሪ 07)፡ ብስነኪ ዝተፈላለዩ ሕማማት ከም ካልኦት ብጾቱ ነብሱ ዓቢሩ፡፡ ካብ ዕለት ምእሳሩ ጀሚሩ ንኣስታት 14 ዓመታት ካብ ኢዱ መቖሕ (ፌሮ) ኣይወጸሉን፡፡ ኣብ ቀረባ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ከምዘይብሉ ምስፈለጡ ነቲ ፌሮ ኣልጊሶምሉ ነይሮም፡፡
5. ብርጋዴር ጀነራል ስቲፋኖስ ስዩም (መለለዬ ቁጽሩ 23)፡ ከቢድ ስነ-ኣምራዊ ጸቕጢ ዋላ እንተሃለዎ ብተነጻጻሪ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ይርከብ፡፡ ካብ ዝእሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ካብ ዒራዒሮ ዝተወሰደላ ዕለት ካብ ኢዱ መቑሕ ኣይተፈልዮን፡፡
6. ሚርያም ሓጎስ (መለለዬ ቁጻራ 28)፡ ካብ ዝታእሰረተሉ ዕለት ጀሚራብዕድመ ደንጉያ ኣብ ዓራርብ ካብ ዘርኣይ ዝበሃል ተጋዳላይ ከም ዝወለደታ ትዛረበላውላዳ እንዳዘከረት መዋእል ኣብ ብጭንቀት ኣብ ብኽያትን ኣውያትን ዘሕለፈት፡ እናሻዕ ቀልባ ተጥፍእ ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ትርከብ፡፡ ብዛዕባ ውላዳ ገለ ካብ ቃላታ “ኣነ ንጓለይ ኣብ ዓራርብ ክወልዳ ከለኹ፡ ኣብ ዝነበረኒ ዕደመምውላድ ኣጸጋሚ ብምንባሩ ወይ ንሀወትኪ ወይ ነዚ ዕሸልኪ ሓደጋ ኣለዎ ኢላ ሓንቲ ኣብርሀት ትበሃል ብጺት ሓቢራትኒ ነይራ፡፡ ኣነ ግን ደሓን እንተኾነ ንክልቴና ተድሑኑና፡ ኣይኮነን ከኣ ንዕሸለይ ኣድሕኑለይ ኢለ ዝወለድኩዋ እንኮ ጓለይ እያ” እንዳበለት ትበኪ! ጸጉራ ትነጺ!ምስክነይቲ እስርቲ’ያ፡፡
7. እድሪስ ኣባዓረ (መለለዬ ቁጽሪ 29)፡ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሐ ስንክልንኡ ብሰንኪ ቀዝሒን ዋዒንዒራዒሮተወሳኺ ተፈላለዩ ውሽጣዊ ሕማማት ተጠቒዑ ነይሩ፡፡
8. ኢሳያስ (መለለዬ ቁጽሪ 33)፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ጥዕና ይርከብ፡፡
9. ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ (መለለዬ ቁጽሩ 10)፡ ኣብ ከቢድ ኣካላዊን ስነ-ኣእምራዊን ጸቕጥታትን ሕማማትን ይርከብ፡፡ 2007 ካብ ሸልኡ ሃዲሙ ወጺኡ ቦታ ጠፊኡዎ ኮለል ምስተተሓዘ ከቢድ ማህረምትን መግረፍትን ወሪድዎ እዩ፡፡ ካብቲ እዋን’ቲ ጀሚሩ ኣብ ከቢድ ስነ-ኣአምራዊ ጸቕጥን ኣካላዊ ማህሰይትን ይርከብ፡፡
10. ጋዜጠኛ ተመስገን ገረየሱስ (መለለዬ ቁጽሪ 22)፡ ብተነጻጻሪ ኣብ ደሓን ኩነታት ጥዕናስለዝርከብ ካብ ዕለት ማእሰርቱ ጀሚሩ ካብ ኢዱ መቑሕ ዘይተፈተፈልዮ እሱር እዩ፡፡
11. ጋዜጠኛ ኣማኒኤል ኣስራት (መለለዬ ቁጽሪ 25) ኣብ ደሓን ኩነታት ነይሩ ከም ተመስገን ኣብ ኢዱ ፌሮ ኣለዎ፡፡
12. ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ (መለለዬ ቁጽሪ 36)፡ ዜግነቱ ሽወደናዊ ዝኾነ ጋዜጠኛ ዳዊት ኣብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ 2007 እዩ ናብ ዒራዒሮ ዝኣተወ፡፡ ብሰንኪ ሕማቕ ኪሎማን ኣተሓሕዛ ብዝተፈላሉ ውሽጣዊ ሕማማት ተጠቕዐ እሱር እዩ፡፡ ኩሉ ግዜ ነታ ዝርካባ ጸብሒ ዓደስ “ጨው ኣይትግበሩለይ” ይብል፡፡ ካብዝኣተወሉ ጀሚሩ ክልተ ኣእዳዉ ምስተሞቆሐ’ዩ፡፡
13. ዓሊ ኣልኣሚን ዓሊ (መለለዬ ቁጽሪ 03): ሰራሕተኛ ኣመሪካ ኢንባሲ ኣስመራ ዝነበረ ዓሊ ብፌሮ ተመቆሐን ብዝተፈላዩ ስነ-ኣእመራዊ ሕማማት ዝሳቐ’ዩ፡፡
14. ክፍሎም ገብረሚካኤል (መለለዬ ቁጽሪ 35): ሰራሕተኛ ኢንባሲ ኣመሪካ ነበር ክፍሎም ሓያል ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ዘለዎ ኮይኑ: ካብ ዕለት ማእሰርቱ ጀሚሩ ብፌሮ ቅዩድ እዩ፡፡ እዞም 2 እሱራት (ዓሊን ክፍሎምን) ኣብ 2008 ሃንደበት ኣብ ሓደ ለይቲ ብክልተ ተፈላለያ መካይን ኣስመራ ተወሲዶም ዝተመለሱ እዮም፡፡ ዕላማ መውሰዲኦም ንገለ ወኪላት መንግስቲ ኣመረካ ንምርኣይ ምንባሩ፡ ጥዑይ ልብሲ ኣልቢሶም፡ ጨሕሞም ለጻጺዮም፡ ዘይከውን ተስፋ ኣስኒቖም ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ ምስተጠቐምሎም ብቅጽበት ብታ ዕለት ናብ ዒራዒሮ መሊሶምዎም፡፡
15. ፎርኦን ወልዱ (መለለዬ ቁጽሪ 13) (ሰባኣይ ኣቐንቃኒት ጓል ኣንከረ) ጸጋማይ ኢዱ ብኩናት ዝሰንከለ ኮይኑ ድሕሪ ምእሳሩ ቀዝሕን ዋዒን ዒራዒሮ ኣብ ልዕሊ ስንክልንኡ ተወሳኺ ጸቕጢ ስለዝፈጠረሉ ምጽዋር ኣብዘይክእለሉ ኣዚዩ ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና ይርከብ፡፡
ቀንዲ ሓላፍቲ ቤት ማእሰርቲ “ግዳያት 9/18” ዒራዒሮ
ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ቀንዲ ተሓተቲ“ግዳያት 9/18”ዝኾኑ ላዕለዎት ኣባላት ጉጅለ ኢሳያስ ገሊጸ ኣለኹ፡፡ኣስዒበ ዝጠቕሶም ከኣ በቶም ቀንዲ ተሓተቲ ሰበ-ስልጣናት ተመዚዞምን ተኣዚዞምን ኣብ ቀጽሪ ዒራዒሮ ዝርከቡ ገበርትን ሓደግትን ዝኾኑ ኣባላት እዮም፡፡
1. ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም)፡ መበቆል ዓዱ ዱባሩባ መንበሪኡ ኣስመራ፡ ዕድመ 62 ይገብር፡ ቴሌፎን ኣድራሽኡ፡ 07110908 ዝነበረ ኮይኑ እዛ ቴሌፎን ሕጂ ካብ ስራሕ ወጻእ ገይርዋ ኣሎ፡፡
ሓላፊ ቤ/ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኮይኑ ካብ ተመዘዘሉ ግዜ ጀሚሩ ብጉዳይ እሱራት ዝምልከት ዕለታዊ ምስ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ብኣካልን ብጸብጻብን ይራኸብ፡፡ ንጉዳይ ሓለዋ፡ ጸጥታን ኩነታትኣባላት ሓለዋን ዝምልከት ድማ ቀጥታ ርክቡ ምስ ጀነራል ፍሊጶስ እዩ፡፡

