-->

ዜና ካብ ውሽጢ ኣስመራ

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣስመራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንእትምሓደር `ሰሚናርዮ` ተባሂላ ናይ እትፍለጥ ቤት ትምህርቲ ኣካየድቲ ንዝነበሩ ኣባ ጳውሎስ ሃይለ፡ ከምኡ `ውን ሲስተር ትንሳኤ ከምዝኣሰሮም ምንጭታት ሓቢሮም።
እቲ ጸረ ትምህርትን ምዕባለን ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣስመራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንእትምሓደር፡ `ሰሚናርዮ` ተባሂላ እትፍለጥ ቤትምህርቲ ዘካይዱ ዝነበሩ፡ ዓጀኑ ዝዓዶም ኣባ ጳውሎስ ሃይለ፡ ከምኡ `ውን ዓደብዑር ዝዓደን ሲስተር ትንሳኤ ኣሲሩዎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ብመሰረት `ቲ
እቲ ጸረ ትምህርትን ምዕባለን ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣስመራ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንእትምሓደር፡ `ሰሚናርዮ` ተባሂላ እትፍለጥ ቤትምህርቲ ዘካይዱ ዝነበሩ፡ ዓጀኑ ዝዓዶም ኣባ ጳውሎስ ሃይለ፡ ከምኡ `ውን ዓደብዑር ዝዓደን ሲስተር ትንሳኤ ኣሲሩዎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ እቶም ግዳይ ማእሰርቲ ኮይኖም ዘለዉ ክልተ ኣካየድቲ ቤትምህርቲ `ሰሚናርዮ`፡ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ቤትምህርቲ ብምዕጻው፡ እቶም ዕድሚኦም ዝኣኸለ ተማሃሮም ናብ ሳዋ ክኸዱ፡ ነቶም ዝተረፉ ድማ ባዕላቶም ናብ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ክምድቡዎም ምዃኖም ንዘመሓላለፉሎም ትእዛዝ ብምንጻግ፡ `ኣይፋልን፡ ንዓና ቐቲልኩም ደኣ ትወስዱዎም እምበር ተማሃሮና ኣሕሊፍና ኣይንህብን፡ ቤትምህርቲ ክዕጾ `ውን ኣይነፍቅድን` ስለዝበሉ እዮም ተኣሲሮም ዘለዉ።
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣቡናት ካተሊካዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ መንግስትኣብ ከምኡ `ውን ኣቡነ ፍቕረማርያም ንመገሻ ናብ ወጻኢ ሃገራት ምውጽኦም ምስ ኣረጋገጹ ተጸናትዮም እዮም ነቲ እኩይ ቤትምህርቲ ናይ ምዕጻውን ኣካየድቱ ናይ ምእሳርን ስጉምቲ ወሲዶሞ።
እቲ ስርዓትን ልኡኻቱን፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም፡ ንላዕለዎት ኣካየድቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከየፍለጡ ብታሕቲ ታሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ብምዝውታር ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝፍሕቁን ዘዳኽሙን ስጉምታት ክወስዱ ከምዝጸንሑ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።
እቲ ክሳብ 12 ክፍሊ ዘስተምህር ሰሚናርዮ ዝብሃል ቤትምህርቲ ብፍላይ ብስነ-ሃይማኖት (Theology) ሓያለ ምሁራት ዘፍረየ፡ ብደረጃ ኣፍሪቃ ብሉጽ ቤትምህርቲ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እቲ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ተደፊሩ ዘይፈልጥ ቤትምህርቲ በዚ ምልካዊ ስርዓት ተደፊሩ ኣብ ምዕጻው ደረጃ ምብጽሑ ዓማጺ ባህርያት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ደረቱ ሓሊፉ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።

source https://www.facebook.com/dawit.keren/posts/1276334895845719?pnref=story

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com