ጉዳይ ሓድነት ኣብ ጽልግልግ፤

December 25, 2012December 25, 2012

 

ዝብና ብሰንኪ ጨካን  ምሕደራ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕልፎ ዘሎ ሕሱም ናብራ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን መፍትሒ እንተዘይተረኺቡሉ፡ ከም ትዕዝብቲ ተመራመርቲ፡ ኤርትራ ናብ ዝፈሸለት ሃገር ገጻ ተምርሕ ከም ዘላ ብተደጋጋሚ ይንገር ኣሎ። ተቓላሳይ ህዝብና ነጻን ቅዋማዊትን ሃገረ-ኤርትራ ተመንዩ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝፈትዎም ደቁ ነጻነት እኳ የውሕስ እምበር፡ ትምኒቱ ሙሉእ-ብሙሉእ ኣይሰመረሉን። ብድሕሪ ነጻነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክሓርሞ፤ ክጠሚ ይኹን ክስደድ ሓሲብዎ ኣይፈልጥን። ክብረቱ ከውሕስን፡ ተጠቃሚ ጸጋታቱ ኮይኑ ክመሃርን ሃገሩ ከማዕብልን ዝነበሮ ትምኒት ከም ሕልሚ በኒኑ። ኣብ ቅድሚ ጎረባብትን ዓለምን ካብ ሰብ ንታሕቲ ተቖጺሩ። ኣብ ገለን እንስሳ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ተባሂሉ ንምድሓኑ ዝከኣል ጻዕርታት ክካየድ እንከሎ፡ ኣማእታት ኤርትራውያን ኣብ ባሕርታት ንሓደጋ ተሳጢሖም ይኹን፡ ኣብ ኢድ ነጋዶ-ሰባት ተመቚሖም ናይ ሞት ፍርዶም እንዳተጸበዩ ንዝገብርዎ ናይ ሂወት-ኣድሕን ጸዋዒት ሸለል ክበሃል ንዕዘብ ኣሎና። ስርዓት ህግደፍ “ጸጊቦም” ብምባል ብሓንቲ ናይ ብድዐ ቃል ክምልሶ እንከሎ፡ መሳርሒ ናይ’ቲ ስርዓት ዝኾኑ መኳንንቱ ድማ ስጋ-ሰብ ከም ዝለመደ ኣራዊት መንእሰያትና ንምጭዋይን ንራሻይዳን በደዊንን ኣሕሊፎም ንምሃብ ኣብ ፈቐዶ ዶባት ሃገርና ኣድብዮም ብምጽናሕ ይሻመዉሎም ኣሎው።

ሃገርና ካብ’ዚ ኣትያቶ ዘላ ሽግር ናይ ምድሓና ሓላፍነት ንማንም ኤርትራዊ እየ ዝብል ዜጋ ከም ዝብጽሖ ክንዝንግዕ የብልናን። ካብ’ዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ዝመንጨወ እዩ ድማ እቲ “ንምድሓን ህዝብን ሃገርን” ማእከሉ ዝገበረ ጉዕዞ ናይ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ዝጀመረ። መሻርኽቲ ናይ’ዚ ቅዱስ ጉዕዞ’ዚ እዚ ድማ ፖለቲካውያን ውድባት፤ ሲቪካዊያን ማሕበራትን ግዱሳት ባእታታትን እዮም። እዚ ጉዕዞ’ዚ ካብ ዝጅምር እንሆ ዓመታት ኣቚጽሩ። ኣብ ጉዕዞኡ ድማ ብሓፈሻ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና፡ ብፍላይ ድማ ንሙሁራትን መንእሰያትን ኣካል ሕብረተ-ሰብና ዓቢ ተስፋ ስለ ዝሃበ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ብዋሕዚ ተጸምበርዎ። ይኹን እምበር ምምጻእ ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ሕብረተ-ሰብና ዘሰከፎም ኣካላት ግን ኣይተሳእኑን። ፖለቲካውያን ውድባት ብፍላይ ኣባላት ኪዳን ንዘለዎም ስክፍታ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ክቃለሱሉ ጀመሩ። ኣብ’ቲ ታሕሳስ 2011 ዘካየድናዮ ጉባኤ ህዝባዊ መንፈስ ንምውሓስ ዝምረጹ ኣባላት ባይቶ 60% ካብ ህዝቢ ክኾኑ ኣሎዎም ዝብል ናይ ህዝቢ ጠለብ ዓምጺጾም ብኣንጻሩ 85% ኣባላት ፖለቲካውያን ውድባት ክኾኑ ተገይሩ። ነዚ ውሳነ’ዚ ንምግታእ ብህዝቢ ዝከኣሎ ቃልሲ እኳ እንተተኻየደ ፓለቲካውያን ውድባት ኣቐዲሞም ዝሓሰብሉ ጉዳይ ብምንባሩ ተወዳዲቦም ብምምጻእ ክዕወቱሉ ክኢሎም እዮም። እዚ ተርእዮ እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሲቪላዊ ህዝብን ፓለቲካውያን ውድባትን ዘይምትእምማን ምጥርጣርን ፈጠረ።

