ብሳክቲዝም!
ዝኽሪ ንግዳያት “09/18” ...ዒራዒሮ
“ዒራዒሮ ብ2001 ኣይኮነን ተኸፊቱ፡፡ እቲ ውድብ ካብ ዚጅምር ብዙሓት ዒራዒሮታት ሓሊፉ ኢዩ፡፡ ዲሞክራሲ ኣብ ዘይብሉ ሃገር፡ ባይቶ ኣብ ዘይፍቅድ መንግስቲ፡ ብናጻ ሓሳባትካ ምግላጽ ኣብ ዘይጻወር ስርዓት ዒራዒሮ ክህሉ ግድን ኢዩ፡፡
ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቶም ኣብ ዒራዒሮ ተኣሲሮም ዘለው ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ናይቲ ተኣሲሮምሉ ዘለው ኮንተይነራት ወይ ጎዳጉዲ ዘስካሕክሕ ኩነታት ኪሳቐዩን ኪሞቱን ከለው ገሊኦም ድማ ዓዊሮም ለሚሶም ሰንኪሎም ሞቶም ይጽበዩ ኣለው፡፡
ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ምቅርቲ እዋን ናጽነት ከምዚ ዝበለ ግፍዕታት ኪርኢ ኣይምተገበአን ነይሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኪእሰርን ኪስደድን ኣይመድለየን ነይሩ፡፡ ግን ብስውር መገዲ ናብ ኣምባገነንነት ዚሳገር ዝነበረ መሪሒነት ከይሓሰቦ ደበኽ ኢሉዎ፡፡ እቲ ብኣሸሓት ስውኣት እተረኸበ ናጽነት ከኣ ተረጊጹን ተደቒሱን ይቕጽል ኣሎ፡፡
እቲ ኣምባገነናዊ መሪሕነት ክሳዕ ዘሎ፡ ዒራዒሮታት ኪቕጽል ኢዩ፡፡ ግን ንነዊሕ ዚኸይድ ኣይመስለንን፡፡ ከመይሲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣሻሓት ከፊሉ ዘምጸኦ ናጽነት ኪጭወን ናብ ገደል ገጹ ክጎዓዝን ከሎ ትም ኢሉ ዚርኢ ኣይመስለንን፡፡ ግዜ ይወስድ ይኸውን፡፡ እቲ ሓቂ ግን ኪግለጽ እዩ፡፡ እሱራትን ስውኣትን ዒራዒሮ ሓቅነቶም ኪረጋገጽ ኢዩ፡፡” ኣብ ትርጉም መጽሓፍ “ትዕቢት ጎልያድ” ብመምህር ኣማኑኤል ሳህለ ዝተውሃበ ደምዳሚ ርእይቶ ኢዩ፡፡ ጠቓሚ መሲሉ ስለ ዝተረኣየኒ ከኣ ቅድም ክብ ሳክቲዝም ኣቕሪብዎ ምስ ዝነበረ ግዳያት ዒራዒሮ ከቕርቦ ወሲነ፡፡
“ንሕና ካብ ህዝቢ ተሓቢእና ንነብረሉ ምኽንያት የብልናን፡፡ ሰረቕቲ ኣይኮናን፡፡ ዘሕንኽ ነገር የብልናን፡፡ ናይ ህዝብና መሰል ክንግህስ፡ ናይ ህዝብና መሰል ክንቅንጥጥ፡ ካብ ናይ ህዝብና መሰል ምግፋፍ እንጥቀመሉ ነገር የብልናን፡፡” ቃል ፕረሲዳንት ኢይሳያስ 1996፡፡ ቃላት ኢሳይያስ፡ ምስ ክውንነት ዘይሳነ በኾኽታ? ኢሳይያስ ኩሉ ግዜ ብኣተሓሳስባ ክበልጸኒ እዩ፡ ኣብ ህዝቢ፡ ሰራዊትን ዓልምን ልዕለይ ተቐባልነት ክረክብ ይኽእል እዩ፡ ብዝኾነ መለክዒ ክሓልፈኒ ይኽእል እዩ ንዝበሎ ብጻዩ፡ መቓልስቱ ይኹን ካልእ ናይ ግድን ብዝኾነ መመሳመሲ ከውግዶ ኣለዎ፡፡ እዚ ታሪኽ ሰውራና ዘረጋገጾ ሓቂ እዩ፡፡
ብመሰረት”ዚ ድማ ነቶም ብጾቱ ከኣ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ብምልዓሎም ጥራይ ግዜን ኩነታትን መሪጹ፡ ዝጓዓዝ ጉዳመኛ ኢሳይያስ ኣብ ነፍሰወከፍ ዕለለታት ድሕሪ ናጽነት ከካብ መንበሪ ኣባይቶም፡ ካብ ስራሕ ቦቶኦም፡ ከካብ ዝወፈርዎ ዓውደ ንጥፈታቶም፡ ተተዓፊኖም ዝጠፍኡ ኣበየኡናይ ጎዳጉዲ ከምዝተወርወሩ ዘይፍለጡ ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም፡፡