ወዲ ሓኪም ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ስነ-ኣእመራዊ ጸቕጥታት ከቢድ ጭንቀት ጌሩ፡ ካብ ሰብ ተነጺሉ፡ ኣብ ገለገለ ባራትን ከባቢታትን በይኑ ክዛረብ ይረአ ኣሎ፡፡ ኣብ ዕልሊ ኣእመራዊ ጭንቀቱ ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ስለዘምጸአ፡ ንምሕካም ሰብ ክኣምን ስለዘይከኣለ ብርሃነ ዝበሃል ኣብ ወጻኢ ዝነብር ናይ ቀረባ ቤተሰቡ ጸዊዑ “በጀኻ እለየኒ ካልእ ሰብ ክኣምን ኣክእልን፡ ከጥፍኡኒ እዮም” ኢሉ ጸዊዑ ክኣልዮ ገይሩ እዩ፡፡

ቁጠባዊ ትሕዝቶ ወዲ ሓኪም ካብ መሻርፍ እሱራትን ኣባላት ሓለዋን እንዳሰረቐ፡ ናጻ ጉልበቶምን ተጠቂሙ እንዳስርሐ፡ ካብ መሸጣ ዕንጨይትን ፈሓምን፡ ካብ መፍረ ጤለበጊዕን…ዝረኸቦ ኣኻኺቡ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ኣጥሪዩ፡ ኣብ ዱባሩባ ገዛውቲ ሃኒጹ፡ ኣብ ኣስመራ ብትእዛዝ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት ገዛ ተወጊንሉ ዝነብር ሰብ እዩ፡፡

ወዲሓኪም ሓላፊ ቤ/ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኮይኑ ክሳብ ዝሰርሓሉ ግዜን ነዚ ሓበሬታ ክሳብ ዘዳለኹሉ እዋንን ካብታ ዝበረኸት ቤ/ጽሕፈቱ ኮይኑ ነተን ሸላታት ብርሑቕ ካብ ምቁማትን ካብ ኣባላት ሓለዋ ሓበሬታ ካብ ምእካብን ሓሊፉ ነቶም ግዳያት ዋላ ሓንቲ መዓልቲ እውን ቀሪቡ ሪእይዎም ኮነ ጸገማቶም ክፍትሕ ዝኾነ ዓይነት ፈተነ ገይሩ ኣይፈልጥን፡፡ ሕሉፍ ሓሊፉ መግለጺ ጭካንኡ ዝኾነ ተግባር ካብታ ንመሻርፍ ዝተመደበትሎም 25,ሺሕ ናቕፋ ወርሓዊ ባጀቶም እቲ 20, ሺሕ ናቕፋ ንውልቁ እናደውዓለ ጸኒሑ እዩ፡፡

ካብ መጀመሪያ ክሳብ መወዳእታ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ዝሰርሓላን ዘተግብራን መምርሒ ፕረዚዳንት ኢሳያስ ዝኾነት ትእዛዝ ነፍሰወከፍ እሱር ኣብ ክንዲ ስሙ ብመለለዬ ቁጽሩ ኣባላት ክጽውዕዎ ከምዘለዎም ክትትል ይገብር፡፡ ኣባላት ቁጽሪ ክንዲዚ ገለ ሓቲቱ፡ ሞይቱ፡ ሓሚሙ፡ ሃተፍትፍ ኢሉ፡ ድምጺ ኣጥፍኡ፡ ምግቢ ተሓሲሙ…ዝኣመሰሉ ጸብጻባት ዕለታዊ የቕርብሉ፡፡ እዚ ንዘይገብሩ ኣባላት ሓለዋ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ መቕጻዕቲ ይቐጽዕ፡፡

ፕረዚዳንት ኢሳይያስ ኣስማት፡ ምስልን ታሪኽን ጀጋኑና ካብ ምድዋን ሓሊፉ ኣብ መዓኽን ሚዲያታት ውሽጢ ሃገር ካብ ህዝቦም ምስዋር ጥራይ ዘይኮነ ኣብታ ዝተኣሰሩላ ሼላ እውን ወለዶም ብዘውጽእሎም ኣስማት ወይ ብናይ ሜዳ ሳጓታቶም ከይጽውዑ ብወዲ ሓኪም ኣቢሉ ጥቡቕ ክትትል ይገብር፡፡

2. ተለንተ ተስፋኣለም ሃብተ (ወዲ ሃብተ) ትውልዲ ዓዲ ሊባን ሓላፍነት ኣዛዚ 1ይ ሓይሊን ምክትል ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርኣያ (ወዲ ሓኪም) ነይሩ፡፡ እዚ ሰብ እዚ ሓዋ ንሰይቲ ኮ/ል ጋይም ተስፋንኪኤል ሓለፊ ወጻእ ስለያ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት እዩ፡፡ ህልቂት እዞም “ግዳየጥ 9/18” ቀጻሊ እናኾነ ብዝኸደ ቁጽሪ “ኣብ መወዳእታ ነቲ ሚስጢር እንፈልጥ ሰባት ከሕቑቑና እዮም” ካብ ዝብል ሕዱር ስክፍታ ተበጊሱ ብተደጋጋሚ ካብ ዒራዒሮ ከውጽኦን ንገደ ክሰዶን ብሓፍቱ ኣቢሉ ቀጻሊ ንኮሎኔል ጋይም ይሓቶ ስለዝነበረ ኣብ መወዳእታ ኮ/ል ጋይምኣሳሊጡ ካብ ዒራዒሮ ኣውጺኡ ናብ ወኪል ሃ/ድሕነት ጨንፈር ወጻኢ ስለያ ክምደብ ብምግባር ካብ ሃገር ክወጽእ ገይርዎ ኣሎ፡፡
3. ም/ኮፕራል ሚኪኤለ ወረደ ትውልዲ ዓዲ ደቂምሓረ ሓላፍነት ኣዛዚ 2ይ ሓይሊ እዩ፡፡ ድሕሪ ምውጻእ ወዲሃብተ ከም ምክትል ወዲ ሓኪም ኮይኑ ይነጥፍ ኣሎ፡፡ እዚ ሰብ’ዚ ከምሰብ በቲ ኩነታት ኣዚዩ ዝጭነቕን ዝሓዝንን እዩ፡፡
ብሓፈሻ ካብ ወርሒ 9/2001 ጀሚሩ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ስለያ ዝተዋጽኡ 120 ዝኾኑ ኣባላት ሓለዋ ተመዲቦም፡፡ ካብዚኣቶም 29 ናብ ቤ/ጽ ስርሒት ዞባ 05 ቃሓውታ (ናይ ውጩ ቤ/ጽ ዝነበረ) ዝተምለሱ ኮይኖም ኣስታት 13 ኣባላት ድማ ኣብ ዝተፈለለዩ እዋናት ጠፊኦም፡፡ እዞም ቀጺሎም ዝግለጹ ከኣ ብስግረ ዶብ ካብ ሃገር ዝወጹ እዮም፡፡
1. እዮብ ባህታ፡
2. ሓጎስ ሓድሽ ገረዝጊሄር፡
3. ነጋሲ በርሀ ሓጎስ፡
4. ሙሉብርሃን ገብረሂወት ተስፋስላሰ፡
5. ገብረመድህን ተስፋይ ገብረስላሰ፡
6. በኽሪ መሓመድ (ናራ)፡
7. ዓሊ ጋንባ፡
8. ሙሳ መሓመድ ዓፋር…ዝበሃሉ፡
ካብዚኦም ኣብ ተራ ቁጽሪ 2 ዝተገልጸ ሓጎስ ሓድሽ ገረዝጊሄር መበቆል ዓዱ ን/ዞባ ሰንዓፈ ምምሕዳር ዓዱ ምሳርሓ ኣብ ምስሪ ተታሒዙ ኣብ 2007 ምስካልኦት ኤርትራውያን ብምንግስቲ ምስሪናብ ሃገሩ ምስተጠረዘ፡ ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ካብ ዊዓ ተዓፊኑ ተወሲዱ ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ኣይፍለጥን፡፡ ኣብቲ ቅንያት እቲ ንኣባላት እቲ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኣኼባ ብምግባር “ኢድና ነዊሕ’ዩ፡ ሓጎስ ሓድሽ ሒዝናዮ ኣለና፡፡” ክብሉ ከፈራርሕሉፈቲኖም ’ዮም፡፡
ነፍሰወከፍ ተራ ኣባል ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ “ድሕሪ ህልቂት እሱራት ኣፈሙዞም ናባና ከቕንዑዎ እዮም”ኣብ ዝብል ከቢድ ፍርሒ ተሸሚሙ ዝነብር እዩ፡፡ ብጭንቀት ነብሶም ዘጥፍኡ እቶም እሱራት ጥራይ ዘይኮኑኣባላት ሓለዋ እውን ኣለው፡፡ ኣባላት ሓለዋ ዒራዒሮ ዝኾኑ ተከስተ መረጸ (ወዲ ማይ ጫዕዳ) ን ፡ ተስፋይ ገብሪሂወት (ወዲ ገዛ ሓምለ) ን ነብሰ ቅትለት ዝፈጸሙ እዮም፡፡
ኩቡራት ነበብትና ነዚ ብክልተ ምዕራፋት ተጻሒፉ ዝቐረበሰነድ “ግዳያት 18/9” ናብ ኩሉ ዜጋ ሼር ብምግባር ኤርትራዊ ሓላፍነትኩም ክትፍጽሙ እላቦ!!!፡፡

