-->

Samrawit Haile

22 May at 21:08 · Public
C/O ህዝባዊ መንግስተኣብ
እታ ተንካፊት ስእሊ!
ሓንቲ ካብ’ተን ታሪኽ መሪር ተጋድሎና ንናጽነት ክዝንቶ እንከሎ ኣብ ኤሪ-ቲቪ ንሒደት ካልኢታት ተራእያ እትሓልፍ ተንቀሳቓሲት ስእሊ’ያ። ይኹን ግን ኣብ’ተን ካብ 3-4 ካልኢታት ዘይሓልፋ ግዜ፡ ኣብ ዓመታት ተሪኽካ ዘይውዳእ ኣዝዩ ከቢድን ብዙሕን ታሪኽ ገድልና እያ ተዘንትወልካ። እታ ስእሊ፡ መወዳእታ 1970ታት ኣብ’ቲ ሰውራና ንዝበዝሓ ከተማታት ድሕሪ ምሕራር፡ ብሰንኪ መጠነ-ሰፊሕ ምትእትታው ሕብረት ሶቬት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ካብ ኣፍደገ ኣስመራ ናብ ጎቦታት ናቕፋ ዘንሰሓበሉን ከምሳዕቤኑ ድማ እቲ ክንጭብጦ ተቓሪብና ዝነበርና ናጽነትና ዓሰርተታት ዓመታት ንድሕሪት ዝተመልሰሉን መድረኽ ስትራተጅያዊ ምዝላቕ ዝተሳእለት ምዃና ንጹር’ዩ። ኣብ’ዘን ሒደት ካልኢታት ዝረአ ተጋዳላይ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነቱ ንምርግጋጽ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ሻቡ ብዘይቃላት የግህደልካ። እዛ ናይ ሓጸርቲ ካልኢታት ስእሊ ኣብ ተለቭዥን ክትረአ እንከላ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሓደ ህሞት ብሓበራ ብሓያል ውሽጣዊ ስምዒትን ድንጋጸን ባሕሪ ከብዱ ግምጥልጥል ከምዝብል ኣየጠራጥርን። ኣብ ኣዒንቱ ንብዓት ዝቘጻጽር’ውን ውሑድ ከምዘይከውን ርጉጽ’ዩ - ኣነ ሓደ ካብኦም’የ።
ኣብ’ዘን ሒደት ካልኢታት፡ ሓደ ቀይሕን ጽቡቕን ብዕድመ ንኡስ ኤርትራዊ ተጋዳላይ፡ ብረቱ ብድሕሪ ክሳዱ ተሰኪሙ ክልተ ኣእዳው ኣብ ክልተ ጫፍ ናይ’ታ ብረት ኣንቢሩ፡ ጠላዕ እምባ ክሓኩር ይረአ። እዚ ኣቃውማ’ዚ፡ ናይ ሓደ ንነዊሕ ሰዓታት/መዓልታት ብዘይዕረፍቲ ዝተጓዕዘን ከቢድ ድኻም ዘለዎን ሰብ ምልክት’ዩ። እዘን ኣካልና ዝመስላና ኣእዳውና፡ ንነዊሕ መንገዲ ጠልጠል ኢለን ምስተጓዓዝና ክኸብዳና ከምዝጅምራ ዝዀነ ነዊሕ ጕዕዞ ዝተጓዕዘ ሰብ ዝፈልጦ’ዩ። ኣብ ከም’ዚ እዋን ከኣ ኣብ መንኩብና በትሪ ኣጋዲምና ነተን ዝኸበዳና ኣእዳውና መዕረፊ ክንገብረለንን ክንስከመንን ንግደድ። እዚ ብዕድመ ንኡስ ተጋዳላይ፡ ካብ የማናይ መንኩቡ ንታሕቲ ዝወርድ ሸሪጥ ጠያይቲ ተሰኪሙ፡ ነቲ ብቕድሚት ኰይኑ ዝስእሎ ዝነበረ ሰኣላይ ቁሊሕ ኢሉ ክርእዮ እንከሎ፡ ኣብ ገጹ ኣብ ሓደ እዋን ጽንኩርነት ናይ’ቲ ዝሓልፎ ዝነበረ ከቢድን መሪርን እዋንን ነቲ መድረኽ ንምስጋር ዘለዎ ሓቦን ጽንዓትን ይንበብ። እዚ ተጋዳላይ፡ ነታ ትስእሎ ዝነበረት ናይ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ካሜራ ፊት ንፊት ምስጠመታ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ብመስኮት ተለቭዥን ዝዕዘቦ ዘሎ ኤርትራዊ ቀው ኢሉ ይጥምቶ። እታ ህሞት ከኣ ነፍሰ-ምትሕታት ተንቅል።
እዚ ተጋዳላይ ግን መን`ዩ፧
ኣብ 1958 ኣብ ኣስመራ ከባቢ ኣኽሪያ ተወሊዱ፡ ኣብኡ ዓብዩ። “ካብ ንእሽቶኡ ተማሃራይ መባእታ እንከሎ ኣትሒዙ`ዩ ልቡ ናብ ገድሊ ሸፊቱ” ብምባል ኣደኡ ኣደይ ርሻን ይገልጽኦ። “ብባኮን ስልከ-ምልኪን ተጠቒሙ ካላሽን ይሰርሕ። ሽዑ ነቶም መሳእትኡ ቆልዑ፡ ‘ምስ ዓበኹ ከም`ዚ ገይረ ክዋጋእ`የ’ እናበለ የርእዮም።” እናበላ ከዕልላኒ እንከለዋ፡ እታ ስእሊ ኣጋጣሚ ኣብ ተለቭዥን ስለዝመጸት፡ ዘረብአን ኮሊፈን፡ “እንሀልካ ሕጂ ከማን ሚኪኤል ወደይ መጺኡ” ብምባል ኣተኵሮይ ናብ`ታ ተለቭዥን ክገብር ዓዲመናኒ።
ሚኪኤል ትምህርቱ እናቀጸለ፡ ናይ ገድሊ ስምዒቱ እናቃጸሎ ተረባሪቦም። 1978፡ 11 ክፍሊ ኣብ ዝወድኣሉ፡ ተጋደልቲ ከባቢ ኣስመራ ዓሪዶም፡ “ናጽነት ኤርትራ ሎሚዶ ጽባሕ” ተባህለ። “ሓደ ረፋድ ሚኪኤል ንኹላትና ኣሕዋቱን ቆልዑ ጎረባብትን ጸዊዑ፡ ኣቡጀዲድ ነጸላ ተዓጢቑ ሳዕስዒት ከርእየና ውዒሉ። ኣብ መወዳእታ ነታ ኣቡጀዲድ ነጸላ ጥቕልል ኣቢሉ፡ ኣብ የማንየቲ ቱሽቱሹ ክቕርቅራ ይዝከረኒ። ኣነ ንእሽቶይ`የ ነይረ። ግን ሕጂ ክዝክሮ ከለኹ እቲ ዘርኣየና ሳዕስዒት ናይ ተጋደልቲ`ዩ ነይሩ።” ብምባል ትዝክር ምንኣስ ምንኣሱ ሓፍቱ ኣኽበረት።
ንጽባሒቱ፡ ሚኪኤል ኣብ ገዛ ኣይተራእየን። ኣደይ ርሻን፡ “እዚ ቆልዓ ኣበይ ደኣ ደሃይ ኣጥፊኡ፧” ኢለን ንነብሰን ብምሕታት፡ ምሉእ መዓልቲ ምሉእ ኣኽርያ ደልየን ሰኣንኦ። ኣጋ-ምሸት ቀቢጸን ገዝአን ኮፍ በላ። ከባቢ ሰዓት 7ድ.ቀ.፡ ማዕጾ ገዝአን ስለዝተኳሕኰሐ፡ “እዋይ ሚኪኤል ወደይ መጺኡ” ብምባል ናብ ማዕጾ እናጐየያ፡ “መን ኢኻ፧” ሓተታ። “ኣነ ሰመረ`የ።” እቲ ዝኳሕኰሐ ሰብ መለሰ። “ሰመረ ወደይ፡ ሚኪኤል ዓርክኻ ኣይረኣኻዮን፧” ኣደይ ርሻን ማዕጾ እናኸፈታ ህውኽ ኢለን ሓተትኦ። እቲ ንሚኪኤል ጋሕጋሕ ምድሪ ዘፋነዎ ሰመረ ዓርኩ፡ “ሚኪኤል እኮ ናብ ተጋደልቲ ከይዱ`ዩ።” ብምባል ደኒኑ እናተሰከፈ ነገረን። ኣደይ ርሻን፡ “መዓስ ከይዱ፧” ሕጂ`ውን ህውኽ ኢለን ሕቶ ደገማ። “ንግሆ፡ ጸሓይ ከይበረቐት።” መለሰ ሰመረ።
“እሞ እንታይ ደኣ ሕጂ መጺእካ ትነግረ፧ ንግሆ ዘይትነግረኒ፧” ሓውሲ ቍጥዕ ኢለን ኣደይ ርሻን ንሰመረ ሓተትኦ።
“ምሸት ልቺ ምስተወልዐ ነደይ ንገራ ኢሉኒ።”
ኣደይ ርሻን ንጽባሒቱ ጋሕጋሕ ምድሪ ተንሲአን ብእግሪ ጕዕዞ ተተሓሐዝኦ - ናብ ሰረጀቓ። እዋኑ ሚያዝያ 1979 ብምንባሩ፡ ምቹእ ክሊማ ስለዝነበረ፡ ኣደይ ርሻን እናተሃንፈፋ ጕዕዞአን ኣሰላሲለን፡ ሰረጀቓ ደበኽ በላ።
“ኣደ፡ እንታይ ደሊኽን መጺእክን፧” ሓተተን እቲ ኣብ ሰረጀቓ ዝተቐበለን ተጋዳላይ።
“ወደይ ጠፊኡኒ። ሃለዋት ወደይ ክሓትት`የ መጺአ።” መለሳሉ እተን ሽዑ ዱጭዱጭ ዝብላ መንእሰይ ዝነበራ ኣደይ ርሻን።
“ክንደይ መዓልቲ ገይሩ ደሃይ ካብ ዘጥፍእ፧” እቲ ተጋዳላይ ሕቶ ወሰኸ መዝገብ ናይ ሓደስቲ ተሰለፍቲ እናገናጸለ።
“ካልኣይ መዓልቱ ሎሚ።”
“መን ስሙ፧”
“ሚኪኤል ክብሮም መሓሪ።”
እቲ ተጋዳላይ ኣብ`ቲ ብፊደላት `መ፡ ሙ... ‘ ዝጅምር ኣስማት ከይዱ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምንባብ፡ “በዚ ዝጠቐስክዮ ስም ዝተመዝገበ ሰብ የለን። ስለዚ፡ ናብ`ዚ ኣይመጸን።”
ኣደይ ርሻን፡ ሃለዋት ወደን ከይረኸባ ንኣስመራ ተመሊሰን። ግን ብወደን ስለዘይቀሰና፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እደገና ንሰረጀቓ ገስገሳ። ሕጂ`ውን ብተመሳሳሊ ኣብኡ ዝተቐበለን ካልእ ተጋዳላይ እንታይ ከምዝደለያ ይሓተን። ንሰን ከኣ ከም`ታ ኣቐዲመን ዝበልኣን ዝሃብኦ ሓበሬታን ይደግማ።
እቲ ተጋዳላይ ሓድሽ መዝገብ ገናጺሉ፡ “እወ ስም ወድኺ ኣብ`ዚ ተመዝጊቡ ኣሎ።” ንኣደይ ርሻን ብመጠኑ ሩፍታ ዝፈጥርን ናብ ዝቕጽል ዕማም ዘሰጋግረንን ሓበሬታ ሃበን።
“እሞ ሕጂ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ኣበይ እየ ዝረኽቦ፧” ኣደይ ርሻን ርብጽ ኢለን ሓተታ።
“ወድኽን ንሓራ መሬት ሰዲድናዮ ኢና። ኣይትሻቐላ።”
“ይሻቐል እባ። ኣይ ቆልዓ እንዲዩ።” መለሳ ኣደይ ርሻን ብናይ ኣደ ለውሃት።
እቲ ተጋዳላይ ፍሽኽ ብምባል፡ “21 መሊኡ እንዲዩ። ሚኪኤል ደኣ ሕጂ ታንክታት የቃጽል`ምበር።” ፍናን ክህበን እናሓሰበ መለሰለን። “ቅሰኒ፡ ነዚኦም ዘይንኸውን ኣይኰናን።”
ኣደይ ርሻን ኣብ ሰረጀቓ ብምሕዳር፡ ንጽባሒቱ በተን ተጋደልቲ ዝቐረብወን ህዝቢ ዘመላልሳ ኣውቶቡሳት ንከረን ተዓዝራ። ከረን ምስኣተዋ፡ ሓቲተን ሓቲተን ኣብ`ቲ መንእሰያት ናብ ሜዳ ቅድሚ ምኻዶም ዝእከብሉ ቦታ በጽሓ።
ኣብ ሓንቲ ብቴንዳ ዝተሰርሐት ቤት ጽሕፈት ዝጸንሐን ተጋዳላይ መምጽኢአን ምስሰምዐን፡ ኣብ መዝገቡ ርእዩ፡ “እወ ሚኪኤል ወድኺ ኣብ`ዚ ምሳና ኣሎ።” ብምባል፡ ንሓደ ብዕድመ ንእሽቶ ተጋዳላይ “ማንጁስ! ማንጁስ! ንሚኪኤል ክብሮም ጸውዓዮ።”
እቲ ቁንጹብ ኣካላት ዝነበሮ ሚኪኤል፡ ብዙሕ ድንን ከይበለ ናብ`ታ ቴንዳ ብምእታው ምስ ኣደኡ ፊት ንፊት ተፋጠጠ። ነገር ውሉድ ወላዲትን ክሰግርዎ ስለዘይከኣሉ ከይተዘራረቡ ተሰዓዓሙ።
“ሚኪኤል፡ ኣዴኻ ሒዛትካ ናብ ኣስመራ ክትምለስ እያ መጺኣ ዘላ። ምርጫኻ እዩ። ስለዚ፡ ምስ ኣዴኻዶ ንኣስመራ ትምለስ፧” እቲ ተጋዳላይ ብህድኣት ንሚኪኤል ሓተቶ።
ኣደይ ርሻን፡ ሚኪኤል ንዕአን ርእዩ ደንጊጹ እወንታዊ ምላሽ ክህብ ዓይኑ ዓይኑ ጠመትኦ።
“ኣነ ክጋደል እየ መጺአ። ንሜዳ`የ ዝኸይድ።” ቁርጽ ዝበለ መልሲ ሃበ። “ኣደይ`ውን ንኣሕዋተይ ሒዝክየን እንተትመጺ ኣይምጸላእኩን።”
ኣደይ ርሻን፡ ወደን ዝሃቦ መልሲን ንዕአን ዘቕረበለን ብድሆን ሃንደበትኳ እንተዀነን፡ ትብዓትን ቆራጽነትን ወደን ንዕአን`ውን ገጥ ስለዘበለን፡ “ጽኑዕ ርገጽ`ዚ ወደይ። ሓሳብ ልብኻ የስምረልካ።” ኢለን ብምምራቕ፡ ግምጥል ኢለን ናብ ኣስመራ ተመልሳ። ሚኪኤል ድማ ናብ`ቲ ታሪኽ ዝሰርሕ ዝነበረ ዓውዲ መንእሰያት ገስገሰ።
ሚኪኤል፡ ወተሃደራዊን ፖለቲካዊን ትምህርቱ ዛዚሙ፡ ናብ ብርጌድ 31 ተመደበ። ንኣርባዕተ ዓመታት ብዘይዕረፍቲ ኵናት ድሕሪ ኵናት ድሕሪ ምሕላፍ፡ ኣብ 13 ሚያዝያ 1983 ኣብ ሰላሕታ ወራር ኣብ ኣኽዋር ጸሊም ብጅግንነት ምእንቲ ህዝቡን ሃገሩን ሓሊፉ።
“ወደይ ኣብ ዝኣመነሉ ዕላማ ተሰዊኡ። ዝተበገሰሉ ዕላማ ኣብ ምዕራፉ በጺሑ። ወደይ ኣብ ህይወቱ ከረጋግጾ ዝበሃጎ ዕላማ፡ ኣረጋጊጽዎ`ዩ። ናጽነትን ብርሃንን ርኢና። ኣነ ከኣ ሕብንቲ`የ። ወትሩ ኣብ ተለቭዥን ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ክጐዓዝ ስለዝርእዮ ከኣ፡ ዝተሰውአ ኰይኑ ከማን ኣይስመዓንን።” ኣደይ ርሻን ኣብ መወዳእታ ዝተዛረባኒ ሓያል ሓርበኛዊ ቃላት`ዩ።
ዘልኣለማዊ ክብሪን ዝኽሪን ንሰማእታትና!
ክብሪ ንህዝቢ ኤርትራ!
#EritreaShinesAt29
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/yz/r/gGPRzHuW8qT.pngLike

