800 ጉምቦ ኣእዳውን ክንድኡ ሚኢቲ ጉምቦ ኣእጋርን። 5ይ ክፋል

By on April 2, 2014 [http://assenna.com/
Mezeker_800-1

800 ጉምቦ ኣእዳውን ክንድኡ ሚኢቲ ጉምቦ  ኣእጋርን።  5ይ ክፋል፡                02-04-14፡

“ጠንቂ ስዕረት ወራሪ ግዝኣት ጣልያን ኣብ ውግእ ዓደድዋ እንታይ ነበረ? ኣብቲ ዓወት ኣስተዋጽኦ ደቂ-ኤርትራን ዓስቦምንከ እንታይ ነበረ? ‘ጥልመት’ዶ ኢልኩም ሓቀይ”! ኢለ ንዘበገስኩዎ ሓሳባት፡ “ዓወት ዓድዋን ግዳያቱን” ብዝብል ኣርእስቲ ኢና ንኣር ባዕተ ክፋላት ሓጸርቲ ታሪኽ ነጋውስ ኢቲዮጲያ ን ውዲታቶምን ክንከታተል ዝጸናሕና። መቐጸል ትኡ ድማ እንሆ።

ብቐዳምነት ህዝቢ ኤርትራ ዋላ’ዃ ካብ ጥንቱ እ ንተተበራረዩሉን እንተተሻረኹሉን ንወረርቱ ኣሜ ን ኢሉ ተቐቢሉ ከምዘይፈልጥ ምፍላጥን ምእማ ንን መሰረት ሓቀኛ ታሪኽ ኢዩ።ካብ ትገርም ሓን   ትን ኣውራን ነገር፡ ሃገርና ከምቀንዲ ስትራተጂካ ዊት (ብኣቀማምጣኣ፡ ቁጠባኣን ባሕራን) መጠን ኩሎም ገዛእትን ልኡኻቶምን ከም ቱርኪ፡ማህዲ ግብጺ፡ እንግሊዝ፡ ጣልያንን ኢቲዮጲያን፡ ነናቶ ም ረብሓ ወጢጥዎም’ዃ እንተመጹ ዝበዝሐ ግ ዜ ኣብክንዲ ነንሕድሕዶም ዝዋግኡ ኣንጻር ናይ ቲ ዝምክት ወዲሃገር ክሰምሩ ምርኣይ ልሙድ  ምንባሩ ኢዩ። እታ ንርእሳ ኣብ ትሕቲ እንግሊዝ ዝነበረት ግብጺ ንሱዳን ብምስላዅ ክልቲኦም ድማ ብሽፋን ሃይማኖት ንመ በገሲ ፈለግ ኣባይ ክቆጻጸሩ ስለዝተዋደዩ ኣፍደገ መእተዊቶም ከኣ ኤርትራ ብምዃና ህዝብና ቀንዲ ግዳይ ገይረሞ ነበሩ። ኣማ ስያኡ ብመሰረት ናይ 1884 ናይ በርሊን ውዕል ወራሪ ጣልያን ምስተቐልቀለ፡ ደቂ መታሕት ኣንጻር ናይቶም ዘሸግርዎም ዝነ በሩ ማህዲስት፡ ግብጽን መሰልቶምን፡ ደቂ ከበሳ ድማ ኣንጻር ናይ ኢቲዮጲያ ወረርቲ ንምምካት ክቕበሉዎ ግድን ነበረ። ጣል ያን ድማ ክሳብ ዝደላደል ክቱር ክመባጻዕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሓደ ጥሪ 1890 ኤርትራ ከምሃገር ካብ ዝቐርጻ ንዳሓር ከምቲ ዝኣተዎ መብጻዓ ዘይኮነስ ከምግዝኣቱ ምስኣወጀ፡ ኤርትራዊ ወዲቆላ ከበሳ በቢዘለዎ ክቃለስ ንበረኻኡ ተመርቀፈ።

