ኣውያት መንእሰያት ኤርትራ ካብ ጋህስታት በረኻ ሲናይ። ቀዳማይ ክፋል

Tuesday, 30 November 2010 18:18

2010  ብዙሕ ሰብ ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ክርኢ እንከሎ ኤርትራን ምድረበዳ ሲናይን እንታይ ኣራኸቦም ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል። ህዝቢ ኤርትራውን እንተኾነ ኣብ ናይ ብዙሕ ዘበናት ታሪኹ ብዛዕባ ሲናይ ዝነበሮ ኣፍልጦ ብእዝኑ ዝሰምዖን ካብ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ዘንበቦን እንተዘይኮይኑ ከምህዝቢ ነቲ ቦታ እግሩ ዝረገጸሉ እዋን ስለዘይነበረ ሎሚ ብዛዕባ ውዕሎ ደቁ ኣብ በረኻታት ሲናይ ኪሰምዕ እንከሎ ከደንጽዎን ከሰምብዶን ባህርያዊ’ዩ።ኣብኡ ጠጠው ስለዘይብል ግና ኣስዕብ ኣቢሉ እዝኹሉ ኩነታት ስለምንታይ የጋጥም ኣሎ? መፍትሒኡኸ እንታይ ኢዩ ኢሉ ክሓስብ ናይግድን ይኸውን።መንእሰያት ደቁ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ዘውርደሎም ዘሎ ኣረሜናዊ ግፍዕታት ምጽዋር ስኢኖም ንዝፈትዉዋ ዓዶምን ንኽቡራት ወለዶምን ራሕሪሖም ናብ ዝተፈላለየ ኩናዓት ዓለም ካብዝስደዱ ኣትሒዙ ኣበይ ኮን ወዲቖም እናበለ ቅሳነት ዘይብሉ ሂወት ካብዝመርሕ ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።ተፈላሊኻ ምንባር ከይኣክል ከኣ እቲ ስርዓት ደቅኹም ከዲዖም እናበለ ዘውርደሉ ጸቕጢ ተወሳኺ ጾር ኮይኑዎ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ስርዓት ዝወርዶ ስቓይ ከይኣኽሎ ግና ገለ ክፋል ናይቲ ናብ ስደት ዘምርሐ ውሉዱ ናብቲ ክኸዶ ዝደለዮ ቦታ ከይበጽሔ ይእሰር፡ይቕጥቀጥ፡ይቕተል ምህላዉ ኪሰምዕ ከሎ ክልተ ሞት እዩ። ስለዚ ድማ በብዝወጽኦ ዝሃልቕ መንእሰይ እናበዝሐ ምኻዱ ወላዲ ወላድመኻን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ብሰንኪ እኩይ ተልእኾ መራሕቲ ህግደፍ ሃገር ኣብ ብርቱዕ ናይ ምጽናት መስርሕ ተሸኺላ ምህላዋ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ሓደ መርኣያ ናይዚ እምብኣር ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ዘጋጥሞም ዘሎ መቕተልትን መቑ`ሰልትን እዩ።

ከምዝፍለጥ እቶም ዶብ ዝሰግሩ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ ብዝሒ ናብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት እዮም ዝስደዱ። መብዛሕትኦም ስደተኛታት መንግስታት ናይተን ዘዕቆብኦም ሃገራት ኣብ ዘዳለዉሎም መዓስከራት ኮይኖም ፍታሕ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ክጽበዩ እንከለዉ ገለ ካብቶም ኣብ ሃገር ሱዳን ዝኣትዉ ግና ናብ ካልኦት ሃገራት ክሰጋገሩ ክብሉ ኣዚዩ ሓደገኛ ኣማራጺ ይኽተሉ። ብኡ መሰረት ክኣ ንኤውሮጳ እንተደለዩ ንሳሃራ ኣቋሪጾም ብሊብያ ጌሮም ንምሕላፍ ናብ እስራኤል እንተደለዩ ድማ ብምስሪ ጌሮም ንሲናይ ቆሪጾም ንምሕላፍ ጉዕዞኦም ይታሓሓዙዎ። ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ጽሑፍዚ እምብኣር ንኣገባብ ኣታኣታትዋ ኤርትራውያን ናብ ሃገረ እስራኤል ዘብርህ ኮይኑ ምንጪ ሓበሬታና ገለ ካብቶም ነዚ ብኣካል ዝተመኮሩዎ ሲናይ በጺሖም ዝተመልሱ ዜጋታት እዮም። ኣባል ጋንታ ኣመሪካ ንዝተመዛበሉ ኤርትራውያን ንኣፍሪቃ ተጓዒዙ ምስዞም ዜጋታት ተራኺቡ ዝኣከቦ ጽሟቕ ቀጺሉ ቀሪቡሎ።