 

 

Yohannes Ferdinando Drar
Omer Hamed Ezaz was born in Halhal,Senheit or Bogos from a Moslem Bilen family.He left eritrea and as a youth in 1946 joined the Sudanese Army he rose to the rank of a Corporal and also served with the UN force during the Congo Crisis.He was one of the first eritrean members of the Sudanese army who joined the struggle in early 60s. In 1965 he was appointed as a commander of Zone 2 or Menteque Taniyaa (Zemene Kiflitat/Ayam Almenatekk) In 1968 he led an attack at Commandos military post in Halhal,Senheit with his unit but the mission was disastrous and many of the ELF were Martyred.I remember I was a student in Keren where dead/corpses of our fighter were brought from Halhal and displayed in the Center of keren -Girraa Fiore by the cruel ethiopian army.Omer was wounded in the fighting and died in August 12,1968.Martyr Omer led many military missions inside eritrea hopefully a statue of him and the many martyrs of Halhal fighting will be erected in the center of Keren one day.At that time 44 ELF fighters were displayed in the center of Keren.I invite older kerenites to write their memories of the historic day

Sefu Abrham Estifanos

23 May at 23:01 · Public
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/y1/r/BOCzaD2rwOa.png
ዛንታ ስእሊ ገድሊ
""""""""""""""""
እዛ ህብብቲ ስእሊ ተጋዳሊት፣ 36 ዓመታት ኣቝጺራ’ላ። ኣብ ርእሲ ተፈጥሮኣዊ መልክዓ፣ ግርማ ተጋደልቲ ንዝዀነ ጀብጀብ፣ ዑማ፣ ዝናርን ካላሽንን’ውን፣ ብምሉእነት ኰሊዓቶ ትርከብ። ንሳ ግን መን’ያ፧ መዓስ፣ ኣበይን ብመንንከ ተሳኢላ፧
ነገር ኣጋጣሚ ሰኣላይን ተሰኣሊትን ውጻእ-መዓት ገድሊ ኰይኖም፤ ንናጽነት በቒዖም። ገና’ውን ብህይወት ኣለዉ። እዛ መልክዐኛ ተጋዳሊት ሰላም ተኽላይ ኪዳኑ’ያ ትብሃል። ንኣጋጣሚ’ዛ ስእሊ ብኸም’ዚ ዝስዕብ ኣዘንትያትለይ’ላ።
ወርሒ መጋቢት 1984’ዩ ነይሩ። ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፤ ከባቢ ደብር-እመን ተበጊስና፣ ክሳዕ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ተጓዒዝና። ኣብ ኣውገት ንዝነበረ መዓስከር ኣጽዋርን ስንቅን ደርጊ፣ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈኒናሉ። ኣብ’ቲ ውግእ ሰለስተ ቦጠሎንታት ናይ ብርጌድ 23 ተሳቲፍና።
እቲ ውግእ፣ ብዝተወጠኖ ስለ ዘይተፈጸመ ምስ ጸላኢ ተሓዋዊስና። ወተሃደራት ኢትዮጵያ ነፈርትን ታንክታት ኣሰንዮም ገጢሞምና። ነፈርቲ’ኳ ንሓድሕድና ብምትሕውዋስና ዝገበራኦ ኣይነበረን። ብፍላይ ታንክታት ግን፣ ክሳራታት ኣስዒበናልና። በቢ ዘለናዮ ክንወጽእ’ውን ተገደድና።
ኣነ ኣምለሰት ዝተባህለት ውግእቲ ብጸይተይ ደጊፈ እናተጓዓዝኩ፣ መሓሪ ዝብሃል ንእሽቶ ብጻይና’ውን ተወጊኡ ረኸብናዮ። ”ጓል ተኽላይ፣ ቡምባ ሃብኒ! ቡምባ!” እናበለ ድማ ጨደረ። ካብ ምምራኽ ንምድሓን ነብሱ ክስውእ’ዩ ሓሊኑ። ኣነ ግን ”ዝረኸበትና ትረኽበካ፣ ምሳና ንዓናይ፣” ኢለዮ ሰለይ እናበልና ብምጕዓዝ፣ ኣብ ሓደ ስንጭሮ ምስ ሓካይምና ተራኸብና።
ድሕሪ’ዚ ገዲፈዮም እናተበገስኩ እቶም ሓካይም ”ሰላም! ሰላም!” ክብሉ ተዳህዩኒ። ተብ-ተብ እናበልኩ ግልጽ በልክዎም። ሓደ ካብ’ኣቶም ”ተወጊእኺ’ሎኺ ሓቀይ!፧” በለኒ። ኣነ ድማ፣ ነብሰይ ሃሰስ ብምባል፣ ከምዘይተወጋእኹ ነገርክዎም።
”ቁምጣ ስረኺ ደኣ’ሞ ኣበይ’ሎ!፧” ካልኣይ ርቡጽ ሕቶ ኣስዓቡለይ። ድሕሪ’ዚ ከኣ’የ፣ ’ታይዋን’ እትብሃል ኮስትሞ ተጋደልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፣ ጥራይ ለቢሰ ከም ዝነበርኩ ዝፈለጥኩ። ዘዘውትራ ቁምጣ ስረይ፣ ኣበይ ከም ዝገደፍክዎ ኣይተረደኣንን። ምስ’ቲ ዝነበረ ተብ-ተብን ተሓዋወስን፣ እቲ ኣሻኽ ኣግራብ ካብ ነብሰይ ገፊፍዋ ይኸውን።
ብድሕሪ’ዚ፣ ነዛ ኣብ ስእለይ ዘላ ክሹፍ (ዑማ) ፈቲሐ ተዓጢቐያ። ጉዕዘይ’ውን ቀጸልኩ። እዛ ክሹፍ ኣብ እዋን መርዓይ፣ 1981 ዝተዋህበትኒ’ያ። ክሳዕ ውግእ ባረንቱ፣ 1985 ምሳይ ነይራ። ሽዑ ግን፣ ወዲ-ኣርኣያ ዝበሃል መራሕ ጋንታ ብጻይና ስለ ዝተሰውአ፣ ከዲንናዮ ንቕድሚት መርሽና። ድሒሮም ዘልዓልዎ ብጾትና ምስኡ ቀቢሮማ ይዀኑ።
ውግእ ባረንቱ ጽንኩር’ዩ ነይሩ። ከነጥቕዕን ክንጥቃዕን ብተደጋጋሚ ተረባሪብና። ንድሕሪት ኣብ ዘንሰሓብናሉ ግዜ፣ ኣብ ዝባነይ ዝነበረት ብራሾ ማይ፣ ምሉእ ብምሉእ ብጥይት ተበስዐት። ንኽልቲኣቱ ጥልፋዕ ጐድና ዝሓለፈት ዓረር፤ ዝለበስክዎ ካምቻን ማልያን’ውን ኣንኰለቶ። ናህራ ምስ ዝሓለ ኣብ ነብሰይ ብምዕላባ ግን፣ ዝዓቘርክወን ማይ ጥራይ ለኪማ፤ ካብ መውጋእትን መስዋእትን ኣድሒናትኒ።
ናብ ዛንታ’ዛ ስእሊ ክመልሰካ። ናጽነት ኰይኑ ኣብ መጀመርታ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝረኣይኣ ደቂ-ኣኮይ’የን ነጊረናኒ። ”ናይ መዓስ ስእሊ፧ ተጋጊኽን ከይትዀና፧” ኢለየን።
”ኣይተጋገናን! ብርግጽ ናትኪ’ያ፣” ተኣማሚነን ብሓበን ደገማለይ። መጺአ ብኣካል ናተይ ምዃና ኣረጋጊጸ። ኣብ ጐድና’ውን ናይ ዝፈትዎ ወዲ-ኣሃዶይ ስዉእ ቃልኣብ መሓሪ ስእሊ ርኣኹ። ኣብ ዓሚቕ ዝኽሪ ተሸሚመ።
(ቃልኣብ ረድዮ ርክብ ሓንጊጡ፤ ምልክት ዓወት ጸጋማይ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ፤ ምስ ድሙቕ ፍሽኽታኡ ዝተሳእለ፤ ውሑድ ኣዋርሕ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ነሓሰ 1990፣ ኣብ ኲናት ግንባር-ደቀምሓረ፤ ’ውጥሕ’ ኣብ ዝበሃል ዓዲ፣ ሓይሊ እናመርሐ ዝተሰውአ ጅግና’ዩ። ኣርባዕተ ኣዋርሕ ቅድሚ መስዋእቱ፣ ንመጠረሽታ ግዜ ረኺበዮ ነይረ።)
ድሒረ ከም ዝፈለጥክዎ፣ ንኽልቲኣትና ፍጹም ገብራይ’ዩ ስኢሉና። ፍጹም፣ ሓደ ካብ’ቶም ብዙሕ ሰነዳት ዝዓቀቡ፤ ናይ ቅድመ-ግንባር ሰኣልቲ’ዩ። ክስእለኒ ፈጺመ ኣይረኣኽዎ፣ ኣይዘከርክዎ። ኣብ’ዛ ስእሊ ብድሕረይ ዘሎ ድማ፣ ወዲ-እብሲ ይበሃል። ድሒሩ ተሰዊኡ።
ተጋዳሊት ሰላም፣ ኣርባዕተ ምጭዋት ደቃን፤ ሰለስተ ደቂ-ደቃንክትርኢዝበቕዐት፤ገናብህይወትዘላትእምርቲጅግንነትኤርትራውያንተጋደልቲ’ያ።

Tuku Tesfai

Yesterday at 08:24 · Public
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/y1/r/BOCzaD2rwOa.png
እዚ ትርእይዎ ጅግና ደብሮም ጥሉቕ ይበሃል ንከማ መንደፈራ ሓራ ንምውጻእ ኣብትገብረ ናይ ጥምጥም ኩናት ኣብታ መጀመርያ መዓልቲ ምስ 40 ዝኾኑ ትጋደልቲ ዝተሰውኤ እዩ። ሰራዊት ሓርነት ግን ብሕራነ ስኑ እንዳሓርቀመ ኣትዩ መንደፈራ ሓራ ገርዋ እዩ።
እዚ ስእልታት ዘውጽኦ ዘለኹ እቶም ንመስዋእቲ ጀጋኑና ዘቃልሉ እንትተሰቆሮም ንሕና ውን ንዝክሮም እሞ ቃልስና ነትርር ካብ ዝብል እየ።
ንዝያዳ ስእሊ ጀጋኑና ካብ ዶክቶር ኣንገሶም ኣጽብሃን ብጻይ መስፉን መንግስቱን ሕተቱ

ኣብ ዓዲ ጣልያን ተምሂሩ ብሕክምና ዶክቶር ኮይኑ ዝተመረቐ ያሕያ ጃብር ይበሃል። ኣብ ሰውራ ኤረትራ ናይ መጀመሪያ ዶክቶር ናይ ሕክምና ኮይኑ ናይ መጀመርያ ዕያዳ(ቀውሚ ሕክና)ዝመስረተእዩ።ጸላኢነቲቦታሓበረታስለዝረኸበንውጓትንሕሙማትንእንዳኣውጸኤብነፈርቲደብዳብተሰዊኡ

Tuku Tesfai

Yesterday at 08:24 · Public
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/y1/r/BOCzaD2rwOa.png
እዚ ትርእይዎ ጅግና ደብሮም ጥሉቕ ይበሃል ንከማ መንደፈራ ሓራ ንምውጻእ ኣብትገብረ ናይ ጥምጥም ኩናት ኣብታ መጀመርያ መዓልቲ ምስ 40 ዝኾኑ ትጋደልቲ ዝተሰውኤ እዩ። ሰራዊት ሓርነት ግን ብሕራነ ስኑ እንዳሓርቀመ ኣትዩ መንደፈራ ሓራ ገርዋ እዩ።
እዚ ስእልታት ዘውጽኦ ዘለኹ እቶም ንመስዋእቲ ጀጋኑና ዘቃልሉ እንትተሰቆሮም ንሕና ውን ንዝክሮም እሞ ቃልስና ነትርር ካብ ዝብል እየ።
ንዝያዳ ስእሊ ጀጋኑና ካብ ዶክቶር ኣንገሶም ኣጽብሃን ብጻይ መስፉን መንግስቱን ሕተቱ

