<%@LANGUAGE="JAVASCRIPT" CODEPAGE="65001"%> Untitled Document
ፍትሒ ንእሱራት ኤርትራ PDF Print E-mail
Thursday, 24 September 2009 20:57

ሀገረ ኤርትራ ነጻ ካብ ትወጽእ ክሳብ ሎሚ ብዙኃት እሱራታ ብዓሰትርተታ አሽሃት በጺሖም ይርከቡ። አብ ሀገርና ኤርትራ ግዝአተ ሕጊ ብዘይምንጋሱ እሱራት ብዘይ ገለ ሕጋዊ መስርሕ  ኢዮም ዝእሰሩ።

ዋላዃ  ቅቡልን ቅኑዕን እንተ ዘይተባህለ ቅዋም ብዘይ ምትግባሩ፤ ድማ ሀገረ ኤርትራ ብዓዋሉ ተወኒና  መሬት ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ሕዝቢ ኤርትራ ገይሮሙዋ ይርከቡ።

 

ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሀገሩ ፍትሒ ስኢኑ እሱራት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርትታት  ጃንዳ ህግደፍ  ይሳቐዩን ይሞቱን ከም ዘለዉ ዘለዉ ንርእዮ ዘሎና ሓቂ ኢዩ። ጃንዳ ህግደፍ ዒም ዝበል ይተሓግም እናበለ ብዝከፍኤ ንመንእሰያትን ንአረጋውያንን ይአስሩ አለዉ። ነዚ ዘይፈልጥ ዜጋ አሎ እንተድአ ዄይኑ ድማ ብደዉ እንከሎ ንከይሰምዕ፤ ንከይርኢ፤ ንከይዛረብ፤ ብሕልናኡን ብአእምሮኡን ዝተአስረ ዜጋ ኾይኑ ንረኽቦ።

 

ጠለብ እሱራት፤ ጠለብ ሕዝቢ ኤርትራ ኢዩ። እሱራት ዝጠርለብዎ ዝሓተትዎን ኣብ ኤርትራ ሀገርና ግዝአት ሕጊ ክነግስ ቅዋም ክትግበር ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ክተአታቶ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ንክህሉ ድማ ሓጋጊ  ፈጻሚ  ፈራዲ አካላት ሓደ መንግሥቲ ሰብ ሥልጣኖም ነናጽነቶም ዝተሓለወ ንክኸውን ነጻ አተሓሳስባ ንምትእትታውን ንግዱድ ዕስክርና፤ ዝነጽጉ ዜጋታት ኤርትራ መሰላቶም ተሓልዩ ንመሰላቶም ተጠቂሞም ተቓውሞታትን ነቐፌታትን ከስምዑ ምሁብ መሰላቶም ምዃኑ ምእማን።

 

ጃንዳ ህግደፍ ድማ ንሕዝቢ ኤርትራ ንምድንጋር ንእሱራት ብጸረ-ሀገር ብኽድዓት መንጂሉ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ንዓመታት አብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርትታት ተዳጒኖም ክማስዩ ይርከቡ። እዚ ናይ ፈተራ ክሲ እዚ ነቲ ካብቶም ክሱራት ክመጽእ ዝኽእል ብመርትዖን ሓቅነትን ከዋጽኦ ስለ ዘይክእል ብክድዓት ክኽሰሱ ተመደበ።

 

እምበአር ከስ ቤት ማእሰርትታት  ጃንዳ ህግደፍ ከመይ ይመስል? አበየናይ ቦታትት ኤርትራኸ ይርከብ።ንዝብል ሕቶ መብርሂ ክንህብ።እዚ ድማ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። ቤት ማእሰርቲ ጃንዳ ህግደፍ ኢሰብአዊ ግፍዕታት ዝትግበረሉ፤ ብሕይወትካ እንከሎኻ ዘማስን መስርሕ መቕጻዕቲ ዝካየደሉ አስካሕካሒ ቤት ግፍዒ አረማውያን ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ኲሉ ቤት ማእሰርትታት ህግደፍ ምስ ውድቐት ጃንዳ ህግደፍ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ክፍለት ዘልዎ ኢዩ።

·   አገባብ መርመራን አቐጻጽዓን፤-ንእሱር ብዘስካሕክሕ መቕጻዕቲ ምስ ተኻየደሉ ከፈተወ ንዘይገበሮን ንዘይወዓሎን እወ እወ ፈጺመዮ ዘብል ኢዩ።ስለምንታይ እወ ቀልጢፉ ንክመውት ስለ ዝምነ።ገለ ካብቶም መቕጻዕትታት  ከምዚ ዝስዕቡ ኢያቶም።

