እታ ሓርበኛዊት ኣደ ሰውራ "ፋና ተዛረ" !

ፋና ተዛረ ዖቅባ ጋብር ትባሃል ትውልዲ ዓዳ ወኪ ኾይኑ ባዓል ቤታ ድማ ዛግር ኣቶ ገብረዝጊ ክፍለ ይብሃል ንሳ ሓንቲ ካብተን ብዙሓት ሃገራውያን ጀጋኑ ኤርትራውያን ደቐንስትዮ ን'ሜዳ ኤርትራ ናጽነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ከምጽኣ ዝወፈራ እያ
ፍሽኽታኣ ምልክት ጽንዓታ'ዩ ኔሩ፡ ኣደ ሰውራ ዝብል ቅጽል ስም ቀልጢፉ'ዩ ጠቢቑዋ፡ ኣብ እዋን ገድሊ ሓንቲ ካብተን ቀዳሞት ህዝባዊ ሓይልታት ዝተላለያ ኣደታት'ውን እያ፡ መልሲ ንምሃብ ግዜ ኣይወስደላን፡ ተረካብነት ቃላታ ሰራጺ ሓይሊ ነበሮ፡ ፋና ከምዚ በለት እናተባህለ ክሳብ እዚ እዋን ቃላታ ይጥቀስ፡ ኣዴታት ቃልሲ ኤርትራ ሓለፋ ኣበርክቶ እዩ ነይርወን። ሓንቲ ካብአን ኣደን ተጋዳሊትን "ፋና ተዛረ" እያ።

ሓርበኛ ፋና ተዛረ ኣብ 1938 ኣብ "ወኪ" ተወሊዳ ኣብኡ'ውን ዓብያ፡ ዓቕሚ ሄዋን ምስ በጽሐት መሲላ፡ ዛግር ኣትያ። ናብራኣ ብማሕረስ ተመሓደረ፡ ካብ ምጥንቲ ድኳን ዝምራሕ ንግዲ'ውን ወሰኸትሉ። ናይ ዓድን ባሕርን ሸቕሊ ተማልእ፡ ብሃገር ትሓስብ ኣደራዕ መግዛእቲ ትከታተል። ገድሊ ተበጊሱ ህዝባዊ ሓይልታት ከበሳ ምስ በጽሐ፡ እኽለ ማይ ሒዛ ናብ ገድሊ ተመላለስት። ምስ ምቛምን ስሩዕ ውዳበ ሓፋሽን ካብ ቀዳሞት ውዱባት ተሰምየት። ደረጃ ብደረጃ ዝብርኽ ኣበርክቶኡ ካብ 1975 ንነጆ ወሰኸ፡ ንቕሓትን ሓልዮትን ተደሪብዎ ማሕበራዊ ህይወታ ድሙቕን ዕዙዝን ክቕየር ግዜ ኣይወሰደን። ኣፍ ደቃ ገዲፋ ንሓፋሽን ገድልን ክትቅልብ ምዕይ ኣይበለትን፡ ሂባ ዘይትርብርብ ሂበ ዘይትብልን ፋና ኣብ ምሉእ እቲ ከባቢ ስማ ገነነ። ብዓል-ቤታ ገብረዝጊ ክፍለ'ውን ኣብ 1977 ተወዲቡ ቃልሲ ሓፋሽ ክጽምበር ጽልወኣ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ቃልሲ'ውን ብዙሕ ርቀትን ብልሓትን ኣመስኪራ። ትኪ ዓጢና ከም ደበዂናይ ንህቢ ዝወጸት ጅግና'ውን እያ። ኣብ መዓልዲ ንፋና ዝከታተሉ ዝነበሩ ወተሃደራት ጸላኢ ከበቡዋ። ሰብ-ገዛ ፈርሑ ራዕዲ'ውን ወረሮም ፋና ግን ተበላሒታ ቀሸምን ኩቦን ኣጒዳ ንመሪር ትኪ ተጻዊራ ብክትራ ዘሊላ ኣምሊጣ። ካብ ባሕርን ዓድን ተልእኾ ወደብቲ ኣካላት ሰሜን ብልዑል ብቕዓት እናፈጸመት ጭርጭር-ዓበደ ተጻወተት። ኣብ 1987 ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ተሳቲፋ ናብ ዓዲ ምስ ተመልሰት፡ ስድርኣ ጠቕሊላ ንሜዳ ወጽአት። ኣብ ዕብየታ ኣብ መደበር ሰሎሙና ተዓሊማ ብረት ዓጠቐት። ጓላ'ውን "ነገሰት ገብረዝጊ" ኣብ 1988 ኣብ ግንባር ከረን ምእንቲ ህዝባን ሃገራን ክትብል ተሰወአት። ድሃይ ጓላ ዘይነበራ ፋና፡ ነቲ ዝተሓብአ ድሃይ ክትሰምዖን ከም ጸዋር ኣደ ኣብ ከብዳ ክትሰትሮን እያ ተራእያ።
መስዋእቲ ጓላ ዘይተነግራ ሓርበኛዊት ፋና ኣብ 1990 ካብ ናቕፋ ንጻብራ ማእቶት ዕንጸይቲ ወፊራ ሓደጋ ማኪና ኣጓነፋ ክትድሕን'ውን ኣይከኣለትን፡ ኣብቲ ፍቕሪ ሓልዮትን ብጻይነትን ንህዝቢ ዘርኣየትሉ ከባቢ ተሰዊኣ።
ሰማእታትና ወትሩ ይዘከሩ !