ብመሰረቱ ብዘይካቶም ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ከባቢ ዶብ ዝጸንሑ፡ወይከኣ ተቐማጦ ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ሰባት ብዙሓት ካብ ከተማታት ዝብገሱ መንእሰያት ጌና ጉዕዝኦም ጅምር ከብሉ ከለዉ ኣትሒዞም መዓት ገንዘብ እናኸፈሉ እዮም ንዶብ ዝሰግሩ። እቶም መንገዲ እናሓበሩ ዘሳግሩ ሰባት ብዓበይቲ ሰብመዚ መንግስቲ ህግደፍ ብፍላይ ከኣ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተዋፈሩ ደላሎ እዮም።ናቶም ግደ ክሳዕ ዶብ ሱዳን ምብጻሕ ይኸውንሞ ካብ ሱዳን ንደሓር ዘሎ ስርሒት ከኣ ኣብታ ሃገር ብዝተወደቡ ሃሱሳት ህግደፍን ብዕሉላት ነጋዶ ራሻይዳን ዝፍጸም ዕማም እዩ። ሽሕኳ እቲ ነዚ ዝወጽእ ገንዘብ ዘጉሂ እንተኾነ እቲ ዝኸፍኤ ነገር ግና ብገንዘብካ ሞት ዝዕደገሉ መስርሕ ምዃኑ እዩ። ገለ ዕድለኛታት ናብ ዝደለዩዎ ሃገር ይበጽሑ እዮም ይኹንምበር ዝስንክሉ፡ዝእሰሩ፡ ዝጽለሉ፡ ዝሞቱ ውሑዳት ኣይኮኑን።ምስዚ ኹሉ ጸገምን ኣደራዕን ግና እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ኤርትራውያን ብሳላ መንፍዓቶም ብዝፈጥሩዎ መርበባት ኣቢሎም ድሃይ ሕድሕድ ንምፍላጥ ዝገብሩዎ ጻዕሪ ብጣዕሚ ዘደንጹ እዩ። ነቲ ኩነታት ንምግላጽ ገለ ካብቲ ኣብ ኢድና ዝኣተወ ሰነዳት ከምዘለዎ ከነቕርብ መሪጽና ኣሎናሞ እንሀለይ ኣቕሪብናዮ። እዚ ጽሑፍዚ ሓንቲ ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ኣብ ሃገረ ግብጺ ካብ ዘላቶ ቦታ ኣብ ካልእ ቤትማእሰርቲ ግብጺ ናብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣሕዋታን ኣሓታን ብሕቡእ ዘማሓላለፈቶ መልእኽቲ እዩ። ስማ ንኸይጋለጽ ምናልባትውን ብኢድ ጽሑፋ ንኸይትልለ ብምስጋእ ንድሕነታ ክንብል ነቲ ጽሑፍ ስካን ጌርና ከነቕርቦ ኣይመረጽናን። ትሕዝቶኡ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ፡-

ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ እትርከቡ ኣሕዋተይ፡

እቲ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባረኽ፡ ክብሪ ኩሉ ንዕኡ ይኹን። ስጋብዛ ሰዓት እዚኣ ብሂወት ንኽንነብር ዘፍቀደልና ልዑል ኣምላኽ ስለዝኾነ ክብርን ምስጋናን ንዕኡ ይኹን። ብሩኻት ኣሕዋተይ ከመይ ኣሎኹም ጸጋጥዕናኹም? ነዚ ጽሑፈይ ህድእ ኢልኩም ከተንቡቡዎ እላበወኩም። ሓፈሻዊ ኩነታት ምእንቲ ክትርድኡ ገለ ዝርኣኹዎን ዝሰማዕኩዎን ተሞኩሮታተይ ከካፍለኩም። እምብኣር እቲ ልዕሊ ኩሉ ዘሕዝን ገለ ኤርትራውያን ንገንዘብ ክብሉ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ዝፍጽሙዎ ግፍዒ እዩ።