ብስድራቤቶም፡ ብኣዕርኽቶም፡ ብኣብያቲ ፍርዲ፡ ብፖሊስን፡ ብኣህጉራውያን ሰብኣዊ መሰላትን ቀይሕ መስቀልን ዘይብጽሑ፡ ን15 ዓመታት ተሰዊሮም ዝነብሩ ኣያታትና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዜጋታት ከመይ ይርስዑ? ኣስማቶም፡ ምስሎም፡ ሕሉፍን እጹብን ታሪኾም ኣብ መራኽቦ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ከይረኣዩ፡ ዝተኸልከሉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ማእለያ የብሎምን፡፡ እዚኣቶም ሰብኣዊ መሰሎም፡ ክብሮም ዝተቐንጠጡ ህዝቢ ኣይኮኑን? እዚ ፍጻመ’ዚ “ካብ ህዝቢ ተሓቢእኻ…” ዝተወስደ ነውራም ተግባር ኣይኮነን? እዚ እከይ ተግባር እዚ ንፕረሲዳንት ኢይሳያስን ሒደት ጭፍርኡን ብገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት ኣየሕትቶምን?፡፡
ካብዚ ንላዕሊ ምጽናት ሰባትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነትን ስለዘየለ ከኣ እዩ ኩላትና ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ናብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ገበነኛታት ናብ ኣህጉራዊ ኣብያተ ፍርዲ ኣቕርቡልና ዝብል ጻውዒትና ክነቕርብ ዝተገደድናን ንቃለስ ዘለናን፡፡
ናይዚ መረጋገጺ ሓደ ድማ ኣብ ጉዳጉዲ ዒራዒሮ ካብ ዝቕየዱ 15 ዓመታት ዘቑጸሩ 35 ዜጋታት፡ እቶም 20 ዜጋታት ክሳብ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ግዳይ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ አሳይያስ ኮይኖም ሂወቶም ስኢኖም ዘለው፡፡ ቀቅድሚ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ስዊዘርላንድ-ጀኔቫን ኣብ ካልኦት ሃገራትን ናይ 2016 ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ ጉጅለ-15 ኣብ ጽቡቕ ኩነታትን ብሂወትን ኣለው” ኢሉ ዝገለጸ መልእኽተኛ ኢሳይያስ፡ ንሰብኣዊ መሰል ደቂ ኣዳምን ንምጽናት ደቂ ሰባትን ዝሕለቓ ዘይመንግስታውያን ትካላት ዓለምና ምእንቲ ከረጋግጻልና፡ ብምሉእ ሓይልና ንቃለስ፡፡
ብምኽንያት ዝኽሪ 15 ዓመት ግዳያት ጉጅለ 15፡ ጋዜጠኛታትን ገዳይም ተጋደልትናን ንሎሚ ዋላ እንተተዛረብና፡ ተመሳሳሊ ግዳይ ዝኾኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕቡኣት ቤት ማእሰርታት ዝተዳጎኑ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ ኣዚዮም ብዙሓት ዜጋታት ከምዘለው ዝፈለጥ እዩ፡፡
ግዳያት “09/18…” ክንደይ’ዮም? በዓል መን’ከ’ዮም?
