ግፍዕን መከራን ሲናይ ሰጊሮም እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ግዳያት እንታይ ይብሉ?

source http://assenna.com/ october 11, 2012October 11, 2012

 

ቀዳማይ ግዳይ

ኤርትራዊ

ዕድመ 25

ክርስትያን

ትግርኛ

ካብ ኤርትራ

ሰድራይ ካብቲ ብመንግስቲ ዝተዋህቦም ገዛ ኣውጺኡ ንሓለፍቲ ምስ ዓደሎም ዝዕቆበሉ ስፍራ ምስ ሰኣንኩ  ንዕኦም ንምእላይ ተበጊሰ፣፣

i.           ብሰምሳሪ ብ150,000,ካቡኡ 50,000 ናቅፋ ተኸፊሉ እቲ ዝተረፈ ብበቕሩብ ኣብ ሱዳን ክህቦ ምስ ሰራሕኩ

ii.           ሱዳን ፣ሸገራብ ኣቲና

iii.           2 ሰባት ጥራይ ኔርና

iv.           ካልእ ዋላ ሓደ ኣይነበረን

v.           ዝኾነ ትዕዝብቲ የብለይን ምኽንያቱ ካብ ሸገራብ ንኻርቱም ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተበጊስና ካቢኡ ምስ ካልኦት ራሻይዳ ተሻሪኹ ከምንጭወ ገይሩና፣፣

vi.           ኣብ በረኻታት ከሰላ ዓይንና ዓሚቶም ኣሰሮምና,ገንዘብ ሓቲቶሙና,ኩሉ ንብረት ወሲዶም

vii.           ንተለፎን እናተራኸቡ

viii.           ሓደ ለይቲ ምስ ገበርና ኣብ ቅድሜና ሕሳብ ተቐቢሉ ሽይጡና

ix.           ሽዑ ናብ ገዚኡ ወሲድና

x.           ሓንቲ ሰበይቲ ትርከቦም 2 ኣወዳት ሃዲሞሞ ፣ንሕና ንዕኦም ከነርክቦም ሓሲብና ግን ኣይሰለጠናን

xi.           ካብኡ ኣብ ሳሃራ ብክልተ ኤርትራውያን ዋርድያ ተሓሊና 14 መዓልቲ ገይርና

xii.           25 ኪሎ ፊኖ ኣምጺኦምልና,በንዚን ዝተሓወሶ

xiii.           ድሕሪ 14 መዓልቲ ንሲና ተበጊስና

xiv.           ኣብ ኒል ጥሜት ኣጥቂዒና 7 መዓልቲ ገይርና

xv.           ግብጻውያን እንተ ረኸቡና ኢልና ክንሃድም ሓሲብና ግን ሒዞም ኣብ ሓንቲ ብማይ ዝተኸበት ድሩቕ መሬት ኣእርትዮምና,2 ለይቲ ሓዲርና,17 ጭውያት ካልኦት ድማ ኣቡኡ ጸኒሖምና

xvi.           ፍርቂ ሰዓት ብእግርና ተጋዕዝና ብህጹጽ ናብ መኪና ሰቒሎምና

xvii.           17 ሰባት ኣብ ሓንቲ ፒክኣፕ ብቴንዳ ሸፊኖም ,ብገመድ ኣሲሮምና

xviii.           ደገ ኣለዎም ካብ ዝብል ጥርጣረ ዝዝነበ መግረፍቲ ድሕሪ ገዜ ናይ ዚኾነ ደላሎ ሂበዮም,ብኹሉ ተኣኻኺቡ

xix.           ኣመጋግባ ሓንቲ ንቕጽቲ ባኒ ን24 ስዓት ጅምና

xx.           ድሕሪት ንኽትምለስ ዕድል ዝበሃል የለን ሞት ጥራይ,ንኣብነት ሓደ ብጻይ ብሰንኪ ሳኣን ሓዋላ ብሕሱም መግረፍቲ ቱቦ ማይ ኣብ መቐመጪኡ ኣእትዮም ውዑይ ሻሂ ኣብ ከብዱ መሊአምሉ

