ጕብጣን
“ናይ ኣሶሳ፡ ኣምበሳ”
(ታሪኽ ጅግና፡ ስዉእ መኮነን ተኽለ ተስፋዝጊ)

ሓላፊ ስርሒት ቅያ 18 ደቓይቕ፡ ሓርበኛ ስዉእ "ሞኮነን ተኽለ" (ጉብጣን)

+++

ኣብ ኣሶሳ ዝነበረ ፍሉይ ተርእዮ መስዋእቲ ገዲምን ሓላፊ ኣሃዱ ኮማንዶን ዝነበረ ተጋዳላይ መኮነን ተኽለ /ጉብጣን/ ኢዩ። ኣብ ኣሶሳ ናብ ግድን ክቕንጸል ዝነበሮ መኮነን /ጉብጣን/ ድማ ብመደብ ኢሳይያስን ብትእዛዝ ፊሊጶስ ተቐንጸለ። ኣገባብ ቅንጸላ መኮነን ተኽለ ኣብ ዝቕጽል ግዜ ክቐርብ ኢዩኢዩ።sourceትልሚ፣ ንዘርኢ ክርዳድ ዓስራይ

ጕብጣን
(ጅግና ስዉእ መኮነን ተኽለ)
“ምስ ዓወት፡ ብደቂቕ ዝጸባጸብ ጅግና!”

Zemnfes Haile

9 June  · 

እታ “ጉብጣን” እትብል ሳጓ፡ ካበይ ከም ዝመጽአት ዝፈልጥ ሰብ ኣይረኸብኩን። “ብጭቡጥ ዝፈልጣ ሰብ ዘሎ’ውን ኣይመስልን” ክብሃል ሰሚዐ፤ - ኣሚነ ንምቕባሉ ኸበደኒ። ኣባላቱ ነበር፡ “ንሱ ሕሉፍ ትምክሕቲ እዩ ነይሩዎ። ስለዝስ ካባና ኸኣ መን እሞ እዩ ደፊሩ ክሓቶ፧” ብምባል፡ እዮም ዝገልጹ። ደፊሩ፡ “እዛ ጕብጣን እትብል ሳጓኻስ መን እዩ ኣውጺኡልካ፡ እንታይ ማለት እያ ኸ፧” ዝብሎስ ተሳኢኑ! ማለት እዩ። ክሳብ ክንድ’ዚ እዩ ነይሩ ጕብጣን።
ኣብ እንዳ 70 ንዝነበሩ ሓለፍቱ ሓቲተ፣ “እዛ ሳጓ ሽዑ ምሳና ኸሎ ኣይነበረትን” ኢሎሙኒ። “ኣብ እንዳ 44 ምስ ከደ እያ ወጺኣ ክትከዉን እትኽእል፡” ብምባል ግምቶም ዝህቡ ኣለዉ። ጕብጣን ካብ እንዳ 44 ናብ እንዳ 80 እዩ ኸይዱ። ከምኡ እናበለ. . ናብ ኣሃዱ ኮማንዶ። ናብ ስርሒታት. .ናብ. .
***

ጕብጣን ዕሉል ወዲ ኸተማ እዩ፡ ወደ’ስመራ! ክቱር ፍቕሪ ሙዚቃ እዩ ነይርዎ፡ ንዕምሩ ምሉእ ዘፍቀሮ እንኮ ኤርትራዊ ድምጻዊ፡ ድምጻዊ ተኽለ ተስፋዝጊ ከም ዝነበረ እዩ ዝፍለጥ። ስም ኣቦኡ ስለዝወረሰ ዘይኮነ፡ በቲ ንዕድሚኡን ስምዒቱን ዝዉክለሉ ዝነበረ መሳጢ ደርፍታቱ፡ ንተኽለ ከም ሕሱም ይፈትዎ ነበረ፡ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ኵሉ ቴፕ ተረደኣ ረኺቡ ካሴት ተኽለ ተስፋዝጊ ይውልዕ፡ ቴፕ ተደኣ ዘይረኺቡ፡ ባዕሉ ንደርፍታት ተኽለ ተስፋዝጊ፡ ብድምጹ ይደርፎ።
ክቱር ፍቕርን ምልከትን ምዝዋር መኪና ነበሮ። ካብኡ ዝተላዕለ፡ ቸንቶ ቬንቲ ኳትሮ ንዝዓይነታ መኪና፡ ክልተ ኣእጋራ ኣብ ጽርግያ ኣትሪፉ፡ ዝተረፈ ኣካላ ናብ ማርቻፔዲ ሰቒሉ፡ ከም ዑፍ እናብረረ ይኸይድ ምንባሩን ይዕለል። ልዑል ፍቕሪ ሲነማ ምዕዛብ ከም ዝነበሮ እውን ይግለጽ እዩ። ኣብቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረሉ ዓመታት፡ ከም ገለ ኢሉ ግዜ እንተረኺቡን ከዐልል ፍቓደኛ እንተደኣ ዀይኑን፡ ነቲ ብንኡሱ ኸሎ ዝርእዮ ዝነበረ መሳጢ ፊልምታት፡ ብፍቕሪ እናዘከረ ኽትርኽ ይፈቱ ነበረ። ክንዮ እዚ ግን ጕብጣን፡ ምኩሕ ወትሃደር እዩ! ካብ ምሒር ወትሃደራዊ ባህርያቱ፡ ኣብ ሜዳ፡ “ጉብጣን ምስ ጫምኡ እዩ ዝድቅስ ነይሩ!” እዮም ዝብልዎ።

ልዕሊ ዅሉ ቀባጽ እዩ፣ ህይወቱ ክህብ ድሕር ዘይብል ጅግና! ንጸላኢኡ ብዘይመጠን ጨካን እዩ። ንዕላምኡ ኣብ ሓዊ እውን እንተዀነ ኽጥበስ ድሕር ኣይብልን። ምኩሕ እዩ፣ ንዓወት ብደቂቕ ዝጸባጸብ ኣርሓ! ዉፉይ ከኣ፣ ንነብሰይ ዘይብል፣ ሰዉራዊ! ነብሱ ብምልኣት ኣብ ሰዉራ ኣጥሒሉ ዝመነነ - ተጋዳላይ። ነብሱ ኣብ ሰዉራ ኣእትዩ ኪንዮው እቲ ብሰዉራኡ ዝመጽእ ዓወት፣ ካልእ ዘየብህጎ። ኪንዮው ሃገሩን ህዝቡን፣ የማነ ጸጋሙ ዝነበረ ዓለም ዘየመንዮ ፍጡር።
“...ብዘይካ ወትሃደራዊ ክዳን ካልእ ዓይነት ልብሲ ኣይመርጽን እዩ። ወትሃደርሲ ጉብጣን እዩ! ጉብጣን ሲምቦል ናይ ወትሃደር እዩ!!”
“ናጽነት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኽትመጽእ እንተደኣ ዀይና፡ ኣብ ሃገራት ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዝነበረ ዜጋ እዛ ሃገር፡ ኵሉ ኣብ ሜዳ ኣትዩ ኽቃለስ ኣለዎ!” ዝብል ስምዒት እዩ ነይሩዎ። ካብኡ ዝነቐለ፡ “.. ኣነ እየ ደብዳበ ዝጽሕፈሉ ነይረ። ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ እንተደኣ ኽጽሕፍ ኰይኑ፣ ጸርፊ ጥራይ እዩ ዝመልኦ። ‘ሃገር እናተቓለሰት ንስኹም ኣብ ሃገር እንዳማትኩም... ኣራጢጥኩም ምንባር ተራእዩኩም! ኣንቱም መሳፍንቲ! ኣንቱም...ከደዓት!’ ‘ሓግዙ ሓግዙ፣ ንገድሊ ሓግዙ! ንዑ ተጋደሉ!’..እናበለ እዩ ነቶም ኣብ ስደት ዝነበሩ ኣሕዋቱን ፈለጥቱን ዝምልሸሎም ነይሩ። .. ንዕኡ ኵሉ ነገር ድሕሪ ሃገርን ሰዉራን እዩ ነይሩ!” ይብል፡ ክሳብ መወዳእታ፡ ካብ 1984 ኣትሒዙ ሬድዮ ኦፕሬተሩ ዝነበረ፡ ተጋዳላይ ሰመረ ሃብተስላሰ፡ (ናይ ሽዑ ኮድ ስሙ ቢንያም)
ጕብጣን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት መውጋእቲ የጋጥሞ ነይሩ እዩ፡ እንተዀነ፡ “ልዕሊ ዅሉ ካልእ ማህረምቱ፡ ከምታ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ዝተወግኣ ገይራ እተሕምሞ ኣይነበረትን። ሽዑ፡ ኣዛዚ ሓይሊ እዩ ነይሩ። ... ኲናት ሓድሕድ ኲናት ክልተ ኣሕዋት ስለዝዀነ ክዝክሮን ከዕልለሉን ኣይደልን እዩ ነይሩ፡” ይብሉ።

መኮነን ተኽለ ተስፋዝጊ (ጉብጣን) ኣፍቀርቱ ብዙሓት እዮም። ብኣካል ዝፈልጡዎን ብዝና ጥራይ ሰሚዖም ዘድንቑዎን ማእለያ የብሎምን።
መን ከ ኣሎ እሞ፡ ንጅግና ዘየፍቅሮ!
(ምሉእ ትሕዝቶ ናይዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣቐዲሙ ብ ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ኣብ መጽሓፍ “ዛዛሚ ኲናት” ተሓቲሙ ወጺኡ ኣሎ። ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ እውን ተቓሊሑ እዩ። ብጻይ ሳምሶም ብርሃነ (ሲንግል) “ብምኽንያት 20 ሰነስ ኣብዚ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብዛዕባ ጕብጣን ገለ ዘይትብል፧” ብምባል ንዘቐረበለይ ብጻያዊ ሕቶ ንምምላስ ዝኣክል እየ እዚ ንመእተዊ ጥራይ ዝኸውን ጽሑፍ እዚ፡ ክጽሕፍ መሪጸ። ብሓፈሻ “ዛንታ ጕብጣን ብምልኣት፡ ብመልክዕ መጽሓፍ ተዝጸሓፍ” ዝብሉ እውን ኣለዉ፡ ምስ ግዜ ዝምለስ እዩ።
ዓወት ንሓፋሽ!
ልባዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!!