ብዝሒ እሱራት “09/18” ብሓፈሻ 35 ዋላ እንተኾኑ ካብዚኦም”ቶም ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ዝተፈልጡ ግዳያት ከኣ እዞም ስዒቦም ኣስማቶም ዝዝርዘሩ ዜጋታት እዮም፡፡
1. ጀነራል ዕቑበ ኣብርሃ (መለለዬ ቁጽሪ 13)
1948 ተወሊዱ፡ መባእታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ደቂምሓረ ወዲኡ፡፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወድአ 1972 ናብ ህግሓኤ ተሰሊፉ፡፡ ኣብ 1977 1ይ ጉባኤ ኣባል ማ/ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤ/ጽሕፈትን ኮይኑ ተመሪጹ፡፡
1978- 1984 ኣዛዚ ሰ/ምብራቕ ሳሕል ኮይኑ ወራራት ስርዓት ደርግ ኣብ ምፍሻል መሪሕ ተራ ተጻዊቱ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ሚ/ር ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ሚ/ር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ 1999 ኣብ እዋን ኩናት ኤርትሮ- ኢትዮጵያ ናይ ጀነራል መዓርግ ተዓዲሉ ሓላፊ ቁጠባ፡ ምምሕዳርን ጥዕናን ከምኡ ውን ኣዛዚ ስታፍ ሓ/ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡
ኣባል G-15 ተባሂሉ 18/09/2001 ተዓፊኑ እምባትካላ ተወሲዱ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ 13/10/2002 ተሰዊኡ፡፡
2. ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ (መለለዬ ቁጽሩ 27)
ብ1948 ተወሊዱ፡ 1966 ናብ ተሓኤ ተሰሊፉ ኣባል ክፍለ 5 ኮይኑ ኣገልጊሉ፡ 1970 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንቢሩ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ብዝተፈላለየ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሰሪሑ፡፡ ሓላፊ ክፍሊ ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን፡ ሓላፊ ክፍሊ ህዝቢ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር፡ ፕረዚዳንት ኣብ ዘይህልወሉ ከም ፕረሲዳንት ኮይኑ ሰሪሑ፡ ናይ ሽማግለ ምርጫ ኣቦወምበር ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡
ከም ካልኦት ብጾቱ ዴሞክራስያዊ ለውጢ ስለዝጠለበ 18.09.2001 ተቐይዱ ድሕሪ ክልተ ዓመት ብሕማም ኣዝማ ተሳቒዩ ግቡእ ሕክምና ስለዘይተገበርሉ ብዕለት 04.06.2003 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እምባትካላ ኣብ ሸላኡ ተሰዊኡ ተረኺቡ፡፡ ሸሪፎ ቅድሚ ምሟቱ ዝተዛረባ ታሪኻዊት ቃል “ን37 ዓመት ምእንተ ሃገር ተጋዲልካስ ንብላሽ….” ትብል ኔራ፡፡
3. ሳልሕ እድሪስ ከክያ (መለለዬ ቁጽሩ 6)
ብ1950 ተወሊዱ ኣብ ባህርዳር ፖሊቴክኒክ ይመሃር ኔሩ ኣቋሪጹ ብ1976 ናብ ህግሓኤ ተሰሊፉ፡፡ ኣብ ሜዳ መምህር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ኔሩ፡ ኮሚሽን ሓላፊ ማእከል ወተሃደራዊ ስልጠና ኔሩ፡፡ ኣብ 2ይ ጉባኤ ናይ ግንባር ማ/ሽማግለ ተመሪጹ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማ/ሽማግለ ህግደፍ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ፡ ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን፡ ሓላፊ ፕረዚዳንታዊ ቤ/ጽሕፈት፡ ምክትል ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡ 2000 ካብ ዝነበሮ ሓላፍነት ወሪዱ ከንቲባ ዓሰብ ከምዝኾን ተጌሩ፡፡ ንለውጢ ስለዝጠለበ 18 መስከረም 2001 ምስ ብጾቱ ተኣሲሩ፡፡ ብዕለት 12/06/2003 ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
