ቤትማእሰርቲ ኣደርሰር ተሓይሮም ዘለዉ ብኸፊል ዝበጽሓና ሰነድ ዝርዝር ኣስማት ትሕቲ ዕድመ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

source http://assenna.com/

 ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ስለያ ስርሒት ዞባ 2 ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት 372 ኤርትራውያን ተኣሲሮም ይሳቐዩ ኣለዉ።

ኣተሓሕዛ ናይቶም እሱራት ኢሰብኣዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ፡ እተን እሱራት ደቀንስትዮ ብኣባላት ሓለዋ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ተዓሚጸን ጥንሲ ከምዘጋጥመን እቲ ሰነድ ይገልጽ።

ሓንቲ ስተል መሓመድ ዓሊ ዝተባህለት ጓል 27 ዓመት እስርቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ጥንሲ ኣጋጢሙዋ፡ ሓደ እዋን ንሕክምና ባረንቱ በጺሓ ምስ ተመልሰት ብ 16 መጋቢት 2011 ኣብ ውሽጢ ሸላ ቤትማእሰርቲ ሞይታ ከምዝጸንሐት እቲ ሰነድ ይሕብር። ነቲ ዘጋጠማ ጥንሲ ሓላፍነት ዝወስደሉ ኸኣ ኣይተረኽበን።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ 2011 ዓመተ ምህረት ጥራይ፡ ሰኣን ግቡእ ሕክምና፡ ኣሮን በራኺ ተኽለብርሃን ወዲ 30 ዓመት፡ ኣድም ኣረይ፡ ከምኡ ‘ውን ሳሮን መሓሪ ጊላይ ጓል 19 ዓመት፡ ብጠቕላላ 4 መንእሰያት ሞይቶም።

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብ

 

ስም

ዕለተ ልደት

ዝተኣስረሉ ዓ.ም

1 ኣንገሶም ኣማኑአል

1996

2012

2 ሰምሃር ተኽለ

1995

2009

3 ሃይለ ኣለም

1998

2009

4 ሳባ ተስፉ ምሓሪ

1998

2010

5 ሄለን መንግስትኣብ

1998

2011

6 ኤልያስ ገብረወልዲ

1997

2012

7 ኣሮን ገብረወልዲ

1997

2012

8 ገርጊሽ መዓሾ

1996

2012

9 ስብሃቱ ወልደታትዮስ

1998

2012

10 ኣለም ሓድሽ

1997

2012

11 ናኦድ ዮናስ

1998

2012

12 ገብረብርሃን ከበደ

-

2012

13 መልኣከ ሃብተወልዲ

1998

2012

14 ዮሃና ተስፋጽዮን

1997

2012

15 ግደይ ኣለምሰገድ

1997

2011

16 ኤፍረም ኣሸብር

1996

2010

17 ሄኖክ ዮሴፍ

1998

2010

18 ተመስገን በላይ

1996

2009

19 ሰምሃር ትካቦ

1997

2010

20 ሊንዳ ትካቦ

1994

2009

21 ላሜክ ዳዊት

1997

2010

22 ኣበባ ሰለሙን

1996

2010

23 ናትናኤል ሃይሉ

1997

2010

24 የውሃንስ ሃብተማርያም

1998

2010

25 ዳዊት ገብረመድህን

1998

2010

26 ሰናይ ተስፍኣለም

1997

2010

27 ኤርትራ ቦኽረጼን

1997

2010

28 ተስፋይ ኣሮን

1998

2009

29 ማና ሃብተ

1997

2011

30 ተወልደ መብራህቱ

1998

2010

 

እተን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነተን ኣብ ስርሒት ስለያ ዞባ 2 ተኣሰኢረን ዘለዋ ድማ እዘን ዝስዕባ እየን።

ምሉእ ስም

1 ወይኒ ደበሳይ
2 ኤልሳ ሃብቶም
3 ሰናይት ተወለመድህን
4 ሰምሃር ገብራይ
5 መርሃዊት የማነ
6 ስምረት መብራህቱ ደብረጼን
7 ኣልጋናሽ ካሕሳይ
8 ለምለም ተስፋይ
9 ማክዳ ሳህለ
10 ክብራ ጸሃየ
11 ኣበባ ተስፋኣለም
12 ምብራቕ መብራህቱ
13 ኤደን ፍስሃየ
14 ምብራቕ መብራህቱ
15 መብራት ዘልኣለም
16 ግደይ ስቲፋኖስ
17 ገነት ተዓረ
18 ኣለም ትኩእ
19 ራሄል ደጀን
20 ርብቓ ኣንገሶም
21 ሳሮን መሓሪ ጊላይ

 

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሚኒስተራትን ጀነራላትን፡ ጋዜጠኛታት፡ ሽማግለታት፡ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ከምኡ ‘ውን ብብዝሒ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝፍለጡን ዘይፍለጡን ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሲሩ የሳቕዮም ከምዘሎ፡ ብዙሓት ከኣ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ጉድለት ሕክምናዊ ክንክንን ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር፡ ሓደ ሓደ ብትሑት ሲቪላዊ ገበናት ዝተኣሰሩ ውልቀሰባት ኣብ ተለቭዥን “እቲ ዘለናዮ ቤትማእሰርቲ ካብ ገዛና ይጥዕም” ከምዝብሉ እናገበረ፡ ነቲ ኣብ ምስጢራዊ ኣብያተ ቤትማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖለቲካን እምነትን እሱራት ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ክሸፋፍኖ ይፍትን ኣሎ።