  1. ሓደ ኣብ ካርቱም ዝቕመጥ ቴድሮስ ዝብሃል ሳምሳሪ ዝገበሮ ከዘንትወልኩም። ሓደ ጎረቤቱ ንተድሮስ ዝኾነ ኤርትራዊ “ኣታ ቴድሮስ ሓወይ ኣነሲ ናብ ካርቱም ካብ ዝመጽእ ሓያል ግዜ ጌረ እንተኾነ ግና ኣሽንኳይዶ ነሕዋተይ ክሕግዝስ ነብሰይ ክኢለ ክነብርውን ኣይከኣልኩንሞ እንታይ እንተገበርኩ ይሕሸኒ።ኣነ ዘኽታምን ኣያ ዘይብለይ ድኻን እየ” በሎ። ቴድሮስ ከኣ ድሓን ንግዝይኡ ቁሩብ ገንዘብ እንተለካ ሃባ። ብዛዕባ ንእስራኤል ምስጋር ድሓን ባዕለይ የሳግረካሞ ዳሕራይ መዓልቲ ሰሪሕካ ትኸፍለኒ ይብሎ። ወዮ ምስኪን ሓው ዘላቶ ገንዘብ ነጊፉ ንቴድሮስ ምስኣረከቦ ጉዕዞ ናብ እስራኤል ይጅምር።ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ከኣ ይበጽሕ። ኣብኡ ዝጸንሔ ዓብደላ ዝተባህለ በደዊ ገንዘብ ክኸፍል ይሓቶ። እቲ ወዲ ናብ ቴድሮስ ይድውል። ቴድሮስ ብዓንቶቦውን እናፈለጠ ስለዝኾነ ዝለኣኾ ወላ ሓንቲ ክገብረሉ ከምዘይክእል ይገልጸሉሞ እዚ ምስኪን ወዲ ኣብ ቤትማእሰርቲ ይዳጎን። ዓብደላ ደጋጊሙ ይቕጥቅጦ። ወዲ ስቅያት ስለዝበዝሖ የንጸርጽርሞ ነቲ ናይ ማእሰርቲ ዚንጎ ፈንቂሉ ክኸይድ ይፍትን።ግን ይትሓዝ። ቅንይ ኢሉ እንደገና ክኸይድ ይፍትን። ሕጂውን ይታሓዝ። ካብዚ ንደሓር መግረፍትን ስቓይን ስለዝበዝሖ ይጽለል።ካብ ሕሱም ምስሓት ኣኣሙሮ ዝተላዕለ ከኣ ቀልቀሉ መሊሱ ክበልዕ ይጅምር።ብድሕሪኡ እዚ ኤርትራዊ እዚ ሰብ ከምዘይከውን ስለዝተርድኤ ዓብደላ ካብ ቤትማእሰርቲ ኣውጺኡ ኪድ ይብሎ። እንሀልኩም ከኣ እዚ ሰብዚ ብሰንኪ ውዲት ኤርትራዊ ሓዉ ኣብ ትንፋስ ዘለዎ ማርሞ ተቐይሩ ሓዲግ ወዲቑ ተሪፈ።
  1. ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ይኸውን 50 ኤርትራውያን ብሓባር ጉዕዞ ይጅምሩ።15 ካብኣቶም ብሰንኪ ማይጽምኢ ኣብ መገዲ ይሞቱ። እቶም ዝተረፉ ጉዕዞኦም ይቕጽሉ። ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ደኺሙዎም ኣብ ዝመሰዮም ይሓድሩሞ ተንሲኦም ንጽባሒቱ ይቕጽሉ።ድሕሪ ሓያል ጉዕዞ ቁጽሮም እንተተራእየ ግና ሓደ ሰብ ይጎድሎም።እቲ ሰብ ብርቱዕ ድቃስ ጸቒጡዎ እዩ ኣብቲ ዝሓደሩሉ ቦታ ተሪፉ። እቲ ዝመርሕ ዝነበረ ራሻይዳ ናብቲ ዝሓደሩሉ ቦታ ተመሊሱ እንተኣናደየ ወዲ ኣብ ማእከል ምድረበዳ ኣእሙሩኡ ስሒቱ ተጸሊሉ ይጸንሖ።ንጽላሌኡ ዝተዓዘበ ራሻይዳ ሆየ ይፍትሾሞ ኣብ ስሪኡ ዝሰፈየን $2000.00 ይረኽበሉ። ንዕኤን ይወስደን ንዕኡ ግና ናብ እሕዋቱ የስዕቦ። ኣሕዋቱ ምስረኸበ እቲ ፅላለ ዝሓደጎ ነብሱ ኪፈልጥ ይጅምር።ሲናይ ምስበጽሑ ግና እቶም ሰብ ገንዘብ ብገንዘቦም ናብዝደለዩዎ ከብሉ እንከለዉ ንሱ ግና ገንዘቡ በቲ ራሻይዳ ስለዝተዘምተ ሰኣን ገንዘብ  ናብ ጽላለ ተመሊሱ ኣብ ሲናይ ይተርፍ።ድሕሪኡ ዘሎ ሃለዋቱ ኣምላኽ ይፍለጦ።
  1. ሕጂውን ካልኦት ሰባት ብተመሳሳሊ ኩነታት ጉዕዞኦም ናብ ሲናይ ይጅምሩ። ሓደ ካብኣቶም ኣብ መገዲ ማይ ስለዝጸምኤ ነቲ ራሻይዳ በጃኻባ ቁሩብ ማይ ኣስትየኒ ብማይ ጽምኢ ዲና ክንመውት ይብሎ። እቲ ራሻይዳ ትቕብል ኣቢሉ ንስኻዶ ካብ መን ትበልጽ ኢኻ ንዓይ ከምዚ ኢልካ ትእዝዘኒ ኢሉ ቀጥታ ብጥይት ይወቕዖ። ኣብኡ ምስኡ ዝነበረ ወድሓውቦኡ ዋይሓወይ ኢሉ ብስምባደ ኣብ ልዕሊኡ ይወድቕሞ ወዮ ራሻይዳ ንኽልቲኦም ብጥይት ይቐትሎም። እቶም ዝተረፉ ኤርትራውያን ንኽልተ ደቂ ሓውቦታት ኣብ ሓደ ጉድጓድ ቀቢሮም ጉዕዞኦም ቀጸሉ።