መሪሕነት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ምጅማር ስርሑ፡ ብግስ ከይበለ ዝወሰዶ ዘይሕጋዊ ናይ ምድስካል ስጉምቲ ይኹን፡ ዓመት ሙሉእ ብዘይ ፍረ ዘሕለፎ ግዜ ተደማሚሩ እቲ “ደሞክራሲያዊ ለውጢ” ይኹን “ምድሓን ህዝብን ሃገርን” ዝብል ኣምራት ተግባራዊ ናይ ምዃን ዕድሉ ምህሙን ምዃኑ ግሉጽ እንዳኾነ ከደ። ዝያዳ ዝተጋህደሉ ግን በቲ ኣብ ልዕሊ ውድብ ደምሓኩኤ (ውድብ ኩናማ ኤርትራ) ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ናይ ምድስካል ውሳነ እዩ። ውድብ ደምሓኩኤ ኣብ ርእሲ ስዉእ ሓምድ ኢድሪስ ዓወተ ዘሎዎም ኣረኣእያ  ኣብ በዓል ሓደ መስከረም 2012 ገሊጾም። ብምኽንያት መግለጺኦም መሰረት ድማ ኣብ ኪዳን ዝነበሮም ኣባልነት ደስኪሉ። ካብ ኪዳን ንምንታይ ደስኪሎም ዝብል ሕቶ ከልዕል ኣይክእልን፤ ምኽንያቱ ኣብ ኪዳን ነዚ መወከሲ ዝኸውን ዓንቀጽ ይሃልዎም ኣይሃልዎም ስለ ዘይፈልጥ። ካብ ባይቶ ምድስካሎም ግን ሕጋዊ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊኦምን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዓቢ ገበን ተፈጺሙ እዩ። ካብ’ዚ ሓደጋ’ዚ ንምድሓንን ሓድነትና ሓልዩ ብሓባር ኮግዕዘና ዝኽእልን ብዙሕ መተካእታታት ቀሪቡ እዩ፤ ኮይኑ ግን ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸበን። ኣርባዕተ ሰዓት ዘይወስድ ጉዳይ ነርባዕተ መዓልቲ ተማጎትና ሕጋዊ መቕጽዒ ዓንቀጽ ስለ ዘይተረኸበ እቶም ከደስክልዎ ወሲኖም ዝመጹ ውድባት ኪዳንን ሰዓብቶምን ብሓድሽ ሜላ ቀረቡ። እዚ ከኣ ሓደ ኣባል ናይ ኪዳን ውድባት ንኣቦ መንበር ባይቶ ከም’ዚ ዝስዕብ በሎ። “ንሕና ካብ’ዚ ንላዕሊ ክንቅጽል ኣይንኽእልን ኢና፤ ኮይኑ ግን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዘሎና ውሳነ ፌርማና ዘሎዎ ጽሑፍ ክንህበካ ኢና”  ብድሕሪ ምባሉ እታ ዝተዛረባ ከይተተርጎመትን ካብ ኣቦ መንበር ናይ ምውጻእ ፍቓድ ከይተወሃቦምን ከመ-ቅጽበት ኣኼባ ራሕሪሖም ንደገ ወጹ። ከም ዝበሃል ድማ 70 ኣባላት ባይቶ ዝፈረሙላ ደብዳበ ንኣቦ መንበር ባይቶ ተዋሂባ እያ። እዞም ዝተጠቕሱ ኣባላት ባይቶ ዝጸሓፍዋ ደብዳበ እንታይ ትብል ከም ዝነበረት ብዘይካ እቶም ዝተቐበልዋ መሪሕነት ባይቶ ማንም ዝፈልጥ የልቦን። ካብ ኣባላት ባይቶ መኸወሊኣ ምኽንያት እውን ከይገረመኒ ኣይተረፈን።  ካብ’ቲ እንታይ ኮን ጽሒፎም ይኾኑ ዝብል ዝያዳ ዘተሓሳሰበኒ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል ባይቶ መንእሰይ ዓመጻዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘርኣይዎ ሸበድበድን  ፈኸራን እዩ። ናይ ነጻ ርእይቶኻ ምሃብ መሰል ዘይጻወርን ዘየኽብርን ጉጅለ እንታይ ዓይነት ስርዓት ከቕውም ከምዝደሊ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ኮነ። ካብ’ዚ ውሳነ እዚ ዝተመሃርናዮ ነገር እንተሃልዩ፡ መጀመርያን እቲ ኣዝዩ ኣሰካፍን ሓደገኛን እንብሎ እቲ ኣብ መንጎ ዝደገፉን ዝተቓወሙን ዝተጋህደ ሃይማኖታዊ መልክዕ ኣፈላላይ ክኸውን እንከሎ፤ ብኻልኣይ መልክዑ ድማ ከሳርሓና ኢልና ዘጽደቕናዮ ሕገ-ህንጻ ዘይመረቖ ስምዒታዊ ስጉምቲ ምውሳድን እዮም። በዛ ኣብ ርእሲ ውድብ ደምሓኩኤ ዝተወስደት ስጉምቲ እንተ እንምዘን ድማ ብዘየማትእ ኣብ መዝገብ ምልካውያን ምተሰራዕና።

