Home arrow ትግርኛ arrow ህይወት arrow ፍስሃ ወልደዳዊት፡ ብህይወቱ ባጽዕ ከይዱ፡ ብሳንዱቕ ኣስመራ ዝተመልሰ ንጹህ መንእሰይ
ፍስሃ ወልደዳዊት፡ ብህይወቱ ባጽዕ ከይዱ፡ ብሳንዱቕ ኣስመራ ዝተመልሰ ንጹህ መንእሰይ PDF Print E-mail
Wednesday, 25 March 2009
fishaትማሊ ሓደ ካብቶም “እስዝ ሓሶት እንተዝኸውን ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ” እናበልና ንብዓትን ቀለምን ሓዊስና እንጽሕፎም ዜናታት ካብ ምንጭታት በጺሑና። “ፍስሃ ወልደዳዊት ብትእዛዝ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተቐቲሉ” ዝብል ዜና። ማሽን ቅትለት ኢሳያስ፡ እወ፡ እታ ሓቀኛ፡ ህርኩት፡ ደላዪ-ፍትሒ፡ በዳሂ ዘይትፈቱ፡ ምሩጽ እናመረጸት እትቐዝፍ፡ ልቢ ኤርትራውያን ስድራቤታት ምቕንጃሕ ዝለመደት ማሽን እምብኣር ስርሓ ቀጺላ። ዘሕዝን እዩ።

ምንጭታትና ከምዝሓበሩዎ ታሪኽ ህይወትን ቅትለትን ፍስሃ ወልደዳዊት ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ፍስሃ ወልደዳዊት፡ ካብ ሊባን ዝዓዶም ኣቡኡ መምህር ወልደዳዊት ከምኡ ‘ውን፡ ዓዲ-ጓሪ ጽልማ ዝዓደን ኣዲኡ ወ/ሮ ኣልጋይነሽ ተስፋስላሰ ብ1969 ዝተወልደ፡   ተስፋን ደገፍን ስድራቤቱ ዝነበረ ርጡብን ትጉህን መንእሰይ እዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብፖለቲካዊ ስነፍልጠት፡ (Political Science) ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ኸኣ ብስነ-ቁጠባ (Economics) ተመሪቑ። ብፍላይ ነቲ ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ መጽናዕቱ፡ ቀትሪ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ከም መምህር እናኣገልገለ፡ ምሸት ከኣ ንርእሱ እናተማህረ እዩ ብትግሃት ፈጺሙዎ።

ፍስሃ ወልደዳዊት፡ ኣባል 2ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምዃን ከም ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ውዑይን ዝሑልን ኣሕሊፉ እዩ። ሓላፊ ክፍሊ ፋይናንሳያዊ ጉዳያት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ-ባሕሪ ኮይኑ እናሰርሐ ኸሎ ኸኣ ‘ዩ ናይ ቅትለት ማሽን ኢሳያስ ኣረኻኺቡሉ።  

ፍስሃ ወልደዳዊት፡ ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ቁጠባ ሓላፊ ኮይኑ ኣብ ዘገልገለሉ ጊዜ፡ ናይቲ ዞባ ገንዘብ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ኢሳያስ “ካልእ ወጻኢታት” (other expenses) ተባሂሉ ክሳብ ሰላሳ ሚልዮን ናቕፋ ኣበይ ከም ዝኣተወ ዘይተፈልጠ ገንዘብ ስለዘሎን፡ “ሕሳብ ይጻፈፈላይ“ እናበለ ወግሐ ጸብሐ ስለዝሓተተን ከኣ እዩ ኣብ ታርጌት ኣትዩ።

ድሒሩ ከምዝተረጋገጸ እቲ ገንዘብ ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ምኹዓትን ምቕባርን ኑኩለራዊ ሓተላ ንዝተሳተፉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት፡ ጉንዖን ሞሳን ዝወዓለ እዩ። ኣብቲ ምጉሓፍ ናይቲ ሓተላ ዝተሳተፉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብዚ ጊዜ’ዚ “ካንሰር“ ሓሚሞም ብብዝሒ ይሞቱ ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ እቲ ምስጢር በብቑሩብ ክወጽእ ስለዝጀመረ፡ ፍስሃ ‘ውን ነዚ ጉዳይ ክግንዘቦ ጀሚሩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ነቲ ምስጢር ምቅላዕ ሓውሓው ዘብሎ ኢሳያስ ኣቖጢዑዎ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ፍስሃ፡ ንግደት ባርጅማ፡ ኣባ-ጋብር፡ ምስ ስድራቤቱ ከሕልፍ ኣስመራ እንከሎ፡ ብዕለት 17 መጋቢት 2009 መገሽኡ ቋሪጹ ብህጽጽ ንባጽዕ ክወርድ ብቴለፎን ተጸዊዑ። ንጽብሓይቱ 18 መጋቢት ባጽዕ ዝኸደ ኸኣ ብዕለት 19 መጋቢት 2009፡ “ ናይ ላፕቶፕ ገመድ ኤለትሪክ ኣብ ክሳዱ ተጠምጢሙ ተረኺቡ፡ ተሓኒቑ ሞይቱ፡ ድሮ መርሚርናዮ ኢና፡ ነብሰ ቕትለት እዩ፡ ቀልጢፍኩም ቅበርዎ“ ብምባል ሰበስልጣን ፖሊስ ናይቲ ስርዓት ንወለዲ: ሬሳ ወዶም ደርብዮምሎም ከይዶም። እቲ ክልተን ኣርባዕተን ዓመት ዝገበሩ ህጻናት ብድሕሪኡ ዝገደፈ ንጹህ ግዳይ ፍስሃ ወልደዳዊት፡ ብ22 መጋቢት ኣብ ሊባን ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።  

እቲ ዘጕሂ ስድራቤት ፍስሃ ንኻልኣይ ግዜ ተመሳሳሊ ሕማቕ ዕጫ የጋጥማ ምህላዉ እዩ። ቅድሚ ሓይለ ዓመታት ‘ውን ሓይለኣብ ወልደዳዊት ዝተባህለ ሓዉ ንፍስሃ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ሳዋ እንከሎ፡ ብተመሳሳሊ ኣጣራጣሪ መንገዲ ብጥይት ህይወቱ ሓሊፋ። እቲ ስርዓት ከኣ፡ ንኣማውታኡ ዝምልከት ወግዓዊ መግለጺ ንስድራቤት ኣይሃበን።

ሓይልኣብ ወይልደዳዊት ፍሉጥ ተጻዋታይ ኩዕሶ ዝነበረ ክኸውን ከሎ ብቕንዕንኡን ተሪር መርገጺኡን ዝልለ መንእሰይ ከምዝነበረ ‘ውን ይዝንቶ። እንሆ ድማ ሕጂ ምስክነይቲ ስድራቤት ዝቐደመ ሓዘና መደምደምታ ከይተገብረሉ፡ ካልኣይ ጓሂ ተደሪቡዋ።  

እዛ ናይ ኢሳያስ ናይ ቅትለት ማሺን ቅድሚ-ትማሊ ቀቲላ፡ ትማሊ ቀቲላ ሎሚ ቀቲላ። ይኣክል፡ እንተዘይተባሂላ ጽባሕ ‘ውን ክትቀትል እያ’ሞ ይኣኽለኪ ክትብሃል ኣለዋ።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብሞት ፍስሃ ወልደዳዊት ዝተሰምዓ መሪር ሓዘን እንገለጸት፡ ንስድራቤቱ ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።
 
< Prev   Next >