ናብ ዝኸበርክን ዝኸበርኩምን ኣባላት አጻረይት ኮሚቴ፡

ብመጀመርታ፡ ዝለዓለ ሕውነታውን ሃገራውን ሰላምታይ የቕርበልኩም፡ ብምቕጻል ንኹልኻትኩም ኣብ ሂወትኩም ሙሉእ ጥዕና፣ ኣብዚ ተሰላስልዎ ዘለኹም ረዚን ሃገራዊ ዕማም ከኣ ኣሳልጦ ንክትረኽቡ ይምነየልኩም፡፡  ከምቲ  ኣብቲ ናይ ትማሊ 28/11/2011 ፈላሚ ርክብና ዝገለጽኩልኩም እዚ ኣብ ታሓቲ ዘሎ ወግዓዊ መግለጺ  ናተይ ናይ ዳንኤል ተወልደ መብርሂ ጽሑፍ ኢዩ፡፡

ሓጺር መእተዊ

ኣቐዲመ ጉዳየይ፣ ጉዳይ ዳንኤል ተወልደ  ምስ ጉዳይ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ከምኡ’ውን ምስ ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤን ዝተተሓሓዘ ዘይምዃኑ ክሕብር ይፈቱ። እቲ ምንታይ ኩሉኻትኩም ከም እትፈልጥዎ ካብ ምምስራት ሃገራዊ ኮሚሽን ክሳብ ዱሮ ሃገራዊ ጉባኤን ክሳብ ሎሚን ኣብ ሃገርና ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ዝከኣለኒ ኣበርክቶ ከም ዝገበርኩን ገና’ውን ይገብር ከም ዘለኹን ይፈልጥ። ጉዳየይ ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምግሃስ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ምጥሓስ ልዕና ሕግን ዝምልከት ኢዩ። እዚ ኣብ ልዕለይ ዝተተግበረ ምልካውን ዘይዲሞክራስያውን በደልን ሕጂ ኣብ እግሪ ተኽሊ እንከለና ግቡእን መሰረታውን ፍታሕ እንተዘይተገይሩሉ፣ መመሊሱ እናሳዕረረ ከም ዝኸይድ ኣይጠራጠርን ኢየ። ሰባት ትሕቲ ሕጊ ምዃንና ንክንፈልጥ እዞም ትማሊ  ገዛእ ስልጣኖም ተጠቒሞም ኣብ ልዕለይ ገበን ዝፈጸሙ ኣቦ መንበር ኣቶ ኣምሃ ደሞኒኮን ምክትሉ ኣቶ ዓብደልራሕማ  ጣሃን ከምኡ’ ውን ብዘይ ጉቡእ መጽናዕቲ ዘይርትዓዊ ውሳነ ኣብ ልዕለይ ንክውሰድ ዝደገፉን ዝተሓባበሩን ኩሎም ኮምሽነራትን ሎሚ ክእረሙን ንዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ክርዕሙን ይግባእ።

 

ክብርትን ክቡራንን ኣባላት አጻራይቲ ኮሚቴ!

ብቐዳምነት፡ ነዘን ኣብ ታሓቲ ሰፊረን ዘለዋ ኣገደስቲ ሕቶታት ብጽሑፍ መልሲ ክዋሃበኒ ብትሕትና ይሓትት!፡

  1. ኮምሽን ኣብ ዋዕላ ዝተዋሃቦ  ደረት ስልጣን ግሂሱ፡ ኣብ ጉባኤ ንኸይሳተፍ ስለዝኣገደኒ፡ ከም ናይ ህዝቢ ወኪል፡ ብቐዳምነት ነዚ ጉጉይ ስጉምቲ’ዚ ንክወስድ ዝደረኹዎ ረቛሒታት እንታይ ምዃኖም ይሓትት?
  2. ኣነ ዝፈጸምክዎ ነገር እንተሎ “ብናጻ ኣካል”  ከይተረጋገጸ ስለምንታይ ከም ገበነኛ ተቘጺረ?
  3. ስለምንታይ ኮምሽን ቅድሚ ምዉሳኑ ነቲ ጉዳይ ተጻሪ ኮሚተ ክትምስረት ዘይተደለየ?
  4. ስለምንታይ ክሲ ብመርትዖ ከይተረጋገጸ፡ ኣነ ኣብ ጉባኤ ንኸይሳተፍ ተወሲኑ?
  5. ከሰስቲ ዘቕረብዎ መርትዖ ኣበይ ኣሎ?
  6. “ንድሕነት ጉባኤ” ፖለቲካዊ ውሳኔ ከም ዝተወስደ ተገሊጹ። “ድሕነት” እንታይ ማለት እዩ? ኣነ ብኸመይ ጠንቂ  ድሕነት ጉባኤ ክኸውን ይኽእል? ኮምሽን በየናይ ፖለቲካዊ ውሳኔ እዩ ወሲኑ? ኣየናይ ኣካል እዩ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ሂብዎ? ኮምሽን ናየናይ “ፖለቲካዊ” ውድብ እዩ ውሳኔ ዝውስን?
  7. ንኣቦ ወንበር ኮምሽን፡ ንአባላት ፈጻሚት ሽምግለ  ስለዝነቐፍካ፡  ኣብ ኮምሽን ዘሎ ድኽመታት ንህዝቢ ስለዝሓበርካ ብኸመይ ንሃገራዊ ጉባኤ ሓደጋ ክትከውን ትኽእል?
  8. ተጸዋዕነትኩም፡ ነታ ንጉባኤ ትመርሕ ዘላ ሰክረታርያት ብምዃኑ፡ ናይ ስራሕኩም ውጽኢት፡ ወይ ተቕርብዎ ጸብጻብ ብቐጥታ ንህዝቢ ወይ ንጉባኤኛታት ስለዘይኰነ፡ እዛ ኮሚቴ ነጻ ኣካል ምዃና ብኸመይ ተረጋግጽ?