ካልኣይ ክፋል. .
.



መኮነን (ጉብጣን) ካብ ኣቦኡ ተኽለ ተስፋዝግን ኣዲኡ ወ/ሮ ጸሃይቱ ወልደማርያምን ብ1955 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ እዩ ተወሊዱ፡ ኣብ ኣስመራ ድማ ዓብዩ። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ፣ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ወንጌላዊት፣ ካብ ሓሙሻይ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ “እተጌ መነን” ኣስመራ ተማሂሩ።

ኣቦኡ ኣብ ስፍየት ክዳን (ሳርቶ) እናሰርሑ፡ ማእክላይ ናብራ ይመርሑ ምንባሮም፣ ንሱ ባዕሉ ኣብቲ ዳሕራይ ዕድመኡ፣ ኣብ ጋራጅ ኦድዮን ከም መካኒክን መራሕ መኪናን ብምዃን እናሰርሐ ይናበር ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ገና ኣብ ንእስነቱ፡ “ንጹህ ገድሊ፡ ሚዛኑ ፈሊጠ ተሓዊሰ” ብዝብል ምኽንያት፡ ናብ ሃገራዊ ቓልሲ ከምዝተጸምበረ ዝገልጽ መኮነን፣ ብዕለት 4/12/1974፣ ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ብሌቓት ግቡእ ወትሃደራዊ ታዕሊሙ ብምቕሳም፣ ቀዳማይ መስመር፣ ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ፡ ህይወቱ ኣብ ገድሊ ንናጽነት ሃገርን ህዝብን ኣጽሓፈ። ሽዑ ወዲ 18 ዓመት፣ ቍመቱ ሓደ ሜትሮን ሱሳን ሳንቲ ሜተር ነበረ። ጉብጣን ከደራይ ኰይኑ ዕሙርን ክሳብ ግምባሩ ዝሸፈነ ተሪር ጸጉሪ ርእስን ነበሮ። ሓንቲ ካብ ቆሎ ስኑ እውን ሸራፍ ምንባራ ይፍለጥ።
***

መኮነን ተኽለ (ጉብጣን) ካብታ ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዝወጽኣላ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ህዝባዊ ሰራዊት፣ ማለት ኣብ ደቂ ኣራዊት፣ ኣብ ብርጌድ 44፡ብርጌድ 80፡ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር (06)፣ ሓይሊ ባርዕ፤ ኮማንዶን ብምዃን፡ ካብ ተራ ክሳብ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ብምዃን፡ ተመዲቡ ብተወፋይነት ዝሰርሐን ዘስርሐን ተጋዳላይ ነበረ።

ኣብ ብዙሕ ዓዉደ ዉግኣት፣ ብምስታፍ ከም መራሕን ከም ተዋግኣይን ብዙሕ ቅያታት ፈጺሙ እዩ። ኣብ ፈለማ 1980ታት ናብ ኣሃዱ ኮማንዶ ተጸምቢሩ። ኣብ ቀዳማይ መጥቃዕቲ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ፣ ከም ሓላፊ ኣሃዱ ኮማንዶ ብምዃን ተሳቲፉ፣.. ብድሕሪኡ ኣብ ብዙሕ ስርሒታት እቲ ኣሃዱ ካብ ሓድሕዱ ዝበላለጽ፣ ቅያታት ዝፈጸመ ጅግና እዩ። ኣብዚ ሓጺር ጽሑፍ እዚ፡ ንሓፈሻዊ ታሪኽ ህይወቱን ንሱ ዝወዓሎ ዓዉደ ዉግኣትን ዘርዚርካ ምግላጹ እምብዛ ከም ዝኸብድ ዝበዝሕ ፈላጢኡ ዝሰማማዓሉ ነጥቢ እዩ።

ንሎሚ ንሓንቲ ካብተን ፍሉያት ብኡ ዝተመርሓ ወትሃድራዊ ስርሒታት ጥራይ ከቕርበልኩም እየ። እዚ ሓበሬታ እዚ ብቐጥታ ካብ ዝኽሪ፡ ተጋዳላይ ስነጥበበኛ መብራህቱ ዮሴፍ (ጃን ካርሎ - [ሓርበኛ ኣይነብርን እዩ ታሪኹ እዩ ዝውረስ ዝደረፈ]) ዝተረኽበ እዩ።

“ሰኣላይ ጸውዑለይ!”

1979 እዩ፡ ንሓሙሻይ ወራር ምቅርራብ ይግበር ነይሩ። ብርጌድ 44 ንሳሕል ክትወርድ እናተባህለ፤ ኣብ መንጎ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፣ “ካብ ከረን ናብ ኣፍዓበት ኣጽዋር ጽዒነን ዝወርዳ መኻይን (ኮሎኛ)ጸላኢ ኣለዋ” ስለ ዝተባህለ፡ እታ ናይ ጕብጣን ቦጦሎኒ፡ ነዚ ሰራዊት እዚ ንምዕናዉ፡ ኣብ መንጎ ኣፍዓበትን ከረንን ኣብ ዝርከብ ቦታ ድብያ ብምግባር፡ ነዘን ኮሎኛታት እዚኣተን ክትሃርመን ተወሰነ። እታ ቦጦሎኒ፣ ዘድሊ ዝበሃል ልዑል ምድላዋትን ጥንቃቐታትን ብምግባር፣ ናብቲ ዝተዋህባ መደብ ስራሕ ኣተወት። እቲ እተን ኮሎኛ ዝመጽኣሉ ሰዓትን ቦታን ተፈሊጡ ብምንባሩ፡ ኵሉ ኣባል ቦትኡን ዕማሙን ፈሊጡ፣ ኣብታ ዝተዋህበቶ ቦታ ብምዃን፡ ናይ ዜሮ ሰዓት ኣብ ምጽባይ ተጸምደ።

ኣብዚ ህሞት እዚ፡ ኣቐዲምካ ቅድሚ ሰዓታት ናብቲ ቦታ ክእቶ ስለ ዝነበሮ፡ ተጋዳላይ፡ ነቲ ጥምየትን ጽምእን ተጻዊሩ፡ ንነዊሕ ሰዓታት ተሓቢኡ ከም ዝዉዕል ተገብረ። እንተዀነ፡ ከምቲ ዝነበረ ሓበሬታ እተን መካይን፡ ኣብ ሰዓተን ከይመጽኣ ተረፋ። እታ ናይቲ ዕለት እቲ መደብ ከም ዝፈሸለት ተፈልጠ። ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበረ፡ ተጋደልቲ ብተመሳሳሊ ልዑል ጥንቃቐ ካብቲ ቦታ ከም ዝወጽኡ ተገብረ። እዚ ዘይምስላጥ እዚ ኸኣ ኣብ ኵሉ ተጋዳላይ ልዑል ቍጥዐ ፈጠረ። ናይ ጕብጣን ግን ሓለፋ ነይርዎ።

ከም ብሓድሽ ተመሳሳሊ ሓበሬታ መጽኦም። ከምታ ናይ ዝሓለፈት ዕለት እኹል ምቅርራብን ልዑል ጥንቃቐን ገይሮም ናብቲ ዝተባህለ ቦታ ድብያ ኣተዉ። ኣብቲ ቦታ በጺሖም፣ በቦትኦም ሓዙ። ኣእዛኖም ተኺሎምን ኣዒንቶም ኣጨንቚሮምን ሰዓት ምምጻእ እተን ዝጽበዩወን ዝነበሩ መኻይን ኣብ ምሕላው ኣተዉ። ከምታ ዝቐደመት ዕለት ሽዑ እውን እታ መደቦም ከይትፈሽል ተሰከፉ። ኣብ ከምኡ ዝኣመሰለ ትጽቢት እናሃለዉ፡ እተን ኮሎኛ ቈጸርአን ከም ዘይጠለማ ከሎ ገና ካብ ርሑቕ፡ ብብርቱዕ ድምጸንን በቲ ኣብ ርጋጸን ዝፈጥርኦ ዝነበራ ዶረናን ኣበሰርኦም። ህርመት ልቢ ዅላቶም በረኸ።

እታ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ኣኺላ፣ እታ ቀዳመይቲ መኪና፣ ኣብ ናይ መጥቃዕቲ መስመር ረጊጻ፣ ናብቲ ዝጽበያ ዝነበረ መጻወድያ በጽሐት፡ እተን ብድሕሪኣ ዝነበራ ብቕጽበት ንምቝጻረ ዝክኣል ኣይነበረን። “...ሽዑ ግዳ ከምታ ዝተጸበናየን መጺአን” ዝበለ ጃን ካርሎ፡ ቀጺሉ፡ “እቶ! እቶ ዀይኑ፡ ቃታ ተሳሕበ፣ ነትጒ ሰዓበ። ሓደ.. ክልተ.. ስለስተ...። ምድረሰማይ ብነትጒ ኣብ ልዕሊ ነትጒ፣ ተናወጸት። ብዝግባእ እተጸንዐ መደብ እዩ ነይሩ። ነናትካ ስንጭሮ እያ ዘላትካ፣ ትኽ ኢልና እቱው እንተበልና፣ እተን መካይን ነቲ ጽርግያ መሊአንኦ ረኣና። ከም ልብኻ፡ “በለን በለን” ኰይኑ፣ ብርቱዕ ኲናት ተኻዪዱ። ከምቲ ኲናት እቲ ርእየ ኣይፈልጥን እየ! ፊልም ጥራይ እዩ መሲሉኒ!!

ሓጻር እያ ነይራ፣ ብትኽ ብትኽ ኣቢልናያ። ኣብኣ ኸለዋ ብምሉአን ሓዊ ኣትዩወን!..”

