Home arrow ትግርኛ arrow ሰነዳት arrow ዕላል ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ምስ ሚኒስተር ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)
ዕላል ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ምስ ሚኒስተር ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) PDF Print E-mail
Saturday, 15 March 2008

Friday, March 14, 2001 Friday, March 14, 2001

ዕላል ብሕታውያን ጋዜጠኛታት ምስ ሚኒስተር ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)

"ፕረዚደንት ካብ ሕጊ ወጺኡ፡ ነዚ ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይን
ሰላማዊ ተቓውሞን ብጎነጽ...ኪድርቁስ ኪፍትን ኣይግባእን﻾"

"ካብዛ ኣካይዳ ጎብየ ትበሃል ተመዛዚት ሓረግ ክንናገፍ ከድሊ እዩ።﻾"


ሕቶ፡-ቅሉዕ መልእኽቲኹም ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶታት ጸዊዕኩም ከም እተነጽገ ይሕብር። ንኣኼባ ዘገድስ እንታይ ኩነታት ሃልዩ፡ ስለምንታይ'ከ ህጹጽ ኮይኑ? ኣኼባ ምጽዋዕከ ሕጋዊን ኣገባብን ዲዩ?

ድሩዕ፡ ማእከላይ ባይቶ ናይ ግንባር፡ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ናይ መንግስቲ፡ እቶም ዚለዓሉ ሓገግቲ ኣካላት፡ ማለት ዘለዓለ ስልጣን ዘለዎም ኣካላት እዮም። ኣብ ግንባር ልዕሊ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ልዕሊ ኣቦ መንበርን፡ ኣብ መንግስቲ ድማ ልዕሊ ካቢነ ሚኒስትራትን ልዕሊ ፕረሲደንትን ስልጣን ዘለዎም ኣካላት እዮም። ማእከላይ ባይቶ ናይ ግንባር ኣብ ኣረርባዕተ ኣዋርሕ፡ ሃገራዊ ባይቶ ናይ መንግስቲ ድማ ኣብ ሸሽዱሽተ ኣዋርሕ ምዱብ ኣኼባ ኪገብሩ፡ኣቦ መንበር ምስ ዚደሊወይ 2/3 ኣባላት ባይቶ ምስ ዚጠልቡ ድማ ካብ ምዱብ (ስሩዕ)ግዜ ወጻኢ፡ ህጹጽ ኣኼባ ክገብሩ፡ ኣብ ኣኼባታቶም (ስሩዕ ይኹን ህጹጽ) ፖሊስታት ክሕንጽጹን ስራሓት ፈጸምቲ ኣካላትክቆጻጸሩን ብመስረት ቅዋም፡ ማለት ብሕጊ፡ መሰጋገሪ ቅዋም ህግድፍ ﷽ዓንቀጽ 6﻾፡ መሰጋገሪ ቅዋም መንግስቲ ኤርትራ ﷽ዓንቀጽ 4﻾ ዝተሓንጸጸ እዩ።

ንኣኼባ ዘገድስ እንታይ ኩነታት ሃልዩ እዩ ክበሃል ኣይግበኦን። ከም ሓገግቲ ኣካላት ብዘይካኣብ ዓመታዊ ዕረፍቲ ኩሉ ግዜ እናተራኸቡ ብምስራሕ ንግንባርን መንግስቲን ዝመርሕ ፖሊስታትን ሕጊታትን ከጽንዑ፡ ክምርምሩን ክውስኑን ዝግባእ ስለዝኾነ። ከም መሰጋገሪ መድረኽግን፡ ኣኼባታቶም ኣብ ኣረርባዕተን ሸሽዱሽተን ኣዋርሕ ክኸውን ብሕጊ (ቅዋም) ስለዝተወሰነ እዩ ብቐጻሊ ዘይራኸቡ። ከምርመርን ክውሰንን ዘለዎ ፖሊስታትን ሕጊታትን ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ግንባርንመንግስቲን ፈጸምቲ ኣካላት ስራሕ ምክትታል}ውን ስለዘድሊ፡ ኣብ ምዱብ ግዚኦም ክራኸቡ ናይ ግድን እዩ።

ኣብ መንጎ ምድቡ ኣኼባታት ሓገግቲን ፈጸምቲን ኣካላት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ኣቦ መንበርን ፕረሲደንትን ኢዩ። ኣቦ መንበር ወይ ፕረሲደንት ስሩዕ ግዜ ኣኼባታት እናተመጠጠ ብዘይ ምጽዳቕ ባይቶ፡ ዘድለዮ ውሳነታት ከተግብር ከም ዝምባለ ስለዚረአ ኣብ ናትና ኮነ ኣብ ተመኩሮ ካልኦት)፡ ነዚ ተርእዮን ዝምባለን ምቁጽጻር እዩ ድማ ፍሉጥደረት ግዜ (ስሩዕ) ኣኼባ ሓገግትን ፈጸምትን ኣካላት ክህሉ ብሕጊ ዝሕንጸጽ። ነዚን ካልኦት ብባይቶ ዚጸድቁë ሕግታትን ብፈጻሚ ኣካል ኮነ ብፕረሲደንት ንኸይጠሓሱ ንምቁጽጻርን ንምምዝዛንን ከኣ እዩ ፍርዳዊ ኣካል ካብ ሓጋጊን ፈጻምን ኣካላት ናጻ ኮይኑ ዝቐውም። ኣቦመንበር ባይቶታት፡ ኣብ ምዱብ ግዚኡ ኣኼባታት ምስ ዘይዕድም ብሕጊ ምጥሓስ ኣብ ፍርዳዊ ኣካል ክኽሰስ ይከኣል እዩ። ግዝኣተ ሕጊ እንተልዩ።

ኣብ መንጎ እቲ ስሩዕ ግዜ (ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ናይ ግንባር፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ኣብ ናይ መንግስቲ) ክጽዋዕ ዘለዎ ህጹጽ ኣኼባ፡ ብመብዛሕትኦም ኣባላት ሓጋጊ ኣካላት ኣገዳሲ ኮይኑ ምስ ተረኽበ }ምበር፡ ሓደ ክልተ ስለዘደለይዎ መታን ከይከውን ድማንህጹጽ ኣኼባ ጻውዒት ኣቦ መንበር ወይ ጠለብ 2/3 ኣባላት ባይቶ ናይ ግድን ከምዘድሊ ኮይኑ ብሕጊ ተሓንጺጹ ኣሎ። ኣብ ግንባር ንኣርባዕተ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንግስቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከይኣኸለ፡ 2/3 ኣባላት ሓጋጊ ኣካል እንተዘይሓቲቶም ኣቦ መንበር ባይቶ ኣኼባ ክጽውዕ ኣይግደድን እዩ።

እዚ ነቲ ሕጋዊ ሸነኽ ናይቲ ሕቶ ዝምልስ እዩ። እንታይ ክዝረብ የደልን ኣየድልን ብዘየገድስ፡ ብሕጊ ክግበር ከምዘለዎ ዘረጋግጽ እዩ። ኣኼባ ንምግባር ዘገድስ ምኽንያት}ከ ኣሎ ዲዩ ዝብል ሕቶ} ውን ክምልሽ ዘድሊ ይመስለኒ።

ኣብ ናይ ነሓሰን መስክረምን 2000 ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶታት ተዘሪቡሎም ንመጻኢ ጉዕዞ ኤርትራ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ናይ ምሉኣት ኣባላት ግንባርን ሓፋሽ ህዝብን ዕቱብ ክትዕን ተሳታፍነትን ዝሓቱ ውሳነታት ሓሊፎም ኔሮም። ጉባኤ ግንባር ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተኣዋርሕ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ዝትከለሉ ሃገራዊ ምርጫ ድማ ኣብ መወዳእታ 2001 ክግበሩ።

ድሕሪ}ቲ ኣብ ለካቲት 1994 ዝተጋብአ፡ ሳልሳይ ጉባኤ ህግ፡ ራብዓይ ጉባኤ ኣብ ቀዳማይ መንፈቕ 1996 ክግበር}ዩ ተወሲኑ ነይሩ። ካብ}ቲ ዝግብኦ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ተመጢጡ እንሆ። ሕጂ ድማ ብመስረት ናይ ነሓሰ 2000 ውሳነ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ክሳብ መወዳእታ ለካቲት 2001 ጉባኤ ክግበር ነይርዎ። ጉባኤ ክግበር ግን ምርጫታት ምክያድ ጥራይ ኣይኮነን ዝሓተት። ጉባኤ ንስለ ጉባኤ ኣይኮነን ዚግበር።

ዝሓለፈ መድረኽ ብውድዓዊ መገዲ ምግምጋም፡ ካብኡ ዝውሰድ ምህሮ (ካብ ኣወንታዊ ጥራይ ዘይኮነ ብቐንዱ ካብ ኣሉታዊ መዳይ) ብግቡእ ኣብ ግምት ምእታው፡ ንዝጸንሓና ራእይን ዕላማታትን ብምፍታሽን ዘጋጥመና ብድሆታትን ዝጽበየና ዕማማትን ብምትንባይ ዕላማታትና፡ ስትራተጂታትናን ኣሰራርሓናን ምትዕርራይ፡ ናይ መጻኢ ጉዕዞና መገዲ ከኣ ምስኣልን ይሓትት። ንጉባኤ ዝምረጹ ኣባላት ከኣ ኩሎም ኣባላት ኣብዞም ገምጋማትን መጻኢ መደባትን ብኽፉት ምስ ተኻትዑን ምስ ተመያየጡን፡ ርእይቶታት ኣባላት ሰኒቖምን ንኣባላት ወኪሎምን እዮም ኣብ ጉባኤ ክሳተፉ ዘለዎም። ኣብቲ ገምጋም ንውድባዊ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ግንባር ንመንግስቲ ይመርሕ ስለዘሎ፡ ተመኩሮ መንግስቲ}ውን ዝምልከቶ እዩ። ብዘይካ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታትን ንኩሎም ኣባላትዘሳትፍን ገምጋም፡ ጉባኤ ምግባር ኮነ ብዛዕባ ዕለተ ጉባኤ ምዝራብ ትርጉም ኣይህልዎን። ክሳብ ለካቲት 2001 ከኣ እዚ ገምጋማትን መስርሕ ምርጫን ክውዳእ ይከኣል ነይሩ። መደናጎይን መወንዘፍን ብቑዕ ምኽንያት የለን።

ብመሰረት መሰጋገሪ ቅዋም መንግስቲ ኤርትራ ናይ 19 ግንቦት 1993 ዓንቀጽ 3/2 ዕድመ መንግስቲ ኤርትራ እንተነውሐ ኣርባዕተ ዓመት ክኸውን ስለዝውስን፡ እንተነውሐ ኣብ ግንቦት 1997 ክብቅዕ ነይርዎ። ኣብ ግንቦት 1997 ከኣ ቅዋማዊ መንግስቲ ክምስረት ነይርዎ። ነዚ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት ብደካ ካልኦት ልሙዳት ናይ መንግስቲ ስርሓት ናይ ግድን ክፍጸሙ ወይ ተነዲፎም ክጸድቁ ዝነበሮም ስርሓት ስለዝነበሩ እዩ ናይ ኣርባዕተ ዓመታት ናይ መሰጋገሪ ግዜ ዝተደልየ። ሃገራዊ ቅዋም፡ ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሕጊ ፕረስን ካልኦት ንምምስራት ቅዋማዊ መንግስቲ ዘድልዩ ሕግታትን ካብ}ቶም ቀንዲ እዮም።

ኩሎም እዞም ሕጊታት እዚኣቶም ቅድሚ ግንቦት 1997 ተወዲኦም ቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ እዋኑ ክምስረት ኣይከኣልን ኔሩ ዲዩ ዝብል ሕቶ ሓደ ካብቲ ክግምገም ዘለዎ እዩ። ብወገነይ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮን፡ ኣብዉውን (ብግቡእ ንከይሰርሕ ብቑዕ ምኽንያት ከኣ የለን) ኩሉ እቲ ንምምስራት ቅዋማዊ መንግስቲ ክግበር ዝነበሮ፡ ኣብ እዋኑ ክፍጸም ይከኣል ነይሩ እብል። ናይ ባይቶ ማለት ናትካ ድኻም ጥራይ እዩ።

ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ናይ መስከረም 2000 ኣኼባኡ ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ነዲፉ፡ ናብ ህዝቢ ንክትዕ ኣውሪዳን ርእይቶታት ኣኪባን ናብ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ንምጽዳቕ ከተቕርብ እተመዘዘት ኮሚቴ ቆይማ ኔይራ። ሃገራዊ ባይቶ ዝሃባ ስራሕ ብፕረሲደንት ብዘይኣገባብ እንተዘይዕገት፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ 2001 ንህዝባዊ ክትዕ ቀሪባቶ ዝነበረት ንድፊ ሕጊ ፖለቲካዊ ስልፍታት ዋላንሰለስተ ኣዋርሕ ክትዕ እንተዚግበረሉ ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ 2001 ንምጽዳቕ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ክቐርብን ክጸድቕን ምኸኣለ ነይሩ። ቅድሚ ሃገራዊ ምርጫ ናይ ታሕሳስ 2001 ከኣ ብውሕዱ ናይ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዕድመ ምነበሮ ነይሩ።

እቲ ንድፊ ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንዝሓለፈ 3-4 ኣዋርሕ ﷽ደስኪሉ﻾ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝምልከታ ኮሚቴ ብዘይትፈልጦ መገዲ ሕጂ ንክትዕ ወሪዱን፡ ኣብ ወጻኢ ንኣብነት ኣብ ኣመሪካ ብውሑዳት ሰባት ኣብ ብዙሓት ከተማታት ነቲ ክትዕ መታን ክመርሑ ምኽኑይ ዘይኮነ ነዊሕ ጊዜከምዝወስድ ይግበርን ኣሎ። ዕላምኡ ድማ ናይ ምርጫ ግዜ ክሳዕ ዝኣክል ኣጽኒሕካ ትርጉም ከምዘይህልዎ ንምግባር እዩ። ብግዜ ኣመኽኒኻ ቅዋማዊ መሰል ህዝቢ ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ምርጫንምንፋግ ከም ናይ ሓጺር ዕላማ፡ ነቲ ሓደ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ወይ ውድብ እምበር ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክህልዋ የብለንን ዝብል ናይ ስልጣን ምብሓት ወይ ምልኪ ኩነት ንምፍጣር ከኣ ከም ናይ ሓዋሩ ዕላማ ጌረ ጥራይ እየ ኣነ ክርድኦ ዝኽእል። እዚ ድማ ነቲ ህ.ግ. ኣብ ናይ1987 ካልኣይን ናይ 1994 ሳልሳይን ጉባኤታቱ፡ ህዝቢ ኣብ ግንቦት 1997 ብምጽዳቕ ሃገራዊቅዋሙ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ መስከረም 2000፡ ዝወሰንዎ ምንጻግን ምኽሓድን እዩ። ቀንዲ ሕመረቱ ድማ ዚተፈላለየ ኣረኣእያታት ክህሉን ክጸዋወርን ተፍቅድ}ዶ ኣይተፍቅድን ዚልክዕን፡ ህዝቢ ዝተፈላለየ ኣማራጺ ሓሳባት ኪቐርበሉን ናጻ ድሌቱ ክመርጽን መሰሉ ትሕልወሉ}ዶ ኣይትሕልወሉን ዝመስክር ጭቡጥ ኩነት እዩ።

ህዝቢ ብናይ ጸላኢ ወራር ተመዛቢሉ ዓዱ ከይተመልሰን ኣብ ሕማቕ ኩነታት እናሃለወን፡ ኣዴታት ናይ ስዉኣት ደቀን ሓበሬታ ከይፈለጣ፡ ናይ ሰላምን ውግእን ኩነታት ናበይ ከምዘብል ከየፍለጠ፡ ኣብዚ ሕቶታት}ዚ ዝፈላሊ ነገር ከይሃለወ፡ ስለምንታይ ምርባጽ፡ ስለምንታይ ህጹጽ ይኸውን፡ዝብል ሕቶ ይለዓል እዩ።

