ደረስቲ፥ ዳይረክተራት ፊልም፤ ስኣልቲ ፥ ኣዳለውቲን ዝርክብብዎም ስነጥበባዊያን ካብ 6 ጥሪ ጀሚሮም ብሃገራዊ ድሕነት ይቅየዱ ከምዘለዎ ተፈሊጡ ።

ገለ ካብቶም ዛጊድ ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ተቐይዶም ዘለዉ እዞም ዝስዕቡ እዮም።

ወነንቲ www.lye.tv ( Love You Erena) ናይ መረበብ ሓበሬታ youtube መንእስይ ዮናስ ደባስ ካብ ጀርመን: ኤፍሪም መንግስትኣብ ካብ ጀርመን፤ ካልእ ስማ ብንጹር ዘይተፈልጠት ኣካያዲት ትካል LYE TV ኣብቲ ዓውዲ እትነጥፍ ካብ ጀርመን ሓቢራቶም ዝመጸት ጓል ኣንስተይቲን

ደራሲን ተዋሳኣይን ዳይረክተርን ፊልም መርሃዊ መለስ

ደራሲን ተዋሳእን ዳይረኽተርን ፊልም ዳኒኤል ኣብርሃም

ዮናስ ስለሙን ሳኣላይን ዳይረክተር ስእልንዮናን ፕሮዳክሽን

ኣባል ሚኒስትሪ ዜና ደራሲን ስኣላይን ዳይረክተር ፊል ተስፊት ኣብርሃ

ካብ ክርስቲላ ሆቴል ካልኦት ስሞም ብንጹር ዘይተገልጹ ካብ ሳንሻይን ሆቴልን ክሪስታልን ተለቒሞም።

ካልኦት ስሞም ብንጹር ዘይተገልጹ ብርክት ዝበሉ ስነጥበባዊያን ብሃገራዊ ድሕነት ተለቂሞም ዛጊት ኣብ ዘይፈልጥ ተታሒዞም ከምዝተወስዱ ኣብ ቲ ዓውዲ ዝነጥፎ ወገናት ንሬድዮ መድረኽ ኣብ ዝሃበዎ ሓበሬታ ኣረዲኦም።

ካልኦት ምስዞም ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉን ምስዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ናይ ሃገራዊ ድሕነትን ተቀይዶም ዘለዎ ቅርበት ዘለዎም ስነጥበባዊያን እውን በዚ ጉዳይ ርዒዶም ከምዘለዎም ኣብቲ ዝስደዱልና ሓበሬታ ኣረዲኦም

 

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓያሎ ሰኣልቲ፣ ኣወሃሃድቲ ፊልም፣ ደረስትን ኣፍረይትን ይቕይድ

  • Radio Erena: 14 January 2017

 

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዓውዲ ስነጥበብ፣ ምፍራይ ፊልምን ሙዚቃን ተዋፊሮም ንዝርከቡ ሓያሎ ሰኣልቲ፣ ኣወሃሃድቲ ፊልም፣ ደረስትን ኣፍረይትን ይቕየዱ ምህላዎም ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ዛጊት በጺሑና ካብ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም፣ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዞም እናተኣድኑ ተኣሲሮም ዘለዉ ሰኣልቲ፣ ኣወሃህድቲ ፊልምን ኣፍረይትን፣ መርሃዊ መለስ፣ ወነንቲ ዮናን ፕሮዳክሽን ዳኒኤል ኣብርሃምን ዮናስ ሰሎምንን ይርከብዎም።

ሓያሎ ካብቶም ብሓይልታት ጸጥታ ዝህደኑ ዘለዉ ሰኣልቲ፣ ኣወሃሃድቲ ፊልምታት፣ ደረስትን ኣፍረይትን፣ ኣብቲ ብ "ላቭ ዩ ኤረና" ዝፍለጥ፣ ኣብ ጀርመን ምስ ዝመደበሩ ናይ ብዙሓት ስነጥበባውያን ፍርያት ኣብ ዩቱብ ዝዝርግሕ ዘሎ ትካል ክሰርሑ ዝጸንሑ'ዮም።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንሓያሎ ኣብ እንዳዜና ዝተመደቡ ሰኣልትን ኣወሃህደቲ ፊልምን ምስ ናይ ደገ ትካላት ትሰርሑ ኣለኹም ብምባል ከጠንቕቖዎምን ከፈራርሕዎምን ምጽንሖም ይፍለጥ።

ይኹን'ምበር ጠንቒ ማእሰርቲ'ዞም ኣብ ዓውዲ ምፍራይን ምዝርጋሕን ፊልምታትን ደርፍን ክነጥፉ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ስግረ ዶብ ሓሲቦምን ዘይሕጋዊ ባጤራ ወኒኖምን ዝብል ወረ ግና ይጋዋሕ ኣሎ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፣ ኣብ ኩሉ ጽላት ንዝነጥፉ ኣካላት ማሕበረሰብ ኤርትራ ብልዑል ናህሪ ናብ ስደት ይደፍኦ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኣብ ፊልምን ደርፊን ዝነጥፉ ስነጥበባውያን'ውን ናብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ብብዝሒ ክስደዱ'ዮም ዝርኣዩ ዘሎ።


=====================

source erena.org/zena/natl/2810-breaking-news-መንግስቲ-ኤርትራ፣-ሓያሎ-ሰኣልቲ፣-ኣወሃሃድቲ-ፊልም፣-ደረስትን-ኣፍረይትን-ይቕይድ

ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com