ክቡራት ኣንበብቲ! ሓለት ህዝቢ ኤርትራ ብኸምዚ ክቕጽል ኣይግባእን። ብወገንና ነቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ተረክቦታት ምቕራብ ዘየቋርጽ ተግባርና ኪኸውን ኢዩ። ጌና ብዙሕ እነስዕቦ ሓበሬታታት ኣሎ። ንሕና ከም ጋንታኣመሪካንዝተማዛበሉኤርትራውያን መጠን ነዚ ለዋህ ህዝቢ ወሪዱዎ ዘሎ ኣደራዕ ብሕብረተሰብ ዓለም ንኽፍለጥ ጻዕርና ብዝልዓለ ናህሪ ክቕጽል’ዩ። በዚ ኣጋጣሚዚ  ድማ ደም ኤርትራውያን ፈቐዱኡ  ብኸንቱ ይፈስስ፡ ሂወት ዜጋታት ከምዋዛ ይሓልፍ ኣሎሞ ስደት ፍታሕ ስለዘይኮነ ሃገር ከይበረሰት ወለዶታት ከይጸነተ እንከሎ ብኣግኡ ናይ ሓባር ፍታሕ ይናደየሉ ዝብል መልእኽትና ከነማሓላልፍ ንፈቱ።….ይቕጽል።

www.EritreanRefugees.org

http://assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3275:2010-11-30-18-22-27&catid=23&Itemid=104

http://assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3273:desert-hell&catid=46:discussion&Itemid=100584