በቲ ግሩህ ዓይኒ፡ ናይ ግቡእን ቅዋማዊ መንግስቲን ሕቶ፡ ናይ ምርጫታትን ሓለፍቲ ምቅይያራትን ወይ ንሂወት ናይ ህዝቢ ብቐረባ ዘይጸሉ ክልሰ ሓሳባዊ ምውስዋሳትን ጌርካ ብምውሳድ እንተጸንሓልናን እንተተደናጎየን እንታይ ኣለዎ ክበሃል ይከኣል ይኸውን። ሕቶ ጉባኤ ግንባርን ምምስራት ቅዋማዊ መንግስትን ምርጫታት ዝሓትት}ኳ እንተኾነ፡ ብቐንዱ ግን ብተሳትፎ ህዝቢ ሓቀኛገምጋም ምግባርን ናይ መጻኢ ዕድል ንጽቡቕ ውሑስ ምግባርን ጉዳይ እዩ።

ስለምንታይ ጸላኢ ብዙሕ ካብ መሬትና ሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ቁጠባናን ዓቢ ጉድኣት ኣስዒቡ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ግጥምን መኸተን ስለምንታይ ከምቲ ዝተተስፎናሉን ትጽቢት ዝገበርናሉን ዘይኮነ፡ ነዚ ዝወረድና ጉድኣት ስውኣትን ስንኩላንን ወሲኽካ ከነወግድ ወይ ከነውሕድ ንኽእል}ዶ ነይርና፡ ድሕሪ ሕጂ}ኸ ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ከይቅጽል፡ ምናልባት}ውን ምስ ካልእ ነገር ኲናት

ከይውላዕ እንታይ ክንገብር የድሊ፡ ኤርትራ ኣብ ቀጻሊ ቅልውላውን ስግኣትን ከይትኣቱን ናይ ደሞክራስያዊ ምስግጋርን ናይ ልምዓት መደባትን ከይዕንቀፍን ከይኩለፉን ጉዳያት ብኸመይ ንሓዞ፡ ወሪዱና ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ሽግራት ንምፍታሕ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ገዚፍን እዋናውን ደገፍ ስለዘድሊ ቅድሚ ሕጂ ተበላሽዩ ዝጸንሐ ምስልና ኣዐሪና ምስ ዓለም ብኸመይ ንዋሳእ፡ኩሉ መንእሰይን ዓያዪን ጉልበትና ኣብ ወተሃደራዊ ሜዳ ተጸሚዱ ስለዘሎ፡ ብኸመይ ብዝቐልጠፈነጣይስን፡ ሽግር ስድራቤቱን ሽግር ሃገርን ንኪፈትሕ ብኸመይ ንሕዞን፡ . . . ወዘተ ዝብሉ

ሕቶታት ብተሳትፎ እቲ ኣደራዕ ናቶም ዝኾነ ህዝቢ ክግምገሙን፡ ክጽንዑን ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰደሎምን ዘድልዩ እዮም። ሕቶ እንጌራ፡ ሕቶ ሰላም፡ ሕቶ ቅሳነትን ጎደና ጽቡቕ ትንቢትን ራህዋን ስለዝኾኑ፡ ይጽነሑለይ ዘይበሃሉን ዘየላብዉን ኢዮም። ሕቶ ምርጫን ሕቶ ﷽ኮረይትን﻾ ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ ከም ድላይካን ንቐጻልነትን ምጥጣሕን ስልጣንካ ንምውሓስ ክውንዘፉ ዘለዎም ኣይኮኑን።

ኣብ ናይ 30 ዓመታት ሓርነታዊ ኲናት ናይ ዝተሰውኡ ደጋኑ ኣስማት ክንገር እንከሎ፡ ሓንቲ ኣርባዕተ ደቃ ዝተሰውእዋ ኣደ ከይበኸየት ተሪፋ}ስ ንምንታይ}ደኣ ዘይትበኽዪ ተባሂላ ምስ ተሓተተት፡ ﷽ካብ ገዛ ምስ ወጹ ምእንቲ ሃገር ንመስዋእቲ ስለዝሃብክዎም እየ። ንሳቶም ተሰዊኦም ናጽነታ ዝረኸበት ሃገር ከም}ቲ ዝተመነይዎ ሕግን ፍትሕን እንተዘይነጊሱላ ግን ሽዑ እዩ ዝበኪ﻾ኢላ ይበሃል። ሕጂ}ውን ሃገር ንምክልኻል ዝተረፉ ደቃ ዋል}ውን እንኮ፡ ዘፋነወት ኣደ ንመስዋእቲ ሂባቶም ስለዝኾነት ጽባሕ ንግሆ ናይ ስውኣት ክግለጽ እንከሎ፡ ናይ ቅድሚ ሕጂስ ርኢናዮ፡ ድሕሪ ሕጂ}ኸ ዋጋ መስዋእቶም ህዝብን ሃገርን ሕጊን ፍትሕን ከስተማቕር ድዩ ከም ትብል ዝፍለጥ እዩ። መን ተሰዊኡ መን ስንኪሉ መን}ከ ብድሓን ወጺኡ ካብ ምቁጽጻር ኣደታት ወጻኢ ስለዝኾነ፡ ብዋጋ መስዋእቲ ክርከብ ዘለዎ ሕጊ፡ ፍትሒ፡ ስላምን ራህዋን ኮነ ካልእ ተወሳኺ መስዋእቲ ከይስዕብ ንምውጋድ ብዛዕባ ክግበር ንዘለዎ፡ ብማዕረ}ዉቲ ናይ ዝተሰዉኡ ደቀን ንክንገራ ዘለወንድሌት ዝኸይድ ይመስለኒ።

ሓቀኛን ህዝቢ ዚሳተፎን ገምጋም ምግባር፡ ዝተመዛበለ ህዝቢ ዓዱ ናይ ምምላስን መነባብርኡ ናይ ምምሕያሽ ጉዳይን ዘውሕሰሉ መገዲ ምዝታይ ማለት እዩ። ኣብ ሰነን ታሕሳስን 2000 ዝተፈረመ ናይ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ሓፈሻዊ ውጥን ሰላምን ውዕላትን፡ ምእታውን ዓቃቢ ሰላም ሰራዊትን ምቋም ናይ ዶብን ካሕሳን ዝውስና ኣካላትን፡ ምዝናይ ይደሊን ኣብ ትግባረ ሓደ ሓደጸገማት ኣይጓንፍን ኢዩዉኳ እንተዘይተባህለ፡ መስርሕ ሰላም ንድሕሪት ኣብ ዘይምለሰሉ ዘተኣማምንደረጃ በጺሑዉሎ ክበሃል ይከኣል። ናይ ዶብን ካሕሳን ኣካላት ምቛመን ከኣ ዝወስዶ ግዜ ብዘየገድስ ከም ውዱእ ክውሰድ ዘለዎ እዩ። ምስ ናይ የመን ዝነበረና ምስሕሓብ 3 ዓመታት ስለዝወሰደእዚ ከኣ ንክብየን ክንድኡ ግዜ ክወስደልና እዩ ክትብል ዘይከኣልዉኳ እንተኾነ፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክሳብ ሽዑኡ ክጸንሕ ስለዝኾነ፡ ኲናት ንከይውላዕ ክገትእ ይኽእል እዩ። ስለዚ ዶብ ከይተመልከተ ስለምንታይ ምህዋኽ ዝብል ርእይቶ ነቲ ኩነታት ካብ ዘይምፍላጥ ወይ ከኣ ኮነ ኢልካ ግዜ ምምጣጥ ክኸውን ይኽእል።

ጉባኤ ክግበርን ቅዋማዊ መንግስቲ ክምሰረትን ኩሉ ዝኣምነሉን ዝቕበሎን ስለዝኾነ ፍልልይ የለን፡ ስለዉዚ ንምንታይ ምርባጽ ይበሃል እዩዉውን። ብኡኡ ምእማንን ንትግባረኡ ጭቡጥን እዋናዊንስጉምቲታት ምውሳድን ግን ይፈላለ እዩ። ናብ ምርጫታት ምጒያይን ቅድሚኡ ንሓራ ገምጋም ምዘëእ ኩነታት ፈጢርካን ገምጋም ጌርካን ናብ ምርጫታት ምኻድን ኣዝዩ ዓቢ ፍልልይ ኣለዎ።

ገምጋም ከይገበርካ ዕለተ ምርጫታት ምኽባር ትርጉም የብሉን። ትግባረ ጉባኤ ግንባርን ምምስራት ቅዋማዊ መንግስትን ከም ዕላማ ኣገዳሲዉኳ እንተኾነ ናብኡ ንምብጻሕ እንኽተሎ መገድን ኣገባብንዉውን ማዕሪኡ ኣገዳስነት ኣለዎ። ካብኡ ተረፈ ቦጅቦጅ እዩ ዝኸውን።

ስለዚ ምዱብ ኣኼባታት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶታት ኣብ እዋኖም ክጋብኡ ሕጋውን ኣቦ መንበር ክጥሕሶ ዘይግባእን እዩ። ቅድሚ ሕጂ ስለዘይተዘውተረ ክግበር የብሉን ክበሃል ኣይከኣልንእዩ። ምስ ግዜ ካብ ጽቡቕን ሕማቕን እናተመሃርካ ስለዉዚ ምዕቡልን ሕጋዊ ኣሰራርሓ ምክታል ጥዑይ ሃዋሁ ስለዝፈጥርን ምዱብ ኣኼባታት ኣብ እዋኖም ክካየዱ ዘገድስ ሕጋዊ ስለዝኾነ ጥራይኣይኮነን። እዚ ዘሎናዮ እዋን ኣዝዩ ተነቃፊ፡ ተሃዋሲን ወሳንን ስለዝኾነዉውን። ኣብዛ እዋን እዚኣንገብሮ ገምጋም ንወስዶ ስጉምትታትን ንዝመጽእ 5 ዓመታትን ኪኖኡን እዛ ሃገር እዚኣ እንታይክትከውን እያ ዝውስንን ስለዝኾነ። ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ጉጅለ ንዝመጽእ 5 ዓመታት ቀጻልነት ስልጣኑ ንምርግጋጽ ቲኬት ዘቝርጸሉ ተዋስኦ እንተኾይኑ፡ ህዝቢ ኣይክረብሕን እዩ። መንይመጽእ ኣብ ስልጣን ብዘየገድስ፡ ቅሳነት፡ ራህዋን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ስርዓተ ሕግን ፍትሕንደሞክራስን ዝሰፍነላ ሃገር ውሑስ ንምግባር እንተኾይኑ ከኣ ድሌትን ሃንቀውታን ህዝቢ እዩ።

ዝሓለፈ መንፈቕ እቲ ዝድለ ዘሎ ክፉት ገምጋማት ንከይግበር ዝዕንቅፍ ነገር ኣይነበረን። ንምኽኑይን ዘይምኽኑይን ነገር ደፋእ ኢልካ ኣካይዳ ጎብየ ምኻድ ኣይመምከርን። ሓደ ከምዝበሎ ቀደምዓቢ ዓሳ ንንእሽቶ ዓሳ ይበልዕን ይስዕርን ነይሩ። ኣብዉዛ ዘመናዊት ተወዳዳሪት ናይዉዚ እዋንዉዚ ዓለምና ግን፡ ዝቐልጠፈ ንጎሳስ ስለዝስዕር፡ (ቀስ እንተዉይልካ ትርገጽ!) ኣካይዳ ጎብየ ኣየዋጽእን።ስለዉዚ እቲ ብሰሪ እኹል ሓበሬታን ኣፍልጦን ግዚኡ ኣይኮነን ዝብል ርእይቶ ዝጸንሖ ካብዛ ተመዛዚት ሓረግ እዚኣ ክናገፍ ከድሊ እዩ።

ሕቶ፡- ዝምልከቶ ወገን ስለምንታይዩ ጠለብኩም ንኣኼባ ባይቶታት ዘይተቐበለ?

ድሩዕ፡ እዚ ሕቶዉዚ ዝምልከቶ ማለት ኣቦ መንበር ባይቶታትዉዩ ክምልሶ ዘለዎ። ዚኾነ ይኹን ኣባል ባይቶ ኮነ ዜጋ ግምታቱ ክገልጽ ግን ዝኽእል ይመስለኒ። ብፍላይ ድማ ኣኼባ ዝጠለበ ኣባል።

ሕጋዊ ስለዘይኮነ ክብል ኣይክእልን እዩ። ሓደ ይኹን 15 ኣባላት ባይቶ ከይጠለቡዉውን ኣብ ስሩዕ ግዚኡ ክግበር ስለዝነበሮ።

ብእኩብ ስለምንታይ ተሓቲቱ እንተኾይኑ ከኣ ቀዲሙ ክሕተት ዘለዎ ስለምንታይ ኣብ ግዚኡ ዘይተገብረ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ብእኩብ ምሕታት ዘኽልክል ሕጊ ከኣ የለን።

ስምዒታት ገኒኑ ስለዘሎ ኣኼባ ጫቕጫቕ ክብልን ፍረ ኣይርከቦን እዩ ተባሂሉ እንተኾዕይኑ ፍልልይ ርእይቶታት ምህላው፡ ስምዒታትዉውን እንተተሓወሶ፡ ንኣኼባን ስራሕን ባይቶታት ዘሀብትም፡ንጉዳያት ብተፈላለየ ኩርናዓት ንምጥማት ዘኽእል፡ ስምዒታት እንተሎ ከኣ ነገራት ኣጻሪኻ ምትእምማንን ናይ ርእይቶ ፍልልይ ሃልዩካ ምጽውዋርን ብሓባር ምስራሕን ዕድል ዝህብዉምበር፡ ክልተ

ጸጒሪ ኣብ ዘብቆሉን ነዊሕ ተመኩሮ ኣብ ዘለዎምን እምባጋሮ ይፈጠር ማለት ኣይኮነን። ነዚ ድማ ዘጠፍኦ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን።

ተቓውሞን ነቐፌታን ከይመጽእ ተባሂሉ እንተኾይኑ ተነቂፉ ዘይፈልጥ ቀጨውጨው ክብሎዝኽእልዉኳ እንተኾነ ናቱ ጥራይ ዘይኮነ ናይቶም ዘይነቅፉ ጉድለትዉውን ስለዝኾነ ናይ ሓባርትምህርቲ ክውሰዱ ዝግባእ እምበር ዝህደመሉ ክኸውን ኣይግባእን።

ክነቅፉኻ ወይ ንሓሳብካን ድሌታካን ክቃወሙ ንዝኽእሉ ሰባት ኣቐዲምካ ብኻልእ መገዲ ሕሳብካ ንምዕጻው ወይ ንከምኡ ንዝሕግዘካ ኩነታት ንምፍጣር እንተኾይኑ፡ ስልጣን ዝሓዘ ኩሉ ነገር ክገብር ስለዝኽእል፡ ሕሳብ ክዓጹውን ይኽእል። ነቲ ርእይቶ ክቐትል ግን ኣይክእልን። ስለዉዚ ዘይሩ ዘይሩ ፋይዳቢስ እዩ ዝኸውን።

ምናልባት ኣነ ዘይግምቶ ምኽንያትዉውን ይህሉ። ብዝኾነ በዚ ይኹን በቲ ምኽኑይ ኣይኮነን።ልዕሊሕጊ ምኻድ ስለዘይግባእ።

ሕቶ፡- ማ/ቤ/ጽ ህግደፍ ዘሕጋዊ ጎስጓስን ዘመተን ንህዝቢ ከምዘካየደ ይግለጽዉዩ። እቲ ጎስጓስ እንታይ ዝዓለመ እዩ ነይሩ?