xxi.           መጀመርያ ኣብ መከፋፍሊ መኽዘን ከሎና ገንዘብ ሓቲቶሙና ሽዑ ብማህረምቲ ተሳሂሎምና.ሽዑ ምስቲ ብኽያትና ናብ ሰድራ ደዊልና

xxii.           ድሕሪኡ 5 ሽሕ ዝኸፈለ ናብ እስራኤል ንሰደኩም ኣሎና እና በሉ ናብ ካልእ ሸይጠሙና,ኣብ ናይ 40,000 ዶላር ማለት’ዩ

xxiii.           ኣነ ብወገነይ ሞት ስለ ዘይተርፈኒ ኣብየዬም ምኽንያቱ ዓቕሚ ሰድራይ ሰለ ዝፈልጥ

xxiv.           ሓንቲ ኣማራጺ ዝገበርክዋ በቃ ንስኹም ዓቕምኹም ጌርኩም ኢኹም,ሰለዚ ኣይትሕዘኑ ኢለዮም

xxv.           ግን ከም ሰብና ንልምን በጃኻ ከምኡ ኣይትበል አሎምኒ

መተሓሳሰቢ

ብዕልግና ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ,ንኣብነት ሓደ ሰብኣይ ምስ ጋሉ ዝመጸ ኔሩ ኣብ ልዕሊ ጋሏ ኣብ ቅድሚ ኣቦኣ ሕማቕ ጾታዊ ዓመጽ፣ሽዑ እተን ዝተረፋ ድማ ሎሚኸ ናብ መን’ያ እና በላ ክሻቐላ

l   ኣስላማይን ክርስትያን እና በልካ ፈላሊኻ መግረፍቲ ማለት ,ክርስትያን እንተ ኢልካ ክሳብ ሞት ትግረፍ

 

 

ካልኣይ ግዳይ

ዳኒኤል ኣፈወርቂ

l  ኤርትራዊ

  ዕድመ,22

   ክርስትያን

   ትግርኛ

  1. ካብ ኤርትራ ዝወጻእኩሉ ምኽንያት 3 ኣሕዋተይ ኣብ ኩናት ምስ ተሰዉኡ,ኣነ ጥራይ ከም ኣላዩ ገዛ ተሪፈ እንተ ኮነ መንግስቲ ውን ንዓይ ናብ ሃገራዊ ኣገልጉሎት ኣእትዩኒ ሰለዚ ነታ ገዛ ዝኣልዩሉ ዕድል ምስ ስኣንኩ ካብ ሰራዊት ሃዲመ ንሱዳን ኣቕኒዐ፣፣
  2. ኣሃደይ ኣብ ዶብ ሰለ ዝነበሩ ካብኡ ባዕለይ ኣተየ ንሸግራብ ሱዳን
  3. ኣብ ሱዳን ዋላ ስራሕ እንተረኸብኩ ኣቢኡ ክትሰርሕ ኣይትብህግን ምኽንያቱ እቲ ዓዲ ብሸፋቱ ተዓብሊሉ አዩ ዋላ ፖሊስ ነተን ሰራሕ ዝዋዓልካየን ካብ ጁባኻ መዝሒቖም ይወስድወን፣፣ብዓብዩ ከኣ ራሻይዳ ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም
  4. ክሳብ ግብጺ መንገድና ሰላም አዩ ዝመስለና ኔሩ ድሓር ግን ኣብ ካይሮ ምስ በጻሕና ሃንደበት ኣብ ቦጥ ናይ ማይ መኪና ጽዒኖምና ካቢኡ ኣስታት 12 ስዓታት ተጋዕዝና
  5. ኣብ ሲና ምስ በጻሕና,በብኽልተ በብሰለስተ እና ገበሩ ተማቒሎምና ሽዑ ከም ዝተጨወና ተረዲኡና፣፣ኣዚና ብርስሓት ምስ ኣኽፋእና ብሽታ ምቕራብ ሰለ ዝስኣኑ ዋላ ሓዉሉ ክብሉና ካብቲ ማዕጾ ይርሕቑ፣፣ምኽንያቱ እቲ ሽክና ሰብን ቁርጽራጽ ኣእዳውን ዝመልኦ ሰለ ዝኾነ ሽታ ግደፎ ንዕኦም ንዓና ውን መቓብር ኮይኑ አዩ ተሰሚዕና፣፣
  6. እንተ ሓሚሚካ ብዘይካ ሞት ካልእ ዝኮነ ሓገዝ ኣይገብሩልካን ምኽንያቱ ሽጥራ እዩ እና በሉ መመሊሶም መቕጻዕቲ ይውስኹልካ ክሳብ ብሞት ዝተፈልዩና ብጾት ኔሮም፣፣
  7. ኩሉና ዳርጋ 15 ንኸውን ,መግቢ ዳርጋ የለን ምባል ይሓይሽ ሓንቲ ቁራስ ባኒ ኣብ 2 ሰባት ንበልዕ ንመዓልቲ ማይ ብኹባያ ኣብ ሓጺር መዓልቲ መታን ቀልጢፍና ክንሕውል ክንክን እቲ ዝኸፈአ አዩ፣፣
  8. ድሕሪት ንኽትምለስ ዕድል ዝብሃል የለን

