-->

ሓጺር ታሪኽ ህይወት፡ ሓርበኛ ስዉእ "ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ"

1946-2024

ባዱሪ ኣብ 23 ጥቅምቲ 1946 ዓ.ም.፡ ካብ ኣቦኡ ሰይድ ጣህር ዑመር ባዱሪን ኣዲኡ ሰይዳ ዛህራ ዑስማን መሓመድን ኣብ ሕርጊጎ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ዝተወልደ ብጻይ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርትታት ሕርጊጎ፡ ካምቦኒ ኣስመራ፡ ኣልኢልሃም ካይሮ (ግብጺ)፡ ዩኒቨርስቲ ሓለብ ኣብ ሶርያ ትምህርቱ ብምክትታል ካብ መባእታ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ተማሂሩ። ኣፍልጥኡ ዝያዳ ንምዕባይ ከኣ; ኣብ 1996 ኣብ open university London ምልከት ቋንቋ ኣንግሊዝ፡ ኣብ Osaka Japan ድማ ብሕጊ ወፍሪ (Investment) ሰልጢኑ።
ስዉእ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ካብ 1968 ኣትሒዙ ኣብ ግብጽን ሶርያን ከሎ ገድላዊ ዕማም ንምፍጻም ድሉው ብምንባሩ፡ ኣብ 1969 ኣብ ሶርያ ብናይ ኮማንዶ ወተሃደራዊ ስልጠና ሰልጢኑ’ዩ ተሰሊፉ። ኣብ 1971 ከኣ ኣብ ቀዳማይ ሓይሊ ህዝባዊ ሓይሊታት ኮሚሽነር ሓይሊ ኮይኑ ካብ ዝተመደበሉ ጊዜ፡ ኣብ ዓውደ ውግኣት ኣንጻር ጸላእን ተሓኤን ፦ ኣብ ሰባርጉማ፡ ሂካኖ፡ ማይኡለ፡ ገርሲለ፡ ዒን፡ ሽግለት፡ ደምቦቤት፡ ዓየት፡ ዒላበርዒድን ማዕሚደን ብልዑል ወኒ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ ላዕለዎት ጽፍሒታት ሓላፍነት ተመዲቡ፦
ካብ 1973 ክሳብ 1974 ወኪል ውድብ ህዝባዊ ሓይሊታት ኣብ ዓደን (ደቡብ የመን)
ካብ 1975 ክሳብ 1976 ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ሓይሊታት ኣብ ኩወይት፡
ካብ 1977 ክሳብ 1984 ማእከልነት ዜና ኣብ ሜዳ
ኣብ 1977 ኣብ መንጎ ህግሓኤን ተሓኤን ብመንጎኝነት ሱዳን ብስምምዕ 20 ጥቅምቲ ዝፍለጥ ስምምዕ ኣብ ፈነወ ሬድዮ ኡምዱሩማን፡ ኣብ በይሩትን ፈረንሳን ብቁንቋታት ዓረብን እንግሊዝን ኣብ ምድላው መጽሔት Eritrean Information
ካብ 1985 ክሳብ 1986 ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህግሓኤ ኣብ ሱዳን
ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህግሓኤ ኮይኑ ድማ ፦
ካብ 1987 ክሳብ 1991 ኣባል ሰክረታርያ ክፍሊ ወጻኢ ዝምድናታት ኣብ ሜዳ
ካብ 1992 ክሳብ 1993 ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡
ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ ድማ፦
ኣብ ሚኒስትሪ ዜና፡ ሚኒስትሪ ንግድን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ተሓጋጋዚ ሚኒስተራት፡ ኮሚሽነር ማእከል ወፍሪ ኤርትራ፡ ቀዋሚ ልኡኽ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን (ኒው ዮርክ) ኮይኑ ብተወፋይነት ሃገሩን ህዝቡን ኣገልጊሉ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡
ኣብ ቅድምን ድሕርን ናጽነት፡ ስዉእ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ፡ ኣሜሪካ ፡ፈረንሳ፡ ኣንግሊዝ፡ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ኖርወይ፡ ሽወደንን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታትን ርክባትን ብምስታፍ ንሃገሩን ህዝቡን ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ኣብ ምዝታይ ዝተሳተፈ ብጻይ ኢዩ።
እዚ ክቡር ዜጋ፡ ልዑል ምልከት ቋንቋ ዓረብ ዝውንን ብምንባሩ፡ ኣብዛ ብውሕሉል ዋሕዚ ትረኻ ብቋንቋ ዓረብ ጽሒፉ ብትግርኛ ዝተርጎማ መጽሓፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ንምውሓስ ዘካየዶ ዘስደምም ገድሊ ንምንጽብራቕ፡ ዝተሰግሩ መስገደላትን ዝተጨበጡ ዓወታትን ብመልክዕ ስእሊ ከምዝረእዩና ብምግባር ጽሒፉ ነዛ መጽሓፍ፦
ንቀዳሞት ሓርበኛታት፡

