> A Tribute to a Gentle Giant- Tesfaldet Alem Meharena

 

ሓርበኛ ጅግና ስዉእ "ፍስሃየ ወልደገብሪኤል"


ስውእ ጅግና ፍስሃየ ወልደገብሪኤል ካብ ማእከሎት ሓረስቶት ዝነበሩ ኣብኡ ወልደገብሪኤል እምባፍራሽን ኣዲኡ ንግስቲ ወልደገርግስን ብ 1946 ዓ/ም/ፈ ኣብ ዓዱ ማዕረባ ተወሊዱ።
ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ በቅዐ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳብ ራብዓይ ክፍሊ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ማዕረባ፡ ሰገነይቲ፡ ጊንዳዕ፡ ኣስመራ ክሳብ 1965 ተማሂሩ፡ ቀጺሉ ኣብ ኣስመራ ብናይ ሕክምና ነርስ ትምህርቲ ንክልተ ዓመት ክሳብ 1967 ቀጺሉ። ጅግና ተጋዳላይ ፍስሃየ ወልደገብሪኤል ብዝነበሮ ርሱን ሃገራዊ ስምዒት ብዕለት 03/05/1967 ተሰሊፉ።
ተጋዳላይ ፍስሃየ ብዝተፈላለየ ሓላፍነት ዘገልገለ ሓያል ኣበርክቶ ንህዝቡን ሃገሩን ዘመሓላለፈ ገዲም ብጻይ ኣዩ።
ካብ ዕለት ምስላፍ ክሳብ 1972 ክሳብ መራሒ ጋንታ
ካብ 1972 ክሳብ 1974 ሓላፊ ክፍሊ ኣጽዋር ህግ
ካብ 1974 ክሳብ 1975 ማእከልነት ሓይሊ
1976 ማእከልነት ቦጦሎኒ
ካብ 1977 ክሳብ 1978 ሓላፊ ሕክምና ውድብ ህግ
ካብ ወርሒ9/1978 ክሳብ 1984 ሓላፊ መካናይዝድ ብርጌድ
ካብ 1984 ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ሓላፊ ክፍለ ሰራዊት
ልዕሊ ኩሉ ድማ ካብ 1977 ክሳብ 1987 ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህ ግ ተመሪጹ ብመሪሕ ተራ ዘገልገለ ብጻይ ኢዩ።
ብጻይ ፍስሃየ ከም ሰብ ተባዕ፡ ጽኑዕ፡ ለጋስ፡ ላዋህ፡ ሓቀኛን ፍትሓውን፡ ምቅሉል፡ በሊሕን ፍቱሕ ኣእምሮ ዝነበሮ ኮታስ ኣብ ምሩጻት ደቂ ሰባት ዝርከባ ኣወንታዊ ጎንታት ኣጣሚሩ ዝጋደል ሓያል ጅግና ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈን ዝተሰግሩን መሪርን ጽንኩራትን ዓበይትን ንኣሽቱን ውግኣት ቃልስና ክሳብ 1975፡ ካብኡ ቀጺሉ ክሳብ 1976 ዝነበረ ምዕባለታት ኹናት ኣብቲ ዓቢ ዝላ ኩናት 1978 ኣብ ኩሉ ጽንኩራት ናይ ሞትን ሕየትን ምጥምጣም ሸሞንተ ወራራት ምድምሳስ ሰፊሕ ግንባራት ናደው፡ ምሕራር ሰፊሕ ምብራቃዊ ጎላጉል ሓራ ከተማ ባጽዕን ብክብ ዝበለ ሓላፍነት ተመዚዙ ኣብ ህዝባዊ ሰራዊትና ዓቢ ናይ ምምራሕ ተራን ተባዕ ጅግንነትን እና ፈጸመ ከሎ ብዕለት 06/06/1990 ኣብ ዓዲ ሮሶ ዝተባህለ ቦታ ብጅግንነት ተሰዊኡ።
ብጻይ ፍስሃየ ቅድሚ መስዋእቱ ኣብ ከበድቲ ኩናት ዝተፈላለየ መውጋእቲ ከም ዝነበሮ ብንጹር ዝፍለጥ ኢዩ።
ስውእ ብጻይ ፍስሃየ ኣብ ገምገም ምኽታም ነጻ ኤርትራ ተሰዊኡ ይኹን እምበር መስመር እቶም ዝሓለፉ ስውኣት ብጾቱን መዘንኡን ብምስዓብ ብዓቢ ታሪኽን ጅግንነትን ብምስውኡ ንዘለና ትብዓትን ከቢድ ናይ ሓላፍነት ሕድርን ንወለዶታት ድማ ዓቢ ታሪኽን ሓርበኛ ውርሻን ኣሰጋጊሩና ስለ ዘሎ ንዘልኣለም ዘይርሳዕ ክብሪ ኣለዎ። ታሪኹ ድማ ንዘልኣለም ነባሪ ኢዩ።
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!
 ዓወት ንሓፋሽ!
ምንጪ፡ ሃረም ኣፍሮ