-->

ተጋዳላይ ተስፋይ ገብረኣብ (ጎመራ)

ኣብ መበል 8 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ "ሕሩያ" ኣብ ዝተሰምየት መጽሔት፡ "ጎመራ" ብዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ተስፋይ ገብረኣብ ዝተባህለ ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር "ከይመውት እፈርሕ" ብእትብል ኣርእስቲ፡ " ነዚ ጽኑዕን ፈቃርን ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ዝግባእ ከየገልገልኩዎ ብሞት ከይፍለዮ እፈርሕ" ክብል ጽሑፉ ነይሩ።
ሕጂ ግን ተስፋይ ገብረኣብ ጎመራ ኣበይ ኣሎ? ንምዃኑ'ኸ ተስፋይ ገብረኣብ መን እዩ? ድሕሪ ባይትኡ ሃለዋቱ ከመይ ይመስል? ስለምንታይ'ከ እዩ ተስፋይ "ከይመውት እፈርሕ" ክብል ጽሒፉ? ዝብል ሕቶታት ኣብዛ ዓንቀጽ ክምለስ ክፍተን እዩ።
ተስፋይ ገብረኣብ ካብ ኣቦኡ ኣቶ ገብረኣብ ተስፋዝግን፡ ኣዲኡ ወይዘሮ ስላስ ኣርኣያ ብ1949 ዓ.ም ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። 1ይን 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ኣስመራ ወዲኡ፡ ብ1966 ናብ ኣዲስ-ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ተጸምቢሩ። ብፋርማሲ ብዲግሪ ምስ ተመሪቐ ከኣ ብዝተማህረሉ ዓውዲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዲስ-ኣበባን ደሴን ሰሪሑ፡ ብ 1977 ናብ ሰውራ ተጸምቢሩ።
ኩሎም እቶም ንተስፋይ ዝፈልጡዎ ኣብዚ ዓንቀጽ ዝኽሮምን ተመኩሮኦምን ዘካፈሉ ናይ ቃልሲ ብጾቱ 'ጎመራ ብኹሉ ዝኽእሎ ዘበለ ብተወፋይነት ዘገልገለ ሃገራዊ በሃር እዩ' ይብሉ።
ኣብ ሳሕልን ሱዳንን ሓቢራቶ ዝሰርሐት ገዲም ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር መርየም ዑመር (ውሪጥ) "ጎመራ ዓወት ሰውራ ኤርትራ ክውን ንኪኸውን ካብ ዝተወፈዩ ኣሽሓት ብሉጻት ደቂ ህዝቢ ሓደ እዩ። ብዓቕሙን ፍልጠቱን ዘይንየት፡ ምስ ንእሽቶ ንኡስ ምስ ዓበይቲ ዓቢ ክኸውን ዘይጽግሞ ውፉይ መምህርን ብጻይን እዩ። ንጎመራ ኣሎ ዝበሃል ቅጽላት ደርዲረ እውን ክገልጾ ኣይክእልን እየ" ክትብል ኣድናቖታ ትገልጽ።ተስፋይ ጎመራ፡ ትምህርቱ ምስ ዛዘመ፡ ከም ፋርማሲስት ኮይኑ ኣብ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሰርሕ እንከሎ እዩ ብሃገራዊ ስምዒት ተጸልዩ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ብሚስጢር ተወዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ብዋህዮ ተወዲቦም (ብውሑድ ቁጽሪ) ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ንዝነጥፉ ዝነበሩ ብዋህዮ መቓልስቱ ወኪሉ

ብ1977 ካብ ደሴ ናብ ሳሕል ኣምሪሑ። ኣብ ቀድማይ ውድባዊ ጕባኤ ህ.ሓ.ሓ.ኤ. ተሳቲፉ ከኣ ብሚስጢር ናብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ከተማ ንደሴ ተመሊሱ ኣገልግሎቱ ቐጺሉ።
ይኹን እምበር ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ ኬንካ ምስራሕ እቲ ዝኸበደ ዕማም ብምንባሩ፡ ብ 1978 ገለ ካብ መሳርሕቱ ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ደርግ ስለዝተታሕዙ ካብ ሃድን እቲ ስርዓት፡ ካብ ደሴ ኣምሊጡ ብጅቡቲ ኣቢሉ ንሜዳ ተጸንቢሩ።
ኣብ ሜዳ ስሩዕ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ታዕሊምን ወሲዱ ከኣ ብሞይኡ ኣብ ክፍሊ ሕክምና፡ ጨንፈር ፋርማሲ ተመዲቡ ኣገልግሎቱ ፈሊሙ። 'ተስፋይ ኣዝዩ ህርኩት እዩ ነይሩ' ይብሉ፡ ኣብቲ ቋሕ ሰም ኢልካ ሰማይን ምድርን ጥራሕ እትጥምተሉ ሰንሰለት ኣኽራናት ሳሕል ሓቢሮሞ ዝነበሩ ብጾቱ።


ፈለማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ዳሕራይ ከኣ ኣብ ሱዳን ኣጸቢቑ ክፈልጦ ዕድል ዝረኸበ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ፡ " ተስፋይ ናይ ብሓቂ ውፉይ፡ ሕውስ እዩ። ልዕሉ ኹሉ ከኣ ንዝሓዞ ስራሕ ብተገዳስነት ዝፍጽም ሓዲሽ ነገራት ክፈልጥን ክመራመርን ዝደሊ ሰብ ነይሩ" ክብል ይገልጾ።
ተስፋይ፡ ነቲ ክሳብ መድሃኒትን ኢንፊዥዩንን ከፍሪ ዝበቕዐ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ሜዳ ዝተሃንጸ ክፍሊ ፋርማሲ ምስ ብጾቱ ኮይኑ፡ እግሪ ዘትከለን ስርዓትን ዘትሓዘን ምኩር ፋርማሲስት እዩ ነይሩ።
ዳሕራይ ብኣድላይነት ናብ ክፍሊ ስለያን ጸጥታን ምስ ተሰጋገረ እውን፡ ከም ውልቀ ተጋዳላይ፡ ኣብቲ ናጽነት ንምቅልጣፍ ኩለንትናዊ ተወፋይነት ነብሲ ወከፍ ተጋዳላይ ዝሕተት ዝነበረ እዋን፡ ኣገልግሎቱ ብዓቢ ብቕዓት ዝፈጸመ ጻዕራም ሰብ ምንባሩ ኩሎም ብጾቱ ይሰማምዑ።
"ተስፋይ ዝተራእዩ ዝዛረብ ደፋር፡ ወትሩ ኣዎንታ ጥራሕ ዝሓስብ ቅኑዕ፡ ንዝኾነ ሰብ ይዕበ ይንኣስ ሓላፊ ይኹን ተራ ብማዕረ ሚዛን ዝርኢ፤ ቅድሚ ኩሉ ስራሕን ረብሓ ህዝብን ዘቐድም ነብሱ ረሲዑ ለይትን ቀትርን ዝውፈ ተጋዳላይ እዩ" ይብሎ፡ ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ተመዲቡ ምስ መጽኦም ኣብ ስራሕ ዝፈልጦ ገዲም ውፉይ ኤርትራዊ ጠዓመ ተወልደብርሃን።
ተስፋይ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት እዩ ተመዲቡ። ድሕሪ ናጽነት፡ ኩሉ ትካላት መንግስቲ ካብ ዜሮ ይብገስ ስለዝነበረ፡ ተስፋይ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሱዳን ግቡእ ስልጠና ወሲዱ ተመኩሮ ስልጡን ሕብረተሰብ ዝነግር መጻሕፍቲ ኣገማጢሉ፡ ዝኾነ ዜጋ፡ ኣብ ሃገሩ ከም ድላዩ ኪንቀሳቐስን ንወጻኢ እውን ብዘይ ሰዓቦ ጉተቶ ገይሹ ክምልስ ዘፍቅድ ሕጊ ንምትእትታው ኣበርቲዑ ከምዝሰርሐ፡ ኣብ 2014 ኣብ ዝተቓልሐ ሰነዳት ሬድዮ ድምጺ ሓርነት ሰፊሩ ይርከብ።
ተስፋይ ብ1994 ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከም ኣመሓዳሪ ምስተመደበ እውን ንሓይሊ ሰብን ፋይናንያዊ ስርሓትን፡ ከምኡ ድማ ንፍሉይ ኣገልግሎት ዝምልከት ዕማማትን ንጥፈታትን ስርዓት ከምዘትሓዘን ብግቡእ ከምዝወደቦን ኣብቲ ክፍሊ፡ መሳርሕቱን መላዝብቱን ዝነበረ ብጻዩ ይዛረብ።


