ናብ ኩሉኹም ግዱሳት ኣሕዋት ዓቕሚ ዘለዎኩም ሃየ ሕጂ ርድኡ!

 

ሰላም ኢለ ክጅምር ምኽንያቱ እንታይ ደኣ ተሃዊኹ ከይትብሉኒ እየ እምበር ኣነስ ቀልጢፈ ናብቲ ክሕብሮ ዚደለኹ ኪኣቱ ምደለኹ ዘሀውኽ ስለዝኾነ እየ። እሞ አንታይ ኣጋጢሙ ትብሉ ኣለኹም እነሆ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ኣብ ዕለት 29/10/2011 ኣብ ኣስዋን ዚርከቡ እሱራት ኣሕዋቲና መከራ ክረኽቡላ ዝወዓሉ መዓልቲ ስለዚኾነት ኤምባስይ ኤርትራ ኣብ ግብጺ ምስ ወተሃደራት ግብጺ ብምኻን ን ኤርትራ ኪምለሱ ስለዝኾኑ ፎርም ክመልኡ ከምኡውን ኣብቲ ዚመልኡዎ ፎርም ክፍርሙ ካብ ካይሮ ብዝተልኣከ እድሪስ ዝብሃል ኣባል ኤምባስይ ኤርትራ ኣብ ካይሮ ተነጊሩዎም። እቶም እሱራት ድማ ነቲ ሓሳብ ብኡ ንብኡ ነጺጎሞ በዚ ዝሓረቐ ወኪል ኤምባስይ ድማ ነቶም ወተሃደራት ግብጺ በሉዎም ከይፈተዉ ኪፍሩሙ ኢዮም ብምባል ብበትሪ ኪሰሃሉዎም ዊዒሎም ዚገርም ኤርትራውያን ብኤርትራዊ ሓዎም ንክቕጥቀጡ ተፈሪዱዎም ናይ ራሻይዳ እንዳጎሃናስ ናይዚ ድማ ዘስደምም ዉሳነ ኮነ። እቲ ዝወረደ መከራ ድማ ገሊኦም ዓይኖም ዝተሃስዩ፡ እዝኖም ደም ክሳብ ዘውጽእ ዝተቐጥቐጡ ዳርጋ ዚበዝሑ ብደም ዝጨቀው ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ጸገም ድማ በዚ ኣየብቀዐን ማህረምትን ምፍርራህን ሓዊሶም ብሓይሊ ኢዶም እንዳ ሰሓቡ ከም ዘይተማህረ ሰብ ብኣጻብዕቶም ኣብ ቀለም እንዳ ኣለኩ ከፈርምዎም ዊዒሎም። ነዚ ጉድ እዚ ከይወጽእ ህዝቢ ዓለም ከይሰምዖ  ምስ ዝኾነ ወገን ከይራኸቡ ተኣጊዶም ይርከቡ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣዝዮም ዝተሓስዩ ስለዝለውና ሓካይም ኣምጽኡልና ኢሎም ሓቲቶም ኮይኑ ግን ህይወት ሰብ ዘይዓጅቦም ግብጻውያን ገና ኩሉኹም ክሳብ ትፍርሙ ዝኾነ መሰል ኣይትሓቱን ኢኹም ብምባል ምስ ደሞምን ቃንዛኦምን ይሳቐዩ ኣለዉ። እቲ ቤት ማእሰርቲ ሸላተን ዝበሃል ኮይኑ ኣብ ኣስዋን ደቡባዊ ግብጺ ዝርከብ እዩ። እዞም እሱራት ድማ ኣብ ከባቢ ኣስዋን ኣብ ዝተፈላለየ ቤትማእሰርቲ ዝነበሩ ኮይኖም ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ኣብ ሓንቲ ቤት ማእሰርቲ ኣኪቦሞም ይርከቡ እዚ ድማ ንጭውያ ክጥዕሞም ሻዕብያ ዝኣለምዎ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ 160 ኣወዳትን 30 ድማ ደቐንስትዮ ምስ 6 ህጻናት ይርከባ ካብዚኦም ድማ እቶም 118 ብሓይሊ ዝፈረሙዎም እዮም። ነዚ ጉድ ከይቃላዕ ብጽኑዕ ይሕለዉ ከምዘለዉ ድማ ክንሕብር ንፈቱ። እቲ ዘፍርህ ድማ ኣብዛ ሰሙን ክጨውዩዎም እዮም ዝብል ጽንጽንታ ስለዘሎ እቲ ክገብር ዝኽል ሰብ ነዞም ሰብ ካብዚ ዓብይ ዝኾነ ሓደጋ ከድሕኑዎም ኣውያቶምን ጥርዓኖምን ይገልጹ ኣለዉ።እንተ ተመሊሶም ኩሎም ኣብ ሓደጋ ዝወድቁ እካ እንተ ኾኑ ገለ ሰባት ግና ምስዝምለሱ ናይ ህይወት ሓደጋ ከጋጥሞምም ከም ዝኽእል ብኣጋኡ ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

ኣብ ካይሮ ዝርከብ ቤትጽሕፈት UNHCR ድማ ኣባል መንግስቲ ኤርትራ ከይከውን ትጠራጠረሉ እዋን ከምዝበጻሕና ኣብዚ ኣብ ካይሮ ንነብር ንፈልጥ እካ እንተ ኮንና ኣብ ዓለም ትርከቡ ድማ በዚ ኣጋጣሚ ክትፈልጡልና ንሕብር እዚ መበልየይ ድማ ከምዚ የጋጥም ኣሎ ምስ ዝብሃሉ እቲ ነገር ምስ ኣጋጠመ ክንሓትት ኢና ዚብሉዎ መልሲ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ዝብጻሕ ምስ በጻሕካ ኣውያት ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን እሞ ኣቐዲምና ነዞም ኣብ ኣስዋን ዘለዉ ኣሕዋትና ካብዚ ኣንጸላልዩዎም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋ ክነድሕኖም ሓደራ ንብል ኣለና።

ነዚ ጉዳይ ተኸታቲለ ኣብ ምንታይ ከም ዝበጸሓ ክጽሕፈልኩም ምኻነይ ክሕብር ዪፈቱ።

ጥዑም ወዲ
ካብ ካይሮ ግብጺ
30/10/2011