 

ግዳያት 9/18…
ሓምሻይ ክፋል
“ትሕቲ ህልዋት፡ ልዕሊ ምውታት”
ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ነቶም ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲኣብ መሪር ተጋድሎ ንናጽነት መሪሖምን ተመሪሖምን ናብ ዓወት ዝበጽሑ፡ ተረፍ መስዋእቲ ግዳያት ዒራዒሮዝኾኑ ጀጋኑና ዝምልከት ምቕራበይ ይዝከር፡፡ ዒራዒሮ 35 ጀጋኑ ደቂኣባት ዝተቐየዱላ ኣብ ኣጻምእ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ትርከብ ኤርትራዊትሲኦል’ያ፡፡ ካብ’ዞም 35 ጀጋኑና እቶም 20 ብግፍዒን ስቓይን ኢሳይያስ ከምተሰውኡ ከኣ ገሊጸነይረ፡፡
ኣብዚካልኣይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ድማ ኩነታት “ትሕቲ ህልዋት፡ ልዕሊ ምውታት”ዝኾኑ ኣብ ቀረባ እዋናት ካብ ዒራዒሮ ንግዚኡ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ብሕቡእ ዝተውስዱ 15 እሱራትዝነበሮም ጻኒሒት ኣመልኪተ ከቕርብ’የ፡፡ ኣብ መጀመሪያ ምዕፋን እዞም ጀጋኑና ተዋሳእቲ ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ነቲ ዘይፈልጥ ንኽፈልጥምስዚ ኣተኣሳሲረ ዘረጊሐዮ ኣለኹ፡፡
መስከረም 16/2001 ሕቡእ ኣኼባ ቤ/ጽ ፕረዚዳንት
ተኣከብቲ፡-
1. ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
2. ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ (ንቕዘ) በቲ እዋን ሜጀር ጀነራልን ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 02ን
3. ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ኣብቲ እዋን ኣዛዚ ዞባ ስርሒት 05
4. ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል (በቲ እዋን ኮሎኔል) ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ኣብዚ እዋንኣዛዚ “ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ”
5. ኮሎኔል ወልደዝጊ ባህታ (ኣብቲ እዋን ሓላፊ ስርሒት ውሽጣዊ ጸጥታ) ኣብዚ እዋን ከኣ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ
6. ኮሎኔል የማነ ኣፍወርቂ (ወዲ ኣፍወርቂ) (ኣብቲ እዋን ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ዞባ ማእከል) ሕጂ ሓላፊ ስርሒት ውሽጣዊ ጸጥታ
7. ሌ/ኮ ብርሃነ ተስፋማርያም (ቅጫ) ኣብቲ እዋን ኣዛዚ ብርጌድን ሓላፊ ውፍሪ ኣሃዱ ምግፋፍ ኣስመራን ከባቢኣን ኣብዚ እዋን ሓለቓ ስታፍ ክ/ሰ 23 ኣብ እዚ ምዕራብ
8. ኮሎኔል ሓዱሽ (ወዲ ወለላ) ኣብቲ እዋን ስታፍ ስለያ ዞባ ስርሒት 05 ሕጂ ከኣ ሓላፊ ስታፍ ስለያ ተወርዋሪ እዚ
9. ብርጋዴር ጀነራል ሚኪኤለ ሓንስ (ወዲሓንስ) ኣብቲ እዋን ኣብ ከባቢ ፍልፍል ሰሎሙና ዝነበረት ኣሃዱ ክ/ሰ 32 ኣዛዚ ሕጂ ከኣ ኣዛዚ ክ/ሰ 26 ኣብ እዚ ምዕራብ
10. ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም) ቅድሚ ምእሳር ጉጅለ- 15 ኣብ ክ/ሰ 29 ኣዛዚ ብርጌድን ብኢሳይያስ ተወደበ ተጸናጻኒ ሓላፍትን ዝነበረ፡፡ ድሕሪ ምዕፋን ጉጅለ 15 ድማ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ እዞም ግዳያት ኮይኑ ብፕረዚዳንት ዝተመዘ
ኣጀንዳ፡- ኣካቢፕረዚዳንት ኢሳይያስ ባዕሉ ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን ብዛዕባ ገዳይም ተጋደልቲ ጉጅለ-15 ኣመልኪቱ ሰፊሕ ጠቐነ ድሕሪ ምቕራብ ምስ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣዛሚዱ መንግስቲ ንምቕያዶም ከምዝወሰነ ድሕሪ ምግላጽ፡ ጉዳይ ምትሓዞም ዝምልከት ንወኪል ሃገራዊ ድሕነት፡ ጉዳይ ሓለዎኦምን ቀጻሊ ክትትሎምን ዝምልከት ከኣ ንወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፡ ሓላፍነት ድሕሪ ምሃብ፡ ስዒቡ ክመጽእ ንዝኽእል ጸገማት እንተደኣ ሃሊዩ ነዞም ኣካላት ብጥብቂ ክከታተሉን ኣዳላይ ስጉምታትን ክወስዱን መምርሒ ሂቡ ኣፋኒዩዎም፡፡
መስከረም 17/2001 ሕቡእ ኣኼባ ሃገራዊ ድሕነት
መስከረም 17/2001 ድሕሪ ፋዱስ ኣብ ቤ/ጽ ውሽጣዊ ጸጥታ (ቻው ሆቴል) ዝተኣከቡ 35 እሙናት ኣባላት ሃ/ድሕነት ብብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል፡ ኮሎኔል ወልደዝጊ ባህታን ኮሎኔል የማነ ኣፈወርቅን ዝተመርሐ ሕቡእ ኣኼባ ኣካይዶም፡፡ ኣብዚ ኣኼባ ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ካብ ኢሳይያስ ዝሰምዖ ትንታነ ንተኣከብቲ ድሕሪ ምግላጹ “ ‘ዞም ሃገር ክሸጡን ኩቡር ፕረዚዳንት ክግልብጡን ኣብ ምንቅስቓስ ዘለው ትሕቲ ሃገራውያን ኣባላት ጉጅለ-15ን ሰዓብቶምን፡ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትው ወሲኑ ኣሎ፡፡ ናይዚ መደብ ፈጸምቲ ከኣ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ክንኮን ተወሲኑ ኣሎ፡፡ ነዚ ፍሉይ ተልእኾ ብብቕዓት ክንፍጽሞ መንግስቲ ኣሚኑ ዝዓደለና መደብ ስለዝኾነ ኣብዚ ዘለና መራሕትን ኣባላትን ብግቡእ ክንፍጽሞ ይግባእ፡፡ ስለዚ ነዞም ሰባት ክንሕዞም እንከለና ላዕለዎት ሓለፍትን ተጋደልትን ስለዝኾኑ ዕጥቂ ክህልዎም ስለዝኽእሉ ክታኾስኹም ወይ እውን ነብሰ ቅትለት ክፍጽሙ ይኽእሉ’ዮም ብጥንቃቐ ክንሰርሕ ኣለና፡፡ መን ንመን ይሕዝ ዝምልከት ምደብኡ ወልደዝጊን የማነ ወዲ ኣፍወርቒን ክነግርኹም’ዮም፡፡ መካይን ተዳልየናልኩም ኣለዋ፡፡ ብወገንኩም ዕጥቅኹም ኣጻፍፉ፡፡ ብመራኸቢታት ዘማእክለኩም የማነ ወዲ ኣፍወርቂ ይኾውን፡፡ ድሕሪ ምትሓዝ ናበይ ተብሉ ‘ውን ክሕብርኹም’ዮም፡፡” ብምባል መደረኡ ወደአ፡፡