ድሩዕ፡ ማ/ቤ/ጽ ህግደፍ ኣብ ጥሪ 2001 ብዘውጽኦ ﷽ሳልሳይ ወራር ወያነን ዝተኸተሎ ፖለቲካዊ ዘመተታትን ወረቐት ዘተ﻾ ዘርእስቱ ጽሑፍ፡ መደመርያ ኣብ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን መንግስታዊ ትካላትን ሓለፍቲ ጉጅለታትን ቀጺሉ ድማ ኣብ ኩሎም ኣባላት ህግደፍ ሰሚናራዊ ዘመተ ኣካይዱ። እቲ ጽሑፍ ሰሚናራትን ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ከም ኣካላት ዘይፈልጥዎን ዘይመረቕዎን እዩ፡ ስለዉዚ ድማ ዘይሕጋዊ እዩ። ኣባል ማእከላይ ባይቶን ከም ሚኒስተር ላዕለዋይ ሓላፊ ህግደፍ ኣብ ሚኒስትሪን ኮይነን ጸኒሐን ክሳብ ሕጂ እዚ ናይ ሰሚናር ጽሑፍ እዚ ብወግዒ ኣይተዋህብኩን። ደሓር ኣብ ኢንተርነት ስለዝተዘርግሐ ግን ብኮንትሮባንድ ረኺበዮ ኣለኹ። ኣንባቢ ሚዛን ክህልዎ ከኣ ንጋዜጣ ሓዳስ ኣድማስ ሓቲማ ከተውጽኦ ኣወፊየላ።

ዕላማቲ ጽሕፉን ሰሚናራትን፡ እቲ ጽሑፍ ባዕሉ ከምዝገልጾ፡ ﷽ድሕሪ ሳልሳይ ወራር ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ምግምጋምን፡ ክካየድ ዝጸንሐ ምድንጋራት ንምብራህን፡ ንዝተቀልቐለ ኣሉታዊ ተርእይቶታት ንምምካት እዩ﻾ ይብል። . . . መዛረብን መደናገርን ፖለቲካዊ ኣርእስቲ እናተሳእነብዘይ መጠን ድማ፡ ሳላ ተሪር ቃልስና ክድፈር ዘይጸንሐ ምክዋስ ትሕተ-ሃገራዊ ስምዒታትን ካልእ ግዕዘይን ይረአ ኣሎ። ኣባላት ግንባርን ህዝብን ነዚ ሃዋሁዉዚ ንምጽራይ ቅድሚ ጉባኤ ቀጻሊዘተ ክካየድ ክሓቱ ጸኒሖም እዮም ከኣ ይብል።

ካብ ዘጠቕሶም ዕማማት ኩሉ ኣቓልቦ ህዝብና ኣብ ዕላማናን ዕማማትናን እናሃለወ ብውሑዳት ዝካየድ ኣዕናዊ ናይ ሓሶትን በለጽን ዘመተታት ኣይተሳእነን። እዚ ውሽጣዊ ዘመተታት ንምእራምንምዕራይን ዝካየድ ኣይኮነን። ብኣጠቓላሊ ብውሑዳት ንዓበይቲ ዓወታትን ምዕባለታትን ምኽሓድ፡ ንሕጽረታትን ጉድለታትን ምግናን፡ ንኹሉ ጸለሎ ምቕባእ፡ ክሳብ ሃገር ጸገማት ከጋጥማ ምምናይኣይተሳእነን ይብል። ጠንቁ ድማ ውጺኢት ሳልሳይ ወራር ጥራዩዉኳ እንተዘይተባህለ፡ ካብኡ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ኣብ ሳልሳይ ወራር መዳርግቲ ዘይብሉ ጽንዓትን መኸተንዉኳ እንተተራእየ፡ ኣብ ውሑዳት ዘርባዕባዕን ናይ ተሳዓርነት መንፈስን ንሱ ዚጠንቁ ዘረባታትን ተግባራትን ነይሩ እዩ ድሕሪ ምባል ንውሽጣዊ ሃዋሁ ምጽራይ ይጽውዕ።

እቲ ኣንጻሩ ዘመተ ክግበር ዚጠቐስዎ ﷽ዝረባታት﻾ ኣብ 6 ኣርእስቲ ከፋፊሎም ብምቕራብ ሓደ ብሓደ ይዛረብሉ። ጉዳይ ኲናት ምስ ወያነን ስላምን፡ ዲፕሎማስያዊ ኩነታትና፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ምዕባለ፡ ትግባረ ቅዋምን ደሞክራስን፡ ግንባርን ተርኡን፡ ኣጠቓላሊን። ኣብ መጠቓለሊ፡ ኣዚዮም ውሑዳትውን ይኹኑ፡ ካድረታትን ሓለፍትን ግንባር፡ ብተፈላለየ ምኽንያታት (ስንባደ፡ ተስፋ ምቁራጽ፡ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም፡ ካብ ሓላፍነት ተገሊልና ወይ ቦታ ንኢሱና ብምባል፡ ፖለቲካዊ ሕሳባት ንምዕጻው) ኣብቲ ዘመተ ተኻፈልቲ ኮይኖም ይብል።

ንገምጋምን ንምእራምን ዝቐረበ ሓሳባት፡ እንተሎ ኣብ ባይቶታት፡ ዘይመልክዑን ዘይትርጉሙን ኣትሒዝካ ብምጥምዛዝ ምስ ናይ ጸላኢ ፕሮፓጋንዳ ጥራይ ዘይኮነ ንምዕዋት ኣጃንዳ ጸላኢ ከም ኣገልጋሊ ጌርካ ብምትሕውዋስ ስለዝቐረበ ኣብ ክንዲ ንዘተ ንምጥቃዕ ሃዋሁ ክፍጠር ዝዓለመ ምንባሩ ርዱእ እዩ። ካብዉቲ ጽሕፍቲ ወጻኢ፡ እቶም ኣካየድቲ ሰሚናርን ዝተቃነዩ ኣንጨብጨብትን ኣጎሃሃርትን (መንግስቲ ደንጉዩ ክእሰሩ ኣለዎም!) ዝፍንውዎ ዝነበሩ ዘረባታት ነቲ ውዲት ቁልጭ ኣቢሉ ኣቃሊዕዎ እዩ።

ኣብ ጉዳይ ኲናት ምስ ወያነን ሰላምን፡ ብዛዕባ ኣደማምራን ኣመዓባብላን እቲ ኩናትን መስርሕ ሰላምን ይትረፍ ካድረታትን ሓለፍትን፡ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ርእይቶታትን ውልቃዊ ግምቱን ገምጋሙን ክህልዎ የብሉን ዲዩ? እዚ ኲናትዉዚ ጥቕሚ ስለዘይብሉን፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ጠረጴዛ ብሕጋውን ሰላማውን መገዲ ጥራይ ስለዝፍታሕን፡ እንተላይ ከም ዘይጅምር ንምግባር፡ ምስ ተደመረ ድማ ቀልጢፉ ከምዝቑጸ ንምግባር ክግበር ዝግብኦ ኣይነበረን ድዩ ኢሉ ክመራመርን እኽል ሓበሬታ ረኺቡ መደምደምታ ክህብን ኣይግባእን ድዩ? ነቲ ኲናት ብግቡእ ተቐሪብናሉዉዶ፡ ኣብ ምምካትዉከ ብግቡእ ስሪሕናዉዶ? ብዛዕባናን ብዛዕባ ጸላኢን ዝነበረና ግምታትን ሕሳባትን ልክዕዉዶ ኔሮም? ጸላኢ ኣብ ኩናት ንክስዕረና እንታይ ጸጋታት ኣዋፊሩን ክሳብ ክንደይ ብኣድማዕነት ተጠቒሙሉን? ብኣንጻሩ ንሕናዉኸ? እቲ ኣብ መወዳእታ ዝተቐበልናዮን ዝተሰማማዕናሉን ውጥን ሰላም ካብዉቲ መደመርያ ዝቐረበልና ዝፍለ ድዩ? መሰረታዊ ፍልልይ ዘይብሉ እንተኾይኑ ስለምንታይ መደመርያ ዘይተቐበልናዮ? ባድመ ምስ ተታሕዘት ባይታ ንስምምዕ፡ ዓቢ ክፋል መሬትና ኣብሳልሳይ ወራር ምስ ተታሕዘ ድማ ብምሉኡ እቲ ውጥን ሰላም ምቕባልና ከመይ እዩ? . . . ወዘተ ዝብሉ፡ ኩነታትን ውድዓዊን ገምጋም ክግበረሎም ዝግብኡ እዮም።

ካብ ሓቂ ንምህዳምን ጉድለታት ንምሽፋንን፡ ንገምጋምን ንምእራምን ንዝቐረቡ፡ ብዙሓት ካብኦምድማ ኣብ ባይቶታት ዝተዘርቡ፡ ርእይቶታት ምስ ናይ ጸላኢ ዕላማን ኣደንዳን ኣመዓራሪኻ ከተቕርቦምን፡ ንበሃልቱ ከም ሓገዝቲ ጸላኢ ክትወቅዖም ምፍታን፡ ቅኑዕ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንናጻ ርእይቶታት ምዕፋንን ምቕታልን እዩዉውን።

ኣብ ግዜ ሳልሳይ ወራር፡ ምስቲ ናይ ባድመ ተመክሮን ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበረ ናይ ርእሰ ተኣማንነት ጎስጓሳትን፡ ዝተራእየ ሃንደበታዊ ምዕባለታትን ህዝቢ ዘይተጸበዮን ክቕረበሉ ዘይተገብሮን ኣደራዕን፡ ይትረፍ ህዝቢ እኹል ሓበሬታ ዘይነበሮም ሓለፍትን ካድረታትንዉውን ብዙሕ ሓዚኖምንተቖጢዖምን እዮም። ተቐሪብናሉ ኣሎና ዝበሃል ዝነበረ ስለምንታይን ካብ መደመርያ መዓልትን ብኸመይ ተደፊእና ኢሎም። ብቐንዱ ግን፡ ካብ ናይ ባድመ እንታይ ተማሂርናን ስለምንታይ ክንጥቀመሉ ዘይከኣልናን። ኣብ ወተሃደራዊ ግጥም ንቕድሚት ክትደፍእ ወይ ከኣ ኣብ ዘይጠዓመካ ንድሕሪት ክትምለስ ዝነበረን ዝህሉን እዩ። ካብ ናይ ባድመ ተማሂርና ኣብ ዝጥዕመና ግዜን ቦታን ጥራይ ኢና ንዋግእ ብዝብል መምርሒ ድሕሪ መስመር ኲናት ዘሎ ህዝብናን ፕሮፓጋንዳናንስለምንታይ ኣየቕረብናን ዝብል ግን ንኹሉ ኣቖጢዑ። ህዝቢ ዓቢ ኣደራዕ ስለዝወረዶ ኣብቲ ተኣፋፊ ህሞት ፕሮፓጋንዳና ለሚሱ ህዝቢ ኩነታት ኪከታተል ክሳብ ራድዮ ወያነ ክስምዕ ስለዝተገደደን።

ኣብቲ እዋንዉቲ በቲ ዘጋጠመ ጸገም፡ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ወይ ካድር፡ ከምቲ ኣብ 1967 ንምስሪ ኣብ ኲናት ጸገም ምስ ኣጋጠማ ፕረሲደንት ደማል ዓብደል ናስር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ንህዝቢ ዝሓተት፡ መንግስቲ ወይ ፕረሲደንት ኤርትራዉውን ካብ ስልጣኑ ክወርድ ንህዝቢ ክሓትት ኣለዎ እንተተባህለ ዘየብልን ነውሪን ድዩ? ዕላማ ወያነ ምትግባር እዩ ተባሂሉ ክውሰድን ክሕተት ዘለዎን ድዩ? ዝኾነ ሓሊፉ ክውሰዱ ናይ ይሓይሽ እዩ ዝበሎ ወተሃደራዊ ኣማራጺታት (ምስ ዘለዎ ሓበሬታን ግምታትን) ርእይቶ ክህብ ኣይክእልን ዲዩ? ናይ ዓቕምኻ ግምት እንተኣንኢስካን ናይ ጸላኢ ዓቕሚን ናይ ምግባር ክእለትን እንተኣዕቢኻን ናይ ምዝላቕ፡ ናትካ ዓቕሚ ኣዕቢኻ፡ ናይ ጸላኢ ዓቕሚ እንተኣነኣኢስካ ናይ መጥቃዕቲ፡ ርእይቶ ክትህብን ብሰንኪ ርጉጽ ሓበሬታታት ዘለይምህላው ቅኑዕ ትንተናታት ኣብ ዘይምግባር እቲ ክውን ከም ካልእ እንተኾይኑ፡ እቲ ቀዳማይርእይቶ ብተሳዓርነት፡ እቲ ካልኣይ ርእይቶ ብዓንዳሪነት የኽስስ ዲዩ? ብዙሕ ተመክሮ ስለዝሓለፍናሕጂ ብርእይቶ ምሃብ ጥራይ ናብ ከምዚ ምውንጅጃል ክንከይድ ኣየምሕረልናን። ንዝተወስደ ስጉምቲታ ገምጊምካ ካብኡ ትምህርቲ ምውሳድ ግን ይግባእ።

ኣብ ኲናት ዘይወዓለ በሊሕ ከምዚበሃል ንወተሃደራዊ ኩነታት ምንቃፍ ቀሊል እዩ። ኣብ ማ/ቤ/ጽ ህግደፍ ዘለዉ ብጾት ጥይት ተኲሶም ዘይፈልጡዉኳ እንተዘይበልኩ፡ ሓንቲ ውግእ መሪሖም ዘይፈልጡ፡ ክነሶም ኣብ ሓርነታዊ ኲናት ክንደይ ውግኣት መሪሖምን ኣዐዊቶምን ንዝመጹ ክኢላታት ሓለፍቲ ኣብ ሳልሳይ ወራር ብመንፈስ ተሳዓርነት ክኸሱ ዘይግባእን ካልእ ዕላማ ከምዘለዎ ዝእምትን እዩ። ብዝወሓደ ነቲ ዘጋጠመ ጸገም ንምሽፋን፡ ብዝዓበየ ከኣ ቅድሚ ጉባኤ ኣጸሊምካ ንምጥቃዕ ኮይኑ ክትርጎም ይከኣል።

ሕቶ፡- ርእይቶታኩም ብቕሉዕ ናብ ህዝቢ ምግላጽኩም እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል? ናይ ዝኾነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲዉኸ መን ኢዩ?

ድሩዕ፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ሓደ ፍጻሜ ወይ ኣጋጣሚ ተዘክረኒ። ሓምለ 2000 ብናይ ስራሕ መገሻ ብፍራንክፈርት እሓልፍ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ፊስቲቫል ኤርትራውያን ይኽፈት ኔሩስ ንሳቶምነቲ ፈስቲቫል ዝመርሑን መግለጺ ዝህቡን ዝነበሩ ሓለፍቲ ብዛዕባ ኩነታት መስርሕ ሰላም ንእሽቶመብርሂ ክህብ ተዓዲመ ሂበ ነይረ። ኣብ ግዜ ሳልሳይ ወራር ምስዉቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ትጽቢት ዘይተገብረሉ ዝወረደ ዓቢን ኣሰቃቕን ኣደራዕን ኣብ ፈለማ መዓልቲ ውግእ መንግስትና ብወገን ሓበሬታ ናይ ዘይምሃብ ጥርቅም ዝፈጠሮ ክሳብ ሕማም ዘስዓበ ጭንቀትን ኣመልኪቶም፡ ገለ ኣኼበኛታት ቁጠዐ ዝተሓወሶ ሕቶታት ይሓቱ ነይሮም። መንፈስ ናይዉቲ ሕቶታት ድማ ድሮ ሳልሳይ ወራር ጥይት ቶግ እንተይላ መቐለ ክንበጽሕ ኢና ዘስምዕ ፕሮፓጋንዳ ክትገብሩ ጸኒሕኩምዉሲ፡ ጸገም ምስ ኣጋጠመና ስለምንታይ እቲ ሓቂ ሓቢእኩም ተሕምሙናን ተጨንቁናን ዝብል እዩዝመስል ኔሩ። ኣመሪካን ኣልደርያን ዘርዮምና ዘስምዕውን ይሕተት ኔሩ።

ብወገነይ፡ ህዝብናን ዓለምን ንዝፈልጦ ነገር፡ ካብዉቲ ምዑትን ልዕሊ መመርሒ መንግስቲ ከይዱ ዝመከተን ንሃገር ዝተኸላኸለን ህዝቢ፡ ድኻምካ ክትሽፈንን ከተመኻንን ኢልካ ክትሓብእ ምፍታንቅኑዕ ስለዘይኮነ፡ ርእሰ ነቐፌታዊ መልሲ ወይ መብርሂ ሂበ። ወያነ ኣጠላቅዮምና ከምዝነበሩን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዓቢ ጉድኣት ከምዘውረዱን ሳላ ጽንዓትን ጅግንነትን መኸተ ህዝብን ሰራዊትንግን፡ እቲ ዝለዓለ ዕላማኦም ከምዘይወቕዑ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ግጥም ክትደፍእን ክትድፋእን ንቡርንንፈልጦን፡ ድሕሪ ምትሓዝ ባድመ ድማ መዘኻኸሪ ዝረኸብናሉን ስለዝኾነ ኩነታት ምስ ዘየዋጽኣናክነዝልቕ ቅኑዕ ምዃኑ፡ ንህዝቢ ስለዘይቀረብናዮ ንዝወረዶ ሃንደበታዊ ኣድራዕን፡ ፕሮፓጋንዳን ንከጋጥም ዝኽእል ጸገም ተቐሪቡን ንህዝቢ ኣቅሪቡን ብዘይ ምጽንሑ ኣብ ፈለማ መዓልታት ዝነበረ ኣተሓሕዛ ጽቡቕ ስለዘይነበረን፡ መንግስቲ ከም ድኻም ክቕበሎ ዘለዎ ምዃኑን፡ ዓለም በቲ ዝነበረናይ ወያነ ኵናት ገስጋስ፡ ኣስመራ ምብጻሕ ናይ መዓልታት ጉዳይዉዩ ኢላ ኣብ ትጠራጠረሉ ዝነበረት እዋን፡ ናይ ኣልደርያ መራሒ ፕረሲደንት ቡታፍሊቓ ናይ ወሽመጥ ዑደቱ ኣቋሪጹ፡ ነቲ ዓለም ትጠራጠረሉ ዝነበረት ናይ ወያነ ገስጋስ ናብ ኣስመራ ንምግታእ (ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲዝኸፈአ ጥፍኣት ንወምድሓን) ናብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ተጓዩ ወግእ ደው ዝብለሉ ኩነታት ክፈጥር ጽዒሩ ስለዝኾነ፡ ኣልደርያ ዘርያትና ክበሃል ከምዘይከኣል፡ . . . ወዘተ ገሊጸ።

