ቤትማእሰርቲ ኣደርሰር ተሓይሮም ዘለዉ ብኸፊል ዝበጽሓና ሰነድ ዝርዝር ኣስማት ትሕቲ ዕድመ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
source http://assenna.com/
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ስለያ ስርሒት ዞባ 2 ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት 372 ኤርትራውያን ተኣሲሮም ይሳቐዩ ኣለዉ።
ኣተሓሕዛ ናይቶም እሱራት ኢሰብኣዊ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ፡ እተን እሱራት ደቀንስትዮ ብኣባላት ሓለዋ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ተዓሚጸን ጥንሲ ከምዘጋጥመን እቲ ሰነድ ይገልጽ።
ሓንቲ ስተል መሓመድ ዓሊ ዝተባህለት ጓል 27 ዓመት እስርቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ጥንሲ ኣጋጢሙዋ፡ ሓደ እዋን ንሕክምና ባረንቱ በጺሓ ምስ ተመልሰት ብ 16 መጋቢት 2011 ኣብ ውሽጢ ሸላ ቤትማእሰርቲ ሞይታ ከምዝጸንሐት እቲ ሰነድ ይሕብር። ነቲ ዘጋጠማ ጥንሲ ሓላፍነት ዝወስደሉ ኸኣ ኣይተረኽበን።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ 2011 ዓመተ ምህረት ጥራይ፡ ሰኣን ግቡእ ሕክምና፡ ኣሮን በራኺ ተኽለብርሃን ወዲ 30 ዓመት፡ ኣድም ኣረይ፡ ከምኡ ‘ውን ሳሮን መሓሪ ጊላይ ጓል 19 ዓመት፡ ብጠቕላላ 4 መንእሰያት ሞይቶም።
ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብ
ስም |
ዕለተ ልደት |
ዝተኣስረሉ ዓ.ም |
|
1 | ኣንገሶም ኣማኑአል | 1996 |
2012 |
2 | ሰምሃር ተኽለ | 1995 |
2009 |
3 | ሃይለ ኣለም | 1998 |
2009 |
4 | ሳባ ተስፉ ምሓሪ | 1998 |
2010 |
5 | ሄለን መንግስትኣብ | 1998 |
2011 |
6 | ኤልያስ ገብረወልዲ | 1997 |
2012 |
7 | ኣሮን ገብረወልዲ | 1997 |
2012 |
8 | ገርጊሽ መዓሾ | 1996 |
2012 |
9 | ስብሃቱ ወልደታትዮስ | 1998 |
2012 |
10 | ኣለም ሓድሽ | 1997 |
2012 |
11 | ናኦድ ዮናስ | 1998 |
2012 |
12 | ገብረብርሃን ከበደ | - |
2012 |
13 | መልኣከ ሃብተወልዲ | 1998 |
2012 |
14 | ዮሃና ተስፋጽዮን | 1997 |
2012 |
15 | ግደይ ኣለምሰገድ | 1997 |
2011 |
16 | ኤፍረም ኣሸብር | 1996 |
2010 |
17 | ሄኖክ ዮሴፍ | 1998 |
2010 |
18 | ተመስገን በላይ | 1996 |
2009 |
19 | ሰምሃር ትካቦ | 1997 |
2010 |
20 | ሊንዳ ትካቦ | 1994 |
2009 |
21 | ላሜክ ዳዊት | 1997 |
2010 |
22 | ኣበባ ሰለሙን | 1996 |
2010 |
23 | ናትናኤል ሃይሉ | 1997 |
2010 |
24 | የውሃንስ ሃብተማርያም | 1998 |
2010 |
25 | ዳዊት ገብረመድህን | 1998 |
2010 |
26 | ሰናይ ተስፍኣለም | 1997 |
2010 |
27 | ኤርትራ ቦኽረጼን | 1997 |
2010 |
28 | ተስፋይ ኣሮን | 1998 |
2009 |
29 | ማና ሃብተ | 1997 |
2011 |
30 | ተወልደ መብራህቱ | 1998 |
2010 |
እተን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነተን ኣብ ስርሒት ስለያ ዞባ 2 ተኣሰኢረን ዘለዋ ድማ እዘን ዝስዕባ እየን።
|
ምሉእ ስም |
1 | ወይኒ ደበሳይ |
2 | ኤልሳ ሃብቶም |
3 | ሰናይት ተወለመድህን |
4 | ሰምሃር ገብራይ |
5 | መርሃዊት የማነ |
6 | ስምረት መብራህቱ ደብረጼን |
7 | ኣልጋናሽ ካሕሳይ |
8 | ለምለም ተስፋይ |
9 | ማክዳ ሳህለ |
10 | ክብራ ጸሃየ |
11 | ኣበባ ተስፋኣለም |
12 | ምብራቕ መብራህቱ |
13 | ኤደን ፍስሃየ |
14 | ምብራቕ መብራህቱ |
15 | መብራት ዘልኣለም |
16 | ግደይ ስቲፋኖስ |
17 | ገነት ተዓረ |
18 | ኣለም ትኩእ |
19 | ራሄል ደጀን |
20 | ርብቓ ኣንገሶም |
21 | ሳሮን መሓሪ ጊላይ |
ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሚኒስተራትን ጀነራላትን፡ ጋዜጠኛታት፡ ሽማግለታት፡ ኣመንቲ ምስልምናን ክርስትናን ከምኡ ‘ውን ብብዝሒ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝፍለጡን ዘይፍለጡን ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሲሩ የሳቕዮም ከምዘሎ፡ ብዙሓት ከኣ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ጉድለት ሕክምናዊ ክንክንን ከምዝሞቱ ይፍለጥ።
ይኹን’ምበር፡ ሓደ ሓደ ብትሑት ሲቪላዊ ገበናት ዝተኣሰሩ ውልቀሰባት ኣብ ተለቭዥን “እቲ ዘለናዮ ቤትማእሰርቲ ካብ ገዛና ይጥዕም” ከምዝብሉ እናገበረ፡ ነቲ ኣብ ምስጢራዊ ኣብያተ ቤትማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ፖለቲካን እምነትን እሱራት ዝፍጽሞ ዘሎ ግፍዕታት ክሸፋፍኖ ይፍትን ኣሎ።