ኣብዚ ህሞት እዚ ጕብጣን እንታይ በለ፡ ከመይ ኰነ፧ ንዝብል ሕቶ ኽምልስ ከሎ፡ “ሽዑ መኮነን ከምኡ ኢሉ እቲ ኲናት ብምስላጡ፣ ካብ ክቱር ታሕጓሱ ዝነቐለ፡ ስምዒቱ ክቈጻጸር ኣይከኣለን፤ ነብሱ ናብ ቃልዕ ኣዉጺኡ፣ “ሰኣላይ ጸውዑለይ! ሰኣላይ ጸውዑለይ!” እዩ ኢሉ።

“ኣብታ ህሞት እቲኣ ጥራይ ኣስታት 40 ዝዀና ዝተፈላለየ ኣጽዋር ዝጸዓና መኻይን እየን ተሃሚዀን። ሽዑ ዅልኻ ምስኡ ኢኻ ትዘልል በቃ! ደድሕሪኡ ኢኻ ትዘልል...። መመሊሱ፣ “ሰኣላይ ጸዉዑለይ! ሰኣላይ ጸዉዑለይ!” ምባሉ ቐጸለ። ፈጺሙ ታሕጓሱ ምግላጽ ሰኣነ።

ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ተጋደልትን ክዉዕል ዝተሓስበ ኣጽዋር ከምኡ ኢሉ ክነድድ ብምርኣዩ፣ ዓገበ። ኵላህና ኻብቲ ዝትኰስ ዝነበረ ተፈንጃሪን ባርዕን ንምድሓን በጥ እናበልና፣ ክንርሕቕ ክንፍትን ከለና፣ ንሱ ግን፡ በቲ ምንዳድ ናይተን መካይን ጥራይ ክዓግብ ኣይከኣለን። ስለዚ ራድዮ ርክቡ ኣቐሚጡ፣ ካብተን እቲ ሃልሃልታ ዝላብዐን ዝነበረ መኻይን ተወሓደ ሓንቲ ከዉውጽእ ኸምዘለዎ ወሰነ። እቲ መመሊሱ ንሓድሕዱ ዝባርዕን ዝፍንጀርን ዝነበረ እሳተጎመራ ዕጅብ ከይበሎ፣ ሰብ ካብኡ ይሃድም፡ ንሱ ግን ናብ ውሽጡ ብምእታው፣ ከም ባህጉ ሓንቲ ቡምባ ኤፍዋን ዝጸዓነት መኪና ሒዙ መሰስ በለ።”

ጉብጣን ነታ ካብቲ ሃልሃልታ ዘውጽኣ መኪና ሒዙ፡ ናብ ዝጠዓሞ ብምምራሕ ብሰናጭሮን ኵርባታትን ኣቢሉ፣ ካብቲ ተኣፋፊ ቦታ ኣርሓቓ። እንተዀነ፣ ኣብ ሞንጎ ሒዛቶ ተገምጠለት።

ይዅን እምበር፣ ንሱ ምንም ሓደጋ ኣየጋጠሞን።

ንምሸቱ እቲ ቦምባታት፡ ብጕልበት ኣባላት ከም ዝራገፍ ተገብረን - ንብረት ውድብ ኰነን።

ጃን ካርሎ፡ ነታ ህሞት እቲኣ ደጊም ክገልጻ ኸሎ፡ “ጉብጣን .. እቲ ዅሉ ሓዊ እናነደደ፣ ንሱ ግን ኣብ ውሽጡ ኣትዩ “ሰኣላይ ጸዉዑለይ! ሰኣላይ ጸዉዑለይ! እናበለ ኣብ ማእከል እተን ዝነድዳ ዝነበራ መካይን ደው ኢሉ ኽዝክሮ ከሎኹ፣ ክሳብ ሎሚ ከም ሕልሚ ዝረኣየኒ፡” ይብል።

እዝስ ናይ ብሓቂ ንጕብጣን “ ምስ ዓወት ብደቂቕ ዝጸባጸብ ጅግና” ዶ ኣየስምዮን፧

(ኣብ ዝስዕብ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል፡ ነታ ናይ መወዳእታ ዝተሰውኣላ ኣጋጣሚ ከስዕበልኩም እየ።)

ምንጪን ምስጋናን
ተጋዳላይ መሓሪ ኣብርሃም (መራሕ ሓይሊ ሓኪም)
ተጋዳላይ ሰመረ ሃብተስላሰ (ቢንያም)
ተጋዳላይ መብራህቱ ዮሴፍ (ጃንካርሎ)
ተጋዳላይ ተኽልዝጊ ሳህለ (ሕድሪ)
ተጋዳላይ የማነ ህደኣት (ኩሒል)
ተጋዳላይ ተኽላይ ተስፋማርያም ወልደማርያም
ንተጋዳላይ ሙሴ ገብረትንሳኤ
ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ሕታም 1996 6ይ ዓመት ቁጽሪ 46)
ክፍሊ ስነዳ ሚኒስትሪ ምክልኻል
መጽሓፍ ኮማንዶና ቅያ 18 ደቃይቕ (ብሰሎሞን ድራር 1996 ኣሕተምቲ ሕድሪ)
መጽሓፍ ደቂ ኣራዊት - ብተጋዳላይ ዳዊት ፍስሃየ (ወዲ ፖሊስ)


ዘመንፈስ ሃይለ 
 

Hadsh Mogos Hamo
መምህረይ ኣዝዩ መሳጢ ሓቀኛ ታሪኽ ጅግናን ጅግንነቱም ዝገልጽ ጽሑካ ምስ ውሕሉል ናይ ኣዘናትዋ ክእለትካ ተወሲኽዎ ንሽሮ ጠስሚ ወረሮ ኮይኑ በጃኻ ድሕሪ 3ይ ክፋል ዋላ ናይ ካልኦት ጀጋኑ ሒዝካልና ተመለስ።እቲ sarch ክትገብር ንሰባት ንምርካብን ምውካስን ዘለዎ ሃለኽለኽን ገልጠምጠምን ሞ ፈታኒኡ ይግለጾ ዘብል ኣድካምን በዳህን ስራሕ'ዩ።ሕልፊ ኩሉ ዘይተጋራጫዊ ሓቀኛ ሓበሬታ ንምቕራብ እትገብሮ መስ… 

ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ክፋል


ኣብ መፋርቕ 1989 ጕብጣን ኣሃዱኡ ሒዙ፡ ንሓደ ኣገዳሲ ውድባዊ ዕማም ድሉዋት ኰይኖም፡ ንግዚኡ ኣብ ከባቢ ተሰነይ ኰይኖም ይጽበዩ ነበሩ። ከምኡ ኢሎም እናተጸበዩ፡ መዓልታት እናነውሐ ምስ ከደ፡ ሓደ መዓልቲ ሃንደበት ብዝመጽኣሉ ሓሳብ፣ ብድድ ኢሉ፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝነበረ ላዕለዋይ ሓላፊ ብምኻድ፡ መኪና ይደሊ ምንባሩ ሓበሮ። እቲ ሓላፊ፣ ቅድሚ ብቓላት መልሲ ምሃቡ፡ ሰሓቕ ቀደሞ። ሰሓቑ ገቲኡ፡ “እዋእ መኪና ደኣ እንታይ ኢልካያ፡ እሞ ኸኣ ኣብዚ ቦታ እዚ፧” ብምባል፡ ተገልቢጡ ሓተቶ። ጕብጣን ምቕናዮም ካብ ዘይተረፎም፡ መንቀሳቐሲ ኽትኰኖ ከም ዝደለያ ነገሮ።
እቲ ሓላፊ ብወገኑ፡ ኣቐዲሙ ንጕብጣን ጽቡቕ ገይሩ ይፈልጦ ብምንባሩ እዩ ስሒቑ። መሊሱ ሰሓቑ ኽገትእ እናፈተነ፡ ግን ብቝም ነገር፣ ኣብቲ ቦታ ዝዀነት ንኸምኡ መዓላ እትዉዕል መኪና ኸምዘይትከብ ነግሮ እሞ፣ ኣስዒቡ ኣቢሉ፦
“ኣንታ ጕብጣን ኣነ እዚ ናትካ ኽቱር ፍቕሪ መኪና ምሒር የሰክፈኒ እዩ። መወዳእታኻ እውን ብመኪና ትስዋእ ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ!” ክብል፡ ናይ ልቡ ኣውጺኡ ተዛረቦ’ሞ ብኸምኣ ተፈላለዩ።
***
ብ4 ሓምለ 1989 እተን ቅድሚኡ ምድላዋተን ኣጻፊፈን ንጕዕዞ ቍሩባት ዝነበራ ኣሃዱታት ኮማንዶን ሃንደሳን ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ) ናብ ተልእኾአን ዝነቕላሉ ሰዓት ኣኸለ። ናይ ሽዑ ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ፡ ተጋ/ስብሓት ኤፍሬም፡ ናብቲ ቦታ ብኣካል ብምምጻእ፡ እዚ ዝስዕብ ዝትሕዝትኡ ናይ መነፋነዊ ቓሉ ኣስመዐ፦
“ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ቀቲልና ኣይንውድኦምን ኢና። 10 ሽሕ ቀቲልና 20 ሽሕ ኮይኖም ይመጽኡና፤ 20 ሽሕ ቀቲልና 40 ሽሕ ኮይኖም ይመጽኡና፥ ስለዚ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሓጽር እንተደኣኾይኑ፣ ከምታ ኣብ ትግራይ ወሊዕናያ ጽቡቕ ተቓጺላ ዘላ ክርቢት፡ ከምኡ እውን ምስ