መርየም ዑመር እውን፡ ተስፋይ፡ ካብ እዋን ቃልሲ ኣትሒዙ ንኹሉ ዝርእዮ ጉድለታት ብድፍረት ዝቃወም ወትሩ ምስ ደሞክራስን ፍትሕን ደው ዝበል ጽኑዕ ተጋዳላይ ምንባሩ እያ ትገልጽ።
ተጋዳላይ ጎመራ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ኣብ ዘካየዶ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ፡ እቲ ውድብ ኣብ ውሽጡ ካልእ ምስጢራዊት ሰልፊ ከምዝነበረቶ ብወግዐዒ ምስገለጸ፡ ንሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ እቲ ውድብ ንተጋደልቱ ብወግዒ ይቕሬታ ክሓትት ከምዘለዎ እተዘኻኽር ደብዳበ ከምዝጸሓፈሉ ፈለጥቲ ምስጢሩ ይዛረቡ። ጎመራ እምበኣር ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እዩ ኣብ ዓይኒ መቐናቕንቱ ኣትዩ ድማ ይብሉ ነቲ ዳሕራይ ዘጋጠሞ ኩነታት ክገልጹ እንከለው።
ተስፋይ፡ ብ1999 ዓ.ም ናይ ማህደረ-ትምህርቲ ዕድል ረኺቡ፡ ንሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከይዱ፡ ብህዝባዊ ምምሕዳር ብማስተርስ መዓርግ ተመሪቑ ምስ ዕድመኡ ዘዋህለሎ ፍልጠት ደሪዑሉ።
ቤተሰቡ ምስታ ኣብ ፈለማ 90ታት ኣብ ሜዳ ዝተመርዓዋ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ሰሪሓ እትነብር በዓልቲ ቃል ኪዳኑ ተጸምቢሩ ህይወቱ ክመርሕ እኳ እንተሓተቱዎ፡ ኣብቲ ግዜ'ቲ ኤርትራ ኣብ ኵናት ዶባት ተጸሚዳ ስለዝነበረት፡ ነቲ "ብዝግባእ ከየገልገልኩዎ ከይመውት እፈርሕ" ዝበሎ ህዝቢ ኣብ እዋን ጸገሙ ሓቢሩዎ ክኸውን ብቕጽበት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።
እቲ ኩናት ብውዕል ኣልጀርስ ምስ ተዛዘመ ከኣ ተስፋይ፡ ምስቶም ንኣተሓሕዛ እቲ ኩናት ክግምገም ዝጸውዑን ሃገር ናብ ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ክትሰጋገር ዝሓተቱ ብጉጅለ -15 ዝፍለጡ ኣባላት መንግስቲ ንዝተላዕለ ሕቶ ስለዝደገፈ ብጥቅምቲ 2001 ካብ ቤቱ ተዓፊኑ ምስተወስደ ክሳብ ሕጂ ደሃዩ የሎን። ከም ንቡር ኣብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረበን፡ ስድራ ቤቱን መቕሩቡን ክበጽሐዎ ዕድል ኣይተዋህቦምን።
"ተስፋይ ብብርዒ ሓሳባቱን ርእይትኡን ስለዝገለጸ ጥራይ ንዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት መመላእታ ኣብ ጎዳጉዲ ክሕየር ዓቢ ገበን እዩ" ትብል ተጋዳሊት መርየም ዑመር።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቶም ሽዑ ዝኣሰሮም ሰበስልጣን መንግስትን ጋዜጠኛታትን ሃገራዊ ድሕነት ሃገር አሕሊፎም ዝሃቡ እዮም። ንሃለዋቶምን ጥዕነኦምን ብዝምልከት ከኣ ካብ ማንም ንላዕሊ ንዓና ስለዝቐርቡና መቓልስትናን ብጾትናን ስለዝነበሩ፡ ብጽቡቕ ኢና ሒዝናዮም ዘለና እዩ ዝብል። ኣበየን ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘለውን ግን ንስድራቤቶምን እውን ገሊጹ ኣይፈልጥን እዩ።
ተስፋይ ምስ ክልተ ኣሕዋቱ እዩ ተሰሊፉ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ኣብ ቃልኢ ተሰዊኦም። ሕድሪ አሕዋቱን ዓሰርተታት ኣሻሓት ብጾቱን ይሰማዕ ሃገር በቲ ዝኣተናዮ መብጽዓ ብቅዋማዊ ስርዓት ትመሓደር ስለዝበለ እዩ ተኣሲሩ ተሰዊሩ ዘሎ ትእል መርየም ወሲኻ።
እቲ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ብኣመራርሓ እቲ ውድብ ቅሬታ ዘሕደረ ተጋዳላይ ተስፋይ፡ ኣብ 1991 ናጽነት ኮይኑ ብዓወት ንኣስመራ ምስ ኣተወ፡ ከምዝነብዐ ኣብታ "ከይመውት እፈርሕ" ዝብል ኣርእስቲ ዝሃባ ጽሕፍቱ ነጊሩ ነይሩ። እቲ ዘንብዖ ግን ንብዓት ሓጎስ እዩ።
ኣብ በረኻ ገዲፍዎም ዝመጽአ ኣሕዋቱን ብጾቱን ነዚ ንሱ ዝረኣዮ ናጽነት ክርእዩ ዘይምኽኣሎም ብናፍቖት ኣምሪሩ በኽይሎም። ግን ከኣ እቲ ዓወት ብሳላ መስዋእቶም ስለዝተረኽበ ከም ሰማእታት ሃገር ደኒኑ ሰጊዱሎም። ብሕልንኡን ጽሑፉን ከኣ መብጽዓኹም ከነተግብር ኢና - ሕድርኹም ኣይነዕብሮን ኢና ኢሉዎም።
ተስፋይ ኣብ ጽሑፉ፡ "ወላዲቱ መስዋእቲ ደቀን ምስ ተነግረን ከም ብዙሓት ኣዴታት ኤርትራ፡ ደቅና ንናጽነት ስለዝተሰውኡስ ንሕበን እምበር፡ ኣይንነብዕን ኢና። ናጽነት ዋጋ ከይሃብካ ትፈትዎ ከይከፈልካ ኣይትርከብን እያ" ከምዝበላ እዩ ዝዛረብ።
እቲ ዘረባ ፈጠራ ወይ ድርሰት ኣይነበረን። መስዋእቲ ደቀን ብብተራ ምስተነግረን ዝዓለላ ኣዴታት ኤርትራ ውሑዳት ኣይኮናን። ኣብ ከብደን እምኒ መሊሰን ዕልልታ ዝደርጎሓ ግን ስለዘይሓዝና ኣይኮናን - እታ ን30 ዓመታት ብብረት ዝደለየኣ ናጽነት ግን ብዘይ ክቡር ዋጋ ከምዘይትርከብ ስለዝፈለጣ እየን ይብል ጠዓመ ተወልደብርሃን።