ምናልባሽ “ኣብዝጥዕም ቦታን ግዜን፡ ንጸላኢ ብጥይቱ ብብረቱ፡ ደጀን ሰውራ ባርካን ሳሕልን”፡ ዝዓይነቱ ወተሃደራዊ ጥበብን ዛንታን ድሒርና ሰሚዕናዮ ክንከውን ንኽእል። ብተወሳኺ ሰውራ ኤርትራ ካብ መስከረም ሓደ 1961 ምጅማሩ ነድምቖ ንኸ ውን። ሰረቱ ግብ ጽኑሕ ኢዩ። ከምኡ እንተኾይኑ ሰውራ መዓስ ኣበይከ ተጀመረ? ቀዳሞት ተጋደልቲኸ እኒመን ኢዮም? ወዘ ተ ክመጸኒ እንድዩ፡ ብተወሳኺ ደጃዝማች ባህታ ሓጎስ ካብቅድም ከምዓስከር ጥልያን፡ ራእሲ ወልደሚካኤል ድማ ምስተኣሰ ረ ዝሞተ ዝመስሎ ስለዘሎ ዝፈለጥኩዎ ክምልስ ኣብቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ የራኽበና። ንሎሚ ግን ኣሕጺረ ጥራይ ክትንክፎ።

ዓለም ናብ ርእሰማላዊ ፖለቲካ ዝተሰጋገረትሉ እዋን ድሕሪ ካልኣይ መፋርቕ 19 ክፍለ-ዘመን ምዃኑ ንሰማማዕ ንኸውን። እ ዚ ማለት ድሕሪ 1850 ዓ.ም ምዃኑ ኢዩ። ምስ ምምጻእ ርእሰ-ማልነት ድማ ነበረ ሃገራዊ ዶባት ዝተሳእለ። ‘ቅድሚኡ መሬት ወይ ዓለም ኣይነበረትን’ ኣይበልኩን። እታ ቅድሚኡ ዝነበረት ዓለም ‘መስፍንነት’ ከምትበሃል እምነቱ ገዲፍና ተማሂርናያን ተ ማሂርኩማን ኢኹም። ኣብቲ ዝቐነየ ታሪኽ መስፍናዊ ወራራት እምባኣር መሳፍንቲ ሃገርና’ውን ተሳተፍቲ ምንባሮም ዝሕባእ ኣይኮነን። እንተኾነስ ሓባራዊ ገዛኢ ስለዘስምሮም ዝነበረ፡ ኣንጻሩ ዝተገብረ ቃልሲ ጎሊሑ ክርአ ክኢሉ ኢዩ።

ሃገርና ብሓደ ጥሪ 1890 ከምሃገር ድሕሪ ምቛማ ተጻብኦ ገዛእቲ ንምኹላፍ ድማ ሃገራውያን ተቓለስቲ ብ1892 ሰውራ ከም ዝጀመሩ፡ ደጀኖም’ውን ከምሓልሓል-ቦጎስ፡ ጎልጎል መጋርሕ፡ ከም ሓባብ ዓጋምቡሳ ዓጋማዳ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ዕርዲ ተቓ ለስቲ ከምዝነበሩ ታሪኽ ይምህረና። መታን ከይነውሓና ድማ ናይ ክልተ ሓርበኛታት ጥራይ ከምኣብነት ክንጠቕስ ኢና።