ፋና ኣብ ብረታዊ ቓልሲ ኾብረት ኢያ ትፍለጥ ዝነበረት ።ፋና ከኣ ትበሃል።

ምስ ኣብ ዛግር ዝነብር ኣቶ ገብረዝጊ ክፍለ ዝተባህለ ሰብ ተመርዕያ ኣደ 7 ቖልዑት ክትከውን ድማ በቒዓ """"
ፋና ስድራኣ ብምጥርናፍ ኣብ 1978 እያ ናብ ሜዳ ኤርትራ ተጸምቢራ።ብሙሉኦም ደቓ ድማ ነቲ ገድሊ ኤርትራ ምስኣ ሓቢሮም ተጸንቢሮሞ።
ፋና ቕድሚ ንሳሕል ምውራዳ ስድራቤታ እንዳተኸናኸነት እያ ሰውራዊ ምስጢራዊ ስራሓት ኣብ ምስልሳል ተጸሚዳ ዝነበረት።ኣብ ገጠራት ንዝነብራ ደቐንስትዮ ኣንጻር'ቲ ደርጋዊ ናይ ኢትዮጵያ መግዛእታዊ ሓይሊ ንኽልዓላ ብምጉስጓስ ሰውራዊ እጃማ ኣበርኪታ።ብተወሳኺ ናጽነት ኤርትራ ንምቕልጣፍ ሰውራውያን ተጋደልቲ ጽልዎኦምን ሰፊሕ ድጋፍ ብተቐማጦ እተን ዓድታት ንምርካብ ዝውደቡ ምስጢራውያን ኣኼባታት ኣብ ምስላጥን ምውዳብን ውን ዕዙዝ ተራ ተጻዊታ።
ላዕለዎት ካድራትን መራሕትን ሰውራ ኤርትራ ኣብ ገዝኣ ዝግባእ እንግዶት ናይ መግብን መስተን ኣብ ምቕራብ ውን ሓደ ካብቶም ተሰላስሎም ዝነበረት ዕዮታታ እዮም """++

ፋና ብ' 1978 እያ 7 ደቓን ኢያ ንሜዳ ዝተጸንበረት በዓል ቤታ ገዲፋ ነቲ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ደጀኑ ጌሩ ዝቓለስ ዝነበረ ገድሊ ን' ናጽነት ኤርትራ ብኣካል ዝተጸንበረቶ።
እቲ ፋና ኾብረት ዝብል ሳጓ ድማ እትገብሮ ዝነበረት ናይ ቅብጥሮት ብ'ተጋደልቲ ጠቢቕዋ።
ፋና ኣብ ከባቢኣ በቲ ተሰላስሎ ዝነበረት ምቕልጣፍ ናጽነት ኤርትራ ዕላማ ዝገበረ ስራሓታ፥ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምዝርጋሕ ዕላማ ገድሊን ምምልማል ሓፋሽ ውድባትን ኣዝያ ጸላዊት ሰብ' ያ ኔራ።
ን'ሜዳ ኤርትራ ምስ ተጸንበረቶ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ነቲ ናይ ምጉስጓስን ንቕሓት ኣዴታት ሰብ ሓዳር ክብ ኣብ ምባልን ፥ህዝባውያን ርክባት ብምምራሕን እተን ደቐንስትዮ ንሰውራ ኤርትራ ከበርክታሉ ዝኽእላ ሜላታት ኣብ ምስራሕ ዓቢ እጃም'ያ ኣበርኪታ።

ኪኖ ሳሕል ፋና ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ከም ካድር ናይ ህዝባዊ ግንባር ብምዃን ልቢ መንእሰያት ክትሰልብ ውን ኣየሸገራን። ኣብ ክንዲ ኣርሒቕካ ምስዳድ፥ ናብ ሜዳ ኤርትራ ተሰሊፍካ ንጸላኢኻ ካብ መሬትካ ኣውጺኻ ኣብ ሃገርካ ምንባር ከም ዝሓይሽ ኣእሚና ንሜዳ ኤርትራ ዘለለፈቶም መንእሰያት ብዙሓት'ዮም። ኣብ 27/08/1990 ኣብ ናቅፋ ብክብርን ጅግንነትን ተሰውአት ነዛ ኤርትራ መን ኢዩ ኮን ዘይደከመላ ግን ኣይተነግረን ጥራይ ኢልካ ምሕላፍ ይሓይሽ """"""'1 ኣንገሰት ዝተባህለት ካብ ከርሳ ዝወጻ ውሉዳ ግን በጃ ናጽነት ኤርትራ ብመስዋእቲ ተፈልያ """"

ፋና ሓደ ካብ ቑልፊ ዕማማት ናይ ህዝባዊ ግንባር ዝኾኑ ስለያዊ ስራሓት ኣብ ምስራሕን ንቕሓት ደቐንስትዮ ኣብ ምብራኽን፥ ሓደ ካብ ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ምእንጋድ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውድብን ካብ ቐንዲ ሰውራውያን ስራሓታ'ዮም።