4. ሑሞድ ሕምድ (መለለዬ ቁጽሩ 31)
ብ1955 ተወሊዱ ሱዳን ዓብዩ ግብጽ ተማሂሩ፡፡ ኣብ ዒራቕ ዩንቨርስቲ ብከሚስትሪ ተመሪቑ፡፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ናይ “ኣባል ሓፋሽ ውድባት” ብምኻን ኣብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ሊብያን የመንን መንእሰያት ይውድብ ኔሩ፡፡ ካብ 1994- 2001 ኣባል ፈጻሚ ኣካል ህግደፍ፡ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ፡ ሓላፊ ኣውራጃ ሰንሒት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሓላፊ ክፍሊ ፖለቲካ፡ ጨንፈር ማእከላይን ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃ ኔሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡
ብ18 መስከረም 2001 ኣባል ጉጅለ-15 ተባሂሉ ተኣሲሩ፡፡ ብዕለት 22/09/2003 ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
5. ኣስቴር ፍስሃጽዮን (መለለዬ ቁጽራ 11)

ብ1951 ተወሊዳ ብ1974 ናብ ገድሊ ዝተሰለፈት ገዲም ተጋዳሊት’ያ፡፡ ኣስቴር በዓልቲ ቤቱ ንሚኒስተር ሸሪፎ ኔራ፡፡ ሓደ ቆልዓ ወሊዶም፡፡ እንኮ ወዳ ኢብራሂም ንናይ ቀረባ ሓላፊኣ ዝነበረ ብኢሳይያስ ዝተቀንጸለ ኢብራሂም ዓፋ ንምዝካር ብዝብል’ያ ሰይማቶ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣባል ማ/ሽማግለ ህግደፍን ኣባል ሃገራዊ ባይቶን ኔራ፡፡ ብ1996 ነቲ እናገበለ ዝቕጽል ነበረ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ብምቅዋማ ካብ ሓላፍነት ደስኪላ፡፡ 1999 ናብ ዝነበረቶ ሓላፍነት ተመሊሳ ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ምስቶም “ሰለማዊን ዲሞክራስያዊን ዘተ” ዝብል ቅሉዕ መልእኽቲ ናብ ፕረሲዳንት ኢሳይያስ ዝለኣኹ ኔራ፡፡ ኣባል ጉጅለ-15 ተባሂላ 18 መስከረም 2001 ተኣሲራ፡፡ ብዕለት 8/06/2003 ከኣ ብሓያል ጸቕጢ ኪሎማ ዒራዒሮ ተሰዊኣ፡፡
6. ጀርማኖ ናቲ ምሽሾ (መለለዬ ቁጽሩ 30)
ብ1940 ተወሊዱ ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኣሸሺ ቅዱስ ፍራንስ ተማሂሩ፡ ኣብ ፔታጎ ብኣካውንቲንግ ድሕሪ ምምራቑ ካብ 1971- 76 ኣብ ባራቶሊ ጡጥ ፋብሪካ ዓሊጊደር ተመዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣባል ጀብሃ ተጠርጢሩ ኣብ ሰንበል ብደርግ ተኣሲሩ፡፡ ብወትሃደራዊ ስርሒት ጀብሃ ወጺኡ፡፡
ድሕሪ ምውጽኡ ከኣ ናብ ሻዕብያ ተሰሊፉ፡፡ ምስ በዓል ደሃብ ፋቲንጋ ንከሰላ ተላኢኹ ንተወለድቲ ብሄር ኩናማ ብምጉስጓሽ ኣብ ጎኒ ህግሓኤ ክስለፍ ዝገበረ ተጋዳላይ እዩ፡፡