ደጃዝማች ባሕታ ሓጎስ ሓደ ካብ ተቓለስቲ ምንባሩ ኣብዝኽሪ ኩሉ ዜጋ ዘሎ ኢዩ። ንሱ ከምቶም ኩሎም ተጋደልቲ ኣብያ ወ ረርቲ ኢቲዮጲያ ክምክት ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1875 ንእምባየ ኣርኣያ ወዲ ራእሲ ኣርኣያ ምስቀተለ’ዩ ህቡብነት ክረክብ ዝኻአ ለ። ራእሲ ኣሉላ ንዝገበሩሉ ፈተና መጻወድያ በናጢሱ ድማ ብ1880 ኣብ ከረን ምስ ግብጻውያን ወተሃደራዊ ስምምዕ ገበረ። ብ1885 ጣልያን ንግባጻውያን ኣብዝተካኣትሉ እዋን ድማ ብተስፋ ምስኦም ተኣሳሰረ። ጀነራል ባራቲየሪ ከኣ  ከምኣማሓዳሪ ኣከለ-ጉዛይ መዘዞ። ንሱ ኣብ ዓዱ (ሰገንለይቲ) ኣትዩ ህዝቢ ካብ ወረርቲ ተናጊፉ ነብሱ ባዕሉ ከምዘማሓድር እናኣተስፈወ ብ 1889 ሃገራዊ ሰራዊቱ ሃነጸ። ኣብ 1893 ድማ ምስ ጥልያን ኮይኑ ኣብ ኣቑርደት ኣንጻር ማህዲ ውግእ ገጠመ። እንተኾነ ነገር ገዛእቲ ኮይኑ ስራሖም ስለዘይገደፉ ክማረርን ከንጸርጽርን ድሕሪ ምጽናሕ መለሳን መዋጽኦ ከምዘይብላ ኣጣሊሉ ኢድካ ምሃ ብ’ውን ስለዘይወረሰ ከምቀደሙ ንናጽነቱ ኣብታ ተቓውሞኡ ተደርገመ።

ኣብ 1894 ሃጼ መነሊክ ንጣልያን ክወግኡ ይዳለዉ ከምዘለዉ ዝብል ናይ ተስፋ ወረ ተሰምዐ። ስለዚ ምትእኽኻብ ተቓለስት ን ምምስራት ሓድሽ ግምባርን (ግምባር ሓበሻ) ኣገዳሲ ታራ ሓዘ። ስለዚ ባህታ ምስብጾቱ ምስቲ ኣብ 1889 ሃጼ ዮሃንስ ካብ ማእሰርቲ ንዝፈትሑዎ ራእሲ ወልደሚካኤል ተራኺቦም ክመኽሩ መሪጾም ከዱ። ራእሲ ወልደሚካኤል ካብቲ ፍትሒ ጠሊ ሙ ‘ዕድመይ ይፍታሕካ’ ዝበየነ ውሳነ ተጋሩ ማእሰርቲ እምባ ስላሰ ምስተፈትሐ፡ ካብ ነቲ ዝጠለሞ ሃጼ የውሃንስ ወይ ድማ ንጣልያን ምግልጋልስ ኣብስደት ምጥፋእ መሪጹ ኣብ ኣኹሱም ተቐሚጡ ነበረ። ውሳነኡ ልክዕ ከምዝነበረ ብነብሱ ይፍለጠኒ ኣሎ። ከመይሲ ዋላ’ዃ ንዓዱ ክኸይድ እንተተፈቕደሉ ደርሆ ኣንዊሕካ ምእሳራ ድማ ሽዑን ብተጋሩን እንድያ ተጀሚራ ተመ ሊሱስ ዘይቅፉድ’ዩ’ሞ እንታይከ ክገብር ኢሉ? ብተወሳኺ ንሱ ሓንሳብ ከምኣምበሳ ዝጓዘመሉ መሬት ሃገሩ ከም ማንም ብሽ ልብ ግልብ ክምለሶስ ወየን ብሩንዶ ዘልመደን ወኻሩኸ እንታይ ክብሎኦ? እሞ ተፈቲሑ ኣብ ኣኹሱም ምቕማጡ ኣይኣበሰን ። ኣውራ ድማ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም 1879 ዝተፈጸመ ጥልመት ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት 1896 ፍሉይ እምነት ከፈጥር ከምዘይኽእል’ዃ እንተተረድአ ብፍቕሪ ሃገሩ ተዘኒቡ ብማንታ እምነት ኮንዶኾን ብማለት ምስደጃዝማች ባህ ታን ካልኦት ተቓለስትን ሓቢሮም ናብ ንጉስ መነሊክ ብምቕራብ ብሓባር ክሰርሑ ከምዝደልዩ ሓበሩ።

