ሓጺር ታሪኽ ህወት ቀኛዝማች ብርሃኑ ኣሕመዲን፡

 

መበቆል ወለዶ ብርሃኑ ኣሕመዲን፡ ካብ መሳልል ብርሃኑ ሓጎስ ቀዳማይ ነጋድ ራስ ኤርትራን መስራቲ ዞባ ገዛ ብርሃኑ ምዃኑ ይፍለጥ።

ብ1908 ኣብ ከተማ ኣስመራ ተወሊዶም፡ ኣቦ ሰለስተ ደቂ እዮ (ኑር/ኣሕመዲን/ዩሱፍ)።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣልያን ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ፡ ንደቂ ሃገር ዝወሃብ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣዝዪ ድሩት ብምንባሩ፡ በቲ ደረጃ ከይተቐየዱ፡ ብትምህርቲ ባዕሎም ንባዕሎም ነብሶም ዘማዕበሉ ኮይኖም፡ ጽቡቕ ኣፍልጦ ቋንቋ ትግርኛን/ዓረብኛን/ጥልያንን ከኣ ነበሮም።

ኣብ ኣርበዓታት ዝካየድ ዝነበረ ቃልሲ፡ ሓደ ካብቶም ልሉያት ንሓድነትን ምሉእ ነጻነትን ናይ ኤርትራ ዝጣበቑ ዝነበሩ ሃገራዊ ባእታ እዮም። ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ከምዝሕብሮ ኣብ 1943 ሓደ ካብ መስረቲ ማሕበር ፍቕረ ሃገር ምንባሮም፡፡ ከምኡ'ዉን ብ03/12/1946 ካብቶም ቀንዲ መስረቲ ሰልፊ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ ብምንባሮም፡ ንሓድነት መሬት ኤርትራን ንነጻነታን ዝተቓለሱ ልሉይ ተራ ዘመስከሩ ሃገራዊ ተቃላሳይ እዮም። ፈታዊ ፍትሕን ተባዕን ሓያልን ከምዝነበሩ ይዝንተወሎም። ብቡምባ-ኢድ፡5 ግዜ፡ ናይ መቕተልቲ ፈተነ ኣብ ልዕሊኦም ከምዝተኻየደን፡ ከምኡ'ዉን ብማሕበር ኣንድነት ዝተላእኩ ዕሱባት፡ ነቲ ኣብ ገዛ ከኒሻ ዝነበረ መኖርያ ቤቶም ናብ ዱኽዒ ለዊጦም ከምዘፍረስዎ ይፍለጥ።

ሹመኛ ገዛ ብርሃኑ ምንባሮም፡ ኣብ 1952/1956/1960 ዝተኻየደ ምርጫታት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ (ዞባ ገዛ ብርሃኑ) ንኣባልነት ባይቶ ኤርትራ ተመሪጾም።

ብ1973 ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓሪፎም።

 

 

موجز تاريخ حياة قنزماش برهانو أحمدين

 

ينحدر برهانو أحمدين من عائلة برهانو حقوص وهو أول رئيس للتجار " نقاٌد راس"   في إريتريا ومؤسس حي قزا برهانو في أسمرا.ولد في أسمرا في العام 1908.والد لثلاثة أبناء وهم نور وأحمدين ويوسف.

خلال مرحلة الإستعمار الإيطالي كانت فرص التعليم ضئيلة جداً بالنسبة للإريتريين لذلك فقد إجتهد برهانو وعلٌم نفسه بنفسه حتى أتقن العربيه والإيطالية بجانب التقرينة.خلال فترة  تقرير المصير في الأربعينات كان واحداً من أوائل من نادوا بوحدة وإستقلال إريتريا.وفي العام 1941شارك في تأسيس محبر فقري هقر"جمعية حب الوطن"ثم الرابطة الإسلامية في ديسمبر1946.كان برهانو أحمدين مناضلاً صلبًا وشجاعا في من أجل العدالة  والمساواة . وقد تعرٌض لمحاولات إغتيال عديدة عن طريق إلقاء القنابل اليدويٌةوالتي وصلت إلى خمس محاولات. .كما قامت عصابات" محبر اندنت "بتدمير منزله الكائن في حي" قزا    كنيشا" تدميراً كاملآ.    

تولى رئاسة حي "قزا برهانو". وفي الإنتخابات التي جرت في الأعوام 1952/1956/1960للمجلس التشريعي الإريتري انتخب ممثلا  ل" زوبا قزا برهانو" .