 

  1. ጉባኤኛታት ኣጻራይት ኮሚተ ክትምዘዝ ዝተሰማምዕሉ ብዕለት 24 ሕዳር ናይ ድሕሪ ቀትሪ ክንሱ፡ ስለምንታይ ክሳብ ዕለት 27 ሕዳር  ዘይተመስረተትን ስርሓ ከይጀመረትን ጸኒሓ?

 

  1.  ኣነ ስጋዕ ክንድዚ ንህዝብን ሃገርን ሓደገኛ ኔሬ እንተኾይነ ንምንታይ እዩ ኮምሽን ስጋዕ ድሮ ጉባኤ ካብ ስረሐይን ሓላፍነተይን ከየልዓሉኒ ጸኒሖም?

ክቡርቲ ሓፍትን ኣሕዋትን

ቅድሚ ኩሉ ውጽኢት ናይ ስራሕኹምን እቲ ተቕርብዎ ጸብጻብ ብቐጥታ ናብ’ቲ ነዚ ግርጭት እዚ ንክትፈትሑ ዝመረጸኩም ህዝቢ (ጉባኤኛታት) ዘይኮነስ ነታ ሰክርታርያት ከምኡ’ውን ተጸዋዕነትኩም ንሰኪርታርያት ብሙዃኑ እዛ ኮሚቴ ከም ነጻ ኣካል ክርእያ የጸግመኒ ሙዃኑ ክትርድኡለይ ይፈቱ፡፡

ብምቅጻል፡ እንታይ ከም ዝተፈጸመ? ኣነ ነዚ ጉዳይ ብከመይ ይርእዮን ይርዶኦን? ብከመይ ናብዚ በጽሒዎ ዘሎ ደረጃ ከምዝተሰብብብብጋገረ ወይ ከምዝማዕበለ? ናይ ኮምሽን ውሳኔ’ኸ ብኸመይ ተወሲኑ? ኣብ ዝብል ሓፈሻዊ ሓበሬታ ክህብኩም ብዝሓተትክሙኒ  መሰረት፡ ኣብ’ቲ ዓበይትን ድሒሮም ዝመጹ ምዕባለታትን ጥራይ ዘቶኮረ ሓጺር ወግዓዊ መልሰይ ከምዚ ይመስል፡፡

ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ጉዳይ ንተወሳኺ ሓበሬታ ከኣ ኣብቲ ቅድሚ ሳልስቲ ናብ ኮሚሽነራት ብመርበባት ኢንተርኔትን ዝለኣኽኩዎ ጽሑፍ ክትውከሱ ከም ትኽእሉ ክሕብረኩም እደሊ። እዚ ጀሚርክሞ ዘለኹም ናይ ምጽራይ መስርሕ፡ ብዝበለጸ ፍትሓውን ኣወንታውን ውጽኢት ክርከቦ እንተዀይኑ ግን፡ ብቐዳምነት ነተን ኣብ ላዕሊ ዘቕረብክወን ካልእን ሕቶታትን መልሲ ምስተረኸበለን ምዃኑ ክሕብረኩም ይፈቱ።