ኢ.ህ.ደ.ን (የኢትዮጵያ ህዝቦች ዲሞክራስያዊ ንቅናቄ) ብወሎ ተገይሩ ዘሎ ምዕባሌታን ሕጂ ኸኣ ምስ ኦሮሞ ኣብ ወለጋ እንተወሊዕናያ ጽቡቕ ጌርና ኣቃጺልናያን፣ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኽሓጽር እዩ። ስለዚ ንስኻትኩም ሃዋርያ ናይዚ ውድብ ኢኹም!” ምስ በሎም፣ ነቲ ርዝነት ናይቲ ዕማም ዝተረድኡን፡ ማዕረ ኽንደይ ንኸምኡ ዝኣመሰለ ገዚፍ ውድባዊ ስርሒት ድሉዋት ምንባሮም ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘንጸባርቑዎ ዝነበሩ ምንቅስቓስት ምስ ተዓዘበ፡ ኣስዒቡ፦
“ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ትገብሩዎ ዝነበርኩም፡ ሕጂ’ዉን ናብ ሓዲሽን ኣገዳስን ዕማም ትብገሱ ኣለኹም። ብቐረባ ዝከተታሉኹም ኣዘዝቲ ቦጦሎኒታት መኮነን ጉብጣንን ግደይ ተኽለን ኣለዉ። እቲ ትኸዱዎ ጕዕዞ ልዕሊ ዝዀነ ይዅን እዋን ጽንዓት፣ ትዕግስቲ፣ ተወፋይነት መስዋእትን ዝሓትት ስለዝዀነ ኸም ቀደምኩም ጽኑዓት ኵኑ። ጽቡቕ ዕድል እምነየልኩም። ሰናይ ጉዕዞ!” ኢሉ መሪቑ ኣፋነዎም።
ንሳቶም ከኣ “ንሕና ኵሉ ግዜ ንመስዋእቲ ድሉዋት ስለ ዝዀንና ጸገም የለን። ኣብ ኤርትራ ተሰዊእካ ኣብ ኢትዮጵያ ተሰዊእካ ኵሉ መስዋእቲ እዩ። ስለዚ እንተተመለስና እሞ እንተተራኸብና ደሓን፣ እንተዘይተመለስናሞ እንተዘይተራኽብና ደሓን!” ብዝብል ሓባራዊ መንፈስ፡ ድልዉነቶም ኣንጸባረቑ።
***ኣንፈት ጕዕዞኦም ነታ ኣቐዲማ ናብ ኢትዮጵያ፡ ናብ ኣሶሳ ዝኸደት፡ ክፋል ኣሃዱኦም ንምስዓብ እዩ ነይሩ - ናብ ኢትዮጵያ - ንኣሶሳ ናብ ወለጋ። ምብጋሶም ምስ ኰነ፡ ጉብጣን ኣሃዱኡ መሪሑ፡ ናብዚ ጕዕዞ እዚ ኽብገስ ከሎ፣ መጻምድቱ ተጋዳሊት ኤልሳ ኣረፋይነ፣ ነብሰጾር ነበረት። ስለዚ ኸኣ ምሕራሳ ብድሕሪኡ ይኸዉን ብምንባሩ፣ “እዚ ዝዉለድ ቈልዓ ወዲ እንተደኣ ዀይኑ፣ “ዓሊ” (ዓሊ” ስም ናይቲ ስውእ መራሕ ክፍለ ሰራዊት ዝነበረ ዓሊ ኢብርሂም ንምዝካር ኢሉ፡ ዝመረጾ ነበረ፡ ገሊኦም ከኣ “ኖ ካልእ ዓሊ ዝብሃል መራሕ ቦጦሎኒ ነይሩ፡ ንዕኡ እዩ” ዝብሉ፡ ኣለዉ፡ ብዝዀነ ንመዘከርታ ሓዲኦም ካብ ስዉኣት ብጾቱ እዩ።) በልዮ፣ ጓል እንተደኣዀይና ግን ድላይኪ ስም ኣዉጽእላ!” ክብል ተላብዩዋ፡ ተበገሰ።
እዚ ብጕብጣን ዝምራሕ ኣሃዱ ኮማንዶን ሃንደሳን ኣብ ደማዚን (ጊዛኒ)፣ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝርከብ ቦታ በጽሐ። እትው ኢሎም፡ ነቲ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ፡ ኩርሙክ፣ ኣጉቤላ፣ ጾረ፣ ኣሶሳ፣ ባምባሲ፣ ቢንቶ ዳቡስ፣ ክካየድ ዝድለ ዝነበረ መጥቃዕቲ ብዓወት ንምስላጥ ዘድሊ መጽናዕቲ ጀመሩ። ብመሰረት እቲ መደብ ሓሙሽተ ናይ መጽናዕቲ ጕጅለታት ኣቘሙ።
ጕጀለታት ስምኦን ማሪቆስ (ወዲ ማርቆስ) ስዉእ ዓንዶም ቀለታ (ባህበል) ጉጅለ ስዉእ ተስፋዝጊ ጐይትኦም (ወዲ ራእሲ) ጉጅለ ስዉእ መንግስታብ ተስፋገርግሽ (ኣፍንጫ ዓተር) ስዉእ ብሙሉጌታ ገብረህይወት (ራያ)ን ዮውሃንስ ኪዳነ (ወዲ ባሊን) ብዘካይድኦ መጻዕቲ፡ እቲ ቐዳማይ መድረኽ ናይቲ ስራሕ ብግቡእ ተሰላሲሉ።

ብድሕሪ እዚ ዉጽኢት መጽናዕቶም ናብ ሜዳ ልኢኾም፡ ኣብ ምጽባይ ኣተዉ። ንሳቶም ባዕላቶም ንዝቕጽል ስርሒት ብኡ ንብኡ ዘካይዱ እዩ መሲልዎም ነይሩ። እንተዀነ፡ ከምኡ ኢሎም እናሃለዉ፡ ካብ ሜዳ ሓደ ነቲ ዕማም ማዕረ ኽንደይ ዓቢ ምዃኑ ዘነጽር፡ ክልተ ካብ ላዕለዎት ወትሃደራውያን መራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝዀኑ፡ ተጋደልቲ፡ ዓሊ ሰይድ ዓብደላን ጴጥሮስ ሰሎሙንን ይመጽኡዎም ምህላዎም ተሓበሮም። ሽዑ ምስቲ ዝነበሮም ትጽቢት ምስናይ ስለ ዝኣበዮምን ንውዱእ መጥቅዕቲ ተዳልዮም ብምንባሮምን ሕማቕ እናተሰምዖም፡ ናብ ድሕሪት ናብ ጊዛኒ ከም ዝተመልሱ እዮም ዝጠቕሱ።
ኣሃዱ ኮማንዶን ሃንደሳን ካብቲ ነቒለናሉ ዝነበራ ወፍሪ ተመሊሰን፣ ንዝቕጽል ትእዛዝ ኣብ ምጽባይ ኣተዋ። ኮነ ኸኣ ኻብተን ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ሓይልታት፣ እንዳ 70 ክ/ሰራዊት ብሪጌድ 20፣ ካብ መካናይዝድ ሓደ ብርጌድ፣ ታንከኛን ረሻሽን መድፍዕን ዘለዎ ተጠራኒፎም፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብቲ ካብ ኤርትራ (ካብ ሜዳ) ኣዝዩ ርሑቕ ዝዀነን ዝተሓላለኸ መገዲ ሓሊፎምን፡ ደማዚን ከምዝኣትዉ ተገብረ።
ኣብኡ ምስ በዓል ጉብጣን ተራኺቦም፣ እቲ መደብ ተነግሮም። ግዜ ከየጥፍኡ ኸኣ.. እተን ኣሃዱታት ኵለን ናይ ስርሒት ቦትአን ከምዝላለያ ተገብረ። ብድሕሪኡ 2 ጥሪ 1990 እቲ መጥቃዕቲ ተጀመረ።.. እቲ ዝቕጽል ሓፈሻዊ ዛንታ ኣብቲ መጽሓፍ ስለ ዘሎ፡ ናብቲ ዝቐጸለ ናይ ጕብጣን ዛንታ ኽንሰግር።
እቲ “ንጸላኢ ኣብ ዝጥዕም ግዜን ቦታን ንምጭፍላቑ።” ዝብል ጭርሖ ብግብሪ ተመስኪሩ። እቶም ኣብ ዝኸዱ ኸይዶም ተወፋይነቶም ዘይንኪ ጀጋኑ ተጋደልቲ፣ ኣብ መሬት ወለጋ’ዉን ዘደንቕ ጅግንነት ፈጺሞም፣ ኣብ ሓሙሽተ መዓልቲ ንብምሉአን እተን ዝተጸንዓ ኸተማታት ሓራ ገይሮም፣ ብዓወት ናብ ቦትኦም ተመልሱ። “...ኣብ ወለጋ እቲ ሓድሽ ቦታታት ከም ልብና ክንሰርሓሉ ዘሸገረና’ኳ እንተነበረ፣ ብመሰረት እቲ ዝተዋህበና ዕማም ተልእኾና ፈጺምና ኢና። ...መኮነን ድማ ናይ ሰራዊት ምእላይን ምዉጋንን ብቕዓቱ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ሰናጭሮ፡ ጫካታትን ጎቦታትን ኢትዮጵያ’ዉን ኣመስኪሩ እዩ!” ብምባል ይገልጹዎ።
***
ድሕሪ እዚ ስርሒት እዚ፡ እተን ኵለን ድሒረን ዝመጽኣ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ብህጹጽ ናብ ቦትአን ተመልሳ። እታ ናይ ጕብጣን ቦጦሎኒ ግን፡ እቲ ረቂቕ ወትሃደራዊ ውጥን ህዝባዊ ግምባር ገና ውጥኑ ኣይወድአን ብምንባሩ፡ ኣብቲ ረቒቕ ውጥን እቲ ንዝበራ እጃም ተባሂሉ፡ ንግዚኡ ኣብኡ ኸም ትጸንሕ ተገብረ።
ብኸምኡ ኣብቲ ቦታ ብተዛማዲ ኣብ ዕረፍቲ እናሃለዉ እዩ እምበኣር፡ ሓደ መዓልቲ ይብሉ ተረኽቲ፡ ሓደ ሓበሬታ መጽኦም። እቲ ሓበሬታ ብሓደ ኤርትራዊ መራሕ መኪና ዝመጽአ ዀይኑ፡ ኣብ መንጎ እቲ ንሳቶም ዝነበርሉ ቦታን ናይ ጸላኢ ድፋዕን፡ ሓንቲ ኤነትረ ዝዓይነታ መኪንኡ፡ ምስ ምሉእ ናይ ቡን ጽዕነታ ደው ኢላ ኸም ዘላን ሓበሮም። እዚ ሓበሬታ ምስ ረኸቡ፡ ከምጹእዋ ወሰኑ፡ ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሩ፣ ተፈቕደሎም።
ብድሕሪ እዚ ጉብጣን ንዝምልከቶም ኣባላቱ ኣኪቡ፣ እታ ኤነትረ ዝዓይነታ መኪና እተደኣ ኣምጺኦማ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ዝነበረቶም ሓንቲ ንእሽቶ ናይ ጽዕነት መኪና ተወሳኺት ብምዃን ንመጓዓዝያ ኽትሕግዞም ከም እትኽእል ገለጸሎም። ብዘይከኡ ናብ ሜዳ ምምላሶም ስለዘይተርፎም እቲ ቡን ተሸይጡ፡ ንዉድብ ኣታዊ ኸም ዝኸዉንን ኣብርሃሎም።