ንህግደፍ ዘይድግፉ ወገናት ንመልሰይ ብድላዮም መገዲ ገሊጾምን ክጥቀምሉ ፈቲኖምን ይኾኑ፡ ኩሉ እቲ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ዝተቓለሰ ኣብኡ ዝነበረ ኤርትራዊ ግን በቲ መልሲ ዝተቐየመኣይመስለንን። ብኡ ንብኡ ግን ﷽እዛ ሰብኣይ ንዓዲ መምለሲ ዘይብሉ ሓደ ዝኣንፉ ቲኬት ዲያኣቊሪጻ መጺኣ?﻾ ዝብል ዘረባ ኣብዉቲ ፈስቲቫል ይናፈስ ከም ዝነበረ ሰሚዐ። ነዚ ምስ ሰማዕኩ፡ካብ ዝተሓጎስኩሉ ዝሓዘንክሉን ዘስቆርቆርኩሉን ዝዓቢ ኮይኑ ረኺበዮ።

ከም ሓላፊ መጠን ንድሕነትን ጥቕምን ሃገር ክብል፡ ኩሉ ዝፈልጦን ዝርደኣንን ኣብ ዝኾነ ቦታን ኣብ ዝኾነ ኣኼባን ይድርጒሖ ማለት ኣይኮነን። ገለ ሓቅታትን ድኽመታትን ካብ ህዝቢ ክትሓብእ ምፍታን ግን፡ ነቲ ዘይቅሸሽ ህዝቢ ክትቅሽሽ ምፍታን ስለዝኾነ፡ ንነብስካ ቀሺሽካ ጥራይ ኢኻ ትተርፍ። ስለዚ ነቲ ኣኼበኛ ፈስቲቫል ክፈልጦ የድልን ይግበኦን ዝበልኩዎ ሓበሬታን ድኻምን ብምዝራበይን፡ ንሞራሉን ናይ መኸተ መንፈሱን ወኑን ዘበራትዕ ኮይኑ ስለዝረኸብኩዎን ተሓጒሰ።

ናይ መንግስቲ ነብሰ ነቐፌታ ጌረ ንዓዲ ተመሊሰ ውሕስነት ክህልወኒ ኣይክእልን ኢዩ ኢሎም ኣሚኖም። ከምዚ ተዛሪቡስ ከመይ ኢሉ ንዓዲ ክምለስ ዝብል ስክፍታኦም ከኣ፡ ኣንኳይዶ ተራ ዜጋ፡ ሓደ ካብ ሓለፍቲ መንግስቲዉውን ጉድለት መንግስቲ እንተኣሚኑ ክሰርር ኣይክእልንዉዩ ይብሉ ኣለዉ ማለት እዩ። ብሓጺሩ ንመንግስቲ እንተነቒñፍካ ክትነብር ኣይከኣልን እዩ፡ ንዓይ ከኣሓቂ ተዛሪብካ ኣይትፈልጥን ወይ ከኣ ጉድለት መንግስቲ ኣይትቕበልን ኔርካ እዮም ዝብሉ ዘለዉማለት እዩ። እዚ ኣጸቢቑ ኣሕዚኑኒን ኣስቆርቊሩንን። እምነት ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቲን መራሕትን ክሳብ ክንደይ እናተዳኸመ መጺኡ ምህላው ኣተሓሳሲቡኒ።

ርእይቶታትና ብቕሉዕ ናብ ህዝቢ ምግላጽና እንታይ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ ዝብል ሕቶ ክቐርበለይጥራይዉኳ ሓደ ነገር እዩ ዝእምት። ሳዕቤኑ ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል። እዚ ሕቶ ብኸምዚ ናይ ሕጂ ምቅራቡ ግን መንግስቲ ክጻወሮ ድዩ? ናብ ጎነጽ ኣየምርሕን እዩ? ነዛ ዓዲ ሰላምክህብ ዲዩ? . . ወዘተ ዝብሉ ስክፍታታትን ሻቕሎትን ብድሕሪኡ ስለ ዘሎ እዩ። እዚ ስክፍታታትን ሻቕሎትን ትም ኢሉ ዝመጸ እዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ቅድሚ ሕጂ ርኡይን ተቓዋምንርእይቶ ዝሃበ ሰብ ወይ ዜጋ ብኸመይ ይተሓዝ ኔሩ ኣብ ዝብል ሕቶ ዝምለሽ እዩ። ንመንግስቲናጻ ርእይቶታትን ነቐፈታታትን ክወሃብ ክነተባብዕ ስለዘይጸናሕና ዝተፈጥረ ፍርሒ ስለዝኾነ ከኣ ከም ድኻም ክንቅበሎ ጥራይ እዩ ዘሎና። ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ኩሉ ዋኒኑን ብግቡእ ክሳተፍእንተኾይኑ፡ ኣድላዪን እዋናውን ሓበሬታ ክረክብ፡ ብኣፍልጦ ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ክመያየጥን ክግምግምን፡ ንመንግስቲ ዝቆጻጸረሉ መገዲ ከኣ ክህልዎ ይግባእ። ብዛዕባዉዚ ጉዳይዉዚ ካብ ኣብ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝሓሸ ምንባሩ ዘይከሓድ እዩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ይትረፍ ህዝቢ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲዉውን ዝኣክል ሓበሬታ ኣብ አእዋኑ ኣይንረክብን ኣሎና ብምባል ከዕዘምዝሙ ከምዝጸንሑ ክጠቅስ እፈቱ። ህዝቢ ከኣ ሕግን ፍትሓን ተሳኢኑ ይብል ኣሎ።ዓው ኢልካ እንተዘይተዛረበ።ድኽመት እዩ። ክፍወስ ዘለዎን ዝከኣልን እዩ ግን።

ርእይቶታትን ወቐሳታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮነ ክትዓት ባይቶታት፡ ህዝቢ ክፈልጦን ክከታተሎንይግባእ ጥራይ ዘይኮነ መሰሉ እዩዉውን። ንሕና ኣተኣታቲናዮን ተለማሚድናሉን ስለዘይጸናሕና ኢናዉምበር፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክትዕ ባይቶታት ህዝቢ ብተለቪዥን ከይተረፈ ይከታተሎ እዩ።

ዋላ እቲ ብስነ-ምግባርና ቅቡል ዘይኮነ ዝተፈላለየ ርእይቶ ዘለዎም ሰባት ብሰድያ ክተሃራረሙ ከለዉ ይዕዘብ እዩ።

ተቓዋሚ ርእይቶታት ብቅሉዕ ናብ ህዝቢ ምግላጽ ነቲ ዝጸንሐ ብቕሉዕ ዘይምዝራብ ልምዲ

ዝቕይር ስለዝኾነ፡ ካብ መደመርይኡ ቅቡል ክኸውን ኣይንጽበዮን። ፍርሒን ሻቕሎትን ክፈጥር እዩ። እርኑብን ዘይእርኑብን መልስታት ከኸትል እዩ። ምውርዛይ ምጽላምን ምጥቃዕን ብሓደ ወገን፡ ውዳሰን ምውጣይን በቲ ካልእ ክረአ እዩ። ኣብ ክንዲ ንሓሳባቶም ርእይቶታቶም ነቶም ሰባትምጥማትን ብዛዕባኦም ምዝራብን ክህሉ እዩ። ኣብ ክንዲ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ኣብ ጓል መገዲታት ምድሃብ ክመጽእ እዩ። ኣብ ክንዲ ናጻ ርእይቶታት ምትብባዕ፡ ሻቕሎት ህዝቢ ኣመኽኒኻ

መድረኽ ክፉት ዘተን ክትዕን ዝቑëጸየሉ ኩነታት ንምፍጣር ክጸዓር እዩ . . ወዘተ። እዚ ኩሉ

ግን ናይዉቲ ርእይቶታት ብቅሉዕ ናይ ዘይምግላጽ ዝጸንሐ ልምዲ ሳዕቤንን፡ ከም ኣብ ሓድሽ መድረኽ ክእቶ ከሎ ዝረአ ዘይተርፍ ሓጎጽጎጽን፡ ክውሰድ ዘለዎ ዘይተርፍ ነገርን እዩ። ቀስ ኢሉ ግን፡ ናብ ቀንድን እዋናዊን ጉዳያትን፡ ክትዕ ናብ ሰባት ዘይኮነ ናብ ርእይቶታቶም ክቕየር ስለዝኾነ፡ ኣፍልጦን ርእይቶን ኣብ ጉዳያት ህዝቢ ክህልዎን፡ ብመንግስቲ ንዝውሰዱ ስጉምትታት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ርእዩ ከምዝብድህ ክገብሮን ስለዝኾነ፡ ጠቓሚ እዩ።

ከም ዝኾነ ዜጋ ርእይቶ ናይ ምቕራብ መሰል ስለዘሎና፡ ከም ኣባላት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶታት ኩሉ ሕጋዊ መገዲታት ስለዝተኸተልና ገሊኡ ኣፍልጦ ጉዳያትን ሓቅታትን ምእንቲ ሃገራዊ ድሕነት ዓቂብናዮ ስለዘሎና፡ ዝኾነ ፍልልይ ኣረኣእያታት ብሰላማዊን ደሞክራስያውን መገዲጥራይ ከምዚፍታሕ ኣሚንና ንሰርሓሉ ስለዘሎና፡ ህዝቢ ሳዕቤን ናይ ዝኾነ ኣብዉዚ ኣገዳሲ እዋንዉዚ ዝውሰድ ስጉምቲ ክርዳእን ክመሚን ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ ኢልና ንገብሮ ዘሎና ኮይኑ፡ ንደሞክራሲን ሓቀኛ ተሳትፎን ህዝብን ብዝያዳ ዘደንፍዕ ስለዝኾነ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ ኣይብልን።

ኣብ ክንዲ ብዘተ፡ ብሰላማዊ መገድን ብተሳትፎ ህዝብን ነዚ ዘሎ ፍልልይ መበደውን ተረካብ ይዓድዮን ጌርካ ብጉልባብ ካልእ ሕሳብካ ንምዕጻው ናብ ጎነጽን ዘይሕጋዊ ስጉምትን ክኸይድ እንተተደልዩ፡ ንሕና ኣይንድግፎን። ተሓተቲዉውን ኣይንኸውንን። ህዝቢ ከኣ መማይን ፈራድን እዩ።መመመዪን መፍረዲን ዘኾኖ ሕግታት ከኣ ኣሎ እዩ።

ሕቶ፡-ርእይቶኹም ውጽኢት ምስ ዘይርከቦ ቃልስኹም ብኸመይ መልክዕ ክትቅጽልዎ ትሓስቡ?

ድሩዕ፡ እዞም 15 ሰባት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶታት ከም ሓደ እኩብ፡ እንዛረበሉ ዘሎና ጉዳያትን ርእይቶታትን ግዚኡን፡ ህ.ግ. እኣምነሉ እዩ ኢሉ ንህዝቢ ዝተመባጸዓሉን፡ እተግብሮ ኣለኹ ዝብሎን እምበር ሓዲሽ ኣይኮነን። ግንከ ህዝቢ ከምዘይረደየሉ እንርድኦን፡ ብዓቢኡ ከኣ ዝሓለፈስ ሓሊፉ ሕጂ ኣብዘን ዝመጻ ውሑዳት ኣዋርሕ ዘሓልፉ ውሳነታትን ዝውሰድ ስጉምትታትን ንመጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ወሳንን ተኣፋፊን ስለዝኾነ፡ ታሪኻዊ መርገጺ ዝውሰደሉን ንህዝቢ ዝጠቅም ተባዕ ርእይቶ ከኣ ዝወሃበሉን እዋን እዩ ንብል። ኣብ ድሕሪ ናጽነት ዝተራእየ ናይ መንግስትን ላዕለዎት ኣካላቱን ድኽመታትን ክግምገሙ ንኹሎምን ክኸውን ዝነበሮ ተራን ክንፍትሽ ከሎናን፡ ብዙሕ ዘጣዕሰና ነገራት ከምዘሎ ይረኣየና። ብዙሕ ካብኡ እምነት ሓላፍነትን ካብ ዘይምስማር ዝተበገሰ ድኻምን ምንባሩ ክግምገም ይከኣል። ሕጂ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ንሸባሸበሉ ዘሎና እዋን ጽባሕ ንግሆ ዘጣዕሰና ነገራት ኣይክሰትን፡ ህዝቢ ንመንግስቲ ናይምቁጽጻር ዓቕሙ ዘሀምል ስርዓት ከይዋደድ ትኩር ንምግባሩን፡ ታሪኻዊ ግዴታ ከምዘሎናን ሕድሪ ስዉኣትና ምዃኑን ይረኣየና። ክንከፍለሉ ከኣ ቅሩባት ኢና።

ህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ተዓዛቢ ክኸውን የብሉን። ልኡላዊነት ሃገር ኣብ ህዝቢ ዝምስረት ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ናይ ህዝብን ብህዝብን ምቁጽጻር ዝግበረሉን ክኸውን የድሊ። ህ.ግ. ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሑ ናጽነት ከምዝጭበጥ ጌሩን ክሳብ ሃገራዊ ቅዋም ተነዲፉ ብመሰረት እቲ ቅዋም ናይ ህዝቢ መንግስቲ ዝምረጽ ዋሕስ ኮይኑ ኣዳልዩንዉኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ሕጂ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ክኸውን ስለዘለዎ፡ እቲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክሰጋገር ኣለዎ። ግዝኣተ ህ.ግ. ዘይኮነ፡ ግዝኣተሕግን ፍትሕን ዝነግሰሉ ቅዋማዊ መንግስትን ስርዓተን ክተከል ኣለዎ። ኣብ ምትካል ናይዚ ስርዓትዉዚ ከኣ ህዝቢ ብናጻ ርእይቶኡ ክገልጽን ክውደብን ዕድል ክረክብ ኣለዎ... ወዘተ ዝብል እዩ ርእይቶና። እዚ ድማ ብሰላማዊን ደሞክራስያውን ቃልሲ ክፍጸም ኣለዎ ንብል። እቲ ርእይቶና ንህዝቢ ዝጠቅምን ህዝቢ ዝደልዮ ዘሎን እዩ ኢልና ንኣምን። ቀልጢፉ ደንጒዩ ውጽኢት ክህልዎ እዩ ኢልና ንኣምን። ክሳብ ዝረጋገጽ ዝህሉ ኣገባብ ቃልሲ ድማ ሰላማዊን ደሞክራስያውን ጥራይእዩ። ነቲ ቅኑዕ ኢልና ንኣምኖ ኣብ ውሽጢ ባይቶ ከም ተቓወምቲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ከም ኣባላቱ ክንቃለሰሉ ክንቅጽል ኢና። ህዝቢ ድማ ሓቀኛ ቅዋማዊ መንግስቲ ንኽትከል ክቃለስ ኣለዎንብል። እዚ ርእይቶዉዚ ሓድሽ ኣይኮነን። ህ.ግ. ዝኣምነሉ እዩ። ኣብ ትግባረኡ ግን ጸገም ከምዘሎ ይረኣየና።

ሕቶ፡- ንድፊ ሕጊ ምርጫን ፖለቲካዊ ሰልፊታትን ቅድሚ ምጽዳቑ ምርጫ እንተተኻዪዱ ድሕሪኡ ዝስዕብ ፖለቲካዊ ሃዋሁ እንታይ ዓይነት መልክዕ ክህልዎ እዩ?