ጉዳይ ምድስካል ካብ ፈጻሚት ሽማገለ

ድሕሪ’ቲ ናይ ሙህራት ኣብ ወርሒ መስከረም  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ከምዝደስከልኩ ኣንዳተገለጸለይ መጺኡ። ኣነ ኣብ ናይ ፈጻሚት ሽማግለ ኣኼባታት ኣይኣቱን ኔሬ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኽኣቱ እዉን እንዳኸኣልኩ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከለኹ ኣኼባታት ብጎኒ የካይዱ ነይሮም፡፡  ኣነ ብወገነይ ነዚ ናይ ምድስካል ስጉምቲ ንምብዳህ ፡  ንኣቦ ወንበር ናይ ፈጻሚት ሽማግለ ናይ ሶሙን ድዩ ናይ ወርሒ መደብ ስራሕን ኣጀንዳን ክሰርዓልና ክህበንን ብዙሕ ጊዜ ተውኪሰዮ። ኣንተኾነ አብ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚት ሽምግለ ኣነ ዝፈልጦ ሓበራዊ ናይ ስራሕ መደብ ኣኼባን አጀንዳን ከይተሰርዑ፡ ካብ መስከረም ናብ ጉባኤ ኣቲና፡፡  ከም ውጺኢቱ ናይዚ ምድስካል ኣነ ከም ጓና፡ ዝተፈላለዩ ወሳኔታት ናይ ፈጻሚት ሽምግለ ኮምሽን ካብ ደገ ይስምዖም ነይረ፡፡ ንአብነት ውሳነ ብዛዕባ ብሕርያ ንዝመጹ ካብ 100 – 150 ዝዀኑ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ጉባኤ። ውሳነ ( ጥቅምቲ 5, 2011 ) ፡ ብዛዕባ ጉባኤ ዝካየደሉ ወርሒን ዕለትን ከም ዝተቐየረ። ውሳነ (ጥቅምቲ 30, 2011) ፡ ብዛዕባ ኣብ ሞንጎ ዉድባት ከምኡ’ውን በርጌሳውያን ማሓበራት ንምድላው ሃገራዊ ጉባኤ። ውሳነ ( ህዳር 3 , 2011 ) ብዛዕባ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ናይ ምርጫ ግርጭታት። ውሳነ ብዛዓባ ምድላው ንሃገራዊ ጉባኤን ምምስራት ዝተፈላልዩ ኮሚቴታት ከምኡዉን ናይ ሜድያ ኮሚቴ። ውሳነ ብዛዕባ ኣብ 3ይን መወዳእታን ኣኼባ ኮምሽን ዝቐርቡ ኣጀንዳታት ወዘተ እዮም፡፡

እዚ ናይ ምድስካል ሱጉምቲ’ዚ፡ ብቀጥታ ነቲ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ሃሲዎ እዩ። ኣነ ከም ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ከም ኣቦ ወንበር ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ጉቡእ ሓበሬታ ኣይረክብን ነይረ ጥራይ ዘይኰንኩ፡ እዋናዊ ሓበሬታ፡ ዝተፋላለዩ ኣገደስቲ ደብዳበታትን ጸብጻባትን ካባይ ኮነ ኢልካ ይሕብኡ ነይሮም። በዚ ምኽንያት፡ ኣነ ስራሐይ ከምቲ ዝግባእ ንኸይዓምም ይዕንቅፈኒ ነይሩ። ናይ ምስራሕ ድልይተይን መንፈሰይን ይርብሾ ነይሩ ፡፡ ብዛዕባ እዝ’ን ካልእን፡ ንኣብነት ብዛዕባ ግሉጽነት ኣገባብ ውሳነ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣሓሓሓበሬታ ምውህሃብን ዝኣመሰሉ ንኮምሽን ዝጸሓፍክዎም ከም ኣብነት ኣታሓሒዘ የቕርበልኩም ኣለኹ፡፡ (ቀዳመይቲ ጥብቆ #1, #2 ከምኡ’ወን #3)