ዚ ንምግባር እውን ከመይ ኢሎም ናብታ መኪና ይበጽሑ፡ ግቡእ መጽናዕቲ ጀመሩ። መጽናዕቲ ተገይሩ። እቲ ኸባቢ ፈንጂ ኸም ዘለዎ ምስ ተፈልጠ፡ ብኣሃዱ ሃንደሳ ከም ዝጽረግ ተገብረ። ብድሕሪ እዚ ንቕሎ ዀነ።
እቲ ዉጥን ክሳብ ኣብዚ ዝበጽሕ ንዅሉ ቕቡል ነበረ። ንቕሎ ምስ ኰነ ገዚፍ ዘካትዕ ጕዳይ መጽአ። ጉብጣን ባዕሉ ናብቲ እታ “መኪና” ዝነበረቶ ቦታ ኽኸይድ ምዃኑ ኣፍለጠ። ኣባላቱ ነዚ ሓሳብ እዚ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን። ንሱ ግን፡ “ግድን ክኸይድ እየ” ብምባል ኣቕበጾም። ምስኡ ክኸዱ ንዝሓተትዎ ከፍቅደሎም ኣይከኣለን። የግዳስ ሓደ ኽልተ ባዕሉ ዝመረጾም ኣባላቱ ሒዙ ክብገስ ወሰነ። በዚ ኸኣ ምስ ኵሎም እቶም ኣባላቱ ኣብ ክትዕ ኣተዉ። እንተዀነ ጕብጣን እታ ዝሓሰባ ኽገብር ምዃኑ፡ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ ኣብቲ ምርጭኡ፡ ሓንቲ መስርዕን ሓደ ሓኪም ጋንታን ሓደ ምልክትን ሒዙ በታ ዝነበረቶም ሓንቲ መኪናን ብሌናይ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መራሒኣን ሒዙ ተበገሰ። ከም ሓበሬታ ተረኽቲ፡ ብድሕሪ እዚኦም ሓደ ኻልእ ዝፈትዎ ዝነበረ ንእሽቶ “ሳልሕ” ዝተባህለ ተጋዳላይ ወሲኹ፡ ነቐለ።
ጉብጣንን ሳልሕን ኣብ ቅድሚት ምስ መራሕ መኪና ብየማናይ ወገን ተሰቕሉ። እታ ሓንቲ መስርዕን ሓኪማ፡ ጡዕማይ ገብሪህይወት (ፊደል) ዝተባህለ ምልክትን ኣብ ዝባን መኪና፣ ምስኦም ነዳዲ ዝሓዘ ፊስቶታትን ነበረ።
ናብቲ ቤጊ ዝተባህለ ቦታ፣ ኣቢሎም፣ ገለ ርብዒ ሰዓት ይኸዉን ምስ ተጓዕዙ፣ ናብቲ እታ “መኪና” ዝነበረቶ ኸባቢ ንምብጻሕ ገለ 100 ሜትሮ ዘይከዉን ምስ ተረፎም፣ ካብቲ ዝኸድሉ ዝነበሩ ደረት - ደረት ናብቲ ቐንዲ ጽርግያ ኣተዉ። ናብ ጽርግያ ኣትዮም ነዊሕ ከይተጓዙ ግን ሃንደበት፡ ምድረ ሰማይ ዝንቕንቕ ነትጒ ተሰምዐ።

ነቲ ነትጒ ዝሰምዑ፡ ኣባላት ኮማንዶ፡ ዘድሊ መሳርሒታት ዓጢቖም፡ ብህጹጽ ኣብቲ ቦታ ፍጻመ በጽሑ። ጉብጣንን እቲ ኻብ መስርዑ ኣጸዊዑ ምስኡ ዝወሰዶ ብፍሉይ ዝፈትዎ ዝነበረ ሳልሕን ድሮ ብሓዊ ተለብሊቦም፡ ተሰዊኦም ጸንሕዎም። ዝዀነ ኻልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን ጕድጓዶም ኲዒቶም፡ ንቡር ዝኽረ ሰማእታት ብምግባር፡ ኣብታ ዝተሰውኡላ ቤጊ፡ ዝተባህለት ቦታ፡ ¬12 ጥሪ 1990፡ ቤጊ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ቀበርዎም።
ብኸምኡ፡ እቲ ነቲ ዓቢ ስርሒት ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበሮ ጅግና፡ ነቲ መሊኡ ዝፈስስ ዝነበረ ዓወት፣ ሓንቲ ንእሽቶ ዕማም ንምምላእ ክብል፣ ምስ ዓወት ክጸባጸብ፡ ኣብዛ ኣጋጣሚ እዚኣ፣ ነቲ ንሓድሕዱ ብዘደንጹ ቅያታት ዝተመልአ ዉዕሎታቱ፡ ከምቲ እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ተሰነይ ዝበሎ ዀይኑ፡ መፈጸምትኡ ብሰንኪ እታ ከውጽኣ ዝበሃጋ፡ ግና ኸውጽኣ ዘይከኣለ መኪና ኰነ።
መኮነን (ጉብጣን) ተራ ፍቕሪ መኪና ዘይኰነ፡ ኪኖኡ ኸምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተገልጸ፡ ናይ ቆጋይ (ከባቢ ከረን - ኣፍዓበት) ዓወቱ ንስርሒቱ፡ ንሱ ክሳብ ዝርድኦ ምሉእ ንምግባር፡ ዝከኣሎ ዘበለ ዝጽዕርን ህይወቱ እዉን ከይተረፈ ኣብ ርኡይ ሓደጋ ንመስዋእቲ ካብ ምእታው ድሕር ዘይብልን ጅግና ምዃኑ እዩ ብግብሪ ኣረጋጊጹ። ኣብ ታሪኽ ወፍሪ ስግረ ዶብ፡ ብፍላይ፣ ኣብ ታሪኽ ገድላዊ ቓልስና ድማ ብሓፈሻ ነባሪ ዝኽሪ ኽሓድግ ዝበቕዐ ጅግና ምንባሩ፣ እቶም ክሳብ ሎሚን ንሓዋሩን ብኽብሪ ዝዝክሩዎ መቓልስቱን ኣድነቕቱን ብዎዉዕ ዝኽሪ እዮም ዝምስክሩ።
ከምቲ ጕብጣን ካብ ተሰነይ ክብገስ ከሎ፡ ንበዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ኤልሳ ዝተላበዎ ዀይኑ፡ ንሳ፡ ወዲ ወሊዳ። ከም ለበዋ ስዉእ በዓል ቤታ ንወዶም “ዓሊ” ዝብል ስም፡ ከም ዝሃበቶ እዩ ዝፍለጥ።
*ዕቱብ መዘኻኸሪ

እዚ ዛንታ እዚ፡ ብዛዕባ ስውእ ተጋዳላይ መኮነን ተኽለ (ጕብጣን) ጥራይ ንገልጽ ብምህላውና እዩ እምበር፡ እቲ ዓወት ብጅግንነት፥ መውጋእትን መስዋእትን ናይቶም ኵሎም ኣብቲ እቲ ስርሒት ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ኣባላት ኮማንዶን ሃንደሳን ተጋደልቲ ምዃኑ፡ ፈጺሙ ኽዝንጋዕ ኣይግባእን። እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ሓበሬታ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፋል ተዘርዚሮም ዘለዉ ውልቀሰባትን ትካላትን ምንጪ ዝገበረ ምዃኑ እናጠቐስኩ፡ ብልቢ ኸመስግኖም እፈቱ።
ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!
ዘመንፈስ ሃይለ

Here is a piece of information regarding Mekonnen which is exerepted from መደባትና፡ ነቲ ኪንዮ ጸሊም ራEዲ ዘሎ ደበና፡ ምቕንጣጥ I
Eቲ ብህዝባዊ ሰራዊት ዝፍለጥ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ብኣላይነት ኣዛዚ ኣሃዱ ኮማንዶ ስዉE ተጋዳላይ መኮነን ተኽለ /ጉብጣን/፡ "ስዉE ተጋዳላይ መኮነን ተኽለ /ጉብጣን/፡ ሓደ ካብቶም ብስሪሒት ቅያ 18 ደቓይቅ ዝፍለጥ መጥቃEቲ መEርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዓቢ ተራ ዝነበሮ Eሞ፡ "ኣብ'ታ ብትEዛዝ ግዝያዊ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ Iሰያስ ኣፈወርቂ፡ ንተጋዳላይ ሰሎሞን ድራር ዝተዋህበ መምርሒ መሰረት ዝተደርሰት መጽሓፍ፡ /ቅያ 18 ደቓይቕ ስሪሒት ኮማንዶ/ ህላዌU ዝሃሰሰ ምኩር ሓርበኛ Iዩ''። ንኩነታት መስዋEቱን ታሪኹን ኣመልኪተ ፍሉይ ዝበሃል ስለ ዘለኒ፡ ኣብ ካልE ኣርEስቲ ገለ ክብል ክፍትን Iየ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብውሕሉል ኣላይነት መኮነን ተኽለ /ጉብጣን/ ስሪሒት መጥቃEቲ ኣሶሳ ዓቢ ወትሃደራዊ ስሪሒት ከተካይድ Eንከላ፡ ንመንግስቲ ካርቱም ዘዘናግE መደናገሪ ጎጣዩ ስርሒት፡ ኣብ ልEሊ ውድብ S.P.L.A. ብጆን ጋርንግ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ክንፊ ጸንፋፊ ዝኾነ ወትሃደራዊ ስሪሒት ብምክያድ Iያ ንኣሶሳ ከተጥቅE ዝኸኣለት፡፡ Eዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ልEሊ ዝባን መንግስቲ ካርቱም ተሳሒሉ ዝዋደድ ዝነበረ ናይ Eልዋ መስርሕ ስለያ፡ ንመንግስቲ ካርቱም ካብ ድቃሱ ንኸየበራብሮ ኣዳህሊሉዎ Iዩ።