ቀጺሉ ነቶም 33 ዝኾኑ እሙናት ኣባላት ሃ/ድነሕት ዝመርሑ 3 ኣባላት ዘለውዋ ሓንቲ ጉጅለ ብምፍጣር ኣብ 11 ጉጅለታት መቓቒሎም ንነፍሰወከፍንጉጅለታት ብኮሎኔላትን ሜጃራትን ክምርሓ ወዲቦም ናብ ስርሒት ተዋፊሮም፡፡ ብዕለት 17 መስከረም 2001 ናብ 18 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ንነፍሰወከፍ መራሕቲ ጉጅለ ናይቶም ዝተሓዙ ኣባላት ኣስማትን መቐዬዲ ቦቶኦምን ተነገሮም፡፡ ኣባላት ጉጅለ-15 ሰዓብቶምን ኣብ ምትሓዝ ሓላፍነት ዝተውሃቦም እሙናት መራሕቲ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ’ዞም ዝስዕቡ ኔሮም፡
1. ሌ/ኮ ዮናስ ዘርኣይ ኣብ ጸረ ግብረ ሽብራ ተመዲቡ ይስርሕ ኔሩ ደሓር ዝደስከለ
2. ሌ/ኮ ጸሃዬ የውሃንስ (ጭጉኒ) ቅድም ኢሉ ኣብ ኔቭሰን ካንፓኒ ቢሻን ዳህላክን ዝርከቡ ወጻእተኛታት ኣብ ምክትታል የተሓባብር፡፡ ንሕክምና ንዓዲጣልያን ይመላለስ ኔሩ
3. ኮሎኔል ርእሶም ኣባይ (ወዲ መርጋኖ)ንዕደና ወርቂ ዛራ ንምክትታል ብጉልባብ ተመዲቡ ይስርሕ ኣሎ፡፡
4. ሜጀር ሓጂ ኢብራሂም ኣብ ከባቢ ኣኽሪያ ይከታተል ኔሩ ኣይነፋዕኻን ተባሂሉ ይድስክል ይሰርሕ ኣብ ሰንከልከል ይርከብ፡፡
5. ሜጀር ወዲ ቢኒ ኣብ ፈተነ ቅትለት ብ/ጀነራል ስምኦን ተጠርጢሩ ተኣሲሩ ኔሩ፡፡ ኣብ ቀረባ ተፊቲሑ ንካልኣይ ግዜ ከኣ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ኣሎ፡፡
6. ሜጀር ብርሃነ ግርሙ ኣብ ምክትታል ወጻእተኛታት ተመዲቡ ይስርሕ
7. ሜጀር ነጋሲ ኪዳነ ኣብ ምክትታል ወጻእተኛታት ተመዲቡ ዝሰርሕ
8. ሜጀር ሙሉጌታ ኣማረ (ሙለር) ምክትል ሓላፊ ዞባ ሰ.ቀ.ባሕሪ
9. ሜጀር ወዲ ስዒድ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተኣሲሩ ዝተፈትሐ
10. ሌ/ኮ መንግስትኣብተኽለ ድሕሪ 2001 ካብ ሃገር ወጺኡ ዝተሰደደ
11. ሜጀር ዓንደ ግደወልድ (ወዲ ጅዱ) ሓላፊ ምክትታል ላዕለዎት ትካላትን ሰበ-ስልጣናትን
እዞም ዝተገልጹ ኣባላት ንዝተውሃቦም መደባት ቀጻሊ ስርሒት ብምክያድ ብ18.09.2001 ነቶም 11 ኣባላት ጉጅለ-15 ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም ናብ እምባትካላ ኣብጺሖምዎም፡፡ ድሕሪ’ዚ ኣስዒቦም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ነቶም ዝተረፉ “ሰዓብቲ ጉጅለ-15” ዝበሃሉ ዳጊኖምዎም፡፡ ፈለማ እምባትካላ ዝተቐበሎም ሌ/ኮሎኔል ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም) ዝመርሖም ካብ ስለያ ስርሒት ዞባ 04ን 05ን ዝተውጻእጽኡ ኣባላት ነይሮም፡፡ ድሕሪ 3 ወርሒ ከኣ ዕለት 23/11/2001 ካብ ኣሃዱታት 17፡ 26፡ 32፡ 35 ዝተዋጽኡ ኣባላት ስለያ ኣብ ዓቢ ዓዲ ተኣኻኺቦም ናብ ኣስመራ ተላኢኾም፡፡ ኣብ ኣስመራ ሜጀር ጀነራል ውጩ ረኺቡ “መንግስቲ ንዝለዓለ ስራሕ ደሊኩም ኣሎ” ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምሃብ ናብ እምባትካላ ለኣኾም፡፡ እዞም ድሒሮም ዝሰዓቡ ኣባላት እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ዒራዒሮ ዝርከቡ ኣባላት ሓለዋ እዮም፡፡
ጻኒሒት እሱራት ኣብ እምባትካላ፡
ኣባላት ጉጅለ-15ን ሰዓብቶምን ተዓፊኖም እምባትካላ ድሕሪ ምእታዎም:ጉጅለ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ’ዞም ቅዩዳት፡ ኣለውኒ ዝብሎም ጎስጎስቲ ወዲቡ፡ ኣድላይ ባጀት ሰሊዑ፡ ንውሽጥን ንደገን ብምውፋር ሰፊሕ ጸለመ ኣካይደምሎም፡፡ ሚኒስትሪ ዜና ብዛዕብኦም ተኸታታሊ ጸለመ ንክፍኑ ፍሉይ ልኡኽ ተዓደሎ፡፡ ብስም “ባይቶ” ከም በዓል መስጦፋ ኑርሑሴን፡ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡ ፎዝያ ሓሽም፡ ተስፋይ ገብረስላሰ (ቺና)ን ካልኦት መራሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝበሃላ ኣንስቲ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ነቲ ኩነታት ከጋውሕዎ ተራእዮም፡፡ ከም ኣብነት ኣብቲ እዋን ዝነበረ ጸለመታት ንምዕዛብ ኣብዚ ዪቱብ www.youtube.com/watch?V=QTG+vu TEnusኢልካ ምርኣይ ይከኣል፡፡
ህዝብና ኣብቲ እዋን ኣፍ ኣውጺኡ ዋላ ኣይዛረብ’ምበር ገለ ተባዓት ኣቦታትን ኣዴታትን “ንስኹም ዝብልኩምና ሰሚናዕናኩም፡ እንተኾነ በይኑ ዝጎየየ ዝስዕሮ የብሉን ከምዝበሃል ናትኩም ጥራይ ሰሚዕና ክንፈርድ ስለዘይንኽእል ንሳቶም እውን ከምዚ ከማኹምን ልዕሌኹምን ንናጽነት ዝተጋደሉ ጀጋኑ ደቅና ስለዝኾኑ ሓሳባቶም የስምዑና፡፡” ብምባል ኣብ ለባም ሪእይቶታት ከምዝቐረቡ ዝዝከር’ዩ፡፡ ብወገን’ቲ “ዝበልናኩም ጥራይ ትቕበሉ” ዝመትከሉ ጉጅለ ኢሳያይስ ግን ነቲ ጸለመን ጎስጓስን ዝያዳ ክቕጽል ብምእዛዝ “መድልሃጽቲ፡ ሸይጥቲ ሃገር፡ ትሕቲ ሃገራውያን፡ ዕሱባት ወያነን ማ.ወ.ስን፡ ረገጽቲ ኣዕጽምቲ ስውኣት….”ዝብሉን ካልኦት ጠቐነታት እንዳመሃዙ ጎስጓሶም ቀጺሎም፡፡ (www.you tube.com/watch?v=8sb RWSOc1y4)
ብስርሒት ሃገራዊ ድሕነት ናብ እምባትካላ ፈለማ ዝኣተው ጠቕላላ 25 እሱራት ነይሮም፡፡ ድሕሪ 6 ወርሒ ከኣ “ተደናገጽትን ልሳንን ጉጅለ-15” ብዝብል ኣብ ኣስመራ ተፈላለዩ መደበራት ተቐይዶም ዝጸንሑ 9 ጋዜጠኛታት ተጸንበርዎም፡፡
ፍሉይ ተርእዮታት እምባትካላ
- ናይ ምሕሳም ምግቢ ኣድማ ተራእዩ
- “ኣብ ምርጫ 2002 ክንሳተፍ ኣለና፡፡ ንመንግስቲ ንገሩልና” ዝብሉ ሕቶታት ተሰሚዖም
- “ጉዳይና ናብ ቤት ፍርዲ ይቕረብ” ዝብል ሕቶታት የቕርቡ ነይሮም
- “ካብ መዓኽናት ዜና ስለዝረሓቕና ጋዜጣታት፡ መጻሕፍቲ፡ ራዲዮን ይፈቐደና” ይብሉ ነይሮም
- ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ጽሑፈይ ዝገለጽኩዎ ጀነራል ዕቑበ ኣብርሃን ጋዘጤኛ ፍስሃየ ጆሽዋን ብሕርቃን ነብሰ-ቅትለት ፈጺሞም፡፡ ሚኒስተር መሓመድ ሸሪፎ ሰኣን ሕክምና ብሕማም ሞይቱ፡፡
- ኣብ መወዳእታ ብዕለት 7/6/2003 ብ6 ላንድክሮዘርን 2 ፒክኣፕን መካይን ናብ ዒራዒሮ ተጓዒዞም፡፡ ኣብ ሓንቲ መኪና ሓደ እሱርን ክልተ ኣባላት ሓለዋን ተመዲቦም እሱራት ብጸሊም ማስኬራ ተሸፊኖም ናብ ዒራዒሮ ኣትዮም፡፡ ኣብዛ ዕለት እሱራት ዘመላለሱ ኣባላት