ጉዳይ ምቕዳሕ ኣኼባ ናይ ኮምሽን

ፈጻሚት ሽማግለ ኮምሽን ኣቐዲሙ፡ ኣብ ኮምሽን ዝካየድ ኣኼባታትን ስርሓትን፡ ብኦድዮ፣ ብቪድዮን ብደረቕ ስእልን ክስነድ ወሲኑ እዩ። ኣነ ከም ኣቦ ወንበር ሽማገለ ዜናን ሓበሬታን፡ ነቲ ብፈጻሚት አካል ዝጸደቐ መደብ ዕዮን ናይ ሽማገለ ዜናን ሓበሬታን  (ካልአይቲ ጥብቆ) ከምኡ’ወን ካብቲ ዝተዋህበኒ ሓላፍነት ብምብጋስ  ነታ ኣቀዲመ’ውን ክጥቀመላ ዝጸናሕኩ መቕረጺት ድምጺ፡ ኩሎም ኣባላት ፈጸምቲ ክርእዩዋ ኣብ ዝኽእልሉ ናይ ቀረባ ርሕቀት ኣብ  ዝርከብ ጠረጴዛ ጌሬ፡ ነቲ ናይ ኮምሽን 2 ስሩዕ አኼባታት ብድምጺ ቀዲሐዮ እየ (ሳልሳይቲ ጥብቆ )፡ ብተውሳኺ ኣብቲ ናይ ሽማገለ ዜናን ሓበሬታን ዝወጸ ባጀት 2 መቕረጺ ድምጺ ክንገዝእ ፈጻሚት ሽምግለ አጸዲቓ ነይራ (ራብዓይቲ ጥብቆ)። ነቲ 3ይ ስሩዕ አኼባ ኮምሽን እውን ብተማሳሳሊ መንገዲ ይቀድሖ ነይረ፡፡  እንተኾነ ኣብቲ ብ14 ሕዳር ዝተኻየደ፡ ናይ ኮምሽን 3ይን መወዳአታን፡ ምኽትል ኣቦ መንበር ኮምሽን፡ ኣቶ ዓብድራሕማን ጣሃ፡ ተሓቢእካ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ክትቀድሕ ጸኒሕካ ብዝብል ምስምስ፡ ንኣዋርሕ ብዙሕ ነገር ክስንደላ ዝጸናሕኩ፡ ኣብ ውሽጣ ድማ ብጥንቃቐ ክተሓዙ ዝግብኦም ዓበይትን ኣገደስትን ሰነዳት ዝሓዘት መቕረጺት ድምጺ፡ ብሓይልን ፍጹም ፋሉላዊ ብዝኾነ ኣሰራርሓን፡  ካብ ኢደይ መንጢሉ ወሲዱዋ ኣሎ፡፡ 

ብህዝቢ ዝተዋሃበኒ ሓላፍነት ደው ከብል፡ ክቐድሕ፡ ዘይሕጋዊ እንተነይሩ ግን፡ ክጅምሮ ከለኹ ብዝምልከቶም ኣካላት ክሕበረኒ ይግባእ ነይሩ።

ከምቲ ዝተባህለ’ውን ብትሕቲ ወረቐት ሓቢኤ ይቀድሕ እንተ ነይረ፡ እቲ ኣኼባ ምስተዛዘመ ከመይ ገይሮም ነታ ኣብ ትሕቲ ወረቐት ታሓቢአ ዝነበረት ርእዮማ?  ኣነ ክመልእ ዘይድለ ነይሩ እንተ ዀይኑ ስለምንታይ ኣቐዲሙ ካልእ ዝመልእ ሰብ ዘይተዳለወ? እንታይ ስለ ዝተርኽበ እዩ፡ ብህዝቢ እምነት ዚተነበረሉ ናይ ዜናን ሓበሬታ ሓላፊን ዝዀነ ብኸምኡ ክጥርጠር ኪኢሉ? ነቲ “ሚስጥር” ተባሂሉ ዝንገር ዝተቐድሐ ድምጺ ኸ፡ ኣቐዲሙ ክርአ (ሳንሱር) ኪግበረ ኣይምስተኻእለን ድዩ? ወይ ከይተቓለሐ ክተርፍ ዶ ኣይምስተኻእለን?

እቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ምኽትል ኣቦ መንበር ኣቶ ዓብድራሕማን ጣሃ ኣብ ልዕለይ ዘካየዶ ናይ ምምንጣል ሕጋዊ ሰነድ ዝሓዘ መቅረጺ ድምጺ ኣየብቀዐን። ኣቶ ኣምሃ ዶሞኒኮ’ውን ነቲ ናይ ብሕተይ ንብረት ዝኾነ ላፕቶፕ ኮምፕዩተር’ ውን ከይተረፈ ንክምርመር ከረክቦ ሓቲቱ እዩ። ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ምዕባለ፡ ኣብቲ ንኮምሽነራት ብ15 ሕዳር ዝዘርጋሕኩዎ ደብዳቤ ከምዘለዎ ኣብ “ሓምሻይ ጥብቆ” ተመልክቱ!  