ድሩዕ፡ ሕጊ ምርጫ ከይጸደቐ ምርጫ ክካየድ ኣይክእልን። ኣገባብ ነቲ ውጽኢት ስለዝውስኖ፡ እቲ ሕጊ ብኸመይ ትሕዝቶ ከም ዝጸድቕ ኣገዳስነት ኣለዎ። መን ኢዩ ዘመሓድሮዉውን ክስተባሃለሉ ዘለዎ እዩ። ሻራ ዘይብሉ ኮሚሽን ምርጫ ምህላውን ምክያድ ምርጫታት ሓራን ርትዓውን ክኸውን ምርግጋጽ ወሳኒ እዩ። ኣብ ተመኩሮ ካልኦት ህዝብታት ኣብ ሕጊ ምርጫን ኣካያይድኡን ካብ ዝረአ ዘይቅኑዕ ኣካያይዳን ምጥፍፋኣትን ክንመሃርን ንብልሽውና ነቓዕ ከምዘይህልዎ ጌርና ክንሕዞን ከድሊ እዩ።

መሰል ምምስራት ፖለቲካዊ ሰልፊታት ካብ 1987 ደሚሩ እተኣምነሉን ኣብ ሃገራዊ ቅዋም ጸዲቑስ ሃገራዊ ባይቶ ሕጊ ክንደፈሉ ዝወሰኖን ስለዝኾነ ኣብ ክትዕ ዝኣቱን ዝንፈግን ኣይኮነን። እተን ዝምስረታ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ንሃገራዊ ቅዋም ዝምእዘዛ፡ ንሓድነት ህዝቢ ዝሰርሓ፡ ንልኡላውነት ሃገር ዝከላኸላ ሃገራውያን ሰልፊታት ክኾና ስለዘለወን፡ ክሳብ ሃገራዊ ቅዋም ዝጸድቕን፡ ኣብኡ ተመርኲሱ ንፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝቕይድ ዝገዝእ ሕጊ ዝወጽእን፡ ከይቆማ ጸኒሐን ኣለዋ። መንግስቲ ድማ መንግስቲ ህግደፍ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብዉዚ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት ንቀራረበሉ ዘሎና እዋን፡ ህዝቢ ወከልቱ ብናጻ ድሌቱ ክመርጽ ዕድል ክረክብ ስለዘለዎ፡ ካብ መንግስቲ ኮነ ህግደፍ፡ ጸቕጢ ወይ ሽጣራ ከጋጥም ኣይግባእን። ህዝቢ ብቕዋም ኣብ ዝግዛእን ብሕጊ ኣብ ዝቕየድን ዝኾነ ዝመረጾ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኣትዩወይ ውን ኣባል ናይ ዝኾነ ከይኮነ ሃገራዊ ምርጭኡ ከሰላስል ማለት መንግስቱ ክመርጽ መሰሉ እዩ።

ህ.ግ. ካብ ናጽነት ክሳብ ረፈረንዶም ባዕሉ መንግስቲ ኮይኑ፡ ድሕሪ ረፈረንዶም ቅዋማዊ መንግስቲ ንምቛም መሰጋገሪ ስለዘድሊ ካብ ኣርባዕተ ዓመታት ንዘይነውሕ ግዜ በይነይ ዘይኮነ ምስ ወከልቲ ዞባዊ ባይቶታት መንግስቲ ሒዘ ክጸንሕ ኢየ ኢሉ። ኣብ ክንዲ ኣርባዕተ፡ ዕጽፊ ናቱ ሸሞንተ ዓመት ጸኒሑ። ብድሕሪ ሕጂ ኣብ ቅዋማዊ ስርዓት ከም ፖለቲካዊ ሰልፊ ምበር፡ ከም ግንባርክቕጽል ኣይግበኦን። ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝንደፍ ድማ ንህግደፍ ብቕዋም ንምቕያድን ዝኾነ ዜጋ ወጻኢ ካብ ህግደፍ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ናይ ሃገር ንኽሳተፍ ዝመሰሎ ፖለቲካዊ ሰልፊንኸቅውም ንምፍቃድን እዩ። ዘኾነ ይኹን ዜጋ እንተደልዩ ብውልቂ ካብኡ ብዝተረፈ ቅዋምን ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍን ተቐቢሎም ክሰርሑ ምስ ዝተቐረቡ እኩባትን ንምውሳእ መሰል ኣለዎ። ኣብዉዚ እዋንዉዚ ህዝቢ እንተደልዩ ካብ ህግደፍ ወጻኢ ብሕጊ መሰረት ፖለቲካዊ ሰልፊ ክምስርት ኣይክእልን እዩ ወይ ኣይግባእን ምባል ግን፡ ህግደፍ ኣብዚ ቀዳማይ ሃገራዊ ምርጫ ብዘይ ካልእ ተወዳዳሪ ናብ ስልጣን ትመጸሉ ኩነታት ይፈጠርዉሞ፡ ነቲ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ሕቶ ድሕሪኡ ደፋእ ኢልና ንርእዮ ማለትዉዩ።

ምእንቲ ካልኦት ሰልፍታት ከይምስረታ፡ እቲ ሃገራዊ ምርጫ ህግደፍ ዘይትወዳደረሉ፡ ብናይ ናጻ ሕጹያት ውድድር ክኸውን እዩ ምባል ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ህግደፍ ንበይኑ ከም ፖለቲካዊ ሓይሊ ጸኒሑን፡ ንመንግስቲ ይመርሕ ኣሎን። ኣብ ቁጠባዊ ስራሕ እናነጠፈ ነቲ ፖለቲካዊ ሓይሊ ቁጠባዊ ሓይሊ ወሲኹ ኣደልዲልዎ ኣሎ። ናይ ህግደፍ ጉጅለታት ጥራይ ዘይኮና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዘለዋ ምምሕዳራትዉውን ብህግደፍ ዝተሓርያን ንህግደፍ ዝሰርሓን እየን። ዝኾነ ﷽ናጻ ሕጹይ﻾ ኣባል ህግደፍ እንተኾይኑ ናይዉቲ ሓይሊ ስልጣንን ሓይሊ ቁጠባን ዘለዎ ውድብን ኣባላቱን ምረቓን ደገፍን ከምዝህልዎ ፍሉጥ እዩ። ካልኦት ፖለቲካዊ ዝምባለታት ይወገዱ ኣለዉዉምበር ህግደፍሲ በይኑ ተወዳዳሪ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። ስለዉዚ ናይ ሕጹያት ሽጣራ ከሎ ጌና ክሹሕ እዩ።

ኣብዚ እዋንዉዚ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክምስረታ ኣይክእላን እየን ዝብል ርእይቶ ኣሎ። ዝወሃብ ምኽንያት ብዙሕ ክኸውን ይኽእል፡ ገለ ካብኡ፡

1- ከምቲ ናይ ኣርባዓታት ንህዝብና ብሃይማኖታውን ወገናውን ከይጎዛዝየኦ፡

2- ከም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኲናት ሓድሕድ ከየስዕባልና፡

3- ጠፍጢፍካ ጠፋጢፍካ ወይ ድማ ኢንኩበይተር ሃልዩካ ኣብ ሓጺር ግዜ ክጫጫሓ ስለዘይከኣል።

4- ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተፈጢረንን ተመዊለንን ናይ ባዕዲ መሳርሒ ከይኮና፡ ዝብል ፍርሒ ክኸውን ይኽእል።

5- ኣባላት ህግደፍ ከይበታተኑ ወይ እቲ ውድብ ከይፈናጨል . . ወዘተ።

ኣብ ኣርባዕታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ጉዳይ ሃገሩ ዝመያየጠሉ ዕድልን ተመኩሮን ከይረኸበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኩነታት መዝሚዛ ንዕላምኣ ዘገልግል ምንቅስቓስን ውድበን ኣነጣጢፋ ብምንባራ፡ መደመርያ ዓበይቲ ሓይልታት ደሓር ከኣ ሕቡራት ሃገራት መጻኢ ዕድል ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምውሳን፡ ድሌት ህዝቢ ክሰምዓ ክመጻ ምኻነን ብምውሳኑን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣፈርክቡ ስለዝኾኖን፡ ኣብዉታ ሓጻር ግዜ ዝሓዝካ ሒዝካን ክስዕበካ ዝኽእል ብክትድርኾ እትኽእልን፡ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሕብረት ውዲት ንምፍሻል ብተብተብ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተመስሪተን።እተን ጸረ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ሰልፍታት ኣብ ሓጺር ግዜ ቆይመን ስሙር ግንባር መስሪተን ናብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ከይደን ንናጽነት ኤርትራ ምጥባቐን፡ ንውዲት ኢትዮጵያ ዘፍሸለ ኣወንታዊ ስራሕ ነይሩ እዩ። ገሊአን ሰልፍታት ሃይማኖታዊ ስም ብምሓዘን (ንኣብነት ራቢጣ ኢስላምያ) ንገለ ክፋል ህዝቢ ኣሰንቢደን።ኳ ይኹና።ምበር፡ ዕላምአን ንናጽነት ብምንባሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ህዝቢ ከሰልፋ ምኽኣለን ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ብኣወንታ ኣንጻባሪቑ እዩ።ሎሚ ግን ህዝብና ብዙሕ ተመኲሩ እዩ።

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መንጎ ደብሃን ሓረካን፡ ኣብ መንጎ ደብሃን ሻዕብያን ጎነጽ ዘኸተሎ ኲናት ሓድሕድ ምንባሩን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምጕድኡን ይፈልጥ። ኲናት ሓድሕድ ዝሰዓበ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ወድባት ስለዝነበራ ዘይኮነስ፡ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ኣይጻወርን እዩ ዝብል ፍልስፍና ስለዝነበረን ፍልልያት ኣብ ክንዲ ብልዝብን ብሰላማዊ መገዲን ምጽዋዋር ተሳኢኑ ብሓይሊ ብረት ከረጋግጻ ዝቖማ ምንባረንዉውን ተራ ነይርዎ። ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ሃገርና ምክልኻልን ጸጥታ ምኽባርን ግደ ብሃገራዊ ቅዋም ብዝምእዘዝ ሻራ ዘይብሉ ሰራዊት ምክልኻልን ሃገራዊ ጸጥታንዉምበር፡ ናይ ሓደ ወይ ካልእ ፖለቲካዊ ውድብ ዕማም ስለዘይኮነ፡ ፖለቲካዊውድባት መጨፍለቒን ኲናት ሓድሕድ መወልዒን ዕጥቂ ክሕዛ ኣይፍቀደለንን እዩ። ስለዉዚ ብምፍቃድ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝፍራሕ ኲናት ሓድሕድ ክህሉ ኣይክእልን።

ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኢንኲቤተርን ኣብ ሓጺር ግዜ ምጭጫሕን ኣይከኣልን ዝብል ርእይቶን ኣይቅበሎን። ኢንኲበተርዉኮ ኣብ ክንዲ ኣደ ሙቐት ናይ ብምሃብ መስርሕ እዩ ዝትክእ። ፖለቲካዊ ሰልፍታት ህዝቢ ባዕሉ ዘቑëሞዉምበር ካልእ ኣቚሙ ዘወፍየሉ ኣይኮነን። ህዝቢ ከኣ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ከቕውም ዘኽእሎ ንቕሓትን ተመኩሮን የብሉን ክበሃል ኣይከኣልን። ወዮዉኳ ደኣኣብ ሳልሳይ ዓለም ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ክንዲ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ፖለቲካዊን ንቅሓት ንምጥራይ ዝሰርሐን ዕድል ዝረኸበን የለን እብል። ኤርትራ ሓዳስ ሃገር እያ ኢልና ክንዛረብ ከሎና ከም ልኡላዊት ሃገር ማለትና ኢናዉምበር ብደካ እቲ ናይ 40ታትን 50ታትን ኩነታት፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዳርጋ ነብስወከፍ ኤርትራዊት ስድራ ኣብ ፖለቲካዊ መስርሕ ተሳቲፋን ሃገራውነትን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ኣጥርያ ስለዝኾነት፡ ነዊሕ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታ ኣለዋ። ብሓደ ይኹን ብኻልእ ኣባል ህግደፍ ከይኮነ ዝጸንሐ ወይዉውን ካብ ህግደፍ ዝወጸ ዜጋ ሰልፊ ናይ ምምስራት ንቕሓት የብሉን ክንብል ንኽእልዉዶ? ኣባላት ህግ ካብ እተን ፈላልየን ንናጽነት ዝቃለሳ ዝነበራ ውድባት ዝመጹን ሰፊሕ ግንባር ዝመስረቱን ንሓንቲ ሃገርን ንሓደ ህዝብን መጠኑ ከፈላለ ዝኽእል ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ዘለዎምን ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ ማሕበራትን ማሕበረ ኮማትን ዘለዉ ብደካቲ ሓባራዊ ዕላማ ማሕበሮምን ማሕበረኮምን፡ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ክህልዎም ይኽእል። ኣብ ህግ ዘይተጸንበሩ ንሃገሮምን ንህዝቦምን ተወፊዮም ክሰርሑ ዝጸንሑ፡ ውልቀ ሰባት ኮነ ብናይ ቅድሚሕጂ ምትእኽኻብ ክቅጽሉ ዝጸንሑ ኣለዉ።

እዚኦምን ካልኦትን ሰልፊ ንምቛም ፖለቲካዊ ብስለት የብሎምን ክንብል ንኽእልዶ? መን እዩዉኸ ምስክር ወረቐት ክህብ ዝኽእል? ህዝቢዉዶ ኣይኮነን? ህዝቢኸ ከመይ ኢሉ እዩ ዝምስክረሎም ሕጊ ብዝፈቕዶ ምስ ቆሙን ስርሖም ርእዩን ብምድጋፍ ወይ ብምንጻግዉዶ ኣይኮነን? ዋላ ክልተ ሰባት ሰልፊ ከቑሙ እንተደልዮም እንታይ ዘፍርሕ ኣሎ እዩ? ህዝቢ ክመሚ ኣይክእልን ዲዩ? ሰልፍታት ከም ዕላማ ንሓደ ሃገርን ንሓደ ህዝብን ከቆማ ስለዝኾና፡ ህዝቢ ሰልፍታት ክቖማ ምስተፈቕደ ጥራይ ድዩ ብዛዕባ ኣካያይዳ ኣብ ፖለቲካ፡ ዲፕሎማሲ፡ ማሕበራዊ ቁጠባዊን መዳያት ሃገር ከመይ እንተኾነ ይሓይሽ ኢሉ ክሓስብ ዝጅምር? እዚ ኩሉ ተመኩሮኡዉኸ? ጌና ሰልፊ ከጫጭሕ ኣይክእልን እዩ ማለትዉኮ ንኣከያይዳ ሃገር ከምዚ ይሓይሽ ወይ ከምዚ፡ ክብለሉ ኣብ ዝኽእል ደረጃ ኣይበጽሐን ማለት እዩ። ወይ ከኣ ኣነ ስለዘለኹልካ ካልእ ኣይትሕሰብ ማለት ድዩ?