1. ብርጋዴር ጀነራል ሚኪኤል ሓንስ (ወዲሓንስ)፡ ኣብቲ እዋን ኣዛዚ ክ/ሰ 32 ሓላፊ ሓለዋ ዙርያ ዒራዒሮን ዝነበረ
2. ኮ/ል ሓዱሽ (ወዲወለላ)፡ ኣዛዚ ስለያ ግንባር ስርሒት ዞባ 05 ዝነበረ
3. ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም)፡ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ
4. ሌ/ኮ ገረዝጊሄር ኣስመላሽ፡ ኣካያዲ ትካል ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይትን ሰንበል
5. ሃብተኣብ፡ ኣውቲስታ ሜጀር ጀነራል ውጩ ዝነበረ
6. ኑረዲን (ወዲመሓመድ)፡ ኣባል ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ እዮም፡፡

- ሓድሓደ ቃላት እሱራት ኣብ እምባትካላ፡
1. “ን37 ዓመት ተጋዲልካስ ንብላሽ” ቃል ተጋዳላይ መሓመድ ሸሪፎ
2. “ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣብ ኤርትራ ይግበር’ሎ፡፡ ስለምንታይ ብዘይ ፍርዲ ልዕሊ 2 ዓመት ተኣሲርና?” ቃል ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ
3. “ዝበደልኩዎ እንተሃሊዩ እንተስ ክፍረድ እንተስ ይቕሬታ ክሓትት በጃኹም ናብ ልዕሌኹም ኣሕሉፉኒ” ቃል “ዶ/ር” ስራጅ
4. “ምስ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ዓለም ርክብ ስለዝነበረኒ በጃኹም ብዛዕባ ውጽኢት ኩዕሶ ዓለም ንገሩኒ” ቃል ክፍሎም ገብረሚካኤል ሰራሕተኛ ኢምባሲ ኤርትራ ነበር
5. “ሕማም ሽኮርያ ስለዘላትኒ በጃኹም ሽኮር’ባ ሃቡኒ?” ቃል ሃይለ ድሩዕ …

ግዳያት “09/18…”
ራብዓይ ክፋል
ስለ ምንታይ ሞይቶም?
- ብዘይዝኾነ መርመራ፡ ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓንቲ ጸባብ ሸላ ምንባርን ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዘይምርኻብን ከቢድ ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጢ ስለዝወረዶም
- ኣብ ገድሊ ንናጽነት ብመውጋእቲ ብኣካላዊ ድኻም ኣዝዮም ጉስቁላት ስለዝነበሩ ነቲ ከቢድ ጸቕጢ ክጻወርዎ ብዘይምኽኣሎም
- ንዝተፈለላየ ዘጓነፎም ሕማማት ዝፍውስ ቀረብ ኣፋውስን ሓካይምን ስለዘይቀርበሎም
- ኣብ ምክልኻል ሕማማት ዝሕግዝን ኣካላት ዝሃንጽን ተመጣጣኒ ምግቢ ስለዘይቀርበሎም
- ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 9/ወርሒ 6/2003 ካብ ዝሓሸ ጸቕጢ ኣየር ዝነበሮ እምባትካላ ናብ ኣስታት 45 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዋዒን ለይቲ ሓያል ናይ ባሕሪ ጎስዒ ዝፈጠሮ ቀዝሒን ዝነበሮ ሩባ ዒራዒሮ ምስተዓፈኑ ንክልቲኡ ዓይነት ኪሎማ ክጻወሩ ብዘይምኽኣሎም
- ክዳኖምን መንጸፎምን ክልተ ኮቦርታ ጥራይ ብምንባሩ ለይቲ ነታ ሓንቲ ኮቦርታ ኣብ ሲሜንቶ ይንጸፍዋ እታ ካልአይቲ ይለብሱዋ ሓድሓደ እዋን እውን ነታ ሓንቲ መንጸፎምን ክዳኖም ገይሮም ነታ ካልአይቲ ይትረኣስዋ ስለዝግደዱ ቀትሪ ኣንጉዕኻ በዘምክኽ ዋዒ ለይቲ ከኣ ኣንጉእኻ ዘንቅጽ ቀዝሒ ኣዝዮም ስለዝተሃሰዩ
- ናይ ነፍሰወከፎም መደቀሲ፡ ቤት ሽቓቕ፡ መሕጸቢኦም ኣብታ 3 ብ 3 ሜትር ስኬር ዝስፍሓታ ጸባብ ሸላ ውሽጢ ስለዝርከብ እታ ሸላ ጽሬታ ዝተሓለወ ስለዘይኮነ፡፡ ብራህዲ (ኦሞዲቲ) ዝዓስዐሰት ብምኻና፡፡
- ጉጅለ ኢሳይያስ እሱራት ከይጠፍኡ”ምበር ከይሞቱ ዋላ ሓንቲ ኣይግደስን፡ ስለዚ ቅድሚ ምሟቶም ዝግበር ቅድመ ምክልኻል ኣይነበረን የግዳስ ደይ መደይ ተባሂሉ ክሞቱ ይግበር ከምዝነበረ እቲ ዝተገልጸ ኩነታት ዘግህዶ ሓቂ እዩ፡፡
- ምስ ሞቱ ካብ በዓል ፍሸይ መራራን ወኪን ተበጊሱ ንባሕሪ ገጹ ኣብ ዝወርድ ወሓዚ ሩባ ዒራዒሮ ይቕበሩ ኣዕጽምቶም ብውሕጅ ክውሰድ ይግበር፡፡
ቀንዲ ተሓተቲ ምጽናት ገዳይም መራሕትናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን በዓል መንዮም ፡፡
1. ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ፕረዚዳንት ሃገረ ኤርትራ

2. ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ
3. ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ሓላፊ ወኪል ሃ/ድሕነት ኤርትራ

4. ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኣዛዚ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ
5. ብ/ጀነራል (ዶ.ር) ሃይለ ምሕጹን ሓኪሙ ንዘየድሕኖም እንዳተመላለሰ ዝጉብንዮም ዝነበረ
6. የማነ ገብረኣብ ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካ ህግደፍ
7. ሌ/ኮሎኔል ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም) ሓላፊ ቤ/ማእስርቲ እምባትካላን ዒራዒሮን
8. ኮ/ል ሓረጎት ፍርዙን (ወዲ ፍርዙን) ኣዛዚ ክ/ሰ 22 (“ሓማ በል ክትድረር!!” እናበለ ኣብ ባራት ዓዕ ክብል ዝሓድር ዘሎ ደንቆሮ)
9. ብ/ጀ ሚኪኤለ ሓንስ (ወዲ ሓንስ) ኣዛዚ ክ/ሰ 26 ካብ እምባትካላ ናብ ዒራዒሮ ኣብ ምምልላስ ዝተሳተፈ ናይ ሚስጢር መኻፍልቲ በዓል ውጩ ነበረ
10. ኮ/ል ሓዱሽ ወለላ (ወዲ ወለላ)ሓላፊ ስለያ ተወርዋሪ እዚ”ውን ኣብቲ ምጉዓዝ ተሳታፊ እቲ ሚስጢር ምንባሩ

ግዳያት “18/11…”
ሳልሳይ ክፋል

1. ጀርማኖ ናቲ ምሽሾ(መለለዬ ቁጽሩ 30)
ብ1940 ተወሊዱ ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣሸሺ ቅዱስ ፍራንስ ተማሂሩ፡ ኣብ ፔታጎ ብኣካውንቲንግ ድሕሪ ምምራቑ ካብ 1971- 76 ኣብ ባራቶሊ ጡጥ ፋብሪካ ዓሊጊደር ተመዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣባል ጀብሃ ተጠርጢሩ ኣብ ሰንበል ብደርግ ተኣሲሩ፡፡ ጀብሃ ብወታደራዊ ስርሒት ኣወጺኣቶ፡፡
ድሕሪ ምውጽኡ ከኣ ናብ ሻዕብያ ተሰሊፉ፡፡ ምስ በዓል ደሃብ ፋቲንጋ ንከሰላ ተላኢኹ ንተወለድቲ ብሄር ኩናማ ብምጉስጓሽ ኣብ ጎኒ ህግሓኤ ክስለፍ ዝገበረ ተጋዳላይ እዩ፡፡
ብ1987 ኣብ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ኣባል ማ/ሽማግለ ኮይኑ ተመሪጹ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣማሓዳሪ ጋሽን ሰቲትን ኔሩ፡፡ 1994 ኣብ 3ይ ጉባኤ ንካልኣይ ግዜ ኣባል ማ/ሽማግለን ፈጻሚት ፖለቲካዊ ቤ/ጽ ህግደፍን ኮይኑ፡፡ 2000 ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ ኣባል ጉጅለ-15 ተባሂሉ ድማ ብዕለት 18/09/2001 ተኣሲሩ፡፡ ብዝተፈላለየ ሕማም ነዊሕ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኣብ ወርሒ 01/2009 ተሰዊኡ፡፡
2. ኣልኣዛር መስፍን ጉዱም (መለለዬ ቁጽሩ 1)
ካብ ኣብኡ ኣቶ መስፍን ጉድምን ኣዲኡ ወ/ሮ ምስላ ደበሳይ ኣብ ዞባ ማእከል ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ፡፡ 5 ኣሕዋቱ ንሜዳ ወሪዶም ካብኦም ፍቕረን ኣሮን ዝበሃሉ ምእንተ ናጽነት ተሰዊኦም፡፡ ምሕረቱ ኣካለ ስንክልቲ ኮይና ኣትያ፡፡ ምስግና ዝበሃል ሓዉ ከኣ ብደርግ ተጠቐጥቂጡ ኣእምርኡ ዝሰሓተ ኣለዎ፡፡ ኣልኣዛር ብቢዝነስ ኣድሚንስትረሽን ካብ ኣዲስ አበባ ዩንቨርሲቲ ድሕሪ ምምራቑ ብ1975 ንሜዳ ወሪዱ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ኣመሪካ ተላኢኹ ብማስትሬት ዲግሪ ብዝለዓለ ነጥቢ ተመሪቑ ንሃገሩ ተመሊሱ፡፡ ኣልኣዛር ኣቦ 3 ውላድ ኮይኑ ደቁ ጴጥሮስ፡ ኑኤልን ናታን ዝበሃሉ ኣብ ኣዲስ አበባ ተሰዲዶም ይርከቡ፡፡ ተደናጋጺ G-15 ተባሂሉ 18.09.2001 ምስ ብጾቱ ኣብ እምባትካላን ዒራዒሮን ተኣሲሩ፡፡ ወርሒ 9/2011 ተሰዊኡ ኣብ ሩባ ዒራዒሮ ተቐቢሩ፡፡
3. ተስፋይ ገብረኣብ (ጎመራ) (መለለዬ ቁጽሩ 16)
ክእሰር ከሎ ዕድሚኡ 53 ይገብር ኔሩ፡፡ ገዲም ተጋዳላይ ህግሓኤጎሞራ ኣባል እንዳ 72 ኮይኑ ናብ ናጽነት ኣትዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ፡ ኢሚግረሽን፡ ኣብ ሚ/ሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ከምኡ ውን ሚ/ትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዲፕሎማት ኔሩ፡፡ ተደናጋጺ ጉጅለ-15 ተባሂሉ 2001 ተኣሲሩ እምባትካላን ዒራዒሮን ኣትዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ ወርሒ 10ን 12ን /2010 ተሰዊኡ፡፡
4. ኪሮስ ተስፋንኪኤል (ኪሮስ ዓወር)(መለለዬ ቁጽሩ 21)
ገዲም ተጋዳላይ ኪሮስ ዓወር ኣብ ሜዳ ፋርማሲስት ኮይኑ ይሰርሕ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሚኒስትሪ ቱሪዙም ዳይረክተር ጀነራል ተመዱቡ ይሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ኣመሪካ ተላኢኹ ብ International Relations ማስተሩ ሰሪሑ ምስተመልሰ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ተመዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረ በሊሕ ተጋዳላይ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡ ሓደ እዋን ሓደ ታሪኻዊ ቃል ንወዱ ፍቕረ ገሊጹሉ ሓሊፉ እዩ “ፍቕረ ወደይ ንሕና ብኢሳይያስ ተገዚእና ኢና ኣቲና ንስኻ ከኣ ብኣብርሃም ኢሳይያስ ከይትግዛእ ሓደራ!!” ከምዝበሎ ይፍለጥ፡፡ ወርሒ 9/2011 ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
5. ሲራጅ ኢብራሂም መሓመድ ኪያር(መለለዬ ቁጽሩ 26)
ዕድመ ከባቢ 63 ይገብር፡፡ደረጃ ትምህርቱ ቢኤ ዲግሪ፡፡ ናብ ሜዳ ዝተሰለፈሉ 1969/70 ኮይኑ ፈለማ ኣባል ህዝባዊ ሓይልታት ደሓር ድማ ተጋደላይ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ናብ ናጽነት ኣትዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ ሚ/ሪ ምክልኻል ኣባል መኮነን ጥዕና ኮይኑ ይሰርሕ ኔሩ፡፡ ደሕሪ እዚ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ዲፕሎማት ኤርትራ ኔሩ፡፡ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ጽገሬዳ በየነ ተኽለሚካኤል ገዲም ተጋዳሊት ህ.ግ እያ፡፡ ኣቦ 3 ቆልዑ ኮይኑ ደቁ ኣድሃም፡ ኣድያምን ፌርዶስን ይበሃሉ፡፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ኣቦኦም ኣድሃም ናብ ኢትዮጵያ ኣድያም ከኣ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም ኣለው፡፡ ብተለምዶ ዶ.ር ስራጅ ተባሂሉ ዝፍለጥ ተጋ/ስራጅ ኢብራሂም ብዕለት 19/09/2001 ካብ ሆቴል TOP FIVE ኣስመራ ብኣባላት ጸጥታ ተዓፊኑ ተወሲዱ እምባትከላ ኣትዩ ብድሕሪኡ ዒራዒሮ ቀጺሉ፡፡ ልክዕ ኣብ 10 ዓመቱ ወርሒ 9/2011 ከኣ ብሰንኪ ግፍዓዊ ማእሰርቲ ጉጅለ ኢሳያስ ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
6. ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ)(መለለዬ ቁጽሩ 10)
ኣሰናዳኢን መስራትን ጋዜጣ ሰቲት ኔሩ፡፡ ናይ 1977 ገዲም ተጋዳላይ ህ.ግ እዩ፡፡ ገጣማይ፡ ዳይሪክተር ጉጅለ ባህሊን ኣሰልጣኒ ኤሮቢክስ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተማሂሩ ንዓዱ ተመሊሱ፡፡ ዕድሚኡ ኣብቲ እዋን ከባቢ 46 ኔሩ፡፡ ደጋፊ ጉጅለ-15 ተባሂሉ ብ18/09/2001 ተኣሲሩ፡፡ ስለ ምንታይ ከምዝተኣሰረ ደጋጊሙ ይሓትት እኳ እንተነበረ ሰማዒ ብዘይምርካቡ ኣዝዩ ይሓርቕ ነበረ፡፡ ብክቱር ሕርቃ ናይ ጥሜት ኣድማን ተደጋጋሚ ናይ ነብሰ ቅትለት ፈተነታት የካይድ ኔሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቤት ማእስርቲ እምባትካላ ብዕለት 13.10.2002 ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ተሰዊኡ፡፡