ሃጼ መነሊክ ንርእሶም ሓይሎም ከደልድሉ ይቃለሱ ስለዝነበሩ ንጠለብ ኤርትራውያን ብዘይቅድመ-ኩነትን ብሙሉእ ሓጎስን ዝተቐበልዎ መሰሉ። እቲ ቀንዲ መብጽዓ ሓንትስ ጥልያን ይሳዓር’ምበር ካብ ገጽ ምድሪ ኢቲዮጲያ ጥራይ ዘይኮነስ  እንኮላይ ካብ ገጽ ምድሪ ኤርትራ ከጥፍእዎ ኢቲዮጲያ ክሳብ መወዳእታ ክትሕግዞም ተሰማምዑ። መሬት ትግራይ ድማ ከም መጠርነ ፊኦምን ደጀኖምን ክጥቀሙሉ ተሰማምዑ’ሞ ወያ ገርሂ ልቢ እምበኣር  መሊሳ ኣብ መጻወድያ ማሸላን ማሕላን ተጸምደት።

ሹማምንቲ ኤርትራ ብተስፋ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ደጊያት ባህታ ሓጎስ ድማ ፍናን ሰራዊቶም ብሙሉእ ሞራልን ሓሞትን ደበስዎ። እዚ እናኾነ ገዛኢ ጥልያን’ውን ዝኸውን ዝነበረ ስለዘይተሰወሮ ብ17 ታሕሳስ 1894 ንሜጀር ቶሲሊ ምስ 1500 ወተ ሃደራትን 2 ዓበይቲ ብረትን ኣዕጢቑ ለኣኾ። እንተኾነስ ሰገንለይቲ ብዘይተጻብኦ ተደርገማ። ለካ ባህታ ሓጎስ ኣቐዲሙ ዝመ ጾ ስለዝፈለጠ ኢዩ ወፊሩ ዝነበረ።

ንጽባሒቱ ዕለት 18፡ ሜጀር ቶሲሊ ባህታ ናበይ ከምዘብል ስለዘይሰሓተ ትኽ ኢሉ ንሓላይ ሓለፈ። ደጊያት ባህታ ድማ ድሮ ነታ ኣብኡ ዝነበረት ነቑጣ ከዋልኣ ጸንሖ። ደጊያት ምስ ሰራዊቱ ንዓጋማዳኡ ከንቆልቁል፡ ንእምባሴራኡ ክስቀል እናኸኣለ ኣይ መረጾን። እሞ ከምቃሉ ምስህዝቡ ወናኒ ናጻነቱን ሃገሩን ክኸውን ምስቲ ሓድሽ ዝመጸ ሰራዊት ከይተረፈ ብድፍረትን ቆራጽነ ትን ተሓናነቐ። መዓልቲ ሕልፈት ኮይና ድማ ተወጊኡ ተራዕርዐ። ኣይደንጎየን’ውን ብኡንቡኡ ካብዛ ዓለም ተፋነወ።ኣቐዲሙ  ንሰራዊቱ ብዛዕባ ተታሒዙ ዝነበረ መደብን ውዕልን ኣስኒቕዎም ብምጽንሑ ከኣ ንሳቶም መራሒኦም ብስዉር ቀቢሮም ዝያዳ ብምሕራን ብሙሉኦም ናብ ትግራይ ሰገሩ።