ኣብ ዓዲ ጣልያን ተምሂሩ ብሕክምና ዶክቶር ኮይኑ ዝተመረቐ ያሕያ ጃብር ይበሃል። ኣብ ሰውራ ኤረትራ ናይ መጀመሪያ ዶክቶር ናይ ሕክምና ኮይኑ ናይ መጀመርያ ዕያዳ(ቀውሚ ሕክና) ዝመስረተ እዩ። ጸላኢ ነቲ ቦታ ሓበረታ ስለዝረኸበ ንውጓትን ሕሙማትን እንዳ ኣውጸኤ ብነፈርቲ ደብዳብ ተሰዊኡTuku Tesfai

Yesterday at 05:18 · Public
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/y1/r/BOCzaD2rwOa.png
ምእንቲ ንጻነት ሂወታ ዝሃበት መቓልስተይ ኣብ ገላዕሎ እንከለኹ ኣብ ኣስዔላ ደንከልያ ዝተሰውአት ትጋዳሊት ዛይድ ገብረመስቀል

Dirar Gebrekidan
ኤርትራውያን ጨካናት ኢና ነሕዋትና ኣሕዋትና ኣይኮኑን አንብል፡ ጀብሃ ጥራይ ብምኻኖም ከምስዋኣት ዘይንፍልጦም። ኢሰያስ ዝኣመነሉ ጥራይ ከምስዉአ አንቕበል ህዝቢ ኤርትራውያን፡ ኣምለኽቲ ንመለኽቲ ኢና።

Eritrean new " ምቁር ታሪኽ ስውእ ኣንዋር ነጋሽ" 