ብ1987 ኣብ 2ይ ውድባዊ ጉባኤ ኣባል ማ/ሽማግለ ኮይኑ ተመሪጹ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣማሓዳሪ ጋሽን ሰቲትን ኔሩ፡፡ 1994 ኣብ 3ይ ጉባኤ ንካልኣይ ግዜ ኣባል ማ/ሽማግለን ፈጻሚት ፖለቲካዊ ቤ/ጽ ህግደፍን ኮይኑ፡፡ 2000 ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተባሂሉ ተመዲቡ፡፡ ኣባል ጉጅለ-15 ብዝብል ድማ ብ18/09/2001 ምስ ብጾቱ ተኣሲሩ፡፡ ብዝተፈላለየ ሕማም ነዊሕ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ኣብ ወርሒ 01/2009 ተሰዊኡ፡፡
7. ኣልኣዛር መስፍን ጉዱም (መለለዬ ቁጽሩ 1)
ካብ ኣብኡ ኣቶ መስፍን ጉድምን ኣዲኡ ወ/ሮ ምስላ ደበሳይ ኣብ ዞባ ማእከል ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ፡፡ 5 ኣሕዋቱ ንሜዳ ወሪዶም ካብኦም ፍቕረን ኣሮን ዝበሃሉ ስለ ናጽነት ተሰዊኦም፡፡ ምሕረቱ ኣካለ ስንክልቲ ኮይና ናብ ናጽነት ኣትያ፡፡ ምስግና ዝበሃል ሓዉ ከኣ ብደርግ ተጠቐጥቂጡ ኣእምርኡ ዝሰሓተ ኣለዎ፡፡ ኣልኣዛር ብቢዝነስ ኣድሚንስትረሽን ካብ ኣዲስ አበባ ዩንቨርሲቲ ድሕሪ ምምራቑ ብ1975 ንሜዳ ተሰሊፉ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ንኣመሪካ ተላኢኹ ብማስትሬት ዲግሪ ብዝለዓለ ነጥቢ ተመሪቑ ንሃገሩ ተመሊሱ፡፡ ኣልኣዛር ኣቦ 3 ውላድ ኮይኑ ደቁ ጴጥሮስ፡ ኑኤልን ናታን ዝበሃሉ ኣብ ኣዲስ አበባ ተሰዲዶም ይርከቡ፡፡ ተደናጋጺ G-15 ተባሂሉ 18.09.2015 ምስ ብጾቱ ኣብ እምባትካላን ዒራዒሮን ተኣሲሩ፡፡ ወርሒ 9/2011 ተሰዊኡ ኣብ ሩባ ዒራዒሮ ተቐቢሩ፡፡
8. ተስፋይ ገብረኣብ (ጎመራ) (መለለዬ ቁጽሩ 16) ክእሰር ከሎ ዕድሚኡ 53 ይገብር ኔሩ፡፡ ገዲም ተጋዳላይ ህግሓኤ ጎሞራ ኣባል እንዳ 72 ኮይኑ ናብ ናጽነት ኣትዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ፡ ኢሚግረሽን፡ ኣብ ሚ/ሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ከምኡ ውን ሚ/ሪ ወጻኢ ጉዳያት ዲፕሎማት ኔሩ፡፡ ተደናጋጺ ጉጅለ-15 ተባሂሉ 2001 ተኣሲሩ እምባትካላን ዒራዒሮን ኣትዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ ወርሒ 11 /2010 ተሰዊኡ፡፡
9. ኪሮስ ተስፋንኪኤል (ኪሮስ ዓወር) (መለለዬ ቁጽሩ 21) ገዲም ተጋዳላይ ኪሮስ ዓወር ኣብ ሜዳ ፋርማሲስት ኮይኑ ይሰርሕ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሚኒስትሪ ቱሪዙም ዳይረክተር ጀነራል ተመዱቡ ይሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ኣመሪካ ተላኢኹ ብ International Relations ማስተሩ ሰሪሑ ምስተመልሰ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ተመዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረ በሊሕ ተጋዳላይ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡ ሓደ እዋን ሓደ ታሪኻዊ ቃል ንወዱ ፍቕረ ገሊጹሉ ሓሊፉ “ፍቕረ ወደይ ንሕና ብኢሳይያስ ተገዚእና ኢና ኣቲና፡ ንስኻ ከኣ ብኣብርሃም ኢሳይያስ ከይትግዛእ ሓደራ!!” ከምዝበሎ ይፍለጥ፡፡ ወርሒ 9/2011 ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