ህዝቢ በብከባቢኡ ብመንግስቲ ተመዲብሉ ንዘሎ ኣመሓዳሪ ወይ ሓላፊ ተማእዚዙ ይኸይድ ኣሎ።ምርጫኻ እንታይ እዩ እንተዝበሃል ዕድል እንተዝወሃቦን ነቶም ዘለዉ ክመርጽ ይኽእል። ንኻልኦት ካብ ውሽጡዉውን ክመርጽ ይኽእል። ﷽ግዚኡ ኣይኣኸለን﻾ ተባሂሉ እዩዉምበር፡ ሃየንዶ ሎሚ ይፈቐደሉ ከመሓድርዎ ዝኽእሉ ጽባሕ ክመርጽ እንተዘይኪኢሉ ንርአ። ንመን ከምዝመርጽዉውን ተመኩሮ ኣይጎድሎን እዩ። ከምኡ ከኣ ብዛዕባ ሰልፊ፡ ሰልፊታት ክምስረታ እንተፈቒድና ከም ናይ40ታት ክንከውን ኢና ኢልካ እንተኣፈራሪሕካዮ ግን፡ ካብ ስክፍታት ዘይጸንሓልና ክብል ይኽእል። ይጽናሓልና ማለት ህግደፍ ትብሓት ማለት ምዃኑ ንዘስተውዓለ ግን ደሓን ኣማራጺታት ይሃልወና፡ ንቕሓትና ኣይተስተናዕቕዎ ክብል ይኽእል። ተቓውሞ ምህላው (ኣብ ውሽጢ ኮነ ወጻኢ ካብ ህግደፍ) መስትያት ኮይኑ፡ ንህግደፍን መንግስትን ኣከያይደኦም ንኸጸብቑን ንኸጽፍፉን ይሕግዝዉምበር ኣይጎድእን።

ብናይ ወጻኢ ሓይሊ ተፈጢረንን ተመዊለንን ናይ ባዕዲ ሓይሊ መሳርሒ ከይኮና ዝብል ፍርሒ ክህሉ ይኽእል። ኣብ ክንዲ ንረብሓ ህዝቢ፡ ዝነግዳ ነጋዶ ከይኮናዉውን ከሰክፍ ይኽእል ይኸውን።እዚ ግን ብሕጊ ክኸልከል ስለዝኽእልን ስለዘለዎን ቀይዲ ጌርካ ክትቆጻጸሮ ዝከኣል እዩ። ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብናይ ባዕዲ ሓይልታት ኣይምስረታን፡ ብናይ ወጻኢ ገንዘብ ኣይምወላን፡ ነጋዶ ከይኮና ከኣ ብደካዉቲ ንፖለቲካዊ ስርሐን ዘገድስ ብሕጊ ዝተቐየዳ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ስራሕ፡ ኣብ ቢዝነስ ከይኣትዋ ይኽልከላ ክንብል ንኽእል። ህግደፍዉውን ከምኡ።

ናይ ህግደፍ ገንዘብ፡ ንብረትን ትካላትን ብቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጠርየን ናይ ህዝብን ስለዝኾነ፡ ኣብ መዓላ ስንኩላንን ስድራ ስውኣትን ንኽውዕል፡ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ ናጻኮይኑ፡ ናይ ስንኩላንን ስድራ ስዉኣትን ኩባንያ ክምስረተሉ ይከኣል። ህግደፍ ብቑጠባዊ ንጥፈታቱ ክወቕዖ ዝደሊ ዝነበረ ዕላማታት ከኣ፡ በቲ ኩባንያን መንግስቲ ብዘቖሞ ሓውሲ መንግስታዊ ትካላትን፡ ከምዝዕመም ይኸውን።

ብሕጊ ክትቅየድን ናይ ወጽኢ ኢድ ምትእትታው ከተወግድን እናኸኣልካ፡ ብኡኡ እናፈራራሕካመሰል ምምስራት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክትክልክል ግን ቅኑዕ ኣይኮነን። ናይ ግዳም ደገፍ ብግሉጽ መገዲ ምርካብ ግን ዘስግእ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ትካላዊ ዓቕሚ ንምድልዳል ክሳብ ሓደ ደረጃ ጠቓሚ እዩዉውን። መንግስቲ፡ ማሕበራት ከም እኒ ሃማደኤን ሃማመተኤን ናይ ወጻኢ ሓገዝኣይረኽባን ዲየን? እንታይ በየናይ መገዲ ነየናይ ስራሕን እዩ እቲ ክውሰን ዘለዎ።

ውድብ ህግደፍ ከይፈናጨል፡ ኣባላቱ ከይበታተኑ፡ ዝብል ፍርሒ ክህሉ ይኽእል። ሓደ ውድብ ዘይፈናጨል፡ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ኣባላቱ ኣብ ሓደ መኣዲን ንናይ ሓባር ዕላማን ኣይካያይዳንኣዕጊቡ ክሳብ ዝኸደ ጥዑይ እዩ። ካብኡ ብዝተረፈ ውልቀሰባት ኮነ ጉድለ ክገድፍዎ ይኽእሉ። ብወለንታ እምበር ብሓይሊ ክሕዝ ኣይከኣልን። መንግስቲ ኤርትራ ንተጋዳላይ ብዘይ ድሌቱን ዝጣየሰሉ ኩነታት ከይተመቻዘአን እናጸልጸለ እንከሎ፡ ስራሕ መንግስቲ ንዘይማእመኦ (ተበዲሉ ኮነ ብኻልእ ምኽንያት) ብድሌቱ ክጣየስ ወይ ክፋኖ ንዝደሊ ከኣ ተጋዳላይ ስለዝኾነ ክኽልከል ጸኒሑ። ቅኑዕ ግን ኣይኮነን ብኸምዚ ሓድነት ኣይፍጠርን እዩ። ሓደ ወድብዉውን ካብ ዝኣመነሉ ዕላማን ኣካያይዳን ከልግስን ከንሸራትትን ይኽእል። ንኣባላቱ ድማ ናብ ምፍንጫል ከምርሕ ይኽእል። ውድብ መሳርሒዉምበር ንባዕሉ ዕላማ ስለዘይኮነ ምፍንጫልን ምስማርን ምስ ውሽጣዊ ኩነታትን ኣመዓባብላን ወድባት ዝረአ ታሪኻዊ ተርእዮታት እዩ።

ኣብ 1970 ናይ ህ.ሓ. ምፍንጫል ካብ ተሓኤ፡ ኣብ 1987 ናይ ተሓኤ ማእከላይ መሪሕነት (ሳግም) ሓድነት ምስ ህ.ግ. ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይከኣል። ህግደፍ ንኣብ ውሽጡ ዝረአ ፍልልያት ክጻወርን ደሞክራስያዊ ናይ ቃልሲ ባይታ ክፈጥርን እንተዘይኪኢሉ፡ ኣባላቱ ክገድፍዎ ይኽእሉ። ምፍንጫልዉውን ከስዕብ ይኽእ። ሃገርን ህዝብን ምምቕቓል ማለትዉዩ ግን ኣይኮነን።

በዚ ኮይኑ በቲ፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ናይ ምቛም ሕቶ ናይ ህዝቢ መሰል እዩ። ፖለቲካዊ ሰልፍታት ናይ መቖሚን መቐየድን ሕጊ ክወጽእ ተወሲኑስ ንድፊ ንርእይቶታት ወሪዱ ኣሎ። እቲ ሕጊ ክጸድቕ ኣለዎ። ፖለቲካዊ ሰልፊታት ይቖማዶ መዓስ ይቖማ ዝብል ሕቶ ግን፡ ነቲ መሰሉ ብወለንትኡ ከረጋግጽ ዘለዎ ህዝቢ፡ ማለት ዜጋ ዝግደፍ እዩ።

ኣብ ዝመጽእ ናይ 5 ዓመታት ቅዋማዊ መንግስቲ እዋን፡ ምብሓት ስልጣን ብህግደፍ ኣነ ኣይድግፎን። ዋላ ኣብዉዚ ናይ መደመርያ ሃገራዊ ምርጫዉውን ንህግደፍ ዝቃወማ ሃገራውያን ፖለቲካዊ ሰልፍታት (ወላ ዕሸል ይኹና) ክዋሳኣ መሰልን ዕድልን ክወሃብ ኣለዎ ዝብል ርእይቶን እምነትን ኣሎኒ። ይከኣል ከኣ እዩ። ህዝቢ ክመምየን ይኽእል እዩ በሃላይ እየ።

ናይ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ተመኩሮ፡ ብሰፊሕ ተሳትፎን ሓራን ክፉትን ክትዓትን ህዝቢ ብግቡእተገምጊሙ፡ ካብኡ ብዝውሰድ ምህሮታት ንመጻኢ ጉዕዞ ብዝጠቅም መገዲ ከም ንጥቀመሉ ውሕስነት እንተዘይተነጺፉን፡ ንምምስራት ቅዋማዊ መንግስቲ ክዋደዱ ዝግብኦምን ዝከኣሉን ነገራት ኣቐዲምካ እንተዘይተሰሪዑን፡ ሃገራዊ ምርጫ ብምግባር ጥራይ መጻኢ ጽቡቕ ዕድል ተረጋገጽ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። መሰል ምቛም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምርግጋጽ ድማ ነዚ ቅድመ መሰናድኦታት ውሑስ ንምግባር ክብድሃ ዕድል ስለዝኸፍት እዩ ኣድላዪ ዝኸውን። ሃገራዊ ምርጫ ጥራይ ንበይኑዕላማ ኣይኮነን።

ብዛዕባ ሃገራዊ ሓድነት፡ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ህ.ግ. ድሕሪ ረፈረንዶም፡ ሕቶ ምምስራት ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ንዕኡ ተፍቅድ ሕግን፡ መሰጋገሪ መድረኽን ንኸይደናጐ ክግበር ዝግብኦን፡ . . ወዘተ ኣብ ዝጠቕሶ ኣርእስትታት። ዋና ጸሓፊ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሕጂ ፕረሲደንት ኤርትራ፡ ብ10 ሰነ 1992 ኣብ ኣስመራ፡ ምስ ማሕሙድ ኢብራሂም፡ ጋዜጠኛ ናይዉቲ ብእንግሊዝዝሕተም፡ ﷽ኣራብ ኒውስ﻾ ዝተባህለ ጋዜጣ ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ቁጽርታት 1፡2፡3 ናይ 2፡5ን9 መስከረም 1992 ዝተጻሕፈ መልስታት ንኣንበብቲ ንመዘኻኸሪ ከቐርብ ይከኣል።

እዚ ክጠቅስ ከለኹ፡ ምስ ግዜ ሓደ ሰብ ርእይቶኡ ክቕይር የብሉን ዝብል እምነት የብለይን። እቲ ምቕያር ርእይቶ ግን ቅኑዕን ቅቡልን ድዩ ኣይኮነን ኢሉ ካልእ ሰብ ርእይቶ ክህበሉ የብሉን ማለት ከኣ ኣይኮነን። ሰውራውያን ዝበሃሉ ፕረሲደንትታት ከም እኒ ሳም ንዮማ ናይ ናሚብያን፡ ሮበርት ሙጋበ ናይ ዚምባብወን፡ ነቲ ኣሚኖምሉን ተመባጽዒምሉን ዝነበሩ፡ ፕረሲደንት ካብ ክልተ እዋን (ነናይ ሓሙሽተ ዓመት) ንላዕሊ ንፕረሲደንትነት ክወዳደር ወይ ክምረጽ ኣይክእልን ዝብል ቅዋም ሃገር፡ ካልኣይ ዕድመ ፕረሲደንትነቶም ክውዳእ ምስ ቀረበ፡ መታን ንሳልሳይን ኪኖኡን ፕረሲደንት ክኾኑ፡ ቅዋም ንክመሓየሽ ጽዒሮም እዮም።

እቲ ኣብ ማሕበር ስራሕተኛታት ንጡፍን ተዋሳእን ኮይኑ ፖለቲካዊ ምንቅስቃ መሪሑ ነቲ ንናይ ዛምብያ ፕረሲደንት ኬነት ካውንዳ ንሕልፈት ፕረሲደንትነት ተቓዊሙን፡ ፕረሲደንት ካብ ክልተ እዋናት ንላዕሊ ዕድመ ክህልዎ የብሉን ዝብል ቅዋም ደጊፉን፡ ናብ ፕረሲደንትነት ዝመጸ ናይ ዛምብያ ፕረሲደንት ዘëሉባ፡ ናይ ክልተ እዋን ናይ ፕረሲደንትነት ዕድመኡ ከኣክል ምስ ቀረበ፡ ፕረሲደንት ንሳልሳይን ኪንኡን መታን ክቕጽል፡ ምምሕያሽ ቅዋም ዝብል ሓሳብ ከምዝብገስ ጌሩ። ብርቱዕ ተቓውሞ ካብ ገለ ሚኒስተራቱን ህዝብን ስለዘጋጠሞ ግን፡ ኣብ መወዳእታ ንሳልሳይ እዋን ንፕረሲደንትነት ከምዘይካየድን ምእንትኡ ኢሉ ቅዋም ከምዘይመሓይሽን ክእውጅ ተገዲዱ።

ሕቶ፡- ሰልፍታት ብናጻ ምርጫ ይወዳደሩ እንተኢልና፡ ነቶም ብወያነ ዝድገፉ ተቓወምቲ ክወዳደሩ ንፈቕደሎም ኣለና ማለት ድዩ? እንታይዉዩ ርእይቶኻ?

ድሩዕ፡ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ናይ ምምስራት ሕቶ፡ ናይ ህዝቢ መሰልን፡ ካብዉቲ ቅዋም ዘፍቅዶ መስረታዊ ሓርነት ሕልና፡ ምግላጽ ርእይቶ፡ ምንቅስቓስ፡ ምእካብን ምውዳብን ዝበቆለን እዩ (ቅዋም ዓ-19)፡ ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ከኣ፡ ምስ ብፕሮግራም ይሰማምዑኒ እዮም ዝበሎም ሰባት(ይውሓዱ ይብዝሑ ብዘየገድስ) ሰልፊ ክምስርት ወይ ናብ ዝተመስረተ ክጽንበር መሰል ኣለዎ።

ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንህዝቢ ብዝያዳ ይጠቅም እዩ ዝብለኦ ፕሮግራም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ብደካ ምጉስጓስ፡ ኣብ ሃገራዊ ምርጫታት ተሳቲፈን (ተወዳዲረን) መንግስታዊ ስልጣን ንምጭባጥ ወይ ምስ ካልኦቶ ተሻሪኽካ ንምሓዝ፡ ብሰላማዊን ደሞክራስያዊ መገዲ ክቃለሳ ስለዘለወን፡ ንኣመሰራርተአንን ኣሰራርሐአንን ዝእዝዝ ሕጊ ክወጽእ የድሊ። ንድሕነት ሃገር፡ ንድሕነት ህዝቢ፡ ንቕዋማዊ ስርዓትን ንሃገራዊ ቅዋምን ክሳብ እተቐበላን፡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት መስርሒ ክሳብ ዘይኮናን፡ ብሰላማዊ መገዲን ቅዋማዊ መትከላትን ክሳብ ዝሰርሓን፡ ነዚ ክሳብ ዘውሓሳን፡ እቲ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ሕጊ፡ ዘተባብዕን መሰል ህዝቢ ዘረጋግጽንዉምበር፡ ቀይዲታትን መግትኢታትን ዘብዝሕ ክኸውን ኣይግባእን።

ኣባል ህግደፍ ስለዘይኮና፡ ወይ ኣባል ህግደፍ ኔሩ ስለዝገደፎ፡ ወይ ኣባል ካልእ ማሕበርን ውድብን ስለዝነበረ ተባሂሉ መግትኢታት ክግበረሉ ኣየድልን። ከምቲ ናይ ክትመርጽን ክትመረጽን መሰል ሓደ ዜጋ ብዝገበሮ ጉድለት ክንፈግ ዘይብሉ፡ ሰልፊ ናይ ምምስራት መሰሉዉውን ክንፈግ ኣይግብኦን። ንኣብነት ግብሪ ዘይከፈለ ዜጋ ብሕጊ ይቕጻዕ እምበር፡ ናይ ኪመርጽን ክምረጽን ይኹንሰልፊ ናይ ምምስራት መሰሉ ክንፈጎ ኣይግብኦን እብል። ብዝተረፈ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖአልቲካዊ ሓይሊ፡ ደስ ንዘይበሎ ነገር መግትኢ ዓንቀጽ ሓንጺጹ፡ መስረታዊ መሰላትን ሓርነታትን ዜጋታት ክረግጽ ዕድል ክረክብ እዩ።

ዝኾነ ዜጋ ወይ ጉጅለ ኣንጻር ህግደፍ ወይ ኣንጻር መንግስቲ ኮይኑ፡ ንዝህቢ ብመስረት ሃገራዊቅዋም ብሰላማዊ መገዲን ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣኽቢሩን ክሰርሕ ክሳብ ዝመረጸ፡ ሰልፊ ናይምቛüም መሰሉ ሕሉው ይኸውን። ሃገራዊ ቅዋም፡ ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ሓድነት ህዝቢ፡ ድሕነት ሃገር ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘይቅበልን ናይ ባዕዲ ሓይልታት መሳርሒ ኮይኑ ዕላማታቱ ብዕጥቂ ብረት ከረጋግጽ ዝደልን ወልቀሰብ ይኹን ጉጅለ ግን መሰል ምምስራት ፖለቲካዊ ሰልፊ ክህልዎ ኣይግባእን እብል።

ሕቶ፡- ሃገራዊ ባይቶ ብግቡእ ኣይሰርሕን ኔሩ ትብሉሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? ካብ መዓስዉኸ እዩ ጀሚሩ እቲ ጸገም?