Yirgalem Getachew

21 May at 14:54 · Public
ምቑር ታሪኽ ፡ ዛንታ ስውእ ጅግና ኣንዋር ፡ ነጋሽ ።
ናጽነት ኣምጺኡ ናጽነት ዘይራኣየ ዕሸል ?????
ኣንዋር ሓሊፉ ? ኣንዋር ድማ ተተኪኡ ፡፡
ነባሪ ታሪኽ እምበር ፡ ነባሪ ሂወት የለን ?
ኣማውታ ውን ብዙሕ'ዩ ዓይነቱ ፡፡ ብፍላይ ከም'ዚ ናይ ኣንዋር ንበይኑ'ዩ ዓይነቱ ፡፡ ተኸታተልቲ መደባተይ ሓደ ብደረጃ ዓለም ኽወዳደር ዝኽእል ፍልይ ዝበለ ሓቐኛ ታሪኽን ፡ ቕያን ሓዲጉ ዝሓለፈ መንእሰይ ስውእ ኣንዋር ፡ ነጋሽ ኻብ ባሕሪ ብጭልፋ ዛንታ ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኣሳሰረ ትንኽፍ ከብለልኹም ። ኣንዋር ፡ ነጋሽ ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ፡ ሓሙስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ገዛውቲ ተወሊዱ ዝዓበየ ሰብ'ዩ ፡፡ ኻብ ብህጻንነቱ ፍሕሹው ገጹ ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ፡ ብጠባዩ ዝተመስገነ ህዱእ መስተውዓሊ ብስሱል ኣብ ትምህርቱ ዝነበረ ኣንዋር ፡ በቶም ዘዕበዩና ኣብቲ ገዛውቲ ዓበይቲ ኣያታትና ፡ ኣቦታትናን ፡ ኣዴታትና ኸምኡ ውን በቶም መዛኑ ኣንዋር ዝነበሩ ፡ መንእሰያት ፡ ዓይንኻ ትደፈን ዝብሎ ዘይነበረ ኹሉ ፈታዊኡ ኸም ጽሓይ ንጉሆ ዝነበረ ሰብ'ዩ ፡፡ ኣንዋር ፡ ገና ኣብ ማእኸላይ ዕድመ ናይ ንእስነቱ ማለት ወዲ 17 ዓመት እንኸሎ ፡ ኣብቲ ዝዓበየሉ ኸባቢ ዕዳጋ ፡ ሓሙስ ሓደ ኸቢድ ስራሕ ንኽፍጽም ብህግሓኤ ንኽሰርሕ ስለ ዝተደለየ ፡ ድሮ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ምስኡ ዝዓበዩ መትዓቢቱ ተወዲቡ ነቲ ኽብድ ዝበለ ተልእኾ ንኽፍጽም ብሓልፍነት ተረኸቦ ። እቲ ዝነበረ ተልእኾ ድማ ኣብ 1990 ሓላፊ ህዝባዊ ሰራዊት ናይ ስርዓት ደርጊ ዝነበረ ኣብ ኸባቢ ምህራም ፡ ጩራ መንበሪ ገዝኡ ዝነበረ ፡ ኣቶ ገብረዝጊ ዝተባህለ ሰብ ፡ በቲ ዝተገብረሉ መጽናዕቲ መሰረት ፡ ኣቶ ገብረዝጊ ኣብ ዝዋዓለ ዊዒሉ ናብ መንበሪ ቤቱ ንኽከይድ እታ ሓንቲ መንገዲ ዝነበረቶ ግድን ብጽርግያ ዕዳጋ ፡ሓሙስ'ዩ ናብ ምህራም ጩራ ኽድይብ ዝግደድ ። ነዚ ምስ ተጸንዐ'ዩ ድማ ኣብ ዕዳጋ ፡ ሓሙስ ዝኾነ መንበሪኡ ሰብ ተኸታቲሉ ነዚ ፍጻመ ክፍጽሞ ዝተደለየ ። ኸምቲ ዝተደለየ ሓሳብ ድማ ጅግና ኣንዋር ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ንኽፍጽሞ ዝተዋህቦ ፡፡ ኣንዋር ኻብዚ ነዚ ሓላፍነት ዝቕበሎ ጀሚሩ ድማ ንነብሱ ንመስዋእቲ ኣዳልዩ ዝተበገሰ ። ኣንዋር ምስ ብጾቱ ኣብ ሓጺር እዋን ንዝተዋህቦ መስርሕ ምቕንጻል ፡ መዓስን ፡ኸመይን ይጥዕሞ ወዲኡ ኣጻፈፈ ። ነቲ መስርሕ ምቕንጻል ዘቐላጥፈ ሰብ ድማ ብዓሉ እቲ ዝቕንጸል ሰብ ኣብ ኸባቢ ዕዳጋ ፡ ሓሙስ ዝርኸብ እንዳ ሰዋ እንዳ ጫርም ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ገዛ ፡ ንሓንቲ ኣባል ናይቲ ስድራ ስኾነት ጉርዞ መንእሰይ ብዓይኒ ፍቕሪ ስለ ዝጠመታ ኣብቲ ቦታ ንኽመላለስ ይግደድ ብምንባሩ ነቲ ስርሒት ንኽደናጎ ግዜ ኣይወሰደን ። ኾይኑ ድማ ኻብ ዕለታት ሓደ እዋን ኣብ 1990 ዓመተ ምህረት ኣብ ወርሒ 02 ኣኸባቢ ኣብቲ እንዳ ስዋ ክሰቲ ኣምስ'ዩ ኸባቢ ሰዓት 7፡00 ድ/ቐ ሓሙስ መዓልቲ ምስታ ብዓይኒ ፍቕሪ ጠሚትዋ ዝነበረ ሰብ ኣፋንውኒ ኢልዋ ካብ ከባቢ ዕዳጋ ኸብቲ ናብ ከባቢ መቓብር እስላም ቤት ትምህርቲ እስላምያ ናይ ሕጂ ኣስሙድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ምስ በጽሐ፡ካብቶም ዝከታተልዎ ዝነበሩ መንእሰያት ፡ ጠያይት ኽፍነወሉ ጀመረ ። እቶም ነቲ ስርሒት ዝፈጸሙ ሰባት ካብታ ምስኡ ዝነበረት ጓል ፈልዮም ሃሪሞሞ ካብቲ ቦታ ብቕልጡ ተሰወሩ ፡፡ እታ ግዳይ ክኸውን ዝተሓሰብ ሰብ ድማ ብልኽዕ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ትምህርቲ እስላምያ ደሙ ተኻዕዩ ንእለቱ ድማ ፡ኣብ ሕኽምና ኸይበጽሐ ትንፋሱ ሓለፈት ፡፡ ኣብቲ ኸባቢ ብዙሕ ሰብ ይንቀሳቐስ ምንባሩ ድማ ፡ባዓል ኣንዋር ኽጎዩ ከለው ዝራኣይዎም ሰባት ብርክት ዝበሉ ምንባሮም እቲ ወረ በዓል ኣንዋር ይጎዩ ኔሮም ዝብል ፋሕ ብትን ምስ በለ፡ ሓደ ካብ ጥርጡራት ተባሂሉ ኣንዋር ካብ መንበሪ ቤቱ ተወሲዱ ክእሰር ተገበረ ። ምስ ኣንዋር ኔሩ ዝተባህለ ሰብ ውን ፡ ኣብ ገዝኡ ስለ ዘይተረኽበ ወላዲኡ ፡ ንኽቕየዱ ምስ ኣንዋር ተገብረ ። ኣንዋር ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማርያም ግቢ'ዩ ብቐጥታ ምስቶም ጎረቤቱ ዝኾኑ ኣቦና ኣቶ ጶውሎስ ኽቕየድ ዝተገብረ ። ነዞም ክልተ ሰባት ድማ ኣንዋር ፈጺምካ ተባሂሉ ፡ እቶም ኣቦ ድማ ወድኻ ኣምጻኣዮ ብምባል ዘየቛርጽ መግረፍቲ ይወርዶም ነበረ ። ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣንዋር ዝወርድ ዝነበረ ፡ ለይትን መዓልትን ፡ መግረፍቲ ኣብቲ እዋን ኣቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ 'ሞ ሕጂ ብሂወት ዘለው ከዘንትው እንከለው ንኽትኣምኖ ዘጸግም ዛንታ ኣንዋር'ዮም ዝትሩኹ ። በቲ ዝወርዶ ዝነበረ ኣንዋር ፈጻሚ ቕትለት ኢኻ ፡ ኣይኾንኹን ፡ዝብል ክርኽር ፡ ነቲ መግረፍቲ ምጽዋሩ ዝሰኣነ ኣንዋር ፡ ኣብ ርእሱ ሓደ ሓሳባት መጸሉ ፡፡ እቲ ዝነበረ ሓሳባት ድማ ኣንዋር እወ ፈጺመዮ ኢሉ ነቲ ስርሒት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸሉ መንገዲ ክፈጥር እሞ ነቲ ስርሒት ዝፈጸመሉ ብረት ድማ ኣብ ከባቢ ኪዳነ ፡ ምህረት ሴዳው ኣብ ዝርከብ ዝነበረ ብ እንዳ ኣቦይ ሃይለ ዝፍለጥ ጋራጅ መኪና ሒዝዎም ንኽከይድ' ፡ እቲ ቦታ ድማ ኣቐዲሙ ኣንዋር ይፈልጦ ስለ ዝነበረ ፡ ኣብቲ ጋራጅ ሓደ ዓቢ ዒላ ስለ ዝነበረ ፡ ኣብኡ ምስ በጽሑ ድማ ኣንዋር ኣብቲ ዒላ ዘሊሉ ኣት'ዩ ሂወቱ ንእለቱ ኸሕልፋ ንነብሱ ኣእመና ። በቲ ዝበሎም መሰረት ድማ ፡ንኣንዋር ፡ ኣእዳው ብመቑሑ ኣሲሮም ብመኺና ዓጂቦም ናብቲ ቦታ ሒዘሞ ድማ በጽሑ ። ኣንዋር ድማ ከም ሓሳቡ ፡ ልክዕ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሐ ብጉያ ናብቲ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ዝነበረ ዒላ ዘሊሉ ኣተወ ። ኣንዋር ግን ከም ሓሳቡ ኣይኾነሉን ? ምኽንያቱ እቲ ንሂወቱ መሕለፊት ኢሉ ዝሓሰባ ዒላ ማያ ወዲኣ ኣብ ከባቢ ብርኹ ዝበጽሕ ማይ ጥራይ ዓቑራ ጸንሐት ። ንውሓት ናይታ ዒላ 15 ሜትሮ ንታሕቲ ዕምቖት'ዩ ዝነበረ ፡፡ በዚ ድማ ኣንዋር ኣእዳውን ፡ ኣእጋሩን ዘሊሉ ምስ ኣተወ ኣብቲ ውሽጢ ዒላ ተሰብረ ፡፡ በቲ ስርሒት ናይ ኣንዋር ዝተሰናበዱ ወታሃደራት ድማ ሸበድበድ እንዳበሉ ደድሕሪኡ ስዒቦም ምስ ራኣይዎ ጅግና ኣንዋር ኣብ ውሽጢ እቲ ዒላ ተደርብዩ ክሳቀይ'ዩ ዝጸንሐ ። መሳልል ኣምጺኦም ድማ ንኣንዋር ተሰኪሞም ካብቲ ዒላ ኣውጺኦም ፡ሒዘሞ ዳግም ናብ ማርያ ግቢ ኣምርሑ ። ኣብዚ ሰዓት እዚ እቲ ዝገርም ነገር ደበና ናጽነት ኣንጸላል'ዩ 24 ግንቦት መዓልታት'ዩ ተሪፍዎ ዘሎ ።እቲ ዕድል ናይ ምንባር ዘይገበረ ኣንዋር ድማ ፡ እዚ ምስጢር ኣየውጽእን'ዩ ኢሎም ዝደምደሙን ፡ ዝቐበጹን መርመርቲ ማርያም ግቢ ኣንዋር ብጥይት ክቕተል ወሲኖም ፡፡ ኣብ ውሽጢ ማርያም ግቢ ድማ ፡ ኣንዋር ምስ ገለ ብጾቱ ኣብ ቕንያት ናጽነት ተረሸነ ። ኸይደንጎየ ድማ ናጽነት ኾነ ። እቲ በዓል ፍሉይ ቕያን ፡ ታሪኽን መንእሰይ ፡ ኣንዋር ድማ ምስቶም ምስ ናጽነት ካብ ማርያም ግቢ ናጻ ዝወጹ ንኽወጽእ ብወለዱን ፡ ቤተ ሰቡን ፡ፈተውቱን ፡ መትዓቢቱን ትጽቢት እኳ እንተ ነበረ ፡ ትጽቢት ኣንዋር ግን ብመስዋእቲ'ዩ ተደምዲሙ ። ካብ ሓደ ኣጋጣሚ ክልተ ነገራት ድማ ተፈጥረ ? ኣይ ሓጎስ ፡ ኣይ ሓዘን ኾይኑ ሰብ ዘበለ ኹሉ ገሪምዎ ። ወለዲ ኣንዋር ሕጂ ኾይኑ ይስመዓኒ ፡ ኣቡኡን ፡ ኣዲኡን ብዕልልታ ምድረ ሰማይ ጭድድ ኣበልዎ ። ኣንዋር ኣይሞተን ኣንዋር ናጽነት'ዩ ኣምጺኡ ፡ ኣንዋር ብስጋ እንተ ሓለፈ ብመንፈስ ምሳና'ዩ ኽብሉ ምስ ተሰምዑ ወለዱ ዝዓበየ ፡ ዝነኣሰ ዘይነብዐ ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ኣይነበረን ፡፡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ዕድመ ንእስነቱ ኸይጸገበ ዝሓለፈ ጅግና ኣንዋር ኣብ ማእከል ከተማ ሓደ ዓቢ ስርሒት ሰሪሑ ሓንሳብን ንሓዋሩን ዘይድገም ታሪኽ ወቒጡ'ዩ ሓሊፉ ። እቲ ኻልእ ነገር ዘሕጉስ ናይ ስድራ ቤት ኣንዋር ድማ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ወለዲ ኣንዋር ንዝወለድዎ ሓድሽ ህጻን ድማ ፡ ዳግም ነቲ ብጅግንነት ዝሓለፈ ኣንዋር ወዶም ነቲ ሓድሽ ውላዶም ኣባል እታ ስድራቤት ዝተወልደ ህጻን ውን ኣንዋር ክብሉ ሰየምዎ ፡፡ ሕጂ ውን ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ነቲ ዝተወልደ ህጻን ኣንዋር ምዃኑ ስሙ ምስ ፈለጠ ገለ ብሓጎስ ይሰራሰር ፡ ገለ ድማ ነገር ሰብ ኾይንዎ ፡ ኽንበዕ'ዩ ዝግደድ ዝነበረ ። ዝገርም ጅግንነት ኣንዋር ግን ፡ ምኽንያቱ ዘይርድኣኒ ነገር እንተ ደኣ'ሎ ፡ እቲ ኣንዋር ዝፈጸሞን ፡ ዝሰርሖን ታሪኽ ፡ ወላ ኣብ ናይ ሄልውድ ፊልም ውን ዳርጋ ኣይራእናን ፡፡ ከም ሓሳብ ናተይ ድማ ዛንታ ኣንዋር ብመልክዕ ስነ ጥበባዊ ስርሓት ሓቐኛ ታሪኽ ፊልም ኽስራሓሉን ፡ ሓደ ነባሪ ደርፊ ብስሙ እንተዝስርሓሉን ነቲ ንእስነቱ ዘየስተማቐረ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፡ሓድግን ፡ውላድን ዝሓለፈ ጅግና ኣንዋር ነባሪ መጸውዕን ፡ መዘከርን ዝኾኖ ዝኽሪ ዝብል ሪኢቶ'ዩ ዘለኒ ፡፡ እቲ ዝገርም ነገር ካልእ ፍልይ ዝብል ነገር ውን እንተ ሃልዩ ድማ ኣብዚ ስእሊ ንዕዘቦ ዘለና እተን ሰበይቲ ኣብ ቕድሚት ተሰቒለናላ ዘለዋ መኪና ፡ ኣብ ዕለት መዓልቲ ናጽነት 24 05/1991 ኮይኑ ፡ ብልክዕ እታ ጎደና ኣብታ ኣንዋር ሂወቱ ንኸሕልፍ ዝኣተወላ ዒላ ከባቢ ሴዳው ማእከል ሹቅ 'ያ ። ሰብ ይውለድ ፡ ይሓልፍ ድማ ? ግን እንታይ ሰሪሑ ሓሊፉ ንዝብል ሕቶ'ዩ ድማ እቲ ቐንዲ ረቛሒ ፡፡ ከም ናይ ጅግና ኣንዋር ታሪኽ ዘብኪ ዘይኾነ ፡ ዘሕጉስን ዘኹርዕን ታሪኽ ኣማውታ ድማ ይሃበና'ዩ ዘብል ። ጅግና ስውእ ኣንዋር ኣብ ዘለኻዮ ፡ መቓብር ብሰላም ዕረፍ ። ረቢ ድማ ኣብታ ዘይትሓልፍ ገነቱ ብሕቑፉ ይቐበልኻ ፡፡እዚ መሳጢ ሓቐኛ ታሪኽ ጅግና ኣንዋር ፡ ነጋሽ መቸም ዝኾነ ሰብ ኣንቢቡ ዕሽሽ ኢሉ ዝሓልፎ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን'የ ፡፡ ዝግብኦ ክብርን ፡ዝክርን ህብ ኣቢልና ተገዲድና ብሕልናና ውን ሸር እንተበልናዮ ዝበዝሖ ኣይኮነን ንጅግና ኣንዋር ፡፡
ኣቕራብን ፡ ተንታኒ ታሪኽን ፡ ናይዚ ጽሑፍ
ይርጋኣለም ፡ ጌታቸው (ብሩረይ )የቀንየለይ ክቡራት ተኸታተልቲ መደባተይ ፡፡
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/yz/r/gGPRzHuW8qT.pngLike
Comment
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/yP/r/EyGUmEdOqjv.png

