ናስር ባሻ(ናስር ቤ) 

ናስር ባሻ(ናስር ቤ) መስሌኔ ናይ ዓዲቀይሕ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዘይምሪድዳእ ኣብማንጎ ዓዲታት ይኩኑ ኣውራጃታት ኣብ ዝጋጠመሉ ግዜ ንኪዓርቁ ምስ ክሪስትያን ኣሕዋቶም ብሙካን ካብ ዝንቀሳቀሱ ኣስላም ሓደ ናስር ባሻ ዮም ነይሮም።ኣብ ሰገነይትን ኣብ መንደፍራን ኣብ 4ተ ኣስመራን ካኣ ቡዙሕ ኣዕሩኽቲ ከምዝነበሮምን ኣብ ሓዘን ይኩን መርዓ ካኣ ይዕደሙ ምንባሮም ዩ ዝንገር።በዚ ኣጋጣሚ ድማ ዩ ምስ ቡዙሓት ማሰንኛታት ዝተላለዩ።
ማሰኛ ባሻይ ተመልሶ ቀለተ ባዓል መንደፍራ(ዓረት) ካኣ ቀንዲ ኣድናቂ ንናስር ባሻ ምንባሩን ገለ ከጸገሞ እንከሎ ድማ ናብ ዓዲ ቀይሕ ብምካድ ካብ ጡዑማት ማሰታቱ ገለ ወስ ብምባል ሓገዝ ይረኽቡ ምንባሮም ይግለጽ ።ገለ ካብቲ ማሰታቶም ካኣ '''ምስ ኣዕሩኽቶም ሕውስ ኣብሎም ንናስ ባሻ ከምዚ በሉ።
♥ናስር ባሻ ካብ ሙስሊማን።
♥ካብ ክሪስትያን ተመልሶ ኦማን።
♥ገብረ መስቀል ወልዱ ካብ ትርጁማን።
♥ንዝኦም ሕዝካስ እዝግካ ምልማን።
@ ናስር ባሻ ምስ መሳፊንቲ ትግራይ ዝብሩዎ ዝነበሩ ሓያል ዘይተምበርካክነትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝረኽቡዎ ዝነበሩ ዓወትን ኣዝዮም ዝተገረሙ ኣቦይ ባሻይ ተመልሶ ቀለተ እቲ ዕርክነቶምን ኣድኖቆትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እና ዓዘዘ ኣብ ዝከዱሉ ድማ ከምዚ ብምባል ማሴ በሉ።
♥ኣንቱም ናስር ባሻ, ናስር ባሻ።
♥ኣብዝከድኩም ካይድኩም መና ገሻ።
♥ግጻ ዘመጻኩም ካብ ኣውሳ።
♥ኣሓኩም ይውዕላ ብዘይ ጓሳ።
♥ይትረፍ ዝብእ’ስ ዘይደፍረን ኣምበሳ።
♥እታ ቃላይ ንሱም ንጉሳ።
♥ንምድሪ ውን ንሱኩም ንጉሳ።
♥ሰበይትኩም ባርኖስ መበንጠሻ።
♥ፊርቂ ለይቲ ትገብሩዎ ኣልዒሻ። እሎም ብኣድኖቆት ማሴ እሎምሉ ።
ሞት ዘይተሪፍ ኮይኑ ሳዓቶም ኣኪላ ናስር ባሻ ምስ ሞቱ ድማ ኣቦይ ባሻይ ተመልሶ ቀለተ(ባዓል ዓረት) ኣብቲ ቀብረ ተረኪቦም ነይሮም ይባሃል ፣ማሴ ድማ በሉ።
♥ዋየ ፣ወየ፣ወየ ።
♥ኣንቱም ሓው, ሓዋ ምዕዱ ዘስመዐ።
♥5ተ ምንፍሬ ምዕዱ ዘስመዐ።
♥5ተ ዓሳሌሳን ምዕዱ ዘስመዐ።
♥ባሕሪ ዙላ ኣውያትኩም ምስ ሰምዐ።
♥ደኒኑ ኣብ ገዝኡ ነብዐ።
♥ባርካ ምላሽ ኣውያትኩም ምስ ሰምዐ።
♥ደኒኑ ኣብ ገዝኡ ነብዐ።
♥ኣስመራ ኣውያትኩም ምስ ሰምዐ።
♥መጸምበር ባቱራ ገይሩ እንዳ ኳዕኳዐ።
♥ሰራየ ኣከለጉዛይ ኣውያትኩም ምስ ተሰምዐ።
♥መጸምበር ብእግሩ እንዳ ኣንኳዕኮዐ።
♥ዓቢ ገረብ ሎሚኳተገምዐ።
♥ዓቢ ገፈን ሎሚኳ ተገምዐ።
♥ኣስላማይዶ ክብለኩም ምዐ ምዐ።
♥ክስታናይዶ ክብለኩም ናባኩም ተጸግዐ።
እሎም ካብ ማሴኛታት ናብ ኣቦሓጎና ካብ ዝማሴዩ ሓደ ኣቦይ ተመልሶ ዮም ነይሮም።
https://youtu.be/9beZdHm88Bw

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com