ኣብ 1961 ብረታዊ ገድሊ ንዘበገሱ፡
ንሰራሕቲ ቅያ መዘናታቱ፡
ኣብ ጅግንነታዊ ግጥማት ንዝወደቑ ሰማእታትን ጀጋኑ ሓርበኛታት ስንኩላንን
ብጸላኢ ዝተረሸኑ ንጹሃት ዜጋታት፡
ኣብ ሸላታት ጸላኢ ብማእሰርቲ ንዝማሰኑ፡

ኣብያቶምን ንብረቶምን ዝበረሰ ኣብ ፈቐዶ ጎቦን ስንጭሮን ዝተበታተኑን ዝተሰደዱን ዜጋታት፡
ድሕሪ ናጽነት ሃገራዊ ዕማም እናሰላሰሉ ንዝተፈልዩን ህልዋትን ኣቦታትን መራሕትን፡ ኮታ ንኹሉ ወለዶን ክፋላት ተቓላሳይ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣጣሚሩ፡
ኣብቲ ነዊሕን መሪርን መድረኻት ቃልሲ፡ ብድምር፡ ትርጉም ሰውራ፡ ጽንዓት፡ ጅግንነት፡ ትዕግስቲ፡ ንዝመሃረኒ ወለዶ ህያብ ትኹነለይ ኢሉ መዘከርታ ገጸ በረከት ኣረኪቡና ሓሊፉ ኣሎ።
ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ንዓቕምን ብልሕን ጀጋኑ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ብልክዕነት ዝውክል፡ ካብቶም ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ሃንቀውታ ህዝቢ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ብዘይጽዓድ ሕልና ዝተቓለሱ፡ ሓያል ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን፡ ትስፉው መንፈስ፡ ዓቕሊ፡ ተወፋይነት፡ ምቕሉልነት፡ ዝመለለይኡ ክብርታት ዝውንኑ ታሪኽ ደቂ’ዛ መሬት እዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢይን ክቡርን ተቓላሳይ፣ ንሓዋሩ ብኽብሪ ኣብ እነፋንወሉ ህሞት እምበኣር፣ ከም ሃገራውያን ዝስምዓና ሓዘን ርዝነቱ ቀሊል ኣይኮነን። መስዋእቲ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ክቡር ዜጋ ንሃገርን ህዝብን ዓቢ ክሳራ እኳ እንተኾነ፡ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ኣብቲ ዝተዋህቦ ዕምሪ፣ ብምሉእ ዓቕሙን ብልሑን ንሃገሩን ህዝቡን ተወፍዩ ብምስራሕ፡ ሃገራዊ ግቡኡ ብምልኣት ዝፈጸመ ዜጋ ብምዃኑ፣ ነቲ ብዙሕ ዝዓመመሉን ዘፍረየሉን ጉዕዞ ህይወቱ ብሓበንን ዓቢይ ክብርን እናዘከርና ኢና ንፋነዎ ዘለና።

ኣብ 1979 ምስ ተጋዳሊት ኣምና ሓሰን መሓመድ ናይብ ብስርዓት መርዓ ህዝባዊ ግንባር ተመርዕዩ ሓዳር ዝመስረተን ኣቦ ክልተ ውሉዳትን ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ብሃገራውን ሞያውን ኣበርክቶኡ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ውልቀሰብ፡ ሰብኣዊ ባህርያቱ’ውን ዝድነቕ’ዩ። ሕዉስን ተዋዛያይን ኣብ ስርሑ ምስ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ፡ ምስ መሳርሕቱ ለዚቡ ናይ ምርድዳእ ባህርይ ዝነበሮ፡ ምቕሉልን ጥዑምን፡ ቅኑዕን ግሉጽን፡ ፍትሓዊን ሕያዋይን፡ ንመሳርሕቱ ብፍልጠት ከማዕብልን ዝጽዕር ሰብ ብምንባሩ፡ ብኹሎም መቓልስቱ ይኹን ብህዝቢ ኣዝዩ ቅቡልን ፍቱውን እዩ ነይሩ።
ስውእ ሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ ፡ ከምዚ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ብሓጺሩ ዝተገልጸ፡ ብልዑል ፍቕሪን ተወፋይነትን ስለ ህዝብን ሃገርን ተበጅዩ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ብ 30 ጥሪ 2024 ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተሰዊኡ።
ብሰላም ዕረፍ ሓርበኛ !
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና !
ምንጪ፡ ምኒስትሪ ዜና ኤርትራ

 

ሓጺር ታሪኽ ህይወት ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ
(ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ዝተነበበ – 01 ለካቲት 2024)

“ዝተጻሕፈ ታሪኽ – ድሕሪ ፈጸምቱ ንዘልኣለም ይነብር፣ ፈጸምቱ ከኣ ኣብ ትሕቲ ባይታ ተደብዮም እንከለው፡ ንዘልኣለም ክዝከሩ ይነብሩ” ዝብል ወግዒ ስነ-ጥበበኛታት ብምስትውዓል፡ ስዉእ ሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ቅድሚ ምስዋኡ ምስ ጊዜ ብምቅድዳም፡ “ጉዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ” ኢሉ ኣብ 504 ገጻት፡ ሰውራ ኤርትራ በብእዋኑ ዝሰገሮም መድረኻት ቃልሲ እተብርህ – ብውሕ