ድሩዕ፡ ካብ ናጽነት ክሳብ እዋን ረፈረንደም ህ.ግ. እቲ መንግስቲ፡ ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግ. ድማ እቲ ባይቶ ኮይኖም ይሰርሑን ዝተወርሰ ዝሰርሕ ትካላት ባይቶ ስለዘይነበረን ግዝያዊን ስለዝነበሩን፡ ብዛዕባ ሃገራዊ ባይቶ ክዝረብ ዝከኣል ኣይመስለንን።

ድሕሪ ረፈረንደምን ብናይ 19 ግንቦት 1993 ኣዋጅ ቁጽሪ 37/1993 መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ስለዝተኣወደ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ቆይሙ፡ ኣቃውምኡን ስልጣኑን ዕማማቱን ከኣ ብዓንቀጽ 4/1-6 ተነጺሩ። እዚ ሃገራዊ ባይቶዉዚ ብግቡእ ሰሪሑዉዶ ኢልካ ክግምገም እንተኾይኑ፡ እንታይ ስልጣንን ዕማማትን ተሓንጺጹሉ ነይሩ? እንታይ ዕላማታትዉከ ክወቅዕ ነይርዎ? ካብኡ ክንደይ ፈጺሙን ኣይፈጸመን ክጽናዕ ኣለዎ። ኣብዉዚ ነዚ ኣርእስቲዉዚ ብዘዕግብ ክትንትን ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ፍሩያትን ኣገደስትን ምህሮ ተወሲዱሎም ድማ ንመጻኢ ናይ ግድን ክፍጸሙ ናብ ዘለዎም መዳያት ኣተኲርካ ምዝራብ ግን ይከኣል።

ዕላማ ሃገራዊ ባይቶ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ክሳብ ዝምስረት ኣብ ዘሎ ናይ መሰጋገሪ እዋን፡ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሓጋጊ ኣካል ኮይኑ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነታትን ክምዝኸበር፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ከምዝሕለው፡ ፍትሒ፡ ሰላምን ርግኣትን ከምዝነግስ፡ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምቕራብን ብኲናት ንዝዓነወ ቁጠባ ንምትንሳእን ዘኽእሉ መደባት ዳግመ ህንጸትን ስምምዓትን ከምዝፈጸሙ፡ ደሞክራስያዊ ትካላት ከምዝህነጹ፡ ንህዝቢ ተሓታቲ ዝኾነ ምምሕዳር ከምዝምዕብል፡ምስ ከባቢን ዓለምን ኣድለይቲ ዝምድናታት ከምዝፍጠሩ፡ ክገብር እዩ።

ሓላፍነት ሃገራዊ ባይቶ ድማ፡ ፖሊስታት ምሕንጻጽን ትግባረኦም ምቁጽጻርን፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ልዑላውነትን ኤርትራ ምድላው፡ ፕረሲደንት ምምራጽን ንሱ ብዝኣመመሉ ካቢነ ሚኒስተራት ምቛምን፡ ጸብጻባት ካቢነ ሚኒስተራትን ብኡኡ ዝቐረበ ባደትን ናይ ልምዓት መደባትን ምጽዳቕ፡ ብስም ኤርትራ መሰረታዊ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ናይ ምክልኻልን ኣህጉራውን ስምምዓት ምፍቃድ ወይ ምጽዳቕ፡ ኣብ መደባት ህዝቢ፡ ተሳታፍነት ህዝቢ ዘረጋግጹ ፖሊስታት ምትላም፡ ኣዋጃት ምውጻእ፡ ምቛም መንግስታዊ ሚኒስትሪታት፡ ኮሚሽናት፡ በዓል መዚታትን ኣብያተ ጽሕፈትን ምጽዳቕ እዩ።

ንሃገራዊ ባይቶ ዝተዋህቡ እዋናዊ ዕማማት ድማ፡ ሃገራዊ ቅዋም ምንዳፍን ምጽዳቕን፡ ሕጊ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ዝነድፍ ኮሚቴ ምቛምን ስርሑ ምክትታልን፡ ሕጊ ፕረስን ካልኦት ንምምስራት ቅዋማዊ መንግስቲ ዘድልዩ ሕግታትን ዝነድፉ ኮሚቲታት ምቛምን ስርሖም ምክትታልን፡ ኮይኑ ብኣቦ-መንበርነት ፕረሲደንት ኣብ ሸሹዱሽተ ወርሒ ምዱብ ኣኼባኡ፡ ከከም ኣድላይነቱ ከኣ ብመጸዋዕታ ፕረሲደንት ወይ ብጠለብ ክልተ ሲሶ ኣባላቱ ህጹጽ ኣኼባ ይገብር።

እምበራርከስ ስርሑ ብግቡእ ኣሰላሲሉዉዶ ንዝብል ሕቶ ብኸፊልን ብሓፈሻዊ መገድን ንምምላስ፡ ዕላምኡ ወቒዑዉዶ? ዕማማቱ ክሳብ ክንደይ ኣሳሊጡ? ዝተጠቕመሉ ኣገባብዉከ ዕላምኡ ንምውቃዕ ክሳብ ክንደይ ይሳነ ኔሩ ዝብል ሕቶታት ምምላሽ የደሊ።

ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ቅዋም ከምዝጸድቕ ይግበር እምበር ቅዋማዊ መንግስቲ ከምዝምስረት ኣይገበረን፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነታትን መሊኡ ተኸቢሩ ክበሃል ኣይከኣልን፡ ሓድነት ህዝብን መሬትን ተሓልዩ፡ ኣብ ሕቶ ማዕርነትን ተሳታፍነትን ግን ክነዓቕ ዘይግብኦ ስምዒታት ኣሎ፡ ህዝቢ ፍትሒ ነጊሱሉ ኢሉ ኣይኣምንን፡ ሰላምን ርግኣትን ከኣ ይጽማእ ኣሎ፡ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽን ኣገልግሎታት ንምዕዛዝን ዝዓለሙ ብዙሓት መደባት ዳግመ ህንጸትንልምዓትን ተሰላሲሎምን ኣፍርዮምንዉኳ እንተኾኑ፡ ሕጂ ግን ልዕሊ ሓደን ፈረቓን ሚልዮን ህዝቢኣብ ሕማቕ ኩነታት ስለዘሎ፡ መነባብሮ ከፊኡ ኣሎ፡ ዳርጋ ኩሉ መንእሰይ ንምክልኻል ሃገር ወፊሩ ንኪጣየስ ይጽበ ኣሎ፡ ደሞክራስያዊ ትካላት ኣይዓንበቡን፡ ምምሕዳራትን ህዝብን ኣይተጠዓዓሙን፡ ምስ ጎረባብቲ ጽቡቕ ዝምድና ኣይተመስረተን፡ ኣብ መደመርያ ተበጊሱ ዝነበረ ጽቡቕ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዓለም ነዊሕ ከይጸንሐ ተደዊኑ ሕጂ ግን ኣብ ምምሕያሽ የምርሕ ኣሎ።

ባይቶ ፖሊስታት ንምሕንጻጽን ትግባረኦም ንምክትታልን፡ ባደትን ናይ ልምዓት መደባትን ንምጽዳቕ፡ ናይ ዝተፈላለዩ መዳያት ስምምዓት ንምፍቃድ ወይ ንምጽዳቕ፡ ኣዋጃት ንምውጻእ፡ ካቢነሚኒስተራት ንምቛምን ንምምስራት ላዕለዎት መንግስታዊ ኣካላት ንምጽዳቕን፡ ከምኡ ከኣ ብስሩዕኣኼባታቱ ንምግባርን፡ ዘኽእሎ ሰብኣዊን ተካላውን ዓቕሚ ኣየማዕበለን፡ ኣኼባታቱ ብስሩዕ ኣየካየደን። ናይ ኲናት ኩነታት እናሃለውዎን ህጹጽ ኣኼባታት ኣይገበረን።

ገለ ካብዉዚ ጉድለታትን ሕጽረታትን ነዚ ግዳማዊ ረቛሒታት ዘስዓብዎዉኳ እንተኾነ ብዙሕ ካብኡ ውሽጣዊን ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረን እዩ። ጠንቁን ሓላፍነቱን ድማ ናብ ምሉእ ባይቶ ዝወድቕእዩ። ክሳብ ሓደ ውሱን ደረጃ ምሉእ እምነት ኣብ ፕረስደንት ኣንቢርካ ሸለል ምባል፡ ሕጽረት ሓበሬታ ምህላው፡ ናይ ግንባርን መንግስትን ስራሓት ምድባላቕ ሰሪ ምትእምማን ተቢዕካ ዘይምቅዋምን ነሓፊነት ምስዕራርን፡ . . ወዘተ ገለ ካብዉቶም መበገሲታት ድኻም ሃገራዊ ባይቶ ኮይኖምክጥቀሱ ይከኣል።

ሃገራዊ ባይቶ ኣየጽድቆዉምበር ባደትን ናይ ልምዓት መደባትን ካልኦትን ኣይነበሩን ዲዮም ዝብልሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ። ባደት ኮነ ናይ ልምዓት መደብ ብመሰረት ናይ ሃገር ናይ ልምዓት ስትራተጂ ቀዳምነታት ሒዞም ዝስርዑ ናይ ዓመትን ብዙሕ ዓመታትን ስራሓት ብውሳነንን፡ ንምትግባሮም ዘድሊ ካብ ውሽጥን ግዳምን ክርከቡ ዝኽእሉ ጸጋታት (ሰብኣዊ፡ ንዋታውን ገንዘባዉውን)ምምቕራሕን ማለት እዩ። ክንደይ ጸጋታት ናብ ምክልኻል፡ ክንደይ ጸጋታት ናብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ክስላዕ የድሊ? ድሩትነት ናይ ጸጋታት ስለዘሎ ኣየናይ መዓስ ይግበር? ፈጻሚ ኣካል ወይ ፕረሲደንት ካብ ሓደ ናብ ካልእ ብዊንትኡ ከየመዛብል ድማ መቆጻጸሪ ኣገባብ ምትእትታውናይ ሃገራዊ ባይቶ ሓላፍነት እዩ። ቁጠባና ድኹም ኣታዊታትና ድማ ዘይንቡይ ስለዝነበረ፡ ብኸምኡ ክሰርሕን ብባይቶ ክጸድቕን ኣይከኣልን ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ንመደመርያ ውሑድ ዓመታት ናይ መምሃሪ መስርሕ ኮይኑ፡ ደሓር ግን ብግቡእ ክትግበር ዝነበሮ እዩ። ብዝተረፈ ሓላፍነት ሃገራዊ ባይቶ ብፈጻሚ ኣካል (ሚኒስትሪ ፋይናንስ ወይ ፕረሲደንት) ተሓዲጉ እዩ ጸኒሑ። ሓጋጊ ኣካል ንፈጻሚ ኣካል ዘለዎ ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ድማ የዳኽም።

ንሓጺር ናይ መስጋገሪ እዋን ተባሂሉ ሸለል ስለዝተባህለን ሕጂ ከም ተመኩሮ መምሃሪ ኮይኑ ክውሰድ ስለዝከኣልን እምበር፡ እቲ ዝዓበየ ጸገም መራሒ መንግስቲ፡ ፕረሲደንት፡ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ኣቦ መንበር ክኸውን ኣይነበሮን። ባይቶ ከኣ ብደካ ውሽጣዊ መምርሒ ስራሕ ምውጻእ፡ ግዝያውያንን ቀወምትን ኮሚቲታት መስሪቱ፡ ንፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን፡ ማሕበራውን ቁጠባውን፡ ምክልኻልን ድሕነት ሃገርን፡ ሕጋውን ምምሕዳራውን ከምኡውን ሰብኣዊ መሰልን ጉዳያት ብኪኢላታትን ተሳትፎ ህዝብን እናጽንዓ ንውሳነ ባይቶ ዘቕርባ ጌሩ ኪሰርሕ ነይርዎ። ኣብ ሸሽዱሽተኣዋርሕ እሞ ንሱ ከኣ እናተመጠጠ ዝናዋሕ ኣኼባታት ዘይኮነ፡ ብደካ ኣብ ዓመታዊ ዕረፍቲ ብቐጻሊ እናተኣከበ ጉዳይ ሃገር ዝዝትን ኣገደስቲ ሕግታት ዝውስንን ክኸውን ነይርዎ። ሕጂዉውን ናብ ሓቀኛ ቅውማዊ ስርዓት ክንሰጋገር እንተኾይንና፡ እዝን ካልእ ንቅዋማዊ ስርዓት ክዋደድ ዝግበኦ ነገራትን ከሎ ጌና ክፍጸም የድሊ። ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ፈጻሚ ኣካል ንትግባረ እዞም ተደለይቲ ነገራት መታን ከየደናጒን ከይዕንቅፍን ሃገራዊ ባይቶ ዋላ ግዝያዊ ኣቦ-መንበርን ኮሚተታትን ኣቚሙ ብተሳትፎ ህዝብን ክኢላታትን ክሰርሓሉ ዘድሊ ይመስለኒ።

ሕቶ፡- ኣብ ውሽጢዉዚ ዓሰርተ ዓመታት ብዙሕ ናይ ሚኒስተራት ምቅይያር ተጌሩ። ሃገራዊ ባይቶ ከጽድቆ ኔርዎ ዶ? ናይ ብቕዓት ጸገም ስለዝነበረ ዲዩ ወይስ ኻልእ ምኽንያት ነይሩ?

ድሩዕ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ብፕረሲደንት ተኣሚሙ ብሃገራዊ ባይቶ ይቐውም (መሰጋገሪ ቅዋም መንግስቲ ኤርትራ) ቀዳማይ ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ድማ ብኸምኡ ቆይሙ። ኣብ መንጎ ምዱብ ኣኼባታት ሃገራዊ ባይቶ፡ ፕረሲደንት ንሓደ ወይ ዝያዳ ሚኒስተር/ራት ካብ ስራሕ ደው ከብልን፡ ኣብ ዝመጽእ ምዱብ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ብምጽዳቕ ሃገራዊ ባይቶ ክትክእን/ኡን ይከኣል። ኣብ ተመክሮና፡ ብሸለልትነት ሃገራዊ ባይቶ፡ እዚ ኣገባብዉዚ ኣይተሰርሓሉን። ስሩዕ ግዜ ኣኸባታትዉውን ኣይተኸበረን።

ዕድመ መሰጋገሪ መንግስቲ ካብ ዓርባዕተ ዓመት ክነውሕ ስለዘይንበሮ፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ሚኒስተራት ምቅይያር ኣይድገፍን። ካብ ኣርባዕተ ዓመት ንላዕሊ ምስ ተመጠ ግን፡ ሚኒስተራት ጥራይ ዘይኮነ ፕረሲደንትዉውን ዘይቕየረሉ ምኽንያት እኮ የለን እዩ። ቦታ ፕረሲደንት ወይ ፕረሲደንት መሎኮታዊ ኣይኮነን።

ኣብ ከም ናይ ሕብረተሰብና ማሕበራዊ ኣቃውማን ደረጃ ምዕባለን ንፕረሲደንት ኮነ ንሚኒስተርዝሕጸ ሰብ ኣብ ብቕዓት ጥራይ ክምርኮስ ኣለዎ ክበሃል ኣይከኣልን። ብቐንዱ ፖለቲካዊ ሕርያ እዩ። ነቲ ብዙሕነት ናይ ሕብረተሰብ መታን ከንጸባርቕ፡ ኮነ ኢልካ ሃይማኖት ከባብን ጾታን ኣብ ግምት ምእታው የድሊ። ንሞዛይካዊ መልክዕ ዘይኮነ ግን፡ ብብቑዓት ካብዉቶም ዝተፈላለዩ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ረቋሒታት መሰረት ብምግባር ክኸውን የድሊ።