ጉዳይ ምውራድ ካብ መዝነት ኣቦ ወንበር ዜናን ሓበሬታን

ድሕሪ እቲ ብዕለት14 ሕዳር ምሸት ዘጋጠመ፡ ብዘይ ፍቃድ ብመቅረጺ ድምጺ ቀዲሕካ ዝብል ኣብ ሓቂ ዘይተሞርከሰ ክሲ፡ አቦ ወንበር ኮምሽን ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን ንጸባሒቱ ዕለት15 ሕዳር፡ ንልዕሊ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ብዛዕባይ ጸብጻብ ኣቅሪቡ። ኣብቲ ጸብጻብ ከምቲ ልሙድ ኣብቲ ዝተሳተፍኩዎ  ናይ ፈጻሚት ኣካል ኣኼባ ንበይነይ ዝዝለፎን ዝጽረፎን ከይኣክል ኣብ ቅድሚ ኩሎም ኮምሽነራት ኣሽንኳይ’ዶ ንፍትሕን ንለውጥን ንኽቃለስ ብህዝቢ ዓቢ ትጽቢት ተነቢሩሉ ከም ኣቦ ወንበር ዝተመርጸ ሰብ ይትረፍ’ሲ ዝኾነ ብስነምግባር ዘይተሃንጸ ሰብ ዘይብሎ ኣነ’ውን ሕጂ ዘሕንኸኒ፡ ከም እኒ ጃሱስ፣ ብጽብጽን ካልእን ዝብል ጸርፍን፡ መርትዖ ዘይርከቦም ጸለመታትን ክስታትን ኣብ ልዕለይ ክዘንቡ ከለው፡ እቶም ዝተረኽቡ  ኮምሽነራት ብኣካል ተዓዚቦም ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ሓደ ሰብ’ኳ ዓገብ ዝብል ኣይነበረን። ብተወሳኺ ኣቶ ኣምሃ፡ “ዳኒኤል ንኪዛረብ ብዙሕ ዕድል ኣይትሃብዎ” ክብል ንኮምሽነራት ኣጠንቂቑ እዩ፡፡ 

ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ኣኼበኛታት ዘረባ ናይ ክልተ ከይሰምዑ ውሳኔ ከመሓላልፉ ጸቕጢ ተገይሩ እዩ። አቦ ወንበር ኮምሽን ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን ኣብ ልዕለይ ዘውረዶ ጭብጢ ዘይብሉ ጸለመን ክስን መልሲ ንኽህብ ዕድል ከይረኸብኩ፡ ኮምሽነራት ንክልተ ከይሰምዑ ንክፍረድ ምእንታን እቲ ዕድል ንገዛ ተዋሂቡ፡፡  ሓፍትና ኮምሽነር አውድያ “ዳኒኤል ነቲ ኣብ ልዕሌኻ ቀሪቡ ዘሎ ክስታት መልሲ ሃበሉ” ኢላ ሓቲታ።  እንተኾነ ነቲ አኼባ ኮምሽን ዝመርሕ ዝነበረ ምኽትል ኣቦ ወንበር ኮምሽን፡ ኣቶ ዓብድራሕማን ጣሃ፡ ሕጂ’ውን ንዓይ ንኽሱስ ዕድል ክይሃበ ንኮምሽነር ነጸርአብ አስምላሽ ዕድል ሂብዎ፡፡  ኣቶ ነጸርአብ ኣስምላሽ “እዚ ጉዳይ ዘገርም እዩ”። ኣብ’ቲ ትማሊ ብ14 ሕዳር ዘቕረብኩሞ ናይ ፈጻሚት ጸብጻብ (ሽድሻይ ጥብቆ­ )ብዛዓባ ዳንኤል ተወልደ ቅንጣብ ኣየስፈርኩምን። እሞ ድሕሪ እቲ ናይ ትማሊ ዳንኤል ዘቅረቦ ነቄፋታታት ሎሚ እዚ ኩሉ ገበን ክተሸክምዎ ኣይግባእን እዩ። ነዚ ጉዳይ እተጻሪ ኮሚቴ እንተ ትመስረት” ዝብል እማመ ኣቕሪቡ።

እንደገና አቦ ወንበር ኮምሽን ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮ ንሓሳብ ነጸርአብ አስምላሽ ክምልስ ጀሚሩ፡  “ንሕና ነዚ ናይ ዳንኤል ጉዳይ ሸለል ኢልናዮ ክንሓልፍ ኢና ሓሲብና።  እንተኾነ ትማሊ ባዕሉ ኣጎሃሂርዎ። ንሕና ትም ክንብል ተጸቢናዮ፡  እንትኾነ ትም ምባል ስልዝአበየ ንሕና ሎሚ ናቱ ጉዳይ ኣምጺናዮ” በለ። እቲ ኣነ ብዕለት 14 ሕዳር ኣብ ኣኼባ ዘቅረብክዎ ነቐፌታ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ፈጻሚት ጸብጻብ ክንደይ ከም ዝረበሾ ባዕሉ ተቓሊዑ። እንተዀነ ምኽትል ኣቦ ወንበር ኮምሽን፡ ኣቶ ዓብድራሕማን ጣሃ “እቲ ናይ ሎሚ ቀንዲ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ብዛዕባ ዳንኤል ብዘይ ፍቓድ ድምጺ ምቕድሑ እዩ” ብምባል ነቲ ጉዳይ ብምእላይን ብምትዕርራይን እንደገና ኮምሽነራት ንኽልተ ወገን ከይሰምዑ ንኽፈርዱ ምእንታን እቲ ዕድል ንካልኦት ሂብዎም፡፡