ልነት ዝጸሓፋ መጽሓፍ መዘከርታ ኣበርኪቱልና ሓሊፉ – ሎሚ ንፋነዎ ኣሎና። እዚ ክቡር ብጻይ፡ ኣብ መፋርቕ 1970፡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ ብምሉእ ዓቕሙን ብልሑን ንሃገሩን ህዝቡን ብምውፋይ፡ ንዓወት ሓርነታዊ ቃልስን ህንጸት ሃገርን ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበረ – ብኣርኣያነት ዝጥቀስ፡ ምኩር ወተሃደር፡ ልዑል ናይ ምዝካር ዓቕሚ ዝውንን፡ በሊሕ ዲፕሎማሰኛ፡ ደራስን ተራኽን ዝኾነ ጅግና፡ ሃገርና ብኣበርክቶኦም ካብ እትሕበነሎም ፍቱዋትን ጽኑዓትን ሓርበኛታት ተቓለስቲ ብምዃኑ፡ ታሪኹን ኣበርክቶኡን እናዘከርና ብኽብሪ ንሰናበቶ ኣሎና።
ብ23 ጥቅምቲ 1946 ዓ.ም.፡ ካብ ኣቦኡ ሰይድ ጣህር ዑመር ባዱሪን ኣዲኡ ሰይዳ ዛህራ ዑስማን መሓመድን፡ ኣብ ሕርጊጎ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ዝተወልደ ብጻይ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ሕርጊጎ፡ ካምቦኒ ኣስመራ፡ ኣልኢልሃም ካይሮ (ግብጺ)፡ ዩኒቨርሲቲ ሓለብ ኣብ ሶርያ ትምህርቱ ብምክትታል፡ ካብ መባእታ ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ተማሂሩ። ኣፍልጦኡ ዝያዳ ንምዕባይ ከኣ፡ ኣብ 1996 ኣብ open university London ምልከት ቋንቋ እንግሊዝ፡ ኣብ Osaka Japan ድማ፡ ብሕጊ ወፍሪ (Investment) ሰልጢኑ። ስዉእ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ካብ 1968 ኣትሒዙ ኣብ ግብጽን ሶርያን እንከሎ ገድላዊ ዕማም ንምፍጻም ድሉው ብምንባሩ፡ ኣብ 1969 ኣብ ሶርያ ብናይ ኮማንዶ ወተሃደራዊ ስልጠና ሰልጢኑ እዩ ተሰሊፉ። ኣብ 1971 ከኣ፡ ኣብ ቀዳማይ ሓይሊ ህዝባዊ ሓይሊታት – ኮሚሽነር ሓይሊ ኮይኑ ካብ ዝተመደበሉ ጊዜ፡ ኣብ ዓውደ-ውግኣት ኣንጻር ጸላእን ተሓኤን – ኣብ ሰባርጉማ፡ ሂካኖ፡ ማይኡለ፡ ገርሲለ፡ ዒን፡ ሽግለት፡ ደምቦቤት፡ ዓየት፡ ዒላበርዒድን ማዕሚደን ብልዑል ወኒ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ላዕለዎት ጽፍሒታት ሓላፍነት ተመዲቡ፦ – ካብ 1973 ክሳብ 1974 ወኪል ውድብ ህዝባዊ ሓይሊታት ኣብ ዓደን (ደቡብ የመን)፡ – ካብ 1975 ክሳብ 1976 ምክትል ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ሓይሊታት ኣብ ኩወይት፡ – ካብ 1977 ክሳብ 1984 ማእከልነት ዜና ኣብ ሜዳ፡ – ኣብ 1977 ኣብ መንጎ ህ.ግ.ሓ.ኤን ተ.ሓ.ኤን ብመንጎኝነት ሱዳን፡ ብ‘ስምምዕ 20 ጥቅምቲ’ ዝፍለጥ ስምምዕ ኣብ ፈነወ ሬድዮ ኡምዱሩማን፡ ኣብ በይሩትን ፈረንሳን ብቋንቋታት ዓረብን እንግሊዝን ኣብ ምድላው መጽሔት Eritrean Information፡ – ካብ 1985 ክሳብ 1986 ሓላፊ ቤትጽሕፈት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ሱዳን፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኮይኑ ድማ ፦ – ካብ 1987 ክሳብ 1991 ኣባል ሰክረታርያ ክፍሊ ወጻኢ ዝምድናታት ኣብ ሜዳ፡ – ካብ 1992 ክሳብ 1993 ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ ድማ፦ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና፡ ሚኒስትሪ ንግድን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ተሓጋጋዚ ሚኒስተራት፡ ኮሚሽነር ማእከል ወፍሪ ኤርትራ፡ ቀዋሚ ልኡኽ
ሃገረ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን (ኒው ዮርክ) ኮይኑ ብተወፋይነት ሃገሩን ህዝቡን ኣገልሉ።ጊ

 ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ቅድምን ድሕርን ናጽነት፡ ስዉእ ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ፡ ኣሜሪካ፡ ፈረንሳ፡ ኣንግሊዝ፡ ጣልያን፡ ጀርመን፡ ኖርወይ፡ ሽወደንን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝተኻየዱ ኣኼባታትን ርክባትን ብምስታፍ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ኣብ ምዝታይ ዝተሳተፈ ብጻይ እዩ።  
እዚ ክቡር ዜጋ፡ ልዑል ምልከት ቋንቋ ዓረብ ዝውንን ብምንባሩ፡ ኣብ’ዛ ብውሕሉል ዋሕዚ ትረኻ ብቋንቋ ዓረብ ጽሒፉ ብትግርኛ ዝተርጐማ መጽሓፉ፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ንምውሓስ ዘካየዶ ዘስደምም ገድሊ ንምንጽብራቕ፡ ዝተሰግሩ መስገደላትን ዝተጨበጡ ዓወታትን ብመልክዕ ስእሊ ከምዝረእዩና ብምግባር ጽሒፉ – ነዛ መጽሓፍ፦ – ንቀዳሞት ሓርበኛታት፡ – ኣብ 1961 ብረታዊ ገድሊ ንዘበገሱ፡ – ንሰራሕቲ ቅያ መዘናታቱ፡ – ኣብ ጅግንነታዊ ግጥማት ንዝወደቑ ሰማእታትን ጀጋኑ ሓርበኛታት ስንኩላንን፡ – ብጸላኢ ዝተረሸኑ ንጹሃት ዜጋታት፡ – ኣብ ሸላታት ጸላኢ ብማእሰርቲ ንዝማሰኑ፡ – ኣብያቶምን ንብረቶምን ዝበረሰ ኣብ ፈቐዶ ጎቦን ስንጭሮን ዝተበታተኑን ዝተሰደዱን ዜጋታት፡ – ድሕሪ ናጽነት፡ ሃገራዊ ዕማም እናኣሰላሰሉ ንዝተፈልዩን ህልዋትን ኣቦታትን መራሕትን. . . ኮታ ንኹሉ ወለዶን ክፋላትን ተቓላሳይ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣጣሚሩ፡ ኣብቲ ነዊሕን መሪርን መድረኻት ቃልሲ፡ ብድምር – ትርጉም ሰውራ፡ ጽንዓት፡ ጅግንነት፡ ትዕግስቲ፡ ንዝመሃረኒ ወለዶ ህያብ ትኹነለይ ኢሉ መዘከርታ ገጸ-በረከት ኣረኪቡና ሓሊፉ ኣሎ። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ፡ ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ንዓቕምን ብልሕን ጀጋኑ ኤርትራውያን ተቓለስቲ ብልክዕነት ዝውክል፡ ካብ’ቶም ክሳብ ዕለተ-ዕረፍቶም ሃንቀውታ ህዝቢ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ብዘይጽዓድ ሕልና ዝተቓለሱ፡ ሓያል ፍቕሪ ህዝብን ሃገርን፡ ትስፉው መንፈስ፡ ዓቕሊ፡ ተወፋይነት፡ ምቕሉልነት፡ ዝመለለይኡ ክብርታት ዝውንኑ ታሪኽ ደቂ’ዛ መሬት እዩ። ከም’ዚ ዝኣመሰለ ዓቢይን ክቡርን ተቓላሳይ፣ ንሓዋሩ ብኽብሪ ኣብ እነፋንወሉ ህሞት እምበኣር፣ ከም ሃገራውያን ዝስምዓና ሓዘን ርዝነቱ ቀሊል ኣይኮነን።  
መስዋእቲ ናይ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ክቡር ዜጋ ንሃገርን ህዝብን ዓቢ ክሳራ እኳ እንተኾነ፡ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ኣብ’ቲ ዝተዋህቦ ዕምሪ፣ ብምሉእ ዓቕሙን ብልሑን ንሃገሩን ህዝቡን ተወፍዩ ብምስራሕ፡ ሃገራዊ ግቡኡ ብምልኣት ዝፈጸመ ዜጋ ብምዃኑ፣ ነቲ ብዙሕ ዝዓመመሉን ዘፍረየሉን ጉዕዞ ህይወቱ – ብሓበንን ዓቢይ ክብርን እናዘከርና ኢና ንፋነዎ ዘሎና። ኣብ 1979 ምስ ተጋዳሊት ኣምና ሓሰን መሓመድ ናይብ፡ ብስርዓት መርዓ ህዝባዊ ግንባር ተመርዕዩ ሓዳር ዝመስረተን – ኣቦ ክልተ ደቂን ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ብሃገራውን ሞያውን ኣበርክቶኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ውልቀ-ሰብ፡ ሰብኣዊ ባህርያቱ’ውን ዝድነቕ እዩ።  
ሕዉስን ተዋዛያይን፡ ኣብ ስርሑ ምስ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ፡ ምስ መሳርሕቱ ለዚቡ ናይ ምርድዳእ ባህርይ ዝነበሮ፡ ምቕሉልን ጥዑምን፡ ቅኑዕን ግሉጽን፡ ፍትሓዊን ሕያዋይን፡ ንመሳርሕቱ ብፍልጠት ከማዕብል ዝጽዕር ሰብ ብምንባሩ፡ ብኹሎም መቓልስቱ ይኹን ብህዝቢ – ኣዝዩ ቅቡልን ፍቱውን እዩ ነይሩ።  
ስውእ ሓርበኛ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ፡ ከም’ዚ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ብሓጺሩ ዝተገልጸ፡ ብልዑል ፍቕሪን ተወፋይነትን ስለ ህዝብን ሃገርን ተበጅዩ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ30 ጥሪ 2024 ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተሰዊኡ። ሎሚ ሓሙስ 01 ለካቲት 2024 ሰዓት 10፡00 ቅድሚ ቀትሪ ድማ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ቤተሰቡን መቓልስቱን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ፡ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብመስዋእቲ ገዲምን ውፉይን ብጻይ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ዑመር ባዱሪ ዝተሰምዖ ሓዘን እናገለጸ፣ ንስድራ-ቤቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም!” ይብል። ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት
ና! 