ኣብዉዚ ዝሓለፈ ናይ ሸውዓተ ዓመት ተመኩሮና፡ ናይ ሚኒስተራት ምቅይያር ተጌሩ እዩ። ብምጽዳቕ ናይ ሃገራዊ ባይቶ ዘይምዃኑ ርዱእዉኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ፕረሲደንት ብዝነበረ ክቱር እምነት እቲ ሕጋዊ ሕቶታት ኣይለዓልን ኔሩ። ዕቃበታትን ትዕዝብቲታትን እናሃለወን እናዕበየ እናኸደን ከሎዉውን። ምስ ሕቶ ኲናትን ሰላምን ዝተፈጥረ ስግኣታትን ግን ዕውር እምነት ኣብ ሕቶምልክት ክኣቱ፡ ስድራቤታዊ ኣሰራርሓ ዘየዋጽእ ኮይኑ ሕጋዊ ኣሰራርሓታት ክድለ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ብግርህነት ተታሒዙ ዝነበረ ጉዳያትዉውን ብነቐፈታዊ ዓይኒ ክረአ፡ መጻኢ ጉዕዞ ከኣ ድሓር ከየጣዕስ ውሑስ ባይታ ከምዝንጸፈሉ ክግበር፡ ተደልዩን ተደሚሩን።

ቀደም ተዘሪቡሉ ዘይፈልጥ መቅይያራት ኮነ ምድስካላት፡ ደሓር ግን ኣብ ባይቶ ምስ ዝተጋህዱናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ክመጹ ንዝደመሩ ለውጢታት ክዝረበሉ ደሚሩ። ንናይቶም ውልቀሰባትጥቕምን ስልጠናን ዘይኮነ፡ ኪኖኡ ዝኸይድ ጠንቂ ስምብራትን ከምዘለዎ እናበርሀ ብዝያዳ እናኣሰከፈን ስለዝመጸ ብዛዕባ ሸለል ይበሃል ንዝነበረ ምቅይያራት ዘይምዝራብ ክጣዕስን ተቓውሞ ከስዕብን ደሚሩ። ኣብ ቅድሚ ኣደራዕ ወሪድዎ ዘሎ ህዝቢ ብዛዕባ ኣብ መንግስቲ ዝርከቡ ሓለፍትን ሕቶ ሓላፍነታትን ምዝራብ፡ ብዛዕባ ስልጣን ምድላዪን ተኸሊእካ ምኹራይን ጌሩ ስለዝግለጽ፡ ንክትዛረበሉ ዘሰክፍዉኳ እንተኾነ፡ ኪኖ እቶም ውልቀሰባት ዝኸይድ ትርጉም ስለዘልዎ፡ ክዕበጥ ኣይጽቡቕን እዩ። ብውሑዱ መምሃርን መለበምን ክኸውን ይግባእ።

ሎሚ ጽባሕ ወያነ ወራር ክኸፍት እዩ ተባሂሉ ትጽቢት እናተገብረ፡ ወያነ ጸላእቱ ዝኾኑ ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ክኢላታት ኣባላት ደርግ ፈቲሑን መተባብዒ ሂቡን ኤርትራ ንምስዓር ኣብ ኲናት እናሰለፈ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዋላ ንውሉድ ወለዶ ኣብ ዕዳን ዕድዕዳን ይእቶ ብዘይገድስ ወያነ ዶላራት ጫሕ እናበለ ወጻእተኛታት ክኢላታት መርሰነሪታት እንውፈረ፡ ኩሎም ምኩራት ወተሃደራዊ ኪኢላታትና ናብ ዓውዲ ኩናት ከም ዝዋፈሩ ምግባርን፡ ወጻእተኛታት ክኢላታት ምዕዳግ/ምክራይን እኳ ይትረፍዉምበር፡ ብናይ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጉዳይ ኣሳቢብካ፡ መኸተና መታን ክሕይል ኣካያይዳን ንኽመዓራረ ተቓውሞ ስለዘረኣየ፡ ንደነራል ሓለቃ ስታፍ ምድስካል፡ ናይ ውልቀሰብን ናይ ስልጣን ሕቶን እዩ ኢልካ ጥራይ ክሕለፍ ኣይከኣልን።

ተመዛቢሉ ንዘሎ ህዝቢ ዘድልዮ ህጹጽ ረድኤት ክሕግዛ ጻውዒት ዝተገብረለን ዘይመንግስታውያንውድባት (ሞሐሠዘ)፡ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ብሃንደበት ከይትሰጉና ንዓና ዝምልከት ፖሊስኹም ብጽሑፍ ሃቡና ይብላ ስለዘለዋ፡ የድሊ እዩ ዝበሃል ርእይቶ ስለዝሃበት ሓላፊት ኮሚሽን ረድኤት ስደተኛታትን ኤርትራ ካብ ስርሓ ክትቅየር ውልቃዊን ናይ ስልጣን ሕቶን እዩ ኢልካ ጥራይ ክሕለፍ ኣይከኣልን።

ካልእዉውን ብዙሕ ከምኡ ተራእዩ እዩ። ኣብ ካልእ ግዜ ኔሩ እንተዝኸውን ዕቃበታትን ትዕዝብታትን እናሃለወካ ኣይምተዘርበሉን። ኣብዉዚ እዋንዉዚ ግን ንኩነታት ህዝቢ ብዛዕባ ዘደሊ ኣገዳሲ ጉዳያት ስለዝኾነ፡ ናይ ግድን የዛርብ። ሃገራዊ ባይቶ ከጽድቖዉኳ እንተለዎ፡ ፕረሲደንት ሚኒስተራትክቕይርን ዝኾነ ካልእ ምኽንያት ክህብ ስለዝኽእልን ግን፡ ንትዕዝብቲ ዝተርፍ ይኸውን።

ኣብ ሃገራዊ ትካላት፡ ብዙሕነት ሕብረተሰብና ንምንጽብራቕ፡ ብደካ ፖለቲካዊ ሕርያ፡ ካብ ኩሉ ወገናት ብቕዓት ከምዝጥረን ከምዝህሉን ንምግባር፡ ብውጥን ዕድላት ምኽፋትን ምትብባዕን ከድሊእዩ። ኣብዉዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ብደካ ፖለቲካዊ ሕርያ፡ ኣብ ማእከላይን ካልኣይን ላዕላይን ደረጃታት ካብ ዝርከቡ ተመሃሮ ብሄር፡ ሃይማኖት ጾታን ኣብ ግምት ብምእታውን ብፍሉይ ቆላሕታን ሓገዝን ናብዉተን ኣገደስቲ ሃገራውያን ትካላት ዋላ (ሰራዊት) ንምምልማል ክሳብ ክንደይ ወፍሪ ጌርና ፍሬኡ መዓስ ንጽበን ክንግምግም የድልየና እዩ። ምኽንያቱ ንሓዋሩ እቲ ፖለቲካዊ ሕርያ ብመምዘኒ ብቕዓትን ኪስነ ስለዘለዎ ብደረጃ ሚኒስተራት ከይተረፈዉውን። ሕቶ፡- ብሰንኪ ኩናት ምስ ወያነ ዘጋጠመ ጸገምን ጠንቁን እንታይ እዩ ትብል?

ድሩዕ፡ መስዋእቲ፡ ምምዝባል፡ ዕንወት . . . ክንድዚዉዩ ኢልካ ክጽብጸብ ኣይከኣልን። ዘስካሕክሕን ስምብራቱ ንነዊሕ ዝጸንሕን እዩ። ክትዝርዝረሉ ዘይኮነ፡ ኣብ ምፍትሑ ክትሕግዞ እዩ ትጽቢት ዝግበር፡ ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ዓዱ ተመሊሱ መነባብሮኡ ከመሓይሽ፡ ከቲቱ ዘሎ መንእሰይ ቀልጢፉ ዝጣየሰሉ ኩነታት ክፍጠር፡ ድሕሪ ሕጂ ህዝብና ኲናት ዘይርእየሉ ኩነታት ክመጽእ ይድለ ኣሎ። ንምቅላሉን ንምፍትሑን ከኣ ብርቱዕ ጻዕሪ፡ ብዓቢኡ ድማ ሰላምን ምርግጋእን ክሓትት እዩ። ሓቀኛ ቅዋማዊ ስርዓት ከኣ ምዘëእ ኩነታት ክፈጥር ይኽእል። ጠንቁ ናይ ወያነ ወራር እዩ። ናትና ድኻም ግን ብግቡእ ክግምገም ዝግብኦ እዩ።

ሕቶ፡- ንናይ ደገ ማዕከናት ዜና ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቖጢብኩም ከምዘለኹም ይዝረብ። ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ?

ድሩዕ፡ እቲ ጉዳይ ንህዝብና ስለዝምልከት።

ሕቶ፡- ሕራይ፡ እዚ ምንቅስቓስኩም ብኸመይ ደሚሩ? ዝመርሖ ሰብዉከ ኣለዎዉዶ?

ድሩዕ፡ ከም ኣባልት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶታት ሓድሽ ነገርን ሓዲሽ ምንቅስቓስን ኣላዓዒልናኣሎና ክብል ኣይክእልን። ኩሉ እቲ ነልዕሎ ዘሎና ሕቶታትን ርእይቶታትን ናይ ውድብ ሕቶታትን ርእይቶታትን እዩ። ብዕትበትን ጭቡጥ ስጉምቲታት ብምውሳድን ከተተግብሮ ናይ ምጽዓር ሕቶ ጥራይ እዩ ዝመስለኒ። ብተፈላለየ ምኽንያታት (ድኽመት እዩ) ክንሰርሓሉን ክንቃለስሉን ዝነበረናዉምበር፡ ናይ 15 ሰባት ፍሉይ ኣደንዳ ኣይኮነን። ናብ ቅዋማዊ ስርዓት ናይ መሰጋገሪ ኣገዳሲ (ሆሦሕሩሕሆሃማ) እዋን ስለዝኾነ ግን፡ ብትብዓት ክንገጥሞ ዘለና ኮይኑ ረኺብናዮ ኣሎና። ህዝብና ሓቀኛ ቅዋማዊስርዓት ተኪሉ ክንርኢ ስለንደሊ።

እቲ ጉዳይ ተመኻኺርካ ዝተበገሰን፡ ኣብዉዚ ኣዋንዉዚ እዩ ነቂሉ ዘይትብሎን ኮይኑ እናተዋህለለንኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተንጠልጠለ ኣስጋኢ ኩናታን ዝወረደ ጸገማትን ዝደረኾን ተርእዮ እዩ ክብል እደፍር። ናይ ነብሰ ነቐፈታን መብጻዓ ምሕዳስን ተርእዮ እዩዉውን።

ናይ ማእከላይን ሃገራዊን ባይቶታት ኣካል ምበር ዝተፈልየ ስለዘይኮነ፡ ከም ፍሉይ ኣካል ክትዛረበሉን ክውሰድን ኣይከኣልን። ናይ ዘይተዛረቡ ኣባላት ማእከላይ ሃገራውን ባይቶታት ናይ ካድረታትን ኣባላት ውድብ፡ ከምኡ ከኣ ናይ ህዝቢ ድሌት ስለዘሎን ድማ ናይ ፍሉያት ሰባት ጌርካ ክውሰድ ኣይግብኦን።

ሕቶ፡- ተራ ናጻ ፕረስ ሃገርና ከመይ ትግምግሞ? ድሩዕ፡ ኣብ ሃገርና ብሕታዊ ፕረስ፡ ሓደ ወልዶ እዩ ዘሎ፡ ሰብኣውን ትካላውን ዓቕሙ ጌና ትሑት እዩ ዘሎ። ብናይ መንግስታዊ ፕረስ ተዓብሊሉን ተዓፊኑን ስለዝጸንሐ፡ ሕጂ ይብገስ ኣሎ። ንምዕባለኡ ክሕግዝ ዝኽእል ጉዳያትን ዕቑር ዓቅምን ስለዘሎ ግን ትስፉው እዩ።

ኣብዚ እዋንዉዚ ዝረአ ዘሎ ስምዒታውን ዘለፋ ዝተሓወሶን ዘረባታት(ካባና ደሚርካ) ቀስ ብቐስዘፍ ክብልን፡ ብእርኑብን ንርእይቶታት ጥራይ ብነቐፌታውን ሃናጽን መገዲ ዝርኢን ጽሑፋት፡ እናተተከአ ክኸይድን እዩ።

ብሕታዊ ፕረስ፡ ኣብ ምዕማቝ ደሞክራሲን ምምዕባል ፖለቲካዊ ባህልን ኣገዳሲ ተራ ስለዘጻወት፡ ናይ መንግስቲን ብሕታዊ ክፋልን ቆላሕታን ደገፍን ከድልዮ እዩ። ምምዕባሉን ምድልዳሉን ብውሽጣዊ ትሕዝቶ ጥራይ ስለዘይከኣል፡ ከምዉቲ መንግስትን ማሕበራት ሓፋሽን ዓቕመን ንምምዕባል ብግሉጽ መገዲ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ዝሓታን ዝረኽባን፡ ብሕታዊ ፕረስዉውን ካብ ከምኡ ሓገዝ ክጥቀም ዝኽእልን ዘለዎን ኮይኑ ይረኣየኒ።

ኩሉ ግዜ ብፍላይ ከኣ ኣገዳሲ ነጥቢ መቐይሮ ኣብ ዝኾነ ናብ ቅዋማዊ ስርዓት መስጋገሪ እዋን፡ ህዝቢ ብናጻ ርእይቶኡ ክህብን፡ ንመጻኢ ጉዕዞኡ ኣዝዮም ጸለውቲ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ብክፉትከመያየጥን፡ ስለዝግባእ ናጻ ፕረስ ኣገዳሲ እዩ። ብዝኾነ ይኹን ምስምስን ስልበጣን ክዕፈን ከኣ ኣይግባእን።

ኣብ መወዳእታ ክትብሎ ትደሊ ነገር እንተሎ፡ ዕድል ክንህበካ?

ድሩዕ፡ እዚ ኩነታትዉዚ ንህዝቢ ኣሻቒልዎ ምህላዉ ይሰመዓንን ከምኡ ምዃኑ የሕዝነንን። ህዝቢኪሻቐል ኣይንደሊን ኢና። ካብዉዚ ኩሉ ሽግር ወጺኡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ኪስእን ኣይግባእን። ኣይ ኢዱን እዩ። ከምኡ ኪኸውን የብሉን።

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ኣብዉዚ እዋንዉዚ ከጋጥም ዘይክእል ዚነበረ ኣይኮነን። ንህዝቢ ዘሻቕሎ ዘሎ ግን ናብ ጎነጽን ዘየድሊ ሓይሊ ምጥቃምን ከየምርሕ እዩ። ከምኡ ከይከውን ንሕና ሕጋዊ ሰላማዊን ዘተኣዊን መንገዲ ጥራይ ኢና ኪንጥቀም ጸኒሕናን ኪቕጽል ንደልዮን።

ሰራዊታና ብደካ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳብ ሕጂ ተጋዳላይ ዚሕመረቱ ኮይኑ ስለዚጸንሐ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ሃገር ጸግዒ ውድብ ሒዙዉኳ እንተኾነ ንቕዋም ዚምእዘዝን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ፍልልያት ውሽጢ ሃገር ከምሃገራዊ ትካል ኢዱ ከእቱ ስለዘይብሉን፡ እዚ ዘሎ ፍልልይ ናብ ጎነጽን ሓይሊ ምጥቃምን ከምርሕ ኣይክእልን። ኣይግባእን ከኣ።

ፕረሲደንት ካብ ሕጊ ወጺኡ ነዚ ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይን ሰላማዊ ተቓውሞን ብጎነጽ ወይብኻልእ ኣመሳሚሱን ጉልባብ ገይሩን ኪድርቁስ ኪፍትንን ኣይግባእን። ብምምይያጥን ክፉት ዘተንጥራይ ዚፍታሕ እዩ። ባዕሉ ብሕጊ ኪሕዞ እንተኾይኑ ከኣ፡ ባዕሉ ከሳሲን ፈራዲን ክኸውን ከምዘይክእል ኪበርህ የድሊ።

ህዝቢ ተዓዛባይ ኪኸውን ስለዘይብሉ፡ ከምዉቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሞንጎ ደብሃን ሻዕብያን ኪዓርቕዝጸዓረን ኣገዳሲ ተራ ዝተወጻወተን ሕጂዉውን ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን (ውግእ ወያነ) ሰላማዊ ፍታሕን ዕርቂን ንኽርከብዉኳ ብመራሕቲ ሃይማኖቱ ዝጸዕረ፡ ናይ ውሽጡ ሽግር ንምፍታሕ እሞ ከኣ ልዑል ሓላፍነት ኣለዎ ኢለ እኣምን።

የቐንየልና ድሩዕ

ድሩዕ፡ የቐንየለይ

 

Last Updated ( Saturday, 15 March 2008 )
 
< Prev   Next >