10. ሲራጅ ኢብራሂም መሓመድ ኪያር (መለለዬ ቁጽሩ 26) ዕድመ ከባቢ 63 ይገብር፡፡ ደረጃ ትምህርቱ ቢኤ ዲግሪ፡፡ ናብ ሜዳ ዝተሰለፈሉ 1969/70 ኮይኑ ፈለማ ኣባል ህዝባዊ ሓይልታት ደሓር ድማ ተጋደላይ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ናብ ናጽነት ኣትዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ኣብ ሚ/ሪ ምክልኻል ኣባል መኮነን ጥዕና ኮይኑ ይሰርሕ ኔሩ፡፡ ደሕሪ እዚ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ዲፕሎማት ኤርትራ ኔሩ፡፡ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ጽገሬዳ በየነ ተኽለሚካኤል ገዲም ተጋዳሊት ህ.ግ እያ፡፡ ኣቦ 3 ቆልዑ ኮይኑ ደቁ ኣድሃም፡ ኣድያምን ፌርዶስን ይበሃሉ፡፡ ድሕሪ ማእሰርቲ ኣቦኦም ኣድሃም ናብ ኢትዮጵያ ኣድያም ከኣ ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም ኣለው፡፡ ብተለምዶ ዶ.ር ስራጅ ተባሂሉ ዝፍለጥ ተጋ/ስራጅ ኢብራሂም ብዕለት 19/09/2001 ካብ ሆቴል TOP FIVE ኣስመራ ብኣባላት ጸጥታ ተዓፊኑ ተወሲዱ እምባትከላ ኣትዩ ብድሕሪኡ ንዒራዒሮ ቀጺሉ፡፡ ልክዕ ኣብ 10 ዓመቱ ወርሒ 9/2011 ከኣ ብሰንኪ ግፍዓዊ ማእሰርቲ ጉጅለ ኢሳያስ ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
11. ፍስሃየ ዮውሃንስ (ጆሽዋ) (መለለዬ ቁጽሩ 10)
ኣሰናዳኢን መስራትን ጋዜጣ ሰቲት ኔሩ፡፡ ናይ 1977 ገዲም ተጋዳላይ ህ.ግ እዩ፡፡ ገጣማይ፡ ዳይሪክተር ጉጅለ ባህሊን ኣሰልጣኒ ኤሮቢክስ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ተማሂሩ ንዓዱ ተመሊሱ፡፡ ዕድሚኡ ኣብቲ እዋን ከባቢ 46 ኔሩ፡፡ ደጋፊ ጉጅለ-15 ተባሂሉ ብ 2001 ተኣሲሩ፡፡ ስለ ምንታይ ከምዝተኣሰረ ደጋጊሙ ይሓትት እኳ እንተነበረ ሰማዒን መላሲን ብዘይምርካቡ ኣዝዩ ይሓርቕ ነበረ፡፡ ብክቱር ሕርቃን ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማን ተደጋጋሚ ናይ ነብሰ ቅትለት ፈተነታት የካይድ ኔሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ቤት ማእስርቲ እምባትካላ ብዕለት 13.10.2002 ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ተሰዊኡ፡፡
12. ዳዊት ሃብተሚካኤል (መለለዬ ቁጽሩ 12)
ምክትል ዋና ኣሰናዳእን መስራትን ጋዜጣ መቓልሕ ኔሩ፡፡ ካብ ኣስመራ ዩኒቨርሰቲ ብፊዚክስ ተመሪቑ፡፡ ካብ ወርሒ 10 ክሳብ ወርሒ 12/2010 ኣብ ዘሎ ግዜ ውሽጢ ተሰዊኡ፡፡
13. መድሃንየ ሃይለ ኣፍለ (መለለዬ ቁጽሩ 
መስራትን ምክትል ኣሳናዳኢ ጋዜጣ ቀስተደመና ኔሩ፡፡ ካብ ኣስመራ ዩንቨርስቲ ብሕጊ ተመሪቑ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ተመዲቡ ንሃገሩ ከገልግል ድሕሪ ምጽንሑ ተደናጋጺ ጉጅለ-15 ተባሂሉ ኣብ ቀይዲ እምባትካላን ዒራዒሮን ኣትዩ፡፡ ብዕለት 08/02/2006 ተሰዊኡ፡፡
14. ማቴዎስ ሃብተኣብ (መለለዬ ቁጽሩ 20)
ጋዜጠኛ መቓልሕ ኔሩ፡፡ ካብ ኣስመራ ዩንቨርስቲ ብስነ-ቁጽሪ ተመሪቑ፡፡ ዕድሚኡ ኣስታት 44 ይግመት፡፡ 2005 ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
15. ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ (መለለየ ቁጽሩ 
ኣሰናዳኢ ብሕታዊት ጋዜጣ ጽጌናይ ኔሩ፡፡ ናይ ቢዝነስ ኣድሚኒስትረሽን ምሩቕ ኔሩ፡ እታ ንዮሱፍ መሓመድ ዓሊ ካብ እምባትካላ ጀሚራ ዝተዓደለቶ መለለዬት ቁጽሪ 8 ድሕሪ መስዋእቱ ንስውእ መድሃንየ ሃይለ ተዓዲላ ዝነበረት እያ፡፡ ብዕለት 7/06/2003 ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
16. ስዒድ ዓብደልቃድር (መለለዬ ቁጽሩ 24)
