ሓጺር ጸብጻብን ትዕዝብትን ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፤

(ብግዱሳት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ)

ህዝቢ ኤርትራ ብድሕሪ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ቃልሲ ልዑላውነት ሃገረ-ኤርትራ ከረጋግጽ ክኢሉ።  እንተኾነ ኣብ ምምስራት ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝነበሮ ህርፋንን ትጽቢትን ብሰንኪ እዚ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይከኣለን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ደሞክራሲያዊ መሰልን ሰብኣዊ ክብርን ዝኽበረሉ ሂወት ዝጎዓዝ፡ ኣብ ዘይተጸበዮ ፖለቲካዊ ጸቕጥን ቁጠባዊ ሽግርን ኣደራዕን ይርከብ።

ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንቡዙሓት ተስፋ ዝሃበ እዩ ነይሩ። ባይቶ ምስ’ቶም ካብ ባይቶ ወጻኢ ዘሎዉ ሓይልታት ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ኮይኑ ህዝብን ሃገርን ከድሕን ከቢድ ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዝተሸከመ ኣካል እዩ ነይሩ። ድሕሪ ቁሩብ እዋን ግን ባይቶ ድኽመታት ከምዘለዎ ንምግንዛብ ተኻኢሉ። እዚ ድኽመታት እዚ ግን ስክፍታታት ኣሕዲሩ እኳ እንተነበረ መብዛሕትና ግን እንዳተማሓየሸ ክኸይድ እዩ ዝብል ተስፋ እዩ ነይሩና። ይኹን እምበር ኣብ ካላኣይ ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ መሰረታዊ ጸገማት ከምዘሎዎ ክንዕዘብ ኪኢልና። እዚ መሰረታዊ ጸገም’ዚ ኣብ ጉዳይ ኣፈታትሓ ግርጭታት ብግልጺ ተራእዩ።

እቲ ንብዙሕ መዓልታት ዝወሰደ ኣጀንዳ ጉዳይ መግለጺ ባሕቲ መስከረም 2012 ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ) እዩ። ኣብ ኣፈታትሓ እዚ ግርጭት’ዚ ፡ኣብ ክንዲ ዘቀራርብ መፍትሒ ምድላይ፡ ኣብ ምድስካልን ካልእ ቅርሕንትን ዝተመርኮሰ ውሳኔ ንምትግባር በቲ ብቑጽሪ ዓብላሊ ተራ ዝነበሮ ጉጅለ ተራእዩ።

ናይ ዲምሓኩኤ ኣብ ባይቶ ምህላውን ዘይምህላውን ምውሳን በቲ ብውድብ ዲምሓኩኤ ዝወጸ ሓደ መግለጺ ክምዘን ኣይነበሮን። እዚ ብዲምሓኩኤ ዝወጸ መግለጺ ብመብዛሕትኦም ኣባላት ባይቶ ቅቡል እንተዘይኮይኑ ባይቶ ብዛዕባ ተራ ናይ ጅግና ስውእ ሓሚድ ኢድሪስ ዓወተ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ መግለጺ ብምውጻእ ነቲ ጉዳይ ክሓልፎ ዝብልን ካልኦት ንፍታሕ ዝቐረቡ መማረጺታትን ነይሮም። ኩሎም ዝቐረቡ መፍትሒታት ከም ዝተነጽጉ ድማ ክንሕብር ንፈቱ። ኮይኑ ከኣ ኣብ ክንዲ ዘቀራርብ መፍትሒ፡ ንባይቶ ኣብ ክልተ ዘይድለ ምትፍናንን ሃይማኖታዊ ምምቕቓልን ዝፈጠረ ውሳነ ምድስካል ዲምሓኩኤ ተወሲዱ። ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ግምት ዘየእቱን ንምትእትታው ዲምክራሲ ዝዕንቅፍን ንሃገራዊ ባይቶ ድማ ቅኑዕ ኣንፈቱ ዘስሓተ እዩ ኢልና ንግምግም።

ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብሃይማኖትን ባህልን ብዙሕነት ዘሎዎ ኮይኑ፡ ናይ ሓቢርካ ምንባርን ምጽውዋርን ባህሊ ዘሎዎ ሕብረተ-ሰብ እዩ። እዚ ክቡር ባህሊ’ዚ ቀጻሊ ክኸውንን ሃገር-ኢርትራ ነባሪ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክተክል እንተ ድኣ ኮይኑ ግን መንግስትን (State) ሃይማኖትን (Religion) ዘይሕንፍጽ ዕልመናዊ መንግስቲ (Secular) ምስ እንምስርት እዩ። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ኣንፈቱ ዝሰሓተ እዩ ኢልና ንግምግም።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ብሰፊሕ ንምዝታይን ፍታሕ ንምርካብን እዞም ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ምስ እቲ ንውክሎ ህዝቢ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሰሜን ኣመሪካ  ኣኼባታት ከነካይድ ምዃንና ንሕብር። ምስ ህዝብና ተዛቲናን ተማኺርናን ናይ መጻኢ መደብና ከመይ ከም ዝኸውን ክንውስን ምዃንና እውን ንሕብር።

ዶክ፡ ኣፍወርቂ ጳውሎስ

ኣማኒኤል ሕድራት

መንግስ ተስፋ

ኢሳቕ የሕደጎ

ተኽላይ ኣብራሃ

ወልዴሱስ ዓንደማርያም