 

Funeral service of Ambassador Ahmed Tahir Baduri

Asmara, 01 February 2024- The funeral service of veteran fighter Ambassador Ahmed Tahir Baduri was held at Asmara Martyrs Cemetery in the presence of Ministers, senior Government and PFDJ officials, Army Commanders, family members, as well as a number of nationals.

Veteran fighter, Ambassador Baduri joined the EPLA in 1970 and served his nation and people with distinction as Commissioner in the EPLA, representative of the Eritrean People’s Liberation Front in Aden, Kuwait, and Sudan, head of information, as well as Secretariat at the Foreign Relation of the EPLF Central Committee.

Following Independence, Ambassador Barduri served his country and people as Commissioner of the Commission of Eritrean Refugees, Commissioner for Investment, and Permanent Representative of Eritrea to the United Nations.

Ambassador Negasi Sengal laid wreath on the tomb of the late veteran fighter on behalf of the Ministry of Foreign Affairs, Mr. Yemane Ghebreab, Head of Political Affairs of PFDJ, on behalf of the Front, Mr. Yemane Gebremeskel, Minister of Information, on behalf of the Ministry, and Ms. Zahra Ahmed Tahir Baduri, daughter of the veteran fighter.
Veteran Fighter Ambassador Ahmed Tahir Baduri is survived by his wife and two children.

ንነዊሕ ዓመታት ካብ መንግስታዊ ሓላፍነት ደስኪሉ ዝርከብ ተጋዳላይ ሰብዓታት ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ 500 ዝገጻቱ መጽሓፍ ብዛዕባኡን ንሱ ብቐረባ ዝፈልጦን ዛዕባታት ኣልዒሉ ብዓረብኛ ክጽሕፍ ከኣለ። ንምንታይ ግን መንግስቲ ኣደስኪሉኒ ኢሉ ነቲ ታሪኹ ዘይመልኣሉ?
ኣሕመድ ባዱሪ ኣብ ሕርጊጎ ብ 1946 ዝተወልደ ገዲም ተጋዳላይ'ዩ። ኣብ ዳሕረዎት ዓመታት ስሳታት ኣብ ሶርያ ሕክምና የጽንዓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ልቡን ቀልቡን ናብ ሰውራ ኤርትራ ስለ ዘንቀደ ብ 1969 ትምህርቱ ራሕሪሑ ንሜዳ ወረደ።
ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፡ ብዕድሜ ምድፋእን ብህልዊ ቅልውላውን ከይተዓንቀፈ ክገብሮ'የ ብዚብል መንፈስ ተደፊኡ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኣበርክቶ ብምግባሩ ክምጐስ ይግባእ። እቲ መጽሓፍ ድማ ብጽቡቕ ጽሕፈትን ጽፈትን ናብ ትግርኛ ተተርጐመ። ሓንሳብ ምንባብ ምስ ጀመርካ ደው ንምባላ ኣሸጋሪ'ዩ ... ክሳብ ክንድዚ መቐረት ዘሎዋ መጽሓፍ'ያ።

መጽሓፍ ምጽሓፍ ቀሊል ጕዳይ ኣይኰነን። ዋላ'ኳ እቲ ህሉው ፖለቲካዊ ኵነታት ንምጽሓፍ በዳሂ ይዅን እቶም ሒዶት ጸሓፍቲ፡ ኣዕጋቢ ይዅን ኣይዅን ብዘየገድስ፡ ብምጽሓፎም ክምጐሱ ይግባእ፤ ነቲ ደፊሮም ክጽሕፍሉ ዘይክኣሉ ኣርእስታት ድማ ቀስ ኢሎም፡ ዕድመ እንተድኣ ሂቡዎም፡ ኵነታት ከኣ ምስ መችኦም፡ የርክብሉ ይዀኑ።
ንምዃኑ ባዱሪ ናይ ኤርትራ ቀዋሚ ወኪልን ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝነበረ፡ ቅድሚኡ'ውን፡ ኣብ ሜዳ ይዅን ድሕሪ ናጽነት ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓቢይ ሓላፍነት ዝነበሮም ስርሓት ከም ዘገልገለ ክንጠቕሶ ንደሊ። መን ይፈልጥ፡ በዚ ተባዕ ኣበርክቶኡ ንኻልኦት መሰልቱ መገዲ ይኸፍተሎም ይኸውን።
ኣርእስቲ ናይዛ ዓባይ መጽሓፉ "ኤርትራ፡ ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ" ዚብል ኰይኑ ብኣደናቒ ትሕዝቶን ቅርጽን'ዩ ኣቕሪቡዋ። ኣነ እናበለ ብቐዳማይ ኣካል ንጽል ተውላጠ-ስም ስለ ዝጸሓፋ ድማ ተነባቢት'ያ። መናእሰይ ድም ገናጺሎም ዜርብሕ ትምህርቲ ከም ዝረኽቡላ ድማ ኣየጠራጥርን።