ኣብ’ዛ ሰዓት እዚኣ ህዝብን ሃገርን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎው ማንም ዝሰማማዓሉ ሓቂ እዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ከቢድ ሚዛን ክወሃቦን ቅድሚት ክስራዕን ድማ ይግባእ። ኣብ መስርሕ ምድሓን ህዝብን ሃገርን ኣንፈትካ ዘስሕቱ መሰናኽላት ዝፈጥሩ ኣካላት ድማ ካብ’ቲ ህዝብና ዝምነዮን ብዘይ ውዓል-ሕደር ከረጋግጾ ዝደልን ጽቡቕ ድሌት ወጻኢ ከም ዝዝንብዩ ዘሎው የረጋግጸልና። ምድሓን ህዝብን ሃገርን ኣማራጺ ዘየብሉ ዕማምና ምዃኑ ጽኑዕ እምነትና እዩ። ነዚ ክንገብር ግን መጀመርያ ሓቀኛ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከነረጋግጽ ኣሎና። ሓቀኛ ናይ ለውጢ ሓይሊ ካብ ውሽጢ ህዝቢ ፈልፊሉ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝዓቢ እዩ። እዚ ክብል እንከሎኹ ድማ  ህዝብን ሃገርን ብዘይውልውል ዘቐድም፤ ኣብ ህዝቡ ዘይጠራጠርን ህዝቢ’ውን ሙሉእ እምነት ዘሕደረሉን ዱልዱል ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ማለተይ እዩ። ኣብ’ዛ እዋን እዚኣ ተቓወምቲ ውድባት ኪዳን ኣብ ህዝቢ ዘሎዎም ጥርጠራን ስክፍታን፤ ህዝቢ’ውን ኣብ ኪዳን ዘሎዎ ጎደሎ እምነትን ጎሊሑ ይረአ ኣሎ። የግዳስ እዚ ሓደገኛ ስምዒት’ዚ ንኺዳን ድኣ የሰክፎ እምበር ህዝብስ ኩሉ ግዜ ምርጫ ኣሎዎ። በዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ኣተሃላልዋና፡ “ኣቦይን ኣደይን በበይኖም ጸሎቶም” ከም ዝበሃል፡ ገለን ህዝቢ ንምድሓንን ቅዋማዊት ሃገር ንምውሓስን ዝከኣሎ ክገብር እንከሎ፤ ገለን ከኣ ናይ መጻኢት ስልጣኑ ካብ ሕጂ ከውሕሳ ሸበድበድ ኣብ ምባል እዩ ዘሎ። ኣኼባ ቅድሚ ምጅማርና ዝተዘርገሐት ጭርሖ ነይራ። ንሳ ድማ “ዝኸኣለ ይሰጉም!!” ፡ “ዝደኸመ ይሳለ!!!” ፡ “ዘይከኣለ ወይ ዝተሸኽለ ይተኣለ!!!” ትብል ነይራ። ኣበይሞ ነታ መሃሪት ጭርሖ እንተእንኽተልስ ኩልና ተሸኺልና ኣይምተረፍናን።