ተጋዳላይ ተስፋይ ገብረኣብ (ጎመራ)
ነዚ ዘነጽር ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ፡ ዛንትአን ኣብ ዝተፈላለያ ጋዜጣታት ዝተነግረ፡ ኣደ ሓምሽተ ስውኣት መምህር ዝበለኦ ነገር ኣሎ። "ደቀይ ኣብ ዝኣመኑሉ ዕላማ ንናጽነት ተሰዊኦም። ሕጂ ኣይነብዕን'የ። ዝወደቑሉ ዕላማን ራኢን እንተተጠሊሙ ግን ሽዑ ኣምሪረ ክበኪ እየ" ከም ዝበላ ተጻሒፉ ነይሩ ትብል መርየም ዑመር ነቲ ተስፋይ ጎመራ ዝበሎ ሓሳብ ብምድራዕ።
ተስፋይ ኣብታ ጽሕፍቱ፡ "ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኽልተ ዓበይቲ ሓያላን ብዘረ እናተጸፍዐ ነቕ ከይበለ፡ ንናጽነቱ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ዝተዓወተ ጅግና ህዝቢ እዩ። ነዚ ሓላል ህዝቢ ምማት ጸጋ እዩ። ሓደ ተጋዳላይ፡ "ነዚ ህዝቢ እዝስ ክልተ ሳዕ እንተትሞተሉ" ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ። ግን ተጋግዩ፡ ዓሰርተ ሳዕ እንተትሞተሉ እውን ምወሓዶ" ይብል ጎመራ።
ስለዝኾነ ከኣ እዩ ነዚ ህዝቢ'ዚ ዝኣክል ከየገልገሎ ከይመውት እፈርሕ ክብል ብውሕሉል ኣቀራርባ ዝጸሓፈ ተስፋይ፡ ሎሚ በቲ ዝተቃለሰሉ ውድብን፡ ሓቢሩ ዝሰርሓሉ ስርዓትን፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ደሃይ ን19 ዓመታት ተኣሲሩ ምስዋሩ በደል እዩ ክብል ጠዓመ ተወልደብርሃን ኣምሪሩ ይዛረብ።
ኣባል ሓለዋ ቤት ማእሰርቲ እምባትካላን ዒላዒሮን ነበር እዮብ ባህታ ምስ ኣካያዲት ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኤልሳ ጭሩም ኣብ ለካቲት 2011 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ተስፋይ ዝርከቦም 35 እሱራት ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን ኣብ በረኻ ዒላዒሮ፡ ኣብ ነናይ ውልቆም ዕጹው ሸላ ብከቢድ ተታሒዞም ምንባሮም ሓቢሩ ነይሩ። ካብ ሽዑ ንደሓር ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕብኦም ዝተሰምዐ ነገር የሎን። source https://www.bbc.com/tigrinya/

 

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com