ድሩዕሸሪፎዑቅበ

21 May at 11:41 · Public
( ሓበሬታ ንኩሉ ኤትራዊ ዜጋ )
ትካል ዱኳን ሕድሪ 09 ቀይሕ ባሕሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ትሕቲ ሓጎስ ( ክሻ) ዝመሓደር ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ልዕሊ 13 ሚልዮን ናቅፋ ሽያጥ ሽኮርን ዘይትን ናይቲ ትካል ተጣፋፊኡ ተባሂሉ ነቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ትካል ዝሰርሑ ልዕሊ 84 ሰባት ካብ ሓደ ዓመት ክሳብ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሲሩ ጸኒሑ ። ሓደ ካብዚኣቶም ኣብርሃም ዝተባህለ መንእሰይ ሰራሕተኛ እቲ ትካል ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝመላለሰሉ ዝነበረ በዚ ጉዳይ ሓደ ዓቢ መካትዒ ኣርእስቲዩ ሒዙ ቀሪቡ ። ኣብራሃም ይብል ልክዕ ንሕና ብደሞዝ ተቆጺርና ኣብዚ ትካል ንሰርሕ ኔርና እዚ ጠፊኡ ዝባሃል ዘሎ ሽኮርን ዘይትን ድማ ብልክዕ ተወሲዱን ጠፊኡን እዩ ? ወሰድቱ ግን እቶም ክሲ ተመስሪትልና ዘሎ ሰባት ዘይኮና ምስ ሓጎስ ( ክሻ ) ብደገ ተረዳዲኦም ዝመጹ ዓበይቲ ሃፋትም ካብቲ መክዘን ናይ 09 ኣብ መርሓኖ ዝርከብ ንዓመታት ብመካይኖ እንዳጸዓኑ ይወስድዎ ኔሮም እዮም ኢሉ ከእምን ዝክእል ብዙሕ ጭብጥታት ድሕሪ ምቅራቡ ንሓጎስ (ክሻ ) ሓደጋ ስለ ዝፈጠረሉ ብትእዛዝ ሓጎስ ኣብራሃም ካብቲ ተቀይድሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ተሃድሶ ሰምበል ብኣባላት ጸጥታ ናብ ዘይተፈልጠ ቤት ማእሰርቲ ጊዒዙ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኮነ ኢልካ ምስጢራት ከየውጽእ ተባሂሉ ኩሉ ኣካላቱ ቆሲሉ የማነይቲ እግሩ ሰንኩሉ ናብ ሆስፒታል ሓሊበት ክፍሊ መሓከሚ እሱራት ከም ዝድቅስ ተጌሩ ኣብ ክልተ መዓልታት ድማ ንወላዲቱ ትብለጽ ፡ ዘገርግሽ ዝተባህላ ሬሳ ወድክን ውሰዳ ክብሉ ደዊሎም ሃንደበት ኣርዲኦመን ። ደገፍቲ በሉ ራኣዩ ሕጊ ሃገርና እዚዩ ? ዘርከበ ሓላፊ ሰራቂ ሓቂ ዝተዛረበ ይቅተል ይዕፈን መሰል ዜጋታትና ካብ ዘይክበር ዓመታት ኣቁጺሩ ብዙሓት ዝተቀትሉን ዳሃይ ዘይብሎምን ኣሕዋት ኤርትራውያን እንዳሃለውና ሰላምዩ ዘሎ ሃገርና ብምባል ኣብ ጎኒ ደመኛ ዲክታተር ኢሰያስ ደው ኢልና ነጣቅዕ ዘለና ማዕሪኡ ኢና ጽባሕ ክንሕተት ፡፡ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ እዚ ናይ ኣብራሃም ኣጋጢሙ ዘሎ ዓለም ንክፈልጦ ቀልጢፍና ናብ ኩሉ ነብጻሓዮ ???
ፍትሒ ይንገስ ?
ምልኪ ይፍረስ ???

Ibrahim Hind

22 May at 01:02 · Public
እቲኦም 10 ጀጋኑ ዝተሰዉኡላ ዘይትርሳዕ መራር ዕለት
ዕለት 22/5/1978 ብመርሕነት ጀብሃ ኣብ ልዕሊ'ቶም ቡሉጻት መራሕቲን ተቃለስትን ኣቦታትና ዘይርሳዕ ናይ ምርሻን ገበን ዝተፈጸመላ ዘይትርሳዕ ዕለት ኢያ፥፥
ኣብ 1975 ጅግና ስውእ ሲዒድ ሑሴን ካብ እስሪ-ቤት ስርዓት ሃይለስላሴ ድሕሪ 12 ዓመታት ብ ስሪሒት ሰንበል ኣብ ዝፍለጥ ኡሱራት ናይ ምውጻእ ዝተገብረ ናይ ጀብሃ ስሪሒት ኣብ ዝወጸሉ ግዜ ኣብ ሜዳ ብዙሕ ምቅይያራት እዩ ጸኒሑዎ ፥ አቲኣ ምስ ብጾቱ ኣብ ፈለማ ሱሳታት ዝተኸላ ሃገራዊት ውድብ ጀብሃ ዘይኮነት እቲኣ ብ ስነ-ሓሳብ ማርክስ ዝሰኸረት ሓድሽ ስነ-ሓሳብን ምዕራባዊ ባህልን ዝተኸደነት ብ ክፍልታትን ሰልፍታትን ዝተመቓቀለት ብ ሰልፊ-ዕዮ ዝተዓብለለት ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘይጻወሩ መራሕቲ ዝዓሰሉዋ ጀብሃ እያ ጸንሓቶ ፥ እቲኦም ቀደም ዝፈልጦም ዘነበረ ናይ 60ታት ብጾቱ ውን ገሊኦም ተሰዊኦም ገሊኦም ውን ነቲ ሰልፊ ተቃዊሞም ተባሂሎም ኣብ እስሪ ቤት ሰልፊ- ዕዮ ብቅያዳ-ኣልዓማ ዝተዳጎኑ ነይሮም ፥ እዚ ኣካይዳ ጀብሃ ደስ ዘይበሎም ስዒድን ብጾቱን ኣብ ውሽጢ'ቲ ውድብ ጎስጋስ ብ ምግባር ናብ ናይ ቀደም ሃገራዊ መስመራ ክትምለስ ብዙሕ እዮም ጽዕሮም፣ ግን ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል ከምዚተባህለ እቲኣ ክትስማዕ እምበር ክትሰምዕ እዝኒ ዘይተዓደለት ሰልፊ-ዕዮ ነቲኦም ኣካይዳኣ ክቃወሙ ንዝጀመሩ ስዒድን ብጾቱን ክትሃድን እያ ተበግሳ ፤ ድሕሪ ነዊሕ ጎስጋስ ኣብ ውሽጢቲ ውድብ ኮይኖም ንኣካይዳ ሰልፊ-ዕዮ ምቅዋም ወይ ለውጢ ምምጻእ ክሰርሕ ከምዘይክእል ዚተገንዘቡ ስዒድን ብጾቱን ካብ ጀብሃ ተፈልዮም ቦታ ብምቅያር ን ጀብሃ ናብ ሃገራዊ መስመራ ክመልሱዋ እዮም መሪጾም ፥ ከም ውጺእቱ ድማ ናብ የመን ኣምሪሖም ፥ ካብ የመን ንደንካልያ ጉዕዞኦም ብምጅማር ሓደ ንኣምኖ እና ዚበሉዎ ግለ-ስብ ኣብ ደንካልያ ክቅበሎም ምስቲ ሰብ ተማኸሩ ፣ ስዒድን ብጾቱን ናብቲ ቦታ ከይበጸሑ እቲኣ በቲ ናይ " ናይ መአረምታ ምንቅስቃስ" ድቃስ ስእና ዝነበረት ሰልፊ-ዕዮ ነቲ ግለ-ሰብ ብ ገንዘብን ናይ ሓላፍነት መብጻዓ ዓይኑ ብምድፋን ነቲኦም ብጻይና እሎም ዝኣመኑዎ ብጾቱ ክምዝጠልሞም ገበሩዎ፥ ናብቲ ቦታ ምስ መጹ ከኣ እቲ ዝኣመኑዎ ብጻይና እሎም ልቦም ዝሃቡዎ ሰብ ብግዝያዊ ረብሓ ሰሲዑ ጸላኢ ተቀይሩ ኢዩ ጸኒሑዎም፥ ኣብቲ ዚቀረበሎም መግቢ ዘደቅስ መድሃኒት ብምግባር ጥልመቱ ጀመረ፥ ስዒድን ብጾቱን በቲ ዝተዋህቦም መድሃኒት ሃለዋቶም ምስ ኣጥፈኡ ኣብቲ ደቂሶምሉ ዘለዉ ቦታ ወጋሕታ ብ ዕለት 22/5/1978 ኣብ ደንካልያ ኣብ ዓበ ዝባሃል ቦታ ኣብ ልዕሊኦም ኣረመናዊ ናይ ምርሻን ጃምላዊ ቕትለት ፈጺሞም፥፥ እወ ነቲኦም ጀጋኑ ፊት-ንፊት ኣብ ሜዳ ክገጥሙዎም ከምዘይክእሉ ኣጸቢቆም ይፈልጡ ስለዚነበሩ ነዚ ናይ ድኹማት መንገዲ መሪጾም ፥ እቲኣ ዕለት እቲኣ ግን ሰልፊ- ዕዮ ህላወኦም ኣብ ሜዳ ብኢዶም ፈሪሞም ዘብቀዑላ ዕለት እያ ነይራ ፥ እቲኣ ኣብ ከበሳን መታሕትን ኣብቲ ግዜቲ ስም ዝነበራ ጀብሃ ብ ህዝቢ "ፎ" ዝተባሃለትላ ዕለት ፥ እቲኦም ዝተቀትሉ ጀጋኑ ስዉኣት ብሙሉኦም ደቂ ሳሆ ብምንባሮም ብፍላይ ከኣ ካብ ሕብረተ-ሰብ ሳሆ ንጀብሃ ዓቢ ተነጽሎ እያ ገጢሙዋ ብዙሕ ኣይጸንሐትን ከኣ ጠቅሊላ ሜዳ ብምግዳፍ ተበታትና ናብ ሱዳን ኣትያ፥፥
ዝርዚር ኣስማት ጀጋኑ ስዉኣት ደንካልያ
1-ጅግና ስዉእ ሲዒድ ሑሴን
2-ጅግና ስዉእ ዑመር መሓመድ ዑመር
3-ጅግና ስውእ መሓመድያሲን ሓጂ ሳልሕ
4-ጅግና ስዉእ ዑመር መሓመድ ሱባ
5-ጅግና ስዉእ ኣደም ኢብራሂም ሓጂ
6-ጅግና ስዉእ መ/ድ ኢብራሂም መሓመድ ማሕደር
7-ጅግና ስዉእ ኣሕመድ ኢብራሂም መሓመድ
8-ጅግና ስዉእ ኣደም ኢብራሂም ሓጂ
9-ጅግና ስዉእ መሓመድ ማንሱር
10- ጅግና ስዉእ መሓመድ ሸዳሊ እስማዒል
ረቢል ዓላሚን ኣብ ጀነቱ ይቀበሎም፥ ንሕና ከኣ መብጸዓኦም ብምሕዳስ ኣብ ኣሰሮም ኣለና ፥፥
ዓወት ንዉጹዓት !!!
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/yz/r/gGPRzHuW8qT.pngLike
Comment
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/yP/r/EyGUmEdOqjv.png
Share