ሓቂ እዩ ህዝብና መስርሕ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕዋት ብሓሳብ ይኹን ብንዋት ገለን ድማ ብኣካል ዘይሕለል ኣስተዋጽኦ ገይሩ እዩ። ናይ’ቲ ዘርኣዮ ድሉውነት ግብረ-መልሲ ግን እንሆ ንኽትደግሞ ዘሕንኽ ተደጒሉ ዝነበረ ረመጽ ተኸስኪሱዎ። ዘሕዝን እዩ ኢልና ክንሓልፎ ኣይግባእን፤ ስለ ዝተመሃርናሉ ድማ ክንሕበን ይግባእ። ከም’ዚ ዓይነት ተጻብኦ ካብ ጸላኢ እምበር ካብ መጓዕዝተይ ዝበልካዮ ሓይሊ ከጓንፈካ እትጽበዮ ኣይኮነን። ግን ከኣ ሓደ ካብ’ቶም ጸጋታት ናይ ቃልሲ ኣብ ጉዕዞ ካብ ዘጋጥሙኻ ሕልኽልኻት እትቐስሞ ትምህርቲ እዩ። ውሕጅን ቃልስን ሓደ ዝገብሮም ንዘጓንፎም ተጻብኦታት ብጥበብ ሰጊሮም ጉዕዞኦም ስለ ዝቕጽሉ እዩ። ሕጂ’ውን ተቓላሳይ ህዝብና ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኣሉታዊ ምዕባለ ብልቦና ተገንዚቡን ካብ ነዊሕ ተመኩሮ ዘጥረዮ  ተባላሓትነት ተጠቒሙን ከም ሓደ ህዝቢ ጉዕዞ ቃልሱ ዘረጋግጸሉ ጉቡእ ፍታሕ ንኸናዲ ብትሕትና እላቦ።

ተኽላይ ኣብራሃ

ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ዞባ ሰሜን ኣመሪካ

December 25, 2012

መተሓሳሰቢ፡ ትሕዝቶ ናይ’ዚ ጽሑፍ እዚ ንጸሓፊኡ ድኣ እምበር ንዝኾነ ይኹን ካልእ ኣካል ኣይውክልን።

Comments

I had no hope from the bayto from the beginning, and the bayto was not repreenting anyone except their own agendas. Awet died 50 years ago and now he becomes an issue, while our brothers are killied by issais. The agenda was supposed to be about the current issue, from my observation, the bayto is segregated by one religion dominance. There were few people from Kebsa namely Tigriyna.

