Excrept from ታሪኽ ህዝባዊ ግንባርን ምስጢራዊ ሰልፉን

 

............ኣብቲ ግዜ’ቲ ኢሰያስ ኣብቲ ብመንገዲ ሶቭየት ሕብረት ተወጢኑ፤ ብመንግስቲ ምብራቕ ጀርመን ዚእለ ዚነበረ ናይ ፖለቲካ ኮሸምሸም ብምእታው መብዛሕትኡ ግዜኡ አብ ምብራቕ ጀርመን ብምምልላስ የጥፍኦ ነበረ፡፡ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ርክብ’ቲ ጸሐፊ ውሕሉል ፈዳይ ንጉስ ምስ ’ናይ ጭቡጥ ሰነዳቱ  (Original documents)  ኣብ ኣሰና አቕሪብዎ ስለዚነበረ ንዑኡ አብዚ ደጊምካ ምጥቃስ ኣድላይ አይኮነን፡፡ እቲ ኣነ ክጠቕሶ ዝደለኹ ግን፣ ናይቲ እዋን ናይ መራሕትና ፖለቲካዊ ኮሸምሸም ብዘየገድስ፣ ደርጊ-ኢትዮጵያ ክሳብ ኣስናኑ ብዘበናዊ-ብረትን ካብ ዝተጠቕሱ የአንገድቲ ሃገራት ዓጢቑን፣ ማእለያ ዘይብሉ ወተሃደራት ዓሊሙን ድሕሪ ምፍጻሙ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ንሰራዊት ህ.ግ ንሰራዊት ተ.ሓ.ኤ ንድሕሪት ብምድፋእ መብዛሕትኡ ከተማታት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ክመልሶ ከም ዚኸኣለ ኢዩ፡፡ ነቲ እስትራትጂካዊ ምዝላቕ ዝቃወም ዝነበረ ሓይሊ ህ.ግ. ድማ ኢሰያስ ብዘይ ንሕስያ ይድርቁሶ ነበረ፡፡ እቲ ዚዓበየ አንጻር ምዝላቕ ዝነበረ ምንቅስቓስ ድማ እቲ ብኤርትራውያን ንጽነት አብ ሰሜን ኣመሪካ  EFLNA (Eritean for LiIberation in North American) ዚምራሕ ነበረ፡፡ ብሰንኪ ኢድ ኣእታውነት ወይ ብሰንኪ ኣይትፍለጡና ዚዓይነቱ ወፈራታት አብ ልዕሊ መሪሕነት EFLNA ከኣ እቲ ድሒሩ ንጸዋዒት ኢሰያስን እስትራተጂካዊ ምንስሓቡን ዚሰዓበ ማሕበር ኤርትራውያን ተመሃሮ አብ ሰሜን ኣመሪካ AESNA (The Association of Eritrean Students in North America)  አብ 1979 ዓ.ም. ተወልደ፡፡ ትሕዝቶ መልእኽቲ EFLNA ድማ፡ “ክንድይ ግዜ ጸላኢ ህድሞታትና ከፍርሶ፤ ዓታሩና ክሰብሮ፤ ጻሕሊታትና ክረግጾ“ ዚብል ነበረ፡፡ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ናይዚ ምንቅስቃስ'ዚ ከአ ዳሕራይ ግዜ ንሜዳ አትዩ ከም ዚነበረን ኣብ ሜዳ ከም ዚሞተን ኢዩ ዚፍለጥ፡፡ “ካብ ዓባይ ማኪና ጸዲፉ መይቱ“ ዚብል ጉልባብ ድማ ክውረ ጀመረ፡፡ ካልእ ከመኽንይዎ ዚኽእሉ ጕልባብ ስለዘይነበሮም ኢዩ፡፡ ኣብ ሜዳ ፐላሶታት ስለዘይነበረ ከምቲ ኣብ ኤውሮጳን ኣብ ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ’ቶም ካልኦት ዘመኽንይዎ ዚነበሩ ካብ ፐላሶ ጸዲፉ ክብሉ ኣይክእሉን ኢዮም፡፡ ግደ ሓቂስ’ኳ ኢሰያስ ባዕሉ ቅድሚ’ቲ ናይ  “እስትራተጂያዊ ምንስሓብ“ መርሆኡን፣ ህ.ግ ካብ ከተማ ደቀምሐረ ስሒባ ንከረና ምስ ተመርቀፈትን - “ድሕርዚ’ኸ ናበይ“ ተባሂሉ አብ ዚተሓተሉ “ካብ ከተማ ከረን ጸላኢ እንተደፊኡናስ ብረት ህ.ግ. ንመጎጎ“ ኢሉ ነይሩ’ዩ፡፡  እሞ ኤ.ና.ሰ.አ.’ውን ካብኡ ዚተፈልየ አይበሉን፣ የግዳስ ካብ ከተማ ከረን’ውን ምስሐብ ምስኰነ ከምቲ ናይ ኢሰያስ ግልብጥብጥ ክብሉ ኣይከኣሉን፡፡ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ነዚ ምንቕስቃስ'ዚ ዚድግፉ ዚነበሩ ውሩያት ተጋደልቲ፣ ማለት ከም በዓል ተኽለብርሃን ሓንኪሽ፤ ኪዳነ ኣበይቶ (ዓዲ ኣበይቶ) ወዘተ... ዚኣመሰሉ ተጋደልቲ ድማ ኣብቲ እዋንቲ ናብ ሓለዋ ሰውራ ምስተሳሕቡ ብድሕሪኡ ብህይወት አይተራእዩን፡፡
Read full text