ወዲ 48 ዓመት ምንባሩ ዝግመት ጋዜጠኛ ስዒድ ዓብደልቃድር ዋና ኣሰናዳኢን መስራትን ጋዜጣ ኣድማስን፡ ኣብ ሚ/ሪ ዜና ድማ ኣብ ጋዜጣ ኤርትራ ኣልሓዲሳ ጸሓፊ ኔሩ፡፡ ወርሒ 3/2005 ኣብ ዒራዒሮ ብማሕነቕቲ ነብሰቅትለት ፈጺሙ ሞይቱ፡፡
17. ሳህለ ጸጋዝኣብ (መለለዬ ቁጽሩ 32)
ገዲም ተጋደላይ ህ.ግ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ፍትሒ ናይ ሲቪላዊ ገበናት ሓላፊ ኔሩ፡፡ ኣብ ወርሒ 1/2005 ኣብ ዒራዒሮ ተሰዊኡ፡፡
18. ተስፋገርግሽ (መለለዬ ቁጽሩ 14)
ኣብ ዞባ ደቡብ ኣማሓዳሪ ን/ዞባ ጾሮና ነበር ገዲም ተጋዳላይ ተስፋገርግሽ ብዕለት 16/03/2004 ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ ተሰዊኡ፡፡ ቀቅድሚ መስዋእቱ “ኣብ ባንኪ ዝርከብ ገንዘበይ ንመእለይ ደቀይ ክኾውን ናይ ባንካ ቡከይ ንበዓልቲ ቤተይ ሃቡለይ“ እናበለ ይዛረብ ምንባሩ ይፍለጥ፡፡
19. ኪዳነ ወዲ ቀሺ (መለለዬ ቁጽሩ 5)
ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ኣባል ኣሃዱ ስለያ እንዳ 72ን ኣውቲስታ ተጋ/ጴጥሮስ ሰሎሞን ኔሩ፡፡ ወርሒ 10/2009 ተሰዊኡ፡፡
20. መሓሪ ያኢቆብ (መለለዬ ቁጽሩ 15)
ኣውቲስታ ሚ/ር ሳልሕ ከክያ ከምዝነበረ ይፍለጥ፡፡ ብዛዕባ”ዚ ዝፈልጥ ኤርትራዊ እንተሎ ሓበሬታ ክውስኸሉ ንላቦ፡፡ ዝተሰውኣሉ 2008 ኣብ ዒራዒሮ እዩ፡፡

 

ስለ ምንታይ ሞይቶም?
ብዘይዝኾነ መርመራ፡ ናይ ቤት ፍርዲ መስርሕ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሓንቲ ጸባብ ሸላ ምንባርን ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዘይምርኻብን ከቢድ ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጢ ስለዝወረዶም፡ ኣብ ገድሊ ንናጽነት ብመውጋእቲ ብኣካላዊ ድኻም ኣዝዮም ጉስቁላት ስለ ዝነበሩ ነቲ ከቢድ ጸቕጢ ክጻወርዎ ብዘይምኽኣሎም፡ ንዝተፈለላየ ዘጓነፎም ሕማማት ዝፍውስ ቀረብ ኣፋውስን ብቔዓት ሓካይምን ስለ ዘይቀረቡሎም፡ ኣብ ምክልኻል ሕማማት ዝሕግዝን ኣካላት ዝሃንጽን ተመጣጣኒ መግቢ ስለ ዘይዕደሎም፡ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 9/ወርሒ 6/2003 ካብ ዝሓሸ ጸቕጢ ኣየር ዝነበሮ እምባትካላ ናብ ኣስታት 45 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዋዒን ለይቲ ሓያል ናይ ባሕሪ ጎስዒ ዝፈጠሮ ቀዝሒን ኪሎማ ዘለዎ ሩባ ዒራዒሮ ምስወረዱ ንክልቲኡ ዓይነት ኪሎማ ክጻወሩዎ ብዘይምኽኣሎም፡ ክዳኖምን መንጸፎምን ክልተ ኮቦርታ ጥራይ ብምንባሩ ለይቲ ነታ ሓንቲ ኮቦርታ ኣብ ሲሜንቶ ይንጸፍዋ እታ ካልአይቲ ይለብሱዋ ሓድሓደ እዋን እውን ነታ ሓንቲ መንጸፎምን ክዳኖምን ገይሮም ነታ ካልአይቲ ክትረኣስዋ ስለዝግደዱ ቀትሪ ኣንጉዕኻ በዘምክኽ ዋዒ ለይቲ ከኣ ኣንጉእኻ ዘንቅጽ ቀዝሒ ኣዝዮም ስለዝተሃሰዩ፡ ናይ ነፍሰወከፎም መደቀሲ፡ ቤት ሽቓቕ፡ መሕጸቢኦም ኣብታ 3 ብ 3 ሜትር ስኬር ዝስፍሓታ ጸባብ ሸላ ውሽጢ ስለ ዝርከብ እታ ሸላ ጽሬታ ዝተሓለወ ስለዘይኮነ፡፡ ራህዲ (ኦሞዲቲ) ስለተምጽእ፡፡
ጉጅለ ኢሳይያስ እሱራት ከይጠፍኡ’ምበር ከይሞቱ ዋላ ሓንቲ ኣይግደስን፡ ስለዚ ቅድሚ ምሟቶም ዝግበር ቅድመ ምክልኻል ኣይነበረን የግዳስ ደይ መደይ ተባሂሉ ክሞቱ ይግበር ከምዝነበረ እቲ ዝተገልጸ ኩነታት ዘግህዶ ሓቂ እዩ፡፡ ምስ ሞቱ ካብ በዓል ፍሸይ መራራን ወኪን ተበጊሱ ንባሕሪ ገጹ ኣብ ዝወርድ ወሓዚ ሩባ ዒራዒሮ ይቕበሩ ኣዕጽምቶም ብውሕጅ ክውሰድ ይግበር፡፡
ቀንዲ ተሓተቲ ግዳያት “09/18” መን’ዮም?
1. ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ፕረሲዳንት ሃገረ ኤርትራ
2. ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ
3. ሜ/ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ኣብቲ እዋን ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 05
4. ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ሓላፊ ወኪል ሃ/ድሕነት ኤርትራ
5. ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ኣዛዚ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ኤርትራ
6. ብ/ጀነራል (ዶ.ር) ሃይለ ምሕጹን ሓኪሙ ንዘየድሕኖም እንዳተመላለሰ ዝሪኦም ዝነበረ
7. የማነ ገብረኣብ ሓላፊ ጉዳያት ፖለቲካ ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረሲደንትን
8. ሌ/ኮሎኔል ኢሳቕ ኣርአያ (ወዲ ሓኪም) ሓላፊ ቤ/ማእስርቲ እምባትካላን ዒራዒሮን
9. ኮ/ል ሓረጎት ፍርዙን (ወዲ ፍርዙን) ኣዛዚ ክ/ሰ 22
10. ብ/ጀ ሚኪኤለ ሓንስ (ወዲ ሓንስ) ሕጂ ኣዛዚ ክ/ሰ 26 ዘሎ ኣብቲ እዋን ኣዛዚ ክ/ሰ 32 ዝነበረ ካብ እምባትካላ ናብ ዒራዒሮ ኣብ ምምልላስ ዝተሳተፈ ናይ ሚስጢር መኻፍልቲ በዓል ውጩ ነበረ
11. ኮ/ል ሓዱሽ ዓንዶም (ወዲ ወለላ) ሓላፊ ስለያ ተወርዋሪ እዚ (ኣብቲ እዋን ስታፍ ስለያ ስርሒት ዞባ 05) ካብ እምባትካላ ናብ ዒራዒሮ ኣብቲ ምግዓዝ ናይ ሚስጢር ተሳታፊ ዝነበረ
ዝኸበርኩም ኣንበብቲ!
ብዛዕባ'ዞም ን15 ዓመታት ብዘይዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ሕቡእ ጎዳጉዲ ተደርቢዮም ዝርከቡ ግዳያትና ዝምለከቶም ኣህጉራውያ፡ ዓለም ለኻውያን ውድባትን መንግስታትን ኣብ ልዕሊ'ዚ ዓፋኒ ስርዓት ፍሉይ ጸቕጢታት ብምግባር ሃለዋቶም ናይ ምርግጋጽን ብሂወት ዝተርፉ እንተተረኸቡ ንምድሓን ቃልስታትና ኣሕይልና ክንቅጽል ይግባእ፡፡

 

ካልእ ቅድም ክብል ኣብታ ብህግደፍ ዝተኣገደት ፔጅ ሳክቲዝም (SACTISM) “ግዳያት 09/18” ብዝብል ኣርእስቲ ተዘርጊሑ ስለዘሎ ብዝርዝር ምርኣይ ከምዝከኣልን ክሳብ ሕጂ ብሂወት ይሃልው ኣይሃልዉ ብዛዕባ ዘየረጋገጽኩዎም 15 ዒራዒሮ ኣብዚ ዘይምግላጸይ ግዳያት ኣይኮኑን ማለተይ ከምዘይኮነ ክትርዱኡለይን ብትሕትና ይሓትት፡፡

 

http://www.ehrea.org/Haile_Woldetensae1.pd

 

 

  ehrea
 

                      ehrea.org © 2004-2017. Contact: rkidane@talk21.com