The best thing to deal with the issue is to give time and space for the youth regardless of their religion. They should put pre conditions to stop the former gurilla fighters from involving in the leadership. Because many of them have no work. and they are smearing problems, I know there are also truly fighting the dictator in Asmera. But there are some people who could be worst than Issais. they have hidden behind the national agenda.Hidden in Kidan and bayto. As long as these people are there, we will not over throw issais.
Lets be honest and help our people.

Selam Teklai,
As they say “Dehri mai ab beati”, You are one of the people who helped promote the monester (EDA/Baito), If you are the Teklai from EGS, I wouldn’t criticize the EDA or Baito, you were the one who defended them to the fullest, while many at EGS expressed their reservation on the direction taken by EDA and Baito … I really want you to take your time and review the 1st, and 2nd open letter written by EGS to EDA/Baito … not to mention your close ties to the Ethiopian Generals and political cadres … you did not address the Eritrean agenda to begin with … unfortunately, Seyoum, at that time EGS chair person chose to see the other way … when EGS was warned by me and another friend from Boston, and more clearly by CEDRIE, non of you tried to investigate the matter on its entirety … When you were told to pay close attention to the intrigues of EDA and ECDC, you just submitted only partial report to the board … since you are in hurry to join your former comrades in Debrezeit or other Ethiopian resorts … If I were you I would start blaming EGS on how it handles the preparation stages of the conference, which at that time you were representing EGS, not to mention EDA/Baito’s contempt towards the civic organizations … When I proposed early on to deal with the issue of Political groups working with Civic groups, EGS completely ignored the agenda, while Seyoum chose to post pond it to later days … In short Teklai you are as much to blame for the…

 

Hi.tesfai, I think it is good to be honest with yourself ,last time you participated in the National Congress in AWASA and when people has began the ellections,you put a preconditions and restrictions to the representatives of USA in the Congress regarding the EGS quota,all refused your preconditions in that time you left the whole meeting and you walked out,the members from USA ellected their 15 representatives in the ENCDC, and so that you are not a member of ENCDC(BAITO) legally.
you imposed by third party to be member of the baito while you did not elected by the people ,so please dont talk about the people,it is shamefull to do that.
All the 127 members knew about you isue.

Semret Yemane on December 26, 2012 at 12:48 am said:

”ዘይተጽግበ ቅጫስ ኣብ ሞቕሎኣ እንከላ ትፍለጥ”፡ ከም ዝበሃል ጉዕዞ ኤዲኪ ከይዱ ከይዱ ናብ ፍሽለት’ምበር መንገዲ ዓወት ከምዘየምርሕ ጋህዲ እናኾነ መጺኡ እዩ። ኤዲኪ ሃገራዊ ዋዕላ ናይ ምድላው ሓላፍነት ተሸኪሙ ብግስ ካብ ዝብል፡ ዓብላሊ ኮይኑ ክወጽእ ኣብ ኩሎም መድረኻት ተቓሊሱ’ዩ፡፡ ንሲቪክ ማሕበራትን ካብ ኤዲኪ ወጻኢ ዝኾኑ ፖሎቲካዊ ውድባትን ክብሪ ብምኽላእ ሸርሕታት ክፍጽም ተራእዩ። ዓገብ ተባሂሉ ኣይሰምዐን። እንተኾነ ግን ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝሓሰቦ ኣይሰመረሉን። ይኹን’,ምበር ብውሳኔ ሃገራዊ ዋዕላ መሰረት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሃገራዊ ጉባኤ ከዳሉ ሓላፍነት ዝተሸከመ ሃገራዊ ኮምሽን፡ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ብብቕዓት ከይፍጽም ምሕንኳሉ ስርሐይ ኢሉ ተታሓሓዞ። 60% ወከልቲ ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ነጻ ህዝቢ ክኾኑ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ብምድፋእ፡ ሲቪክ ኣባላት ውድባት ኪዳን ብሽም ህዝቢ ኣብ ጉባኤ ንምስታፍ ክንደይ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ተራእዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ብኣባላት ኤዲኪ ተዓብሊሉ፤ ሃይማኖታዊ ተዋጽኦ ተናጊዑ። ይኹን’ምበር ካብ ኤዲኪ ወጻኢ ዝነበሩ ወከልቲ ሲቪክን ፖሎቲካዊ ውድባትን ህዝብን ልቢ ኣዕብዮም እንተሓለፉዎ’ውን ወከልቲ ኢዲኪ ”ደው በለለይ’ሞ ክብለጸልካ” ብዝዓይነቱ ኣከያይዳ፡ ሃገራዊ ቅዋም ኣብ ዘይእዋኑ ከጽድቑ ዝከኣሎም ተማዊቶም። እዚ’ኣ ክትስገር ዘይትኽእል ነገር እያ ነይራ። ሃገራዊ ጉባኤ፡- ኣዋሳ ዕለተ ቀብራ ምኾነት ነይራ’ምበር ምጽዳቕ ሃገራዊ ቅዋም ከምቲ ኤዲኪን ተዳሙንን ዝተመነዩዎ ኣይምኾነትን ነይሩ። ብዝኾነ ዕረ እናጣዓሞም ገዲፎማ። ካብኡ’ሞ ናይ ስልጣን መዘወር ንምሓዝ ናይ ዓይኒ የብለይን ስኒ የብለይን ቃልሲ ኣካየዱ። ባዕላቶም ፖሎቲካዊ ውድባት እዮም ኢሎም ኣራርዮም ዘምጽኡዎም ወከልቲ ”ውድባት”፡ ኣብ ሕቶ ስልጣን ምስ ኮነ፡ እንታይ ኢሎም ክዝክሩዎም። ሓደ-ሓደ ወንበር ክልግሱሎም’ውን ኣይደለዩን፤ ኣጃይብ እዩ። ነብሲ ወከፍ ኣባል ኪዳን(ዓብይ እየ ዝብል ይኹን ደቂቕ) ኣርባዕተ ወንበር እንተዘይረኺብና ሞይትና ንርከብ ኣሎና በሉ። በቲ ካልእ ድማ ተገኒዝኩም ትቕበሩ’ምበር ንሳስ ኣይትረኽቡዋን ዝብል ሽነኽ ድማ ነኺሱ ሓዘ። ዕረ እናጠዓሞም፡ ሹዱሽተ ወንበር ክገድፉ ተገደዱ። እተን ብማዕረ ዘይምቀላ 38 ወናብር፡ ኣብ ሞንጎኦም፡ ንስኻ ንኡሽተይ ኢኻ፡ ንስኻ ግን ዓብይ ኢኻ ብምባል ክማቐሉወን ኣይደፈሩን። ከም መዋጽኦ ዕጫ ንግበረለን ኢሎም ሻሕ እንተኣበሉ፡ ወዮም ዓበይቲ ኢና ዝብሉ ሰለስተ-ሰለስተ ወንበር በጽሖም። መንበር ናይ ፈጻሚት ድማ ከምኡ ብዕጫ ተማቐሉዎ። ናይ ሕኸኸሚ ክሓከካ ኣከያይዳ። ንዓይ እንታይ ትብለኒ፤ ንዕጫኻ ርገም ንዕድልካ መርቕ ዝኾነ…