7. ዳዊት ሃብተሚካኤል(መለለዬ ቁጽሩ 12)
ምክትል ዋና ኣሰናዳእን መስራትን ጋዜጣ መቓልሕ ኔሩ፡፡ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሰቲ ብፊዚክስ ተመሪቑ፡፡ ካብ ወርሒ 10 ክሳብ ወርሒ 12/2010 ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ ተሰዊኡ፡፡
8. መድሃንየ ሃይለ ኣፍለ(መለለዬ ቁጽሩ 8)
መስራትን ምክትል ኣሳናዳኢ ጋዜጣ ቀስተደመና ኔሩ፡፡ ካብ ኣስመራ ዩንቨርስቲ ብሕጊ ተመሪቑ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ተመዲቡ ንሃገሩ ከገልግል ድሕሪ ምጽንሑ ተደናጋጺ ጉጅለ-15 ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ እምባትካላን ዒራዒሮን ኣትዩ፡፡ ብዕለት 08/02/2006 ተሰዊኡ፡፡

9. ማቴዎስ ሃብተኣብ (መለለዬ ቁጽሩ 20)
ጋዜጠኛ መቓልሕ ኔሩ፡፡ካብ ኣስመራ ዩንቨርስቲ ብስነ-ቁጽሪ ተመሪቑ፡፡ ዕድሚኡ ኣስታት 44 ይግመት፡፡ 2005 ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
10. ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ (መለለየ ቁጽሩ 8)
ዋና ኣሰናዳኢ ብሕታዊት ጋዜጣ ጽጌናይ ኔሩ፡፡ ናይ ቢዝነስ ኣድሚኒስትረሽን ምሩቕ ኔሩ፡ ፡፡ እታ ንዮሱፍ መሓመድ ዓሊ ካብ እምባትካላ ጀሚራ ዝተዓደለቶ መለለዬት ቁጽሪ 8 ድሕሪ መስዋእቱ ንስውእ መድሃንየ ሃይለ ተዓዲላ ዝነበረት እያ፡፡ ብዕለት 7/06/2003 ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
11. ስዒድ ዓብደልቃድር (መለለዬ ቁጽሩ 24)
ወዲ 48 ዓመት ምንባሩ ዝግመት ጋዜጠኛ ስዒድ ዓብደልቃድር ዋና ኣሰናዳኢን መስራትን ጋዜጣ ኣድማስን፡ ኣብ ሚ/ሪ ዜና ድማ ኣብ ጋዜጣ ኤርትራ ኣልሓዲሳ ጸሓፊ ኔሩ፡፡ ወርሒ 3/2005 ኣብ ዒራዒሮ ብማሕነቕቲ ነብሰቅትለት ፈጺሙ ሞይቱ፡፡
12. ሳህለ ጸጋዝኣብ(መለለዬ ቁጽሩ 32)
ገዲም ተጋደላይ ህ.ግ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ናይ ሲቪላዊ ገበናት ሓላፊ ኔሩ፡፡ ኣብ ወርሒ 1/2005 ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
13. ተስፋገርግሽ(መለለዬ ቁጽሩ 14)
ኣብ ዞባ ደቡብ ኣማሓዳሪ ን/ዞባ ጾሮና ነበር ገዲም ተጋዳላይ ተስፋገርግሽ ብዕለት 16/03/2004 ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ተሰዊኡ፡፡ቅድሚ መስዋእቱ “ኣብ ባንኪ ዝርከብ ገንዘበይ ንመእለይ ደቀይ ክኾውን ቡከይ ንበዓልቲ ቤተይ ሃቡለይ “ እናበለ ይዛረብ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡

14. ኪዳነ ወዲ ቀሺ(መለለዬ ቁጽሩ 5)
ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ኣባል ኣሃዱስለያ እንዳ 72ን ኣውቲስታ ተጋ/ጴጥሮስ ሰሎሞን ኔሩ፡፡ ወርሒ 10/2009 ተሰዊኡ፡፡
15. መሓሪ ያኢቆብ(መለለዬ ቁጽሩ 15)
ኣውቲስታ ሚ/ር ሳልሕ ከክያ ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡ ብዛዕባ”ዚ ዝፈልጥ ኤርትራዊ እንተሎ ሓበሬታ ክውስኸሉ ንላቦ፡፡ ዝተሰውኣሉ 2008 ኣብ ዒራዒሮ እዩ፡፡

ግዳያት “9/18…”
ካልኣይ ክፋል
1. ጀነራል ዕቑበ ኣብርሃ (መለለዬ ቁጽሪ 13)
1948 ተወሊዱ፡ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ደቂምሓረ ወዲኡ፡፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ 1972 ናብ ህግሓኤ ተሰሊፉ፡፡ ኣብ 1977 1ይ ጉባኤ ኣባል ማ/ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤ/ጽሕፈትን ኮይኑ ተመሪጹ፡፡
1978- 1984 ኣዛዚ ሰ/ምብራቕ ሳሕል ኮይኑ ወራራት ስርዓት ደርግ ኣብ ምፍሻል መሪሕ ተራ ተጻዊቱ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ሚ/ር ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ሚ/ር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ 1999 ኣብ እዋን ኩናት ኤርትሮ- ኢትዮጵያ ናይ ጀነራል መዓርግ ተዓዲሉ ሓላፊ ቁጠባ፡ ምምሕዳርን ጥዕናን ከምኡ ውን ኣዛዚ ስታፍ ሓ/ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡
ኣባል G-15 ተባሂሉ 18/09/2001 ተዓፊኑ እምባትካላ ተወሲዱ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ 13/10/2002 ተሰዊኡ፡፡
2. ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ(መለለዬ ቁጽሩ 27)
ብ1948 ተወሊዱ፡ 1966 ናብ ተሓኤ ተሰሊፉ ኣባል ክፍለ 5 ኮይኑ ኣገልጊሉ፡ 1970 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢሩ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ብዝተፈላለየ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሰሪሑ፡፡ ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን፡ ሓላፊ ክፍሊ ህዝቢ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ፕረዚዳንት ኣብ ዘይህልወሉ ከም ፕረዚዳንት ኮይኑ ሰሪሑ፡ ናይ ኣቦወምበር ምርጫ ሽማግለ ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡
ከም ካልኦት ብጾቱ ዴሞክራስያዊ ለውጢ ስለዝጠለበ 18.09.2001 ተቐይዱ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብዕለት 04.06.2003 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እምባትካላ ተሰዊኡ፡፡
3. ሳልሕ እድሪስ ከክያ(መለለዬ ቁጽሩ 6)
ብ1950 ተወሊዱ ኣብ ባህርዳር ፖሊቴክኒክ ይመሃር ኔሩ ኣቋሪጹ ብ1976 ናብ ህግሓኤ ተሰሊፉ፡፡ ኣብ ሜዳ መምህር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ኔሩ፡ ኮሚሽን ሓላፊ ማእከል ወተሃደራዊ ስልጠና ኔሩ፡፡ ኣብ 2ይ ጉባኤ ናይ ግንባር ማ/ሽማግለ ተመሪጹ፡፡
ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማ/ሽማግለ ህግደፍ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ፡ ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን፡ ሓላፊ ፕረዚዳንታዊ ቤ/ጽሕፈት፡ ምክትል ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡ 2000 ካብ ዝነበሮ ሓላፍነት ወሪዱ ከንቲባ ዓሰብ ከምዝኾን ተጌሩ፡፡ ንለውጢ ስለዝጠለበ 18 መስከረም 2001 ምስ ብጾቱ ተኣሲሩ፡፡ ብዕለት 12/06/2003 ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
4. ሑሞድ ሕምድ(መለለዬ ቁጽሩ 31)
ብ1955 ተወሊዱ ሱዳን ዓብዩ ግብጽ ተማሂሩ፡፡ ኣብ ዒራቕ ዩንቨርስቲ ብከሚስትሪ ተመሪቑ፡፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ናይ “ኣባል ሓፋሽ ውድባት”ብምኻን ኣብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ሊብያን የመንን መንእሰያት ይውድብ ኔሩ፡፡ ካብ 1994- 2001 ኣባል ፈጻሚ ኣካል ህግደፍ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ፡ ሓላፊ ኣውራጃ ሰንሒት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ፡ ጨንፈር ማእከላይን ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃ ኔሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡
ብ18 መስከረም 2001 ኣባል ጉጅለ-15 ተባሂሉ ተኣሲሩ፡፡ ብዕለት 22/09/2003 ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
5. ወ/ሮ ኣስቴር ፍስሃጽዮን (መለለዬ ቁጽራ 11)
ብ1951 ተወሊዳ ብ1974 ናብ ገድሊ ዝተሰለፈት ገዲም ተጋዳሊት”ያ፡፡ ኣስቴር በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ሸሪፎ ኔራ፡፡ ሓደ ቆልዓ ወሊዶም፡፡ እንኮ ወዳ ኢብራሂም ንናይ ቀረባ ሓላፊኣ ዝነበረ ብኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተቀንጸለ ኢብራሂም ዓፋ ንምዝካር ብዝብል”ያ ሰይማቶ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማ/ሽማግለ ህግደፍን ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ኔራ፡፡ ብ1996 ነቲ እናገበለ ዝቕጽል ነበረ ውልቀ መላኺ ዲክታቶር ኢሳይያስ ብምቅዋማ ካብ ሓላፍነት ደስኪላ ኔራ፡፡ 1999 ናብ ዝነበረቶ ሓላፍነት ተመሊሳ ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ምስቶም “ሰለማዊን ዲሞክራስያዊን ዘተ” ዝብል ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ፕረዚዳንት ኢሳይያስ ዝለኣኹ ኔራ፡፡ ኣባል ጉጅለ-15 ተባሂላ 18 መስከረም 2001 ተኣሲራ፡፡ ብዕለት 8/06/2003 ከኣ ብሓያል ጸቕጢ ኪሎማ ዒራዒሮተሰዊኣ፡፡
ይቕጽል…….