ሐፈሻዊዳህሳስ፡እወታዊዝኽርታተይካብመጽሓፍዝኽርታትኣምባሳደርኣሕመድጣህርባዱሪ

ከም ኣባል ቀዳማይ ወገን ህ-ሓይልታት፡ ደራሲ ነቲ ብዙሕ ዘይዝረበሉ ቀዳማይ ወገን ታሪኻዊ ቦትኡ የትሕዞ—ንህ-ሓይልታት ምሉእ ስእሊ የውህቦይ [ብዙሕ ዘይዝከሩ ግን ኣብተን ቀዳሞት ወሰንቲ ዓመታት ናይ ህ-ሓይልታት ዓቢ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ከም ኣቡበከር መ/ሓሰን፡ ዓሊ ዑስማን መሓመድ፡ ሼኽ ዑመር ያሕያ፡ ሓሰን ኣሚር ካልኦት ፍሉጣት ከም ሳልሕ ጠጠውን ኣሕመድ ሂላልን—ብሂወቶም ምሳኻ ዘዕልሉ ዘለዉ ኮይኑ ይስመዓኻ። ምስኦም ትጠሚ፡ ምስኦም ትሽገር፡ ምስኦም ተጸምእ፡ ምስኦም ትኽበብ፡ ምስኦም ትዋጋኣ፡ ምስኦም ትስሕቕ፡ ምስኦም ትኹሪ—ምስኦም ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ትሓልም። ካብ ካልእይ ወገን እውን ብዙሃት ቀዳሞት ጀጋኑ ኢኻ ትረክብ።  እታ ምስ ወዲ ፈንቅል፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ በሪኽ ጎቦ ሰሜናዊ ባሕሪ (ልዕሊ ተኽሊ) ኮይኖም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጦጥ ዝመስል ግመ ሰ/ባሕሪ ዝንሳፈፉ ዘለዉ ክመስሉ፡ ናብ ጎላጉል ሰምሃር እንዳ-ኣቛመቱ፡ ወዲ ፈንቅል ንደራሲ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሰውራ ከመይ ኢሉ ግድን ክዕውቀት

II- ቛንቛንኣቀራርባን
ታሪኽን ስነ-ጽሑፍን ተፋቒሮም ወይ ተጻሚዶም ክስጉሙ ትርኢ ( ደራሲ- ካብ ቀደም ኣትሒዙ ናይ ምጽሓፍን-ጋዘጠኛነትን፡ ክልሰ-ሓሳባዊ ዕምቖትን ድሕረ-ባይታ ዝነበሮ ብምዃኑ ንተዘክሮታቱ ብኸምዚ ዝኣመሰለ መሳጢ ቅዲ ከቕርቦ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ ነይሩ፡ ንትጽቢት ኣንበብቲ ዘዕግብ ስራሕ ኣቕሪቡ ዝብል እምንቶ ኣለኒ)።
-ዝጥቀመሉ ቋንቋን ቅድን ቀሊልን ልዙብን መሳጥን እዩ
-ትሕትናን ኣኽብሮትን ዝመልኦ—ክሉ ግዜ ነቶም ጽቡቕ ዝገበሩሉ ወይ ብጽቡቕ ዝጸለውዎ ምስ ኣመስገነ እዩ
– ንውልቀ ተጋደልቲ፡ ንስዉኣት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ኣኽብሮት ይደጋግም
-ካብ ጽሑፉ ከም ዝረአ፡ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ገና ሰውራዊ (revolutionary) እዩ ዘሎ፡ ሰውራዊ ቋንቋ እዩ ዝጥቀም፡ እቲ ኣብ ደማስቆስ (ሱርያ) ተማሃራይ እንከሎ ዝጀመሮ ጸጋማዊ ክልሰ-ሓሳባዊ ስንቂ ገና ኣይነገፎን፡ ኣብ ኣገላልጽኡ ይረአ— ግን ከኣ ጽቡቕ እዩ ዝብል ርኢቶ ኣለኒ፡ ነቲ መጽሓፍን ጸሓፋይን መበቖላውያን ይገብሮም—(authentic ይገብሮም)፡ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ነዚ መጽሓፍ ዘንበበ ሰብ፡ ንኣተሓሳስባ፡ ብሂላት—ቋንቋ፡ ኣመላኻኽታ፡ ሰነ-ሓሳባዊ ዝምባለ፡ ሃንቀውታ—ተጋደልቲ ህግ እንታይ ከምዝነበረ ክርዳእ ይኽእል።
– ምትርጓም መጽሓፍ ቀሊል ኣይኮነን፡ ተርጎምቲ ኣዝዩ ንኡድ ስራሕ ሰሪሖም። ነቲ ብቋንቋ ዓረብን ንኣንባባይ ዓረብን ዝተጻሕፈ መጽሓፍ፡ ምስ ልሳንን ላዛን ስነ-ልቦናዊ ኣመላኻኽታን ነባባይ ትግርኛ ብዝሰማማዕ መገዲ ከቕርብዎ ብምኽእሎም ተርጎምቲ ኣዝዩ ብሉጽ ስራሕ ኣቕሪቦም። ኣርታዓይ እውን ክምስገን ዝግበኦ እዩ፡ ንስራሕ ተርጎምቲ ብምርታዕ፡ እቲ መጽሓፍ ሰተት ኢሉ ከምዝወርደልካ ገይርዎ። ሓንሳብ ምስ ሓዝካዮ ናብ ካልእ ውራይካ ክተሰግል ዘይገድፈካ መጽሓፍ ኮይኑ ረኺበዮ።
III- ዝኽርታትንተጋደልቲህ-ግ (ኣብሜዳዝነበርኩም)