ኮምሽነር ኪዳነ ተኽለ፡ ካብ ሽወደን ዝመጸ  “ንዳንኤል ሕጂ ካብ ስርሑ ነደስክሎ (Suspend) ንግበሮ” ናቱ መልሲ ካአ ብጽሑፍ ይሃበና ክብል ተሰሚዑ። እቲ ኣኼባ ናብ ቤት ፍርዲ ተቐይሩ። ቀጺሎም እውን ካልኦት ኮምሽነራት ፍርዶም ክህቡ ጀሚሮም፡፡ እቲ ጉዳይ ብኸምኡ ልዕሊ  ሓደ ስዓት ምስከደ ኣነ “ትውጂ” ስርዓተ ነጥቢ ኢለ  እዚ ጉዳይ ኣንፈቱ ይስሕት ከምዘሎን፡ ንምፍራድ ታህዋኽ ይረእይ ከምዘሎን፡  ኣነ ከም ክሱስ ናተይ ከይተሰምዔ ምፍራድ ዝንብዑሙዃኑን፡ ኣነ ዕድል ክወሃበንን ኣብቲ ዘቅረቡዎ መርትዖ ዘይርከቦም ጸለመታትን ክስታትን ርእይቶይ ከቐምጥ ዕድል ክወሃበኒ ሓቲተ። እንተኾነ ብድሕሪኡ’ውን እንደገና ንዓይ ንኽሱስ ዕድል ከይተዋህበ ንኻልኦት ኮምሽነራት ዕድል ተዋሂብዎም። እቲ ጉዳይ ብኸምኡ ብዝይ ፍታሓዊ ኣገባብ ንተወሳኺ ልዕሊ ሰዕትን ፈረቓን ምስክደ፡  ኣነ እንደገና ዕድል ይወሃበኒ ኢለ ምስሓተትኩን ካልኦት’ውን ሃብዎ ምስበሉ፡ ንሓሙሽተ (5) ደቂቅ ዕድል ተዋሂቡካ ኣሎ ተባሂለ። አነ እውን ነታ መሰረታዊት ሕቶ “ብዘይ ፍቃድ ድምጺ ቕዲሕካ” ንዝብል ክሲ ኣነ “መዝገብ ይረአ፡ ይመርመር፡  ኣነ ከም ኣቦ ወንበር ሽማገለ ዜናን ሓበሬታን ናይ ኮምሽንን፡ ነቲ ብፈጻሚት አካል ዝጸደቀ መደብ ዕዮን ናይ ሽማገለ ዜናን ሓበሬታን  ከምኡ’ውን በቲ አቀዲሙ ብፈጻሚት ሽማግለ ብዝተዋህበ መምርሒ መሰረት እየ ክቐድሕ ጸኒሐ” ክብል መሊሰ። እንተኾነ ናብቲ ካልእ ጉዳይ ከይኣቱ እታ ማይክሮፎን ተመንጢለ፡፡ ንልዕሊ 3 ሰዓት ዚኸደ ክስታትን ካልኦት ስባት 15 ወይውን 20 ደቂቕ ክዛረቡ ኣፍቂድኻ ፡ ንተኽሳሲ 5 ደቂቕ ጥራይ ዕድል ሂብካ ምምንጣል ምስምንታይ ይቁጸር? ኣበይ ኣሎ ማዕርነት?  ኣበይ ኣሎ እቲ ፍትሒ?