1.  ብስም አልማዝ ዝፍለጥ ኢዳክን እግርካን ኩርንኩሪት አሲሮም ኣብ ምቈት ጸሓይ ዝሰጥሕ አብ ቃራና ባላ ዘንጠልጥል መቕጻዕቲ ኢዩ።

2.  ብስም ሄሊኮፕተር ዝፍለጥ አእዳውካን ኣእጋርካ ብሓባር አጣሚሮም ገልቢጡ አሲሩ ርብ ቃራና ዘንጠልጥል አገባብ መቕጻዕቲ ኢዩ።

3.  ብስም ኮንተይነር  ዝፍለጥ ዕጹው ንእሽቶይ ገዛ ብሓጺ ዝተሰርሔ ዄይኑ ዕቅልካ ዘጽብብ አገባብ መቕጻዕቲ ዝካየደሉ ኢዩ።

 

እዚመርምራዊ መቅጻዕቲ እዚ ናይ ብዙኃት ኤርትራውያን ሕይወት ዘማሰነን ዘጥፍኤን ኢዩ። እቶም ዕድል ረኺቦም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጹ ዜጋታት ድማ ጥዑይ አካላት ኮነ አእምሮ ዝሰአኑ ካብ ናይ ዓለም ሥራሕ ወጺኦም ጽግዕተኛታት ናይ ሥድራ ቤታቶም ዝኾኑ ኢዮም።

እምበአር ሕዝቢ ኤርትራ  ንጸላእቱ ዝኾኑ ጃንዳ ህግደፍ እንታዎት ምዃኖም ክሓትትን ክርዳእን መታን  በብሓደ አነጺሩ ክመምዮ ዘለዎ ጉዳያት ብዙኅ ከም ዘሎ ምፍላጥ የድሊ።

 

ቦታታት ቤት ማእሰርትታ ኤርትራ

 

1.  ዓሰብ  ( )ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ

2.  ባሕርያ    (Marine(navy) base. ቤት ማእሰርቲ ባሕረኛታት

3.  ባረንቱ      (General Prison. )    ቤት ማእሰርቲ

4.  ማይ ድማ    (South of  Asmara): Military Camp.ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ

5.  መትከል አቤት  (Military prison)                 ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ

6.  መ. ኢተር     (Meeter Military prison )                    ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ

7.  ተሐድሶ     (military prisons with shipping containers used as punishment cell) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ናይ ባቡር ክንተይነር ገዛ ንመቅጻዕቲ ዝጥቀምሉ

8. ማይ ዕዳጋ  Military prisons  with shipping containers used for punishment·)ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ

9. ካምቦ ነዳፋር ሰንዓፈ   (Military prisons )         ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ

10. ኪሊማ    (General Prison. )   ቀንዲ ቤት ማእሰርቲ አብ ጥቓ ዓሰብ

11. ድባርዋ (Adi Quala and Adi Ugri): General Prison· (The name is)  ቀንዲ ቤት ማእሰርቲ

12. ደሴታት ደሃላኽ   (detention centre i.e. political prisoners ደሃላኽ ከቢር ቤት ማእሰርቲ

13. ዒራዒሮ (Filfil-Selomuna between Asmara and Massawa ቤት ማእሰርቲ ፍልፍል ሰሎሙና

14. ጋሕተላይ   (forced military labour camp ). ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ

15. ገልዓሎ  (near the Red Sea coast): military forced labour camp ) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ

16. ገደም   ): forced labour camp to build the )   ቤት ማእሰርቲ

17. ሓዳስ ማይ አስካር (in  Sawa along the boarded with  Sudan): military prisons with underground cells.ተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ (ትሕቲ መሬት ካድረታት ዘለዉዎ

18. ማይ ዕዳጋ  (Military prisons  with shipping containers used for punishment· ቤት ማእሰርቲ

19. ማይ ሰርዋ (with underground cells and shipping containers i.e. used to punish political-prisoners and national service dodgers. ቤት ማእሰርቲ

20. ማይ ተመናይ  (military prison with underground cells.) ቤት ማእሰርቲ (ትሕቲ መሬት)

21. ሰምበል (detention centre for i.e. political prisoners and   religious-stream followers ) ቤት ማእሰርቲ

22. ዓደርሰር ሳዋ (military punishment(harsh punishment probably torturing)- and  training camp with underground cells )  ወተሃድራዊ መቕጻዕቲ ዝካየደሉ ቤት ማእሰርቲ

23. ተሰነይ (military prisons with shipping containers used as punishment cell.)  ቤት