መቓልሕ “9/18…” ቀዳማይ ክፋል
“ንሕና ካብ ህዝቢ ተሓቢእና ንነብረሉ ምኽንያት የብልናን፡፡ ሰረቕቲ ኣይኮናን፡፡ ዘሕንኽ ነገር
የብልናን፡፡ ናይ ህዝብና መሰል ክንግህስ፡ ናይ ህዝብና መሰል ክንቅንጥጥ፡ ካብ ናይ ህዝብና መሰል ምግፋፍ እንጥቀመሉ ነገር የብልናን፡፡” ቃል ፕረዚዳንት ኢይሳያስ ኣፍወርቂ 1996፡፡
ቃላት ኢሳይያስ ኣብ ባይታ፡ምስ ክውንነት ዘይሳነ በኾኽታ?ብመትከል “ካብ ዓይኒ ዝገለለ ካብ ልቢ ረሓቐ”ዝጓዓዝ ጉዳመኛ ኢሳይያስ ኣብ ነፍሰወከፍ ዕለለታት ድሕሪ ናጽነት ከካብ መንበሪ ኣባይቶም፡ ካብ ስራሕ ቦቶኦም፡ ከካብ ዝወፈርዎ ዓውደ ንጥፈታቶም፡ ተተዓፊኖም ዝጠፍኡ ኣበየኡናይ ጎዳጉዲ ከምዝተወርወሩ ዘይፍለጡ ኣዝዮም ብዙሓት”ዮም፡፡
ብስድራቤቶም፡ ብኣዕርኾም፡ ብኣብያቲ ፍርዲ፡ ብፖሊስን፡ ብኣህጉራውያን ቀይሕ መስቀልከይተጎብነዩ፡ ንዓመታት ተሰዊሮም ዝነብሩ ኣያታትና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜጋታት ከመይ ይርስዑ?ኣስማቶም፡ ምስሎም፡ ሕሉፍን እጹብን ታሪኾምኣብ መራኽቦ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ከይረኣዩ ዝተኸልከሉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ማእለያ የብሎምን፡፡ እዚኦምመሰሎም ዝተቀንጠጡ ህዝቢ ኣይኮኑን? ምስ ምንታይ ደኣ ይጸብጸቡ? እዚ ፍጻመ”ዚ “ካብ ህዝቢ ተሓቢእኻ…” ዝተወስደነውራም ስጉምቲኣይኮነን? ስለምንታይ ደኣ ናብ ግሉጽ ኣብያተ ፍርዲ ዘይቀርቡ? እዚ ክፉእ ተግባር እዚ ንፕረዚዳንት ኢይሳያስን መጋበርያታቱን ኣየሕነኾምን?ሓስዮም”ዮም፡፡ ዘባህረሮም ድቃስ ለይቲ ዘስእኖም ተግባር ምኻኑ ኢና ንፈልጥ፡፡ ይትረፍ’ዶ ነቲ ገባሪ ኩሉ እከይ ተግባራት ኢሳይያስ፡ንሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ሌ/ኮሎኔል ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም) እኳ ኣጸሊልዎ ከምዘሎ፡፡ ይትረፍ ዶ ንሰብ ንንፋስ’ውን ምእማን ስኢኑ፡ ናይ ቀረባ ኣዝማዱ ካብ ኣመሪካ ጸዊዑ ከሕክምዎን ክከታተልዎን ከምዝገብር ኢና ንፈልጥ፡፡
ካብዚ ንላዕሊ ምጽናት ሰባት ስለዘየለ ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩላትና ኤርትራውያን ናብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ክነቕርቦ ዘለና ጻውዒት ገበነኛታት ናብ ኣህጉራዊ ኣብያተ ፍርዲ ኣቕርቡልና ዝብል ክኾውን ይግባእ፡፡
ናይዚ መረጋገጺ ሓደ ኣብ ጉዳጉዲ ዒራዒሮ ካብ ዝቕየዱ 14 ዓመታት ዘቑጸሩ 35 ዜጋታት እቶም 20 ብሰንኪ ግፍዒ አሳይያስ ሂወቶም ስኢኖም ኣለው፡፡ ንምርድኡን ምእማኑን ኣዝዩ ዘጸግመልና ግፍዕታት ኢሳይያስ ሓቁን ሓሶትን ንምርግጋጽ ዘይሻራውያን ኣካላት ኣትየን ከረጋግጸኦ ንቃለስ፡፡ “ሓሶት እዩ፡፡ እሱራት ዒራዒሮ ብሂወት ኣለው”ክብል ከም ኣመሉ እንተደኣዝኽሕድ ኮይኑ በተን ኣህጉራውያን ዘይሻራውያን ትካላት ነቲ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ዝርከብ ህዝብና የረጋግጻሉ፡፡
ንሰብኣዊ መሰል ደቂ ኣዳምን ንምጽናት ደቂሰባትን ዝሕለቓ ዘይመንግስታውያን ትካላት ዓለምና ምእንቲ ከረጋግጻልና፡ ብዘሎን ዘየሎን ሓይልና ንቃለስ፡፡ ግብሩ ዝፈለጠ ጉጅለ ኢሳይያስ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ነቶም ካብ ህልዋት ንታሕቲ ካብ ሙውታት ንላዕሊ ሒደት ብሂወት ዝተረፉ ኡስራት ዒራዒሮ ቦታ ቀይርዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ ናበይ? መዓስ? ክንደይ? ስለ ምንታይ?ድማ ኣብ ቀጻሊ ክንገልጾ ኢና፡፡ ነዛ ንኣስታት 14 ንጀጋኑ ተጋደልትን ጋዜጠኛታትን ዝቐዘፈትን ዘማሰነትን ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ከምዘይነበረት ንምምሳል ኣብ ጻዕርታት ከምዝርከብ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡
….to be continued