እቲ ጉዳይ ቀጺሉ ንሰዓታት ተጎቲቱ። ገለ ካብቶም ዘለውና ዓበይትን ለባማትን ኮምሽነራት ልዑል ጸቕጥን ድፍኢትን ክገብሩለይ ጀሚሮም። ኣነ’ውን ነቲ ዘይሙቁልልነትን፡ ስሚዒታዊን ህልኻዊን ኣካያይዳ ናይ አቦ ወንበርን ገለ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ምስረአኹ፡ ነቲ ክንሰርሓሉ ዝጸናሕና ታሪኻዊ ጉባኤ እነዕውተሉ እዋን ብመዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ስለዝነበረን ብመሰረቱ’ ውን ፈጻሚት ሽማግለ ንዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ንዓይ ካብ ስራሕ ኣግሊላን ኣደስኪላን ከተመሓላልፎ ዝጸንሕት ውሳነታትን ብዝሃበቶ ናይ ስራሕ መምሪሒታትን ከም ውጽኢቱ ድማ ስዒቦም ዝተኽተሉ ጌጋታት ኣቦ ወንበርን ኣሉታውያን ተርእዮታትን ተሓታቲ ክኸውን ካብ ዘይምድላይ ነቒለ፡ እቲ ዝተገብረለይ ጸቕጥን ድፊኢትን ብጸጋ ተቐቢለ ካብቲ ዝተዋህበኒ ናይ ዜናን ሓበሬታን ሓላፍነት ንኽወርድ ተገዲደ። ካብ ናይ ፈጻሚት ዝነበረኒ ሓላፍነተይ ምውራድ እምበር ካብ ኮምሽንን ካብ ምስታፍ ሃገራዊ ጉባኤን ምብኳር ዝብል መረዳእታ ፈጺሙ ኣይነበረንን።

ጉዳይ ዘይሕጋዊ ምስጓጉ ካብ ኮምሽን

ኣነ ነቲ ብ14 ሕዳር ምሸት ምስ ጸጥታ ፖሊስ ዘጋጠመ ዘሕዝን ተረኽቦ፡ ናብ ኮምሽነራት ብኢመይል ሓቢረ። ከምቲ ልሙድ ኮነ ተባሂሉ ካብ ኮምሽን ሶሊኹ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ብዕለት 16 ሕዳር ወጸ። ቀጺሉ ኣብቲ ብዕለት 16 ሕዳር ዝተገብረ ቀጻሊ ኣኼባ ኮምሽነራት “ነቲ ብዕለት 14 ሕዳር ምሽት ኣብ ልዕለይ ዝወረደ ግፍዕታት ጽሒፍካ  ንመርበብ ሓበሬታ መስከረም ዘርጊሕካ” ብዝብል ኣብ ሓቂ ዘይተመስረተ ክሲ ተጎልቢቦም፡ ሓቅነቱ ከየረጋገጹ ኣባልነተይ ካብ ኮምሽን ሓኺኾም፡ ኣብ ጉባኤ’ ውን ንኸይኣቱ ውልቀ-ምልካዊ ብዝኾነ ኣገባብ ብኢደ ዋኒኖም ኣጊዶምኒ። እቲ ዝወስዱዎ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ኣብ ልዕለይ ጥራይ ዘይኮነ ተፈጺሙ ዘሎስ፣ እንኮላይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ዋዕላ ሓላፍነት ዘሰከመኒ ሕዝቢ’ውን እዩ።  ኣብዚ’ውን ኣነ ብዛዕባ እቲ ዝቀረበ ክሲ ሓንቲ ቓል ከይሃብኩን፡  ኣነን ካልኦትን ስርዓተ ነጥቢ እንዳበልና፡ ካልኦት’ ውን  ክዛረቡ ኢዶም ኣልዒሎም ከለዉ፡ ምኽትል ኣቦ መንበር ኮምሽን፡ ኣቶ ዓብድራሕማን ጣሃ ነቲ ውሳነ ትድግፍዎ ኢድኩም ኣልዕሉ ኢሉ ብሃታ ሃታ ነቲ ብህዝቢ ዝተዋህበኒ መሰል ሓኺኾም፣ ዳንኤል ኣብ ጉባኤ ኣይክኣቱን እዩ ዝብል ፖለቲካዊ ውሳነ ብምውሳን ንኸይኣቱ ተኸልኪለ።