 

 

ሳልሳይ ግዳይ

መምህር ባህታ ዘርኦም

  1. ኣታሓሕዛ መንግስቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሪሩ ማለት ብዘይ ምኽንያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ን2 ዓመት ምስ ተኣሰርኩ ካብ ቤት ማእሰርቲ መሊቐ መጺኤ,ክሰግር ከለኹ ከኣ ኣስጋሪ ነይሪና ሰለስተ ሰብ ከኣ ኔርና
  2. ካብ ዶብ ገና ኣብ ሱዳን ምስ በጻሕና ራሻይዳ መጺኦምና ብብረት ሒዞም ኣብ መኪና ሰቒሎም ኣብታ ዕዳጋ ኤርትራውያን ኮይና ዘላ ከሰላ ወሲደሙና
  3. ሱዳን ብዘይካ ከሰላ ኣምጺኻ ኣብ ሓንቲ ኣጉዶ ካልእ ኣይረኣኹን
  4. ድሕሪ 10 መዓልቲ ንሲና ተበጊስና-ደሕሪ ነዊሕን ሕሱምን ጉዕዞ ግብጺ በጺሕና,ቅድሚ ሲና ምብጻሕና ካብቶም 25 ሰባት ሓደ ሞይትና ብጽምእን ጥሜትን ምኻኑ’ዩ
  5. ኣብ ሓንቲ ላንድኩሩዘር 25 ሰባት ሰቒሎም ናብ ሲና ኣእትዬምና
  6. ናይ ደገ ተሌፎን ኢሎም ሓቲቶምና ድሕሪ ነዊሕ ምርመራ ናይ ዝኮነ ቁጽሪ ሂብና ሓንሳብ ኣዕሪፍና መሊሶም ጀሚሮም
  7. ኣብቲ ገዛ 5 ጸኒሐምና መሊስና 5 ተወሲኽና,መግቢ የለ ማይ የለ
  8. ቅድም 10,000 ዶላር ክፈሉ ንእስራኤል ክትኣትዉ አሎምና ድሕሪኡ ዘዝኸፈለ ናብ እስራኤል እናበሉ ካባና የውጹኡዎም ሓቢኦም መሊሶም ኣብ ናይ 30,000 ዶላር ይሸጥዎም ከምኡ እና ገበሩ እቶም ዝተረፊ ክሳብ ሕጂ ድሃዮም የብለይን