 

ኣሰዋውኣ መኾነን ተኽለ (ጉብጣን)

 

 

source ደም ዘንብዕ ዛንታ!    16.03.16፡

ኣሰዋውኣ መኾነን ተኽለ (ጉብጣን) ዝሃብካዮ መብርሂ ዝ ምልከት ክትከውን ኢያ። ኣቐዲመ ግና ኣገላልጻኻ ልክዕ ከምታ ኣቐዲማ ዝተሰምዐት ምዃና ክደግመልካ እፈቱ። ማለት ጉብጣን መ ኪና ሒዙ እንከሎ ብናህና ነታጒ ከምተሰውአ ተባሂላ ተፈንያ ነይራ። እንተኾነስ ከምቲ ንስኻ’ውን ትርድኦ ገበርቲ እከይ ዝገበሩ ገ ይሮም ገለ ምስምስ ይፍንዉ’ሞ እንተድኣ ዘቕረብዎ ሓሶት ተሓምዩ ወይ ተቐሊዑ ተቓውሞ ከየስዕብ ምእንቲ መሊሶም ብካልእ ሓ ሶት ክድብድብዎ ክብሉ ዝገደደ እሳት እናኸዓዉ መዋእል ሓሊፍዎም።

ንሕና ድማ ኩሉ ሳዕ ዘይቅኑዕ ስራሓት ንርኢ፡ ኩሉሳዕ ከኣ ስለምንታያት ንድርድር፡ ኩሉ ሳዕ’ውን ምስጢራቱ ኣይገሃደልናን። እንተ ተጋህደልና ድማ በቶም ሓሳባት ኣቕሪቦም ዝተወፈዩ ክሓልፈልና ንምነን ንምህለልን። ብከምኡ ክሳብ ሎሚ መፍትሒኡ ኣይረኸብና ን። “ዘይርደኣኒ” ክትብል ንዘቕረብካዮ ክሳብ ሎሚ ዘይፈታሕካዮ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ክተሓጋገዘካ ስለዝደለኹ እንድየ፡ ዕላልካ ም ስቶም ኣብ ሶማል ስለዝተማረኹ ክሳብ ሎሚ ተኻሒዶም ከምዘለዉ ዝዳቐስ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ንርእሳ’ታ ተዓዊትኩም ምውጻእ ኩምሲ ንምንታይ ከምዘይተሰዋእኩም ዘኾረየቶም ምኽንያት ንርእስኻ ወናኒ ልዑል ዓወትን ብቕዓት ምዃንካ’ኳ እንተረጋገጸት እታ ክሳብ ሎሚ ዘይተረደአትካ ምኽንያት ብርሰት ግዳ ከምዚ ግዜ ዝኽሽሖ ዘሎን ንስኻ’ውን ትድርጉሖ ዘለኻን ሓቒ ጽባሕ ብጊሓቱ ብ ኣፍ ፈጸምቱ ከይትወጽእ ዓወት ክትብሕት ዝዓለመት ተራ ቅትለት ጥራይ ዘይኮነትስ ገና ካልእ ዘይዳህሰስናዮ ጉድ ኣሎ። ማለት ሰን-ወሰኑ ድኣ ከነዳርት ጸኒሕና’ምበር እታ ብቑዓት ሃገራውያን ተጥፍእ መንደፍሲ ገና ኣይተተንከፈትን። ዓበይቶም ንኣሽቶም ገዛእ ቲ’ኮ “ቃልሲ ኤርትራ ብሓደ-ክልተ ዓመጽቲ ሸፋቱ ዝተላዕለ’ምበር ብሓቂ ናይ ህዝቢ ጠለብ ኣይኮነን” ኢዮም ክብሉ ጸኒሖም። ተ ስፋ ድማ ኣለዋ ኣምሓራ ንኢሳይያስ ብምሓዛ ተመሊስና ክንጉምባሓላ! ስለዚ ነቶም ሓያላትን ሰራሕቲ ቅያን ምቕርዳዶም እዋናዊ ዕ ማም ናይቶም ኣብ ሰልፊ ህግደፍ ተጠርኒፎም ዘለዉ ከዳዓት ብምዃኑ ብርሰትና ብደውና ንሪኦ ኣለና።
ሃውቲተዶ? እምበር ዘይቀንዲ ዛዕባይ ድኣ ብዛዕባ’ቲ ዝጠቐስካዮ ስዉእ ጀነራል ምኮንን ተኽለ (ጉብጣን) ኢዩ ዝነበረ። እስከ ንድሕ ሪት ናብዚ ዘምጻእካዮ ዕላል ተመሊስና ክልተ ኣብነታት ካብቲ ሃይቂ ሞያታት ስዉእ መኮነን ንመልከት።
ናይ ኣስመራ ስርሒት መዓርፎ ነፈርቲ ዘጽንዐን ዝፈጸመን ብቀዳምነት ጉብጣንን ንሱ ዝመርሖም ውፉያቱን’ኳ እንተኾኑ ንሳቶም ን ዝና ዝገበሩዎ ከምዘይነበረ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ይፈልት። ነቲ ክንድኡ ዝኣክል ዓወት ዝተመጎሰሉ ግን ከምቲ ዝበልካዮ ካልእ ሰብ እንተነበረ’ውን ኣይመኽፍአን። ገደደ ንሰራሕቲ ታሪኽ ደፊኖም ከይኣክል ሎሚ ብቀንዱ ነቲ ስርሒት ዘከሻምሹ ሓደስቲ ኮራኩር ኢ ሳይያሳት ክቀላቐሉ’ዩ’ቲ ዓገብ! ወዲ ረጋሒት ኣብታ ስርሒት እንተዘይስዋእ እዚ ሎሚ ኣፉ መሊኡ ክንድኡ ነፈርቲ ከምዘይሓረራ ዝምድር ዘሎ ትዃዕ ብቀንዱ’ቲ ስርሒት ከምዘይተሰርሐ’ውን ከየሕነኾ ብሃውሪ ምኸሓዶ። “ሸፋቱ” በለ ሕንጣይ ከም ጎይቶቱ!!!!

ሕቶ ክህልወኩም ይኽእል ሕጂ። “ኪኖ’ዚ ወሻጠ ደቂ ከበሳ ክድርዕም ዝወጣወጥ ዘሎ ተመናይ ኢቲዮጲያዊ መንነትን ንሱ ዝምድረ ሉ ባይታ ዝፈጠሩን ምስኡ ደው ዝበሉን ሓይልታት በዓልመን ኢዮም?” ዝብል ሕቶ። ርግጽ ከምቲ ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትኖኣ ትናፍቕ’  ዝበሃል ኢቲዮጲያውነት ምምናይ ንነውርነቱ ገዲፍና ሓጢያት ኣይኮነን’ሞ ከምቲ “ኣበይ ክረኽቦ” ዝበሎ ከምገለ ዝረኽቦ አንተኾይ ኑ መሬት ንዋናታታ ግዲፉ እንተዝብገስ ዶብ መዓስ ርሒቕዎ! እንተድኣ እቲ ዘይመስለኒ ዘሎ ተገይሩ ክሳብ ኖርወይ ተኣትዩ ኮይኑ ግና ኣብ ዓምዲ ናይቶም መዛግብና ዘዘቕበብዎ እልፊ ደቂ ጣባታት ምስኩዑ እንታይ ከየጸግም። ነዊሕ ድማ ኣይኮነን ኩሉ ዝቕላዓ ሉ ጥራይ ናብታ ሂወት ጀነራልና ዝበልዐት ካልኣይቲ ስርሒት ነብል።
መኮነን ጉብጣን ኣብ ኣሶሳ ተሰዊኡዶ ተቐቲሉ?