 

 

ሲኩ ወዲ ቢተው

21 May at 17:07 · Public
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/y1/r/BOCzaD2rwOa.png
~እዞም ክልተ ጀጋኑ ሓርበኛታት ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ፍትሕን ዴሞክራስን ክብሉ እዮም ሓሊፎም ¶

`ጸጋም ዘሎ ስውእ ዓሊ ኢብሪሂም ኣዛዚ ግንባር ናቅፋ እዪ ብ 1974 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፋ ካብ ተራ ክሳብ ዝልዓለ ጽፍሒ ኮይኑ ሰሪሑ ኣብ 1988 ኣብ ምሕራር ኩናት ኣፍዓበት ክኣ ተሰዊኡ "።

`የማን ዘሎ ስውእ ፍስሃየ ወ/ገብሪኤል ኣዛዚ ክ/ሰራዊት እዪ ገዲም ተጋዳላይ ካብቶም መስረቲ እቲ ውድብ እዪ ' ኣብ ዝተፈላለየ ብዝልዓለ ጽፍሕታት ኮይኑ ዝሰርሐ ሓርበኛ እዪ " ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሱ ኣብ ድሮ ናጽነት 1990 ብ ጅግንነት ተሰዊኡ "።

እዛ ስእሊ ክልቲኦም ኣብ ክ/ሰራዊት 61 ከለው ዝተወስደት እያ 'ብዝያዳ ምሉእ ታሪኮም ሰባት ተወኪሰ ከቅርበልኩም እየ '።
Yohannes Ferdinando Drar
12 hrs · Yohannes's friends
Happy Independence month-May 24 2020. During this month we have to remember our Martyrs- thousands of freedom fighters and civilians died in the 30 years of independence war. 35% of the liberation army were women. Hiwot Ogbamariam was a member of the EPLF secret underground network. In March 1984 she was assigned to bomb the electric station of Keren with her friend, unfortunately when she was on her way to the station the timebomb went off and she sacrificed her life for the nation. Her life history is now documented in a new book titled “Gedli Dekanistiyo”. She comes from a well respected family in Keren. Her brother, Dr. Andom (RIP) was a well known medical doctor in the EPLF, he died after independence. Hiwot is the cousin of the well known EPLF founder and leader Ermias Debasai Papayo who is currently incarcerated with his sister, Senait Debasai. Many families sacrificed their lives to attain the independence of Eritrea and hopefully soon Eritrea will be a stable, united and democratic nation under the rule of law. Eternal Glory to our Martyrs.https://www.facebook.com/photo/?fbid=2666964153407475&set=pcb.2666990116738212

 


Network Of Eritrean Women

20 May at 22:45 · Public
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/y1/r/BOCzaD2rwOa.png
Here is a picture of Eritrean women protesting outside the Ethiopian consulate in Kassala.

Alongside Sudanese Unions,a demonstration denouncing Ethiopian violations in Eritrea was organised.

Among the participants was Sudanese nationalist, Mohamed Jubaara Al Awed.

#Ourheroes

For more please follow the link :

https://www.adoulis.net/entry.php?id=4884

Temie Mirror

20 May at 15:22 · Public
ውጽኢት "ደም ዝተኸፍሎ ባርነት ኤርትራ!
==========================
ኣርእስቲ ጽሑፈይ ድርሰት መጽሓፍ ረዘነ ሃብተ!
መጽናዕቲ ዝብል "ዓዲቐይሕን ከባብን ደቁ ብዝሒ ናብ ትምህርቲ ዝሰድድ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ነተን ዘለዋ ትምህርቲ ወሰኽ ክፍልታት ክግበረለን፡ ሓደሽቲ ትምህቲ ውን ክህነጸለን ኣለዎ ዝብል ኮይኑ" ናብ መንግስቲ ዓመታዊ ጥርዓን ይቐርብ፣i መንግስቲ ድማ ነቶም ህርፋን ትምህርቲ ዘለዎም ህዝቢ ገዲፉ ኣብ መታሕት ክስራሕ ባጅት ይስልዕ። ወረ ኣብ ገለ እዋንስ ኣብ ዓዲቐይሕ ሓንቲ ክፍሊ ካብ 80-90 ዝበጽሓሉ ግዜ ነይሩ፣ ብዙሕ እዋን ጥርዓን ይቐርብ በቲ ስርዓት ግን ሰማዒ ይስእን።
እዚ ውግዒ ቅድሚ 9 ዓመት ኣቢሉ ይኸዉን ሓደ ባዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ነበር ዘዕለለኒ እዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ መበቆል ዓዱ ኣብ ሓማስየን እዩ!! ኣብ ስደት ይነብር ኣሎ። ምናልባት እቶም ሰብ ኣመል በቲ ብ'ዝመረተ ልብኹም ከይትርድእዎ። ተስፋ ይገብር እቲ ኣቦና እዚ ጽሑፍ የንብቦ ክህሉ።
ምግናን ዘይብሉ ዓዲቐይሕን-ከባብን ፍቕሪ ትምህርቲ ካብ ዘለዎም ውሑዳት ከባቢታት ህዝብና እዩ።ሻዕብያ ምስቲ ጸረ ትምህርቲ ሙዃኖም፡ ዓዲቐይሕ ድማ ታርጌት ካብ ዝኾነ ከባቢ ሓደ እዩ። ዝሓለፈ 30 ዓመት ዝተሰርሐ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ የሎን።ስርዓት ህግደፍ ትምህርቲ ዝፈቱ ህዝቢ ከም ጸላኢ ከም ዘቐምጦ ዝሓለፈ 30 ዓመት ምስክር እዩ።
ኣብ ዘመነ ሃይለስላሰን ጥልያንን ዝተሃነጸ ቤት ትምህርታት
እዘን ዝስዕባ ኮይነ ዝተወሰኸ ቤት ትምህርቲ የሎን።ኣብ ዞባ ደቡብ ወይ ሰራየ-ኣከለ ብደረጃ ንኡስ ዞባ ዝበዝሕ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ እዪ።
ቤት/ቲ ሎሮንሶ ታእዛዝ 2ይ ደረጃ ዓዲቐይሕ!!
መባእታ ዓዲቐይሕ (ኣስኮላ ሓበሻ) ዝነበረ!!
ቤት/ቲ ቅድስቲ ሃና (ኣስኮላ ጥልያን) ዝነበረ!!
ሚዐ-ማሓዛ ናይ ህዝቢ ኮይኑ ዝነበረ!!
ፍቕርን-ሰላምን ናይ ህዝቢ ኮይኑ ዝነበረ!!
2ይ ክፋል ጽባሕ..
ተሜ ኪዳነ
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/yz/r/gGPRzHuW8qT.pngLike

