ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ክልተ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

 

ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት፣ ክልተ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፣ ኣባ ተስፋይ ደባስ፣ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ዘ ማሕበረ ካፑቺኒ፣ ከምኡ ‘ውን ኣባ ኢዮብ ገሬሱስ፣ ሓላፊ ቤትማሕተም ፍራንቸስካና፣ ካብ ኣባይቶም እናጋፍዐ ብምውሳድ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ከምዝሓየሮም ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ማእሰርቲ ናይዞም ክልተ ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ  ግብረ መልሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ናይቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣርባዕተ ጳጳሳትካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ዝዘርግሑዎ ነቐፌታን መተሓሳሰብን ክኸውን ከምዝኽእል ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።
Source http://assenna.com