ናብቲ ዕጥቅን ስንቅን ናይ’ቲ ደርማስ ውድብ ንምምላእ ብድሕሪ-መጋረጃ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ንእሽቶ መስኮት ይኸፍተልና፡ ክብሪ ነቶም ንውልቃዊ ህይወቶም ወፍዮም ለይትን መዓልትን ዝተዋደቓን ዝተዋደቑን ኣባላት ሓፋሽ ውድባት—እምበር፡ ወሪድዎ ተጋዳላይ ኤርትራ፡ እንተተረኽበት ሓንቲ-ሓንቲ ይብል ነይሩ፡ እንተተሳኢኑ ድማ ምስ ከብዱ እንዳተባኣሰ ናብ ድፋዕን ካልእ ውድባዊ ዕማምን—መን ንመን ደኣ ክሓትት—

ገለ ዛንታታት
– ሽዳ፡ ብኣፈርክቡ ንሜዳ ንምስዳድ ዝተገብረ ጻዕሪ
-ፈረሰኛታት ባሕርያ —”ብዘይካ ኣብ ካዝናታትና ዘሎ ጠያይቲ ወላ ሓንቲ የብልናን—ዝገብርኩም ግበሩ” ቃልሲ ምስ ባሕሪ—ባዱሪ (ናይ ሜዳ ልሙድ መጸውዒኡ እዩ ነይሩ) ንቀዳሞት ባሕረኛታት ህዝባዊ ሓይልታት፡ “ፈረሰኛታት ባሕሪ”  ይብሎ። ኣብ ምምዕባል ህዝባዊ ሓይልታት ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ከምዝተጻወቱ ብኣብነታት ይገልጽ።
– እንሓንሳብ ዘይተጸባኻዮ ዕድላት የጋጥም እዩ። ተጋ/ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ዓቕሚ ባህረኛታትና ንምዕባይ ንእሽቶ ሓገዝ ወይ ድማ ጥራሕ ኢዱ ክምለስ ናብ ኩዌት ይኸይድ። ንዓቕሚ ባሕረኛታትና ብዕጽፍታት ዝድርዕ ዘይተጸበዮ ሓገዝ—ከም ቆልዓ ክሳብ ዝሰራሰር ይኸውን፡ ነቲ ዓቕሚ ናብ ዓደን ንምጉዓዙ ዝተገብረ ቃልሲ—ኣዝዩ መሳጢ ዕላል—
– ወዲ ዓኸር፡ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዓሚቑ ሓዘን—ወዲ ዓከር (ሓርጭ) ተወዲኡ ናይ መግዝኢ ገንዘብ ካበይ ከምዝመጽእ ሓርቢትዎም እንከሎ፡ ባዱሪ ንስራሕ ጠበሽ ይብል—-ተጠማመት ኮነ። ዝሑል ባዕቲ፡ ደብዛዝ ህሞት—ንባዱሪ ሓሳብ ትመጽኦ። ኣብ ወጻኢ በብቕሩብ ክጠራቐም ዝጸንሐ ናይ ውዱባት ወርሓዊ—እታ ባዕቲ ብርሃንን ሙቐትን ዓሰላ፡ እቲ ህሞት በርሃው ኮነ—ንባዱሪ ግን ትእዛዝ ይመጾ።
”ንዓ በል ሕጂ-ሕጂ ክንድ’ዚ ኩንታል ካብ ሱዳን ሸሚትካ—ንምሽማቱን ናብ ሜዳ ንምእታዉን ዝተገብረ ቅልስ—እንሓንሰብስ፡ ሓንቲ ፍጻመ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ’ቲ ምሉእ ገድሊ ትህብ እያ—ገድሊ ከም ስማ ግድል።
– ጸረ ነፈርቲ “ማሕታ” ካብ መፋርቕ ሰብዓታት ኣትሒዙ ክሳብ ኣከባቢ ምዝላቕ (1978)፡ ማሕታ (ሰአስተ ኣፉ ጸረ ነፈርቲ ከቢድ ረሻሽ ከም ጸረ ነፈርቲ ወይ ጸረ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ነቶን ኣብ ኣከባቢ ፋሕ ዝነበራ ኣሃዱታት (ብሌቓት፡ ግሬቶ፡ ወድ-ጋን፡ እማህሚመ (ማይህመት)፡ ዜሮ–ከም ትዊተርናን ስማርት ፎንናን ተለቪዥንናን ራድዮናን ነይሩ። ገለ ዓወት ክርከብ ከሎ ናብቲ ኣብ ፋሕ መሪሕነት ምስ መጸ፡ ምሸት ሓባሮ ንሰማይ እዩ ዝፍኑ ነይሩ። ሓባሪ ንሰማይ ተሰሪዑ እንተርኢኻ ገለ ዓወት ከም ዘላ ትፈልጥ። እቶም ዎኪ-ቶኪ ሒዞም ዝነበሩ ኦፐረተራት ኬፎም ይሰብረሎም ነይሩ። ምኽንምያቶም ንሶም መልእኽቲ ተቐቢሎም ክነግሩና ከም ዓቢ ክብሪ ስለዝነበረ። ሓቂ ይሓይሽ ንሕና እውን “እሂ ደኣ” ንቦም ነይርና ኢና። ብዝኾነ፡ ማሕታ ታሪኽ ኣለዎ፡ ታሪኹ ድማ ቅድሚ ናብ ሜዳ ኤርትራ ዝመጽእ ይጅምር። ኣዝዩ ሰሓቢ ዛንታ— ክሳብ ከም በዓል ZU-23 ዝኣመሰሉ ረሻሻት ዝትክእዎ፡ ንሓጺር ግዜ ንጉስ ክሎም ብረታት ኮይኑ እዩ። ኣብ 1977 ንፎርቶ ከረን ምስ ተሳህለ፡ ኮማንዲስን ጦርሰራዊትን ቅድሚኡ ሰሚዖሞ ዘይፈልጡን ዘይተጸበይዎን ረሻሽ ምስ ዘነቦም፡ ረሲዐያ ኣለኹ ግን  “እዚ ናይ ኣረሜን ስራሕ እዩ” ዘስምዕ ኣቤቱታ ንኣምላኾም ኣቕሪቦም ይበሃል—ብዙሕ ተደሪፉሉን ተገጢሙሉን እዩ ማሕታ—
IV- ካልእ—ምስኣገደስቲሃገራውያንኣቦታትዝግበርዝነበረርክባትንጦብላሕታታትን
-ምስ ሼኽ እድሪስ መ/ኣድምን ተላ ባይሩን
-ምስ ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያምን ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣንን
– ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ
IV- ዝተረፈ—ምስካልኦትኣገደስቲሰባት
-ፈረንሳዊ ጻዕዳ “ሂላል” ደሓር ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝኾነ፡ “ሰውራና” ትብል ፊልም ትዝክሩ’ዶ?
– ኩዌታዊ ጀነራልን ኩወታዊ ጋዘጠኛን
– ሶማላዊ ጀነራል
– ግብጻዊ ጋዜጠኛ
– ሱዳናዊ በዓል ትካል