              ማእሰርቲ ጠባይ መአረሚ ተባሂሉ ዝጽዋዕ

24. ትራኽ በ      (military prison ) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ

25. ጸጸራት (military prison with underground cells primarily for EPLF-veterans. ቤት ማእሰርቲ

26. መርመራ ገበን  (punishment )  ቤት ማእሰርቲ

27. ዊዓ ( military punishment and  training camp for i.e. national service dodgers / deserters and religious  minorities.)  ማእከላይ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ

28 ዓዲ አበይቶ ( Major Prison for Asmara, with shipping containers serving as punishment cell.)  ቤት ማእሰርቲ

29.  ዓዲ ቀይሕ (detention Centre i.e. for national service dodgers )ቤት  ማእሰርቲ አጂፕ  (detention centre i.e. for journalists ) ቤት ማእሰርቲ

31 ዓዲ ዃላ  ( 40 km north of the  Ethiopian boarder between Asmara ) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ     

32. ዓላ  ( Prison cells in shipping containers. ቤት ማእሰርቲ አብ ኮንተይነራት ምስ ጨካን አተሓሕዛ   

33. ዓዲ ንፋስ( (in/near Assab): military detention centre.) ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ    

34. ባረንቱ    General Prison.   ዓቢ ማእከላይ ቤት ማእሰርቲ

  

ብተወሳኺ አስታት 140 ዝኸውን ምስጢራዊ ቤት ማእሰርትታት ጃንዳ ህግደፍ አብዚ ዘይጠቐስናዮ ከም ዘሎ ፍሉጥ ዄይኑ እዚ እውን ክቃላዕ ዘለዎ ጉዳይና ሀገርን ሕዝብን ኢዩ።

ሐ. አብ ቢኦአት ማእሰርትታት ጃንዳ ህግደፍ ብሓለዋ ጸጥታታት  ብዘይ ግቡእ አተሓሕዛ 

     

 

ሕይወቶም ዝሰአኑ ዜጋታት ኤርትራ፤-

 

ስም

ኃላፍነት

ቦታ መዝነት

ዕለት ዓ. ም. ፈ

1.

ጀነራል ኦቕበ አብርሃ

ጠቕላላ ስታፍ ኤርትራ

እምባትካላ

ሐምለ 13 2002

2.

ፍስሃየ ዮሐንስ የሽዋ

ደራስን ጋዜጤኛን

እምባትካላ

ጥቅምቲ 12 2002

3.

ማሕሙድ ሸሪፎ

ምኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር

እምባትካላ

ሰነ 5 2003

4.

ሳልሕ ከኪያ

ሚኒስተር መጐዓዓዝያ

ዒራዒሮ

ሰነ 9 2003

5.

አስተር ፍስሓጽዮን

ኃላፊ ማኅበራዊ ጉዳያት  ዓንሰባ

ዒራዒሮ

ሰነ 13 2003

6.

ዮፉፍ መሐመድ ዓሊ

ጋዜጠና

ዒራዒሮ

ሰነ 13 2007

7.

ሐመድ ሕመድ

አብ ሚኒስትሪ ጉዳያን ወጻኢ ኃላፊ ማ/ምብራቕ

ዒራዒሮ

መስከረም 22 2003

8.

ተክለጊዮርጊስ ሓጐስ ቅስሙ

አማሓዳሪ ንኡስምም. ጸሮና

ዒራዒሮ

መጋቢት 16 2004

9.

ሳህለ ጸጋዝአብ

አኽባር ሕጊ

ዒራዒሮ

ጥሪ 1 2005

10

ስዒድ ዓብደልቃድር

ጋዜጠኛ

ዒራዒሮ

መጋቢት 3. 2005

11.

መድኃኔ ኀይለ

ጋዜጠኛ

ዒራዒሮ

ሐምለ 2 2006

12.

አባ ኪዳነ ማርያም

ፈላሲ አብ ማርያም ዓይላ

ዒራዒሮ

ሐምለ 2002

13.

 

 

 

 

14

 

 

 

 

ክቡራት ዜጋታት ብዙኃት ኤርትራውያን ዜጋጣት ብሕብእ ሕቡእ ሕይወቶም ይጠፍእ ምህላዉ ኲሉ ፈሊጡ ብሓድነት ነዚ ጠጠው ንምባል ብሓደ  ማዕረ ከም ስኒ አድጊ ዄንና ንሥራሕ።

Source http://www.mekaleh.org/index.php?option=com_content&view=article&id=1318%3A2009-09-24-20-01-16&Itemid=18