ወዮም ረኻብጸገም ራእሲ ብሞት ደጊያት ተኾምተሩ። ግናኸ ዝተታሕዘ መደብ ክትግቡሩ ቆሪጾም ስለዝተላዕሉ ምስ ወተሃደ ራት ደጊያትን ከምኡ ድማ ካልኦት ከምእኒ ኣበራን ኣውዓሎምን (መንነት ናይዞም ክልተ ንምፍላጥ ከምዕዮገዛኹም ውሰድዎ) ምእንቲ ናይ ሓባር ዓላማ ክብሉ ንዓወት ዓድዋ ክስየፉላ ኣውዓሉ። እቲ ወረ ድማ ብኡንቡኡ ኣብ ዓሳክር ጥልያን ዝነበሩ ኤ ርትራውያን ሙሉእ ተቐባልነት ረኸበ። ንኣብነት እቲ ብ1840 ኣብ ጸዓዘጋ ዝተወልደ ኣበራ ሃይሉ ብ1891 ጣልያን ‘ክሽፍት ኢዩ’ ብዝብል ጥርጠራ ክማርኾ ንካፒተን ባቲኒ’ዃ እንተልኣኾ፡ ደጊያት ኣበራ ንካፒተን ቀቲሉ ኣብ በረኻታት ሃገሩ ክምክት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ወረ በዓል ባህታን ራእስን ምስሰምዐ፡ ወተሃደራቱ ጠርኒፉ ኣብ ውግእ ዓድዋ ብምስላፍ (ከሺ ኣማራ…… ኣ ይትረስዑ) ታሪኽ ሰርሐ።

ብተወሳኺ ክዝከር ዝግብኦ ውዕለት ናይቲ ብጀነራል ባሪያተሪ ታአማንነት ዘጥረየ ድሒሩ ብ(ዳብል ኤጀንት) ዝተሰምየ ሰላይ ናይ ክልቲኦም ወገናት ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ባሻይ ኣውዓሎም ሓረጎት ኢዩ። ንሱ ብጀነራል ባራትየሪ ጥራይ ዘይኮነስ ብራእ ሲ ኣሉላ’ ውን እሙን ነበረ። ባሻይ ኣብቲ ክልቲኦም ወገናት ተፋጢጦሙሉ ዝነበሩ ግምባር ዓድዋ፡ ኣብቲ ብ’ሕሹኽሹኽ’ ዝ ፍለጥ ላሕዂ ሓበሬታ ዕዙዝ ተራ ስለዝተጻወተ ከምእኒ ራእሲ ስብሃቱን ደጊያት ሓጎስ ተፈሪን ምስብዙሓት ወተሃደራቶምን ኣጽዋርን ካብ ወገን ጣልያን ናብ ሰራዊት ኢቲዮጲያ ብሰላም ክሕወሱ ዘኽኣለ ተባዕ ባሻይ ነበረ። ቀጺሉ ‘ንጉስ መነሊክ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ክሃድሙ ቴንዳኦም ይጠቓልሉ ከምዘለዉ’ ዝብል መንደልሓቒ ሓበሬታ ሓሽሎኸ’ሞ፡ ንጉስ ድማ ነገ ራቱ ተረዲኦም ሓቂ ክመስል ምእንቲ ካብቲ ኣብ በሪኽ ጎቦ ኪዳነ-ምህረት ተዘርጊሑ ዝነበረ ቴንዳታቶም ብግብሪ ስለዝዓጻጸ ፉ ጀነራልት ፈረንጂ ሰራዊት ኢቲዮጲያ ይሃድም ከምዘሎ ኣሚኖም ብዘይእኹል መጽናዕትን ምድላዋትን ወጋሕታ ዕለት ሓደ መጋቢት 1896 ውግእ ዓድዋ ባዕላቶም ተረቢጾም ጀመርዎ።

ኣብ መዓልቲ ምዝልዓፍ 1600 መሓውር የራኽበና።

ጎሰፋ፡

 

 

 

 

Rating: 0.0/5 (0 votes cast)