ፍቕሪ—ፍቕሪ—ግዜዘይፈሊ
ሰውራን ፍቕርን፡ የፍቅር ከኣ ነይሩ ባዱሪ ንብለኩም። ብግልጺ ድማ የዕልለና እዩ—ሓንሳብ ጥራይ ዘይኮነ ክልተ ግዜ ብፍቕሪ ተነኺኡ። ካብ ኣገላልጽኡ፡ ንፉዕ ፈቃር እዩ ዝመስል፡ ኣብ የመንን ኩዌትን።
ነታ ብ1973 ልኡኽ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዓደን እንከሎ ብወዝቢ ዝተጋጠመቶ “‘ማእከላይ ቁመት—ጽቡቕ ደናጉኣ—ሓጺር ስከርት ፈረንጂ ዝለበሰት—” ኢሉ ዝገልጻ ፋልመይቲ ዘውደቀቶ ጓል ምዃና እዩ ዝገልጽ—ኣብ ቁም-ነገር ከይበጽሑ ተፈላልዮም—ይኹን እምበር ህይወት ኣብ ዝኽሪ ባዱሪ ሰጢማ ምልቓቕ ኣብያቶ ትመስል። እታ ካልኣይቲ ኣብ ኩዌት ዝረኸባ ጓል ግን መጻኢት በዓልቲ ቤቱን ናይ ቃልሲ ብጸይቱን ኮይና። ኩዌት ዕድላት ባዱሪ ተባዝሕ ትመስል—ዘይተጸበዮ ሓገዝ ንሰውራ፡ ንዕኡ ኸኣ ፍቕሩ ቀሪባ ጸኒሓቶ። እንታይ እዩ ዝበሃል ብሓንቲ እምኒ ክልተ ዑፍ—ንሱ እውን ክኢላ ጨማታይ እንተኾይንካ እዩ።
መደምደምታ፡ ክንበብ ዘለዎ መጽሓፍ እዩ፡ ክንበብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከብሕኹም ክጠቐምጥዎ እትኽእሉ መጽሓፍ እዩ።

 

 

 

 

 

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com