ጉብጣን ብናይ ገዛእ ብጾትና ነታጒ ተቐቲሉ ከምተሰውአ ገሊጽካ። እዛ ገርሂ ዛንታ ሽዑ ምስተሰምዐት ምሒር ኣቀናጢዋትና ነይራ። ድሕሪ ናጽነት’ሞ ድማ ኣብ ዕላል ምዕጎ ድሙድሙ ዝያዳ ከምተጋህደት እዝከረኒ። መቸን ነዛ ዕላል ምዕጎ ድሙድሙ ዘይኣምና ኣሎ ። ግናስ መዓስከር ደንደን ምንባርካ ከምዝጠቐስካ ሓቀይ እንተኾይነ ካብ ባር ኩባኩባናን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብቲ ፊት እንዳ ማ ህሌትን ከባቢኣን (ንወዲ ኮለኔል ተወጊንሉ ዘሎ ቪላ) ኪድ ክሳብ ባር ዕንባባን ኢዩ ዝነበረ ዞባ ምዕጎ ድሙድሙ’ሞ ኣሸበሸብ ድማ ተራኺብና ንነብር ኢና። እሞ ንግዚኡ ዝውንዘፍ እንተዘይኮይኑ ንምዕጎ ድሙድሙ ዝተሰወራ ከምዘይነበረ ነገር ሞኬ ኣብነት’ዩ።
ዝኾነ ገበናዊ ስራሓት ዋላ’ኳ ቃል-እምነት ኣይረኸቦ ብሞዛይክ እኽብካብ ንኣሽቱ ፍጻመታቱ’ዩ ዝንደን ዝጭበጥን። ከምኡ’ውን ወተ ሃደራዊ ፍጻመታት። ብዛዕባ መስዋእቲ ጀነራል መኮነን ጉብጣን ካብ ዘከርካስ ንሕናውን ናብ ተኽእሎታት ኣሰዋውኣኡ ዘይንሕንበበ ሉ ምኽንያት ኣይነበረናን። ጉብጣን መን ኢዩ? እንታይ ዝኣመሰለ ወታደራዊ ፍልጠትን ናይ ምፍጻም ብቕዓትንክ ነይርዎ? ንዝፈልጥ ዘበለ፡ ብፍላይ ድማ ከምቲ ንስኻ’ውን ንሱ ኣብቲ ቅድም ምድረ-ጋላ ዝበሃል ዝነበረ ሓምላይ መሬት ንክልተ ዓመት ከምዝዓንደረሉ ከምዝገለጽካዮ፡ እንተኾነ እቲ ክንድኡ ተፈታውነት ዝነበሮ ወተሃደር ብ”ተሰዊኡ” ትብል ጻልጣ ወረ ክንኣዝም ስለዘይተዋሕጠልና፡  ናብ ተወሳኺ ሕቶታት ከነምርሕ ግድን ኮይንና ከምዚ ክንብል ከኣ በርበርናዮ፦
“ጉብጣብ ቦታ ዘጽንዐ ውጹእ ወተሃደር ኢዩ። ግናስ ብከመይ ሽዑ ንዝተማረኸት መኪና ክመርሕ ደልዩ? ከመይከ ኣብቲ ቦታ ዋና መሬት ጸላኢ ከምዝነበረ እናፈለጠ ንብሕቱ ተጓዒዙ? ብቀንዱ እቲ ብብጾትና ዝተዘርአ ነታጒ ከምዘሎ እናፈለጠ ብከመይ ኣትይዎ?
ነገራቱ ምጥዕዓም ምስ ኣበየ ድማ ናብቲ ካልእ ምናልባሻት ኣተና። “ምናልባትዶኾን ኣብታ መኪና ፈንጂ ጽዒኖም ኣፋንየሞ? ምናል ባሽዶኾን ኣድብዮም ጸኒሖም ምስ መኪናኡ ገሲሞም ኣመሳሲሎሞ? ዶስ ከምቲ ኣበሃህላኦም ጉብጣን ነብሰ-ቅትለት’ፈጺሙ?”
ኣይትትዓቡ፡ እንተ ንሕና ብበረኻና’ውን በቲ ከዋድር ህግደፍ ዝፍንውዎ ዜናታት 03 ብምዕፍታውና ተቐበልቱ ኣይነበርናን። “ኢሳይ ያስ መን ኢዩ?” ዝብል ሕቶ ሓደ ካብቲ ንምቕልዑ ነዊሕ ዝወሰደልና ምስጢር ኢዩ። እቲ ኣውራ ምስጢሩ ከይቕላዕ ዘናውሖ ድማ ኣማስያናስ ዓሰብቱ ብዝገብርዎ ድርዒ

ምዃኑ ካብቲ ደም ዝነብዐ ተመኩሮና ፈሊጥናዩ እብለኩም። ንሕና ኤርትራውያን’ውን ኣብ ታ ገርሂ ዓለምና ዓስኪርናሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ወዮ ተኸዳኒ ቆርበት በጊዕ ተኹላ ንዓና ንበጋይዕ ከደናግረናስ ብቀንዱ’ቲ ገርሂ ባህ ርናን ፍቐሪ ሃገርናን’ዩ ሓጊዝዎ። ስለዚ ነቶም ንሓዋሩ ነዛ ሃገር ሃገር ዘስምዩዋ ቀንዲ ውሉዳታ ክቑርምም ገለ ካብቲ ቀንድን ብዞባ ደረጃ ዝተዋህቦ ሕቡእ ተልእኾኡ ከምዝነበረን ዘሎን ምዃኑ ፈሊጥናዮ። ንስኻ’ውን ንኣብነቱ ኣብቲ ዝሃብካዮ ቁንጣሮ ሓበሬታ ካብ ቲ ሃይቒ ተመኩሮኻ፡ ድሮ ነቲ ብፖለቲካዊ ብልጸት ብዝተጎልበበ ብርሰትና ከምጸሓይ ቀትሪ ኮሊዕካዮ ኣለኻ።
ክቡር ብጻይ፡ ብወገነይ ከምቲ ካልእ ዜጋ ክሳብ ሎሚ ፖለቲካ ዝበሃል ተዛሪበ ከምዘይፈልጥ ከዕልለካ ኣይሓንከሉን። ሰብና ፖለቲ ካ ክዛረብ እንተጀሚሩ ግዳ ከቢድ ጉዳይ ኣሎ። ንኣብነት ከምቲ ናትካ ስለምንታያት “ስለምንታይ ኢዮም’ዞም እሙናት መራሕትና መገዶም ቀይሮም” ዝብል ሕቶ ክሳብ ሎሚ ኣይተመለሰን። ንበል ጀነራል መስፍን ሓጎስ ኣብ ልቢ ኩሉ ዜጋ ከምዘይሰፈረ ንምንታይ ጎቦጎቦ ኢሉ? ንምንታይከ ከምቲ ዝብልዎ ክሳብ ኣብ ምርጫ ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ ክንሱ ክሃድም መሪጹ? ብኡ ዝነቐለ ዛዕባ ናብ ብቀደሙ’ውን ከም ጸረ ኢሳይያስ እናመሰለ ንኢሳይያስ ዘገልገለ ሰነፍ ጀነራል ተጸብጺቡ። ከምኡ ድማ ነቶም ገና ዝኣምንዎ ደቂ ገር ሂ ልባ ካብ ወጻኢ እናደወለ ብውሽጢ ክነዓዓቡ እናመዓደ ተመሊሱ ከምዘእስሮም ኢዩ ዝውረ ዘሎ። ምስ መድረኻውያን ኮይኑ ፍ ኒሕኒ ክብልከ ሓቁ ዲዩ ኢሳይያስ ተኸሲኡ ስለዝሰምዐ? እምበርከ ንመን ክልክምን ንሓዋሩኸ መን ይእመኖን? ኩሉ እንድዒ!!!
እቲ ካብቲ ዘብለጭልጭ ከዋኽብቱ ንላዕሊ እታ ኣብ ኢዱ ዘይትርአ ቅዱስ-መጽሓፉ ከምዘፍቅር ዝውረየሉ ጀነራል ስብሓትከ ዓለ ም ዝገበረትና ከምንግበር ክምዕድ ክርአስ ምስ እንታይ ትጽብጽቡዎ? ዶስ ድሕሪ ዛሬባ ናይ 73 ለዚቡ? ዓለምድኣ ብቀደማ መዓስ  ናህና? እምበርከ ግደፍ ንሕና ፍጡራት ዓለምሲ፡ ፈጣሪና’ውን’ኮ ኩሉ ክገብር እናኸኣለ ንዝሃበና መሰል ምርጫ ከይጥሕስ፡ ከይጻባ እን ከይመልኽን ክብል፡ ናብራ ምስዝኸፍኣና ክንጠርዕ ኢዩ ዝሓበረና። ሕተቱ፡ ማዕጾ ኳሕኩሑ ዝደለኹሞ ክትረኽቡ” ዶ ኣይትብ ልን ኢያ’ታ ጀነራል ስብሓት ዘፍቅራ ቅዱስ መጽሓፍ ወይስ ካልእ ምስጢር ሃልይዎ?
ገደደ ናይዞም መንእሰያትና! ሃገርና ኣብ ቁሸት ጽዩናት (ሕዩራት) ተዘሪዓን ብሰርቢ ማይኖህ ክንጭንጓዕን ተወጢኑ ኣብ ዘሎ እዋን  ሃገሩ ንከናግፍ መርከብ ዝሰርሕ ወይ ዝተሰርሐት ዝመርሕ ገለ’ኳ ከምተሳእነ ብዝመስል ንርእሱ ከም ሓደ ዑቕበኛ ኣብ ውሻጠ ዓቀ ብቱ ተዋሒጡ ሰማየ-ሰማያት ክቛምት ተጸባይ ናይታ ከም ምልክት ሰላም ኣብ ኣፋ ቆጽሊ ኣውሊዕ ቀርቂራ ንትመጾ ጻዕዳ ርግቢት መሲሉ ክርአስ ምስ እንታይ ትጽብጽብዎ? ንብቐንዱ’ምበር ወያ እንተ ተርድእ ወይ ተበስር ርግቢትከ ከይኳሕኩሐ ትመጾዶ?
ማይ ምዕሟኽ ይብሉካ ከምዚ ኢዩ። ማይ ዝዓሞኸ እናተቐትለ ብሰላማዊ ኣገባብ ኢዩ ያኢ መሰሉ ዝሓትት!
ሰላም ይፍጠረላ ክብርቲ ሃገርና፡ የቐንየለይ ድማ ክቡር ሓወይ!
ጎደፋ፡

Comments

ደም ዘንብዕ ዛንታ! — 36 Comments

  1. Moki on March 19, 2016 at 11:20 am said:

Dear Godefa
Thank you for exposing the crimes of Iseyas and his clique, committed in the good name of Ghedli.
That said, please improve your style of writing by making it simple to understand, because that is the ultimate aim. Make it as short as possible, because many readers have no time to read long articles.
Take one issue at a time, framed in time and as well as location, whenever possible. Present your case based on facts you know, and let the readers judge and reach their own conclusion.
Reply ↓

  1. sadgedli on March 20, 2016 at 9:12 pm said:

Dear Yemane,
on your comment “Yemane on March 17, 2016 at 4:49 pm” you said said:
መኮነን ጉብጣን ጅግና ተጋዳይ ምቁሉል ነይሩ ኣብ ኩናት ሕድሕድ ከለና ኣብ ኩር ንመጀምርያ ግዜ ኣብ ገድሊ ተራኺና ኣቲ ኩነታት ሕማቕ ኣንተነበረ ከምቲ ዝደለ ከነዕልል ዕድል ኣይረኸብናን። ደቂ ገዛዉቲ ነርና …”
Ever since I read that breathtaking “Qeya 18 deqayeq” book, I always wonder whether that GubeTan “Mekonnen Tekle” is the one I met in meraguz, seraye in Jan/Feb 1977. I was a young kid who happened to be there and a certain Mekonnen Tekle and his mom & siblings fled Asmara and were at that village. Mekonnen was simply a very outgoing, typical urban gobez but totally was loved by the village folks, young & old. and few months later after my arrival he simply was gone and his little brpother Abrham Tekle told me “Gedli keydu”
And I have kept wondering for years -painfully- eversince I read that book when it came out. could it be him was always my inquisition. I loved him like a big brother as he was so cool to me & calling me with a big smile ‘anti gnay amharay kab Addis entay ketgebri metski” …
is he from Asmara? did he have a brother who was run over by a train & lost his leg and had one sister. so tragic what this Gedli did to so many.
Godefa – thank you as usual.
thank you!
Reply ↓

  1. Denden on March 22, 2016 at 8:27 am said:

It is difficult to follow and make sense of this article. Very attractive heading (title) but the writing style needs improvement. I am still hungry to know more of Gen. Mekonen GuPtan. His Ghedli time friends shoulder the responsibility of sharing what they know to the present and future generation of Eritrea. Thank You!
Reply ↓

  1. EPLF on March 22, 2016 at 8:32 am said:

SAD, this story tells that a number of innocent freedom fighters had been slaughtered by the beast (dictator) for no reason. AAAKKK!
Reply ↓

source ደም ዘንብዕ ዛንታ!    16.03.16፡
ብዛዕባ’ቲ ድምጺ ኣሰና ተቕርቦ ዘላ ሱር-ነቀል መደባት መመሊስካ ክትንእድ ምፍታን ስለዘይምልክዕ፡ ብነብሱ ፍሉጥ ገይረ እናሓለ ፍኩ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለት 12. መጋቢት 2016 ፈነወኣ ካብ ዘቕረበቶ ቃለ-መጠይቕ ግና ካብዛ ኣብራኸይ ዝዓጽፈላ ብሕትውቲ  ቤት ብጹሑፍን ብድምጸን ቀጥታ ናብቲ ዕዱም ጋሻ ክትበጽሓለይ ዝምነያ መልእኽተይ እንሀት።
ክቡር ሓውን ብጻይን፦
ከምኡ ዓይነት ሕቡን ሰብ ስምካ ክትገልጽ ዘይምድ ላይካ’ውን ምልክት ትሕትናኻ ጥራይ ኢዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ስኑዕ ግዜ ሓቀኛ ወይ ናይ ብርዒ ስም ስለዘ ይተጠቐምካ ንትሕዝቶኻ ኣየቃጠኖን። ብተወሳኺ  መንነትካ ብትሕዝቶ ዛንታኻ ስለዝግለጽ መብራህቲ ኣርማኻ ዝተኾለዐ፡ ሕፍሰት ሓቅነትካ ዘይተጀልሐን ዘይተወረቐን ንጹር መንነት ብምውናንካ ደስ እብለ ኒ። ብሓቂ ክብለካስ ንስኻ መርኣያ ናይቲ ኩሉ ዓይ ነት ተጋዳላይ ሰውራ ኤርትራ ብምዃንካ ድማ ገና ዘ ይተበርበረ ታሪኽን ዓቕምን ከምዘለካ እኣምን። ከም ትዕቅቦ ዘለኒ እምንቶ ድማ ወሰን የብሉን። ብ ኡ ኣቢለ’ውን እስከ ናብ ገለ ካብቲ ልበይ ዘድምየኒ ዛንታኻ ክሓልፍ፦
“ስለምንታይ ነብሰ-ቅትለት ዝግበር? . . . እቲ ስርሒት ወዲእናዮ ኢና እንታይ ሕቡእ መጋረጃኡ ነይሩ ብድሕሪኡ ግን ስጋብ ሕጂ ክፍታሓለይ ዘይኽእል ኮይኑ ዘሎስ . . . .፡ ስርሒት ብዘይ መስዋእቲ ወይ ብውሑድ ክሳራ እንተተዓመመስ ንምንታይ ግድን ደም ክሓልፎ ከምተደለየ . . .”
ክቡር ሓው፡ ንነፍሲ ወከፍ ዘቕረብካያ ናይ “ስለምንታይ” ሕቶን ቃልን ዝኸውን መልሲ ኣይምደረቐናን። ብኣውራኡ ነቲ ታሪኽ ብ ሉጻትና ከምዘለዎን፡ ንዕዑ ንምብሓት ብዛዕባ ዝጥበብ ቅትለት’ውን ከምዘለዎን ብምቕራብካ ደጊመ ሞጎስ ይብጻሕካ። ግናስ እቲ ዘ በገሰኒ ናይ ስለምንታያት ሕቶታትካ ኣብ ራዲዮ መድረኽ’ውን ቀሪቡ ስለዝነበረ ንምሕጻሩ ዝኣክል ክቡር መራሒና ናህና ኣይነበረን ሎሚ’ ውን ብዝኾነ ተኣምር ናህና ኣይኮነን። ምኽንያት ኣለኒ።
መሸም ካብ ናጽነት ድሮ ርብዒ ዘመን ኣቑጺርና እነና። ኢሳይያስ ተመሃራይ ዴስነት ቻይና ከምዝነበረ መጠን ምስቲ ከምኡ ንርብዒ ዘመን ዝመርሐ ማኦ ጸቱንግ ከወዳድሮ እፍትን’ሞ እንዶኡ ይፍንጣሓኒ። ምኽንያቱ ማኦ ምንም’ኳ መላኺ ከምዝነበረ እንተተገልጸ ኣብ ውሽጢ ዕድመ ስልጣኑ ህዝቡ ጠርኒፉ ሃገሩ ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ክትበጽሕ መሰረት ዘንበረን ሞቶረ ዝቐረበን ከምኡ’ውን፡ ክሳ ብ’ታ “ዓለም” ትበሃል ሓያል ንዘቕረበቶ ናይ ኣጽዋር ምንካይ ስምምዕ ሃገሩ ነቲ ኣጽዋር ከይጨበጠቶ ምፍራም ዕጭ ዝነቖተ መራ ሒ ስለዝነበረ እንሆ ቻይና ነቶም ልኬቶ ጥራይ ክትሰርሕ ዝተመነዩላ ዓበይቲ ሃገራት ጸብሊላ ትርአ። ጽባሕ ዝኽወኖ ድማ ጽባሕ ባዕላ ትፈልጦ።
ብተዛምዶ ማኦ ንመራሒና ክጥምቶ እንከለኹ ኣብ ርብዒ ዘመን ዕድመ ስልጣኑ ሃገርና ክሳብ ሎሚ ብግዜያውነት ጥራይ ኢያ ትፍ ለጥ። መንግስትና ግዜያዊ ታሴራና ግዜያዊ! ብምዃኑ ጽባሕ ዝኽወኖ ጽባሕ ክትፈልጠልና ከይተጸበና ምብዳምና ድሮ ብኣዒንትና ርኢናዮስ ሃገርና ብዘይ ተኹሲ ከምተማረኸት ንምርዳእ ጽባሕ ምጽባይ ኣየድልን። ስለኡ ኢየ ብወገነይ ደጋጊመ ኢሳይያስ ኣይናህና ን ምዃኑ ብዓውታ ዝብሎ ዘለኹ። ሕጂ’ውን ደጊመ ኢሳይያስ ብባራኪና ሰብኖ ብሽብጢ ጀፍዓዮ ብምንም ተኣምር ኤርትራዊ መን ነት የብሉን። ትሪኦ ኣለኻ ዕዮ ገዛኡ ጠንጢኑን ፍትሒ ዓፊኑን ንብኤርትራኣ ብልክዕ ከምቲ ናይ ናዚ ኣተሓሕዛ ኣብ ቁሸት ሕቡሳት “ (concentration camp) ተኽቲኹ ብምኽዛን ኣዋሊእና ክንሱ፡ ከም ሓደ ፍትሓውን ተሓላቒ ዓባይ ኢቲዮጲያን ድማ ወያ በዓ ልቲ ዝና ታሪኻዊት ሃገር ከይትቆራመምን ከይትሸራረፍን ያኢ ንኣንድነታ ክዋደቕ ይውዕል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ስለዝቶብኦ’ውን ዝ ናን ክብርን፡ ካብ ኩሉ ድማ “ጀግንነት” ያኢ ንሳቶም ኮይኖም ዋናታቱስ ካብዞም ጎራሓት ጎረቤትና የንቀላውጥ እንሆ። ዝኾነ ኮይኑ ጥራይ ከምቲ ዝበልካዮ ተጋዳላይ ነቲ ቃልሲ ከይጉዳእ እናበለ ንኩሉ ዝገጠሞ ተወፍይሉን ዝገደደ ድማ ገና ክሳብ ሎሚ’ውን ብት እዛዝን ትሕዞን መራሕቱን ሕቡኣት ቀንጸልትን ከም በጊዕ ይጉያሓሉን ክሳውዱ ይጉናኣሉን እንሆ።
“ክሳዕ-መዓስ? መወዳእታኡኸ? ንነገሩ ንሓዋሩኸ እዛ ሃገርሲ ካንዲያ ኣብዞም “ሽፋቱ” ክብሉና ዝስምዑ ዘለዉ ሰብ ኩትኹቶ ክትወ ድቕ ወይስ ብርግጽ ዕሕሕ ዝብሉ ኣለዉና?” ኢልና’ኳ እንተተሸገርና ግን ነቲ ምስጢር ኤርትራውነት ዝዓጽፍ ሓይሊ ኣይክህሉን’ዩ!


  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com