ወዲአስመራቲራቮሎ

6 August 2019 · Public
ምስ ወጋሃ ብዙሃት ክዛረቡሉ እዮም።
ኢሰያስ ዓሰብ ንሰራዊት ኢትዮጵያ
ከረክባ ዝገበሮ ፈተነ ኣይፈሸለን ድዩ፡
ኣብቲ 71 ኪ/ሜ ዝተኻየደ ዓሰብ ናይ ምክልኻል መኸተ ረዚን ዋጋ ተኸፊሉዎ እዩ። 3ይ ወራር ብዙሓት ኣሃዱታት ከም ክ/ሰራዊት 29 ካብ ዓሰብ ተሳሒበን ካብ ከባቢ ጾሮና ክሳዕ ዓዲዃላ-ዓዲበጊዖ ዕዉት ናይ ምክልኻል ስራሕ ተሰሪሑ እዩ፡ድሕሪ'ዚ ጸላኢ ብግምባር መረብ ሰቲት ድፋዓት ባድመ ብምፍራስ ብብዙሕ ከባቢታት ዛላምበሳ ጾሮና ክሳዕ ማይድማ ክበጽሕ ኪኢሉ እዩ፡ ኣብቲ እዋንቲ እኹል ኣጽዋር እኳ እንተዘይነበረ፡እኹል ሰራዊት ሪዘርቫ ከይተረፈ ነይሩ እዩ፡ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሕጽረት ኣጽዋርን ቦምባታትን ጠያይትን ብዓይንና ንርእዮ ኔርና ኢና፡ስለዚ ብልሓቱ ዘይተፈልጠ ሽርሒ ግን ነይሩ፡ኢሰያስ ብየማነ ገብረኣብ ገይሩ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ብምልኡ ንሳሕል ከዝልቕ ብዕሊ ተነጊሩና እዩ፡ዝነበረ ተቓውሞን ዕላማ ናይቲ ምዝላቕን ኣብ ዝቕጽል ክገልጾ እየ፡ሕጂ ግን ብዛዕባ ግምባር ዓሰብ እየ ክዛረብ፡እዋን 3ይ ወራር ኣብ ዓሰብ ስሑው ዝበለ ሰራዊት ምንባሩ ፍሉጥ እዩ፡ኲናት ደው ይበል ናይ ጸጥታ ዞባ 25 ኪ/ሜ ምስተባህለ ሰራዊት ኤርትራ ካብ 71 ናብ 35 ኣቢሉ ስለ ዘንሰሓበ፡ኢሰያስ መጀመርያ ንመከናይዝ 49 ምስ ኩሉ ኣጽዋሩ ብመርከብ ንባጽዕ ከም ዘዝልቕ ፡ ኣብ ዓሰብ ዝነበረ ምምሕዳር ፖሊስ ህዝቢ ከምዝወጽእ እውን ገይሩ፡ ዓሰብ ኣምሓሩ ጥራይ ተሪፎም ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዶም ባንዴራ ኢትዮጵያ ሰቒሎም፡ ክልተ መራኽብ ነተን ተሪፈን ዘለዋ ክፍለ ሰራዊታት ከግዕዛ ተቐሪበን ነበራ፡መሪሒ ክፍለ ሰራዎት ሳልሕ ዑስማን እምቢ ኣይንስሕብን ኣብዚ ወደብና ዓወት ወይ ሞት ክብል ከሎ፡ሓድሽ ኤፍሬም ናይ እንዳ 19 እውን ይስዕቦ፡ገለ ውሑድ ኣሃዱ ናይ እንዳ 23 በዓል ዘርኢትእ'ውን ኣብቲ መኸተ ረጊጾም
በቲ ዶብ ጅቢቲ ነበሩ፡ጸላኢ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግምባር ዓሰብ ኣንሳሒቡ እዩ ብምባል መካይኑን ኣውቶቦሳትን ብመራቲ ብላንድ ክሩዘር ተዓጂበን ናብ ዓሰብ ኣምራሓ፡ምስ ዝነበረ ዋሕዲ ሰብን ኣጽዋርን ንጽርግያ የማን ጸጋም ኣጽኒዕካ ምሓዝ፡ስለዚ እንዳ 39 ኣብ ጽርግያን ብየማኑ ዘሎን ክትሕዝ ከላ ብጸጋም ሸነኽ ሩባ ድማ ክ/ስ 19 ገለ ካብ እንዳ 39 ተደሪቦሞም ኣድብዮም ተጸበዩ፡ድፋዕ 71 ኪሎሚትር ብፍጹም ዘይድፈር ኣዝዩ ብውሕሉል ጥበብ ዝተሰርሐ ገዲፍካ ናብ35 ምዝላቕ ምስቲ ናይ ጸጥታ ዞባ 25 ኪ/ሜትር ዝተኣሳሰረ ኣብ ድፋዕ ዘይብሉ ቦታ ሰራዊት ዓረደ፡ጸላኢ ተረቢጹ ዓሰብ ንኽኣቱ ኣዝዩ ተሃንደደ፡ሄሊኮፕተራት ነቲ ዕርዲ ሃዊኸንኦ ንብረት ከቃጽላ እውን ጀመራ፡መከላኸሊ ኣየር የለን መትፋዕጅታት ዶሽካ ግን ከምዝርሕቃ ገበሩወን፡ኣጽዋር ከቢድ ዝብሃል ኣይተ ኢሰያስ ከም ዝሰሓብ ገይሩ እዩ፡ነተን ንመኸተ ዝተቐረባ ኣሃዲታት ኣዘዝተን ምስ ምፍርራሕ ውጹ፡ብሰንክኹም ሓደ ወታሃደር እንተተሰዊኡ ክትሕተቱ ኢኹም ተባሂሎም ምስ ኣዛዚ ግምባር ሃይለ ሳሚኤል ኮይኖም፡ብዘይ ሓገዝ ከቢድ ብረት ብዶሽካን ባኣርብጅን ቀሊል ዘይኮነ መኸተ ተኻይዱ ፡ተሃንዲዱ ዓሰብ ንምሓዝ ዝመጸ ሰራዊት ተደምሲሱ ናብ መበገሲኡ ከም ዝምለስ ተገይሩ፡ ብወገን ኢሰያስ ንሰራዊት ንድሕሪት ስሒብካ ንሳሕል ፋሕ ኣቢልካ ንክበታተን ተፈቲኑ እዩ፡እቲ ጉዳይ ህዝቢ ምስ ሰምዖ ኢሰያስ ስልብጥ ኢሉ ስለምንታይ መካናይዝ ህዝቢ ምምሕዳር ካብ ዓሰብ ወጺኡ ኢሉ ንኣዛዚ ግምባር መጀር ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል ኣብ ኣኼባ ከጓጥጠሉ ምስ ጀመረ እንሆ ኣብ ኢደይ መልእኽትኻ ባዕልኻ ኣዝልቑ ዝበልካና ክብል ምስ መለሰሉ ነዚኣ ነዊሕ ነኺሱዋ ንሃይለ ሳሚኤል ካብ ኣዛዚ ግምባር ኣደስኪሉ ኮፍ ኣቢሉዎ፡ብዝኾነ ኮነሬል ሳልሕ ዑስማን ሓድሽ ኤፍሬምን ዘሪኢትን፡ክልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተራ ኣባላትን ብሓፈሻ ነቲ ወራር ዓሰብ ዘፍሸሉ ሞጎሰ ክውሕዘሎም ጀመረሞ፡ኣብቲ ወራር ካብ ዝጅመር ዝነበሩ ኣዘዝቲ ክፍለሰራዊታት ሳልሕን ሓድሽን ርእሲ ምራኽ ዘሪኢት ዘለዎም ሓደስቲ ላንድ ክሩዘራት ተሸሊሞም።
እቲ ምዝላቕ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ እውን ብየማነ ገብርኣብ ገይሩ ንሸሪፎ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ከይሓበረ ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ላዕሎት መራሕቲ ምምሕዳር ዝገበርዎ እዩ እናበለ ጠቂንዎም፡ እቲ ምኩር ሓሳዊ ኣለወኛ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡፡ስለዚ ሳላ ጀጋኑ ዝደሓነት ዓሰብ ኣይተዋሕጠሉን፡ ግዜን ኣጋጣሚን ተጠቒሙ ነቶም ጀጋኑ በዓል ኮነሬል ሳልሕ ዑስማን ኣብ ፍርዲ ዘይብሉ ማእሰርቲ ዳጒንዎም ኣሎ፡ሕጂ እውን እቲ ከዳዕ በዓል ኣመል ንወደብና ዓሰብ ሓይሊ ባሕሪን ሓይሊ ምድርን ኢትዮጵያ ብምእታው ሃገርና ንጸላእቲ ኣሕሊፉ ንምሃብ ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ፡፡ እምበኣር ቀዳማይ ፈተና ወደብና ዓሰብ ፈሺሉ ንካልኣይ ዙርያ ዓሰብ ብመገዲ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ገይሩ ከውርረናን ኣብ ፈተነን ውርደትን ከእትወና ምዃኑ፡ኢትዮጵያ ዝኾነ ተቓውሞ እንተ ኣጋጢሙ ክጭፍልቑዎ ምዃኖም፡መዝሓሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግርጭትን ጎንጽን ክገብሩና ቅሩባት እዮም፡ዶክተር ኣቢይ እምቢታ ወያነ ክሰብሮ ስለ ዘይካኣለ ፡እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝሓሰቦ ብሰላም ዝተጎልበበ ወራር ተደናጉዩ እዩ፡እዚ ሕጂ ስርዓት ኤርትራ ወያኔ ክጠፉኡ ኣለዎም እናበለ ዝፍክር ዘሎ፡ነቲ ምስ ኣቢይ ክገብርዎ ዝሓስቡ ዘለዉ ውዲት ብተዘዋዋሪ መገዲ ስለ ህላዊኦም ክብሉ ጠጠው ምባሎም ብዕንቅፋት ተራእዩ ኣሎ። ንሕና እውን ስለ ህላዌ ሃገርና ከምቲ ህዝቢ ትግራይ ብሓባር ደው ኢሉ ዘሎ ስለ ህላዌናን ሃገርናን ደው ክንብል ይግባእ።
ዓወት ንውጹዕ ህዝብና !
ኣበድ ተስፋይ
https://static.xx.fbcdn.net/rsrc.php/v3/yz/r/gGPRzHuW8qT.pngLike

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com