ኣነ ነዚ ጉዳይ ብሓፈሻ ክርእዮ ከለኹ፡ እቲ ሓቂ  ከምቲ ንሳቶም ዝብሉዎ ከይተፈቐደለይ ናይ ኮምሽን ኣኼባ ብድምጺ ስለዝቐረጽኩ፣ ወይ ድማ ኣነ ብዛዕባ ኣብ ልዕለይ ዘውረዱዎ ግፍዒ ንኮምሽነራት ክፈልጡዎ ብዝብል ዝለኣኽኩዎ ጽሑፍ ኣብ ናይ ህዝባውያን መራኸቢታት ስለዝተዘርግሐ፡ ወይ ከኣ ኣነ ምስጢር ናብ ስርዓት ህግደፍ ከየመሓላልፍ ሰጊኦም ዘይኰኑስ፡  ክንክተሎ ዝጸናሕና ግጉይ ኣሰራርሓ ኣመልኪተ ከቕርቦ ብዝጸናሕኩ ነቐፌታ እዩ።  ኣነ ኣብ ፖልቶክ ቀሪበ ሓቐኛ ርእይቶታትን ነቀፊታትን ብምሃበይ፡ ኣቐዲመ’ውን፡ ንአቦ ወንበር ኣትሪረ ብምንቕፍ 3 ኢሜኤል ንኮምሽን ሰዲደ ብምንባረይ።  ቀጺለ፡ ኣነ ነቲ ከነካይዶ ዘሎና ደሞክራስያዊ ቃልሲ ንቕድሚት ንምሱጓም፡ ካብ ጌጋታትና ንኽንማሃር ኢለ፡ ኣብ’ቲ ናይ 14 ሕዳር  ኣኼባ ትርር ዝበለ ነቄፊታ ኣቕሪበ እየ። ምርድዳእ፣ ምትእርራምን ነቐፌታን ዘይጻወር ኣቶ ኣምሃን ሰዓብቱን፡ በቲ ንፈጻሚት ሽማግለ  ዘቕረብክዎ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ተሳናቢዶም፡ እዚ ወዲ ኣብ ጉባኤ ጉድና ከውጽና እዩ ብዝብል ተሰናቢዶም ዝፈሓስዎ ሽርሒ እንተዘይኮይኑ ኣነ ብወገንይ ዝኾነ ካብ ጉባኤ ዘስጉግ ዝገበርኩዎ ጉድለት የልቦን፡፡

ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከይገለጽኩዎ ክሓልፍ ዘይደልይ ነገር፡ ንዝሓለፍ 15 ኣዋርሕ፡ ኣብ ሞንጎይን ኣብ ሞንጎ ኣምሃን ብዝነበረ ናይ ስራሕ ዝምድናን ርክባትን ዝመሃረኒ ነገር እንተሃልዩ፡ ባህርይ ኣቶ ኣምሃ ዶሚኒኮ ካብ ዝበልኩኻ ስምዓንን ሰጥ ለበጥ ኢልካ፡ ኣነ ብዘመሓላልፎ መምርሒ ተቐይድካ  ከም ባርያ ተገዝኣኒ ዝብል እንበር ነዚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣህዛብ ዝጥቀሙሉ ዘለው ስልጡን ምሕደራ ቦታ ዘይህብን ኣብ ሞንጎ ኣቦ ወንበርን ካልኦት ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለን ዝኽሰቱ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ንምፍትሖም ናይ ኩሎም ሓሳባት ምቅባልን ኣማራጺታት ምንዳይን ባህሪ ኣቶ ኣምሃ ዘፍቅድ ኮይኑ ኣይጸንሐን። ኣነ ንምልኪ ክቃወም ኢለ ኣብ ቃልሲ ተሰሊፈ፡ መለኽቲ ብዝህቡኒ መምርሒ ክቕየድ ፍቃደኛ ስለዘይነበርኩ እየ ናይዚ ኩሉ ሕጂ ኣብ ልዕለይ ወሪዱ ዘሎ ሰለባ ክኸውን ዝበቓዕኩ። ኣብ ልዕለይ ብቐጻሊ ዘውርዶ ዝነበረ ጸርፍን ዘለፋን ድማ ብመዓልቱ ክዝርዝሮ ምዃነይ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክሕብር ይደሊ።

ክብርትን ክቡራንን ኣባላት አጻረይት ኮሚቴ

እዚ ምስ’ዚ ጽሑፍ ኣተሓሒዘ ዝህበኩም ዘለኹ ሰነዳትን መርትዖታትን ንኸቕርብ ኣቀዲሙ ዕድል ኣይተውሃበንን ጸኒሑ።

እዚ ኣብ ልዕለይ ዝወረደ ርኡይ ዓመጽ፣ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን  ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ዘሕፍርን ብተቓለስቲ ኢና ዝብሉ ባዕታት ምፍጻሙ ድማ ብዝያዳ ዘሕዝን እዩ።

ብሽም ህዝቢ እንዳሸቐጥካ መሰል ህዝቢ ምርጋጽ ብገበን ዘሕትት እዩ። ህዝቢ ዕድሉ ብናጻን ብግሉጽነትን ዝውስነሉ እዋን ክመጽእ እዩ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢ!!!

ዲሞክራሲያዊ ለዉጢ ብግብሪ!!!

ውድቀት ንመለኽቲ!!!

ዳንኤል ተወልደ
ኣቦ መንበር ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን ነበር
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
29 ሕዳር 2011