ኣብ ንጥፈታት ፈጻሚት ባይቶን ሃገራዊ ባይቶን ምዕንቃፍ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ኤዲኪ፡ ዓመታዊ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ ቀንዲ ኣጀንዳታት ኣትኵሩ ክግምግም ንረብሕኡ ኣይኮነን። ኣብ ኮለል ጊዜኡ ከባኽን ዝገብሮ ኣርእስቲ እንተተረኺቡ፡ ኣብኣ ከምዝንጥልጠል ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ኣጋጣሚ ድማ መግለጺ ደምሓኩኤ ረኸበ። እዚኣ ከመይ ዝመሰለት ጮማ ኣጀንዳ ኤዲኪ ኮይና፡ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ክትቅብቀብ ጀመረት። ቅድሚኡ ዝነበሩ ትሽዓተ ወርሓት እንታይ ተሰሪሑሎም ብዘየገድስ፡ መግለጺ ደምሓኩኤ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ተሰርዐት። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካርዶም እናሓረረ ዝመጸ መራሕቲ ተዳሙንን ምስኦም ተለጢፎም ኣጀንዳ ስልጣኖም ጥራሕ ዝሓስቡ ተበለጽቲ መራሕት ውድባት ኤዲኪ፡ ኣብ ሓንቲ ቁራዕ ተኣኪቦም፡ ብሓባር ክቑዝሙ ተራእዩ። መራሕቲ ተዳሙንን ተበለጽቲ ሽነኻትን፡ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ዑፍ ናይ ምህራም ጥበብ ያኢ ተታሒዙለይ፡ ንያት ህዝብና ዝሃረመ ፈጺሙ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣካያይዳ ተኸተሉ። መራሕቲ ተዳሙንን ተበለጽቲ ሸነኻትን፡ ኣብ ትዕዝብቲ ንወድቕ ኣሎና፤ መንዓቒና እዩ’ውን ከይበሉ፡ መወከሲ ሕጊ ዘይብሉ፡ ኣብ ዓዲ እንዳማቶም ኣካኪ ዘራፍ ክብሉ ተራእዩ። ናይ ብሓቂ ድማ፡ ኪዳንን መሓዙቱን፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞብ ምህላዎም፡ ተቓለስቲ ምእንቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኣይገብሮምን። ፖሎቲካዊ ስልጣን ጥራሕ ዝሓልሙ፡ ካብ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ዝኸፍአ ባህርያት ዘለዎም ተቓወምቲ ሓይልታት ከምዘጋጥሙ ታሪኽ ደጋጊሙ ይምህረና እዩ፡፡ ውድባት ኤዲኪን ተዳሙንን ድማ ካብ’ዚ ባህሪ’ዚ ዝተፈለዩ ኣይኮኑን። እዛ ሓቂ’ዚኣ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ከንጸባርቑዋ ምጽነሖም ሓቂ እዩ፤ ኣብ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ፈጺሙ ብዘየጋጊ መንገዲ፡ ጸረ ዲሞክራስን ጸረ ህዝብን መንነቶም ተቓሊዑ እዩ። ናይ ብሓቂ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓይሊ ተቓውሞ፡ መን ንሓቀኛ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ይቃለስ፡ መን ከ ስልጣን ካብ ህግደፍ ምምንጣል’ምበር ኣጀንዳ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘይብሉ፡ ዝብል ሕርሕራይ ገይሩ ኣብሪሁ ኣሎ። ብርግጽ እዞም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ጸረ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት፡ ብቐዳምነት ዝስርዑ ጸላእቲ ኣይኮኑን። እሙናት ፈተውቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ግን ኣይኮኑን። ቀዳማይ ጸላኢና ህግደፍ እዩ። እዞም ጸረ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ጎቢዞም ዕድል እንተረኺቦም ግን፡ ናይ ጽባሕ ቀንዲ ሓደጋ ምዃኖም ኣይተርፎምን። ስለዚ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ሓይልታት ብቱኩርነት ከስተብልሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ነዞም በብእዋኑ ጸረ ዲሞክራስን ጸረ ህዝብን መንነቶም እናተቓልዑ ዝመጹ ዘለዉ ፖሎቲካዊ ሓይልታት፡ ካብኦም ርሒቕካ ዘይኮነስ፡ ምስኦም ወይ ኣብ ቀረብኦም ኮይንካ፡ ብምቅላስ’ምበር ካብኦም ርሒቕካ መንነቶም