ጸሊም መዝገብ ኤርትራውያን ጨውይትን ነጋዶ-ሰብን ይገንጸል

October 18, 2012October 18, 2012 [source http://assenna.com/ ]

ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣስማትን ድሕረ ባይታን ናይ ሰለስተ ብስስዐ ገንዘብ ዓዊሮም፡ ንኤርትራውያን ኣሕዋቶም ብምትላልን ብምጭዋይን ንራሻይዳን በደዊንን ኣሕሊፎም ብምሃብ ግዳይ ስቅያት ናይ ዝገበሩዎም ሰለስተ ሸፋቱ ኣስማት ኣቃሊዕና ኔርና።

ሕጂ ‘ውን ነቲ ዝጀመርናዮ ናይ ምቅላዕ ዘመተ ብምቕጻል ናይ ካልኦት 9 ጨወይትን ዘሕጋውያን መሰገጋገርትን ኣስማት ነስዕበልኩም።

  1. ቢንያም ሓጎስ – ወዲ ጎልጅ ፡ ኣብ ሸገራብ ካርቱም ዝንቀሳቀስ። 35 ኣቢሉ ዝገብር።
  2. ሙሴ ጸጋይ – (ኣባ ሙሴ) ሊባን ዝዓዱ፡ ወዲ 46 ዓመት
  3. ኢብራሂም ፈረጅ ዕሸል ፡ 40 ኣቢሉ ዝገብር ተቐማጣይ ሸገራብ
  4. ኣሕመድ ሳልሕ ኪቡብ፡ ኣብ ሸገራብ ዝነብር ፡ ብዓል ድኳን
  5. ናስር እድሪስ ሓጅጅ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን ተቐማጣይ ሸገራብ
  6. ኣሕመድ ጉድ ወዲ 35 ዓመት ተቐማጣይ ሸገራብ
  7. 8. ዓሊ ዒስማን ከምኡ ‘ውን ኣሕመድ ዑስማን (ኣሕዋት) ተቐማጦ ሸገራብ፡ ንሄማ ዝተባህለት እንዳ ቡን ዝውንኑ
  8. ኣሕመድ ኣደም – ገዳርፍ ዝመደበሩ ናብ ሸገራብ ውን ዝንቀሳቐስ

ንግዲ ሰብን ኣሕዋትካ ምእንቲ ገንዘብ ንስቓይ ኣሕሊፍካ ምሃብን፡ ነውሪ ወይ ጽዩፍ ተግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዝዩ ዝኸበደ ገበን እዩ። ብፍላይ ኣብ ሱዳን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብን ካልእ ቦታታትን እትርከቡ፡ ከምኡ ‘ውን ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን እትሰግሩ ኤርትራውያን፡ ካብዞም ስሱዓት ነጋዶ ሰብ ክትጥንቀቑ ይግባእ። ነዚኣቶምን ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ገበን ተዋፊሮም ዘለዉ ገበነኛታት ሰባት ምቅላዕ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት ምዃኑ ‘ውን ኣይትረስዑ።